Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/03/2014 20:15 PM

ናይ ዕደና ወርቂ ኩባንያ ሳንሪጅ
(Sunridge Gold Corp)
መኽሰቡ ናብ $428 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ ተሓቢሩ -
እዚ፡ ንኤርትራ እንታይ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል?
By Yohannes Tseggay, London, 27 March 2014

Sunridge Gold Corp Profit

ብመሰረት 27 መጋቢት 2014 ብ’ማርኬት ዎች (Market Watch) ተሓቲሙ ዝወጸ ናይ ዕዳጋ ወፍሪ መጽናዕቲ፡ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ሳንሪጅ (Sunridge Gold Corp.): እቲ ኣብ መጀመሪያ ገምጊሙዎ ዝነበረ መኽሰብ $345 ሚልዮን ዶላር፡ ናብ $428 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ ይሕብር። እቲ መኽሰብ ክብ ዝበለሉ ምኽንያት፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን: ንሕግታት ኣሰላልዓ ግብሪ ኤርትራ (Tax laws of Eritrea) ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምርካቡ ምኻኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ኩባንያ ዕደና ወርቂ ሳንሪጅ (Sunridge Gold Corp.)፡ ካብቲ ኣብ ከባቢ እምባደርሆ፡ ዓዲ-ንፋስ፡ ጉፖ ወርቂን ድባርዋን፡ ቅድሚ ግብሪ ምኽፋሉ ክሓፍሶ ተገሚቱ ዝነበረ እቶት ናይ $692 ሚልዮን ገምጋም ከምዘለዎ ክቕጽል ኢዩ።

እዚ ዝተኻየደ ዳሕራይ መጽናዕቲ ከምዝሓበሮ፡ ካብቲ ተወጢኑ ዝነበረ፡ ድሕሪ ምኽፋል ግብሪ ፡ ዝርከብ መኽሰብ ናይታ ኩባንያ ዕደና፡ ካብ $345 ሚልዮን ናብ $428 ሚልዮን ክብ ኢሉ ኣሎ። እዚ ድማ ተወሳኺ ናይ $83 ሚልዮን መኽሰብ ነቲ ኩባንያ ከምጽኣሉ ኢዩ። እዚ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ኤርትራ ክኸፍሎ ዘለዎ ግብሪ ንጹር ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ ብዝገበሮ ምትዕርራይ ናይ መኽሰባቱ ኢዩ።

እዚ፡ ንኤርትራ እንታይ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል?

ኤርትራ፡ ካብ ወፍሪ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኩባንያ እትረኽቦ መኽሰብ ብቕልል ዝበለ መልክዑ ንምርዳእ ምእንቲ ክሕግዝ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክዝርዘር ይከኣል፡-

1) ካብ ግብሪ-ኩባንያ ዝርከብ ኣታዊ (Corporation Tax)፡- ኩባንያ ሳንሪጅ፡ ጽሩይ መኽሰባ፡ $692 ሚልዮን ዶላር ክኸውን ኢዩ። ካብዚ፡ ከም ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝግበር፡ እቲ $347 ሚልዮን ንኤርትራ ብመልክዕ ግብሪ ክትከፍል ኢያ።

2) ኤርትራ፡ ከም መሻርኽቲ ናይቲ ኩባንያ መጠን፡ 40% (40 ሚእታዊት) ብርኪ ኣለዋ። እዚ ማለት ድማ፡ ካብቲ ግብሪ ምስተኸፍለ ዝርከብ ጽሩይ መኽሰብ ብጽሒት (Share of after-tax profit) 40% ንኤርትራ፡ከም ብጽሒታ ክወሃባ ኢዩ።- ከም ትጽቢት ናይዚ ኩባንያ፡ እዚ ድሕሪ ግብሪ ምኽፋሉ ዝርከብ ጽሩይ መኽሰብ $345 ሚልዮን ዶላር ኢዩ። ካብዚ፡ ብጽሒት ኤርትራ ብመሰረት ዘለዋ 40-ሚእታዊት ብርኪ፡ ተወሳኺ $138 ሚልዮን ክትረክብ ኢያ ማለት ኢዩ።

3) ብዘይካ’ዚ ዝተጠቕሰ መኽሰባት፡ ኤርትራ እትረኽቦ ረብሓታት ካብዚ ፕሮጀክት’ዚ ብዙሕ ኢዩ። ንኣብነት፡- ካብ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኩባንያ (ወጻእተኛታት ይኹኑ ኤርትራውያን) እትእክቦ ግብሪ ክጥቀስ ይከኣል። እንተኾነ፡ እዚ ኣሃዝ’ዚ፡ ብዝሒን ዓይነትን ናይቶም ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ’ውን ዘለዎም መሳልል-ደሞዝ ሓበሬታ ስለዘየለ፡ ካብዚ ዝርከብ ናይ ኤርትራ እትዋት ብንጹር ኣሃዝ ንምቕራቡ ኣይከኣልኩን።

ብኣጠቓላሊ እምበኣር፡ ካብ ሰራሕተኛታት ዝእከብ ናይ ደሞዝ ግብሪ ኣብ ግምት ከየእቶኻ፡ ኤርትራ፡ ካብዚ ናይ ከባቢ እምባደርሆን ድባርዋን ዝዝርጋሕ ዕደና ወርቂ ሳንሪጅ ጥራይ፡ $485 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ኢያ።

ብተመሳሳሊ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዕደና ወርቂ ሳንሪጅ (Sunridge Gold Corp.)፡ ናይቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ ዘሎ ወፍርታት ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፡ ንኣብነት፡- ቢሻ፡ ዛራ፡ ከምኡ’ውን ዕደናታት ፖታሽ (Potash) ኣብ ገማግም ደቡባዊ-ቀይሕ-ባሕሪ ኤርትራ፡ .. ወዘተ፡ ኣብ ግምት ምስ ዝኣቱ፡ ካብዚ ወፍርታት’ዚ ኤርትራ እትረኽቦ ኣታዊታት ኣዝዩ ገዚፍ ምዃኑ ይግመት።

ካብ ዕደና ዝርከብ እትዋት እምበኣር፡ ኣቃሊልካ ዘይርአ ክኸውን ከሎ፡ ምስኡ ሓቢሮም ክምለሱን ቆላሕታ ክወሃቦም ዝግባእን ጉዳያት ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም፡- (ሀ) ካሕሳ ናይቲ ግዳይ ናይ ኣብቲ ዕደና ዝካየደሉ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ፡ (ለ)ኣከባቢያዊ ብከላ ክፈጥሮ ዝኽእል ናይ ዝተናውሐ ናይ ጥዕና ጸገም፡ ከምኡ’ውን (ሐ) ቁጽጽርን መዓላን ናይቲ ካብ ወፍሪ ዝርከብ ሃገራዊ እትዋት፡ ዝብሉ ክጥቀሱ ይከኣል።

ዝኾነ ኣህጉራዊ መለክዒታት ወይ ቅጥዒ ዘማልእ ኩባንያ፡ ንሳዕቤናት ጥዕና፡ ከምኡ’ውን ብመጠኑ መነባብሮ ናይቲ ብሰንኪ’ቲ ወፍሪ መነባብሮኡ ዝተቓወሰ ህዝቢ ንምኽሓስ ኣብ ግምት የእትዩ ከምዝሰርሕ ርዱእ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብኸመይ ከመሓድሮ ወይ ከተግብሮ ኢዩ? ነዚ ዝቆጻጸር ምዱብን ወግዓዊን መንግስታዊ ኣካል ወይ ናጻ ኣካል የድሊ። እቲ ንገንዘባዊ እትዋት ክቆጻጸር ዝግብኦ፡ ሃገራዊ ትካል ገንዘብ (ትረጀሪ) ወይ ሚኒስትሪ-ፋይናንስ ኤርትራ፡ ኣብዚ ጉዳይዚ እንታይ ኣፍልጦ ወይ ቁጽጽር ኣለዎ? እቲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ዘለዋ ኩባንያታት ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታትን ካብ ወፍርታተን ዝርከብ ዘሎ መኽሰባትን፡ እተን ኩባንያታት ናብቲ መበቆላዊ ዓደን ዝኾነ ሃገር፡ ብመሰረት ሕጊ ናይተን ሃገራት ዘቕርባኦ ወግዓዊ ጸብጻባት ጥራይ ኢዩ ዝርከብ። ብዛዕባዚ፡ ብማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ የለን። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ክመራመር ዝደሊ ኤርትራዊ ኣካል፡ ዝኾነ ወግዓዊ መወከሲ ጸብጻባት የብሉን። ብዓቢኡ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ብቅዋም ዝምእዘዝ፡ ብሃገራዊ ባይቶ ዝምራሕ፡ ወግዓዊ ሃገራዊ ባጀት ዝጸድቀሉን መዓላኡ ድማ ቁጽጽር ዝግበረሉን መንግስቲ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ የለን። እቲ ገንዘብ ክንደይ ኣትዩ፡ ናበይ ኣትዩ? ኣብ ምንታይ ውዒሉ? ብኸመይ’ከ ተመቓሪሑ? ..ወዘተ ዝቕይድ ልጓም ኣብ ኤርትራ የብልናን።

ስለዚ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ክንምዝምዞ እንኽእል ባህሪያዊ ጸጋታት ምህላዉ ንኤርትራ ዝተዋህበ ምርቓ ክኸውን ከሎ፡ መዓላኡ ክንፈልጥ ብዘይምኽኣልና ግን ናትና መርገም ኢዩ። ነዚ ዘይንቡር ኩነታት ንምልዋጥ፡ ተጠቃምነትን ረብሓን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን፡ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ዝርከብ ኤርትራዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ኤርትራዊ፡ ንሳላሳ ዓመታት ክቃለስን ክስዋእን ዝተገደደሉ ምኽንያት፡ ጎይታ ዕድሉን ጸጋታቱን ባዕሉ ንክኸውን ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ግን፡ እቲ ኩሉ መብጽዓታት ተጠሊሙ፡ ኤርትራዊ ኣብ ከርፋሕ ህይወትን ስደትን ከርተት ክብል ንዕዘብ ኣሎና። እምበኣር፡ ዕላማ መስዋእቲ ጀጋኑና ኣይነዕብር። ግዜናን ቀልብናን ድማ፡ ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ደቀቕቲን ዘይመሰረታዊን ፍልልያትን ቆይቊን፡ ወጺእና፡ ንምትካል ቅዋማዊን ዲሞክራሲያዊን ስርዓት ኣብ ሃገርና፡ ከም ቀዳማይ ዕላማ ወሲድና ብሓደ ቃልን ሓይሊን ክንለዓል ይግባእ። ናትና እንብሎ ህዝባዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና ምስተተኽለ፡ ስልጣን ናብ ኢድ ወናኒኡ ክኸውን ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ምስተሰጋገረ፡ ሽዑ ኢና፡ እፎይ ኢልና፡ ጸጋታት ሃገርና፡ ከነስተማቕር ዝኽእል።

ሰማእታትና ንዘልኣለም ይዘከሩ።

ዮውሃንስ ጸጋይ
London, 27 March 2014

—-------------------


Share with friends:

Copyright© 2013 -  www.snitna.com
All rights Reserved.

Contact us ርኸቡና