|
|
21/07/2016 15፡13 PM
ትሕዝቶን ሓያልነትን ናይቲ ኣብ 1997
ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ፡ ቅዋም ኤርትራ
ሃገራዊ ቅዋም፡ ንህዝቢ ናይ ሓደ ሃገር፡ ልዑላዊ ስልጣን ዝህብ ኢዩ። ቅዋም፡ እቲ ዝለዓለ ስልጣንን ሕጊን ናይ ሓደ ሃገር ኢዩ። መንግስቲ ድማ፡ ቅዋም ብዝእዝዞ መሰረት፡ ኣካላቱ ሰሪዑ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ኮይኑ ይሰርሕን የገልግልን። ቅዋም ናይ ሓደ ሃገር ክቕይር ወይ ከመሓይሽ ልዑላዊ ስልጣን ዘለዎ፡ እቲ ብዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ ምርጫ ዝቖመ ባይቶ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ። እቲ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምና፡ ሓደ ካብ ኣዝዮም ብሉጻት ቅዋማት ናይ ክፍለዓለምና ኢዩ ነይሩ።
ባይቶ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋም ብምምርኳስ፡ ኮሚሽን ምርጫን፡ ሽማግለ ምቛም ሰልፍታትን፡ እውን መዚዙን ስልጣን ሂቡን ነይሩ ኢየ። በዚ መሰረት ድማ፡ ሕጊ ምቛም ሰልፍታት ኣብ ኤርትራ ተነዲፉ፡ ናብ ትግባረ ድማ ተዳልዩ ነይሩ ኢዩ።
ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ንልዕልና ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብምጥሓስ፡ ቅዋምና ከምዝቐበሮን ከይሓፈረ ድማ ኣብ 2015 ዝገበሮ ናይ ኤሪ-
ስለዚ፡ ሃገራዊ ባይቶና ናብ ቦትኡ ክምለስ፡ ቅዋምና ክትግበር፡ በዚ መሰረት ድማ ልዑላዊ ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ፡ ህዝቢ ጉዳዩ ባዕሉ ክውስንን፡ እቲ ቀዳማይን ልዕሊ ኹሉን ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።
እምበኣር፡ እስከ ምልስ ኢልና፡ ንትሕዝቶን ሓያልነትን ናይቲ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋምና ንስማዓዮ፡-
ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓ/ብሪጣንያ 21.07.2016)