ጽንዓት ይሃብኪ ዓባይ ኣባሻውል!

07/08/2017 19:53 PM

ጽንዓት ይሃብኪ ዓባይ ኣባሻውል!

ጽንዓት ይሃብኪ ዓባይ ኣባሻውል!

 

ጽንዓት ይሃብኪ ዓባይ ኣባሻውል!

ኣንቲ ሻውል ጻዕዳ ኣፍራይት ሰብ ሞያ
እዛ ሞት ሕስምቲ እንታይ ኢኺ ጌርክያ
ደቅኺ እትወስድ ወትሩ ሓሓርያ
ትማሊ ዘይኣኽላ ናይ የማነ ባርያ
ኣፍኪ’ባ ክፈቲ ዓገብ’ዩ በልያ!

ወረ እንታይ እዩ ጉዳ እዛ ሞት ዝብሉዋ
ኮዋኽብቲ ሃገርድዮም ወትሩ ዘብህጉዋ
ምስ ቋንቋናን ባህልናን ጽልኢ ከይህሉዋ
ብልሓታ ክፍለጥ ክትሕተት ኣለዋ!

ዓባይ ኣባሻውል ናይ ድኻታት ኣደ
ደቅኺ’ምበር ከይዶም በብሓደ
እቲ ብርሃን ቅርዓትኪ ሰሓቕ ዝለመደ
ጸልሚቱኪዶ ሻውል ቀንዴል ምስ ተወስደ?

ነቲ *ማእምር ትግረ ጎይታ ናይ ትግርኛ *ሊቅ
ነቲ ጎይታ መድረኽ ፍሉይ ጥበበኛ
ነቲ ተቓላሲ ዘይሕለል ሓርበኛ
እታ ዘይትኽሰስ ብሕጊ ብዳኛ
ሞት መንጢላትልኪ ጨካን ልማደኛ!

በሊ ጽንዓት ይሃብኪ ዓባይ ኣባሻውል
ካብ መልቀስ ሓሊፍና እንታይ’ሞ ክንብል
ሓወልቲ ደቅኺ ኣብ ጨርሒ ክንተክል
መንግስቲ ይፍጠረልና ንህዝቡ ዘጽልል!

ንኽቡር ገዲም ድምጻዊ መ.ም ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ መንግስተ ሰማይ የውርሶ፣ ንስድራቤቱን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ብሓፈሻ፡ ንደቂ ዓባይ ኣባሻውል ድማ ብፍላይ ጽንዓት ይሃብ ፈጣሪ!

ስነ ጥበበኛ ስለ ዘይመውት ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ እውን ኣዕሪፉ’ምበር ኣይሞተን’ሞ ወትሩ ኣብ እዝንን ልብን ኤርትራዊ ኣሎ።

ብ'መሲናስ 7/8/2017

Share with friends: