Home  About us   Contact us

Copyright © 2013 - 2015  www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

Home መእተዊ  |  Articles ጽሑፋት  |  Documents ሰነዳት | Culture ባህሊ  |  Links ምትእስሳር  |  Archives ከብሒ  |  Contact us ርኸቡና

                                                

Share on Facebook Share on Twitter Share via e-mail Print Share on Google Bookmarks
martyr tesfay tekle martyr tesfay tekle












ኣንታ ጅግና!

ፍዮሪ ዘንብረልካ ድዩ ተሳኢኑ?

ስነ-ስርዓት ቀብሪ'ዶኸ ተጌሩ?


ሰቲ ለምለም ከሎ ኣብ ሸኻ ናይ ዓድኻ

ኣብ ሑጻ ክትቅበር፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ


ንምዃኑ እንታይ ወርሓቱ'ዩኸ ነይሩ?

ዕንባባ መሮር ገልገለ መስቀለ 'ድዩ ተሳኢኑ?


በዓል መን'ከ ኔሮም ሓመድ ዘልብሱኻ?

ወይ'ሲ ሓቢኦሞ፡ ንኽቡር ሬሳኻ?


ሰራዊት ሓርነት'ከ ተነጊሩ'ዶ መስዋእትኻ?

ወይ'ሲ ሓቢኦምሎም ከይካፈሉ ኣብ ቀብርኻ


ባንዴራ ኤረ'ኸ፡ ኣብ ፍርቂ'ዶ ተሰቒላ

ተሰናቢታትካ'ዶ ንሰማይ ኣንበልቢላ


መርድእ'ዶ ተላኢኹ፡ ናብ ኩሎም ዝፈልጡኻ?

ተኣውዩ’ዶ፡ ሓመድ-ድበ ከርክቡ ቀብርኻ?


በዓል መን'ከ ተረቚሖም ዝስከሙ  ሬሳኻ?

ወይሲ ብሕቡእ ኣዘንጊዖም ወሲዶምኻ


ግቡእ ስለ ስርዓት'ዶ ተጌሩ ኣብ ምኻን መቓብርካ

ዝኽሪ ስውኣት'ዶ ጌሮም፡ ክንዲ ፍትሓት ዝኾነካ


ምልክት'ዶ ጌሮምሉ ምኻን መቕብርካ

ንቡር'ዶ ፈጺሚም ከም ኩሎም ብጾትካ


ቴንዳ'ዶ ተተኺሉ፡ ቀባሮ ዘጽልልሉ

መዝገብ'ዶ ተዳልዩ ሽምካ ዝኽተመሉ።


ብባንድን ማርሻን ክትፋኖ እዩ ዝግብኣካ

መቓብር ሓርበኛታት እዩ፡ ምኻን ናይ ሬሳኻ


እስኪ በብሓደ ከነዕልለካ

ዝርዝር ዘጋጠመ ብድሕሬኻ


ገለ ካብኡ ክትሕጐስ ኢኻ

ብገሊኡ ግን ክትሓዝን ኢኻ


በቲ ዘሓጉስ'ዳ ክጅምረልካ

ወይሲ ድሮ ሰሚዕካዮ'ኻ

 

 

ጽቡቕ እምበኣር ብሽራት ከዕልለካ

ዘይሰምዓክዮ እንተ ድኣ ኣሊኻ


ትሽዓተ ዓመት ድሕሪ ምፍላይካ (1982-1991)

ሃገር ነጻ ወጺኣ ብድሕሬኻ


ባንዴራ ተተኺላ ኣብ ኣስመራ

ሓራ ወጺኡ ምሉእ ኤርትራ


ምሉእ ዕድሜኻ ዝተቓለስካሉ

ሂወትካ ውን በጃ ዝሃብካሉ

ንኸንቱ ኣይተረፈን ኣይትጠዓሰሉ


መን ክስሕቶ ልቢ ትርግታኻ

መን ከይዝንግዖ ስክፍታኻ


ኣጆኻ ግን ግር ኣይበልካ

መን'ዩ እሞ ንዓኻ ከይሓምየካ


ግቡእካ ፈጺምካ እንዲኻ ተሰዊእካ

ፍሉጥ እኮ እዩ ነይሩ ሞያኻ


ዝርስዖ ሰብ የለን ጅግንነትካ

ዘይሓዘነ የለን ብመስዋእትኻ


ይቕጽል



ግርማይ ካሕሳይ

15-05-2015

Share:




Share on Facebook Share on Twitter Share via e-mail Print Share on Google Bookmarks