Placeholder Picture
Placeholder Picture
ንሃገራዊ ዕርቂ ንበገስ።

24/05/2023 16:02 PM

ንሃገራዊ ዕርቂ
ንበገስ።

ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ንሃገራዊ ዕርቂ ንበገስ - ብዶር ተስፋይ ገብረመድህን

ንሃገራዊ ዕርቂ ንበገስ።
ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ኣብ ሰደት ዘለና ኤርትራውያን ደቂ ሃገር፡
ከምደቂ ተመን እንሆ ተበታቲና ንነብር፡
ባህልና እንዳጥፋእና እቲ ንኹላህና ዝጠምር፡
ኣቐዲምና ተሰማሚዕና ኣብ ሓደ ከይንሰምር፡
በብወገና ተኸፋፊልና ተረሓሒቕና ንዕንድር፡
ኣብቲ ዘፋላሊ ነድህብ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዘፋቕር፡
ኣብ ቤተ ክርስትያን ፖለቲካ ኣትዪ ክዘርግ ከዕገርግር፡
መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝገበርዎ ዘይንቡር ፍኽክር፡
ኣብ መላእ ደቂ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ወጥሪ ዝፈጥር፡
ጭንቀት ኣብ ምእመናን ልዋም ለይቲ ዘየሕድር፡
ንገሌና ተስፋ ዘቕርጽ ካብ ቤት ኣምላኽ ዘባርር፡
ኣብ ክንዲ ተጠርኒፍና ንሓድነት ንቃለስ ኩላህና ክንከብር፡
ኣብ በቤትና ተሓብእና ኣጉል ነጉረምርም ከንቱ ነማርር፡
ምክብባር ጠፊኡ ኣብ ሕብረተ ሰብና ዘነውር፡
ሕማቕ ታሪኽ ኣይነውረስ ንደቅና ዘሐፍር፡
መፍትሒ የድሊ ኩነታትና ሃለዋትና ዘቐይር፡
ንፍቕርን ሰላምን ንታዓጠቕ ኣየድልን ክርክር ይኹን ውድድር፡
ኣብ ሕድሕድና ምርድዳእ ጥራይ እዩ መንፈስና ዘባራብር፡
ናብ ልዑል ኣምላኽና ምጽላይ የድሊ ሐጢኣትና ክምሕር።

ሃየ ካብ ሰማያት ከይወረደ ነጎዳ በርቂ፡
ኩላህና ንበገስ ክንቃለስ ንሃገራዊ ዕርቂ፡
ኣኪብና ኣኻኺብና ብዘለና ሰለማዊ ዕጥቂ፡
ዕሽነት እዪ ሕጂ ክንመቓቐል ፍርቀ ፍርቂ፡
ወጊድ ንበሎ ንሓድነት ዝዘርግ ጸይቂ፡
ሰላም እምበር ኣየድልየናን ናይ ፖለቲካ ቆይቂ፡
ኣብ ሕድሕድና ምትፍናን ኣይኮነናን ስንቂ፡
ንጠንቀቕ ንሕንፍሽፍሽ ከይንኸውን ጠንቂ፡
ተኸቲልና ንኺድ መንገዲ ኣምላኽ ሓቂ፡
ሓድነት እንተኾነ ኣይርከብን ብገንዘብ ብወርቂ፡
ሓድነት ጥራይ አዩ ዘምጽኣልና መንፈሳዊ ጽድቂ፡
ካብ ሓድነት ዝበለጸ እንታይ ኣሎ ድንቂ።

ንሃገራዊ ዕርቂ ንበገስ ክንቃለስ ኩላህና ብሓበራ፡
ኣብ ክልቲኡ ሃገረ ስብከት ዘለና ንፍቕርን ሰላምን ንዛተ ሓደራ፡
ኩለን ቤተ ክርስትያናት መታን ኣብ ሓደ ክሰምራ፡
ሽዑ መዝሙር ሰላም ሓቢረን ክዝምራ፡
ምእመናን ክቀስኑ ኣብ መላእ ኤርትራ፡
ሰላም ክረክብ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ሃገራዊ ዜጋ ኣውራ፡
ሰላም መኽሰብ እምበር የብላን ክሳራ።


ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
24 ግንቦት 2023




See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:


You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: