|
|
ክንእርሞ ዝግባእ ኣገባባት
ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ
14 April 2016
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!
ብቐዳምነት፡ መንቀሊ ናይ ሎም መዓልቲ ጽሑፈይ፡ እዚ ብብጻይ ተኽልዝጊ (ወዲ ዑቕባልደት) (ኣብ ታሕቲ ርአ)፡ ወጺኡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ማለት፡ መልሲ ናይቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፡ ብዕለት 11 ሚያዝያ 2016፡ "ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) መን እዩ?" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና) ዝወጸ ጽሑፍ፡ ኢዩ።
እቲ ዘሕዝን፡ ኣብቲ ክልቲኡ ጽሑፋት ከም እትዕዘቡዎ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ዝምድንኦም፡ ኣብዚ ሓጺር እዋንን ሃንደበትን፡ እሞ ኸኣ፡ ኣብቲ ንብጻይ ተኽልዝጊ (ወዲ ዑቕባልደት) ዝወረዶ ከቢድ ቅንያት ሓዘን ናይ ሞት ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ዘጋጥም ዘሎ ኢዩ። እቲ ዝምድና ማዕረ ናብዚ ደረጃ'ዚ ምውዳቑ ኣዝዩ ኣሕዚኑኒ ኢዩ።
ኣነን ብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና)ን፡ ጽቡቕ ሌላን ናይ ምድግጋፍ ዝምድናታትን ኣሎና። ብጻይ ኣማኑኤል፡ ሓደ ካብቶም እንኾርዓሎም መንእሰያትና ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ጻዕሪ፡ ንኣብነት፡-
ኣብ ስራሕ ጌጋታት ክርከብ፡ ሰብ ከም ምዃንና መጠን ንቡር ኢዩ። እቲ ዘይሰርሕ ጥራይ ኢዩ ዘይጋገ፡ ወይ እውን እቲ ፍጹም እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ ዘይጋገ። ስለዚ ክንጋገን ክንእረምን፡ መንገድና ከነመሓይሽን ናይ ኩልና ደቂ-
ናብ ኣርእስተ ጉዳየይ ንምምላስ፡-
ብዙሓት ደለይቲ ሓቂ፡ ነቲ ኣብ መርበብ ኣሰና ብብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና) ዝወጸ ጽሑፍ ምስ ረኣዩ፡ ካብቲ ጉዳዩ ዝምልከቶ (ብጻይ ወዲ ዑቕባልደት) መልሲ ክሰምዑ፡ ከምኡ'ውን ብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና)፡ ተወሳኺ ጭቡጥ ሓበሬታ እንተለዎ ከቕርብ ርእይቶትታቶም ከፍስሱ ተራእዮምን ኣለዉን፡ ምኽንያቱ፡ ቃል ክልተ ወገን ከይሰማዕካ፡ ብሓደ ጥራይ ኣይፍረድን ስለዝኾነ። እቲ ካብ ወዲ-
ኣነ፡ ምስ ብጻይ ወዲ ዑቕባልደት፡ ብቐረባ ሰሪሐ ኣይፈልጥን፡ ናይ ቀረባ ኣካላዊ ሌላ'ኳ ኣይሃልወና'ምበር፡ ገዲምን ስንኩልን ተጋዳላይ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ። ንመጀመሪያ እዋን ብቓል (ብተለፎን) ዝተራኸብናሉ፡ ኣብ ወርሒ ክልተ 2016 ኢዩ፡ ማለት፡ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ (ኢየሩሳሌም ፍስሃየ)፡ ነዊሕ ወርሓት ብሕማም ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየቶ ኢዩ። ጽንዓት ይሃብካ ክብሎ ደዊለሉ፡ ከምኡ'ውን ናይ ሓዘን መርድእ፡ ኣብ መርበብ ስኒትና (www.snitna.com) ከውጽኣሉ ስለዝሓተተኒን ኢዩ። ንብጻይ ኣማኒኤል (ኣሰና) ደጋጊሙ ደዊሉ ክረኽቦ ስለዘይከኣለ፡ እቲ መርድእ ኣብ ኣሰና ንከውጽኣሉ መልእኽቱ ከመሓላልፈሉ ተወኪሱኒ፡ ከምታ ዝበለኒ ድማ ናብ ኣማኑኤል ኣመሓላሊፈሉ። እምበኣር ዝያዳ ምልላይና ምስ ወዲ ዑቕባልደት፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ'ዚ ኾይኑ፡ ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝኣምነሉ፡ ብጻይ ወዲ ዑቕባልደት፡ ኣብ ዝግበር ናይ ደለይቲ ለውጢ ተበግሶታት፡ ብንጥፈት ክሳተፍ ምጽንሑ ኢዩ። እዚ ሓቂ'ዚ፡ ኣብቲ ብብጻይ ኣማኑኤል (ኣሰና) ወጺኡ ዘሎ ጽሑፍ እውን ክረጋገጽ ዝከኣል ኢዩ።
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!
