ፍልስፍና ኒኮሎ ማክያቬሊ፡ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እንክትግበር

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

20/07/2021 15:41 PM

ፍልስፍና ኒኮሎ ማክያቬሊ፡
ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እንክትግበር

ብ`ኣቶ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን)

ፍልስፍና ኒኮሎ ማክያቬሊ፡ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እንክትግበር

ፍልስፍና ኒኮሎ ማክያቬሊ፡ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እንክትግበር
ብ`ኣቶ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን) ገዲም ተጋዳላይን ናይ ሕጊ ምሁርን

ፈላስፋታት፡ ንናይ ደቂ ሰብ ህይወት ጽቡቕ ዝምነዩን ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ሕጒስ ናብራ ዘካይድሉ መንገዲ ዝሕብሩን እዮም። መብዛሕትኦም ብዛዕባ ስነ-ምግባር፡ ሕጊ፡ ማዕርነት፡ ናጽነት፡ ዕብየት፡ ሰላም፡ ፍትሒ,,, ወዘተ ይምህሩን ይመራመሩን። ካብ`ዚ ወጻኢ ከከም ኣጠማምተኦም ክፈላለዩ ከም ዝኽእሉ`ኳ እንተ ተኣምነ፡ ኣንጻር ናይ`ዚ ኣተሓሳስባ ከተንስኡ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ግን እትጽበዮ ነገር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ካብ ክፉእ ነገር ጽቡቕ ይመጽእ እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም`ሞ ሕማቕ ተግባር ክፍጸም ዝምህሩ ወይ ነቲ ክፉእ ነገር ኣሜን ኢልና ክንቅበሎ ዝጉስጉሱ ከም በዓል ቶማስ ማልቱስ ዝኣመሰሉ ኣይተሳእኑን።

ንሓደ ሓሳብ ፍልስፍና ዘብሎ፡ ካብ`ቲ ተራን ልሙድን ነገር ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ዝጥምትን ዝመራመርን ብምዃኑ፡ ኣብ`ቲ ምድብ ምእታዎም ስለ ዘይተረፈ ነቲ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ`ውን ፍልስፍና ክበሃል ክኢሉ ኣሎ።

ብስጊንጥራዊ ፖለቲካዊ ፍልስፍናኡ ዝተፈልጠ፡ ካብ 1469 ዓ/ም ክሳዕ 1527 ዓ/ም ዝነበረ ኢጣልያዊ ኒኮሎ ማክያቬሊ፡ እቲ ምርምሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ነቶም ዳጎንቱ ንኽጥቀምሉ እዩ ኣካይድዎ። ከም ዕላማ፡ ነታ ኣብ`ቲ ግዜ`ቲ ኣብ ዞባታት ተኸፋፊላ ዝነበረት ኢጣልያ፡ ከም በዓል ፈረንሳ ናብ ሓደ ግዝኣት ንምምጻእ`ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ጽቡቕ ነገር ብቕዱስ ኣተሓሳስባን ተግባርን ከምጸኦ ኣይተመራመረን። ናብ`ዚ ናይ ሰይጣናዊ ኣመለኻኽታ ዝመርሖ ቀንዲ ነገራት ከኣ፡ ጠገለ ዝሰኣነ ረብሓዊ ኣካይዳ ሹማምንትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዒቕ ኢልዎስ፡ እቲ ብልሽውና ናብ ህዝቢ ስለ ዝሰገረ እዩ።

ማክያቬሊ፡ ነቲ ብዂሉ ተቓቒሩ ብዛዕባ እዋናዊ ፍታሕ`ምበር ጒዳይ መሰረታዊ መዋጽኦ ክሓስብን ተበግሶ ክወስድን ዘይከኣለ ምስኪን ህዝቢ፣ ስኑፍ፡ ፈታው ነብሱ፡ ናይ ምውፋይ ሓሞት ዘይብሉ፡ ተበላጺ፡ ንለውጢ ዘይብጆ፡ ልሙስ፡ ሓማዪ,,, ኢሉ`ዩ ከም ሕሱም ዘሊፍዎ። ጽኑዕ ዘተኣማምን ሪፓብሊክ ንምምስራት ድማ፡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ መራሕትን ተመራሕትን ኣሊኻ ብሕጊ ዝጸንዐ ሓራድን ጎማድን ዝኾነ ሓያል ስርዓት ክትከል ኣለዎ ብምባል ደምደመ።

ንዂሉ ዘይዕግበታት ዝገትእ፡ ሕሜታን ምቊርምራማትን ዝዓብስ፡ ዘርኡ ይዂን ኣበርክትኡ እናጸብጸበ ኣሻፈረኝ ዝዓይነቱ ምዕጥጣያት ንዘርኢ፡ ክሳዱ ከም ዘድንን ዝገብር፡ ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ንተማእዛዝነቶምን እሺን ህራዮምን ብኣስግዳድ ዘረጋግጽ፡ እንታይ ዓይነት መራሒ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ዝሰኣሎ ንድፊ ከም`ዚ ዝስዕብ እዩ፥

1, መራሒ ንስነ-ምግባር ኪንዮው ሓጹር ክጒሕፎ ኣለዎ። ምኽንያቱ፥ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍኣሉ እዋን ካብ መራሒ ጽቡቕ ምጽባይ ኣየድልን። ክፉእ ህዝቢ`ዩ ክፉእ መራሒ ዝፈጥር። ነዚ ስነ ምግባር ዝጎደሎ ህዝቢ፡ ድሕነቱ ናይ ምሕላው ግዴታ ናይ`ቲ መራሒ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሓደ ኣማራጺ ሓይሊ ብምጥቃም ጭካነ ምርኣይ እዩ።

2, መራሒ ሃይማኖታዊ መንፈስን ቅድስናን ክህልዎ የብሉን። ንሃይማኖት ህዝቢ`ምበር መራሒ ክኽተሎ የብሉን። መራሒ ሃይማኖታዊ መንፈስ እንተ ኣርእዩ፡ ትሑት ክኸውን እዩ። ትሕትና ድማ ሰነፍ እዩ ዝገብር። መራሒ እንድሕሪ ድዂም ኮይኑ ከኣ፡ ግዳይ ናይ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ተቐናቐንቱ እዩ ዝኸውን። ስለዚ፥ ኣብ ክንዲ ሃይማኖተኛ ዝኸውን፡ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ዝጥቀመሉ ሰብ ክኸውን ዝበለጸ ምርጫ እዩ።

3, መራሒ ብዛዕባ ሕጋውነት ናይ ስልጣኑ ክጭነቕ የብሉን። ሕጋዊ መንግስቲ ዘድሊ ኣብ ምርግጋእ ዘለዎ ሃገር ጥራይ ኣዩ። ምርግጋእ እንተ ዘየልዩ፡ ሕጊ`ውን እንተሎ ግብራዊ ኣይከውንን እዩ። ንሕጊ ኣልቦ ዝኾነ ህዝቢ ብሕጊ ክትሰርዖ ኣይከኣልን እዩ። ብሓይሊ ጥራይ እዩ ሰጥ ለበጥ ዝብል። ልዕሊ ሕጊ፡ ሓይሊ ይጸንዕ። ክፉእ ህዝቢ፡ ናይ መንግስቲ መቕጻዕቲ ስለ ዝፈርህ፡ ብሓይሊ ትእዛዛት የኽብር። ስለ`ዚ፥ መራሒ ክፍቶ ዘይኮነ፡ ክፍራህ እቲ ዝበለጸ ስልቲ ናይ ምሕደራ እዩ። ናይ መንግስቲ ስልጣን ንምሓዝ፡ ሕጋዊ መንገዲ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ክትተኣማመን ይግባእ። ማክያያቬሊ ኣብዛ ጒዳይ እዚኣ ናይ መንግስቲ ስልጣንን ሕጋዊ ምትእስሳሮምን ግርም ከም ዝበተኾ የርኢ።

4, መራሒ ኣምሰሉን መታለልን ክኸውን ኣለዎ። ማክያቬሊ ኣብ ዘይተረጋገአ ፖለቲካዊ ሃዋሁው ተንኮለኛታት ጥራይ እዮም ዝዕወቱ ዝብል እምነት ኣለዎ። ተንኮል ንድሕነት ኣገዳሲ ብልሓት እዩ። ትንኩልና ማለት፡ ሓቀኛ እምነትካ ቀቢርካ ካልእ መሲልካ ምቕራብ እዩ። መራሒ ጥዑይ ክኸውን ዘይኮነ፡ ጥዑይ መሲሉ`ዩ ክረአ ዘለዎ። ንኣምሰሉ ባህርያቱ ህዝቢ ክዕዘቦ የብሉን፤ ምእንቲ ናይ ህዝቢ ደገፍ ክረክብ ብጹእ ኮይኑ`ዩ ክቐርብ ዘለዎ። ንፍትሒ፣ ማዕርነት፡ ንሰብኣውነትን ሓልዮትን ዝቖመ ክመስል ኣለዎ። ብተግባር ግን ኣንጻር ናይዚኦም`ዩ ክሰርሕ ዝግበኦ። ኣንጹሩ ኮይኖም ዝቃወምዎን ደገፍቱ ተመሲሎም ዝቐርብዎ ጸላእቱን ብዘይ ንሕስያን ርህራሀን ከጥፈኦም ኣለዎ። መራሒ፡ ከም ቶኽላ ቆርቦት በጊዕ ብምኽዳን ንኸጥቀዖም ዝደለ ለዋህ ተመሲሉ ከዘንገዖም፡ ናይ ምድንጋጽ ምልክት ከርእዮምን ድዂም ኮይኑ ክስመዖምን ኣለዎ። ፖለቲከኛ ማለት ጒርሒ እዩ፤ ሓንሳብ ኣብ መጻወድያ እንተ ኣቲኻ መዋጽኦ ስለ ዘየሎ፡ ከሎ ጌና ምጥንቃቕ እዩ ዘድሊ ይብል።

እዚ ናይ 15 ክፍለ ዘመን (Diabolical theory) ቀደም ሞይቱ ዝተቐብረ፡ ዓረሙ ጥራይ ኣብ ከብሕታት ቤተ-መዘክር ዘሎ፡ ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን እንታይ ኣልዓሎ ዝብል ሰማዒ ኣይሰኣንን ይኸውን። ከም ሓቂ`ውን ዘየብል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፥ ክልሰ-ሓሳብ ዲያብሎስ ምንባብ ማለት ሰይጣናዊ ምኽሪ ምዝርጋሕ ስለ ዘምስል። እንተ ዀነ ግን፡ `ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ` ኮይኑና፡ መበቈል ሰይጣናዊ ሓሳብ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክንፈልጥ፡ ኣብ ማህደር ጸላእቲ ሰናያት ኣቲና ከነናድዩ ስለ ዝተቐሰብና ኢና ክንፍትሾ ክኢልና።

ንኵነተ ኣእምሮ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምግላጽ ብዙሓት ነናቶም ትንታነ ሂቦምሉ እዮም። ኵሉ ዝእመንን ዝከሓድን ኣይኮነን፤ ግን ከኣ ነናቱ ሓቂ ኣለዎ። እቲ ፍልልይ፡ ጒዳይ ብሓደ ዓይኒ ጥራይ ምጥማትን ናይ መለክዒታት ኣመዛዝናን እዩ። እቲ ልኡኽ CIA ምዃኑ ከቃልዕ ክጫበጥ ዝደሊ ብሓደ ወገን፤ ዘርኢ ጸብጺቡ ናይ መንነት ቅሉውላው ዘለዎ ትግራዋይ እዩ ኢሉ ከእምን ዝደሊ ብካልእ ጥርዚ፤ እቲ ምስ ስነ-ኣእምሮን ውልቃዊ ባህርያትን ኣተኣሳሲሩ ስሱዕ፡ ቂመኛ፡ ተሃላላኻይ፡ መላኺ እዩ ዝብል ድማ ብካልእ ኲርናዕ ምስ እንወስዶ፤ ናይ ማክያቬሊ ፍልስፍና ድማ፡ ከም መርሓ ሕንጻጽ መተግበሪ ዕላማ ዝተጠቕመሉ ሜላ ጌርና ክንርእዮ ይድርኸና።

ኵነተ-ኣእምሮ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ከመይ ምዃኑ ብግቡእ ከም ዘይተፈተሸ ዘረደኣና ነጥቢ፡ በብዝመስለና ስለ እንገልጾን ኣብ ናይ ሓባር መደምደምታ ዘይምብጻሕናን ጥራይ ኣይኮነን። ብቐንዱ ሓንጎሉ ብዘይካ ቋንቋ፡ ካልእ ባዶ ምዃና ክንፈልጥ ዘይምኽኣልና ዓቢ ዕድል ሂብዎ እዩ። ጭካነ፥ ከም ጣዖት ክስገደልካ ምድላይ፡ ቂም፡ ሕሰዳ፡ ስሰዐ፡ ምጥርጣርን ምትንኳልን ብሓፈሻ፡ ማእከል ናይ ኵሉ ክፍኣት ክትከውን ምድላይ፡ ድንቊርና እዩ። ከምኡ ዘብለና ምኽንያት፥ ወዲ ሰብ ብንጽህናኡ እዩ ዝውለድ፡ ኣንጻር ናይ`ዚ ምዃድ፡ ምስ ሕልናኻ ምብኣስ ስለ ዝኾነ፡ ኢሳይያስ ብኣእምሮኡ ተገዚኡ ዘይከይድ ምስ ነፍሱ እናተባኣሰ ዝነብር ሰብ እዩ።

ስልጣን ብደናቊር ክተሓዝ ምርኣይ ብኢሳይያስ ኣይተጀመረን። ከም በዓል ኢዲኣሚን ይዂን ቦካሳ`ውን ካብኡ ብቊሩብ እዮም ዝሕሹ ነይሮም። ኣብ ናይ ኢሳይያስ ኲነታት እንተ ተመልከትና ግን፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ እናኸፍኦ ምኻዱን ከም ናቱ ዓይነት ሕማም ዘለዎም ሰዓብቲ ምርካቡን`ዩ ፍሉይነቱ። ዕድመ ስልጣኑ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ዘውርዶ ዕንወት ብእኡ ዓቐን ክዛይድ ክኢሉ ኣሎ።

ገለ ተመራመርቲ ናይ ስነ-ልቦና፡ ደንቆሮ ኣይኮነን፤ በሊሕን ጎራሕን እዩ፤ እቲ ጸገም ዓቕሙን ክእለቱን ንጽቡቕ ስለ ዘይሰርሓሉ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ካልኦት ድማ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕማም ኣለዎ፤ ጽባሕ ተሓሳሰብ ምስ ኮነ፡ ብናይ ኣእምሮ ሓካይም ናብ ሕጊ ክቐርብን ገበናዊ ሓላፍነት ክስከም ኣይክእልን እዩ ክበሃል እዩ። ሃገርና ኤርትራ ድማ ብናይ ስነ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎ መራሒ ትማሓደር ነይራ ክትበሃል እያ ዝብሉ ኣለዉ። እቲ መሰረታዊ ነገር፡ ብምባልን ዘይምባልን ዘይኮነ ሎሚ ነታ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ነንሓድሕዳ ከም እትባላዕ ካብ ገበራ፡ ጽባሕ`ከ ተራ መን`ዩ ዝብል እዩ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ብዘይካ ክፍኣትን ጥፍኣትን፡ ፍቕሪ ናይ ስድራቤት፡ መተዓብይትን መማህርትን፡ መሳልፍትን መጋድልትን፡ መሳርሕትን መማኽርትን፡ ኣዕሩኽትን መሳሕቕትን፡ ወዲ ዓድን ሃይማኖትን የብሉን። እዚ መሰረታዊ ናይ ሰብ ነገር ዘይብሉ፡ ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ክህልዎ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ። ልዕሊ ኵሉ፡ ኢሳይያስ ምስ ነፍሱ እናተባኣሰ ኣብ ጭንቀት ዝነብር ፍጡር እዩ። ብጽቡቕ ነገር ተሓጊሱ ክዘናጋዕ፡ ኣማሪጹ ክበልዕ፡ ክሰቲ ይዂን ከጋይጽ ርእየዮ ዝብል ሰብ`ውን የሎን። ከምኡ ዓይነት ባህርን ዝንባለን እንተ ዝነብሮ`ውን ፈታው ነብሱ ክንብሎ ምተገደድና። ደረቱ ዝሓለፈ ፍርህን ስግኣትን ከም ዘለዎ፡ ንጽላሎቱ`ውን ከም ዘይኣምን ግን፡ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ንነፍሱ ዘይኮነ ሰብ፡ ንዝኾነ ካልእ ከርብሕ ከም ዘይክእል ከኣ ንጹር እዩ። ብኸመይ ደኣ`ሞ ይነባበር ዝብል ሕቶ እዩ ድማ ናብ ናይ ማክያቬሊ ፍልስፍና ዝመልሰካ።

ክሳብ ክንደይ ነቲ ሰይጣናዊ ክልሰ-ሓሳብ ገጥ ኣቢሉ ብምሓዝ፡ ኪንዮኡ ሰጊሩ ይሰርሓሉ ምህላዉ ንምንጽጻር ምስቲ ሰይጣናዊ ፍልስፍና እናዛመድና ንርኣዩ፦

`መራሒ ንስነ-ምግባር ኪንዮው ሓጹር ክጒሕፎ ኣለዎ` ንዝብል ቀዳማይ መትከል ማክያቬሊ፥ ኢሳይያስ ነቲ ውርዙይ ስነ-ምግባር ህዝብና ኣብ እናዳ ጎሓፍ እዩ ኣእቲዉዎ። መርኣያኡ ድማ፥

- ንመኳንንቱን ሹመኛታቱን ኣብ ናይ ብዕልግና ዓዘቕቲ ክሽከሉ ብምትብባዕ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዝመሓደሩን ሰዓብቶምን ከም ጽቡቕ ሞዴል ክወስድዎ ክኢሎም፤

- ጒቦን ምጥፍፋእን፡ ነውርን ብሕጊ ዘሕትትን ምዃኑ ተሪፉ፡ ከም ግቡእ ብምውሳድ፡ ጒልባብካ ቀሊዕካ ብዘይ ሕብእብእ ንኽስረሓሉ ባይታ ኣጣጢሑ፤

- ንትምህርትን ማሕበራዊ ክብርታትን ህዝብና ባይታ ንምውራድ፡ ድንቊርና ብምስፍሕፋሕ፡ ሓድሽ ወለዶ ነፍሱ ከም ዘይተኣማመን ጌሩ ብምቕናይ፡ ናይ ተስፋ ምቊራጽ መንፈስ ብምስራጽ፡ ኣብ ሓሻሽነትን ነፍሰይ ይጥዓመኒ ባህርያትን ከም ዝወድቕ ጌርዎ፤

- ምጥቃም ኣወለፍቲ ነገራት፡ ዝምውናን ምቊማርን ከም መምዘኒ ምዕባለ (ዘመናውነት) ንኽጥመቱ ዘተባብዕ ኣሰራርሓ ብስዉር ብምትእትታው መንእሰያት ንምብልሻው ዝከኣሎ ይሰርሕ፤

- ኣብ ህዝብና ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማን ከም ዝፍጠር ብምግባር፡ ኣብ ዘመናት ዝተሃንጸ ውርዙይ ማሕበራዊ ክብርታትና ከም ዝዳኸም ጌርዎ፤

`መራሒ፡ ሃይማኖታዊ መንፈስን ቅድስናን ክህልዎ የብሉን` ንዝብል መትከል፥ ኢሳይያስ ቅድስናስ ይትረፍ ናይ ሃይማኖት እምነት የብሉን። ሕልፍን ትርፍን ጭካነኡ ዘነጽሩ ተግባራት ድማ፥

- ንህዝቢ ብሓለንጊ ጥሜት ዘሳቒ፡ ኣብ ማይ ዝኣተወ እኽሊ (ብሑቕ) ዝቈጻጸር፡ ገንዘብካ ከም ድሌትካ ንኸይትጥቀመሉ ዝኽልክል ትእዛዛት የመሓላልፍ፤

- ንመንእሰያት ደቂ`ተባዕትዮን ደቀ`ንስትዮን ናይ ትምህርቲ፡ መባእታዊ ናይ ናብራን ስራሕን መሰሎም ብምኽልካል፡ ኣብ መጠረሽታ ዘይብሉ ናይ ጊልያነት ኣገልግሎት ይቖርን፡ ኣብ መውጽእ ትሃኑ ዝዀነ ኲናት ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ይጠብስ፤

- ወለድን መጻምድትን ናይ ካብ ግዱድ ኣገልግሎት ዘምለጡ፡ ብጅምላ ኣብ ኮንተይነራት ኣሲሩ፡ ህይወቶም ክሳብ ዝሓልፍ ብምሕያር፡ ንህጻውንቲ ደቆም የዘኽትም፤

- መሰሎም ንዝሓተቱ ናይ ኲናት ስንኵላን ዝርሽን፡ ንመጋድልቱ ነበር ኣብ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ሙቐት ዘለዎ ብምእሳር፡ ተሳቕዮም ክሳብ ዝሞቱ ይጽበ፤ ሬሳታት ኣብ መሬት ዓዱ ንኸይቅበር ይኽልክል፤

- ሃገር ምልእቲ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምቕያር፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃገር ምውጻእን ምእታውን ይኽልክል፤

- ንልዕሊ 20 ዓመት ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ናይ ግብረ-ሰናይ ማእከል ጥዕናታት ብሞጻው፡ ንኢንፊዥን ተኺሎም ዝነበሩ ሕሙማት፡ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ከም ዝድርበዩ ይገብር፤

- ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተዋህበን ብሃብታማት ሃገራት ዝተመወለ መከላኸሊ covid-19 ኣብ ሃገር ከይኣቱ ብምእጋድ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ተጠቃምነት መሰሉ ነፊግዎ፤ ነዚ ተላጋቢ ሕማም ኣመሳሚሱ ዝኾነ ምንቅስቓስ ናይ ህዝብና ረጊጥዎ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ልዕሊ`ቲ ሕማም ከኸትሎ ዝኽእል ጒድኣት ንህዝብና ብምቅላዕ፡ ብዙሓት ነጋሪ ዘይብሎም ሽማግለታትን ህጻውንትን ብሰንንኪ ዓጸቦ ህይወቶም ሓሊፋ፤

- ናይ እምነት መሰል ይእግድ፡ ብስም “ጥሩፍነት” ሃለዋት ዜጋትት የጥፍእ፡ ኣብ ጒዳይ ሃይማኖት ኢዱ ብምእታው ንመራሕቲ ሃይማኖት ይሕይርን ይኣስርን፡ ሕጊ ቤተክርስትያን ጥሒሱ ንዕኡ ዘገልግልግልዎ ከኣ ይሸይም፤

- ብፍላይ ንሃይማኖት ኦርቶዶክስ መጋበርያኡ ንምግባርን ንዕድመ ስልጣኑ ከናውሑ ዝኽእሉ ኣመንቲ ዝመስሉ ካድራት ብምስላዂ ፍልልያት ይፈጥር፤

`መራሒ ብዛዕባ ሕጋውነት ናይ ስልጣኑ ክጭነቕ የብሉን` ንዝብል መሰረተ-ሓሳብ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ልዕሊ ሃንዳሲ ናይዚ ፍልስፍና ብምዃን ኣብ ግብሪ ይሰርሓሉ ምህላዉ ዘረጋግጽ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነታት፥

- ኢሳይያስ ብሕጊ ዘይኮነ ብኢደ ዋኒኑ`ዩ ኣብ ስልጣን ዘሎ፤ ኣግሂዱ ድማ “ነዓይ ኲንትራት ዝሃበኒ የሎን፡ ምርጫ ኣይግበርን እዩ፤ ምናልባት እንተ ተገብረ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት,,,ወዘተ” ክብል ምስ ወጻእተኛ ዝገበሮ ቃለ-ምልልሳት ብቓልዕ ነጊሩና እዩ፤

-ባይቶ ዘጽደቖ ቅዋም ካብ ምእዋጅ ሓንጊዱ ከብቅዕ፡ ህዝቢ ንሓዋሩ ኽቐብጽ ኣብ ወግዓዊ መንግስታዊ ቓለ-መጠይቕ “ቀደም ዝሞተ ቅዋም እዩ” ኢሉ ኣርዲኡና፤

- ስርዓት ኢሳይያስ፡ ፊን ዝበሎ ዝገብር፡ ንስሙ`ውን ባይቶ ዘይብሉ፡ ብባጀት ዘይመሓደር፡ ንስልጣን ኣብያተ ፍርዲ መንዚዑ ብዘይ ፍትሕን ፍርድን ዜጋታት ዘሳቒ፡ ሕግን ሕጋውነትን ረጊጹ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸመ፡ ኣብ ዓለምና መዳርግቲ ዘይብሉ ኣረሜን እዩ፤

- ኢሳይያስ ብባህሪኡ፡ ብዛዕባ ተሓታትነት ዝበሃል ፈጺሙ ዘይዓጦ፡ ንመላእ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከም ናይ ብሕቲ ንብረቱ ቈጺሩ ድላዩ ዝገብር፡ ብስቅያት ዜጋታት ዝፍሳህ እኲይ ፍጥረት እዩ፤

- ንዂሉ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ሃገርና ገቢቱ፡ ቃሕ ብዝበሎ መንገዲ ከይተሰከፈ ንጥፍኣት ህዝብናን ጎረባብትናን የውዕሎ፤

`መራሒ ኣምሰሉን መታለልን ክኸውን ኣለዎ` ንዝብል መርሆ ማክያቬሊ፡ ክሳብ`ዚ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምግባል ደረጃ ዝትርንዕ ብዝግባእ ተላቢስዎ እዩ፥

- ኣብ እዋን ገድልን ድሕሪ ናጽነትን፡ ከም ሜላ ዝሰርሓሉ፡ ኣብ መንጎ ብጾቱን መሳርሕቱን፡ ናይ ጽልእን ፍልልይን ስዉር እከይ ተግባራት ድሕሪ ምፍጻም፡ ተገልቢጡ ከም ዓራቕን ሓላዪ ኲሎምን ኮይኑ ይቐርብ፡ ብከም`ዚ ከኣ ልዕልነቱን ተቐባልነቱን የረጋግጽ፤

- ብዙሓት ናይ ቀረባ መቓልስቱ ዝነበሩ፡ ምኽንያት ናይ ሃለዋቶም ምጥፋእን ኲነታት መስዋእቶምን ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብብዙሕ ረቋሒታት ክትቅበሎም ኣጸጋምን ኣተሓታትን ኮይኑ ይርከብ፤

- “ዕድመ ንእስነትና ዘሕለፍናሉ ስዉኣትና ዝበጀናሉ ምኽንያት፥ ዲሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት ንምርግጋጽን ፍትሒ ንምንጋስን`ምበር ኛም ኛም ንዝብሉ ኣዛብእ ኣሕሊፍና ንምሃብ ኣይኮነን” ኢሉ ብምምዳር ህዝቢ የደናግር፤

- ሓላይ ህዝብን ሃገርን ክመስል፡ ኣንጻር ብልሽውና ኮይኑ ንኽረአ ብዙሕ መደናገሪታት ይጥቀም። ንኣብነት፥ ሰንደል ጫማን ሳርያን ክዳንን ለቢሱ ይገይሽ፡ ኣብ ቃለ መጠይቓት ይቐርብ፡ ምስ ህዝቢ ይራኸብ፡ ኣጋይሽ ይቕበል፤ ኣብ ገዝኡ ናይ ተራ ሰብ መነባብሮ ከም ዘሕልፍ ንኸርኢ ድራማታት ይሰርሕ፤ ኢንጅነር ከም ዝተሳእነ ኣብ ዲጋታት ይሰፍር፡ ብዛዕባ ስሙን ንጽህናኡን ወረ ዝነዝሑ ወይጦታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ደገን ብምቊጻር ንገርሀኛ የደናግር፤

- ቀደም ዝተሃንጸ ትሕተ ቅርጺ ክዓኑ ምእንቲ፡ ምጽጋን ከልኪሉ ከብቅዕ፡ ብስም “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ኣዋጅ ናይ ዳግመ ህንጻ ብምቅላሕ፡ ህዝባዊ ጠቅሚ ክህብ ዘይተራእየ፡ ዲጋታት ሃኒጸ ብምባል፡ ንሰማዕቲ የደናግር፤

- ንናይ መንእሰያት ሓንጎልን ጒልበትን ብምምካን፡ ንሃገሮም ራሕሪሖም ከም ዝኸዱ ይገብር፤ ጠንቂ ስደት መንእሰያትና እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ንሱ ግን ንኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን የላግብ፡ በዚ ሜላ`ዚ ንሰብኣዊ ሃብቲ ሃገርና ይብሕጒግን የጽንትን፤

- ዓመት መጽአ፡ ብመብጸዓታት ንህዝቢ ኣፉ ማይ ከም ዝመልእ እናገበረ፡ ብስም ተጻብኦ ኣመሪካን ወያነን እናመኻነየ፡ ብሕጽረት ሃለኽቲ ነገራት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እናሳቐየ ይነብር ኣሎ፤

- ብዛዕባ ናይ ኢሳይያስ ኣምሰሉነትን ምስሉይነትን ዝምልከት፡ ልዕሊ`ቲ መዋእሉ ምሉእ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸሞ ተውሰኦ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመት ንኣቢ ኣሕመድን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘታለሎ ይኸፍእ። “ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ኣቦሓጎይ ጎንደር ተቐቢሩ፡ ዓሰብ ክንመቕለኲም ኢና” እናበለ ኣብ`ቲ ዘይተፈወሰ ናይ ባሕሪ ሕማሞም ተሸጒጡ፡ ኣብ ጎድኑ ብምስላፍ ኣንጻር`ቲ ደመኛይ ዝብሎ ህውሓት ኣብ ሓድሕድ ኲናት ከም ዝኣትዉ ብምግባር፡ ብደም ከም ዘዕለቕልቊን ንሓዋሩ ህላውነት ኢትዮጲያ ከም ዘስግእን ጌሩ ንሓያላን ሃገራት ኣጣሪዒወን ይርክብ። ብሰሪ`ዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ እንልብም ከቢድ ጽልእን ዘይምትእምማንን ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘርኣዮ ናይ ሕጅን ቅድምን ተገላባጢ መርገጺ`ውን ንባህርያቱ ዘነጽር እዩ።

እምበኣርከስ፥ ሓላፍነት ክህልወካ፡ ኣዛዝን ኣናዛዝን ክትከውን ምድላይ ኣብ ኢሳይያስ ዝተጀመረ ኣይኮነን፤ ግን ከኣ ደረት ኣለዎ። ንሓደ ወገን እናዓመጽካ ነቲ ካልእ ከተፍቱ ሓለፋ ምሃብ ዝነብረ እዩ። `ዝኣመነ ብሴፍ ዝኸሓደ ብሴፍ` ንኵሉ ኣልሚምካ ምጽናት፡ ምዕናውን ምብራስን ግን ሰይጣናዊ ናይ ኣእምሮ ሕማም እዩ።

ንኲነተ-ኣእምሮ ኢሳይያስ ዝተማለአ ስነ-ፍልጠታዊ ትንታነ ክወሃቦ ሞያዊ ምርምር ዝሓትት ስራሕ እዩ። ነዚ ዕማም`ዚ ከሳልጡ ዝኽእሉ ብቊዓት ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓካይም ዜጋታት ኣብ ስደት ኣለዉና። ካብ ዝፍጽሞ ዘሎ ተግባር፡ ዘዘውትሮ ኣካይዳ፡ ዝዛረቦ ቃላትን ንቐጻሊ ክህሉ ዝደልዮ ዘሎ ጽንተት መበገሲ ጌሮም፡ ሓቀኛ ሕማሙ ክፈልጡ ዘጸግም ኣይመስልን። በዚ ምኽንያት፥ ሕሙምን ሓኪምን ብኣካል ምርኻብ ኣድላይነት የብሉን።

ኢሳያያስ ሕጂ ተሓኪሙ ዝሓዊ ፍጥረት ኣይኮነን። እንተ ወሓደ ግን፡ ነቶም ብሕማሙ ተለኺፎም ኣእምሮኦም ዓጽዮም ዝስዕብዎ ዘለዉ ከነናግፎም ይከኣል። ከም ተወሳኺ`ውን ሕማምካ ምፍላጥ ጥራይ ፍርቂ ፍወሳ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ኢሳይያስ ዘይንቡር ሕማም እንተ ፈሊጥና፡ ንሃገርናን ህዝብናን ከነናግፈሉ እንኽእል ቅኑዕን ከዓውተናን ዝኽእል መንገዲ ንቕይስ።

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን)
ከተማ ማንቸስተር ዓዲ`ንግሊዝ


Share with friends:


ፍልስፍና ኒኮሎ ማክያቬሊ፡ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እንክትግበር።
ጽሑፍ ብ`ኣቶ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን)፡ ገዲም ተጋዳላይን ናይ ሕጊ ምሁርን)


See also recent Articles by Redi Kifle - ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ’ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም)  (Snitna Archives):-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Niccolo Machiavelli - BBC Documentary 720p



Share with friends: