ዝኽርታተይ ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ ዶ/ር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል

21/03/2018 04:45 AM

ዝኽርታተይ
ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ ኣያና
ሓርበኛ ዶ/ር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል
In loving memory of Dr. Nerayo Teklemichael

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ (ዓባይ ብሪጣንያ)

Dr-Nerayo


ዝኽርታተይ ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ ኣያና ሓርበኛ ዶ/ር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል

ሓደ ካብቶም ኣብ ምምዕባል ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ፡ ሓርበኛ ዶክተር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል፡ ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ዓሪፉ።

ዶ/ር ንርኣዮ፡ እንተዘይተጋግየ፡ ኣብ እዋኑ ሓደ እንኮ ብሞያ ሕክምና ቆልዑ ዝሰልጠነ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኢዩ ነይሩ። ብትምህርቲን ተመኩሮን ኣዝዩ ዝጸገበ ብምንባሩ፡ ከም ውልቀ-ሰብ ኣብ ኣዝዩ ምቹእን ጥጡሕን ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ከሕልፍ ዝኽእልን በዓል ሞያ ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ዓጢጡዎም፡ መስዋእቲ ንምኽፋል ናብ ሜዳ ክውሕዙ ኢዮም ተራእዮም። ዶ/ር ንርኣዮ ድማ ሓደ ካብኣቶም ኢዩ። ዶ/ር ንርኣዮ፡ ኣብ 1970ታት ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ህሓሓኤ) ተሰሊፉ። ምስ ከምኡ ሓያላት ሰብ ሞያ ጥዕና ብምትሕብባርን ምስ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ኪኢላታትን ትካላትን እናተራኸበ፡ ኣብቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኣገልግሎት ዝቖመ ብወጻእተኛታት ከይተረፈ ኣድናቖት ዘትረፈ ኣገልግሎታት ጥዕና፡ ኣብ ምምስራትን ምምዕባልን ብተወፋይነት ኣገልጊሉ ኢዩ።

ሌላይ ምስ ዶ/ር ንርኣዮ፡-

ናብ ህሓሓኤ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1975 ምስ ተሰለፍኩ፡ ድሕሪ ታዕሊም ከም ኣጋር ሓኪም ኢየ ሰልጢነ። ሓደ ካብቶም ኣብ 1976፡ ኣብ ሰበርቀጠ ዝተባህለ ማእከላይ ሕክምና ናይቲ ውድብ፡ ብግብሪ ይምህሩና ካብ ዝነበሩ ዶክተራት ሓደ፡ ዶ/ር ንርኣዮ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ጨንፈር ውሽጣዊ ሕማማት (Medical Wards) ኢዩ ነይሩ። ኣገባብ ኣመሃህራኡ፡ ፍሽኽታ ዝተሓወሶ ምቕላለኡን፡ እቲ ንሱ ዝህበና ዝነበረ ትምህርቲ፡ ብዘይጸገም ሰተት ኢሉ ናብ ኣእምሮና ይስኳዕ ነይሩ። ኣብ መንጎ ኣብነታት ዝኾነና መስሓቕ ዕላላት እናወሰኸ ስለዝምህረና ዝነበረ፡ ነታ ንሱ ዝመጽኣና መዓልቲ ኣዚና ንናፍቓ ነበርና። ክሳብ ሕጂ ድማ እቲ ዘይሃስስ ተዘክሮታትን ፍልጠትን ሰኒቕናዮ ንዓመታት ንነብር ኣሎና። ኣብ ማእከላይ ክፍሊ ሕክምና ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣጋር ሓካይም፡ ኣማኢታት ነርሳት፡ ናይ ላቦራቶሪን ናይ መትባሕቲን ሞያውያን ኢዮም ሰልጢኖም። ካብ ምፍራይ ነቲ መምሃሪ ዝኸውን ማተሪያልን ብግብሪ ብምምሃርን፡ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሞያውያንን ዝተጻወቱዎ ተራ፡ ብደረጃ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት፡ ዋላ'ኳ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ናይ ካልኦት እንተዘይብለይ፡ ኣዝዩ ዝድነቕን ኣዝዩ ውሑድ መዳርግቲ ዝነበሮን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ማእከላይ ሕክምና ህዝባዊ ግምባር፡ ሓደ ብ Eritrean Publuc Health Programme (EPHP) ዝፍለጥ ዓቢይ ፕሮግራም (ፕሮጀክት) ምንባሩ እዝክር። መራሒ ናይዚ መደብ ዶ/ር ንርኣዮ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ዘደንቕ ድማ፡ ኣብ ሜዳ ዝፈረየት መጉልሕ መነጽር ላቦራቶሪ (Portable EPLF Microscope) ናብ ወጻኢ ትሽየጥ ነይሯ። ካልእ ብቐረባ ኣብቲ ዓውዲ ብቐረባ ጥብቀት ዝነበሮም ሰባት ብዛዕባዚ ብዙሕ ክብሉ ከምዝኽእሉ ርግጸኛ ኢየ። እዚ ሓሳብ'ዚ ንባዕሉ፡ብርቂ ምህዞ ኢዩ።

ኣብ ገድሊ ዓመታት ሓሊፉ፡ ኣነ'ውን ከቢድ ስንክልና ኣጋጢሙኒ ናስታት ክልተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ኢየ ተዓቚበ ኣሕሊፈየን። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ምስ ዶ/ር ሚኪኤል ነባራይ፡ ነብሱ ይምሓር ዶ/ር ዓንዶም ኮይኑ፡ ዶ/ር ንርኣዮ ውን ነቲ ዘጋጠመኒ መጉዳእቲ ኣብ ምፍዋስ ታቓሊሱ ኢዩ።

ካብ ሕክምና ድሕሪ ምውጽአይ፡ ምስ ዝነበረኒ ስንክልና፡ ካብ መፋርቕ 1984 ምስ ማሕበር ረድኤት ኤርትራ (Eritrean Relief Association - ERA) ተመዲበ፡ ክሳብ 2000 ዓም. ኣገልጊለ። ኣብዚ መድርኽ'ዚ ምስ ዶ/ር ንርኣዮ ዘተኣሳስር ብዙሕ ዝዝክሮ ኣጋጣሚታት ኣሎ፡-

ገድሊ፡ ከም ስሙ ሕሱም ኢዩ። ሓርበኛ በዓልቲ ቤተይ (ኢለን ዓንደማሪያም ሃይለ)፡ ሓንቲ ካብተን ሽዑ ዝነበራ ምዑታት ተቓለስቲ ኢያ ነይራ። ኣብ ገድልና፡ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ዘሕለፋኦ ድርብ ቃልሲ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ባህሪያዊ ጾታዊ ጸገማተን ተጻዊረን፡ ንጸላኢ መኪተን። ጡብ ዘይጸገበ ዕሸል ጠንጢነን፡ ኣብ ኲናት ብመስዋእቲ ሓሊፈን። ናይ 4-5 ወርሒ ጥንሲ እናሃለወን ድማ፡ ካብ ድፋዕ ኣይንወርድን ብምባል ተሰዊአን ኣብ ማህጸነን ዝነበረ ዕሸል ተጎዲኡን ኢዩ። ሓርበኛ በዓልቲ ቤተይ ሓንቲ ኣብነት ኢያ። ኣብ ኲናት ነብሳን ዕሸላን ጎዲኣ። ብሰንኩ ዝተጎድአ ቦኽሪ ውላድ ኣሎና። ነዚ ዕላል'ዚ እምበኣር ብዘይ ምኽንያት ኣይኮንኩን ዘልዕሎ ዘሎኹ። እንታይ'ድኣ ናይቲ ጉድኣት ዝወረዶ ውላድና፡ ብዙሕ ሻቕሎት ስለዝነበረና፡ እቲ ከም ናይ ሕጻንና ሓኪም ኮይኑ ብተኻታታሊ ሓገዝን ምኽሪን ከምኡ'ው ሞራል ዝልግሰልና ዝነበረ ዶ/ር ንርኣዮ ኢዩ ነይሩ። በዚ ድማ ሓደ ዘይሃስስ ዝኽሪ ኣሎና። ብዙሓት ኣብ መደበር ዕቑባት (እንዳ ህዝቢ) ዝነበሩ ከመስግኑዎ እውን እሰምዕ ኢዩ።

ናጽነት ኤርትራ ምስ ኮነ (1991)፡ እቲ ERA ዝበሃል ዝነበረ ማሕበር ናብ ሓውሲ-መንግስታዊ ትካል ተቐይሩ ስሙ ናብ ትካል ረድኤትን ተሓድሶን ኤርትራ (ትረተኤ) Eritrean Relief and Rehabilitation Agency (ERRA) ተለወጠ። ዳይረክተር ናይዚ ሓድሽ ትካል ድማ ዶ/ር ንርኣዮ ኾይኑ ተመደበልና። ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ስለዝነበርና፡ "እዛ እግሪ ክሳብ ሕጂ ኣላ!" እናበለ ነታ ዝተሃስየት እግረይ እናመልከተ ይዋዘየኒ ነይሩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ክርስዖ ዘይደሊ ኣጋጣሚታት ነይሩ፡-

(1) ሓደ እዋን፡ ንኹላትና ዝነበርና ሓለፍቲ ኣኪቡ፡ እናተዋዘየ በቲ ምቕሉል ፍሽኽታኡ እናኣሰነየ፡ ነቶም ብዘይካ ህጁም! ብዙሕ ካልእ ኣፍልጦ ዘይነበረና ተጋደልቲ-ነበር (ደቂ በረኻ)፡ ንፕሮቶኮል ዝምልከት ኣስተምህሮታት ሂቡና። ሓደ ካብቲ ሕጂ ዝዝክሮ፡ "ሓደ እዋን፡" ይብል ንሱ፡ "ሓደ ናይ ሳልሳይ ዓለም መራሒ ተዓዲሙ ምስ ሚኒስተራቱ ናብ ምዕራባዊ ዓለም ይኸይድ። እቲ ዓዳሚ ናይ ድራር እንግዶት ኣዳልዩ ስለዝነበረ፡ ኩሎም ዕዱማት ኣብ ዙርያ መመገቢ ጠረጴዛታት ምስተቐረቡ፡ እቶም ኣሳሰይቲ ኣብ ቅድሚ ነፍሲወከፍ ሰብ ሓንቲ ሸሓኒን ሓንቲ ብኬሪ ማይን ኣቕረቡሎም። ወዮ ካብ ሳልሳይ ዓለም ዝመጸ ዕዱም መራሒ፡ ከም ባህሊ ዓዱ፡ በቲ ዝተቐረበሉ ብከሪ ማይ እናንተብጠበብ ኣብታ ዝተቐረበት ሸሓኒ ኢዱ ተሓጽበላ። ነዚ ዝተዓዘበ በዓል-ገዛ፡ ማለ ዓዳሚ ድማ፡ ነዚ ዘይንቡር ኣገባብ ምስ ኣስተውዓለ፡ ክብሪ ናይቲ ዕዱም ጋሻ ንዘይምትንካፍ፡ ንሱ'ውን ልክዕ ከምቲ እቲ ጋሻ ዝገበሮ ኣገባብ ኢዱ ተሓጽበ'ሞ አቶም ወገኑ ዝኾኑ ሚኒስተራት ድማ ኣሰሩ ሰዓቡ። ሻቡ፡ ከም ብሓድሽ ካልእ ብያቲታትን ማይን ተቐረበ'ሞ እቲ እንግዶት ብምዉቕ ኣገባብ ተዛዘመ" ብምባል ከም መኽፈቲ ናይቲ ኣስተምህሮኡ ኢዩ ጀሚሩልና። ቀጺሉ፡ ናብቲ ቀንዲ ጉዳዩ ብምምላስ፡-ንኣገባብ ስርዓተ ምቕባል ዕዱማት፡ ንኣገባብ ስርዓተ መኣዲ፡ ንኣገባብ ስርዓተ ሬስቶራንት፡ ወዘተ ዝርዝር ተመኩሮኡ ኣካፊሉና። ብዘይካ'ዚ፡ ብስራሕ ናብ ወጻኢ ሃገር መገሻ ምስ ዘጋጥም፡ እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ባዕልኻ ኣስቤዛ ሸሚትካ ኣብ ክፍልኻ መግቢ ምድላው እቲ ዝሓሰረን ጥዕና ዘለዎን ምዃኑ ምሂሩና።

(2) ኣብቲ መጀመሪያ ዓመታት ናይ ናጽነት፡ እቶም ሕዱር መጉዳእቲ ዝነበሮም ተጋደልቲ፡ ብሕክምና-ቦርድ እናተራእዩ፡ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ኢጣልያ ይለኣኹ ነይሮም። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት፡ እቶም መሳርሕተይ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ "ንስኻ'ስ ናብ ሕክምና-ቦርድ ዘይትሓትት" እናበሉ ሓሳባቶም ይህቡኒ ስለዝነበሩ፡ ሓደ መዓልቲ "ሕራይ!" ኢለ ከም ሰበይ ፎርም መሊአ፡ ኣብ መዓልቲ ቆጸራይ ናብ ሕክምና-ቦርድ ቀሪበ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣባላት ናይታ ሕክምና-ቦርድ፡- ተጋዳላይ ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን፡ ተጋዳላይ ዶ/ር ሃይለ ራሻ ከምኡ'ውን ሓደ ስሙ ዝረሳዕኩዎ ሳልሳዮምን ኢዮም ነይሮም። ጸገመይ ኩሉ ገሊጸሎም፡ እታ ቐዳመይቲ ጠለበይ ድማ፡ እቲ ብቐጻሊ ዘሸግረኒ ዝነበረ ረኽሲ ደው ዝብለሉ መንገዲ እንተሎ ምትሕብባር ክግበረለይ ምዃኑ ገለጽኩሎም። መልሲ ናብ ኣሃዱየይ (ናብ ክፍለይ) ክለኣኽ ምዃኑ ተነጊሩኒ ተፋነኹዎም። ወርሓት ሓሊፉ፡ ምምሕዳር ናይ ኣሃዱና እንተሓተትኩ ድማ፡ ዝመጸና መልሲ የለን፡ ይብሉኒ። ክልተ እዋን ናብቲ ኣብ መካነ-ሂወት ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት ናይቲ ሕክምና-ቦርድ ብምኻድ ድማ ብተማሳሳሊ ሓቲተ፡ "ጸማም ሓደ ደርፉ" ከም ዝበሃል፡ "መልሲ ኣብ ኣሃዱኻ ጥራይ ኢኻ ትሓትት፡" ተባሂሉ መልሲ ተዋህበኒ። ተስፋ ቖሪጸ ብድሕሪኡ ንነዊሕ ትም በልኩ። ሓደ እዋን ብዕላል ዕላል፡ እታ ጉዳይ ምስ ምምሕዳር ኣሃዱና ኣልዓልኩዋ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ኣመሓዳሪና፡ ብሓዘን ርእሱ ኣድኒኑ እናስተንተነ፡ "ዘይ እንታይ ክገብረልካ ኢዩ'ሞ" ስለዝበልና ኢዩ እምበር፡ መልሲ ድኣ ሰዲዶሙልና ኔሮም እንድዮም፡ ይብለኒ። ኣነ ድማ ድሓን እሞ ዋላ ዘይተቐበሉኒ እንተኾይኖም፡ ዘይ ንታሪኽ ኢዩ ዝኾነኒ፡ ቅዳሕ ዘይትህበኒ በልኩዎ'ሞ፡ ካብ ፋይል ኣውጺኡ ቅዳሕ ሃበኒ። ኩሎም ኣብቲ ኣሃዱ ዝነበሩ ሓለፍተይ፡ ንዶ/ር ንርኣዮ ሓዊስካ፡ በቲ ዝተዋህበ መልሲ፡ ሓዚኖም ኢዮም ነይሮም። እታ ናይ መልሲ ደብዳቤ ክልተ ሙሉኣት ሓሳባት ጥራይ ነበራኣ፡-

"ኣብ ወጻኢ ከይዱ ዝግበረሉ ሕክምና የለን። ንካልኣይ እዋን ናብ ሕክምና-ቦርድ ምቕራብ ኣይፍቀድን።" ትብል።

(3) ሓደ መዓልቲ፡ ብጥዕናይ ይሽገር ስለዝነበርኩ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኾይነ ምስ ዶ/ር ንርኣዮ ነዕልል ነበርና። ነታ ናይ ሕክምና-ቦርድ ደብዳቤ ደጋጊሙ እናጠመተን እናስተንተነን ድማ "እታ ናብ ቦርድ ካልኣይ እዋን ምቕራብ ኣይፍቀድን እትብል'ሲ ድሓን ናቶም ውሳኔ ኢዩ፡ እታ ኣብ ወጻኢ ከይዱ ዝግበረሉ ሕክምና የለን እትብል ግን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ምዕባለታት እንታይ ይፈልጡዎ? " በለ። ኣስዒቡ፡ ናብ ወጻኢ ዓዲ ንትምህርቲ ምሰደድናካ፡ ብኡኡ ኣቢልካ ድማ ምተሓከምካ፡ ገንዘብ ድማ ጸገም ኣይምኾነን፡ እቲ ጸገምና ግን መንግስቲ ስለዘይፈቅድ ኢዩ በለኒ። እምበኣር፡ ዶ/ር ንርኣዮ፡ በዚ ንዓይ ዘጋጠመኒ ጥራይ ክሳብ ክንደይ ብጽጉማት ሰባት ዝግደስ ምንባሩ ኢዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ እኳ እንተነበረ፡ ካብቶም ታሕተዎት ኣባላቱ ተፈልዩ ኣይረአን። ኩሉ ግዜ ዘዘውትርራ ጥቕሲ ነይራቶ፡ I am a Director without money. ሓቁ ኢዩ፡ ሓላፊ ክንሱ'ስ ኣብ ጁባኡ ሰባት መጋበዚ ዝኸውን ገንዘብ ኣይነበሮን።

ዶ/ር ንርኣዮ፡ ሓደ ካብቶም ብሞያ ክምዕብል ዝሓገዙኒን ዘተባብዓኒን ኢዩ ነይሩ፡ ቀደም ከም ኣጋር ሓኪም ክስልጥን ከሎኹ፡ ዳሕራይ ድማ ብሓደ ኣብ ERRA ኣብ ዝሰራሕናሉ እዋን።

(4) ዶ/ር ንርኣዮ፡ ብሞያ ጥዕና ቆልዑ ዝተማህረ፡ ሓደ ካብቶም ኤርትራ ብሓበን እትዝክሮም ሞያውያን ኢዩ። ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ኣስመራ ገለ ኣጋጣሚታት በጺሐ ነይረ። ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ፡ ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ መቓልስቲ ብጾቱ፡ መሳርሕቱን ዓርኩን ኢዩ ነይሩ። ብሓባር ኣብ ገዝኡ ዘዕለልናሉ እዋናት ይዝከረኒ። ብሰሓቕ ፍልሕ ክሳብ ንብል ዕላላት ነይሩ። ይዝክር ሽዑ፡ ናይ ቀደም ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተፈጸመ ኢዩ፡ ሓደ ወዲ ኦሮሞ ናብ ቤት ጽሕፈት (ዩኒቨርሲቲ) ስሙ ክህብ በቲ በዓል ስልጣን ተሓትተ'ሞ፡ ነቲ ወለዱ ዘውጽኡሉ ስም ነገሮም። እቲ በዓል ስልጣን ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ፡ "ኣስታጥቄ ብየሃለሁ" ብምባል ብኡብኡ ብኸምኡ ስም ኣምሓራ ቀይሩ መዝገቦ። እቲ ሰብ ድማ ተቐቢሉዋ ካብኡ ንደሓር ስሙ ኾነት። እዚ ነቲ ብገዛእቲ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሔራት ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ክሳብ ክንደይ ከምዝነበረ ዕላላት ነይሩ። እምበኣር፡ ዶ/ር ኣሰፋው፡ ሓደ ካብቶም ናይ ቀደም ቀረባ ኣዕሩኽ ዶ/ር ንርኣዮ ኢዩ። ዶ/ር ኣሰፋው፡ ብዛዕባ ዶ/ር ንርኣዮ ኣመልኪቱ ምስ ራድዮ ኤስቢኤስ (SBS Radio) ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ድማ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኢዩ።

ዝኽርታት ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ

ዶ/ር ንርኣዮ፡ ካብ ERRA ተሳሒቡ ናብ ውድብ ዓለማዊ ጥዕና (WHO) ከም ናይ ሃገር ወኪል ኮይኑ ስራሕ ተመዲቡ። ኣብተን ድሕሪ ናይ ጡሮታ ዝነበራ መዋእሉ ድማ፡ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ኾይኑ ኣሕሊፉወን። ስሕት እናበለ ዓዲ በጺሑ ይምለስ ምንባሩ ብስልኪ የዕልለኒ ነይሩ። 2-3 ዓመት ይገብር፡ ብስልኪ ከዘራርቦ ፈቲነ፡ እንተኾነ፡ ተዘክሮታቱ እናሃሰሰ መጺኡ፡ ንምዝካር ክሕግዘኒ፡ ስእሊ'ባ ስደደለይ ክብል ሓቲቱኒ። ንካልኦት ኣዕሩኽተይ እውን ተማሳሳሊ። ኣብ ቀረባ ወርሓት ድማ እቲ ሕማም ኣዝዩ እናግደዶ ከይዱ። ዕለት 16 March 2018 ኣብ ሕቑፊ ስድራቤቱ ከምዝዓረፈ ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝዩ ዓሙቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ

ዶ/ር ንርኣዮ፡ ሓደ ካብቶም ኤርትራ ዝኸሰረቶም ዓበይቲ ምሁራት ሃገርና ኢዩ።
መንግስተ ሰማያት የዋርስካ ዶ/ር ንርኣዮ።
ንመላእ ቤተሰብ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም።

ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ)

21 March 2018



Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

Memories on facebook ዝኽርታት፡ ኣብ ገጻት ፌስቡክ

Dr. Obituary: Nerayo Teklemichael


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

VOICE OF ASSENNA: News - ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶር ነርኣዮ ተኽለሚካኤል ብተደራራቢ ሕማማት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ዓሪፉ።