30/07/2016 19:09 PM

Seminar / ሰሚናር / ندوة  

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡፡

Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots’ Movement (GIEEGM)

 المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية

               ቀዳማይ ክፋል፡    ካልኣይ ክፋል

See Related:






27/07/2016 14:28 PM

ኣብ ኤርትራ ሓርበኛነኣብ ኤርትራ ሓርበኛነት ብከመይ ክንጻባረቕ ይግባእ - by Merid Zeruት ብከመይ ክንጻባረቕ ይግባእ?

ብ’መርእድ ዘርኡ

   1. ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ኣምር ሓርበኛነት፡-

ኩሉ ሳዕ ኣብ ሓደ እኩብ ህዝቢን መሬትን (መሬትን ህዝቢ ዓዲ ኣቦ ወይ ኣደ) ንምክልኻል ዝዉፈ፡ ዘፍቕርን ንህዝቢ ተማእዚዙ ዘገልግል ሰብ፡ ኣብ ኩሉ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ማሕበራዊን ባህላዊን ኣቛዉማ (ስርርዓት) ህልዉ እኳ እንተነበረን ዘሎን፡ ሓርበኛነት (Patriotism) ብጉኑን መልክዑ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ክብደታትን ትርጉምን እንዳሓዘ ዝመጸ ግን ድሕሪ 1648 ምስ ምፍጣር ሪፖፕሊክ ኣብ ዓለምና እዩ። Read more




24/07/2016 21:49 PM

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ

ብሳሙኤል ገብረሂወት


ኣብዚ ቕንያት እዚ ኣብ መርበባት ሓበሬታን ሬድዮ ደለይቲ ፍትሕን ብዛዕባ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ምህላው መዓልቲ ሓርበኛታት ብዝምልከት ቅዱስ ሓሳብ  ክዝረብ ቀንዩ ኣሎ።  እቲ መንቀሊኡ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ሓያሎ ኣዋርሕ ይገብር ሰይቲ ስዉእ ውፍይቲ ተቓላሲት ኪኪ ጸጋይ፡  "ንሓርበኛታትና ካብ 365 ዕለታት ዓመት: ሓንቲ መዓልቲ መሪጽና ክንዝክሮም ኣለና!" ዝብል ሓሳብ ኣንቂላ ምስ ሓደ ሓደ ተቓለስቲ ክትዘራረብ ጀሚራ።  እቲ ሓሳብ ኣብ ብዙሓት ብሓርበኛታቶም ዝግደሱ ደቂ ሃገር ስለዝጸንሐ፡ ነዚ ቅዱስ ሓሳብ እዚ ዝኣመኑሉ ግዱሳት ሃገራውያን አሕዋት፡ ብዛዕባ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን መዓልቲ ሓርበኛታት ንንውሕ ዝበለ እዋን ብምዝርራብ፡ ክሳብ ዳሕራይ እዋን ህዝቢ ብሰፊሕ ተሳትፎ ዘትዩን መኺሩን ዝሓሸት ዝብላ ዕለት ዝመርጽ፡ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ  ምስናይ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታኣ ግዚያዊት ሃገራዊት መዓልቲ ሓርበኛታት ክትከውን ኣሚሞም። ስለዝኾነ እትመጽእ ዘላ ቀዳም ሽዱሽተ ነሓሰ ቀዳመይቲ ሃገራዊት መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኮይና ክትበዓል እያ። Read more




21/07/2016 15፡13 PM

ትሕዝቶን ሓያልነትን ናይቲ ኣብ 1997

ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ፡ ቅዋም ኤርትራ

ሃገራዊ ቅዋም፡ ንህዝቢ ናይ ሓደ ሃገር፡ ልዑላዊ ስልጣን ዝህብ ኢዩ። ቅዋም፡ እቲ ዝለዓለ ስልጣንን ሕጊን ናይ ሓደ ሃገር ኢዩ። መንግስቲ ድማ፡ ቅዋም ብዝእዝዞ መሰረት፡ ኣካላቱ ሰሪዑ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ኮይኑ ይሰርሕን የገልግልን። ቅዋም ናይ ሓደ ሃገር ክቕይር ወይ ከመሓይሽ ልዑላዊ ስልጣን ዘለዎ፡ እቲ ብዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ ምርጫ  ዝቖመ ባይቶ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ። እቲ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምና፡ ሓደ ካብ ኣዝዮም ብሉጻት ቅዋማት ናይ ክፍለዓለምና ኢዩ ነይሩ።

     ባይቶ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋም ብምምርኳስ፡ ኮሚሽን ምርጫን፡ ሽማግለ ምቛም ሰልፍታትን፡ እውን መዚዙን ስልጣን ሂቡን ነይሩ ኢየ። በዚ መሰረት ድማ፡ ሕጊ ምቛም ሰልፍታት ኣብ ኤርትራ ተነዲፉ፡ ናብ ትግባረ ድማ ተዳልዩ ነይሩ ኢዩ።  Read more




20/07/2016 05፡13 AM

ዳግመ ርኽክብ ሓርበኛታት ኤርትራ  2016

لمٌ شمل المحاربين الارتريين القدماء 2016

ERITREAN VETERANS’ REUNION 2016

August 6/2016 Saturday

التاريخ: 6 أغسطس 2016

ቀዳም 6 ነሓሰ 2016

Read more ተወሳኺ ሓበሬታ اقرأ أكثر…>>




17/07/2016 21፡54 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

ናይ 17 July 2016 show መደብ

ፍልይቲ ዜማ

ንኽብሪ ሓርበኛታት ኤርትራ Eritrean Veterans Day

On first half hour, famous Artist, Habtom Debesay, is singing live on the air, in respect of Eritrean veterans and Kiki Tsegay is talking with regards to the all Eritrean veterans. The rest of Voice of Eritrea show was Music entertainment.

ሰንበት 17 July 2016 ክልተ መደባት ኢዩ ተዳልዩ፡-

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ሰዓት፡- ህቡብ ስነጥበባዊ መንእሰይ ሃብቶም ደበሳይ፡ ንኽብሪ ሓርበኛታት ኤርትራ ዘዳለዎ ህያብ መዝሙር፡ ምስኡ ስዒቡ ድማ ጽሑፍ ብሓፍትና ኪኪ ጸጋይ ከምኡ'ውን ናይ ምስጋና ቃላት ካብ መስረትቲ ኣባላት ንዝኽሪ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ። ካብኡ ዝቐጸለ ዝሰፍሐ ሙሉእ መደብ ድምጺ ኤርትራ ድማ፡ መደብ ምዝንጋዕ ደርፍታት ኢዩ።

Past shows or to listen: click here

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብዚ ጠውቑ




17/07/2016 21፡54 PM

‘ ሓገዝ ንኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት) ሓርነት

(ጨንፈር-ከሰላ ሱዳን)

Fundraising Call for ELF Disabled Veterans - in Kassalla- Sudan

ቅድሚ ሕጂ ተጀሚሩ ዝነበረ መደብ ምሕጋዝ ኣካለ-ጽጉማን ሓርነት (ከሰላ-ሱዳን) Disabled Veterans - Kassalla-Fundraising ሓገዝኩምን ወፈያኹምን ክትቅጽሉዎ ጻዋዒት ይቐርብ ኣሎ’ሞ፡ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዓቕሙ ከወፊ፡ ስኒትና.ኮም ደጊማ ትምሕጸን።

ነዚ ዝምልከት ኣቐዲሙ ዝተፈነወ መደብ ራድዮ፡ ዘተ ምስ ኣባላት ኣካለ-ጽጉማን ኣብዚ ዝስዕብ ክትሰምዑዎ ትኽእሉ ፡-

ብቀጥታ ወፈያኹም ብባንክ ክትልእኩ ንእትደልዩ፡ ወይ ድማ ናይ ተለፎን ኣድራሻ ምስ እትደልዩ፡ ሙሉእ ሓበሬታ ናይ ኣመሪካን ኤውሮጳን መከሲታት ኣብዚ ጠውቑ






15/07/2016 17:07 PM

38 years ago

Ethiopia murdered my husband,

Berhane Tesfamariam

by Kiki Tzeggai


My dear husband:

Here comes the sad anniversary of your imprisonment and murder at the hands of the Ethiopian occupier.


I remember vividly that fatal Saturday morning of July 15, 1978.


Your face turned grey when one of the soldiers said “Misteyom tehiedalech! Autaat”!  “Take his wife along” in Amharic/Ethiopian language.


Your face turned paler when you and I heard the voice….Read more




15/07/2016 17:07 PM

ቃለመሕትት ምስ ሳሚኤል ቢዘን (ወዲ ቢዘን)፡

መብርሂ ብዛዕባ

     ውሳኔ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውሕሃ





15/07/2016 17:07 PM

ENCDC To Hold Its Congress In Addis Ababa

by Awate team

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2016፡ 2ይ ጉባኤኡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ (by Awate team)

[ Awate.com ]


After it stayed stuck in an impasse for almost four years, the Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC) said it will hold its second congress in December 2016. Fifteen opposition organizations are committed to holding the second congress.


The Hawassa congress where the ENCDC was elected, was the largest Eritrean congress after independence of Eritrea. Over 500 delegates from all over the world attended the congress. However, the ENCDC was marred by crisis that started soon after the conclusion of the congress. Read more




12/07/2016 18:20 PM

ክልሰ-ሓሳባዊ ትርጉምን ግብራዊ ህላወን `ሓድነት`

ብ’ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን


ፖለቲከኛታት፡ ነዛ ሓድነት እትብል ቃል መምስ ድሌታቶም ኣመሳሲሎም ዝተፈላለ ትርጉም ብምሃብ ኣብ ባይታ ብግብሪ እንከላ ከምዘየላ፡ ፈጺማ ትንፋስ ዘይብላ ክንሳ ድማ ከም ህያው ኣምሲሎም ክውርቕዋ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ይኸውን ስለ ዘሎ፡ መጣልዒት ጆኴሮም ኮይና ክበሃል ይከኣል። ብኸመይን መኣስን ኢዮም ምስላ ዝቐያይርዎ ቅድሚ ምግላጽና፡ ቀንዲ ትርጉማን ግብራዊ ህላወኣን ምብራህ ኣድላይ ኮይኑ ይስመዓና። ስዒቡ ምስ ህሉው ኩነታትና ብምዝማድ ምግላጻ ክፍተን ኢዩ።

 Read more





10/07/2016 22:29 PM

 ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ)

Ethio - Eritrea conflict and its solutions & resolution of the indictment of Geneva and its consequences

ግጭት ኢትዮ-ኤርትራን መፍትሒኡን፡ ውሳኔ ክሲ ጀነቫን ክህሉ ዝኽእል ሳዕቤናትን

ዕላል ምስ ገዳይም ተጋደልቲ፡-

Voice of Eritrea Halifax Canada Is conducting panel discussion with three Veterans: Adiam Tefera from Germany, Merid Zeru from Netherland, Kibreab Tesfu and Yacoub Abdela about the current development in Ethio - Eritrea conflict and its solutions. What would be the resolution of the indictment of Geneva and its consequences. And other related issues, the statue of Eritrean refugees in Israel and the victims of Mediterranean ocean. መዛተዪ ኣርእስቲ፡-ግጭት ኢትዮ-ኤርትራን መፍትሒኡን፡ ውሳኔ ክሲ ጀነቫን ክህሉ ዝኽእል ሳዕቤናትን።
ዕላል ምስ ገዳይም ተጋደልቲ፡- (1) ኣድያም ተፈራ፡ (2) መርእድ ዘርኡ፡ (3) ያቆብ ዓብደላ፡ (4) ክብርኣብ ተስፉ

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብዚ ጠውቑ። Past shows or to listen: click here




09/07/2016 22:18 AM

It is long overdue

Eritrean Veterans' Day

By Kiki Tzeggai

"When a person doesn't have gratitude, something is missing in his or her humanity. A person can almost be defined by his or her attitude towards gratitude."

"The opposite of life is not death, it is indifference." Elie Wiesel (1928 - 2016)


I took for granted our "tegadeltys" when they left the comfort of their houses and fought a war to give me and all Eritreans the freedom we craved for 30 years. Read more





09/07/2016 22:18 AM

ሓደጋታት ናይ ብዘይ ልዕልና ሕጊ ዝውሰኑ ሉዓላዊ ጉዳያት ኤርትራ

[ ድምጺ መድርኽ ]

ኣብዚ ሳልስቲ እዚ ወደብ ዓሰብ ብ500 ሚልዮን ዶላር ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምእተኻረየ ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ወግዓውነቱ ብዘረጋግጽ መንገዲ ክግለጽ ቀንዩ ኣሎ። ኣብዛ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ዘቤትን ዞባን ኣብ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን መዳያት ዝተፈላለዩ ምዕባለታት እኳ እንተተራእዩ፥እቲ ዝዓበየ ግን ኣብ ጸጥታውን ወተሃደራውን መዳይ ዝተኸስተ ምዕባለታት እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ክስተትዚ ምስ ጽምዶ ናይ መንግስቲ…Read more




08/07/2016 15:55 PM

ኮለጅ ተክኖሎጂን ስነፍልጠትን፡ 367 ሞያውያን ጥዕና፡ ኣመሪቑ። College of Health Science and Technology graduates 367 students

[ shabait.com ]

Asmara, 04 July 2016- The Asmara College of Health Science and Technology graduated on 2 July 367 students in different fields of study. 40% of the graduates are females. 124 of the students graduated in Degree and 243 in Diploma. ኮለጅ ተክኖሎጂን ስነፍልጠትን፡ 367 ሞያውያን ጥዕና፡ ብዲግሪን ዲፕሎማን፡ ብዕለት 02 ሓምለ 2016 ኣመሪቑ። Read more




03/07/2016 03:36 AM

ፍሉይ ቃለ መሕትት ምስ  ዓብዱራሕማን ሰይድ

ቀዳማይ ክፋል፡    ካልኣይ ክፋል





03/07/2016 22:17 PM

ሓገዝኩም ኣይፈለያ። Please Help!

ወ/ሮ ሰናይት ኣሕፈሮም፡ ሓገዝ ክግበረላ እትልምን ዘላ፡ ብሕማም ካንሰር ናይ ጡብን ናይ ርእሲን እትሳቐ ዘላ፡ ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑ ኤርትራዊት ኢያ። ኣብ ፌስቡክ ጻዋዒታ ምስ ረኸብኩ፡ ሎሚ (03 ሓምለ 2016) ምስ ሰናይት ብቴለፎን ኣዕሊልና ኔርና። ሕጂ፡ ምስ ኣርባዕተ ደቃ ኣብ ካርቱም፡ ደገፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እናሓተትኩን ጎረባብቲ ድማ ንደቀይን ነብሰይን እናኣለዩን ክዳውንተይ እናሓጸቡለይን ይነብር ኣሎኹ ትብል። ንሓንቲ ከኒና (ንሓደ-ወርሒ እትውሰድ) 500 ዶላር ከም እትኸፍል ሓቢራ። እሞ ኩልኹም ኤርትራውያንን ፈተውቲን፡ ኢድኩም ክትዝርግሑላ ስኒትና.ኮም ትላበወኩም። ሓገዝ ንምስዳድ፡ ብቀጥታ በዚ ስልኪ ቁጽሪ ክትረኽቡዋ ትኽእሉ፡-00249960531229  ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ናብ ስኒትና.ኮም ተወከሱ።

Mrs Senait Ahferom, an Eritrean woman, mother of six children, who is suffering of Breast and Brain cancer is asking for financial support to pay for her medication. She is in Khartoum, Sudan, to seek treatment., According to telephone conversation today (03 July 2016). ALL Eritreans and sympathisers, please extend your hands to help this suffering mum.  To send your support, she can be reached at this telephone number: 00249960531229. We pray to God that she will be healed. If you have any queries, please contact Snitna.com.


ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓ/ብሪጣንያ)





01/07/2016 16፡23 PM

እቲ ብጅቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ሎሚ 01 ሓምለ 2016፡ ብዘይ ድምጺ ምሃብ ማለት ብዓብላሊ ስምምዕ ሓሊፉ። The Draft Resolution submitted by Djibouti and Somalia Adopted without vote, by the UN-HRC, on 01 July 2016.


The Draft Resolution submitted by Djibouti and Somalia Adopted without a vote as only Five countries (Russia, Cuba, Bolivia, China and Ecuador) from the whole room disassociated themselves from the consensus on Article 17 of the Draft resolution which calls the case should be submitted to the Security Council.


እቲ ብጅቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ብዘይ ድምጺ ምሃብ ማለት ብዓብላሊ ስምምዕ ሓሊፉ። ሓሙሽተ ሃገራት ማለት፡- ሩስያ፡ ኩባ፡ ቻይና፡ ቦሊቭያን ኢኳዶርን ጥራይ ኣብ ዓንቀጽ 17 ማለት እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ክምራሕ ኣለዎ ንዝብል ዓንቀጽ ብምቅዋም ካብቲ ስምምዕ ብምስሓብ ድምጸን ክህባ ኣይመረጻን። ስለዚ ብዓብላሊ ስምምዕ ብዘይ ድምጺ ምሃብ በተን ልዕሊ ኣርባዓ (ልዕሊ 40) ዝኾና ሃገራት ናይቲ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (Human Rights Council) ቅቡል ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ ማለት'ዩ።

See Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Copyright © www.snitna.com

Top

July 2016 - Archive