June 2015 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 



Voice of Assenna: Report on the Successful Justice Seekers Demonstration in New York

31 Oct 2015




29/06/2015 21:56 PM

Message by Eritrean Religious Leaders, Geneve, 26 June 2015.

መልእኽቲ በመራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣብ ኣጋጣሚ ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ፡ 26 ሰነ 2015።  

ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቑ

http://shekortet.com/content/radio-erena-29062015




27/06/2015 00:25 AM

EU leaders agree to relocate 40,000 migrants

[BBC News]

     EU leaders holding late-night talks in Brussels have agreed to relocate tens of thousands of migrants who have arrived in Italy and Greece.

     Summit chairman Donald Tusk said 40,000 would be relocated to other EU states over the next two years. Read more




26/06/2015 15:20 PM

ሳላኻ’ዩ ደላይ ፍትሒ!

Highlights of Geneva Demonstration, 26 June 2015, in support of UN Commission of Enquiry Human Rights Eritrea.

ሰላማዊ ሰልፍታት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ።

See also Related:



26/06/2015 06:02 AM

   ገበናውያን ኣብ ዓለም ይቃልሑ!

ብ’ ኣራራት ኢዮብ


ይውሰድ ዓመተ ዓመተ

ይውሰድ ልደተ ልደተ

ንህልቂት ጸብጻብ ዝሃበተ

ንብላሽ ኣይኮነን ዝኸረተተ።

…Read more





26/06/2015 08:27 AM

Eritrean Justic-seekers Demonstation GENEVA - FRIDAY, 26 JUNE 2015 in support of Commission of Inquiry of Human Rights Eritrea, Report.

 ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ-ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ኣብ ጀነቫ 26 ሰነ 2015፡ ንመግለጺ ደገፍ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ።

ሎሚ ዓርቢ ዕለት 26 ሰነ 2015 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣሽሓት ደለይቲ-ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ሰልፊ’ዚ፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰልፊ ኢዩ። ተሳተፍቲ፡ ካብ መላእ ኤውሮጳ: ከምኡ’ውን ካናዳን ኣመሪካን ዝመጹ ነይሮም። ድምጺ ኣሰና ብዛዕባ’ዚ ዘቕረቦ ሓጺር ጸብጻብ ኣብዚ ጠውቑ።  ድምጺ ኣመሪካ (VOA) ብዛዕባ’ዚ ዝገበሮ ቃለመሕትት ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ማእከል ኣዲስ-ኣበባ ኣስታት 3 ሽሕ፡ ኣብ መዓስከራት ሰደተኛታት ድማ ልዕሊ 47 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፋት ብምግላጽ፡ ናብ ቤት/ጽ ሓድነት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ድምጾም ኣስሚዖም።   

ምስዚ ዝተኣሳሰር / Related:-




25/06/2015 22:41 PM

Eritreans in Israel stage huge demonstration, today, in support of the UN inquiry commission findings on Eritrea's human rights abuses

 ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል፡ ንደገፍ ጸብጻብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ።  [ASSENNA NEWS]




25/06/2015 22:41 PM

ጸብጻብ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ (19 June 2015)፡ ንደገፍ ጸብጻብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ።

Video Reportage of DC Demonstration (19 June 2015) by Eritreans, in support of The UN Commission of Inquiry in Eritrea Report

[ YouTube - Gebre Gebremariam ]

እዚ ኣብ ዲሲ ዝተካየደ፡ ንጸብጻብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ደገፎም ንምግላጽ ኮይኑ፡ ድሕሪቲ ናይ ሰልፊ ስነስርዓት፡ ህዝባዊ ኣኼባ እውን ተኻይዱ ነይሩ። እዚ ሰልፊ’ዚ ብህዝባዊ ምልዕዓል ንፍትሒ - ሰሜን ኣመሪካ (Popular Movement of Eritreans for Justice - North America) ዝተወደበ ኢዩ ነይሩ። ናይ ቪድዮ ጸብጻባት ንምርኣይ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቑ፡-

  1ይ ክፋል (ሰልፊ)፡  2ይ ክፋል (ሰልፊ)፡

  3ይ ክፋል (ሰሚናር)፡   4ይ ክፋል (ሰሚናር)




24/06/2015 15:12 PM

Commission of inquiry on Eritrea: Meetings 23 - 24 June 2015

ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት:- 23 - 24 ሰነ 2015

 [UN Web-TV]







23/06/2015 18:26 PM

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ትማሊ ዕለት 22 ሰነ 2015፡ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣንጻር ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ደው ብምባል፡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ድምጺ ኣመሪካ፡ ነዚ ዝምልከት ምስ ኮሚቴ ናይቶም ሰልፈኛታት ቃለመጠይቕ ኣካይዳ ኣላ፡ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ። ብተመሳሳሊ ምስ ኤሪቲቪ ዝተኻየደ ቃለመሕትት ድማ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትሰምዑ ትኽእሉ

ሎሚ ዕለት 23 ሰነ 2015፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN Human Rights Council)፡ ንጉዳይ ሰበኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ብኤርትራን ብካልኦት ሃገራትን ዝቐረበ ጸብጻባትን ርእይቶ ኣባላት ሃገራትን ክሰምዕ ጀሚሩ ኣሎ። ብወኪላት ሃገራት ዝቐረቡ ርእይቶታት፡ ብዘይካ ናይ ቻይና፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ብምድጋፍ፡ ኤርትራ ድማ ምትሕብባርን ምምሕያሽን ክትገብር ዝጸውዐ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዛዕባ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ዓርቢ ዕለት 26 ሰነ ድማ ውሳኔ ክወሃብ ትጽቢት ይግበር።

      Related/ ምስዚ ዝተኣሳሰር:- ሰሚናር ብ’ዶ/ር ጊደዎን፡ ኣብ ፈስቲቫል 2015 ቶሮንቶ 2015 Eritrean Festival Toronto Seminar by Dr Ghidewon - 08 August 2015 (alenalki.com ኣለናልኪ.ኮም)

ምስዚ ዝተኣሳሰር / Related:-



20/06/2015 13:26 PM

How Demhit Came to Eritrea and What is their Objectives - by Journalist Senay G/Medhin.

Eritrean Government supporting and arming the Ethiopian opposition Demhit.

ደምሕት ብኸመይ ናብ ኤርትራ መጺኡ? ዕላማኡ’ኸ እንታይ ነበረ? መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ምድጋፍን ምዕጣቕን ተቓዋሚ ውድብ ደምሕት ከመይ ይመስል? ብ’ጋዜጠኛ ሰናይ ገ/መድህን ኣብ ራድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ. Radio SBS ኣውስትራልያ




20/06/2015 00:56 AM

ጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ንደገፍ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ጀነቫ፡ ዓርቢ 26 ሰነ 2015

Geneva_Demonstration_in_support_of_UN_COI_Report_Fri_26_June_2015

ምስዚ ዝተኣሳሰር (Related)፡-




19/06/2015 19:12 PM

ሕድሪ ሰማእታትና ምፍጻም፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ዘይስገር እዋናዊ ሓላፍነት ኢዩ።

See also related / ምስዚ ዝተኣሳሰር



19/06/2015 19:12 PM

ጡረታ ጌርኩሞ!

 ብሓውኹም መሲናስ

ወዲ ሰብ ከም ዓሳ ካብ ጐልጎል ክትገፉ

ኣሪግኩም ቆንቊንኩም እንካብ ትስነፉ

ኣቱም *እምሄዋትና ሎምስ'ባ ኣዕርፉ

ክሳዕ ግዜ ሞትኩም ስልጣን ከይትገድፉ

መብጽዓ ኣሎኩምድዩ ናይቶም ዝሓለፉ!?

 Read more



17/06/2015 02:22 AM

The Stream - UN accuses Eritrea of 'possible crimes against humanity'

[Al Jazeera English]




14/06/2015 19:42 PM

Eritrean cyclist's hopes for Tour de France ኤርትራዊ ተቓዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ቱር-ደ-ፍራንስ፡ ዝሳተፉ 11 ሰባት ብ’MTN Qhubeka ተረቑሑ።

BBC News

MTN Qhubeka have announced their 11-man shortlist for Le Tour, and remarkably it includes three riders from Eritrea - a country punching above its weight in the sport. Natanael Berhane is one of them. He spoke to the BBC about how he became a ኤርትራዊ ተቓዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ቱር-ደ-ፍራንስ፡ ክሳተፉ ዝተረቑሑ 11 ናይ MTN Qhubeka ተቓዳደምቲ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ን'ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራ ዓቢ ክብሪ ኢዩ።...Read more

Similar News: [TesfaNews] Daniel Teklehaimnaot: #Dauphine 2015 Polka dot Jersey Winner




13/06/2015 23:28 PM

Radio Aserna show 13 June 2015

       ዝሓለፈኩም መደባት፡ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ



13/06/2015 20:30 PM

Eritrean Forum for National Dialogue (EFND) - Message of solidarity for Geneva and DC Demo

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ - መልእኽቲ ደገፍ ንሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲን ጄነቭን

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ብሓያል ጻዕርን ቃልስን ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ፡ ብርኽበት መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንዝተረጋገጸ ወጽዓን በደልን ኤርትራውያን ብምድጋፍ ኣብ ከተማታት ዋሽንግቶን ዲሲን ጄነቭን ክካየድ ተወጢኑ ንዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ልዑል ደገፉ ይገልጽ። Read More

ምስዚ ዝተኣሳሰር (ፈነወ ራድዮ)፡-

  ድምጺ መድርኽ 14 June 2015



08/06/2015 02:42 AM

መልእኽቲ ብ/ጀ ተኸስተ ሃይለ፡ ንኤርትራውያን፡

ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ፡ 20 ታሕሳስ 2014

[ YouTube- Aida Kidane ]

እዚ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፡ ጨንፈር ትሮንድሃይም ኖርወይ፡ ምስ ብ/ጀ ተኸስተ ሃይለ፡ ኣብ 20 ታሕሳስ 2014 ዝተኻየደ ኢዩ። ኣብዚ ኣኼባ'ዚ ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡- (1) ገምጋም ኣብ ልዕሊ ህሉው ስርዓት ኤርትራ፡ (2) ውሽጣዊ ከነታት ደምበ-ተቓውሞን እቶም ከሐይሉዎ ዝኽእሉ መዳያትን፡ (3) መን ይወርስ? መን የውርስ? እንታይ'ከ ተውርስ? እንታይ'ከ ክሰጋገር ኣለዎ? ክሰጋገር ዘለዎ ሃገራዊ ክብርታት እንታይ ኢዩ?

      1ይ ክፋል፡  2ይ ክፋል

Related ተመሳሳሊ:- ኣብ ፓልቶክ ስመር 17 January 2015 ቀዳማይ ክፋል



08/06/2015 17:10 PM

UN Inquiry reports gross human rights violations in Eritrea ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮሚሽን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ፡ ሎሚ 8 June 2015 ብ’ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

[ www.ohchr.org ]

GENEVA (8 June 2015) -- The Government of Eritrea is responsible for systematic, widespread and gross human rights violations that have created a climate of fear in which dissent is stifled, a large proportion of the population is subjected to forced labour and imprisonment, and hundreds of thousands of refugees have fled the country, according to a UN report released Monday. Some of these violations may constitute crimes against humanity. [… Read more]

Full Report and supporting documentation ሙሉእ ጸብጻብን መረጋገጺ ሰነዳትን  See here ኣብዚ ጠውቑ

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-







Read more stories related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ዜናታትን ጸብጻባትን፡ ኣብዚ ጠውቑ።



06/06/2015 20:55 PM

Radio Aserna show 06 June 2015

ይትባረኽ ገብረትንሳኤ (ኣካያዲ ራድዮ ኣሰርና) ብኣጋጣሚ መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ነዚ ብክቡር መስዋእቲ ዝረኸብናዮ ናጽነት ዘንጸባርቕ፡ ንሕድሪ ሰማእታት ሃገርና ዝዝክርን ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብሓባር መስዋእቲ ከፊሉ ዝተዓወተ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘለዎ ጽቡቕ ናይ ሰላም ድሌት፡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

    ዝሓለፈኩም መደባት ራድዮ ኣሰርና፡ ኣብዚ ጠውቑ



05/06/2015 18:20 PM

ትውልዲ “ኣለና”  ብ’ኣራራት ኢዮብ

[Asmarino Indepndent ]

ኣራራት ኢዮብ፡ ኣብ መርበብ ኣዝማሪኖ፡ መሃሪን መዓዲን ዝኾነ ተኸታታሊ  ጽሑፋት ንኣንባቢ ተቕርብ ኣላ። ነዚ፡ ኩሉ ክርእዮ፡ ክመሃረሉን ከሀብትምን ኣገዳሲ ዝኾነ ተኻታታሊ ጽሑፋት፡ ንምክትታል እምበኣር፡ በዚ ዝስዕብ ጠዊቕኩም ከተንብቡ ትኽእሉ፡-




05/06/2015 19:06 PM

86 Eritrean migrants 'kidnapped by Isil' in Libya ቅድሚ ትማሊ ሮቡዕ ወጋሕታ (03 June 2015)፡ 86 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሞዕራባዊ ወገን ሊብያ፡ ብመኪና እናተጓዓዙ፡ መጥቃዕቲ ወሪዱዎም፡ ብጉጅለ “ኣይሲል” ተጨውዮም ተወሲዶም።

[ Telegraph.co.uk ]

The militants struck at dawn on Wednesday morning, stopping the vehicle before separating Christian refugees from their Muslim counterparts, according to Meron Estafanos, the co-founder of the Stockholm-based International Commission on Eritrean ...Read more



01/06/2015 16:12 PM

እዋናዊ ማዕዳን ጻውዒትን ንኹሎም ኤርትራውያን፡ ብክልተ ምሁራት ኤርትራውያን

[ ራድዮ ኤረና 01 June 2015 ]

ገዲም ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ(ጸጋም) ከምኡ’ውን  ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን (የማን)፡ ኣብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፡ ንህሉው ተኣፋፊ መድርኽን ኩነታትን ሃገርና፡ ብምልዓል፡ ከም ኤርትራውያን ክንስከሞ ዝግባኣና ሓላፍነት፡ ለበዋ ኣመሓላሊፎም። ከምኡ’ውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዕርቂን ሰላምን ንምስፋን፡ ልዑል ተስፋ ከምዘሎ ዶ/ር ምስግና ክገልጽ ከሎ፡ ክልቲኦም፡ ብኣብነታት ኣሰንዮም መብርሂ ሂቦም ኣለዉ።



05/06/2015 19:06 PM

Gunmen attack, kidnap Eritrean asylum seekers in Sudan: UN ትማሊ ሓሙስ (04 June 2015)፡ 14 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ናብ መዓስከር ብመኪና እናተወስዱ ከለዉ፡ ብመንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብሓይሊ ከምዝተጨውዩ ወኪል UN ሓቢሩ።

[ Press TV ]

The United Nations says unidentified gunmen have attacked a group of Eritrean asylum seekers in the eastern part of Sudan, kidnapping 14 of them. On Thursday, the spokesman for UN High Commissioner for Refugees, Nicolas Brass, said based on the …Read more




01/06/2015 16:12 PM

One thousand rescued migrants mainly from Eritrea disembark in Sicily

[ Ukraine Today ]

ትማሊ፡ ዕለት 31 May 2015: ኣስታት 200 ትሕቲ-ዕድመ ዝርከቡዎም፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ 1000 (ሓደ ሽሕ) ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም፡ ‘ዩክረይን-ቱደይ’ ሓቢሩ። እዚኦም፡ ኣካል ናይቶም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ዕለት 31 May 2015 ዝደሓኑ 4,200 ሰባት ኢዮም። This shipload, including about 200 minors and mostly made up by Eritreans, was part of the more than 4,200 migrants trying to reach Europe that were rescued from boats in the Mediterranean in only 24 hours. Tug boats were brought in to take the ...Read more





Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more


























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe