Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

27/07/2016 14:28 PM

ኣብ ኤርትራ ሓርበኛነት ብከመይ ክንጻባረቕ ይግባእ?

ብ’መርእድ ዘርኡ

1.ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ኣምር ሓርበኛነት፡-


ኩሉ ሳዕ ኣብ ሓደ እኩብ ህዝቢን መሬትን (መሬትን ህዝቢ ዓዲ ኣቦ ወይ ኣደ) ንምክልኻል ዝዉፈ፡ ዘፍቕርን ንህዝቢ ተማእዚዙ ዘገልግል ሰብ፡ ኣብ ኩሉ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ማሕበራዊን ባህላዊን ኣቛዉማ (ስርርዓት) ህልዉ እኳ እንተነበረን ዘሎን፡ ሓርበኛነት (Patriotism) ብጉኑን መልክዑ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ክብደታትን ትርጉምን እንዳሓዘ ዝመጸ ግን ድሕሪ 1648 ምስ ምፍጣር ሪፖፕሊክ ኣብ ዓለምና እዩ።


እምባሮጦርያዊ-ስልጣኔታት (an empire) ድሕሪ ዋዕላ ዌስቲ-ፎልያ ዓንየን ምፍጣር ሪፖፕሊክ ክዉን ምስ ኮነ፡ እቲ ልዕላዉነት መሬትን ህዝቢን ንሱ ዝሳሰዮን ዝፈጠሮን ስምዒታት ንሃገራዉነት እንዳዓበያ ስለዝመጸ፡ ኣብ 18 ክፍለዘመን ደቂ ሰባት መሬተይ ህዝበይ (ናተይ) ዝብል ስምዒታት እንዳዓበየ መጸ። እዚ ክዉንነት እዚ ድማ ንሃገራዉነት ብግቡእ ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ ከምዝበጽሕ ገበሮ። ብመሰረቱ ሃገርነት ፖሎቲካዊ ስነ-ሓሳብ’ዩ። ከም ሰነ-ሓሳብ፣ ሰባት ምስ ሃገር ዘለዎም ጥቡቕ ዝምድናን ምትእስሳርን ከመልክት እንከሎ፣ ንሃገራዊ  መንነቶምን መለለይኦምን ክኣ ይውስን።  ሃገርነት ቀንዲ ምንጪ ሓባራዊ መንነት ካብ ኮነ፣ ብሓርበኛዊ ተግባራትን ጠባያትን ይትኣሳሰርን ብሓባራዊ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ክብርታት ድማ ዝራጋገጽ እዩ።


ሓርበኛነት ስነሓሳብ፡ ፍልስፍና ሃይማኖት ዋህም (myth) ኣይኮነን፡ እንታይድኣ ሓደ ዜጋ ናይ ሓደ ሃገር ኣብ ልዕሊ እንታዉነቱ ወይ መሬቱን ህዝቡ (ዓዲ ኣቦ ወይ ኣደ) ዘጥርዮ ፍሉይ ስነኣእሙራዊ ተንካፊ ስምዒታዊ ፍቕሪ ን ኩርዓትን ኮይኑ፡ ካብዚ ዝነቀለ ናይ ክትዉፈየላ፡ ክትካላኸለላ፡ ክትሕበነላ፡  ክትኮርዓላ፡ ክትስዉኣላን፡ ከተማዕብሎ፡…ወ.ዘ.ተ ናይ ምድላይን ምግባርን  ጂግንነታዊ ፍጻሜ እዩ። ኣብ መስርሕ’ዚ ጂግንነታዊ ፍጻሜ እዚ መስዋእቲ፡ ስንክልናን ሽምግልና የጋጥም’ዩ። ንኩሉ እቲ ዝተፈላለየ ተረኽቦታት ብተናጸል ስዉእ፡ ናይ ሓርነት ስንኩልን ህልዉን እኳ ቢልና ንገልጾም እንተኾና ንኹሎም ጠሚሩ ንተግባራቶም ዝገልጽ ኣምር ሓርበኛነት እዩ። ካብ’ዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ደረት ሓሊፉ፡ እቲ ሓርበኛነት ናብ ዝላዓለ ጥርዙ ዓሪጉ፡ ብ ሕሉፍ ሃገራዉነት እንተተዓንዚሩ፡ ካብ ሓርበኛነት ሓሊፉ ንሉዑል-ትምክሕታዉነት(chauvinism) ናይ ምቕያር ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ኣብ ክንዲ ሓርበኛነት፡  ሉዑል-ትምክሕታዉነት ተባሂሉ ይግለጽ። ከም ሓደ ፍላስፋ ቮልቴር ዝብሃል ዝመሰሎ “ሓርበኛነት ሕዋስ ነፍሰ ፍቕርን ቅድመ ፍርድን ስለዝኾነ” ደቂ ሰባት ካብ ሓደ ሉዑል-ትምክሕታዉነት ዝንባሌ ክጥንቀቑ ጉቡእ እዩ።


ምትእስሳር ሰብን  መሬትን፡ ሃገርነትን መንነትን፡ ሃገርነትን ሓርበኛነትን፡ ብርቱዕ ምትእስሳራትን ፍልልያትን ስለዘለዎ ንደቂ ሰባት ናሳዕ ካይፈለጡ፡ ኣብ ከቢድ ሕልኽልኽን ዝምቡዕ ምርዳእን የሳጥሖም  እሞ ሃገራዉያን ወይ ድማ ሓርበኛታት ኢና ብምባል ዓስቢ ሃገራዉነቶሙን ሓርበኛነቶምን ብኢደ ወኒኖም ሕጊን ሕብረተሰብን ጥሒሶም ርሒብ ናይ ስልጣን ሽዉሃቶም ከራጋግጹ ስለዝህቕኑ ንሉዕል-ትምክሕታዉነት ብምእታዉ ኣብ ክንዲ ሕጋዉነት (legitimacy) ዘለዎም ሰባት ዝኾኑ፡ ንኣርካናት-ኪናት (war-lords) ይቕየሩ። ብኣርካናት-ኪናት ዝምርሓ ሃገራት ገሊኤን ዝተማረኻ ሃገራት፡ ገሊኤን ዝፈሸላ ሃገራት፡ ገሊኤን ናይ መልኣከ-ሞት ሃገራት፡ ገሊኤን ደም ዋሕዲ ዘጥቕዓን ሃገራትን ናይ ሕንፍሽፍሽ ሃገራት ከም እኒ (ሶማልያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሱርያ፡ ዒራቕ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ስራልዮን፡ ሃይቲ፡ ኮንጎ…ወ.ዘ.ተ ይኾና። ኣብ ከምዚ ክዉንነታት ዝወደቃ ሃገራት መን’ዩ ሃገራዊ? መን’ዩ ሓርበኛ?  መን’ዩ  ስዉእ? እንታይ’ዩ ሃገራዉነት? እንታይ’ዩ ልዕላዉነት? እንታይ’ዩ ሓርበኛነት? እንታይ’ዩ ድሕነት-ሃገርን ህዝብን? ...ወ.ዘ.ት ዝብሉ ሕቶታት ይላዓሉ እሞ ናብ ትርጉም ዘይብሎም ኣምራት ተቀይሮም ሩጉጽ መልስታት ዘይብሎም ይኾኑ።


2.ኤርትራዊ ሓርበኛነትን ሃለዋቱን፡-


ርጉጽ’ዩ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ሓጺር ዓንቀጸይ ንኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣመልኪተ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡ ብምልኣትን ብዝርዝርን ንምግላጹ ብቀሊል ዘይክኣል እዩ። ካብ መድረኽ ንመድረኽ ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝታኻኽኡ ኣዝዮም ዓበይትን ወሰንትን ሓርበኛነታዊ ቃልስታት እብ ኤርትራ ከም ዝተኻየዱ፡ ታሪኻዊ ሓቅታት ብኣፈ-ታሪክ፡ ብጹሑፍን ብቅርሳ-ቅርሲታት (Archaeology) ክራጋገጽ ዝኽእል እዩ። ነዚ ሕጂ ከም ሃገርን ህዝብን ህላዌና ኣራጋጊጹ ብዝልዓለ ደረጃ ንምህናጽ ሃገርን ሃገርነት (Nationhood)፡ ንምህናጽ ሃገራዊ መንነት፡ ንምርግጋጽ ጊዝኣተ ሕጊን ሰላምን ቅሳነትን፡ …ወ.ዘ.ተ ዝሳላሰል ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ፡ መቐጸልታ ናይ ቀዳሞት ሓርበኛታት ኣቦታት ኤርትራ ከም ዝኾነ ድማ ክንግንዘብ ኣሎና። ብኡ መሰረት ድማ ኤርትራዊ ሓርበኛነት  ንምጥሕማሱ ኣብ ሓሙሽተ ገጻትን መድረኻትን ከፊልና ክንርእዮ ንኽእል ኢና፡-

1. ቅድሚ 1860 ዝነበረ ኩነታት እዚ ሎሚ ብኤርትራ ዝፍለጥ ዘሎ ብምድረ-ባሕሪ ዝስመየሉ ኣብዝነበረሉ እዋናት፡ ምድረባሕሪ ብሽማግሌታት፡ ደግለታት፡ ናይባት፡ ምስሌነታት ፡ ሱልጣናት፡ ካህናት፡ መሻይኻት………ወ.ዘ.ተ ብከባቢታት ተማቃቂላ ትማሓደር ከምዝነበረት ይፍለጥ።  ዋላ’ኳ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ብተዛማዲ መዕቀኒን ኣጣማምታ ነንሕድሕድና ክጥርንፈናን ከተኣሳስረናን ብሰላም ከንብረናን ዘኽእል ኮማዊን ከባብያዉን ማይቤታዉን ኣብ ሕጊ እንዳባ ዝተመስረተ ፍትሓዊ ስርርዕን ርክክብን እነዘዉትር እንተነበርና፡ ነዚ ኣባታዊ ማሕበረ ምጣኔ ሃብታዊ ስርርዕ ንምብታኹን ንምቕያሩን ህዝብና ቡዙሕ ኣብ ዉሽጡን ኣንጻር ከፊላዊ ወረራ ቱርኪይ፡ ግብጺን መሳፍንቲ ትግራይን ሓርበኛታት ኣቦታት ንህዝቦምን መሬቶምን ንምክልኻልን ናጻ ንምዉጻእ ከቢድ ዋጋታት ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ኣቦዋት ነይሮም እዮም። ኮይኑ ግን ቀጻሊ ካብ ድሕሪን ቅድሚን 1861-1942 ምፍጣር ኤርትራን ከም ዘመናዊት ሃገር ብመግዛእቲ ጥልያን፡ ኣብዚ መድረኽ እዚ ቀጻሊ ወራራት ካብ መሳፍንቲ ትግራይ ብመንጸሩ ድማ መግዛእቲ ጥልያን ንኤርትራ ከም ጉልቲ-ግዝእቲ ሃገር ዘቆመሉ እዋናት ኮይኑ፡ ኣዝዩ ቡዙሕ ቃልስታት ብኤርትራዉያን  ኣንጻር ጥልያን ተኻይዱ እዩ። ካብቶም ቡዙሓት ዉሑዳት ሓርበኛነታ ከምኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ፡- ራእሲ ወልደሚክኤል ሰለሙን፡ ሹም ኣቡበከር ናስርን ባህታ ሓጎስን፡ መሓመድ ኣሮዳ፡ ቦረምበራስ ካፍል ጎፋር፡ ዘማት ወዲ እኩድ፡ ሹም ዓሊ ኑሪ፡ ሱልጣን ያሲን ሓይሰማ፡ ዓሊ መሓመድ ዑስማን ቡሪ፡ ደግያት መንገሻ ኣስጎዶም፡ ደግያት ማሕራይ፡ ከንቲባይ ሓምድ ሓሰን፡ ከንቲባይ መሓመድ ሓምድ፡ ከንቲባ ሓየሎም ኣርዓዶም…ወ.ዘ.ተ ነይሮም።

2. ካብ 1945-1956 ምሕራር ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን፡ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት ዓባይ ቢሪጣንያ ምእታዉን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብዝነበረሉ እዋናት ካብቶም ቡዙሓት ዉሑዳት ሓርበኛነታ ከምኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ፡- ሸኽ ዓብዱልቓድር ከቢረ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ራሲ ተሰማ ኣስመሮም፡ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም…ወ.ዘ.ተ. ነይሮም።

3. ካብ 1957-1991 ምፍራስ ፈደረሽን፡ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲን ምዕዋት ሰዉራ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መግዛእትን ምርግጋጽ ልዑላዊት ሃገር ኤርትራ ኮይኑ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ስዉኣት፡ ልዕሊ 30ሽሕ ስንኩላን  ሃለዋቶም ብግቡእ ዘይተፈልጠ ን ዕድል ጌይሮም ካይተተንከፉ ዝድሓኑ ሓርበኛታት ስለዘለዉና ፡ኣብ መዛግብ ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤ ዳርጋ 90% ዝርዝር ሙዙጉባት ኣለዉ። ኣብ ጊዝየ ተጋድሎ ንሃገራዊ ናጽነት፡  ብስርዓት ሃይለስላሴን ደርግን ብመንጽሩ ድማ እቲ ዝነበረ መሪሕነት ዉድባት ዝንባሌታትን ቅጽል ስም እንዳኣጠመቀ ዝቀንጸሎምን ብቃጻ ዘጥፍኦም ኣሽማቶም ኣብ ዝኾነ መዝገብ ዘይርከብን ስድራቤታቶም ኩነታት ደቆም ዘይፈልጡ ሓርበኛታት እዉን ዘለዉና እዮም።

4. ካብ 1993- 2016 ኣብ ዉሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ-መግዛእቲ ተጋላጊላ፡ ሉዑላዊት ሃገር ካብትኾነሉ ንድሓር ዘሎ ጊዚያት፡  ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ጎራባብቲ ሃገራት ዘካዮዶ ረጽማዊ ኩናትን ወፍሪ ዓበይቲ-ቀላያት እዉን እንተኾነ ቡዙሑን ብቀሊሉ ክፍለጥ ዘይክኣል ኤርትራዊ ሓርበኛ ኣብ ኪናትን ሰላምን ተቀቲሉ፡ ሰንኪሉ፡ ሃለዋቱ ጠፊኡ ተኣሲሩን ተሸሪቡን እዩ። ብልክዕ ኩነታቱን ንምዉሳንን ብኣሃዛዊ ጸብጻባ ንምፍላጡ ክሳብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣጸጋሚ ስለዝኸዉን ንመጻኢ ዝሕደግ ጉዳይ እዩ።

ናብ ከርሲ ጉዳይና ክንኣቱ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣቀዲሙ ቅድሚ ኤርትራ ከም ዘመናዊት ሃገር ሙኻና ዝተጋህደ እኳ እንተኾነ፡ ብልዑል ፖሎቲካዊ መልክዓቱ ግን ምስ ኤርትራዉነት/ኤርትራዊ ሃገርነት ብዝላዓለ መልክዓቱ ዝተነጻበረቐ እዩ። ከም መጎት ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽናን ዝመጽእ ወለዶታትናን  ኤርትራዊ ሓርበኛነት ከምዝነበረን ክቅጽል ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ ንቡር ኤርትራዊ ሓርበኛነት፡ ብስንኪ ኣብ ኤርትራ ተመስሪቱ ዘሎ ኣብ ሕሉፍ ሃገራዊነት ስነ-ሓሳብ (ultranationalism) ዝተሰረተ ስርዓት ዝፈጠሮ ሉዑል-ትምክሕታዉነት ተዓብሊሉ ስለ ዘሎ፡ ንኤርትራዊ ሓርበኛነት ንጊዚኡ ብልክዕ ክንገልጾን ከነጻባሩቆን ኣጸጋሚ ክኸዉን እዩ። እቲ ምንታይስ:-

1. ቅድሚን ድሕሪ ኤርትራ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ናጻ ምዉጽኣ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ንኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛነትን ብእብረ ብዘይንሕስያ ስለዝሃረሞ።

2. ኣብ ሓደ ጊዚየን ቦታን ሓርበኛነትን ሉዑል-ትምክሕታዉነት ይባራረ ብምህላዉ፡  ዕዘት ሓርበኛነት ኣብ ጽልግልግ ስለዝሽመም እዩ ።

3. ዘንባዕን ፖሊሲታ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብክልስሓሳብን ተግባርን ጽምዶ ንጥፈታቱ ኣብ ንኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ ሉዑላዉነትን ሓርበኛነትን ኣብ ምድኻምን ዝተጸምደ ብሙኻኑ እዩ።

4. ብናይ ደገን ዉሽጣዊን ኣዛመዉቲ ሓይልታት ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛነትን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ጥቕዓት ስለዝርከብ ዘሎ እዩ።

5. ዓዉላማ (globalization) ምጣኔ ሃብታዉን ፖሎቲካዊን ምሕደራ( world order) ዝፈጥሮ ፡  ንኣምር ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ልዕላዉነት ጥሒሱ፣ ንሃገራዊ መንነትን ሓርበኛነትን  ኣማህሚኑ፡ ዞናዊ፣ ስግረ-ዞናዊ፣ ዓለምለኻዊ ምጣኔ-ሃብታዊን ፖሎቲካዊን ወትሃደራዊ ምትእስሳር ዝፈጥሮ መዘና ዘይብሉ ጸቕጥታት ንሃገርነትን ሓርበኛነት ስለዘዳኹሞ ዘሎ እዩ።

ሀ. ኣብ ከምዚ ኣዝዩ ብደረጃ ዓለምለኻዊ “ዓዉሎማዉነት”፡

ለ. ብዞባዊ “ሉዑል-ትምክሕታዉነት ትግርኛ ክስበር ኣለዎ ዝብሉን ንኡኡ ዝናጣጠፉን”፡

ሐ. ብዉሽጢ ድማ “ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ንኡኡ ዘገልግሉ ሓይልታት ብእብረን እስትንፋስ ብዘይህብ ብልሓት ንኤርትራዊ ናይ ዜጋታት ሃገራዉነት (Civic nationalism)፡ ሓርበኛነትን “ ኣብ ዝወቑዕሉ ዘለዉ ኩዉንነት፡ ብተናጸል ሓርበኛነት ኣልዒልካ ከተስርሮ ዝክኣል ኣይኮነን።  እንታይድኣ ስሉሳዊ-ሕቶ ማለት ሕቶ ሃገራዉነት፡ ጊዝኣተ-ሕጊን ንቡሩነትን ክልዓል ኣለዎ። ነዘን ሰለስተ መሰረታዉያን ሕቶታት ብተግባር እንተመሊስና ኣብ ባይታ፡ ሕቶ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ብግቡእ ክምለስ ሙኻኑ ክግመት ዝክኣል እዩ።


3.ህዝባዊን ሃገራዊ ብዓላት መን እዩ ዘጽድቖን ዝእዉጆን?


ኣብዚ እዋናት ወይ መድረኽ ነካይዶ ዘሎና ማሕበራዊ ሰዉራ፡  ቀንዲ ዕላማና ጊዝኣተ-ሕጊ ዘራጋገጸት ቅዋማዊት ሃገር፡ ሲቪላዊ መንግስትን ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ’ዩ። ቀንዲ ዕላማና እዚ ካብ ኮነ፡ ንሕና እዉን ከምቲ ፋሉል ሕጊ ኣልቦ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ንሃገርን ህዝቢ ብመዓልታዊ ኣዋጃትን መግለጺታት ዘማሓድራ ዘሎ፡ ከምኡ ክንከዉን ከምዘይብልና ብመትከል ክንቅቦሎ ዘሎና’ዩ። ኣብ ዝኾነ ሃገር ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ህዝባዊን ሃገራዊ ብዓላት ሓደ ህዝቢን ሃገርን፡ ብፓርላማ (ሓጋጊ-ኣካል) ብህዝቢ ተወኪሉ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ትካል፡ ከምዝዉሰንን ከምዝእወጂን ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ። መዓቀኒ ናይቲ ስልጣን ድማ ሓባራዊ ዕግበት (consensus) ሙኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ኣድማሳዊ ሓቕታት እንዳተፈልጠ ከንሱ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ነቲ ኣድማሳዊ ሓቂን ንጹር መትከላትን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ነእቱ እንተኼና፡ ካብ ኣፍራይነቱ ዕንወቱ ክዓዝዝ እዩ። “ናይ መጨረሽታ ጽዕነት ሳዕሪ ንዓንዲ ሕቆ ገመል ትሰብር” ከምዝብሃል ካብ የዋህነትን ሓልዮትን ነቂልካ ሳሕቲ ዝዉሰዱ ስጉምትታት ኣለዉ፡ እዞም ስጉምትታት እዚኣቶም እንዳተኣኻከቡ ምስ ከዱ ንሕቆ ህዝብን ዲሞክራሲን ዝሰብሩ እዮም። ልዕሊ ኹሉ ግን ሓደ ኣብ ሃገረይ ሕጊ የሎን! ጊዝኣተ-ሕጊ ንምርግጋዝ’የ ዝቃለስ! ፍትሒ ጎዲሊኒ ኣሎ! ዝብል ኣካል፡ ባዕሉ ሕጊ ክኸዉን እንተፈቲኑ፡ ብእብረ ነቲ ጥማር ዲሞክራስያዊ መትከላትን  እንዳፍሮሶን እንዳባሕጎጎን ስለዝኸይድ፡ ኣብ ዝነዉሔ ጊዚየ፡ ኣብ ክንዲ ፈታሒ ጸገም፡ ባዕሉ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ክኸዉን እዩ።


ንኸምዚ ኣቀድም ኣቢለ ዝጣሕመስክዎ ኩነት ሙኹኑይ ንምግባር፡-

1. ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ሓርበኛነትን እስትንፋስ ብዘይህብ መገዲ ይሃርሞ ስለዘሎ፡ ንኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣመልኪቱ እዉን ህዝባዊን ሃገራዊን መዓልቲ ወይ ተዘክሮ ስለዘይገበረ፡ ኤርትራዊ  ሓርበኛነት ማህሚኑ ካይተርፍ ከነባራቡሮ ኣሎና፡  ካብ ዝብል ንያትን ጽዕዶን ዝነቐለ፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ክህሉ ኣለዎ ካብዚብል ኣታሓሳስባ ዝነቀለ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

2. ጊደን ተሳትፎን ሓርበኛታት ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ-ሰዉራ ንምዕዛዝ ዝጠመተ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

3. ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሓርበኛታት ሃለዋቶም ንምፍላጥ፡ ንመሰላቶም ደዉ ክብሉ ንምዉዳቦም፡ ናይ መጻኢ ዕድላቶም ንምንጻር ዝሃቀነ ክኸዉን ይኽእል እዩ።


4.መዛዘሚ ሓሳበይ፡-


የግዳስ ኣቀዲምካ ብጊዚያዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ምፍላሙ፡ ካሮሳ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ምእሳር ኽኸዉን እዩ። እቲ ምንታይስ፡- ኤርትራዊ  ሓርበኛነት ከም መቀጸልታ ናይ ነዊሕ ወለዶታት ዝተራእየ ተርእዮ ን፡ ቀንዲ መለለይ ጠባያት (character) ን ማእዶ ናይ ኤርትራዊ ሃገርነትን ኤርትራዊ መንነት ስለዝኾነ ብቀሊሉ ዝድምሰስን ዝርሳዕን ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ክኸዉን ዘለዎ ጽምዶ ጓል መገዲን ሓደ ጎናዊ ጫሌዳ ሕቶ ኣልዒልካ ዘይኮነ፡ ብኣትኩሮ ነዚ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምእላይን መተካእትኡ ጊዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ ክኸዉን ኣለዎ። ኤርትራ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ምስ ኮነት፡ ሕጋዊ ወይ ርትዓዊ መልክዕን ትሕዝቶን ስልጣን (legal or rational form of legitimacy) ስለዝራጋገጽ ፡ ንኩሎም ናይ ዜጋታት ሕቶታት ብግቡእ ዝምልስ ሓጋግ፡ ፈራዲ፡ ፈጻሚ ኣካላት መንግስቲ ንሕቶ ህዝባዊን ሃገራዊን ብዓላትን ተዝካራትን፡ ሕቶ ኤትኒክ፡ ሕቶ ባንዴራ፡ ሕቶ ቛንቛ፡ ሕቶ ዋንነት መሬት...ወ.ዘ.ተ ክምልስን ከራጋግጽን ሙኻኑ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን።


ስለዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓርበኛታት ኣመልኪቱ ክግበር ዝክኣል ቁምነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ሓደ ርእሱ ዝኽኣለ ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ኣብ ዲያስፖራ ምቛም እዩ። እዚ ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት’ዚ፡-

1. ንኩሎም ሲቪልን ተጋደልትን  ሓርበኛታት ኤርትራዊያን ፡ ዝነበርዎ ፖሎቲካዊ ዉድብ፡ ፖሎቲካዊ እምነቶሙን ፖሎቲካዊ ጸግዕነት ብዘየገድስ ብዘይ ገለ መሰናኽላትን ምጉናያት፡ ኣባላት እቲ ሓድሽ ዝምስረት ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ክኸኑ ኣርሒብካ ምቕባልን ምትብባዕን እዩ።

2. ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ዘንቀሎን ዝወቕዖን ዕላማ ብምንጻር፡ ኣብ ዚካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ከም ኡግሚ ናይ ጸቕጢ ሓይሊን ፈልሲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ኮይኑ፡ ኣዝዩ ንጡፍን ኣድማዒን ተራ ከምዝጻወት ዘኽእሎ ቅርጻን ሓሳብን ከምዝህልዎ ጌርካ ከምዝምስረት ምግባር እዩ።

3. ነቶም ኣቀዲሞም ዝተመስረቱ ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ብስም “ተጋደልቲ ነበር ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤ” ኣብ ዘተን ጽምዶን ብምእታዉ፡ ነቲ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ መፈላለይ ተጠቂሞምሉ ዘለዎ መንደቕ ዉድባት ብምርዓምን ምዕጋብን ብመንሕራይ ኣፍሪሶም ኣብቲ ንኹሉ ሓርበኛ ዝጥርንፍ ሓዲሽ ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ክምዝተሓነፈጹ ወይ ድማ ኣይፋልናን እንተኢሎም ድማ ብትኹላዊ ወይ ጋድማዊ ዝምድናታትን ምትእስሳራትን (Solidarity) ፈጢርካ ብሓባር ትሰርሓሉ ህሞት ንምፍጣር ዘኽእለካ መርሓ-ገበይ (roadmap) ምሕንጻጽ እዩ።

4. ኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ ኤርትራዊ መንነትን ኤርትራዊ ሓርበኛነት ልዕሊ ፖሎቲካዊ ዉድብ፡ ኤትኒክ-ጉጂለ፡...ወ.ዘ.ተ ስለዝኾነ፡ ኣብ ከምዚ ዝናጣጠፉ ዜጋታት ቅንዕና፡ ጉሉጽነት፡ ተሓታትነት፡ ብቕዓት...ወ.ዘ.ተ ዘለዎም ዜጋታት ክኾኑ ይግባእ። ልዕሊ ኽሉ ድማ ርእሱ ዝኻኣለ ካብ ጽግዕተኛነት ፖሎቲካዊ ዉድባትን መንግስቲን ሓራ ዝኾነ ክኸዉን ኣለዎ።

5. እቲ ዝቀዉም ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት መጀመርታ በብሃገሩ ይቀዉም እሞ፡ ቀጺሉ ድማ ብደረጃ ዓለምለኻዊ ናብ ሓደ መጋባእያ ከምዝጋባእ ምግባር እዩ።

ስለዚ ኣብ ኤርትራ ሓርበኛነት ብሃናጺን ቁኑዑን መልክዕን ትሕዝቶን ክንጻባረቕ ኣለዎ።


ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

26/07/2016