ሓጺር ለበዋይ ንኹሉኹም፡ ከመሓላልፍ ኣፍቅዱለይ፡-
ሓደ ካብቲ ክቡር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሓዘንን ሓጎስን ሓቢርካ ምጽንናዕን ምሕጓስን ኢዩ። ከምኡ’ውን ህዝብና ንሓድሕዱ ኣሕሊፉ ኣይወሃሃብን፡ ሓያል ናይ ሕዽሕድ ምድግጋፍ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። እዚ ክቡር ባህሊ'ዚ፡ ብሰንኪ'ቲ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ መላእ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኤምባሲታቱን ቤት-
እሞ፡ ንሕና ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ኤርትራውያን፡ ብፖለቲካ ክንፈላለ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ ማሕበራዊ ሂወትናን ዝምድናታትናን ግን ከም ሓደ ህዝቢ ከመይ ጌርና ክንጓዓዝ ከምዘሎና፡ ክንመሃርን ክንልብምን ዘሎና ኮይኑ ይስማዓኒ። እቲ ክቡር ባህሊ ወለድና፡ ኣባና በጺሑ ክሃስስ የብሉን። ካባና ሓሊፉ ናብ ደቅና ክወራረስ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሃገረ-
ናይ ቀረባ ዓመታት ተዘክሮ ኣሎና፡-
ኣብ መዓልቲ ሓዘን ናይ ደላይ-
ኤርትራውያን ኣብዚ ሰዓት'ዚ፡ ብናጻ ኢሂን ምሂን ክንበሃሃለሉ እንኽእል ኣገባብ፡ ዘሎና እንኮ ኣማራጺ፡ በተን ኣብ ደገ ዘለዋ መራኸቢ ብዙሓንና ኢዩ። ናይዚኣተን ድምጺ፡ መቓልሑ ክሳብ’ቲ ሓሳብ ልቡ ክገልጽ ዘይከኣለ ህዝብና፡ ናብ ውሽጢ ዓድና እውን ስለዝበጽሕ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ወገናቱ ኢዩ። እዘን ኩላተን እንፈልጠን መራኸቢ ብዙሓንና (ወብሳይታት፡ ራድዮ፡ ፓልቶክ፡ ዩቱብ፡ ፌስ ቡክ ..ዝኣመሰላ)፡ ዋላ'ኳ ብዙሕ ጉድለታትን ጌጋታትን ዝርኣየለን እንተኾነ፡ ካብቲ ቅድም ዝነበርኦ ደረጃ፡ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ብዙሕ ሰጒመን ለውጥታት ኣምጺአን ኢየን። እንተኾነ፡ ብዘይ ተሳትፎን ደገፍን (ገንዘባውን ሞራልን) ናይ ሓፋሽ ተገልገልቲ፡ ከምቲ ንሕና እንደልዮ ኣገልግሎት ክህባ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብዚ ነጥቢ'ዚ፡ ሓደ ንኹልና፡ ክንግንዘቦ ዝግባኣና ጉዳይ ኣሎ፡-
ኣነ (ዮውሃንስ ጸጋይ በርሀ)፡ ኣካያዲ መርበብ ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ኩሉ ዝገብሮ ዘሎኹ ጻዕርታት፡ በታ ዘላትኒ ኣዝያ ድርትቲ ዓቕሚ፡ ነቲ ኣብ በበይኑ ፋሕፋሕ ኢሉ ክላገብ ዘይከኣለ መርበባት ሓበሬታታት፡ ናብ ሓደ ፈትሊ ብምእካብ፡ እቲ ዝተማልአ ሓበሬታ ዝደሊ ህዝቢ ካብ ኩሉ ከምዝመሃርን ከምዝፈልጥን ንምግባር ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ንምርምራዊ ስራሕ ዝኸውን ሰነዳት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣኪብካ ነቶም ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ዝነጥፉ ንክጥቀሙሉን ንህዝብና ብሉጽ ኣስተምህሮ ክህቡ ንክኽእሉን እውን ሓደ ካብቲ ዕላማ ስኒትና ኢዩ። ኣበርክቶ ናይ ኩሉ ኤርትራዊን ግዱስን ድማ ምስ ተጸበኹ ኢየ። ካባና ናባና ስለዝኾነ እቲ ዕላማ። ኣነ'ውን ከም ሰብ መጠን፡ ብዙሕ ጉድለታት ክህልወኒ ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ፡ መስትያተይ ንስኻትኩም ስለዝኾንኩም፡ ርእይቶኹምን ደገፍኩምን ኣይትፍለዩኒ።
ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ኣብ ኩናት ንዝሰንከሉ ጀጋኑና ዝውዕል ገደፍ ንምውጻእ፡ ብቐጻሊ ይጉስጎሰሉ ኣሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ። ኩላትና ኤርትራውያን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ፖለቲካ፡ ዓቕምና ዝፈቐዶ፡ አእጃምና ከነበርክት ግቡእና ኢዩ።
ንግዚኡ፡ በዛ ብዙሕ ከይሓሰብኩን፡ ስርዓተ-
ኣጆኹም ኣጆና ደቂ ኤረ መዓረይ!
ዓወትና ዝቐረበ ኢዩ ዝመስል፡ ኩሉ ጸጸሩ ኣልዒሉ ይደርቢ፡ ተደማሚሩ ናብቲ እንደልዮ ከብጽሓና ኢዩ።
ሓውኹም / ብጻይኩም
ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ)
14 ሚያዝያ 2016
ደብዳቤ ተጋዳላይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት
መልሰይ ንውጹእ ጸለመን ጠቐነን ኣማኑኤል ኢያሱ!!
http://www.jeberti.com/…/…/tigrina/11029-
ተኽልዝጊ ዑቕባልደት መን ኢዩ ዘይኮነስ፡ "ኣማኒኤል ኢያሱ መን'ዩ!" እዩ ክበሃል ዘለዎ።
ኣማንኤል እያሱ ብገንዘብ ህዝቢ መርበብ ሓበሬታ ወኒኑ፡ ንሰብ ብሓሶት ኣጸሊሙ፡ ጸለሎ ዝቐብእ ዘሎ ፍጡር እዩ። እነሆ ‘ኳ ንዓይ ብንጹሀይ፡ ኣብ ርእሲ መሪር ሓዘን ሞት በዓልቲ ቤተይ፡ ኣብ ክንዲ ደበሱን ምጽንንዑን ጸለሎ ቀቢኡ ክድውነኒ ተሃንዲዱ። እንተ ኣነ ውዒሉ ሓዲሩ ሓቀይ ስለዘውጽኣኒ፡ ክንድ ፍረ ኣድሪ እውን ይኹን ሕርኽርኽ
ዝብለኒ ነገር የብለይን፣ እንተ ንሱ ግን ተጋግዩ፡ ሕማቕ መዓልቲ ውዒሉ፣ ሕማቕ መዓልቲ ውዒልካ ከኣ እብሎ።
እስከ በል ኣማኑኤል፡ ኣብቲ ዘርዚርካዮ ዘለኻ ነጥብታት ጸለመ ንእቶ። ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኢሂን ሚሂን
ክንበሃሃል ጸኒሕናስ፡ ኣብ ሕጂ በጺሕካ፡-
1. "ልኡኽ ህግደፍ እዩ።" ኢልካኒ ኣለኻ'ሞ እንታይ ኢዩ ጭብጥኻ? በየናይ መለክዒን መምዘንን ኢኻ ከምኡ ትብል ዘለኻ? ዝርዝራዊ መልስኻ ክሰምዕ እጽበ።
2. "ስርዓት ህግደፍ፡ ስለያዊ ንጥፈታቱ ንምክያድ መታን ክጥዕሞ ናይ ተሌፎን ማእከል ከፊቱሉ!" ኢልካ ኣለኻ'ሞ፡ እስከ ጭብጥኻ ሒዝካ ቅረብ። ኣነ ግን ጭብጠይ እንሆ፡-
ኣለና። ብህይወት ስለ ዘሎ ከኣ ክምስክርን ክሕተትን ይኽእል እዩ። ጭብጥኻ ግን ጸለመን ጠቐነን እዩ።
3. ኣብ ስዊዝ ገንዘብ ከምዝሕውል እውን ጠቒስካ ኣለኻ። ናይ መን ገንዘብን መዓስን ከምዝሓወልኩ፡ ዋላ እውን ሓደ ሰብ ይኹን፡ " ወዲ-
4. ኣብ ስዊዘርላንድ ስለያዊ ስራሓት ከምዘካይድ እውን ገሊጽካ ኣለኻ። እቶም ዝሰለኹዎምን፡ ብስለያዊ ስርሐይ ዝተበደሉን ሰባት ወይ ጉጅለታት በዓል መን ይበሃሉ? ጭብጥኻ እንታይ እዩ?
5. " ንከምስል ንሬድዮ ኣሰና ወፈያ ይገብር ነይሩ።" እውን ኢልካ ኣለኻ። ከምቲ ዝበልካዮ ንኸምስል ዘይኮነ፡ ብንጹህ ልብን ሕልናን ክሕግዘካ ስለዝሓለንኩ፡ ከምዚ ሕጂ" ጸለሎ ጠቐነ ንኽቕባእ፡ ንነብሰይ ተጋግየ፡ ንሰባት ኣጋግየ። እንዳ ዘይእቱው እናኣተኹ "ንኣሰና ንሓግዝ" እንዳ በልኩ፡ ንኣስመራ ካብ ዝመላለሱ ሃገራውያን ከይተረፈ፡
በስማት እሱራትና እናጎልበብኩ፡ ንዓመታት ኣሻሓት ገንዘብ ልኢኸልካ። ከምቲ ዝጠቀንካኒ ሰላይ ህግደፍ እንተዝነብር: እቶም ንዓይ ኣሚኖም ብሕቡእ ዝድግፉኻ ዝነበሩ ንዓዲ ዝመላለሱ ሰባት: ኣብ ደልሃመት ምኣተዉ ነይሮም። ገለ ደኣ ተጸሊልካ ከይትኸውን እምበር: ብጥዕናኻ እንተኾይንካ፡ ብቕንዕና ካብ ዝደገፍኩዎን ንዓመታት
ካብ ዝሓብሓብኩዎን ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥልመትን ክሕደትን ክርኢ ናይ ብሓቂ ዘደንጹን ዘሰንብድን እዩ።
6. ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ዓመታት፡ ኣነን ከማይ ዝኣመሰሉን ብጾት፡ ንኽትሕገዝን ክትድገፍን ካብ ዝብል ሕልና ተበጊስና፡ ነብሶም ይምሓር ምስ ከም በዓል ወዲ ቫካሮን ኣባ ማሪኖን ካልኦትን ኣላሊናካ። ቀሊል ዘይኮነ ሓገዝን ደገፍን ከኣ ረኺብካ። ነቲ ሽዑ ብዙሕ እተመስግኖን እትውድሶን ዝነበርካ ሞያይ ክሒድካ ሕጂ ሰላይን ተጻባእን
ቀይርካኒ። ዝገርም’ዩ! መቸም ናይ ብሓቂ ሕልናን ጥዑይ አእሙሮን እንተልዩካ ንጽህናይ’ውን ስለ ትፈልጦ ከምዚ ኽትፈድየኒስ ብሓቂ ክትሓፍር ኢዩ ዝግብኣካ።
7." ወዲ ዑቕባልደት ከም ኣማኻሪ ተመሲሉ፡ ኣብ ብዙሓት ውድባት ይነጥፍ እዩ።" እውን ኢልካ ኣለኻ። በል ኣበየኖት ውድባት፡ ወይ ምስ ናየነይቲ ውድብ ሓላፊ እየ ተራኺበ። ንመነ መን'ከ እየ ክዓርቕ ፈቲነ? በጃኻ ጭብጢ ሒዝካ ቅረብ። ብገንዘብ ህዝቢ ዝወነንካያ ሜድያ መቕተሊትን መጥቂዒትን ንጹሃት ክትገብራ ናይ ብሓቂ ሃየንታ
ኢዩ።
8. እዋናዊ ሓበሬታ ደንበ ተቓውሞ፡ ካብ ቀንዲ ሓበሬታ ብምእካብ፡ ንደምበ ተቓውሞ ከምዝፍትሽ እውን ተዛሪብካ ኣለኻ። ኣብ’ዚኸ እንታይ ኢዩ ጭብጥኻ? ነየናይ ውድብ ወይ ነየናይ ምንቅስቃስ እየ በቲነዮ። ነዚኣ እውን ካባኻ መልሲ እጽበየላ።
9.ብዛዕባ ናጽነት ተኽለ እውን ጠቒስካ ኣለኻ። ምስ ናጽነት ፍልጠትና ኣብ ገድሊ ኢዩ። ናብዚ ዝነብረሉ ዓዲ ጋሻ ኮይነ ምስ መጻእኩ ድማ ሰብኣዮም ሰበይቶም ብጽቡቕ ተቐቢሎምኒ፤ ጽቡቕ ሕውነት ከኣ ኣሎና። ኣነ ንናጽነት ተኽለ ከም ሰላይት ኣይፈልጣን ኢየ። ዝኾነ ጭብጢ እውን የብለይን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደንበ ፖሊስ ዝበሃል
ምስ ተዛረበ ከም ሰበይ ሰሚዐ። ካልእ ግን ዝፈልጦ የብለይን። ብዛዕባ እቲ ግጉይ ሓበሬታ ይህበና ነይሩ ዝበልካዮ፡ እቲ ሓበሬታ ግጉይ ወይ ዘጠራጥር እንተ ነይሩ ክሳብ ዝረጋገጽ ጠጠው ዘይተብሎ፡ ወይ ዘይትነጽጎ፡ ስለምንታይ ትዝርግሖ? ንሕና፡ እቶም ሓበሬታ እንህበካ ሰባት፡ ከምቲ ንስኻ ንዓና ኣሚንካ እትቕበለና፡ ንሕና ድማ ነቶም ዝህቡና ኣሚናንዮም ንኸውን። ብኽፋእን ተንኮልን ግን ዘጋጊ ሓበሬታ ሂበካ ኣይፈልጥን እየ። ምኽንያቱ፡ ሕልናይ፡ መንፈሰይ፡ ኣረኣእያይ ከምኡ ስለዘይኮነ።
10. ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዓልቲ ቤተይ ብሕማም ተሰኒፋ ኣብ ሞትን ሕየትን ስለዝነበረት ካብ ዝኾነ ጉዳይ ተኣልየ እየ ነይረ። ንስኻ ግን ዋላ እውን ሳሕቲ ክድውለልካ እንከለኹ፡ ነዚ ሕጂ ገርካዮ ዘለኻ ነውሪ ትኣልም ስለ ዝነበርካ፡ ጨሪስካ ተሌፎን ዓጺኻኒ። ሞት በዓልቲ ቤተይ ምስ ኣጋጠመ እውን ንዓመታት ኢሂን-
ዘይተበሃሃልና፡ ብሰባት ከይተረፈ ልኢኸልካ ከብቅዕን ሞት በዓልቲ ቤተይ ፈሊጥካ እንከላኻ ግን ጽንዓት ይሃብካ’ውን ኣይበልካንን። ሞት ቀሊል ኣይኮነን፡ ሽዑ ምሕንጋድካ ከኣ ብጣዕሚ ገሪሙኒ።
11. በል ኣነ ንጹህ ሰብ ኢየ። ንስኻ ግን ክንዲ ጣፍ እውን ትኸውን ሓቂ ስለ ዘይብልካ፡ ሓቂ ከኣ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ስለእትወጽእ፡ መኔና ቫይረስ ምዃኑ ንምፍላጥሲ ምቕናይ ጥራይ። ስለዝኾነ ንዓይ ዋላ ሓንቲ ሸቀልቀል ዘብል የብለይን። ንስኻ ግን ቀባኢ ጸለሎ ምዃንካ ተቓላዕ ኢሉካ።
12. ኣብ ጽሑፍካ፡ " ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን ቀንዲ በጻሕቱ፡ ናይ ህግደፍ ሓለፍትን ደገፍትን ኢዮም ነይሮም" ኢልካ። እቲ ዝበልካዮ ሓሶት እዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝመጽኡኒ ሓለፍቲ ይኹኑ ደገፍቲ ህግደፍ ኣይነበሩን። ግን ዘይከማኻ መጺኦም፡ ጽንዓት ይሃብካ ኢሎም እንተ ዝወጽኡ እውን ልቦና ኢዩ ነይሩ። ንስኻ ግን ነቶም ጽንዓት ይሃብካ ዝበሉኒ ፈተውትን መቕርብን ንኸመስግንን ሓዘንና ከምዝዓጸና ንክገልጽን ንዘዳለኹዎ ናይ ምስጋና ጽሑፍ ኣብ ዌብሳይትካ ንኸይተውጽኣለይ ሓንጊድካ። ርእስኻ ክሳብ ክንድኡ ሰንኮፍ ምዃና ድማ ብጣዕሚ አሕፊሩኒ -
13. " እዚ ሓበረታ'ዚ ንክዝርግሖ ዘገደደኒ ከኣ እቶም ንዕኡ ኣሚኖም ካብኡ ሓበሬታ ዝወስዱ ኣገደስቲ ሰባትን መራሕቲ ደምበ ተቓውሞን ክጥንቀቑ ኢለ ኢየ።" ኢልካ ኣለኻ። ኣማኒኤል፡ ብርእይቶይ መላእ ተቓዋማይን ህዝብን ካባኻን ካብዛ ቦርድን ሳንሱርን ዘይብላ፡ ንዝደለየቶ ሰብ ከም ድላያ ትቅንጽል ዘላ መርበብ ሓበሬታኻ ኢዩ
ክጥንቀቕ ዘለዎ እምበር፡ ካብ ተኽልዝጊ ዑቕባልደትሲ ዘጠንቅቕ ምኽንያት የብሉን። መሳርሕትን መማኽርትን እንተዝህልዉኻ፡ ነዚ ነውራም ጽሑፍ'ዚ ከተቕርብ እንከለኻ ዓገብ ምበሉኻ ነይሮም።
መደምደምታ፡-
እቲ ናብዚ ህውታትያ ጸለመ ዘብጸሓካ ኢለ ዝግምቶ፡ ሓደ-
1. ሓደ ግዜ ንኤልሳ ጭሩም ብተሪር ቃላት ኣብ ዝደብደብካሉ እዋን፡ "ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ብጾት ነንሕድሕድካ ምጥቕቃዕ ጽቡቕ ኣይኮነን'ሞ እዚኣስ ነውሪ እያ።" ኢለ ብትሕትና ተዛሪበካ ነይረ። እታ ዘረባ ግን ኣይፈተኻያን።
2. ካልእ እዋን እውን፡ ተጋዳላይ ታደሰ ኪዳነ ኣብ ዝጽሕፎ ዝነበረ ተኸታታሊ ጽሑፍ፡ ብፍላይ ኣብታ ንኣውራጃ እትምልከት ምስ መለስካሉ፡ ብግርህና፡ እዚ ናይ ኣውራጃ ወዲ ኣውራጃ ነገር ናብ ዘይንደልዮ ነገር ከይመርሓና ስቕ'ዶ ኣይምሓሸን ብምባል፡ ስክፍታይ ገሊጸልካ ነይረ።
3. ንመድረኽ ዝነቅፍ ተሪር መግለጺ ምስ ኣውጻእካ እውን፡ "ሰብ በብዓቕሙ እንተ ተቓለሰ እንታይ ጸገም ኣለዎ፡ እዚ ሓድሕዳዊ ምጥቕቓዕሲ ኣይጽቡቕን እዩ።" ክብል ወስ ዘበልኩልካ ርእይቶ ቀሓር ገይራትልካ ከም ዝነበረት ተረዲኡኒ ነይሩ። ክሳብ ክንድኡ ከቢድ ገይረ ግን ኣይወሰድኩዎን።
4. ኣብ ሬድዮኻ ናይ መዘናግዒ መደብ ስለ ዘይነበረካ ንረድዮ ኤረና ብፍላይ ከኣ ንመደብ ሽኮሪናታት ዮናታን ሃብተ ግጥምታት ምልኣኸይን ምናልባት ዘድልየካ እንተኾይኑ ካብኡ ወሲድካ እንዶ ተጠቐም ምባለይ እውን ደስ ከም ዘይበለካ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ። ብዘይካ እዘን ብሰናይ ሓሳብ ዘቕረኩልካ፡ ግን ሽዑ እውን ዘይፈተኻየን ርእይቶ ካልእ ዝኾነ ይኹን ዘየሰማምዓና ወይ ዘሰሓሕበና ዝዝክሮ ነገር የብለይን። ግን ደሓን፡ እቲ ንጽህናይ ዝፈልጥ ምእንቲ ሕልንኡ ክምስክር እዩ።
ብዝተረፈ፡ እቶም በዚ ድቦላ ጠቐነ'ዚ ጉሂኹም ብተሌፎንን ብኣካልን ደሃየይ ዝገበርኩም ክቡራት ፈተውተይን መቓልስተይን ኣሓትን አሕዋትን፡ ብኣውርኡ ከኣ ስድራ-
ተኽልዝጊ ዑቕባልደት።
ምንጪ ፌስቡክ
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-