May 2015 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 




25/05/2015 01:20 AM

ብኣጋጣሚ መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡

ዝኽሪታት፡ መብጽዓታት፡ ገምጋማት

Reflections - on the occasion of Eritrea’s Independence Day - May 24



25/05/2015 18:04 PM

ዘተ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

 መስራቲ ኣባል መድርኽ ሃገራዊ ዘተን: ደራሲ:- "ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን"

[ YouTube - Jacob Abraham ]

እዚ ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት፡ ጀርመን፡ ዕለት 05 April 2015 ዝተኻየደ ዘተ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዘተ'ዚ ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡- (1) ህሉው ኩነታት ሃገርና (2) ሕባራዊ ቃልሲ ንስሩዕ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ምስግጋር (3) ኣበርክቶ መጽሓፉ "ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ" ንመስርሕ ሃገራዊ ዘተ፡ ዝብሉ ነይሮም። ኣብዚ ዘተ'ዚ ሓያሎ ሕቶትትን ርእይቶታትን ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቦም፡ ብወገን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ድማ መልሲን መብርሂታትን ተዋሂቡሎም ኣሎ። ነዚ እዋናዊ ሕቶታት ዝተንከፈ ኣገዳሲ ዘተ'ዚ ንምክትታል፡-

 ቀዳማይ ክፋልካልኣይ ክፋልሳልሳይ ክፋል





24/05/2015 21:21 PM

መደብ ራድዮ ኣሰርና 24 May 2015

ዝሓለፈኩም መደባት ራድዮ ኣሰርና፡ ኣብዚ ጠውቑ



24/05/2015 22:52 PM

ናዝ የማነ (ድምጺ ኤርትራ) ምስ ኣ/ወ ዲምሓኩኤ ኣቶ ቀርነልዮስ ዑስማን። ብዛዕባ ሓው ህዝቢ ኩናማ፡ ታሪኹ፡ ባህሉ፡ ልምድታቱን ጸጋታቱን ገሊጹ። ከምኡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ወሪዱ ዝብሎ ክስታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን  ካልኦትን፡ ዘርዚሩ። ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡሉ ሕቶታት’ውን መልሲ ሂቡ ኣሎ።

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕ ድማኣብዚ ጠውቑ




22/05/2015 22:59 PM


. ርብዒ ዘመን ኮይኑ! .

ካብ ሓውኹም መሲናስ


ናጽነት ፍረኺ ከየስተማቐርና

ብዘይሕግን ፍርድን እናተቐየድና

ብኩፖን ክንቅለብ ሪጋ ተሰሪዕና

ናብ ቦጣት ክንጎዪ ፊስቶ ተሰኪምና

መላኽን ሰዓብቱን እናኣሳቐዩና

ልደትኪ ክንጽንብል ስምኪ እናዘመርና

ርብዒ ዘመን ኮይኑ ሰለም ከየበልና!

…Read more



20/05/2015 04:23 AM

. ሓበሬታ .  

ሃገራዊ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ መበል 24 ዓመት

ኣብ ከተማ ሎንዶን

     ኣብ ሎንዶን ንርከብ ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት: መዓልቲ ነጻነት ብሓባር ንምብዓል ናይ ዘተ መደብ ኣዳሊና ከም ዘሎና እንዳሓበርና፡ ኩልኹም ተቓለስትን ደለይቲ ፍትሕን፡ ብሓባር ምሳና ክተምስዩ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት፡- 23/05/2015

ሰዓት፡- ካብ ሰዓት 6፣00 ድ. ቐ ክሳብ 10፣00 ድ. ቐ

ዝካየደሉ ቦታ፡- Read more



20/05/2015 21:26 PM

ኣገዳሲ ቃለመሕትት ምስ ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ፡ ምስ ድምጺ መድርኽ

[ ድምጺ መድርኽ ]

ዶ/ር ጋይም ክብርኣብ ኣብዚ ምስ ድምጺ መድርኽ ኣብ ተኻታታሊ ክፋላት ዘካየዶ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቃለመጠይቕ፡ ንህሉው ኩነታት ኤርትራውያን  ስደተኛታት፡ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ኣስካሕካሒ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ኩነታት’ዚ ብኸመይ ከምዝጥቀመሉን ስለምንታይ’ውን ነቲ ዋሕዚ ስደት ደው ከብሎ ከምዘይደልን፡ ከምኡ’ውን ንሓዋሩ እቲ ፍታሕ ናይቲ ጸበባ ኤርትራውያን ብኸመይ ክመጽእ ክምዝኽእልን ኣሚቱ ኣሎ።      

     ብመጀመሪያ ኣብ 3ይ ክፋል ጀሚርኩም ነቲ ዝተረፈ ክፋላት ድማ ክትሰምዑዎ ኣገዳሲ ይመስለና፡- 1ይ ክፋል2ይ ክፋል

  




18/05/2015 21:10 PM

ስርዓተ-ፍትሒ-ኤርትራ

ገምጋማትን ትንታነታትን። Justice System of Eritrea, Interviews and Analysis.

See also Radio Erena:




18/05/2015 23:10 PM

EU to launch Mediterranean naval mission to tackle migrant crisis ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ መሰጋገርቲ ሰባትን ንሳቶም ዝጥቀሙለን ጃላቡን ንምህዳንን ንምዕናውን ናይ ባሕሪን ኣየርን ወፍሪ ክጅምር ኢዩ።

[ The Guardian ]

Refugee rights groups fear that bombing the escape routes of people fleeing for their lives from Syria, Eritrea and west Africa – where most migrants begin their journeys – will simply lead to more deaths, away from the public spotlight. “An unintended ...Read More









18/05/2015 02:52 AM

መደብ ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ -

 27 May 2015

Voice of Eritea Naz Yemane- Sunday 17 May 2015 programme

      ዝሓለፈኩም መደባት ንምስማዕኣብዚ ጠውቑ




15/05/2015 21:41 PM

ራሳይ መስክሪ!

ብ’ግርማይ ካሕሳይ

ስዉእ መልኣከ ተኽለ

ኣንታ ጅግና!

ፍዮሪ ዘንብረልካ ድዩ ተሳኢኑ?

ስነ-ስርዓት ቀብሪ'ዶኸ ተጌሩ?


ሰቲ ለምለም ከሎ ኣብ ሸኻ ናይ ዓድኻ

ኣብ ሑጻ ክትቅበር፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ

…..Read more





11/05/2015 22፡39 PM

An appalling account surrounding Eritrean Refugees living in Israel and the experiences of those subjected to deportation by Israel into African Countries such as Rwanda and Uganda, in exchange of Lucrative trade exchanges with Israel.

ኣሻቓሊ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራአል።

See also Radio Erena:

Related Reports: ምስዚ ዝዛመድ፡-

(1) Eritrean Justice seekers Demo in Israel. ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ አስራኤል - ድምጺ ኣሰና - May 11, 2015 (2) [hotline.org.il] Asylum-Seekers Coerced to Leave Israel Endure Persecution, Torture.  (3) [hotline.org.il] Where there is No Free Will. (4) presentation by David Sheen at McMaster University on March 4, 2015.



11/05/2015 22:28 PM

Mr Mehammed Idris, Senior Eritrean Diplomat at the African Union in Addis Ababa Deserts the Eritrean Regime. ኣቶ መሓመድ እድሪስ፡ ላዕለዋይ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ናብ ኣፍሪቅዊ ሕብረት (AU): ንስርዓት ኤርትራ ከምዝራሕርሖ፡ ብዝሃቦ መግለጺ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

[ Assenna.com ]





10/05/2015 23:58 PM

ድምጺ ኤርትራ ሃሊፋክስ - ናዝ የማነ

ዕላል ምስ ኣሃዱታት-ጸጥታ-ዶብ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)።

ናዝ የማነ (ካብ ሬድዮ ድምጺ ኤርትራ)፡ ምስ ጀጋኑ ኣባላት ጽጥታ ዶብ ተሓኤ፡- ግርማይ ሃብተስላሴሰለሞን ዘሞ፡ ከምኡውን ክብሮም ገብረስላሴ፡ ኣዕሊሎሙና ኣለው። ኣብዚ ዕላል’ዚ፡ ተመኩሮታት ኣሃዱታት ጸጥታ ዶባት ናይ ተሓኤ ከመይ ከምዝነበረን ፡ ከምኡ’ውን ምምሕዳር  ናይታ ጠንቂ ዶባዊ-ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኾነት -ባድመ ’ እውን ተላዒሉ ኣሎ።  



10/05/2015 02:51 AM

Silence Kills! ስቕታ፡ ቀታሊ ኢዩ!

[ቲቪ ድምጺ ህዝቢ]

silence kills!

ምስዚ ዝዛመድ (Related)፡- ቃለመሕትት ምስ ራድዮ ኤረና



09/05/2015 21:03 PM

AfDB and Eritrea sign US $41.5 million education and agriculture funding agreement ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን፡ ኤርትራን፡ ኣብ ምምዋል ትምህርቲን ሕርሻዊ ልምዓትን ዝውዕል ናይ $41.5 ሚልዮን ዶላር ውዕል ከቲሞም። [ Caperi ]

The African Development Bank (AfDB) and Eritrea signed a US $41.5 million funding agreement for government projects on education and agriculture. The Agreement was signed in Asmara by Eritrea’s Finance Minister, Mr. Berhane Habtemariam, and Regional Director of AfDB, Mr. Gabriel Negatu, according to Eritrea’s Information Minister Yemane G. Meskel. The AfDB’s Board of Executive Directors approved [Read more]

Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-




03/05/2015 17:29 PM

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን - ንሰሙን መመላእታ፡ መዓልታት ሓዘን ኣዊጆም ቀንዮም።     

     ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ነቶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ግዝኣት ሊብያ) ኣብ ሓደ እዋን ዝጠሓሉ 350 ኤርትራውያንን ካልኦት “ብጉጅለ ዳዒሽ ” ብሴፍን ጥይትን ዝተቐንጸሉ ኤርትራውያንን ንምዝካር፡ ንሰሙን መመላእታ፡ ሽምዓ ብምብራህን ብናይ ሕልና ጸሎትን ይዝክርዎም ኣለዉ።

     መንግስታዊ መራኸቢታት (ሜድያ) ኤርትራ ግን፡ ነዚ ዓቢ ቅዝፈታዊ ትራጀዲ’ዚ ኣመልኪቱ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ወይ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣይኣወጀን።

     ህዝቢን መላእ መንግስታትን ዓለምን፡ በቲ ዘጋጥም ዘሎ ትራጀዲ፡ ሰንቢዱ፡ ሓዘኑን ተዳናጋጽነቱን ኣብቲ ኤርትራውያን ዝወደብዎ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚታት ከይተረፈ እናተጸንበረ፡ ሓዘኑ ይገልጽ ኣሎ።

     ክቡራት ኤርትራውያን! በጃኹም፡ ዓይንኹም እናረኣየ፡ ናብ መንገዲ ጥፍኣት ኣይተምርሑ። ኣብ ክንድኡ፡ እቲ ፍታሕ ኣብ ውሽጢ ሃገርኩም ድለዩዎ።

     ቤተሰብን መቕርብን ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም! ንሃገርና ኤርትራ ድማ፡ ካብዚ ዝወርደና ዘሎ ቅዝፈት ዘድሕን ስርዓትን መራሒን ይፍጠረላ። ስኒትና.ኮም





Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more


























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe