ኤርትራውያን ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ክደናገጽ ግቡኡ እዩ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

28/05/2021 20:58 PM

ኤርትራውያን ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ክደናገጽ ግቡኡ እዩ

ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
By: Mr Ali Mohammed Saleh

Mr Ali Mohammed Saleh

ኤርትራውያን ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ክደናገጽ ግቡኡ እዩ
ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም፡ By: Mr Ali Mohammed Saleh Shum, علي محمد صالح شوم

ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ህዝቢ ፍልስጤምን ተውሊዑ ዘሎ ግጭት በቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ቦታታትን ኣብ ሓይ ኣልጃራሕ ዝብሃል ብሓይሊ ብሙስጋግ ቤርገስ ፍልስጤማውያን ካብ ገዛውቶም ዝጀመረ ኮይኑ፡ ፋሽሽታዊ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ዘይሙዕሩይ ኩናት ኣዊጁ ኩሉ ዕጥቁን ስንቁን ኣብዚ ኩናት ብምስላፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዓይንብለይ ኩናት የካይድ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉ ትሕቲ ቅርጽን ቆልዓ ሰበይትን ኣብ ምጽናት ተጸሚዱ ኣሎ። ህዝቢ ፍልስጤም በቲ ዉሑድ ዓቅሙን ተቃወምቲ ደቁን ኒሕ ትዓጢቁ ክሳብ ሕጂ ናይ ህላወ ጅግንነታዊ መስተንክር ብምስራሕ ነቲ ጎብለል እየ ዝብል ሰራዊት እስራኤል ከም ዘንሳሕብ ገይሩዎ ይርከብ።

ብዘይካዚ እቲ ወተሃደራዊ ተቃውሞ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ፍልስጤማውያን ነቲ እስራኤል ጎቢጣቶ ዘላ ከተማታት ፍልስጤም በቲ ብውሽጣዊ ዓቅማ ዘማዕበለቶ ሚሳይላት ብምድብዳብ ንሓይልታት እስራኤል ኣብ ዓዘቅቲ ሸሚማ ህዝቢ እስራኤል ኣንጻር መንግስቶም ድምጺ ብምስማዕ ነዚ ፍሹል ኩናት ደው ከብሉ ይጽውዕ ኣሎ፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ህዝብን ሰራዊትን እስራኤል ካብ ደብዳብ ፍልስጤማውያን ንምህዳም ኣብ ትሕቲ ምሬት ትሓቢኦም ሰላማዉ ናብራ ከይመርሑ እቲ ህውኽ መንግስቶም ብዝወሰዶ ዘይተጸንዐ ስጉምቲ ኮይኑ ዋጋ ናቱ ይኸፍሉ ምህላዎም ኣስሚሮምሉ። እንቲ ህዝቢ ፍልስጤም በቲ ዘለዎ ዉሑድ ንዋት ክሳብ ናይ መጨረሽታ ክቃለስ ሙኻኑ ዝበራሃሉ መንግስቲ ገዛኢ ሓይሊ እስራኤል ሰለማዊ መዕልቦ ክረክብ ይጋየይ ኣሎ።

ሃገራት ዓረብን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ከምቲ ዝድለ ነዚ ኩናት ደው ከብላ ዘይምጽዓረንን ገሊኤን ድማ ኣብ ጎድኒ እቲ ደመኛ ሰራዊት እስራኤል ደው ምባለን ዘደንጹ ኮይኑ፡ ተቃዋሚ ሓይልታት ፍልስጤምን ህዝባን ግን ኣብ ባይታ መስተንክራዊ ዓወታት ብምጭባጥ ነቲ ኩናት በቲ ዝደልዩዎ ኣገባብ ብምምራሕ በቲ ዝጥዕሞም መንገዲ ክዛዝሙዎ ሙኻኖም ተንተንቲ ይገልጹ። ብዘይካዚ እዚ ስዕረት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እስራኤል ኩለን ጋዘጣታት እስራኤል ክዛረባሉ ጀሚረን ኣለዋ፡ ሃኣረትስ እትባሃል ጋዜጣ እስራኤል ውድቀት ናይቲ ዝመርሕ ዘሎ ናታንያሁ ቀሪቡ ክትብል ኣስፊራቶ ትርከብ።

ማሕዝነት ሰውራ ፍልስጤምን ሰውራ ኤርትራን ካብ ሱሳታት ዝጀመረ ኮይኑ ኣዝዩ ሓያል ሕውነታዊ ምትእስሳር ዝሰረቱ ጸረ ገዛእቲ ሓይልታት ዝሕመረቱ ዕሙቅ ምሕዝነት እዩ። ኣብ ሱሳታትን ሰብዓታትን ስውእ ሓርበኛ ሳልሕ ሳበን መራሒ ሰውራ ፍልስጤም ዝነበረ ስዉእ ያስር ዓረፋትን ብዝነበሮም ዕሙቅ ምሕዝነት፡ ሳበ ከም ሞንጎኛ ኮይኑ ኣብ መንጎ ሰውራ ፍልስጤምን ሃገራት የዕራብን ምሕዝነቶም ኣብ ምሕያል ዓብይ ታራ ተጻዊቱ እዩ። ድሒሩ ድማ እቲ ምሕዝነት ኣዝዩ ብምትራር መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ቤት ጽሕፈታት መራሕቲ ሰውራ ፍልስጤም ብምጥቃም ንሰውራ ኤርትራ ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምውፋይ ኣበርክትኡ ገይሩ እዩ።

ብዘይካዚ ኣባላት ሰውራ ኤርትራ ንሰውራ ፍልስጤም ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣምታት ሓጊዙ፡ ኣብ ጆርዳንን ልብናንን ዝተገብረ ስርሒታት 1970 ኣብ ጎድኒ ፍልስጤማውያን ብምስላፍ ተሳቲፎም። ብዘይካዚ ሰራዊት ሓርነት ፍልስጤም ብግድ ኡ ኣብ ስርሒታት ኤርትራ ተሳቲፉ እዩ። ኣብ 1975 ኣብ ከበባ ኣስመራ ዝነበረሉ ግዜ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፍልስጤም ካብ መንግስቲ ሊብያ ዝተወፈየ መዳፍዕ ግራድ ኣብ ሰለስተ ነፈርቲ ዝተጻዕነ ወተሃደራዊ ንዋት ብመንገዲ ሱዳን ናብ ምሬት ኤርትራ ኣብ ምእታው ዓብይ እጃም ኣበርኪቶም። እዚ ወተሃደራዊ ንዋት ኣብቲ ናይ ኣስመራ ኩናት ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ ንሰራዊት ጸላኢ ሃንደበትነት ኮይኑዎ። ብዘይካዚ ሰራዊት ሓርነት ፍልስጤም ንኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊ ርክባትን ምጥቃም ራድዮ ሃለውን ስልትታቱን ኣሰልጢኖም። ብዘይካዚ መሪሕነት ፋታሕ ኣብ ምስልጣን ወተሃደራውያን ካድረታት ሰራዊት ኤርትራ ብገፊሕ ሰሪሑሉ እዩ።

ብዘካዚ ኣብቲ ብ 1971 ኣብ ዶማስቆስ ዝተኻየደ ጉባኤ ተ ሓ ኤ ኣባላት ሓርነት ፍልስጤም ተሳቲፎም፡ከም ብዓል መሓመድ ኣቡ ዓዛ ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ንጉዳይ ሰውራ ኤርትራ ብምስናድ ኣብ ጋዜጣታትን መጽሀታት ዓረብ ኣስፊሮሞ ንህዝብታት ዓረብን ዓለምናን ፍትሓውነት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ምልላይ ዓብይ እጃም ኣበርኪቶም። ሱታፈ ሰውራን ህዝብን ፍልስጤም ምስ ሰውራ ኤርትራ ኣብዚ ደው ከይበለ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ተ ሓ ኤ ተሳቲፎም ሞራላውን ንዋታውን ሓገዛቶም ኣበርኪቶም እዮም።

እዝን ካልእን ዘበርከተ ጅግና ህዝቢ ፍልስጤም ኣብዚ ንኽብርን ልኡላውነት ሃገሩ ዝገብሮ ዘሎ ገድሊባብ ጎድኑ ኮይና ድምጽና ክነስምዕን ኣብ ሰለማዊ ሰልፍታት ክንሳተፍን ጥንታዊ ሃገራዊ ባንደራና ኣልዒልና ከም ናይ ጽቡቅ መልሲ ኣብ ጎድኑ ደው ክንብል ግቡኣዊ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ እዩ።

ዓወት ንሓርበኛ ህዝቢ ፍልስጤም

ውድቀት ንገዛኢ ሓይሊ እስራኤል

ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
ሎንደን - 20/05/2021


Israeli Aggression and The Plight of the Palestinians



Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

"ተዘክሮታትን ታሪኽን - ኣብነታት ካብ ታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ" ሓዳስ መጽሓፍ ብ'ገዲም ሓርበኛ ዓሊ መሓመድ ሳልሕ፡
New Book launch, Reflections on the epic Eritrean liberation struggle, by Veteran Ali Mohammed Saleh  


You may also want to view /  ካልእ ከገድሰኩም ዝኽእል፡-
መልእኽትታት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ማሕበራትን ትካላትን፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: