Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

July 2017 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና



30/07/2017 00:03 AM

ቃለመጠይቕ ምስ መንእሰይ ሜሮን ስመዳር

Interview with Meron Semedar

[SBS Tigrinya ኤስቤኤስ]

ብዝተፈላለዩ ሃገራት ሓሊፉ፡ ነቲ ዝነበሮ ሕልሚ ማለት ብትምህርቱ ክሳብ እቲ ክብጻሕ ዝግቦኦ ከብጽሕ ብትግሃት ተበጊሱ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዪኒቨርሲቲ ትምህርቱ ብ ኢንጂነሪንግ ተማሂሩን ሰሪሑን ናብ ኣመሪካ ተጓዒዙ ትምህርቱ ቀጺሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ዋዕላታት ስለ ስደተኛታት ድምጹ ኣስሚዑ፡ ንስደተኛታት መንእሰያት ድማ ኣብ ምትብባዕን ኣጆኹም ብምባል ዝተፈላለዩ ፎሮማት የዳሉ ኣሎ። ሎሚ ካብ ናይ ህይወት ተመኩሮኡ ንመንእሰያት ምኽሪ ክልግስ ኣቶ መሮን ሰመዳር ጋሻና ኮይኑ ኣሎ ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ ዕላል ኣብዚ ጠውቕ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ምስ ሜሮን ዝተኻየደ ዕላላት፡-




27/07/2017 19:58 PM

እቲ ጸገም፡ እቲ ናዓቒ ክንዕቕ ከሎ፡

እቲ ዝናዓቕ ክቕበሎ ከሎ'ዩ።

ሰሚናር ብ’ሓርበኛ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ።

[ሕድሪ ጀጋኑና - Youtube: ER-Social Media]

ወ/ሮ ኣስገደት፡ ገዲም ተጋዳሊት ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ከይተሓለለት ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከምኡውን ጽጉማት ኣብ ምሕጋዝን እትነጥፍ ዘላ ኣብነታዊት ሓርበኛ ኢያ። "ሕድገት፡ ነቲ ዝሕደገሉ ዘሎ ሰብ ኣይኮነን። ነቲ ዝሓድግ ዘሎ ሰብ ኢዩ ካብ ናይ ሓንጎል መቑሕ ናጻ ዘውጽእ።" ኣዝዩ ሰሓቢ ጥቕሲ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ። ንምሕያል ሓድነትናን ሓድሕድ ምትእምማንናን፡ ንዕርዊን ኢሂን-ምሂን ንብምህሃልን ዝሕግዘና እዋናዊ ኣርእስቲ፡ ኣብ ፓልቶክ (ሕድሪ ጀጋኑና) ብሓርበኛ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ዝተኻየደ ኣስተምህሮ ኢዩ።





27/07/2017 19:58 PM

The Eritrean children

who cross borders and deserts alone.

[IRIN News]

Yobieli is 12 years old. He sits on a small leather stool and fumbles with his hands, interlocking his fingers and pulling them apart. There’s a dark shadow of soft peach fuzz on his upper lip, and his cheeks are childishly smooth. But, his eyes look older. They take in the world around him with the measured calculation of an adult, not the innocent wonder of a child. Read more




22/07/2017 03:36 PM

መደብ ራድዮ ኣሰርና፡ 22 July 2017

(7-8 am Ontario Canada Time) 8ይ ክፋል

Auto-biography by Ytbarek Ghebretnsae - 50 Years Arts Anniversary.

ታሪኽ ሃገራዊ ባህላዊን ገድላዊን ተሞኩሮ ስነጥበባዊያን ኤርትራ፡ ካብ 1940ታት ጀሚሩ፡ ብ’ይትባረክ ገብረትንሳኤ።

  1ይ ክፋል (03Jun2017)፡  2ይ ክፋል (10Jun2017)፡

  3ይ ክፋል (17Jun2017)፡  4ይ ክፋል (24Jun2017)፡

  5ይ ክፋል (01July2017)፡  6ይ ክፋል (08July2017)፡

  7ይ ክፋል (15July2017)፡  8ይ ክፋል (22 July 2017)፡  

መደብ ንምስማዕን ዝሓለፈኩም ንምክትታልን፡ ኣብዚ ጠውቑ



21/07/2017 01:38 AM

Despite some humanitarian progress in Eritrea, UN relief official urges continued aid to tackle hunger. ኣብ ኤርትራ ዋላኳ ምዕባለ እንተሎ፡ ገና ቀጻሊ ረድኤት ከምዘድልያ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ UN  ገሊጹ።

[UN News Centre]

ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ UN ከምዝሕብሮ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዋላኳ ምዕባለ እንተሎ፡ ገና ቀጻሊ ረድኤት ከምዘድልያ (ብፍላይ ንህጻናት) ገሊጹ ኣሎ።

80 ሚእታዊት ህዝቢ ኤርትራ መነባብሮኡ ኣብ ማሕረስን ጉስነትን (ዓዃይ) ስለዝምርኮስ፡ ኤርትራ ዘላቶ ዞባ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ባህሪያዊ ሓደጋ፡ ድርቂን ኤልኒኖን ዝተቓልዐ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ጽሓለፈ ዓመት ወጺኡ ዝነበረ ረድኤታዊ ባጀት 83% ክሽፈን ከምዝተኸኣለ ብምሕባር፡ ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ንረድኤታዊ ደገፍ ዝውዕል $328 ሚልዮን ዶላር ንኤርትራ ከምዘድልያ ሓቢሩ ኣሎ። Read more

See also Related:





21/07/2017 01:38 AM

UK solar joins with EU and UN

to electrify Eritrea

[Energy Live News - Energy Made Easy]

A UK solar energy company has partnered with the EU and the UN to improve energy access for remote communities in Eritrea. Solarcentury has been selected to design and build two mini-grids using solar panels and lithium batteries to power the villages ...Read more

See also Related:





18/07/2017 15:32 PM

ገመል ሰሪቕካስ ጉምብሕ ጉምብሕ፡

መሪሕነት ሰዲህኤ ካብ ጸጋታትን መቖምያታትን ሰዲህኤ እንኽሃድሙ።

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሰዲህኤ ካብ ናይ ህዝባዊ ግንባርን ጀብሃን ድሕረ-ባይታ ዝነበሮም ሓይልታት ኣብ 2010 ዝተመስረተ ሰልፊ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ እቲ ናይ ኣካላዊ ሓድነታዊ ጉባኤ፡ ናይ ሓያሎ ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ምይይጥን ምውህሃድን መስርሕ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብቲ መስርሕ ካብተዘተየሎም ጉዳያት ጉዳይ ባንዴራን ኣርማን ይርከቡዎም። ብትሕዝቶ ይኹን ብመንፈስ ንክልቲኡ ድሕረ-ባይታታት ብዘንጸባርቕን ብዝውክልን መልክዑ ተቐሪጹ ከም ክብርታትን ጸጋታትን እቲ ዝቖመ ሰልፊ (ሰዲህኤ) ኮይኑ ንኣገልግሎት ከምዝውዕል ተገይሩ። ነዞም ዝሓለፉ ሸውዓተ (7) ዓመታት ካኣ ከምመለለዪ እቲ ሰልፊ ኮይኖም ጸኒሖም። ሕጂ ግን፡ ከምዚ ኣብ ስእሊ ትርእዩዎ ዘለኹም፡ ብመሪሕነት ሰዲህኤ ካብዞም ጸጋታትን መቖምያታትን ክሃድሙ ንርኢ ኣለና። ስለምንታይ?...Read more




18/07/2017 12:54 PM

ዓምዲ ጥዕና፡- ሕማም ስነኣእሙሮን ጭንቀትን፡

ብኸመይ ክእለ ከምዘለዎን

ዕላል ምስ፡- ሓኪም ስነ ኣእምሮ ትብላጽ በይን፡

ከምኡውን ኣቶ ዘሚካኤል ሃብተማርያም።

[AMNACAD TV - The Mary Show ]

እዚ በዞም ክልተ ሞያውያን ጥዕና ኤርትራውያን ቀሪቡ ዘሎ መደብ፡ ንሕብረተሰብና ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ምሕሪን ትምህርቲን ዝሓዘለ ኢዩ።

ሓደ ካብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሽግር ኤርትራውያን (ብፍላይ ኣብ ስደት)፡ ኣብ መንእሰያትና ዝርአ ዘሎ ጭንቀትን ንሱ ዝወለዶ ሳዕቤናትን ኢዩ። ወዲሰብ፡ ባህሪያዊ ኣእሙሮኣዊ ሕማም ከጋጥሞ ንቡር ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 10-14 ዓመታት፡ ኣማኢታት ኣሽሓት ኤርትራውያን (ብፍላይ መንእሰያት) ዓዶም ገዲፎም ኣብ ስደት ክነብሩ ተገዲዶም ኣለዉ (ጸብጻብ ውሕሃ ኣብዚ ርአ)። ኤርትራዊ ስደተኛ፡ በቲ ዝሓለፎ ሂወትን ኣብ ጉዕዞ ዝወረዶ በሰላን፡ ኣብ ስደት ዝጸንሖ ዘይተጸበዮ ኩነታት፡ ድቃስ ዘይህብ ኣብ ዓዲ ዝገደፎ ሕሱም ናብራ ወለዱን ቤተሰብን፡ ከምኡውን ቀጻሊ ናይ ኣድሕነና ኣውያት ናይ እግሪእግሩ ዝሰዓቡ መቕርቡን መሓዙትን…ወዘተ ዝፈጠሮ ኩነታት፡ መብዛሕትኡ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ኣእሙሮ፡ ከምዝርከብ ምስክር ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ። ሳዕቤናቱ ንምምሕያሽ ብሞያውያን ኤርትራውያን ክግበር ዝጸንሐ ፈተነን ኣስተምህሮታትን ዝምስገን ኢዩ። እዚ ኩነት'ዚ: ንኹልና ኤርትራውያን ሓላፍነት ዘሰክም ኢዩ። ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ጀሚርካ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ማሕበረኮማት ኤርትራ፡ ከምኡውን ለባማትን ምሁራትን ኤርትራውያን፡ ነዚ ዓቢ ሃገራዊ ጸገም'ዚ ተገንዚቦም፡ ዓቕሞም ዝፈቕዶ ጎስጓስ፡ ኣስተምህሮታትን ምኽሪን ክህቡን ክውድቡን ይግባእ።

  1ይ ክፋል (16July2017)፡  2ይ ክፋል (22July2017)፡

See also related ምስዚ ዝዛመድ ትሕዝቶ፡-



16/07/2017 23:14 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

ናይ Sunday 16 July Show መደብ

Festival Eritrea Toronto 2017

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶ 2017



15/07/2017 00:05 AM

ትራኣየኒ

by Kiki Tzeggai

ሓርበኛ ብርሃነ ተስፋማርያም፡

ቅድሚ 39 ዓመት ኢትዮጵያ ዝቐተለቶ በዓል ኪዳነይ።

ኣብዛ ተካል ማዓልቲ ትራኣየኒ። ኣነ ክበኪ፡ ንስኻ ግን ጸኒዕካ ኢደይ ሒዝካኒ።

ክሓተካ ደልየ፡ ብርሂን ክኸዱ ድዮም? ቆልዑት እዋን ምሳሕ ቀሪቡ ክብለካ ዕድል ስኢነ። ኢደይ ሒዝካኒ ጸቒጥካ ደጋጊምካ፡ ኣጆኺ ኢልካኒ።

ምብዋ!! ሎሞ ብሰላም ተሲእና። እዚ ከይበልና ገዛና ተወሪራ። ክንደይ’ከ ይበዝሑ! ጸዋዓዮም እቶም ተጋደልትና ብርሂን፡ ጸዋዓዮም እባ! ክብለካ ምደለኹ፡ ግን ወሲዶምኻ።

ሓደ ዓፋኝ ሹጉጡ ኣብ ድሕሪ ክሳድካ፡ ክልተ ጦርሰራዊት ካላሺኖም ኣብ ጎድንኻ ። ድምብርጽ ኢሉካ ድዩ ብርሃነ ተስፋማርያም ንብዓት ቁጽርጽር ዝበለካ፡ ጓልና ከም ገለ ኢላ ኣብ ጥቓኻ በጺሓ ሓደ ጦርሰራዊት ተሰኪሙ ምስ ደርበያ ኢዩ። Read more





14/07/2017 01:23 AM

ዓምዲ፡- ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰብና፡

ሕጊታት እንዳባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት ንዝተፈላለየ ሕጊታት እንዳባ ዝድህስስ።

[SBS Radio መደብ ሞዛይክ]

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዘመናት ከነባበረሉ ዝጸንሐ፡ ዘኹርዕ፡ ብመንጽር ዘመናዊ ሕግታት ክርአ ከሎ ድማ ኣዝዩ ምዕቡልን: ሕጊ እንዳባ ኣለዎ። እዚ ብወጻእተኛታት ተማራመርቲ ከይተረፈ ብኣድናቖት ዝጥመት ኢዩ። ሕጊ መሬት ዓደቦ ኤርትራ፡ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ኣብ ምዕቡል ደብተር ክሰፍር ከሎ፡ ገለ ድማ ገና ከይሰፈረ ከም ባህሊ ተዓቂቡ ይነብር ኣሎ። እምበኣር፡ ነዚ ሱር መንነትና ዝኾነ፡ ዘኹርዕ ባህልናን ሕግናን ክንፈልጦን ክንዕቅቦን ሓደ ካብ ቀንዲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግቡኣትና ኢዩ። ነዚ ንልዕሊ 800 ዓመታት ዝጸንሐ፡ ቅድሚ’ቲ ብ’Magna-Carta (ማግና ካርታ) ዝፍለጥ ዘበናዊ ሕጊ እንግሊዛውያን ዝቖመ፡ ምዕቡል ባይቶኣዊ ኣነባብራን ስርዓተ-ሕጊን ልምዲ ዝጸንሖ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ቅዋምን ልዕልና ሕጊን ን26 ዓመታት ናጽነቱ ክጎዓዝ ከሎ፡ ንመላእ ዓለምን ንኩሉ ኤርትራዊን ኣዝዩ ዘጉሂ ክስተት ኢዩ!

 1ይ ክፋል (18 Feb 2017)፡  2ይ ክፋል (26 Feb 2017)፡

See Related ተማሳሳሊ መወከሲታት፡-





13/07/2017 16:18 PM

ዕላል ምስ ገዲም ስነጥበባዊን ሓርበኛ ተጋዳላይን፡

ንጉሰ ሃይለ መንሳዓይ

[LYE.tv - Weini Suleiman Show]

ገዲም ሓርበኛ ንጉሰ ሃይለ መንሳዓይ፡ ሓደ ካብቶም ሃገርና ብክብሪ እተለልዮምን እተፍቅሮምን ገዳይም ሃገራውያን ስነጥበባዊያንን ደራሲ ዜማታትን ድራማን ኢዩ። ኣብ ማትኣ፡ መርሓባ ከምኡውን ክዋኽብቲ መርሓባ ብዙሓት ሃገራዊ ወኒ ዘላዓዕሉ ስራሓት ኣካይዱ፡ ከም ሚስጢራዊ ኣባል ተሓኤ ኮይኑ ኣብ ማትኣ ክነጥፍ ዝጸንሐ ሃይለ መንሳዓይ፡ ኣብ ኣጋ 1974-75 ድማ ናብ ተሓኤ ሜዳ ተሰሊፉ ክሳብ መጨረሻ ኣብ ማእከላይ ባህሊ ተሓኤ ኣገልጊሉ። ክሳብ ሕጂ ድማ ስነጽሑፋዊ ስራሓት ከበርክት ይርከብ። እዚ ኣብዚ ዘሎ ዕላሉ፡ ካብ ውቅያኖስ ብጭልፋ ኢዩ። ኣዝዩ መሃሪ ድማ ኢዩ።

  1ይ ክፋል (29 June2017)፡  2ይ ክፋል (06July2017)፡

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




11/07/2017 15:55 PM

European Parliament resolution of 6 July 2017 on Eritrea, notably the cases of Abune Antonios and Dawit Isaak (2017/2755(RSP)).

ውሳኔ ፓርላማ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ብጉዳይ ኣቡነ ኣንጦንዮስዳዊት ኢሳቕን ዝምልከት።

[European Parliament]

The European Parliament,

– having regard to its previous resolutions on Eritrea, in particular that of 15 September 2011 on Eritrea: the case of Dawit Isaak(1) , and of 10 March 2016 on the situation in Eritrea(2) ,

– having regard to the report of 23 June 2017 of the UN Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea,

– having regard to the statement of 14 June 2017 by the UN Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea at the 35th session of the Human Rights Council,….Read more

See related ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-





11/07/2017 15:55 PM

ኣስመራ ሽኮር ዝዓበኹላ

ብ’ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ፣

እንቲ ዘዕበኽኒ ኣስመራ ሽኮርዶ ክብለኪ

ክም ጽብቕቲ መርዓት ኩሉ ዝብህገኪ

ህርኩትን ሕያዋይን ህዝቢ ዝተዓደልኪ

በቲ ጥዑም ክሊማኺ ኩሉ ዝትምነየኪ

እንታይክ ዘይሳኣኖ እቲ ጎደናኺ ህንጻታትኪ

ምህረፊ እንዶ ኮይኑ ኣማዕድዩ ንዝርእየኪ

እወ ተሓጒሰ ኣብ ዓለማዊ ሀሪተጅ ምእታዊኪ Read more

ካልእ ኣስተምህሮ ብ’ዶ/ር መንግስትኣብ፡-





10/07/2017 12:05 PM

'   ክቡራት ተኻፈልቲ ሓዘንና   '

ብምኽንያት እንፈትዎ ወድና ሰናይ ኣለም ኣስፍሃ፡ ዓርቢ ዕለት 07/07/2017 ኣብ ሸዊት ዕድሜኡ ብዘጋጠሞ ድንገታዊ ሞት፡ ንኹልኹም ተኻፈልቲ ሓዘንና ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻን፡ ዕለትን ሰዓታትን ናይ ምብጻሕን ምጽንናዕን ኣዳራሽ ኣዳሊና ምህላውና ንሕብር።

ኣድራሻ፡-

  FENWICK HALL, 128 WELLINGTON ROAD,

  LONDON SW9 9NN

ዕለትን ሰዓታትን፡-

  ሮቡዕ ዕለት 12/07/2017 ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳብ 21፡00

  ሓሙስ ዕለት 13/07/2017 ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳብ 21፡00

ኣለም ኣስፋሃን ጽጌ ኣብራሃን

ምስ ምሉኣት ስድራቤት





09/07/2017 22:46 PM  

ጠንቅታት ቀጻሊ ምፍንጫላትን ብኹረት ሓድነትን፡  መን ኢዩ ተሓታቲ? (08 July 2017)

ብ’ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም

[Hdri Jeganuna Paltalk Room ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና]

ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም፡ ወትሩ ስሩዕ ኣስተምህሮ ዘቕርበልና ዘሎ ምሁር ኤርትራዊ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘቕርቦ ኣርእስቲ፡- ጠንቅታት ቀጻሊ ምፍንጫላትን ብኹረት ሓድነትን፡ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ፡ መን ኢዩ ተሓታቲ፡- (ሀ) መራሕቲ? (ለ) ሰዓብቲ (ህዝቢ)? (ሐ) ወይ ሳልሳይ ኣካል? ዝብል አዋናዊ ጉዳይ ሃገርና ኢዩ። Today’s seminar by Dr. Gebre Gebremariam, focuses on Causes of Continuous Splitting and Lack of Unity in the Struggle for Democratic Transition in Eritrea: Who is to Blame? Leaders? Followers (the Public)? Or a Third Party?

 1ይ ክፋል (08 July 2017):  2ይ ክፋል (08 July 2017):

 3ይ ክፋል (08 July 2017):  4ይ ክፋል (08 July 2017):





08/07/2017 22:45 PM

Eritrea capital Asmara makes World Heritage list.

 ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ንምስፋር፡ በቒዓ።

[BBC]

The UN cultural agency Unesco has added Asmara, the capital of Eritrea, to its list of World Heritage sites. The country still holds many well-preserved modernist buildings from the time when it was ruled by Italy (1889-1941). ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ንምስፋር ክካየድ ዝጸንሐ ስራሕ ተዓዊቱ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ሰፊራ ኣላ። እዚ ንኤርትራ፡ ንከተማ ኣስመራ ድማ ብፍላይ፡ ዓቢ መስሕብ ቱሪዝም ንኽትከውን ዓለማዊ ኣተኩሮ በጻሕቲ ክፈጥረላ ስለዝኽእል፡ ዓቢ ዓወት ኢዩ። Read more

See also Related ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-





06/07/2017 18.52 PM

ዓምዲ፡- ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰብና፡

ማሰን መልቀሰን፡ ኣቶ ተወልደ መዓሾ፡

በዓል ዓዲ ጮማይ ሰራየ።

[SBS Radio መደብ ሞዛይክ]

 1ይ ክፋል (16Dec2016):  2ይ ክፋል (16Dec2016):

 3ይ ክፋል (24Dec2016):  4ይ ክፋል (31Dec2016):

 5ይ ክፋል (31Dec2016):





04/07/2017 13.24 PM

ዘተን ዕርቅን

ንድንፋዐ ማሕበራዊ ጥምረት ኤርትራውያን

ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል

 [ EMDHR.net ]

ብፈለማ ንዘቕረብኩምለይ ዕድመ ምስጋናይ ምስናይ ልዑል ኣኽብሮት ክገልጽ እፈቱ። ነዚ ዕድመ ተቐቢለ፡ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓሳብን ስምዒትን ኩልና ዘሎ ጉዳይ ሃገርናን ህዝበናን፡ ጉዳይ ባዕልና፡ ክላዘብ ብምብቀዐይ፡ ንነፍሰይ ዕድለኛ ጌረ እቆጽራ። ነዚ ዕድል እዚ ክውን ዝገበሩ ኣዳለውቲ ናይዚ መደብ ድማ ምስጋናን ኣድናቖትን ይግብኦም። ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን፡ Read more




04/07/2017 13.24 PM

ዕላል ምስ ሓርበኛ ኢዮብ በይን (ወዲ ጎጀላ) Intvw Veteran Eyob Beyn (wedi Gojela).

[ TV-Sened-Eritra ]

ሓርበኛ ኢዮብ በይን (ወዲ ጎጀላ)፡ ኣብዚ ምስ ቲቪ-ሰነድ-ኤርትራ ዘካየዶ ዕላል፡ ንህሉው ኩነታት ቃልሲ ደለይቲ-ፍትሒ፡ ኣብኡ ዝርአ ተርእዮታትን፡ ርእይቶኡን ማዕዳኡን ኣመሓላሊፉ ኣሎ። …Read more

ተማሳሳሊ ትሕዝቶታት See also Related፡


02/07/2017 11.45 AM

ዓምዲ፡- ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰብና፡

ክተባባዕ ዘለዎ ኣብነታዊ ተርእዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ።

Eritrean Good Traditional Culture.

[Dehay - YouTube channel 22 Jun 2017]

ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ጉዳያት ዓዱን ሽግራቱን ተዛቲኻ ናይ ምፍታሕ ዘለዎ ልምዱ፡ ኣዝዩ ሃብታም ኢዩ። እዚ ሃብታም ልምዲ'ዚ፡ ካብ ንመዋእላት ካብ ውሉድ-ደሎዶታት እናተሳጋገረ ክመጽእ ዝጸንሐ ኢዩ። ከምዚ ሎሚ እቲ ክቡር ባህልን ልምድን ህዝብና ከይሃሰሰ፡ ነቶም ናይ ሎሚ ኣብ 50ታትን ልዕሊኡን ዕድመ ዘሎና ኤርትራውያን፡ ነቲ ዝነበረና ሃብታም ባህሊ፡ ናይ ዓድና ባይቶ (ወይ ርእሰ-ምምሕዳር)፡ ወትሩ ካብ ዝኽርና ኣይክወልን ኢዩ። እዚ ድማ፡ ክዕቀብ ዘለዎ ኢዩ። ኤሪ-ቲቪ፡ ንሃብታም ባህልን ልምዲን ህዝብና (ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ፡ ንጥዕና ህዝብናን ማሕበራዊ ጉዳያቱን…ወዘተ) ዝምልከት፡ ኣብ ስሩዕ መደባት ምቕራብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ማዕረ'ቲ ካልእ ፖለቲካዊ መደባት፡ ንህዝቢ ብቐሊሉ ክበጽሓሉ ዝኽእል ኣብ መርበብ ዩቱብ (YouTube) ከምዝዝርጋሕ ክትገብር ኣድላዩ ኢዩ። ስኒትና.ኮም



02/07/2017 11.45 AM    ሓበሬታ (Notice)

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

ናይ Sunday 02 July Show መደብ

Dear Listeners, there will be no broadcast today by Voice of Eritrea. Please enjoy our past shows until we get back to you. ክቡራት ተኻታተልቲ ፈነወ ራድዮኡ ድምጺ ኤርትራ፡ ሎሚ ሰንበት፡ እቲ ልሙድ ፈነወ ኣይክህሉን ኢዩ። ክሳብ ንምለሰኩም፡ ምስ ዝሓለፈ መደባትና ተዛናግዑ።

 


01/07/2017 14:40 PM

መደብ ራድዮ ኣሰርና፡ 24 June 2017

(7-8 am Ontario Canada Time) 5ይ ክፋል

  1ይ ክፋል (03Jun2017)፡  2ይ ክፋል (10Jun2017)፡

  3ይ ክፋል (17Jun2017)፡  4ይ ክፋል (24Jun2017)፡

  5ይ ክፋል (01July2017)፡

ዝሓለፈኩም መደብ ንምስማዕን ንምክትታልን፡ ኣብዚ ጠውቑ



01/07/2017 04:46 AM

REFUGEES OF OUR CONSCIENCE

By Kiki Tzeggai

“Conscience is a thousand swords” Richard III

I want to tell you what happened to me, but first you will have to sit at the edge of my bed and accept the stench of my rotten mattress.

     I left my parents’ humble house in Eritrea. I thought we were poor, but I had my own bed and so did my siblings. I could take showers and my Mom knocked at the door because I took too long.

     We had a yard where I would walk in from school and find my mother, my aunts and neighbors enjoy their traditional coffee “bun Jebena”. She would allow me to have a cup as long as some milk was on it. Read more


01/07/2017 01:29 AM

ሽሕ ኪሎ ሜተር ባሕሪ ዝውንን: ግን ከኣ

ዓሳ በሊዑ ዘይፈልጥ ህዝቢ!

[By Erimedrek June 21, 2017 ]

ኣብ ዜናታትና ከምእተኸታተልኩሞ መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምእንቲ ስልጣኑን ሃብቱን ሉዓላውነት ዝሸይጥ ዓንዳሪ ፖሊሲኡ፤ ቀይሕ ባሕሪን ጸጋታቱን ናብ መንግስቲ ግብጺ ሸይጥዎ ኣሎ።

     ብመሰረት እቲ ብሰነዳት ዝተረጋገጸ ሓበሬታ መንግስቲ ግብጺ እቲ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገፎ ዓሳ ኣብ ዕዳጋታት ግብጺ ስዑድያን ኢማራትን ድሕሪ ምዝርግሑ 41% ካብቲ እቶት ንመንግስቲ ኤርትራ ይኸፍል። እዚ ናይ ዓሳ መሸጣ ይኹን እቲ ንኣባላት ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ዝወሃብ ገንዘብ ኣብ ኢድ ቁጠባዊ ጉዳያት ዝኣቱ ኮይኑ ልክዕ ከምቲ ካብ ወርቂ ቢሻ ዝርከብ እቶት ናበይ ይኸይድ ምህላዉ ዘይፍለጥ፤ እቲ ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላር መወዳእትኡ ናበይ ከምዝኸይድ ዝፍለጥ የልቦን። Read more



01/07/2017 01:29 AM

ኣገዳሲ መልእኽቲ:- መደብ ጨና ኣዳም

ኣብዚ መደብዚ፡ ተመኩሮ ካልኦት ሃገራት እናዳህሰሰ፡ ንሕና’ኸ፡ ካብዚ እንታይ ንመሃር? ብዝብል፡ ኣገዳሲ ትምህርታዊ ትሕዝቶ ኢዩ ቀሪቡልና ዘሎ። ሰሚዕና ምስ ህሉው ኩነታትና ከነዛምዶን ካብቲ ክፉእ ተመኩሮ ወጺእና፡ ንጽቡቕ ናይ ሃገርና ክንሰርሕ ከምዝግባእ ንሕልናና ዝቕስቅስ መልእኽቲ ኢዩ። Read more











Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print