31/12/2015 16:30 PM

ናይ ሰላምን ዕርቂን መጸዋዕታ ናብ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት - ብፓስተር ጎይትኦም ገብረዮናስ

 A call for Peace and Reconciliation - to all Religious leaders. - Pastor Goitoum Ghebreyonas

 A call for Peace and Reconciliation - to all Religious leaders. By Pastor Goitoum

See Related/ ምስዚ ዝተኣሳሰር:-



30/12/2015 23:55 PM

Eritrean gospel singer Helen Berhane was tortured for her beliefs. Now she’s speaking up.

[ Religion News Service ]

Gospel singer Helen Berhane has found a new life in Europe after fleeing imprisonment in Eritrea, where she was locked in a shipping container and tortured for her religious beliefs. Religion News Service photo by Rosie Scammell ...Read more

See Related/ ምስዚ ዝተኣሳሰር:-



28/12/2015 12:34 AM

Eritrean Smerrr for Change Room1

ስመር ሩም ቁ 1 -  27 December 2015

ሰሚናር፡ ብ ኣቶ ስዩም ተስፋየ

Seminar: by Seyoum Tesfaye.

Mr. Seyoum Tesfay Seminar, on 27 Decembr 2015

See Related / ምስዚ ዝመሳሰል ሰሚናራት፡-  



27/12/2015 09:42 AM

ትኣኪቦም እምባኦም የፍርሱ ዝተባህለ ከምዚ ምስተረኽበ’ዩ!

ቀለታ ኪዳነ

[ erigazette.org ]

መድረኽ  ምምኽኻር   ንሃገራዊ ዘተ

መልእኽተይ ኩሉ ጊዜ ብመንገዲ ግሉጽ ማዕከናት ዜና ዘትሓላልፈሉ ምኽንያት ካልኦት ደቂ ሃገር እውን ክፈልጡዎን ርእይቶ እንተለዎም እውን ክውስኹሉ ስለዝደሊን ኢዩ። ኣቐዲመ ግን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንገለ ካብ ህዝቢ ዝሰማዕኩዎም ኮነ ንዓይ ንባዕለይ ዝርኣዩኒ  ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ነት ንዘቕረብኩዎም ሕቶታት ብረድዮ መድረኽ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ዶር. ኣሰፋው ተኸስተን፡ ኣቶ ማሕየዲን ሸንገብን ብሰሉስ ዕለት 22 ታሕሳስ 2015 ዝተዋህበ  ሰፊሕ መልሲ ንሕቶታተይ ጥራሕ ዘይኮነ ንዅሎም ዝቐረቡሎም ሕቶታት መሊሶም ኣለዉ። ንሕቶታት  ህዝቢ ተገዲስካ ምምላስን መግለጺ ምሃብን ከኣ ሓደ ካብቲ ብህዝቢ ከእምነካን ምስ ህዝቢ ከቀራርበካን ዝኽእል ምዕቡልን ስልጡንን ኣገባብ  ኣሰራርሓ ኢዩ። Read more



27/12/2015 09:42 AM

ብጎይታ መብጽዓ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ

ኣብዚ ዝሓለፈ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ብጎይታ መብጽዓ ዝተገብረ ቃለ­መሕትታት፡ ሓንቲ ካብተን ኣነ ዝዝክራ ዘገረመትኒ መብጽዓ፡ ንኤየርፖርት ዝምልከት'ያ። ሽዑ ተስፎም፡ 'ብዘይካ እዚ ዘሎ ናይ ኣስመራን ኣብ ኣጎልጉሎት ዘይወዓለ ናይ ባጽዕን ኤየርፖርት፡ ካልእ ሓሙሽተ፡ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኤርትራ ዘመናዊ መዓርፎ ነፈርቲ ክንሰርሕ ኢና!' ኢሉ ምንባሩ እዝክር።

     እንተኾነ ተስፎም፡ ነዛ ሳላ መግዛእቲ ዝተረኽበት፡ እንኮ ..Read more



23/12/2015 20:06 PM

ዝኽሪ መበል 10 ዓመት

ስውእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል

ብኣንቶንዮ ተስፋይ - 4 ታሕሳስ 2015


ጅግና ሓርበኛ ተጋዳላይ ስውእ ስዩም ዑቅባሚካኤል ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተበየነ ፈደራላዊ-ስርዓት-ኤርትራን ብኢደ ወነንኡ ዝጠሓሰ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴን፡ ብእዋኑ ንምቅዋምን፡ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ማዕርነትን ደሞክራስያን ኣብ ክሊ ነጻ ኤርትራን ህዝባን ክዓስል ካብ ዝነቕሑ፡ ኣብ እዋኑ ካብ ዝነበሩ መንእሰያት ሓደ'ዩ። ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ'ቲ ሓጺር ግዜ ተጋድሎኡ ዘጋጠሞ..Read more

Related/ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



23/12/2015 20:06 PM

ዜና ዕረፍቲ: ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ

[ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ]

ብሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ ሰኑይ 21 ታሕሳስ ከምዝዓርፉ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብዓሚቚ ሓዘን ይገልጽ። (ጋዜጣ ሓዳስ ኢርትራ 22 ታሕሳስ 2015) Read more

Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



23/12/2015 20:06 PM

ኤርትራ፡ ብስዑዲ ዓረብ ንዝምራሕ ተበግሶ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ከምትድግፍ ገሊጻ

[ VOA - Tigrinya]

ኤርትራ ንተበግሶ ስዑዲ ዓረብ አንጻር ሽበራ ብዘይ ዕቃበ ከምትድግፎን ምስኡ ንምትሕብባር ቅርብቲ ምኳናን ዘረጋግጽ መግለጺ ወጺኡ። Read more

See Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ዜና፡-



23/12/2015 02:16 AM

Closing the year

with a letter to my husband

by: Kiki Tzeggai

Birhin, I am down on my knees after almost 38 years begging you to come back. Our kids look at me and dread July 15th of each year because of the sadness I am left with.


How can I explain to our own kids and to strangers that after so many years I could not find anyone to understand me before I even try to explain the pain and the dreams inside me? Only you did. Read more



20/12/2015 06:20 AM

The daunting challenge of Saving the Eritrean State.

Eritreans for Facilitating National Dialogue (EFND), December 18, 2015

[ Assenna.com ኣሰና ]

A very basic indication of dictatorial rule is the absence of constitutional order that compels those in power to be accountable to citizens. In the absence of any legal restraint on their power dictatorial regimes generally tend to become self-serving, regardless of how popular their beginnings might have been. Self-serving dictatorial regimes, such as the one in Eritrea, increasingly become preoccupied with safeguarding their incumbency in power, especially if they encounter or perceive opposition to their rule. They deploy policy  ...Read more

See also Related:



18/12/2015 20:39 PM

ብወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን መሻርኽታን፡ እትምወል፡ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ከረን፡ 3000 ስንኩላን ተማሃሮ ኣሰልጢና።


እዛ ቤት ትምህርቲ፡ ብወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን መሻርኽታን፡ ኣብ 1955 ዝተመስረተት ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ 3000 ስንኩላን ተማሃሮ ከተሰልጥን ምኽኣላ ካብ ሰነዳት'ታ ቤት ትምህርቲ ብምውካስ ኤሪ-ቲቪ (16 Dec 2015) ሓቢራ። እዛ ኣብነታዊት ቤት-ትምህርቲ፡ ብዓቕማ ነዞም ኣሽሓት ጽጉማን ስንኩላን ዜጋታት ነብሶም ኪኢሎም ብቑዓት ዜጋታት ንክኾኑ እተበርክቶ ዘላ ተራ ኣዝዩ ዝነኣድ ኢዩ።

     ኣብ ኤርትራ፡ ማሕበራዊ ደገፍ ዘድልዮ ክፋል ሕብረተሰብና ይኹን ቁጽሪ ናይ ጸገማት ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። ተራ ሰብኣዊያን ናይ ረድኤት ትካላት፡ ኣብ ምፍታሕን ምቅላልን ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት፡ ዓቢይ ምንባሩ፡ ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮ ኤርትራ ዝተመስከረ ኢዩ። መንግስቲ፡ ነታ ሃገር ነብሳ ንምኽኣል ዝከኣሎ እናጸዓተ ከሎ፡ ነቲ ከረኻኽበሉ ዘይከኣለ ድማ ንማሕበራት ግብረሰናይ ባይታ ከርሕወለን ኢዩ ዝግባእ። እንተኾነ ግን፡ ህሉው ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኸምዚአን ዝኣመሰላ ትካላት ረድኤት፡ ኣብ ኤርትራ ከይነጥፋ ቀንዲ ዕንቅፋት ካብ ዝኸውን ልዕሊ 15 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ክረኽቦ ዝግብኦ ሰብኣዊ ደገፍ፡ ተሓሪሙዎ ይርከብ።  ስኒትና.ኮም



18/12/2015 20:39 PM

Daniel Teklehaimanot Voted African Cyclist of the Year ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናይ 2015 ብሉጽ ተቓዳዳማይ ብኽክለታ ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኮይኑ ተመሪጹ።

[ TesfaNews ]

By TesfaNews, The 27 years old, Team Dimension Data rider (formerly known as Team MTN-Qhubeka) Daniel Teklehaimanot from Eritrea was elected today Best African Cyclist of the Year 2015 by a jury made up of African and European sports leaders, coaches, managers, journalists and specialists, chaired by Bernard Hinault, the five-time winner of the Tour…Read more

ምስዚ ዝተኣሳሰር/Related:

 Radio Erena (18 Dec 2015 news)



14/12/2015 22:44 PM

ዋጋ መስዋእትና

ብ’ ሓውኹም መሲናስ

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ እቲ ካብ ገደና ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዓሰርተታት ኮናትል ሸዊት ዕፉን ዘሚቱ ዝወሰደ ባልዋ ናይ ከተማና ኣስመራ፡ ካብቲ ዝዘመቶ ሃብቲ ህዝቢ፡ ሓደ ኩንታል ዕፉን ሸይጡ ዝሸመተን፡ ዓመት ዘየገልግላ ሓጺነ መጺን ቻይና ብምምጻእ፡ ከም መርዓት መብጽዓ፡ ኣብ ጎደና  እናኣዞረ፡ 'ርሑስ ጋማ በሉለይ' ብምባል፡ ኣመሪቑ፡ ንህዝቢ ከም እንስሳ፡ ብቁንጣሮ ገለባ ኪጥብሮ ከም ዝፈተነ ተዓዚብናዮ ኣለና። እዚ ሕሱር ናይ…Read more



13/12/2015 19:02 PM

ታሪኽ ጀብሃን ሻዕብያን

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ

ድራር መንታይ - ቀዳማይ ክፋል

 [ Harnet.org ]

     ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘሕብን ስራሓቱን ቅያኡን ምእንቲ ድሕነት ሃገሩ ዝሰርሖ ታሪኽ ዘይርሳዕ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ነባርን ህያውን ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ዘሎናዮ ህሞት እናተወራረሰ ክመጽእ ዝጸንሐን ዘሎን ዝቕጽልን እዩ። ይኹን እምበር ኣብ መስርሕ ናይ ሓደ ታሪኽ ኩሉ ግዜ ብዘይመንቅብ ዝፍጸም እዩ ኢልካ ዝግመት ወይ ዝድምደም ኣይኮነን።

     ታሪኽ ብደቂ ሰባት ከም ዝስራሕ ኩልና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ከኣ...Read more  1ይ ክፋል:  2ይ ክፋል:



12/12/2015 20:55 PM

European Commission - Press release

EU announces support for poverty eradication in Eritrea. Brussels, 11 December 2015. ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ድኽነት ንምጥፋእ ዝውዕል ደገፍ፡ €200 ሚልዮን ኤውሮ፡ ንኤርትራ ክህብ ከምዝወስነ፡ ብ’11 ታሕሳስ 2015 ኣብ ብራስልስ ብዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

[ EUROPEAN COMMISSION ]

The European Union today has announced €200 million in new long term support to promote poverty reduction and socio-economic development in Eritrea through the 11th European Development Fund (EDF). Read more

Related News / ዝዛመድ ዜና:



13/12/2015 19:02 PM

25 Doctors Graduated from Orotta Medicine College in Asmara - Eritrea. 25 ዶክቶራት ኣብ ኮለጅ ጥዕና ኦሮታ ተመሪቖም።

[Eritrea-tv.net]




12/12/2015 01:17 AM

ጸብጻባት - ዋዕላ ናይሮቢ፡

ብመድርኽ ንሃገራዊ ዘተ (መድርኽ) ዝተጸውዐ፡

ዋዕላ ምምኽኻር ሃገራዊያን ውድባት ኤርትራ

(ናይሮቢ ኬንያ፡ 27 - 29 November 2015)

ካብ 27 - 29 ሕዳር 2015፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ፡ ብመድርኽ ንሃገራዊ ዘተ (መድርኽ) ተዓዲሙ ዝተጋብአ፡ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ኤርትራውያን ውድባት ነይሩ። ኣብዚ ዋዕላ’ዚ፡ 12 ውድባት ምስታፈን ካብ ጸብጻባት ናይቲ ዋዕላ ተፈሊጡ። ዕላማኡ ድማ ንምትሕብባር ቃልሲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኮይኑ፡ ንትሕዝቶን ውጽኢትን ናይቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሰፊሑ ንምፍላጥ፡

ኣብዚ ጠውቑ፡ Read more




07/12/2015 21:45 PM

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ብርቱዕ ናይ ውሕጅ ሓደጋ ወሪዱ፡ 6 ሰባት ሞይቶም። Heavy Floods in Sub Zone Foro – 6 Eritrean Died [Eritrea TV]

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ንልዕሊ 4 ሰዓታት ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ፡ ሓያል ናይ ውሕጅ ሓደጋ ወሪዱ፡ 6 ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 100 ኣባይቲ ዓንዩ፡ ብዙሓት ጥሪትን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬትን ተሃስዩ ኣሎ። እቲ ብ’ኤሪ-ቲቪ ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ብዙሕ ናይ ንብረት ጉድኣት እውን ወሪዱ ኣሎ።

ኣብ ከባቢና፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝገደደ፡ ናይ ባህሪያዊ ኩነታት ዝናብ ምዝንባል (ብ’ ኤልኒኖ ዝፍለጥ) ከጋጥም ምዃኑ ብዓለምለኻዊ ብኪኢላታት ይንገር ምህላዉን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎን ይፍለጥ። እዚ ምዝንባል ኩነታት ኣየር፡ ብመልክዕ ናይ ማይ ዕልቕልቕ ወይ ድማ ፍጹም ድርቂ፡ ክኽሰት ይኽእል። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሮ ብሚልዮናት ዝግመት ህዝቢ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ከምዘሎ ብወግዒ ሓቢሩ ኣሎ፡ ደገፍን ኣድህቦን ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ይረክብ ኣሎ። ኤርትራ’ውን ኣካል ናይዚ ዞባዚ ብምዃና፡ እቲ ተኽእሎ ናይ ባህሪያዊ ምዝንባል ከጋጥማ ተኽእሎ ኣሎ። እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ፡ ነዚ ዝእንፍት መጠንቀቕታ ወይ ጻውዒት ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣይቀረበን።



06/12/2015 21:54 PM

Rule by fear

The absence of law has extinguished all justice in this east African country, by Richard Poplak

[ Good Governance Africa  (GGA) ]

Eritrea is a paradox, a country that dips vertiginously from the mountains into the sea, from mellow temperate Asmara, the capital, to the scorching coastal port of Massawa. Read more



03/12/2015 00:44 AM

Assenna TV:

Dr Araya Debessay’s Message

መልእኽቲ ዶ/ር ኣርኣያ ደበሳይ








ምስዚ ዝተኣሳሰር/see Related፡-




03/12/2015 00:44 AM

ሰናይ ንቕሎ ንሓድነት!

ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓ/ብሪጣንያ)

03 December 2015

ክቡራት ኣንበብቲ!

     እዚ ቕንያት’ዚ፡ ናይ ብሩህ ተስፋ ቕንያት ኢዩ ነይሩ፡ ኢለ ክጅምር ከለኹ ባህ! ይብለኒ።  እዚ ዘበለኒ ኸኣ፡ ደሃይ ናይ ‘ንጋባእ!’ ደሃይ ናይ ‘ንስመር!’ ደሃይ ናይ ‘ንሳነ፡ ንከባበር!’ ዝብሉ ተበግሶታት ብኹሉ መኣዝናት ይቀላቐሉ ስለዘለዉ ኢዩ። ኩሉ ሰናይ ንቕሎ ስለዝኾነ ድማ፡ ናይ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ፡ ይዕበ ይንኣስ ዓቕሚ ክጽንበሮ ኣገዳሲ ምዃኑ ከስምረሉ ይደሊ። Read more



03/12/2015 00:44 AM

   ዓድ-ኣበይቶ!

ብ’ መሲናስ

     መበገሲ ጽሑፈይ፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ "ምስጢራዊት ካሜራ ወጋሕታ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ዓድ- ኣብየቶ" ብዚብል ኣርእስቲ፡ ብራድዮ ወጋሕታን መርበብ ሓበሬታ ሳሊናን ዝተመሓላለፈ፡ ካብ ስቅያት ህዝብና ብጭልፋ ዘርኢ፡ ተንቀሳቓሲ ስእሊ'ዩ። ብመጀምርያ ግን ነቶም ነዚ ዕውት ስርሒት ብምፍጻም፡ ነቲ ኣጸቢቕና እንፈልጦን ዘይንጠራጠረሉን ስቅያት ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘቃልዕ፡ ህያው ምስክር ብምቕራቦም፡ ልዑል ምስጋናን ኣድንቖትን ከቕርበሎም ፍቐዱለይ? የቐንየልና ጀጋኑ ዓዲ ኣብየቶ!…Read more




Copyright © www.snitna.com

Top

December 2015 - Archive