Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

21/07/2016 15፡13 PM

ትሕዝቶን ሓያልነትን ናይቲ ኣብ 1997

ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ፡ ቅዋም ኤርትራ

ሃገራዊ ቅዋም፡ ንህዝቢ ናይ ሓደ ሃገር፡ ልዑላዊ ስልጣን ዝህብ ኢዩ። ቅዋም፡ እቲ ዝለዓለ ስልጣንን ሕጊን ናይ ሓደ ሃገር ኢዩ። መንግስቲ ድማ፡ ቅዋም ብዝእዝዞ መሰረት፡ ኣካላቱ ሰሪዑ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ኮይኑ ይሰርሕን የገልግልን። ቅዋም ናይ ሓደ ሃገር ክቕይር ወይ ከመሓይሽ ልዑላዊ ስልጣን ዘለዎ፡ እቲ ብዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ ምርጫ  ዝቖመ ባይቶ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ። እቲ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምና፡ ሓደ ካብ ኣዝዮም ብሉጻት ቅዋማት ናይ ክፍለዓለምና ኢዩ ነይሩ።

     ባይቶ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋም ብምምርኳስ፡ ኮሚሽን ምርጫን፡ ሽማግለ ምቛም ሰልፍታትን፡ እውን መዚዙን ስልጣን ሂቡን ነይሩ ኢየ። በዚ መሰረት ድማ፡ ሕጊ ምቛም ሰልፍታት ኣብ ኤርትራ ተነዲፉ፡ ናብ ትግባረ ድማ ተዳልዩ ነይሩ ኢዩ።

     ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ንልዕልና ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብምጥሓስ፡ ቅዋምና ከምዝቐበሮን ከይሓፈረ ድማ ኣብ 2015 ዝገበሮ ናይ ኤሪ-ቲቪ ቃለመጠይቕ፡ "ቅዋም ሞይቱ ኢዩ!" ኢሉ መርድእ ከም ዝነገረናን፡ ዝዝከር ኢዩ። ብተማሳሳሊ፡ ንመስርሕ ትግባረ ምቛም ሰልፍታት እውን ዓጊቱዎ ኢዩ። ንትግባረ ቅዋም ዝጠለቡ ኣባላት ባይቶን ሓለፍቲን፡ ንዕኡ ዘቃልሑ ጋዜጠኛታትን ድማ ሞቚሑ ሰዊሩዎም። ሓደ መንግስቲ፡ ሕጋውነት ክህልዎ እንተድኣ ኾይኑ፡ መጀመሪያ ተማእዛዝነቱ ንልዑላዊ ሃገራዊ ቅዋምን፡ ንሃገራዊ ባይቶን ምስ ዘረጋግጽ ጥራይ ኢዩ። በዚ መንጽር እምበኣር፡ እቲ ካብ ምፍራስ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንደሓር፡ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ኣመራርሓ ሕጋውነት የብሉን፡ ክንብል ንኽእል።  

     ስለዚ፡ ሃገራዊ ባይቶና ናብ ቦትኡ ክምለስ፡ ቅዋምና ክትግበር፡ በዚ መሰረት ድማ ልዑላዊ ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ፡ ህዝቢ ጉዳዩ ባዕሉ ክውስንን፡ እቲ ቀዳማይን ልዕሊ ኹሉን ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

     እምበኣር፡ እስከ ምልስ ኢልና፡ ንትሕዝቶን ሓያልነትን ናይቲ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋምና ንስማዓዮ፡- ኣብዚ ጠውቑ

ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓ/ብሪጣንያ 21.07.2016)