Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print


ክንእርሞ ዝግባእ ኣገባባት

ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ

14 April 2016


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!


ብቐዳምነት፡ መንቀሊ ናይ ሎም መዓልቲ ጽሑፈይ፡ እዚ ብብጻይ ተኽልዝጊ (ወዲ ዑቕባልደት) (ኣብ ታሕቲ ርአ)፡ ወጺኡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ማለት፡ መልሲ ናይቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፡ ብዕለት 11 ሚያዝያ 2016፡ "ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) መን እዩ?" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና) ዝወጸ ጽሑፍ፡ ኢዩ።


እቲ ዘሕዝን፡ ኣብቲ ክልቲኡ ጽሑፋት ከም እትዕዘቡዎ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ዝምድንኦም፡ ኣብዚ ሓጺር እዋንን ሃንደበትን፡ እሞ ኸኣ፡ ኣብቲ ንብጻይ ተኽልዝጊ (ወዲ ዑቕባልደት) ዝወረዶ ከቢድ ቅንያት ሓዘን ናይ ሞት ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ዘጋጥም ዘሎ ኢዩ። እቲ ዝምድና ማዕረ ናብዚ ደረጃ'ዚ ምውዳቑ ኣዝዩ ኣሕዚኑኒ ኢዩ።


ኣነን ብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና)ን፡ ጽቡቕ ሌላን ናይ ምድግጋፍ ዝምድናታትን ኣሎና። ብጻይ ኣማኑኤል፡ ሓደ ካብቶም እንኾርዓሎም መንእሰያትና ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ጻዕሪ፡ ንኣብነት፡- ምቅላሕ ናይ ድምጺ መሰል ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ምሕባርን ምጥንቃቕን ናይ ኣብ ፈቐድኡ ኣብ ሕማቕ ዝወድቁ ዜጋታትና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ እናተንቀሳቐሰ ዘካይዶ ህዝባዊ ሰሚናራት፡ ሓደ ክንዲ ኣሽሓት ኢዩ እንተበልኩዎ ምግናን ኣይኮነን።


ኣብ ስራሕ ጌጋታት ክርከብ፡ ሰብ ከም ምዃንና መጠን ንቡር ኢዩ። እቲ ዘይሰርሕ ጥራይ ኢዩ ዘይጋገ፡ ወይ እውን እቲ ፍጹም እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ ዘይጋገ። ስለዚ ክንጋገን ክንእረምን፡ መንገድና ከነመሓይሽን ናይ ኩልና ደቂ-ሰባት ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ሓደ እዋን ዝፈጸምናዮ ጌጋ፡ ንውሑዳት ወይ ንብዙሓት ዘቖጥዕ ክኸውን ይኽእል፡ እንተኾነ፡ ኣብኡ ስንና ነኺስና ክንሕርቅም ኣይግባእን። ክንእርምን ጉዕዞና ድማ ኣጽፊፍና ሂወትና ክንቅጽልን ጥራይ ኢዩ ዝግባእ። እንኳን’ዶ ንሕና ካብዛ ንእሽቶን፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ብሓባር ዝተቐበርናላን፡ ኣስላማይናን ከስታናይናን ካብ ሓንቲ መኣዲ ዝበላዕናላን ዓዲ ዝመጻአና ኤርትራውያን፡ ካልኦት ብብዙሕ ፍልልያት ዝሳቐዩ ኣህዛብ እንተኾኑ’ውን ሕውነቶም ኣየጥፍኡን። ስለዚ ሕውነትና ልዕሊ ኩሉ ክስራዕ ኣለዎ።

 

ናብ ኣርእስተ ጉዳየይ ንምምላስ፡-


ብዙሓት ደለይቲ ሓቂ፡ ነቲ ኣብ መርበብ ኣሰና ብብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና) ዝወጸ ጽሑፍ ምስ ረኣዩ፡ ካብቲ ጉዳዩ ዝምልከቶ (ብጻይ ወዲ ዑቕባልደት) መልሲ ክሰምዑ፡ ከምኡ'ውን ብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና)፡ ተወሳኺ ጭቡጥ ሓበሬታ እንተለዎ ከቕርብ ርእይቶትታቶም ከፍስሱ ተራእዮምን ኣለዉን፡ ምኽንያቱ፡ ቃል ክልተ ወገን ከይሰማዕካ፡ ብሓደ ጥራይ ኣይፍረድን ስለዝኾነ። እቲ ካብ ወዲ-ዑቕባልደት ዝተዋህበ ጽሑፋዊ መልሲ ግን (ኣብ ታሕቲ ረአ)፡ ኣብ መርበብ ኣሰና ዘይኮነስ፡ ኣብ ፌስ ቡክን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ኢዩ ተለጢፉ ውዒሉ። ነገራቱ ገሪሙኒ፡ ንምርግጋጽ፡ ሎሚ ንብጻይ ወዲ ዑቕባልደት ብስልኪ ኣዘራሪበዮ። ንሱ ዝሃበኒ መልሲ ድማ፡- እቲ ጽሑፍ መጀመሪያ ናብ ብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና) ከውጽኣሉ ብኢመይል ከምዝልለኣኸሉን፡ ብተወሳኺ ብተለፎን ክረኽቦ ፈቲኑ ክቕበሎ ስለዘይከኣለ ድማ ብናይ ተክስት መልእኽቲ ከምዝሓበሮን፡ ገሊጹለይ። ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ እነሆ እቲ ኣብቲ ክሲ ዝወጽኣሉ መርበብ ኣሰና ክወጽእ ዝግብኦ ዝነበረ መልሲ ናይ ብጻይ ወዲ ዑቕባልደት፡ ኣብ ፌስ-ቡክን ካልኦት መርበባትን ክወጽእ ንርእዮ ኣሎና። ካልእ ቅቡል ምኽንያት እንተዘይነይሩ፡ ወዲ ዑቕባልደት፡  ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ መልሲ ናይ ምሃብ መሰሉ ክንፈግ ኣይነበሮን። እቲ ናቱ መልሲ ድማ ኣብ መርበብ ኣሰና ከም ግቡእ ክወጽእ ነይሩዎ፡ ግን'ከ ኣይኮነን፡ እቲ ሕቶ ድማ ስለምንታይ ኢዩ ክወጽእ ዘይከኣለ? ናይ ከሳሲ ቃል እናወጽአ ከሎ ናይ ተኸሳሲ መልሲ ክወጽኣሉ ዘይምኽኣል፡ ንዕላማን መትከልን ናይቲ ከነስፍኖ ንደሊ ዘሎና ናይ መራኸቢ ብዙሓን ባህሊ ዝሃሲ'ዶ ኣይኮነን? መራኸቢ ብዙሓን ከም ሽሙ፡ ብዝከኣል መጠን፡ ንኹሉ ዘተኣናግድ ክኸውን ከምዘለዎ ርዱእ ኢዩ። መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ኣስመራ፡ ኣግላሊ ስለዝኾነን፡ ንዕላማን ፕሮፓጋንዳን መንግስቲ ጥራይ ስለዝሰርሕን'ዶ ኣይኮንናን ንወቕሶ? እሞ ንሕና ድማ፡ ካብ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ክንወጽእን፡ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ድማ፡ ከይሳዕረረ፡ ኩልና ክንእረመሉ፡ ክንመሃረሉን ከነወግዶን ኢዩ ዝግባኣና። ጌጋ፡ ከም ሰባት መናብርትና ኢዩ። እቲ ሓጥያት፡ ምግጋይና ኣይኮነን፡ እንታይ'ድኣ፡ ካብ ጌጋና ክንመሃር ምስ'ዘይንደሊ ወይ ዘይንፍትን ኢዩ። እሞ እዚ ኣገባብ’ዚ ኩልና፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ሚድያ ሰባት፡ ከነወግዶ ክንጽዕር ይግባኣና።


ኣነ፡ ምስ ብጻይ ወዲ ዑቕባልደት፡ ብቐረባ ሰሪሐ ኣይፈልጥን፡ ናይ ቀረባ ኣካላዊ ሌላ'ኳ ኣይሃልወና'ምበር፡ ገዲምን ስንኩልን ተጋዳላይ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ። ንመጀመሪያ እዋን ብቓል (ብተለፎን) ዝተራኸብናሉ፡ ኣብ ወርሒ ክልተ 2016 ኢዩ፡ ማለት፡ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ (ኢየሩሳሌም ፍስሃየ)፡ ነዊሕ ወርሓት ብሕማም ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየቶ ኢዩ። ጽንዓት ይሃብካ ክብሎ ደዊለሉ፡ ከምኡ'ውን ናይ ሓዘን መርድእ፡ ኣብ መርበብ ስኒትና (www.snitna.com) ከውጽኣሉ ስለዝሓተተኒን ኢዩ። ንብጻይ ኣማኒኤል (ኣሰና) ደጋጊሙ ደዊሉ ክረኽቦ ስለዘይከኣለ፡ እቲ መርድእ ኣብ ኣሰና ንከውጽኣሉ መልእኽቱ ከመሓላልፈሉ ተወኪሱኒ፡ ከምታ ዝበለኒ ድማ ናብ ኣማኑኤል ኣመሓላሊፈሉ። እምበኣር ዝያዳ ምልላይና ምስ ወዲ ዑቕባልደት፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ'ዚ ኾይኑ፡ ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝኣምነሉ፡ ብጻይ ወዲ ዑቕባልደት፡ ኣብ ዝግበር ናይ ደለይቲ ለውጢ ተበግሶታት፡ ብንጥፈት ክሳተፍ ምጽንሑ ኢዩ። እዚ ሓቂ'ዚ፡ ኣብቲ ብብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና) ወጺኡ ዘሎ ጽሑፍ እውን ክረጋገጽ ዝከኣል ኢዩ።


ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!


ሓጺር ለበዋይ ንኹሉኹም፡ ከመሓላልፍ ኣፍቅዱለይ፡-


  1. ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ጸገማ እንታይ ምዃኑ ኩልና ንርድኦ ኢና። ንሱ ድማ፡ ቅዋማዊ ህዝባዊ መንግስቲን ብሕጊ ዝግዛእ መንግስቲን ስለዘይብልና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ 1940ታት ጀሚሩ ዝበሃጎን ዝተቓለሰሉን፡ ካብ 1961 ድማ ብፍላይ፡ ብብረታዊ ቃልሲ ዓምቢቡ፡ ድሕሪ’ቲ ክቡር ናይ ኣእላፋት ጀጋኑ መስዋእቲ ደቂ ኤርትራ፡ ልዕላውነና ኣረጋጊጽና ኢና። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኹሉ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲን ሕድሪ ሰማእታትናን፡ ብውሑዳን ጉጅለ ህግደፍ ተጨውዩ፡ ሃገርና ናብ ስርዓተ-ምልኪ ኣትያ፡ ናብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ኩነታት ወዲቕና ንርከብ ኣሎና። ስለዚ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ሕሰምና ዝኾነ እቲ እከይ-ስርዓት ኢዩ ከም ቀዳማይ ዕላማና (ታርጌትና) ክንወስዶ ዝግባእ። ብማይክሮስኮፕ ዘይርአ ፍልልያት ኣብ ውሽጥና ሃሰው ኣይንበል፡ ምኽንያቱ ንእነካይዶ ቃልሲ ሓጋዚ ስለዘይኮነ። ኩሉ ገባር እከይ፡ ኣብ ጸልማት ኢዩ ዝንቀሳቐስ፡ ምንቅስቓስና ብቐትሪ እንተኾይኑ ግን፡ ነቲ ገባር እከይ፡ ባይታ ኣይክህልዎን ኢዩ። ምእንቲ ሓቂን ምእንቲ ፍትሒን ምጥባቕን ምቅላስን፡ ብጉልባብ ለይቲ ክትጎዓዝ ኣየድልየካን፡ ምኽንያቱ ሰናይ ተግባር ስለዝኾነ። እምበኣር፡ ንተኣከብ! ንስመር! ኣብቲ በብኸተማና ወይ ከባቢና ዝነጣጠፍ ዘሎ ህዝባዊ ውዳበታትን ምልዕዓላትን ንጸምበሮ! ኣጀንዳና ህዝባዊ ኣጀንዳ ኢዩ፡ ንሱ ድማ ንፍትሒን ንዲሞክራሲን ምቅላስ ኢዩ። እዚ ጠለብ'ዚ፡ ዋላ ነቶም በቲ ምልካዊ ስርዓት ክሳብ ሕጂ ተታሊሎም፡ ወይ ብዝተፈላለየ ካልእ ቅቡል ጸገማቶም ካብኡ ክፍለዩ ዘይከኣሉ ደቂ-ኤርትራ እውን፡ ረብሓ ዘምጽኣሎም ኣገባብ ስለዝኾነ ብልቦም ደለይቱ ኢዮም። ስለዚ፡ እዞም ዳሕረዎት ዝጠቐስኩዎም፡ እቲ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ እናዓመረ ክኸይድ ከሎ፡ ብውሽጢ ልቦም ከምዝሕጎሱ ጥርጥር የብለይን፡ ምኽንያቱ፡ ንሳቶም እውን ኣብ ትሕቲ ክቱር ጸቕጢን ፍርሒን ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ይነብሩ ስለዘለዉ።


  1. እቲ ክቡር ባህልና ክንዕቅቦ ይግባአ፡-

ሓደ ካብቲ ክቡር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሓዘንን ሓጎስን ሓቢርካ ምጽንናዕን ምሕጓስን ኢዩ። ከምኡ’ውን ህዝብና ንሓድሕዱ ኣሕሊፉ ኣይወሃሃብን፡ ሓያል ናይ ሕዽሕድ ምድግጋፍ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። እዚ ክቡር ባህሊ'ዚ፡ ብሰንኪ'ቲ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ መላእ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኤምባሲታቱን ቤት-ጽሕፈታቱን ዝገብሮ ውዲታት፡ ክሃስስን፡ ሓደ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ክፈናጨልን (ቤተ-እምነትን ማሕበረ-ኮማትን ከይተረፈ) ካብ እንዕዘብ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ስርዓት ከምኡ እንተገበረ፡ ሓቁ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ እንተሓቢሩ፡ ነቲ ካብኡ ክመጽእ ዝኽእል ሓያል ሕቶታት ክገጥሞ ስለዘጸግሞ፡ ክበታተኑ ከለዉ ኢዩ ረብሓኡ። ህዝቢ ሓቢሩ እንተተላዒሉ፡ ዕምሩ ከምዝሓጽር ስለዝፈልጥ ኢዩ ድማ፡ ንዝኾነ ህዝባዊ ምትእኽኻብ፡ ብዕሸሉ ክቖጽዮ ዝነጥፍ። ንሕና ከም ደለይቲ ፍትሒ እውን እንተኾነ፡ ኣብዚ ናይ ምልካዊ-ስርዓት ዕማም ናይ ምፍንጫል፡ እንተስ፡ ከይተፈለጠና፡ ወይውን ካብ ውልቃዊ ናይ ጽልኢ ስምዒታትና ተበጊስና፡ ግደ ኣይጸንሓናን ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ግን፡ ንረብሓን ድሌትን ናይቲ ፍትሒ ጸሚኡ፡ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝብና፡ ዝሃሲ ተግባራት ኢዩ። እዚ ሕጂ ዝነፍስ ዘሎ ተስፋ ናይ ስምረትን ሓቢርካ ናይ ምቅላስን ግን፡ ንድሌታት ህዝብና ዘበርኽ ስለዝኾነ ኩልና ክንዓስሎን ከነተባዖን ይግባእ። ሓውና ሓፍትና እናተወጽዑ፡ ዓይንና ኣይንዓምት፡ ወይ ብሓሶት ኣይንመስክር።


እሞ፡ ንሕና ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ኤርትራውያን፡ ብፖለቲካ ክንፈላለ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ ማሕበራዊ ሂወትናን ዝምድናታትናን ግን ከም ሓደ ህዝቢ ከመይ ጌርና ክንጓዓዝ ከምዘሎና፡ ክንመሃርን ክንልብምን ዘሎና ኮይኑ ይስማዓኒ። እቲ ክቡር ባህሊ ወለድና፡ ኣባና በጺሑ ክሃስስ የብሉን። ካባና ሓሊፉ ናብ ደቅና ክወራረስ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሃገረ-ስደት እንነብር፡ ስምረትናን ምትሕቑቛፍናን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ደቅና ብናይ መንነት ቅሉውላው ክሳቐዩ መንገዲ ክንከፍት ኣይግባእን። በኣንጻሩ፡ ብሃገሮምን ባህሎምን ንክኾርዑ፡ ብግብሪ ባይታን ዕድልን ክንፈጥረሎም ናይ ወለዲ ሓላፍነት ኣሎና። ነቲ መንግስትና ዝነፈገና ዕድል፡ ባዕልና ብማዕበል ሓፋሽ ከነምጸኦ ክንትእል ኣሎና። እዚ ኣብ ዓድና ዘሎ ምልካዊ ናይ ውሑዳን ጉጅለ፡ መጻኢ ወለዶታት ናይ ኤርትራ ዘገድሶ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ኩሉ ግብራዊ ስጉምትታቱ፡ ክንዕዘቦ ጸኒሕና ኣሎና።


ናይ ቀረባ ዓመታት ተዘክሮ ኣሎና፡- ነፍስሔር ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ሬሳኡ ናብ ዓዱ ኣትዩ ሓመድ-ኣዳም ከይለብስ፡ እቲ ስርዓት ከልኪሉዎ። እታ እግዚኣብሔር ናብ ሓመድ ክትኣቱ ዝፈቐደላ ስጋ፡ እቲ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝኾነ መላኺ መራሒና፡ ከልኪሉዎ። እዚ ክኸውን ከሎ፡ ኩሎም እቶም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኢና በሃልቲ፡ ኣዝዮም ከምዝጎሃዩን ከምዝሓፈሩን፡ ኩልና ዝተዓዘብናዮ ሓቂ ኢዩ። ካልእ ብዙሕ ተመሳሳሊ ኣብነታት ኣሎ። ንኣብነት'ኳ፡ እዚ ሎሚ መንቀሊ ናይ ጽሑፈይ ኮይኑ ዘሎ፡ ገዲም ስንኩል ተጋዳላይ ብጻይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት፡ ኣብ ሓመድ-ድበ ናይታ ዝፈትዋ ወላዲቱን ክብርቲ በዓልቲ-ቤቱን ክውዕል ኣይከኣለን። ኩሉ ፍትሒ ዝጠለበ ኤርትራዊ ድማ፡ ዕድሉ ተማሳሳሊ ኢዩ። ክንደይ ዝሸምገሉ ውለድና አንድዮም “መዓስ ኢና ገጽኩም ክንርኢ!” አናበሉ ገጽ ዘይመነዉዎም ደቆም ከይረኣዩ፡ ካብዛ ዓለም እናተፋነዉ ዝኸዱ ዘለዉ!


ኣብ መዓልቲ ሓዘን ናይ ደላይ-ፍትሒ፡ ካብ ወገን ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ክሳተፉዎን ማሕበራዊ ግቡኣቶም ክገብሩን፡ ኩላትና ክንጽበዮን ከነተባብዖን ዝግባኣና ኢዩ። በዚ ተግባራት እዚ ድማ ክንሕጎስ ይግባኣና። ንሕና'ውን ከምኡ፡ ናብቲ ሓዘኖም ተሳተፍቲ ብምዃን ማሕበራዊ ግዴታና ከነማልእ ኣሎና። ነዚ ድማ ብኹሉ መዳያቱ ከነሐይሎ ኣሎና። ምኽንያቱ፡ ስርዓታት ወደቕቲ ኢዮም፡ ህዝቢን ሃገርን ግን ንሓዋሩ ነበርቲ ኢዮም። ስለዚ፡ እቲ ወረጃን ፍሉይ መለለዪናን ዝኾነ ባህልና ክንዕቅቦን ክንከላኸለሉን ይግባኣና። ኣብ እዋን ሓጎስ እውን በዚ መንፈስ’ዚ ክንተሓላለን ክንቀራረብን ይግባእ። ስልጣኔን ምዕባለን ናይ ሓደ ኤርትራዊ/ት፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ከሐጉሰና ኣለዎ።


  1. ምትብባዕን ምሕያልን መራኸቢ ብዙሓንና (ሚድያ)፡


ኤርትራውያን ኣብዚ ሰዓት'ዚ፡ ብናጻ ኢሂን ምሂን ክንበሃሃለሉ እንኽእል ኣገባብ፡ ዘሎና እንኮ ኣማራጺ፡ በተን ኣብ ደገ ዘለዋ መራኸቢ ብዙሓንና ኢዩ። ናይዚኣተን ድምጺ፡ መቓልሑ ክሳብ’ቲ ሓሳብ ልቡ ክገልጽ ዘይከኣለ ህዝብና፡ ናብ ውሽጢ ዓድና እውን ስለዝበጽሕ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ወገናቱ ኢዩ። እዘን ኩላተን እንፈልጠን መራኸቢ ብዙሓንና (ወብሳይታት፡ ራድዮ፡ ፓልቶክ፡ ዩቱብ፡ ፌስ ቡክ ..ዝኣመሰላ)፡ ዋላ'ኳ ብዙሕ ጉድለታትን ጌጋታትን ዝርኣየለን እንተኾነ፡ ካብቲ ቅድም ዝነበርኦ ደረጃ፡ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ብዙሕ ሰጒመን ለውጥታት ኣምጺአን ኢየን። እንተኾነ፡ ብዘይ ተሳትፎን ደገፍን (ገንዘባውን ሞራልን) ናይ ሓፋሽ ተገልገልቲ፡ ከምቲ ንሕና እንደልዮ ኣገልግሎት ክህባ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብዚ ነጥቢ'ዚ፡ ሓደ ንኹልና፡ ክንግንዘቦ ዝግባኣና ጉዳይ ኣሎ፡- ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ ኣስማት ኣጠሚቑ፡ ኣብ ወጻኢ መደበራት ራድዮ ወይ ወብሳይታት ክኸፍት፡ በዚ ኣቢሉ ድማ፡ ዝደለዮ ጎስጓስን ኣኼባታትን ክገብር፡ ጸገም የብሉን፡ ምኽንያቱ፡ ወናኒ ናይቲ ግምጃ ሃገርና ዝኾነ ሃብቲ ስለዝኾነን፡ ሃብቲ ደቂ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ስለዘሎን ንምምዋሉ ጸገም የብሉን። ንሕና ሓፋሽ ህዝቢ ድማ፡ ምናልባት ማዕረኡ ኣይንዳረግን ንኸውን፡ እንተኾነ ግን፡ ድምጺ ህዝብና ዝስማዓለን መርበባት ህያዋን ኮይነን ከይተሰከፋ ከምዝነጥፋ ንምግባር ግን ኣኺሉ ዝተርፍ ዕቑር ህዝባዊ ዓቕሚ ኣሎና። ሓሓንቲ ቅርሺ ካብ ሓደ ደላይ ፍትሒ ኣብ ወርሒ ጥራይ’ኳ፡ ተኣምር ክትሰርሕ ትኽእል ኢያ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ እቲ ብመርበብ ኣሰና.ኮም ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት ንፋይናንሳዊ ደገፍ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ አእጃሙ ከወፍየሉ እናተላቦኹ፡ ንኻልኦት ተመሳሰልቲ መርበባት እውን ደገፍ ሓፋሽ ክፍለየን የብሉን እብል።


ኣነ (ዮውሃንስ ጸጋይ በርሀ)፡ ኣካያዲ መርበብ ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ኩሉ ዝገብሮ ዘሎኹ ጻዕርታት፡ በታ ዘላትኒ ኣዝያ ድርትቲ ዓቕሚ፡ ነቲ ኣብ በበይኑ ፋሕፋሕ ኢሉ ክላገብ ዘይከኣለ መርበባት ሓበሬታታት፡ ናብ ሓደ ፈትሊ ብምእካብ፡ እቲ ዝተማልአ ሓበሬታ ዝደሊ ህዝቢ ካብ ኩሉ ከምዝመሃርን ከምዝፈልጥን ንምግባር ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ንምርምራዊ ስራሕ ዝኸውን ሰነዳት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣኪብካ ነቶም ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ዝነጥፉ ንክጥቀሙሉን ንህዝብና ብሉጽ ኣስተምህሮ ክህቡ ንክኽእሉን እውን ሓደ ካብቲ ዕላማ ስኒትና ኢዩ። ኣበርክቶ ናይ ኩሉ ኤርትራዊን ግዱስን ድማ ምስ ተጸበኹ ኢየ። ካባና ናባና ስለዝኾነ እቲ ዕላማ። ኣነ'ውን ከም ሰብ መጠን፡ ብዙሕ ጉድለታት ክህልወኒ ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ፡ መስትያተይ ንስኻትኩም ስለዝኾንኩም፡ ርእይቶኹምን ደገፍኩምን ኣይትፍለዩኒ።


  1. መወዳእታ፡ ግን ከኣ፡ ኣዝዩ ዓቢይ ለበዋ!

ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ኣብ ኩናት ንዝሰንከሉ ጀጋኑና ዝውዕል ገደፍ ንምውጻእ፡ ብቐጻሊ ይጉስጎሰሉ ኣሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ። ኩላትና ኤርትራውያን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ፖለቲካ፡ ዓቕምና ዝፈቐዶ፡ አእጃምና ከነበርክት ግቡእና ኢዩ።


ንግዚኡ፡ በዛ ብዙሕ ከይሓሰብኩን፡ ስርዓተ-ሕጊ ስነጽሑፍ ከይተኸተልኩን ዝሓንጠጥኩዋ ጽሕፍቲ ይፍለየኩም ኣሎኹ። ኣብ ቀጻሊ የራኽበና።


ኣጆኹም ኣጆና ደቂ ኤረ መዓረይ!

ዓወትና ዝቐረበ ኢዩ ዝመስል፡ ኩሉ ጸጸሩ ኣልዒሉ ይደርቢ፡ ተደማሚሩ ናብቲ እንደልዮ ከብጽሓና ኢዩ።


ሓውኹም / ብጻይኩም

ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ)

14 ሚያዝያ 2016


ደብዳቤ ተጋዳላይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት


መልሰይ ንውጹእ ጸለመን ጠቐነን ኣማኑኤል ኢያሱ!!

http://www.jeberti.com/…/…/tigrina/11029-2016-04-14-02-29-42

 ተኽልዝጊ ዑቕባልደት መን ኢዩ ዘይኮነስ፡ "ኣማኒኤል ኢያሱ መን'ዩ!" እዩ ክበሃል ዘለዎ።

 ኣማንኤል እያሱ ብገንዘብ ህዝቢ መርበብ ሓበሬታ ወኒኑ፡ ንሰብ ብሓሶት ኣጸሊሙ፡ ጸለሎ ዝቐብእ ዘሎ ፍጡር እዩ። እነሆ ‘ኳ ንዓይ ብንጹሀይ፡ ኣብ ርእሲ መሪር ሓዘን ሞት በዓልቲ ቤተይ፡ ኣብ ክንዲ ደበሱን ምጽንንዑን ጸለሎ ቀቢኡ ክድውነኒ ተሃንዲዱ። እንተ ኣነ ውዒሉ ሓዲሩ ሓቀይ ስለዘውጽኣኒ፡ ክንድ ፍረ ኣድሪ እውን ይኹን ሕርኽርኽ

 ዝብለኒ ነገር የብለይን፣ እንተ ንሱ ግን ተጋግዩ፡ ሕማቕ መዓልቲ ውዒሉ፣ ሕማቕ መዓልቲ ውዒልካ ከኣ እብሎ።


እስከ በል ኣማኑኤል፡ ኣብቲ ዘርዚርካዮ ዘለኻ ነጥብታት ጸለመ ንእቶ። ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኢሂን ሚሂን

 ክንበሃሃል ጸኒሕናስ፡ ኣብ ሕጂ በጺሕካ፡-

 1. "ልኡኽ ህግደፍ እዩ።" ኢልካኒ ኣለኻ'ሞ እንታይ ኢዩ ጭብጥኻ? በየናይ መለክዒን መምዘንን ኢኻ ከምኡ ትብል ዘለኻ? ዝርዝራዊ መልስኻ ክሰምዕ እጽበ።


2. "ስርዓት ህግደፍ፡ ስለያዊ ንጥፈታቱ ንምክያድ መታን ክጥዕሞ ናይ ተሌፎን ማእከል ከፊቱሉ!" ኢልካ ኣለኻ'ሞ፡ እስከ ጭብጥኻ ሒዝካ ቅረብ። ኣነ ግን ጭብጠይ እንሆ፡- ኣቶ ዮሴፍ ወልዱ ዝበሃል ተቐማጢ ሚላኖ፡ እንዳ ሰራሕኩ ንክኸፍሎ ገንዘብ ኣለቂሑኒ። እናሰራሕኩ ድማ ገንዘቡ መሊሰሉ። ክሳብ ሕጂ እውን ጽቡቕ ሕውነት

 ኣለና። ብህይወት ስለ ዘሎ ከኣ ክምስክርን ክሕተትን ይኽእል እዩ። ጭብጥኻ ግን ጸለመን ጠቐነን እዩ።


3. ኣብ ስዊዝ ገንዘብ ከምዝሕውል እውን ጠቒስካ ኣለኻ። ናይ መን ገንዘብን መዓስን ከምዝሓወልኩ፡ ዋላ እውን ሓደ ሰብ ይኹን፡ " ወዲ-ዑቕባልደት ገንዘብ ሓዊሉለይ" ዝብል ሰብ ከተቕርብ ክጽበየካ እየ። በብዝመሰለካ ነገር፡ ሰብ ምጥቃን ነውሪ እዩ። ስለዚ ጭብጥን ምንጭን ከተቕርብ እሓተካ ኣለኹ።


4. ኣብ ስዊዘርላንድ ስለያዊ ስራሓት ከምዘካይድ እውን ገሊጽካ ኣለኻ። እቶም ዝሰለኹዎምን፡ ብስለያዊ ስርሐይ ዝተበደሉን ሰባት ወይ ጉጅለታት በዓል መን ይበሃሉ? ጭብጥኻ እንታይ እዩ?


5. " ንከምስል ንሬድዮ ኣሰና ወፈያ ይገብር ነይሩ።" እውን ኢልካ ኣለኻ። ከምቲ ዝበልካዮ ንኸምስል ዘይኮነ፡ ብንጹህ ልብን ሕልናን ክሕግዘካ ስለዝሓለንኩ፡ ከምዚ ሕጂ" ጸለሎ ጠቐነ ንኽቕባእ፡ ንነብሰይ ተጋግየ፡ ንሰባት ኣጋግየ። እንዳ ዘይእቱው እናኣተኹ "ንኣሰና ንሓግዝ" እንዳ በልኩ፡ ንኣስመራ ካብ ዝመላለሱ ሃገራውያን ከይተረፈ፡

 በስማት እሱራትና እናጎልበብኩ፡ ንዓመታት ኣሻሓት ገንዘብ ልኢኸልካ። ከምቲ ዝጠቀንካኒ ሰላይ ህግደፍ እንተዝነብር: እቶም ንዓይ ኣሚኖም ብሕቡእ ዝድግፉኻ ዝነበሩ ንዓዲ ዝመላለሱ ሰባት: ኣብ ደልሃመት ምኣተዉ ነይሮም። ገለ ደኣ ተጸሊልካ ከይትኸውን እምበር: ብጥዕናኻ እንተኾይንካ፡ ብቕንዕና ካብ ዝደገፍኩዎን ንዓመታት

 ካብ ዝሓብሓብኩዎን ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥልመትን ክሕደትን ክርኢ ናይ ብሓቂ ዘደንጹን ዘሰንብድን እዩ።


6. ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ዓመታት፡ ኣነን ከማይ ዝኣመሰሉን ብጾት፡ ንኽትሕገዝን ክትድገፍን ካብ ዝብል ሕልና ተበጊስና፡ ነብሶም ይምሓር ምስ ከም በዓል ወዲ ቫካሮን ኣባ ማሪኖን ካልኦትን ኣላሊናካ። ቀሊል ዘይኮነ ሓገዝን ደገፍን ከኣ ረኺብካ። ነቲ ሽዑ ብዙሕ እተመስግኖን እትውድሶን ዝነበርካ ሞያይ ክሒድካ ሕጂ ሰላይን ተጻባእን

 ቀይርካኒ። ዝገርም’ዩ! መቸም ናይ ብሓቂ ሕልናን ጥዑይ አእሙሮን እንተልዩካ ንጽህናይ’ውን ስለ ትፈልጦ ከምዚ ኽትፈድየኒስ ብሓቂ ክትሓፍር ኢዩ ዝግብኣካ።


7." ወዲ ዑቕባልደት ከም ኣማኻሪ ተመሲሉ፡ ኣብ ብዙሓት ውድባት ይነጥፍ እዩ።" እውን ኢልካ ኣለኻ። በል ኣበየኖት ውድባት፡ ወይ ምስ ናየነይቲ ውድብ ሓላፊ እየ ተራኺበ። ንመነ መን'ከ እየ ክዓርቕ ፈቲነ? በጃኻ ጭብጢ ሒዝካ ቅረብ። ብገንዘብ ህዝቢ ዝወነንካያ ሜድያ መቕተሊትን መጥቂዒትን ንጹሃት ክትገብራ ናይ ብሓቂ ሃየንታ

 ኢዩ።


8. እዋናዊ ሓበሬታ ደንበ ተቓውሞ፡ ካብ ቀንዲ ሓበሬታ ብምእካብ፡ ንደምበ ተቓውሞ ከምዝፍትሽ እውን ተዛሪብካ ኣለኻ። ኣብ’ዚኸ እንታይ ኢዩ ጭብጥኻ? ነየናይ ውድብ ወይ ነየናይ ምንቅስቃስ እየ በቲነዮ። ነዚኣ እውን ካባኻ መልሲ እጽበየላ።


9.ብዛዕባ ናጽነት ተኽለ እውን ጠቒስካ ኣለኻ። ምስ ናጽነት ፍልጠትና ኣብ ገድሊ ኢዩ። ናብዚ ዝነብረሉ ዓዲ ጋሻ ኮይነ ምስ መጻእኩ ድማ ሰብኣዮም ሰበይቶም ብጽቡቕ ተቐቢሎምኒ፤ ጽቡቕ ሕውነት ከኣ ኣሎና። ኣነ ንናጽነት ተኽለ ከም ሰላይት ኣይፈልጣን ኢየ። ዝኾነ ጭብጢ እውን የብለይን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደንበ ፖሊስ ዝበሃል

 ምስ ተዛረበ ከም ሰበይ ሰሚዐ። ካልእ ግን ዝፈልጦ የብለይን። ብዛዕባ እቲ ግጉይ ሓበሬታ ይህበና ነይሩ ዝበልካዮ፡ እቲ ሓበሬታ ግጉይ ወይ ዘጠራጥር እንተ ነይሩ ክሳብ ዝረጋገጽ ጠጠው ዘይተብሎ፡ ወይ ዘይትነጽጎ፡ ስለምንታይ ትዝርግሖ? ንሕና፡ እቶም ሓበሬታ እንህበካ ሰባት፡ ከምቲ ንስኻ ንዓና ኣሚንካ እትቕበለና፡ ንሕና ድማ ነቶም ዝህቡና ኣሚናንዮም ንኸውን። ብኽፋእን ተንኮልን ግን ዘጋጊ ሓበሬታ ሂበካ ኣይፈልጥን እየ። ምኽንያቱ፡ ሕልናይ፡ መንፈሰይ፡ ኣረኣእያይ ከምኡ ስለዘይኮነ።


10. ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዓልቲ ቤተይ ብሕማም ተሰኒፋ ኣብ ሞትን ሕየትን ስለዝነበረት ካብ ዝኾነ ጉዳይ ተኣልየ እየ ነይረ። ንስኻ ግን ዋላ እውን ሳሕቲ ክድውለልካ እንከለኹ፡ ነዚ ሕጂ ገርካዮ ዘለኻ ነውሪ ትኣልም ስለ ዝነበርካ፡ ጨሪስካ ተሌፎን ዓጺኻኒ። ሞት በዓልቲ ቤተይ ምስ ኣጋጠመ እውን ንዓመታት ኢሂን-ምሂን ከም

 ዘይተበሃሃልና፡ ብሰባት ከይተረፈ ልኢኸልካ ከብቅዕን ሞት በዓልቲ ቤተይ ፈሊጥካ እንከላኻ ግን ጽንዓት ይሃብካ’ውን ኣይበልካንን። ሞት ቀሊል ኣይኮነን፡ ሽዑ ምሕንጋድካ ከኣ ብጣዕሚ ገሪሙኒ።


11. በል ኣነ ንጹህ ሰብ ኢየ። ንስኻ ግን ክንዲ ጣፍ እውን ትኸውን ሓቂ ስለ ዘይብልካ፡ ሓቂ ከኣ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ስለእትወጽእ፡ መኔና ቫይረስ ምዃኑ ንምፍላጥሲ ምቕናይ ጥራይ። ስለዝኾነ ንዓይ ዋላ ሓንቲ ሸቀልቀል ዘብል የብለይን። ንስኻ ግን ቀባኢ ጸለሎ ምዃንካ ተቓላዕ ኢሉካ።


12. ኣብ ጽሑፍካ፡ " ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን ቀንዲ በጻሕቱ፡ ናይ ህግደፍ ሓለፍትን ደገፍትን ኢዮም ነይሮም" ኢልካ። እቲ ዝበልካዮ ሓሶት እዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝመጽኡኒ ሓለፍቲ ይኹኑ ደገፍቲ ህግደፍ ኣይነበሩን። ግን ዘይከማኻ መጺኦም፡ ጽንዓት ይሃብካ ኢሎም እንተ ዝወጽኡ እውን ልቦና ኢዩ ነይሩ። ንስኻ ግን ነቶም ጽንዓት ይሃብካ ዝበሉኒ ፈተውትን መቕርብን ንኸመስግንን ሓዘንና ከምዝዓጸና ንክገልጽን ንዘዳለኹዎ ናይ ምስጋና ጽሑፍ ኣብ ዌብሳይትካ ንኸይተውጽኣለይ ሓንጊድካ። ርእስኻ ክሳብ ክንድኡ ሰንኮፍ ምዃና ድማ ብጣዕሚ አሕፊሩኒ - ሓፊረልካ።


13. " እዚ ሓበረታ'ዚ ንክዝርግሖ ዘገደደኒ ከኣ እቶም ንዕኡ ኣሚኖም ካብኡ ሓበሬታ ዝወስዱ ኣገደስቲ ሰባትን መራሕቲ ደምበ ተቓውሞን ክጥንቀቑ ኢለ ኢየ።" ኢልካ ኣለኻ። ኣማኒኤል፡ ብርእይቶይ መላእ ተቓዋማይን ህዝብን ካባኻን ካብዛ ቦርድን ሳንሱርን ዘይብላ፡ ንዝደለየቶ ሰብ ከም ድላያ ትቅንጽል ዘላ መርበብ ሓበሬታኻ ኢዩ

 ክጥንቀቕ ዘለዎ እምበር፡ ካብ ተኽልዝጊ ዑቕባልደትሲ ዘጠንቅቕ ምኽንያት የብሉን። መሳርሕትን መማኽርትን እንተዝህልዉኻ፡ ነዚ ነውራም ጽሑፍ'ዚ ከተቕርብ እንከለኻ ዓገብ ምበሉኻ ነይሮም።


መደምደምታ፡-

 እቲ ናብዚ ህውታትያ ጸለመ ዘብጸሓካ ኢለ ዝግምቶ፡ ሓደ-ሓደ እዋን ኣብ እተውጽኦ፡ ንሰባትን ምንቅስቓስን ዝሃሲ ኮይኑ ዝተሰመዓኒ ጽሑፋት ከም ሓውን መቓልስትን ኣሚነ፡ ንዝህበካ ዝነበርኩ ርእይቶን ምኽርን ከም ድፍረትን ንዕቀትን ርኢኻ ከተዋህልሎ ዝጸናሕካ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ንሱ ከኣ፡-


1. ሓደ ግዜ ንኤልሳ ጭሩም ብተሪር ቃላት ኣብ ዝደብደብካሉ እዋን፡ "ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ብጾት ነንሕድሕድካ ምጥቕቃዕ ጽቡቕ ኣይኮነን'ሞ እዚኣስ ነውሪ እያ።" ኢለ ብትሕትና ተዛሪበካ ነይረ። እታ ዘረባ ግን ኣይፈተኻያን።


2. ካልእ እዋን እውን፡ ተጋዳላይ ታደሰ ኪዳነ ኣብ ዝጽሕፎ ዝነበረ ተኸታታሊ ጽሑፍ፡ ብፍላይ ኣብታ ንኣውራጃ እትምልከት ምስ መለስካሉ፡ ብግርህና፡ እዚ ናይ ኣውራጃ ወዲ ኣውራጃ ነገር ናብ ዘይንደልዮ ነገር ከይመርሓና ስቕ'ዶ ኣይምሓሸን ብምባል፡ ስክፍታይ ገሊጸልካ ነይረ።


3. ንመድረኽ ዝነቅፍ ተሪር መግለጺ ምስ ኣውጻእካ እውን፡ "ሰብ በብዓቕሙ እንተ ተቓለሰ እንታይ ጸገም ኣለዎ፡ እዚ ሓድሕዳዊ ምጥቕቓዕሲ ኣይጽቡቕን እዩ።" ክብል ወስ ዘበልኩልካ ርእይቶ ቀሓር ገይራትልካ ከም ዝነበረት ተረዲኡኒ ነይሩ። ክሳብ ክንድኡ ከቢድ ገይረ ግን ኣይወሰድኩዎን።


4. ኣብ ሬድዮኻ ናይ መዘናግዒ መደብ ስለ ዘይነበረካ ንረድዮ ኤረና ብፍላይ ከኣ ንመደብ ሽኮሪናታት ዮናታን ሃብተ ግጥምታት ምልኣኸይን ምናልባት ዘድልየካ እንተኾይኑ ካብኡ ወሲድካ እንዶ ተጠቐም ምባለይ እውን ደስ ከም ዘይበለካ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ። ብዘይካ እዘን ብሰናይ ሓሳብ ዘቕረኩልካ፡ ግን ሽዑ እውን ዘይፈተኻየን ርእይቶ ካልእ ዝኾነ ይኹን ዘየሰማምዓና ወይ ዘሰሓሕበና ዝዝክሮ ነገር የብለይን። ግን ደሓን፡ እቲ ንጽህናይ ዝፈልጥ ምእንቲ ሕልንኡ ክምስክር እዩ።

 ብዝተረፈ፡ እቶም በዚ ድቦላ ጠቐነ'ዚ ጉሂኹም ብተሌፎንን ብኣካልን ደሃየይ ዝገበርኩም ክቡራት ፈተውተይን መቓልስተይን ኣሓትን አሕዋትን፡ ብኣውርኡ ከኣ ስድራ-ቤተይ፡ ቅብኢ ሓሶት፡ ማዕረ ሓቂ ሓይሊ ስለዘይብሉ፡ እዚ ናይ ሕጂ ሃለውለው ጽባሕ ክነፍስ እዩ'ሞ ኣጆኹም ኣይትጉሃዩን ኣይትሰከፉን እብል።

 ተኽልዝጊ ዑቕባልደት።


ምንጪ ፌስቡክ



See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-