30/04/2016 23:21 PM

Ignore them not:

Eritrean Veterans

By Kiki Tzeggai


Many of our Veterans came to a foreign country after they were d20160429_Ignore_them_not_Eritrean_Veterans_by_Kiki_Tzeggai.pdfeceived by what surrounded them.


Some left when their group was dissolved for reasons they still do not understand (ELF). Some left our liberated country when the conditions surrounding them did not fit what they expected and did not testify to the reasons they left their families and joined the armed fight (EPLF).

     Some others, a younger generation, left because – they say – the system crashed them instead of helping and respect them (Warsay – Ykaalo)...Read more




30/04/2016 23:21 PM

ታሪኽ ጽወታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

መእተዊ

ካብ'ዚ ድሩት ምንጪ ምርኵስ ብምግባር ነዚ ኤርትራዊ ወለዶ ብፍላይ ከኣ፡ ብኤርትራዊ ስፖርት ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ግዱስ ዝዀነ ዜጋ ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቅኑዕ ታሪኽ ከነጨብጦ፡ እዚ ሓድሽ ወለዶ ከኣ ከይተደናገረ ብመንፈስን ሕልናን ታሪኽ ኤርትራዊ ስፖርት ክፈልጥ ዝግበር ጻዕሪ'ምበር ካልእ ትርጕም ክህልዎ ኣይክእልን። ኣብ'ዚ ታሪኽ ስፖርት ኤርትራ ኢትዮጵያውያን ንረብሓ መንእሰያት ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ሃጸይትን መንግስቲ ሃይለስላሴ ዝተጣበቁ ምንባሮም ኣገዳስነት ክህልዎ'ዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ…

    1ይ ክፋል (22.04.2016)፡  2ይ ክፋል (24.04.2016)፡

   3ይ ክፋል (26.04.2016)፡  4ይ ክፋል (27.04.2016)፡

    5ይ ክፋል (29.04.2016)፡




24/04/2016 22:55 PM

ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ

ናይ ሰንበት 24 April 2016 show መደብ

ዕላል ምስ ስነጥበባዊያን

Abdallah Abubaker - Legend Artist and musician - master of keyboard, poet as well vocalist (left), and Habtom Debesay -  young Artist and vocalist (right), both shared their history and experience in the world of music.  ዓብደላ ኣቡበከር (ገዲም ስነጥበባዊን ሙዚቀኛን፡ ኪቦርድ ተጻዋታይን ድምጻዊን) ከምኡ'ውን  መንእሰይ ሃብቶም ደበሳይ (ገጣማይን ድምጻዊን)፡ ብዛዕባ ተሞኩሮኦም ኣዕሊሎም ኣለዉ።

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብዚ ጠውቑ

Past shows or to listen: click here




24/04/2016 22:55 PM

መንግስቲ ኤርትራ፡

ኣሽረፍትን ሓወልትን ገንዘብ ይኣስር

[EriMedrek.com]

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘለዎ ዕብለላ ንምርግጋጽ ሓወልትን ኣሽረፍቲን ኣብ ምእሳር ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ፥ ብመንገዲ እቲ ዓይነት ዕዳጋ ካብ ግዳም ንዝሕወሎ ገንዘብ ዝረክብ ዝነበረ ህዝብና ኣብ ከቢድ ጸገም ወሪዱ ከምዘሎ ተገሊጹ። ህዝቢ ነቲ ካብ ደገ ዝሕወለሉ ገንዘብ ንምርካብ ክሳብ 2 ሰሙን ይጽበ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ዝበዝሐ ህዝብና...Read more




23/04/2016 01:45 AM

ተሞክሮታት ተርኽቦ 3 ሚያዝያ 2016 (ኣስመራ)

ብኣንቶንዮ ተስፋይ


ብዕለት 3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ቅርዓት ኣስመራ ቅትለት መንእሰያት ከም ዝተረኽበ20160422_Asmara_killings_on_03APRIL2016_aricle_by_Antonio_Tesfay.pdf ቀጢን ኣውያት ተሰሚዑ፡ ህዝብና ነቲ ሎሚ ዶ ጽባሕ እንዳበለ ዝጽበዮ ዝነበረ ቀጻሊ ሓደጋታት ከኣ ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ ከብዲ ዓዲ፡ ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ተረኺቡ። እወ ቅድሚ ሕጂ'ውን ህዝብና ኣብ 2001 ዓ.ም ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ከም ጥሪት ተዀብኪቦም ኣብ ሜዳ መጻወቲ ኵዕሶ እግሪ ( ብሜዳ ንግስተ ሳባ) ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ ደሓርን ከኣ ብመመላለሲ ኣቍሑት ወይ ጽዕነት መኪና ኣብ ቅድሚ ዝነብዓ ኣደታት ንውዓ ወሲዶም ድከቶም ኣስተዮሞም፡ ኣብኡ ምስ በጽሑ ከኣ ዝሞቱ ተማሃሮ ከም ይርጋ ዮሴፍ ነበሩ። Read more




20/04/2016 19:34 PM

ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም አብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ  نداء عاجل لجميع الارتريين في جميع أنحاء العالم An Urgent Call to All Eritreans Worldwide

     እቲ መስዋእትን ስንክልናን ብሉጻት ደቂ ሃገር ዝሓተተ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ሰላምን ራህዋን አየጨበጦን፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከማን ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ም20160420_GIEEGM_An_Urgent_Call_to_All_Eritreans_Worldwide.pdfግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተፈድዩ ይርከብ። Read more

أيها الإخوة والأخوات،

نحن نكتب لكم  أن تكونو  طليعة دعوة لجميع الارتريين في المهجر للانضمام الى الحركة  الشعبية  التي تهدف لانتخاب القيادة العالمية الإريترية Read more

     Dear Fellow Eritreans in the Diaspora,

We are writing to invite you to be a signatory of a call that we will soon issue to all Eritreans in the Diaspora to join a Grassroots Movement whose goal is to elect Global Leaders who will represent Eritreans in the Diaspora. Read more

ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታታት (Related)፡ ኣብዚ ጠውቑ።



20/04/2016 19:34 PM

A two-day conference - ሰሚናር

The Way Forward For Eritrea

ንኤርትራ ዘገልግል መዋጽኦ ንቕድሚት

The Eritrean Education and Publication Trust in association with Initiatives of Change organised a two-day conference on the theme "The Way Forward For Eritrea” in London on 16-17 April 2016. Guest speakers were (ተሳተፍቲ): (1) Mr Mesfin Hagos (መስፍን ሓጎስ), former Minister of Defence; “Why haven’t the opposition united and achieved its goal?” (2) Ambassador Abdela Adem (ዓብደላ ኣድም), “Challenges to Mass Mobilization and Wider Participation”.  (3) Mr Suleiman Hindi (ሱሌማን ህንዲ), Head of Engineering, EPLF; “Effective Ways to Bring About Change in Eritrea”  (4) Mr Dawit Fessehaye (ዳዊት ፍስሃየ), Head of Dept; “PFDJ’s System of Control and Repression”

     They were among the leaders of the Eritrean People’s Liberation Front and also served in various senior government positions.



17/04/2016 22:55 PM

ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ

ናይ ሰንበት 17 April 2016 show መደብ

ዕላል ምስ ገዳይም ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ

2ይ ክፋል

ተሳተፍቲ፡-(1) ዮውሃንስ ጆኬር፡ (2) ተስፋጊዮርጊስ ቆቓሕ ከምኡ'ውን (3) ኣሰፋው ተወልደ፡ ገዳይም ፍሉጣት ስፖርት ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ 1960ታትን 70ታትን ዝነበረ ኩነታት ስፖርት ኤርትራ ንምዕዛብ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ተመኩሮኦም፡ ንኹሎም ሰማዕቲ ኣካፊሎና ነይሮም። ከምኡ’ውን፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብወገን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝገጥሞም ዝነበረ ጸቕጢን ካልእን፡ ኣዕሊሎም ኣለዉ። ካብዚ ታሪኽ’ዚ እንመሃሮ፡ ብዙሕ ኢዩ፡ ሓደ ኻብኡ፡- ነፍሲወከፍ ጋንታ-ስፖርት ኤርትራ፡ እትልለየሉ መጸውዒ-ስማ ብዘየገድስ፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣውራጃታትን ብሄራትን ካብ ዝመጹ፡ ብብቕዓቶም ዝተሓርዩ ተጻወትቲ ዝቖመት ምንባራ ኢዩ። እዚ ሓቂ’ዚ፡ ካብ ቃል እዞም ብግብሪ ኣብኡ ዝወዓሉ ገዳይም ፍሉጣት ስፖርታውያን ሃገርና ክንሰምዕ ከሎና እምበኣር፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓሓሊፉ ዝኽሰት ፈላላዪ ስምዒታት ድኣ እንታይ ኣምጽኦ ዘብለና ኢዩ። ስለዚ፡ ታሪኽ ኣፋ ኣውጺኣ ትምዕደና ኣላ። ኣብ ናይ ሰንበት April 17, 2016 2ይ ክፋል መደብ፡ ተወሰኽቲ ዕዱማት (1) ኣቶ ይትባረክ ገብረትንሳኤን (2) ኣቶ ጸሃየ ተወልደን (ክልቲኦም ኣቕረብቲ መደብ ስፖርት ኣብ ራድዮ ዝነበሩ) ከምኡ'ውን (3) ሰለሙን (ወዲ ፖሊስ)፡ ተሳቲፎም ኣለዉ። እምበኣር፡ እዚ ኣገዳሲ ዕላል ስለዝኾነ ብጽሞና ክንሰምዖ፡ ኣድላዪ ኢዩ።

 (1) Yohannes joker, (2) Tesfagiorgis Kokah and (3) Asefaw Tewolde shared with Naz Yemane (voice of Eritrea) and all listeners, their experiences of 1960s and 1970s in the Eritrean sports and  politics, as well as the pressure put on them from both the Ethiopian football federation and ELF. On Sunday 17 April 2016 (Part-TWO) show include panellist (1) Mr. Ytbarek Gebretnsae - announcer of sport from the stadium (2) Mr. Tsehaye Tewolde - journalist and (3) Solomon (wedi-police).




15/04/2015 17:12 PM

  ሓንቲ ዓለም

 ኣስተምህሮታት ብ’ኣማኑኤል ሳህለ

    [Assenna.com ኣሰና]


ኣማኑኤል ሳህለ፡ ውሩይ ጸሓፋይን መምህርን ኢዩ። በቲ ኣብ ባህሊ፡ ታሪኽን ስነልቦናን፡ ዘቕርቦ ተኸታታሊ ኣስተምህሮታት ድማ ይልለ። ኣብ መርበብ ኣሰና.ኮም (www.assenna.com): ተኻታታሊ ኣገደስቲ ኣስተምህሮታት የቕርበልና ኣሎ። ገለ ካብዚ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ጠዊቕኩም ከተንብቡ ትኽእሉ፡- Read more





14/04/2016 23:50 PM

ክንእርሞ ዝግባእ ኣገባባት

ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ (14 April 2016)


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!


ብቐዳምነት፡ መንቀሊ ናይ ሎም መዓልቲ ጽሑፈይ፡ እዚ ብብጻይ ተኽልዝጊ (ወWake up for justice!ዲ ዑቕባልደት)፡ ወጺኡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ማለት፡ መልሲ ናይቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፡ ብዕለት 11 ሚያዝያ 2016፡ "ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) መን እዩ?" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና) ዝወጸ ጽሑፍ፡ ኢዩ።

Read more





11/04/2016 23:45 PM

ድምጺ ኣመሪካ (VOA) - ቃለ-መሕትት

ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሙን

Minister Petros Solomon - VOA interview

[Snitna.com ስኒትና]

ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ማለት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)፡ ብሞያአኡን ኣበርክቶኡን ካብቶም ዝልለዩ መራሕቲን ጅግናን ምንባሩ ኩሉ መጋድልቱ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ሚኒስተር ጴጥሮስ፡ ምስ ከምኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ኣባላት ባይቶን ዝኾኑ ብጾቱ፡ እቲ መብጽዓ ናይ ህዝባዊ ግንባር፡ ማለት፡- ምርካብ ስልጣን ናብ ህዝቢን ምትካል ቅዋማዊ ኣሰራርሓን ስለ ዝጠለቡ፡ እዚ ጠለብ’ዚ ባህ ዘየበሎ ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ፡ ብዘይ ፍርዲ ምስ ሓየሮም፡ ን'ዝሓለፈ 14-15 ዓመታት፡ ክሳብ ሕጂ ደሃዮምን ሃለዋቶምን ኣይፍለጥን። እዚ ምስ ድምጺ ኣመሪካ (VOA) ዝተገብረ ቃለመጠይቕ'ዚ፡ ቀቅድሚ ናብ ማሕዩር ምውሳዶም ዝተኻየደ ኢዩ። ንዕላማ ናይቲ ሕቶታቶም ንምርዳእ ብግልጺ ስለ ዝሕግዝ፡ ኣብ ስኒትና.ኮም ከነውጽኦ ወሲንና።  ሃገርና፡ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ክትጽምብል ትሸባሸበሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ግዝኣተ-ሕጊን ቅዋምን ዝነግሰላ ሃገር ንምግባራ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ግቡእን እዋናዊ ሓላፍነትን ኢዩ። ሽዑ ጥራይ ኢዩ፡ ሕድሪን መብጽዓን ስዉኣትና፡ ክዉን ዝኸውን። ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ

     ብላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን ኣባላት ባይቶን (ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ)፡ ኣብ 2001 ዘውጽኡዎ ቅሉዕ ጠለባትን ጽሑፋት (መልእኽትታት)ን፡ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ጠውቑ




10/04/2016 22:55 PM

ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ

ክፉት ዘተ (OPEN MIC) ምስ

ገዲም ተጋ/ሕድራይ ፍስሃ

11 ክፋል - Sunday 10th April 2016 Show

ተጋ/ሕድራይ ፍስሃ፡ (ፊዳይን ተ.ሓ.ኤ.)፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ናይ ዝፈጸሙዎ ጅግንነትን፡ ዘጋጠመ መስዋእቲን፡ ናቱን ናይ ብጾቱን ኣዝዩ ኣደናቒ፡ ሰነድን ታሪኽን ዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ 10 ክፋላት ኣዕሊሉና ነይሩ። ናይ ሎሚ ሰንበት ክፉት ዘተ (OPEN-MIC) ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት፡ ሕቶ ወይ ርእይቶ ንዝነበሮም ተሳተፍቲ፡ መልስታትን ተወሳኺ መብርሂታትን ሂቡና ኣሎ።

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ

To listen past shows: click here




10/04/2016 22:55 PM

20160410_manchester_media_invitation.pdf

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ማንቸስተር

ንዕለት 16 ሚያዝያ 2016

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፦ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ናይ ሓድነት መደብ ሒዝና ንዕለት 16 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ማንቸስተር ኣኼባ ክነካይድ ስለዝኾንና፥ ኩልኻትኩም ኣብ ከተማ ማንቸስተርን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ሙሉእ ሓበሬታ፡- ኣብዚ ጠውቑ Read more




09/04/2016 21:12 PM

Honouring the victims of Asmara shooting on April 3rd 2016. We stand against these atrocities. London (UK).

ዝኽሪ ግዳያት መቕዘፍቲ ኣስመራ - 3 ሚያዝያ 2016 (ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ)

We are gathered here today to commemorate the victims of the shooting20160409_Rememberance_London_UK.pdfs by soldiers on conscripts and bystanders in Asmara on the 3rd of April 2016.


The details of how the incident took place are not 100% clear, however various and different sources have confirmed that some conscripts tried to flee from the trucks transporting them to Assab and were shot upon by the soldiers taking them there. A few youth were murdered on the spot while others died in hospital, and many remain injured. We remember them and stand by the mourning families. Read more

ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-



07/04/2016 16:04 PM

ኤርትራዊ ምሕደራ (Eritocracy)

ሰሚናር፡- ብ`ዓብዱራሕማን ሰይድ ቡሃሸም

Seminar by Abdurahman Seyed Bohashem

[ YouTube - Nasser Nuru]

እዚ ኣብ ፓልቶክ ስመር ገዛ ቁ-1 ብሓው ዓብዱራሕማን ሰይድ ቡሃሽም ብ’27.03.2016 ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ኣብዚ ዝስዕብ ኣርእስትታት ዘተኮረ ኢዩ ነይሩ፡-

(1) ምሕደራ ናይ ሃገር ብኸመይ ይቐውም? (2) ኣገዳስነት ምዝርራብ ብዛዕባ ምሕደራ፡ (3) ቅርጸ-ምሕደራ ኤርትራ ከመይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ? (4) ሕቶ ቛንቛታት ኤርትራ ኣበይ ኢዩ ዝምለስ? ኣረዳድኣና ንምስፋሕ ሓጋዚ ዛዕባ ስለዝኾነ ምክትታሉ ኣገዳሲ ኢዩ። Read more






07/04/2016 16:04 PM

መልእኽቲ ስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ።

[Assenna.com  ኣሰና]

እዚ እዋን እዚ ንመበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ወይ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ንምብዓል ኣብ ምቅርራብ ንርከበሉ ዘሎና ታሪኻዊ እዋን ኢዩ። ንሕና ገለ ካብ'ቶም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሓርነት ኣካልና ዝኸፈልና ስንኩላን ተጋደልቲ፡ ናይ ሓያለ ከምዚ ከማና ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝሰንከሉ ብጾትና ሓሳባትን ርእይቶን ጠርኒፍና፡ ነዚ መልእኽቲ እዚ ንዝርግሕ ኣሎና። ንሕና እቶም ኣብ መንጎ ስዉኣትን ህልዋትን ኮይንና....Read more

Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡ ንኣፍልጦኹም፡-




07/04/2016 16:04 PM

ደቀይ!

ብሓውኹም መሲናስ

ደቀይ ኣውዲቑዎም ብተመልከተለይ፡

ቀቲሉዎም'ወ ኣብ20160406_Dekey_poem_by_Mesinas.pdfዛ ቅጽሚ ዓይነይ፡

ደም ደቀይ ተኻዕዩ ብንዕቀት ኣብ ቅድመይ፡

ተረኰርሚኻ ምንባዕ ኮይና እታ ዓቕመይ፡

ብጓሂ ቈሲሉ ደም ነዚዑ ልበይ!  …Read more







05/04/2016 23:30 PM

ኣብ ኣስመራ 11 መንእሰያት ተቐቲሎም 20 ብኸቢድ ቆሲሎም።

[ EriMedrek.com መድርኽ ]

ብሓይልታት ጸጥታን ምክልኻልን መንግስቲ ኤርትራ ተገፊፎም ካብ ኩርመናዕ ናብ ዓሰብ ብኣውተቡሳትን ክፉታት መካይንን ናብ ዓሰብ ዝሰጋገሩ ዝነበሩ መንእሰያት ካብተን መካይን ነጢሮም ከምልጡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብሓለውቶም ብዝተኸፈተ ቶኽሲ 11 ንጹሃት መንእሰያት ክሞቱ ከለዉ 20 ብኸቢድ ቆሲሎም ። እቶም መንእሰያት ኣካል ናይቶም ኣብዝተፈላለየ እዋን ተገፊፎም ናብ ኮርመናዕ ተመሓላሊፎም ዝጸንሑ ኮይኖም፥ ናብ ከባቢ ዓሰብ ናብ ዝርከብ ኪሎማ ...Read more

ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-



04/04/2016 22:31 PM

ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ - ስ.ድ.ግ.ኤ. ናብ ኢትዮጵያ፡ ዕላምኡን ውጽኢቱን። Senior mission of United Eritrean Democratic Front (UEDF) to Ethiopia - Aims and Results.

[Assenna.com ኣሰና]

ላዕለዋይ ልኡኽ ስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ (ስ.ደ.ግ.ኤ) ዝግባእ ቅድመ ምድላዋት ገይሩ፡ ካብ ዕለት 05 - 25/መጋቢት/2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ፈጺሙ። ላዕለዋይ ልኡኽ ግንባርና ብኣቦ ወንበር ኣቶ ተስፋሚካኤል ነጋሽ ተመሪሑ፡ ወትሃደራዊ ሓላፊ ብሪጋዴር ጀነራል ተኸስተ ሃይለን ካልኦት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ዝርከቡዎም፡ ብድምር ሸውዓተ (7) ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ ኢያ ዑደት ፈጺማ። Read more







04/04/2016 22:31 PM

Behind Eritrea's oppressive regime — why refugees flee (by Chris Slee)

[ Green Left Weekly ]

Eritrea, a small country in the horn of Africa, generally receives little attention in the international media. But in recent years there have been occasional reports of mass drownings of Eritrean refugees in the Mediterranean. As of June 2015, there ...Read more






02/04/2016 14:14 PM

ዓምዲ ጥዕና፡- ወ/ሮ ትርሓስ የማነ - ብዛዕባ መኣዛታት መግቢን ግቡእ ኣጠቓቕማን። Wesero Tirhas Yemane  - About Nutrition  [መደብ ድባብ - ERI–TV ]

ተመሳሰልቲ ኣስተምህሮታት፡- ኣብዚ ጠውቑ



01/04/2016 23:36 PM

حوار برنامج "ملفات ارترية" مع الناشط والمحلل السياسي عبدالرحمن سيد - بوهاشم. Abdurahman Sayed Bohashem - interview with Alhiwar tv on the recent oral report submitted by the UN HR Inquiry Commission.

[Al-Hiwar TV]

مقابلة ل عبدالرحمن سيد - بوهاشم - مع برنامج "ملفات ارترية" التلفزيوني حول التقرير الشفهي الذي قدمته المقرر الخاص لحقوق الإنسان في إرتريا في جنيف مطلع شهر مارس المنصرم.

 ዓብዱራሕማን ሰይድ ቡሃሽም - ኣብ ኣልሒዋር ቲቪ ብዛዕባ ናይ ቃል ጸብጻብ ናይ ውሕሃ-ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት።

















Copyright © www.snitna.com

Top

April 2016 - Archive