ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

25/05/2020 22:42 PM

ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ፡

ቁርቁስ ወሎዶታት።
ተርጓሚ--ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)፡
ለንደን፣ ግንቦት 24, 2020

Democracy in Africa
translated by Mr. Fessahaye Gebregiorgis, London 24 May 2020.

ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ፡

ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ፡
ቁርቁስ ወሎዶታት
ካብ "Economist-March 7, 2020" ዝተወስደ፡
ተርጓሚ-ገብረጊዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ)
COTONU, KHARTOUM AND LILONGUE

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሰልፊ መንእሰያት ኣንጻር ዝኣረጉ ጭቆንቲ ስርዓታት እናዛየደ ይመጽእ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ሓደ ንግሆ Comlan Hugues Sos-soukpe ኣብ ርእሲ ከተማ ቶጎ ( ሎመ) ትስእ ይብል`ሞ፡ ዶብ ሃገሩ ሰጊሩ ናብ በኒን ከደ። ቅድሚኡ`ውን ብወርሒ ግንቦት ከምኡ ሃዲሙ ነይሩ። ምኽንያቱ ከኣ ጸጥታ ህዝቢ ብምህዋኽ ተኸሲሱ ስለዝነበረ እዩ። እቲ ቀንዲ ገበኑ ግን ወተሃደራት ፕረዚደንት በኒን፡ Patrice Talon: ንሰላማውያን ሰልፈኛታት ብጥይት ብምህራሞም ስለዘቃልዐ እዩ።

እዚ ውዲ 33 ዓመት ከም ዝብሎ ቃልሲ ካብ ቤተሰቡ ከምዝወረሶ ይገልጽ። ኣቦኡ ን 3 ዓመት እናተሓብአ ይነብር ከም ዝነበረ ይገልጽ። 3 ኣኮታቱ ድማ ንዲክታቶር Mathieu Kerekou ተቓውሞ ስለዘርኣዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳⶔኖም። እዚ ዲክታቶር`ዚ ሓደ ካብቶም ንኣፍሪቃ ኣብ 70ታትን 80ታትን ዘሸገሩ እዩ ነይሩ። ቤተሰብ ኮፕላን ንብዝሓ-ሰልፋዊ ስርዓት ኣብ በኒን ዝተቓለሱ እዮም። እቲ ተመክሮኦም`ውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ክልሕም ክኢሉ። ንነብሱ ክገልጻ ከሎ `` ኣነ ውላድ ደሞክራሲ እየ`` ይብል።

ክሳብ ቀረባ እዋን በኒን (Benin) ነጻነት ዝዓምበለላ ሃገር ነይራ። ስርዓት Talon (ብ2016 ፕረዚደንት ዝተመርጸ ኣዚዩ ሃብታም ሰብ) 1. ፍርድቤታት ብናቱ ሰባት መልኦ 2. ንተቓወምቲ ፓርቲታት ካብ ምርጫ ኣገደ 3. ኢንተርነት ዓጸዎ 4. ጋዘጠኛታት ኣሰረ። Freedom House ዝበሃል ትካል ኣመሪካ ኩነታት ዲሞክራሲ ሃገራት ዓለም ክትንትን ከሎ ብደረጃ ሚእታዊት የቐምጥ`ሞ፡ በኒን ካብ 79% ናብ 66% ከምዝወረደ ይገልጽ።ካብ ነጻ ሃገር ናብ ከፊላዊ ነጻ ከምዝወረደ ይሕብር። በዚ ምኽንያት ድማ Sossoukpe ``ነጻነትና ከምዝሰኣና ሕጂ ተፈሊጡኒ`` ይብል።

ንሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ ተረኽቦ ጥራሕ ተመርኲስካ ተስፋኣ ክውሰን ኣይከኣልን። ብዓቢኡ ንሙሉእ ኣፍሪቃ እሞ`ኸኣ ሓደ ኣብነት ወሲድካ ክትግምግም ኣሸጋሪ እዩ። የግዳ ኣብ ኣፍሪቃ ከም Sossoukpe ዝኣመሰሉ ሰብ ሕልና ብዙሓት ኣለዉ። ኣብ ኣፍሪቃ ጠለብን ቀረብን ደሞክራሲ ክመጣጠን ኣይከኣለን። ንኣብነት ኣብ ከተማ ዝነብሩ መንእሰያት፣ ናይ ነጻነት ርእይቶ፣ ርትዓዊ ምርጫ፣ ግሉጽነት መራሕቲ ይጠልቡ ኣለዉ። Chris Fomunyoh ሓደ ኣባል ኣመሪካዊ ትካል National Democratic Institute ከምዝሕብሮ `` መንእሰያት ኣፍሪቃ ብሓደ ፓርቲ ዝምራሕ ስርዓት ይኹን ወትሃደራዊ ስርዓት ኣይደልዩን እዮም``። ብተወሳኺ ካብቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ክምዕብሉ እዮም ዝደልዩ።

ታሪኽ ኣፍሪቃ ድሕሪ መግዛእቲ ርኢኻ ግን እቲ መስርሕ ደሞክራሲ ቀሊል ጅማሮ ኣይኮነን። ከምእንፈልጦ ኤውሮፓውያን ገዛእቲ ብግቡእ ዝሰርሕ ደሞክራሲያዊ ትካላት ከይገደፉ እዮም ወጺኦም። ቀንዲ ዕላምኦም ቀልጢፍካ ካብተን ዝገዝእወን ሃገራት ምውጻእ ኮይኑ፡ ግን ከኣ ንግዳውን ዲፕሎማሲያውን ርክብ ከምዝቕጽል ከረጋግጹ ነይሩዎም። ኣብ መወዳእታ 70ታት ብዝሐ-ሰልፋዊ ደሞክራሲ ዝነበረን 3 ሃገራት ነይረን(sub-saharan africa: Botswana,Gambia,Mauritius). ኣብዚ ጊዜ`ዚ ልዕሊ 2/3 ካብተን ሃገራት ብወተሃደራዊ ስርዓት ክመሓደራ እንከለዋ፡ 40 ዝኾና ድማ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱወን።

ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብምልካዊ ስርዓታት ምምሕዳረን ፡ ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰ ሓደ ምኽንያት እዩ። ከምዝፍለጥ ኣፍሪቃ ልዕሊ 2000 ቋንቋታትን፡ 6000-10000 ፖሊቲካዊ ጉጅለታትን ኣለዋ። ኤውሮፓውያን ገዛእቲ ንዶባት ኣፍሪቃ ሃገራት ክሕንጽጹ እንከለዉ፡ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቅታት ከይረኣዩን ከየጽኑዑን እዮም ተግቢሮሞ። ክገዝኡ ከለዉ ኸኣ ሓይሊ ኣብ ርእሲ ምጥቃሞም ንባህላውያን ሹመኛታት ስልጣን ብምሃብ የካይድዎ ነይሮም። ስለዚ ድሕሪ ምውጻእ ገዛእቲ ዝመጹ ሓደስቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ድኹማት ሃገራት ተረኪቦም፡ ብጭቆናን ወገናዊ ኣካይዳን ከመሓድሩ ጀሚሮም።

እዞም ተረከብቲ ሃገር ዝቐለለ መገዲ ምሕደራ ኮይኑ ዝረኸብዎ ምኽታል እቲ ዝጸንሐ መግዛእታዊ ኣካይዳ እዩ። ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ንናይ ምዕራብ ደሞክራሲ ክነጽግዎ ጀመሩ። ንኣብነት Julius Nyere መራሒ ታንዛንያ ዝነበረ ``ብዝሐ-ሰልፋዊ ኣካይዳ ባህሊ ኣፍሪቃውያን ኣይኮነን፥ ብሓደ ሰልፊ ዝምርሓ ሃገራት ባህሊ ናይቲ ሃገር የንጸባርቓ`` ይብል ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ካልኦት መራሕቲ`ሞ ብድንቁርና ተመሪሖም ዲክታቶራት ኮይኖም። ንኣብነት ሓረድቲ ከም በዓል Jean-Bdel Bokassa(Central African Republic); Idi Amin(Uganda)፥ ዘመትቲ ሃብቲ ሃገር ከም በዓል- Mobutu(Congo), Sani Abacha(Nigeria): ህሩፋት ስልጣንን መን ከማይ በሃልትን-Kwame Nkrumah(Ghana); ሰብ ዘይኣምኑ ከም በዓል Daniel arap Moi(Kenya), Hastings Banda(Malawi)። ባንዳ እሞኸኣ 7 ዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ትካላት ነይሮሞ። ሕሉፍ ሓሊፉ ‘’ Ceclia’’ ዝብል ናይ Simon&Garfunkel ደርፊ ከይስማዕ ከልኪሉ ምኽንያቱ ሰበይቱ Cecilia Kadmazira ከይትቕየም ተባሂሉ።

ሶቭየት ሕብረት ምስ ተበነት፡ ኤኮኖሚ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ክወድቕ ክኢሉ። እዚ ድማ ተቓውሞ ኣኸተለሞ ገለ ብሞስኮ ዝድገፉ ዝነበሩ ዲክታቶራት ክወድቁ ከኣሉ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ምዕራባውያን ሓገዝ ወይ ልቓሕ ንምሃብ፡ ምርጫ ምክያድ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐመጡ። ክሳብ 1994፡ 35 ሃገራት ኣፍሪቃ(ሳብ ሳሃራ) ምርጫ ኣካይደን ነይረን። ክሳብ 2000 ድማ ምርጫ ዘየካየዳ ሃገራት 2 ነይረን-ኤርትራን ስዋዚላንድን። ገለ ምሁራት ነዚ 30 ዓመት ድሕሪ ነጻነት ካብ መግዛእቲ ``ካልኣይ ማዕበል`` መስርሕ ደሞክራሲ ኢሎም ይጠቕስዎ።

ዲክታቶራውያን ስርዓታት፡ ምስ ምሁራት ደቂ ብሄሮም ምትእስሳር ብምፍጣር እዮም ዝካየዱ። በዚኦም ዝምርሓ ሃገራት ``ሓለውቲ ማዕጾ`` ስም ተውሂቡወን፡ እቶም መራሕቲ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ይቆጻጸሩ፡ካብ ሰደድ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝርከብ ገንዘብ ይእክቡ፡ካብ ንግዲ ዝኣቱ ግብሪ`ውን ናብ ኢዶም እዩ። ናይ ጥረ ገንዘብ ምንጮም ኣብ ክንዲ ካብ ግብሪ እቶት ዝኸውን ኣብ ማዕድናትን ወጻእተኛታትን ስለዝምርኮስ፡ ሃብታም ወዲ ሃገር ክምዕብል ኣይግደሱን። ንህዝቦም ድማ ዝኾነ ጸብጻብ(ባጀት) ኣየቕርቡን። ነቲ ድኻ ወዲ ገጠር ከኣ ብቁሩብ ትኳቦን ብምፍርራሕን ይቆጻጸርዎ። ኣብ ክንዲ ብቕዓት ንተኣማንነት ቀዳምነት ይህቡ።

ሳንዱቓት ምርጫ ዓቕለን ይጸበን፥

ብዝሒ ዲክታቶራትን ወተሃደራዊ ዕልዋን ከምቲ ብጊዜ ዝሑል ኲናት ኣይኮነን። የግዳ ብዙሓት ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ መብዝሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምርጫዊ ዕብለላ ይሃልዩወን`ምበር እቲ ናይ ብሓቂ ደሞክራሲ የለን። ምርጫ ዋላ ብግዜኡ ይካየድ ቀጻሊ ምድንጋር የጋጥም`ዩ። ከም መግለጺ Freedom House ካብ 1990 ንደሓር 7 ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራሕ እየን ``ነጻ`` ክበሃላ ዝኽእላ።

ኣብ ደቡብን ምዕራብን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብተን ኣብ ምብራቕን ማእከልን ዘለዋ ዝያዳ ነጻነት ኣለወን። ቁሩባት ሃገራት ግን ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት መገዲ ነጻነት ሒዘን ይርከባ። ከም ኣብነት ንምውሳድ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መሪሕነት ካብ ዝመጽእ፡ ናይ ፖሊቲካ እሱራት ተፈቲሖምን ካልእ ለውጢታት ተኻይዱን። ከምኡ`ውን ዝሓለፈ ዓመት ሱዳናውያን ነቲ ብዙሕ ሰብ ዘህለቐ ዲክታቶር ዑመር በሺር ካብ ስልጣኑ ብሰላማዊ መንገዲ ኣልጊሶሞ። ኣብ ኣንጎላን ማውሪታንያን ሓደሽቲ ስርዓታት ምምሕያሽ ጀሚሮም። ይኹን`ምበር ሓፈሻዊ ጉዕዞ ኣፍሪቃ ተስፋ ዝህብ ኣይኮነን።

እዚ ኩነት`ዚ ብፍላይ ዝርአ፡ ኣብተን ብሩህ ተስፋ ዝነበረን ከም በኒንን(Benin) ዛምብያን (Zambia) ፕረዚደንታተን ኣብ 1991 ብምርጫ ካብ ስልጣን ምውራዶም እዩ። ኣብ ዛምብያ ፕረዚደንት Edward Lungu ንሳልሳይ ጊዜ ኣብ 2021 ክምረጽ ፈቲኑ። ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ታንዛንያ ፕረዚደንት ዝነበረ John Magufuli ኣባላት ፓርላማን ጋዘጠኛታትን ኣሲሩ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓጽዩ፡ ንተቓወምቲ ዝእግድ ሕግታት ኣውጺኡ፡ ንዝጠነሳ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቤት/ት ይሰጉግ ነይሩ።

እዚ ንሓፋሽ መተንፈሲ ምኽላእ ኣብ ካልኦት ኣፍሪቃ`ውን ይርአ አዩ። Afrobarometer ዝበሃል ኣፍሪቃዊ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ከምዘቕርቦ፡ ኣፍሪቃውያን ድላይካ ናይ ምዝራብ ዕድሎም ካብ 79% ኣብ 2008 ናብ 70% ኣብ 2018 ጎዲሉ ይርከብ። ካብ 2004 ክሳብ 2018 ፡12 ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘይመንግስታውያን ትካላት (NGOs) ዝዕንቅፍ ሕግታት ኣውጺአን። 6 ዝኾና`ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ይቀራረባ ኣለዋ። Reporters Without Borders ከምዝብልዎ 22 ካብ 48 ትሕቲ ሳሃራ ዛለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ንጋዘጠኛታት ምቹኣት ኣይኮናን። ንኣብነት ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ሶማል ተቐቲሎም፡ ኣብ ብሩንዲን ኮንጎን ንከይሰርሑ ተኣጊዶም፡ ኣብ ካመሩን፡ ላይበርያ፡ ታንዛንያን ካልኦት ሃገራትን ድማ ተኣሶሮም ይርከቡ።

ንተቛጻጻሪ ሓይሊ (Big Brother) ዝጠቕሞ ዘሎ ሓዲሽ ተልኖሎጂ ምዃኑ ይፍለጥ። ንኣብነት ቻይናዊ ኩባንያ ሁዋወይ ን ዩጋንዳን ዛምብያን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ስለላ ንኸካይድ ሓጊዝዎም ይርከብ። መንግስቲ ሩዋንዳ`ውን ካብ ጸላእቲ ዝብልዎም መልእኽቲ ይጠልፉ እዮም ይበሃል። ካብተን 21 ሃገራት ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢንተርነት ዝዓጸዋ 12 ካብ እፍሪቃ እየን።

ዓለምለኻዊ ሃዋህው ከኣ ንዲክታቶራት ምቹእ ኩነታት ፈጢሩሎም ይርከብ።ኣብ ኣፍሪቃ ን14 ዓመታት ምዕባለ ደሞክራሲ እናንቆልቆለ ክመጽእ ከሎ ጸረ- ደሞክራሲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ከኣ ምስ ዲክታቶራት ኣፍሪቃ ክዋስኡ ይደልዩ።

ቻይና ሓንቲ ካብቶም ቀንዲ ጸለውቲ ኮይና ኣላ። ዝያዳ ገንዘብ ተለቅሕን መሳርያ ንኣፍሪቃ ትሸይጥን። ንገዛእቲ ፓርቲታት ናይ ትምህርቲ ዕድል ትህብ። ንኣብነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ናሚብያ፡ታንዛንያ፡ ኢትዮጵያ ክጥቀሳ ይከኣል።

ሩስያ ከም ቻይና ሓያል ኣይትኹን`ምበር ዝያዳ ድፍረት ዝመልኦ ኣካይዳ ትኽተል። ኣተኩሮኣ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዘለወን ሃገራት እዩ። ካብ 2018 ጀሚራ ንፕረዚደንት Faustin-Archange Youadera ናይ ብሉል ሃብታምን ብጣዕሚ ብልሽውትን ሃገረ Central African Republic ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ትሰድድ ኣላ።

እዚ ስጉምቲ ቻይናን ሩስያን ኣብ ስቕታ ምዕራባውያን ዝተመስረተ እዩ። ንኣብነት ኣብ ትሕሳስ 2018 ዝተዋህበ ናይ ትራምፕ ``ስትራተጂ ኣፍሪቃ``መግለጺ ብዛዕባ ደሞክራሲ ፈጺሙ ኣይጠቐሰን። ቀዳምነት ትራምፕ ንጽልዋ ሩስያን ቻይናን ንምድኻም እዩ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ ኮንጎ ዝተኻየደ ምርጫ ብብዙሕ ድምጺ ንዝተሳዕረ ፕረሲደንት ፈሊክስ ብኣመሪካ ተቀባልነት ረኺቡ።

ዓለምለኻዊ ትካላት`ውን እንተኾና ድኻም የርእያ ነይረን። ንኣብነት ናይ ዓለም ባንክ ካብ ተቓወምቲ (ከም ኣብ ታንዛንያ) ሓይልታት ንፍንፉናት ስርዓታት ሓገዝ ጠጠው ከብሉ ምስዝሓቱ ኣይሰምዑን እዮም። The Southern African Development Community ዝበሃል ዞባዊ ጉጅለ ድማ ነቲ ብምትልላል ዝተኻየደ ምርጫታት ነቐፌታ ክህብ ኣይርአን። ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ECOWAS ዝተባህለ ዞባዊ ትካል፡ ቅድም ክብል ንደሞክራስን ጸረ-ብልሽውናን መርገጺ ነይሩዎ፡ ደሓር ግን ብፍላይ ድሕሪ ምርጫ muhammadu Buhari ኣብ ናይጀሪያ፡ ነቐፌታኡ ክስሕብ ጀሚሩ።

ወጻእተኛታት ብዛዕባ ደሞክራሲ ኣፍሪቃ ብዙሕ ኣይግድሾምን ይኸውን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ`ዚ ቅሳነት የለን። Afrobarometer ዝበሃል ትካል ኣብ 34 ሃገራት ኣፍሪቃ ብ2019 ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ 68% ካብ ኣፍሪቃውያን ደሞክራሲ ዝበለጸ ምሕደራ መንግስቲ ምዃኑ ይኣምኑ። ብተወሳኺ 78% ካብቶም ዝተሓተቱ ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓት ኣብ ክንዲ ውልቀ-ምልክነት ከምዝኣምኑ ይገልጹ። ምናልባሽ ካብ ኣፍሪቃውያን ብዝያዳ ኣመሪካውያን ብውልቀ-መላኺ ክምርሑ ይመርጹ ዝብል ግምታት ኣሎ። ንኣብነት World Values Survey ዝበሃል ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀክት ከምዝገልጾ፡24% ኣመሪካውያንን፡ 32% ዲግሪ ዘይብሎምን ምስ ተሓተቱ፡ ብዛዕባ ኮንግረስ ወይ ብዛዕባ ምርጫ ዘይግደስ ሓያል መራሒ ምህላው ከም ጽቡቕ ሓሳብ ይቕበልዎ።(ቅድሚ ትራምፕ ምምጽኡ እቲ ቁጽሪ ዝያዳ ነይሩ)

ምንም`ኳ ኣፍሪቃውያን ብርቱዕ ድልየት ደሞክራሲ እንተሃለዎም፡ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግን ብስጭት ኣለዎም። ኣብ መወዳእታ 90ታት ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ(Centre for the Future of Democracy-Cambridge Unuversity) ካብ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ርብዒ ዝኾና ብደሞክራሲ ቅሳነተን ይገልጻ። ኣብ 2010 ድማ ፍርቀን ከምኡ ስምዒት የሕዲረን።

እቲ ዘይምቅሳን ዝግለጽ ከኣ በቲ እናዛየደ ዝኸይድ ቁጽሪ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት እዩ። ንኣብነት ኣብ 2019 ዝነበረ ቁጽሪ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ ኣፍሪቃ 10,793 ኣቢሉ በጺሑ ነይሩ (Armed Conflict Location & Event Data Project). ኣብ 2009 ዝነበረ ቁጽሪ ግን 819 ይግመት። እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት መብዝሕትኡ ንመዓልታት ወይ ሰሙናት ይጽናሕ`ምበር፡ ኣብ ገለ ሃገራትስ ነዋርሕ እዩ ተኻይዱ (Malawi, Sudan, Togo and Guinea).

እቲ መንእሰያት ኣፍሪቃ ዝደልይዎን ኣብ ባይታ ዘሎ ደሞክራሲን ስለዘይመጣጠን ንፖሊቲካዊ ቃልሲ ወሳኒ ኮይኑ ይርከብ። ፖሊቲካ እንዳተለዋወጠ፡ ዝያዳ ተወዳዳርነትን ዘይትጽበዮ ውጽኢትን የርኢ ኣሎ። ከምቲ ጸብጻብ America’s National Intelligence Council ብ2018 ዝህቦ፡ ኣብ ሞንጎ መራሕትን ሓፋሽን ዘሎ ቃልሲ እናተረረ ክኸይድ እዩ።

መን ከም ዝዕወት በቲ ሚዛን ሓይልታት ኣብ ሓንቲ ሃገር እዩ ዝውሰን። ብሓደ ወገን ብምርጫ ዝመጹ ገበቲ ስልጣን ይህልዉ፡ በቲ ካልእ ድማ ነዚኦም ዝጻረሩ ከይድታት ኣለዉ።

ናይ ዕድመ ጉዳይ ድማ ተራ ኣለዎ። ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ብዙሓት እዮም። መብዝሕትኦም ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ዝተወልዱ ኮይኖም በንጻሩ መብዝሕትኦም ደቂ ኤውሮፓ ቅድሚ 1978 ዝተወልዱ እዮም። ብተወሳኺ መናእሰይ ኣፍሪቃ ብቕልጣፈ ከተመኛታት ክኾኑ ይርኣዩ። ካብተን 30 ኣብ ዓለምና እናዓበያ ዝኸዳ ዘለዋ ከተማታት 21 ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ። እዚ ኩነታት`ዚ ንናይ ዝኣረጋ ሰልፍታት እሞ ኸኣ ብዝሸምገሉ ሰባት ዝምርሓን ኣብ ዝኣረጉ ደቂ ገጠር ዝምርኮሳን ምቹእ ኣይኮነን። እዘን ዝኣረጋ ሰልፍታት ምስ መንእሰያት ኣፍሪቃ ዘለወን ዝምድና ድኹም ስለዝኾነ፡ ነበርቲ ከተማ ኣፍሪቃውያን ካብ ነበርቲ ገጠር ዝያዳ ተቓውሞ ከርእዩ ባህርያዊ ይኸውን። ምኽንያቱ ነበርቲ ገጠር ብዙሕ ትምህርቲ ዘይብሎም፡ሓበረታ ዝጎድሎም፡ብተወሳኺ ብቐሊሉ ክፈራርሑ ስለዝከኣል እዩ።

መንእሰያት ኣፍሪቃ ጊዜና እዩ ይበሉ`ምበር፡ ብዙሓት ስለዝውለዱ እቶም ናይ ስራሕ ዕድመ ዘለዎም ከም ኤሽያ ብዝሒ የብሎምን። ብተወሳኺ ኤኮኖሚ ኣፍሪቃ ንመንእሰያት እኹል ዕድል ኣይፈጥርን ዘሎ። እዚ ድማ ናብ ናዕቢ ገጹ ይምዕብል። ንኣብነት ዋላኳ ኣብ ዝቕጽል 5 ዓመታት ዕብየት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ 3.4% እንተተገመተ፡ ምስ ምውሳኽ ህዝቢ ክወዳደር ከሎ ትሑት ይኸውን።

እዚ ኩነታት`ዚ ነቶም 1 ሚልዮን ኣብ ወርሒ ዝግመቱ ደለይቲ ስራሕ ኣፍሪቃውያን ጽበቕ ዜና ኣይኮነን። ኣብ ዋሺንግቶን ዝመደበሩ Africa Growth Initiative ከምዝግምቶ ¼ ጥራሕ እዮም ምዱብ ስራሕ ዝረኽቡ። እቶም ዝተረፉ ኣብ ዘይስሩዕ ስራሕ እዩ ዕድሎም። ካብዞም ዳሕረዎት ከኣ እዮም ኣብ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝዋስኡ። ዓለም ባንክ ከም ዝሕብሮ ናይመንባብሮ ዕብየት ወዲ ሰብ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዓለም ዝተሓተ ኮይኑ ይርከብ።

ክፍለጥ ዘለዎ፡ ኣጋጣሚ ኣይኮነን ተቓውሞ ዝለዓለሉ ቦታታት ኣብቲ ሕማቕ መንባብሮ ህዝቢ ዘሎዎ ንኽኸውን ፡ገለ ፖለቲከኛታት ነዞም ዘይቅሱናት መንእሰያት ከለዓዕሉ ይርኣዩ እዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ Bobi Wine ዝተባህለ ዩጋንዳዊ እሞ ድማ ንነብሱ ፕረዚደንት ውጹዓት ዘጠመቀ፡ ኣንጻር ሙሰቨኒ ንዓመታ ምርጫ ክወዳደር መደብ ኣለዎ።

Lisa Mueller ዝተባህለት ናይ ፖሊቲካ ፈላጥ ከምእትብሎ፡ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብፖሊቲካዊ ነጻነት ዝደልዩ ማእከሎት ደርብን ኤኮኖምያዊ ጸገም ብዘለዎም ድኻታትን(መብዝሕትኡ መንእሰይ) እዩ ዝካየድ። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ፡ ምስ ወሰኽ ዋጋ ባኒን ኣንጻርነት ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ዝተደባለቐ እዩ ነይሩ።

ኣብ ማላዊ እንተኾነ`ውን ተመሳሳሊ ዓይነት ተሳትፎ ኣብ ሰልፍታት ተቓውሞ ተራእዩ እዩ። እዚ ድማ ብ2019 ወዲ 79 ዓመት Peter Mutharika እንደገና ንክምረጽ ዝተኻየደ ዘይፍትሓዊ መረጻ ንምቅዋም ዝነበረ እዩ። ( ወረቓቕቲ ምርጫ ብ Dollops of Tipp-Ex ጌርካ ይልወጥ ነይሩ)። ብዝተኻየደ ተቓውሞ ምኽንያት ኣብ የካቲት እቲ ሕገ-መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ዝበሃል ትካል እንደገና ምርጫ ክካየድ ኣዚዙ። እዚ ስጉምቲ`ዚ ካብቲ ናይ ከንያ ብ2017 ዝተኻየደ ኣብ ኣፍሪቃ ንኻልኣይ ጊዜ ዝተተግበረ ኣወንታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

ናይ ነጻነት ዓቢ መዓልቲ፥

ሓደ ናይ ሕጊ ሰብ ወዲ ማላዊ Danwood Chirwa ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል፡ ``ድሕሪ 26 ዓመታት ምውዳእ ስልጣን ባንዳ፡ ምናልባሽ ደሞክራሲና ተጀሚሩ ከበሃል ይከኣል``። መንእሰያት ግን ህጹጽ ነገራዊ ጠለብ ኣለዎም። ንኣብነት ሓደ ወዲ 23 ዓመት ስራሕ ኣልቦ ክዛረብ ከሎ፡ ``ተስፋ ይገብር መንግስቲ ክልወጥ`ሞ ንእሽቶ ናይ ንግዲ ትካል ከፊተ ክሰርሕ`` ይብል።

ገለገለ ተባዓት ፈራዶ ማላዊ ኣድላይነት ትካላት የቃልሑ እዮም። ሓያል ፍርዳዊ ኣካል፡ ፓርላማ ሓጋጊ ኣካልን ከምኦም ዝኣመሰሉ ትካላትን፡ ንደረት ኣልቦ ስልጣን ክቆጻጸሩ ይኽእሉ እዮም ኢሎም ይኣምኑ። ፖሊቲካዊ ጸቕጢ ደኣ ይሃልዎም`ምበር ብዙሓት ንዝደንፈዐ ደሞክራሲ ክቃለሱ ድሉዋት እዮም።

ኣፍሪቃውያን ሓገግቲ ኣካላት እንትርኢና ከም ኣገልገልቲ ናይቲ ዘሎ ስርዓት እዮም ዝውሰዱ።ይኹን`ምበር ብጀካ 7 ካብተን 47 ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ 1990 ገደብ ስልጣን መራሕቲ ክትግበር ክኢሉ እዩ።

ደሞክራሲያዊ ትካላት ንሓደ ገታር ዲክታቶር ኩሉ ጊዜ ክቆጻጸራ ኣይክእላን፡ ግን ከኣ ህዝቢ ጨቊንካ ስልጣንካ ከተናውሕ ምፍታን፡ ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፍል ርጉጽ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ ለውጢ ስርዓታት ብሰላማዊ መንገዲ እናወሰኸ ክኸይድ ዝርከብ። ካብ 2015 ንነጀው 29 ዘይጎነጻዊ ምስግጋር ስልጣን ተኻይዱ። ቅድሚኡ ዝነበረ 5 ዓመታት ግን እቲ ቁጽሪ 9 ነይሩ። ካብ 49 ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ካብ 2015 ጀሚሮም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ መራሕቲ 22 ተሪፎም ይርከቡ። እዚ ለውጢታት ዝመጽእ ኣብ ሞንጎ ምሁራትን ክኢላታትን(Elite) ብዝግበር ዋጋ ዕዳጋ ክኸውን ይኽእል። ን ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘምጽኦ ኣገባብ እዚ ምዃኑ ይእመን። ካብዚ ንመሃሮ እንትሃልዩ፡ ድፍኢት ምስ ዝህሉ ፖሊቲካዊ ስርዓት ለውጢ ክገብር ከምዝግደድ እዩ።

እዞም ሓይልታት ደሞክራስን ጸረ-ደሞክራስን ንሃገራት ኣፍሪቃ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከምዝጎዓዝ ክገብሩ ይኽእሉ።ከም ትጽቢት Nic Cheeseman(Birmingham University) ገለ ሃገራት-ከም ቦትስዋና፣ጋና፡ናሚብያ፡ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንፈት ደሞክራሲ ከርእያ ከለዋ፡ እተን ብመለኽቲ ዝመሓደራ ድማ ጭቆነአን ዝያዳ ከኽርራ ይረኣያ።

ከም በዓል በኒን ዝኣመሰላ ሰንኮፍ ደሞክራሲ ዘለወን ሃገራት ንሓዋሩ ዕድለን ርጉጽ ኣይኮነን።እንተኾነ Sossouke ብ ታሎን ዝተጀመረ ጨቋኒ ኣካይዳ ከም ጊዜያዊ አዩ ዝወስዶ። ከም ናይ ኣቦኡ መገዲ ከምዝኽተልን ቃልሱ ከም መብጽዓ ንደቁን ጌሩ ይወስዶ።

ብገብረግዮርጊስ ፍስሃየ(ጆርጅ)
ለንደን -- ግንቦት 24, 2020

Share with friends:


Other articles by Mr. Fessahaye Gebregiorgis ካልእ ጽሑፋት ብ`ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)


Eritrea: The Universal Declaration of Human Rights in Tigrinya

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: