ታሪኽ ህይወት፡ ትኩእ ይሕደጎ፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

14/07/2021 14:46 PM

ታሪኽ ህይወት፡ ትኩእ ይሕደጎ

ብ`እምነቱ ተስፋይ።

ትኩእ ይሕደጎ

ታሪኽ ህይወት፡ ትኩእ ይሕደጎ
ብ`እምነቱ ተስፋይ።

ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት፡ ኣደናቒን ዘሐብንን ታሪኽ ዘለዎም ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ነይሮማን ኣለዉዋን። ምስ ታሪኽ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ደቂ ሃገር ምልላይን ምፍላጦምን፡ ሓደ ኣካል ናይቲ ታሪኽናን ባህልናን ንምዕዛዝ እነካይዶ ስራሕ ኢዩ። እምበኣር፡ ኣብ ምምርማርን ምእካብን ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰነዳት ከይተሓለለ ዝጽዕር ዘሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ኣብ እዋን ቃልሲ ዕዙዝ ሃገራዊ ግቡኡ ኣያና እምነቱ ተስፋይ ኢዩ። ኣብቲ ንሱ ዘቖሞ ወብሳይት፡ (www.Emnetu.com) ብዙሕ መሃሪ ትሕዝቶ ሰፊሩ ኣሎ።

ሎሚ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ስራሓቱ፡ ኣቶ እምነቱ ተስፋይ፡ ታሪኽ ህይወት ናይ ሓርበኛ ስዉእ ትኩእ ይሕደጎ ሰኒዱ ብመጽሓፍ ቀሪቡልና ኣሎ። ስዉእ ትኩእ ይሕደጎ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (Eritrean Liberation Movement)፡ ማለት፡ (ሓራካ) ዝነበረ ኾይኑ፡ ካብቶም ብእዋኑ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፎም ሃገራዊ ግቡኦም ዝኸፈሉ ሓደ ኢዩ።

ታሪኽ ህይወት ትኩእ ይሕደጎ፡ ብእምነቱ ተስፋይ
ታሪኽ ህይወት ትኩእ ይሕደጎ

ትኩእ ብኣእምሮን ኣካልን ሓያል ሰብ ነይሩ። እዚ ይኹን'ምበር ዘይከም ዕድሚኡን ግዜኡን ኣዝዩ ትሑት ነይሩ። ሕያዋይ ነይሩ፣ እንተዀነ ድኹም ኣይነበረን። ተባዕ ነይሩ፣ እንተዀነ ተባኣሳይ ወይ መዕገርገሪ ኣይነበረን። ትሑት ነይሩ፣ እንተዀነ ሓፋር ኣይነበረን። ብዓል ርእሰ-ተኣማንነት ነይሩ፣ እንተዀነ ትዕቢተኛ ኣይነበረን። ትኩእ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝኣምን ሰብ ነይሩ፣ ንኻልኦት ናይ ምንእኣስ ባህሪ ግና ኣይነበሮን።

ብቐረባ ዝፈልጥዎ መማህርቱ ዝነበሩ ኸም ዝገልጽዎ፡ ትኩእ ዘይፍትሓዊ ነገር ክርእይ ከሎ ተጻዋርነቱ'ዩ ዘጥፍእ። ዓቕሊ ይስእንን ይቝጣዕን። ቍጥዓኡ ኸኣ ስጉምቲ ኽወስድ'ዩ ዝደፋፍኦ። ከም ውልቀ-ሰብ ለባም ዝነበረ ትኩእ፡ ዋላ'ውን ህዱእን ትሑትን ይንበር እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዘይፍትሓውነት፡ ዘይርትዓውነትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ክርእይ ከሎ ቐልጢፍካ ናይ ምቝጣዕ ባህሪ ነይርዎ።

ታሪኽ ህይወት ትኩእ ይሕደጎ፡ ብእምነቱ ተስፋይ
ታሪኽ ህይወት ትኩእ ይሕደጎ

ነዛ መጽሓፍ ብመንገዲ ኢንተርነት ንምዕዳግ፡ ኣብዚ ጠውቑ



Share with friends:


Mosaic Bahli: መደብ ድርሳን፡ መመረቅታ መጽሓፍ ትኩእ ይሕደጎ


See also Related::



Share with friends: