Home  About us   Contact us

Copyright © 2013 - 2015  www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

Home መእተዊ  |  Articles ጽሑፋት  |  Documents ሰነዳት | Culture ባህሊ  |  Links ምትእስሳር  |  Archives ከብሒ  |  Contact us ርኸቡና

                                                

Share via e-mail Print Share on Google Bookmarks

ረታ ጌርኩሞ


ብ’መሲናስ - 20 June 2015



ጡረታ ጌርኩሞ!

 

ወዲ ሰብ ከም ዓሳ ካብ ጐልጎል ክትገፉ

ኣሪግኩም ቆንቊንኩም እንካብ ትስነፉ

ኣቱም *እምሄዋትና ሎምስ'ባ ኣዕርፉ                   *ኣባሓጎታትና

ክሳዕ ግዜ ሞትኩም ስልጣን ከይትገድፉ

መብጽዓ ኣሎኩምድዩ ናይቶም ዝሓለፉ!?


ክሳዕ እትወድቁ'ወ ብሕማም ሰንኪልኩም

ኣብ ኰረሻ ስልጣን ክትነብሩ ኣራጢጥኩም

እቲ ዝፋን ናይ ህዝቢ ኪኸውን ደሞዝኩም

ጡረታ ጌርኩሞ ዓስቢ ምግዳልኩም

ነዚድዮም ስውኣት ሓደራ ኢለሙኹም!?


ስልጣንኩም ዘይድሩት ከም ኣልፋን ኦሜጋን

ህዝቢ እናኣታለልኩም ብዒላን ብዲጋን

ጽልኢ እናጠጃእኩም ኲናትን ሓደጋን

ሰንከልከል እናበልኩም ብመስተ-ብእርጋን

ሃገር ኣድኪኹማ ዓዲ ቆላን ደጋን!


ህዝብኹም ኣቕሲንኩም ስዱድ ከይትመልሱ

ከምዛ ዕቡድ ከልቢ ንኹሉ ክትነኽሱ

ነገር ኣኣጒድኩም ጽልኢ ተናፍሱ

ነቲ ስውእ ጅግና ብግብሪ ክትክሕሱ

ስድራኡ ጠዊርኩም ኣብ ክንዲ ትድብሱ

ዝሃነጹዎ ቤት *ብዶዘር ተፍርሱ!            *ብደግዳጊት (ብእንግሊዝኛ)


*ማእምር ንሃገሩ ንኸየገልግላ         *ፈላጥ፡ ሊቅ፡ ለባም

ኣባልነት ህግደፍ ትሓቱ ባጀላ

ወላዲት ክትነብዕ ኣባዲ ዘይብላ

ተሓንበለ ትብሉ እናተኸልኩም ጓይላ

ሃገር ብምልእታ ኣብ ደልሃመት ከላ

*ሃያጢት ልሳንኩም ትብለና ማዕቢላ!                                  *ጠባሪት


ህዝቢ እናወፈየ ጉልበቱን ህይወቱን

ሕሰም ከይኣኽሎ ጥምየቱን ጽምኣቱን

ሓርነት ቀንጢጥኩም መሰሉን ክብረቱን

በደዊን ዓሲብኩም ጓሶቱን ሸየጥቱን

ሰማይ ኣዕሪግኩሞ ውርደቱን ሕስረቱን!


ኣንታ ናትናስ ወረ ከም ሻሙ ንጸሮ

ናይ ስውኣትና'ዩ ከቢዱና *ሰሃሮ        *ብሓልዮት ምጭናቕ

ወግዒ ናይ መቓብር ንቡር ዘይተገብሮ

ኣብ ፈቐዶ ሕሉም ፈቐዶ ስንጭሮ

ተጋዲሞም ዘሎዉ ኣንበሳ ምስ ዋዕሮ

ኣብ ህልቂት ናይ ህዝቦም ክድሰቕ ከበሮ

መንፈሶም ጥልመትኩም እንሆ የሸብሮ!


ከም ዊንታኹም መታን ክትዕንድሩ

ቅዋም ናይ ሃገርና ቀቲልኩም ትቐብሩ             

ሰማእታት ዘቕስን ጽቡቕ ከም ትገብሩ

ኣብቲ መቓብሮም ዕንባባ ከተንብሩ

ይገርመኒ ኣነስ ፍጹም ዘይትሓፍሩ!


ኣንታ ገንሸል ሃገር ስውእ ጅግና

ሰንሰለት መግዛእቲ እቲ ዝበተኽካልና

ዳግም ተሓዲሱ ፍጹም መቊሑና

ዓለም ብብርሃኑ ንኣና ጸልሚቱና

ኣብ ግዜ ናጽነት ባሮት ምልኪ ኴንና

ብገንዘብ ከም ጥሪት ንሽየጥ ኣለና

ፍትሒ ከነንግስ ጽንዓትካ ሃበና!

 

ስውኣትና ብፈጽሚ መብጽዐኦም ይቕሰኑ!

 

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

 

ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/06/2015