ብደለይቲ ፍትሒ ክምዝመዝ ዝግብኦ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ሃዋሁ ኣሎ።

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/10/2020 23:55 PM

ኣብዚ ጊዜ እዚ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን ሃዋሁው
ንረብሐ ደለይቲ ፍትሒ ይልወጥ ኣሎ።
ክምዝመዝ ዘለዎ ብደሆ እዩ።

ብ`ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ By Petros Tesfagiorgis

ብደለይቲ ፍትሒ ክምዝመዝ ዝግብኦ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ሃዋሁ ኣሎ
(Welcome Refugees)፡ ንዑቅበኛታት ክንቅበል ኣለና ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ 2016 ዝተኻየደ ልዕሊ 30,000 ዝርከብዎ ዓወታት ዝተረኽቦ ሰልፊ ኣብ ለንደን፡ ዩናይትድ ኪንግዶም

ኣብዚ ጊዜ እዚ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን ሃዋሁው ንረብሐ ደለይቲ ፍትሒ ይልወጥ ኣሎ። ክምዝመዝ ዘለዎ ብደሆ እዩ።
ብ`ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

እዚ ኣብ ዞባና ዝኸይድ ዘሎ ሐድሽ ምዕባለታት ንደለይቲ ፍትሒ ምቹእ ናይ ቃልሲ ማዕጾ ከፊቱ ይርከብ። ስለ ዝኾነ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ስራሕ መደባት (action plan) ተሊሞም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ጊዚኡ ሕጂ እዩ። እዚ ጊዜ ኣብ ወጻኢ ዘለና ደለይቲ ፍትሒ ምስቶም ምስ ውጹዕ ህዝቢ ኤሪትራ ዝደናገጹ ባእታታት ምስራሕ ወይ ካብኦም ዘድሊየና ሐገዝ ምሕታት ማዕጾ ተኸፊቱልና እዩ። እዚ ማዕጾ ክንጥቀመላ ዲና ? ዝብል ሕቶ ግን ኣሎ።

እዚ ተጋሂዱ ዘሎ ሐዲሽ ለውጥታት ንምብራህ ሐደ ሐደ ሱር በተኽ ዝኾነ ውሳነታት ምጥ ቃስ ኣድላይ እዩ።

1. ብ 25 ሰነ 2020 ኣብ ፓርላማ ጀርመን ብዛዕባ ኤርትራ ዝተኻይደ ኮንፍፈረንስ። እዚ ኣኬባ ብዛዕባ ኤርትራ ዕሙቅ ዝበለ ፍልጠት ዘለዎም ኣቅረብቲ ዘኤንገደ ኮንፈረንስ ነይሩ። ንሳቶም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ረኢቶኦም ኣቅሪቦም። ኩሉ መዳያት ግፍዒ ስርዓት ኢሳይስ ገምጊሞም ሐደ ሱር በተኽ ዝኾነ መደምደምታ በጺሖም። ንሱ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ምግሃስ መሰል ኤሪትራውያን ጠጠው ከብል ፍጺሙ ኣይደልን እዩ። ድሕሪ ደጊም ጠጠው ከብሎ እዩ ኢላካ ምሕሳብ ነበስኻ ምትላል ጥራሕ እዩ። ድሕሪ ብዙሕ ምክታዕ እቲ ውጹዕ ሕዝቢ ክሕገዝ እንተ ኮይኑ ምስተን ናይ ዲሞክራሲ ምንቅስቃሳት (ደለይቲ ፍትሒ ) ምትሕብባር ክግበር ኣለዎ ኢሉ ኣኼብኡ ዛዚሙ። ኣብዚ 60 ሰባት ካብ 10 ዓድታት ተካፊሎም ነይሮም። ካብኣቶም ኣባላት ዝተፈላለያ ናይ ጀርመን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይርከብዎም። ኣባላት ናይ ሰለስቲ ናይ ደለይቲ ፈትሒ ኤሪትራውያን ማሕበራት እውን ተኻፊሎም። ኣቶ ሙሉብርሃን ተመልሶ ካብ ማሕበር ምግሃስ መሰል ሰብ ኣብ ኤሪትራ፣ ነይዘርላንድ (Foundation of Human Rights for Eritreans (The Netherlands) እዛ ማሕበር እዚኣ ንኤሮጳዊ ሕብረት ኣብ ፍርዲ ቤት ዝኸሰሰት እያ። ካልኣይ ዶክተር ዓወት ከሰተን ተመልሶ ገብረየሱስ ካብ ማሕበር ኤሪትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ሃገር ጀርመን፥ (the Eritrean Associations for Democracy) ሳልሳይ ከኣ ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ ኣባል ኤሪትራ ፎካስ - ዩናይትድ ኪንግዶም። ። እዚ ሱር በተኽ ውሳኔ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጽልዋ የሕዲሩን የሕድርን ኣሎ። እዘን 3 ማሕበራት ኣብ ስርሔን ክተሓባብራ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

2. ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ብዕለት 30 ሰነ 2020 መበል 44 ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ እውን እታ ንሽላ ዝተከኤት ናይ ሕቡራት መንግስታት ፍልይቲ መዝጋቢት ሰብኣዊ መሰል ግህሰታት ኣብ ኤርትራ (special Rapportaire) ዳኒኤላ ክራቨትስ “ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ከምዘይተገብረ” ኣብሪሃ ። ብዙሓት ወከልቲ ሃገራት እናተንስኡ ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ኣስሚሮምሉ። ጭቆና ይቅጽል ስለ ዘሎ ዳኒኤላ ክራቨትስ ንሓደ ዓመት - ስርሐ ክትቅጽል ብብዝሒ ድምጺ ወሲኖም። እዚ ግን ኡኹል ኣይኮነን። ዳኒኤላ ክራቨትስ - ኤርትራ ከይትኣቱ ተኸልኪላ ክነሳ ካብ ሕቡራት መንግስታት ንመንግስቲ ኤሪትራ ዝበጽሖ ስምዕታ ይኹን ኩነኔ ኣይነበረን። ኢሪትራ እንተዘይኣትያ ዝተዋህባ ሐላፍነት ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኣይትኽእልን እያ። እዚ ኣሽካዕላልን ንዕቀትን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራን እዩ። እዚን ወዲ ከምዝን ንሕልና ዳኔኤላ ዝተንከፈ ክኸውን ይኽእል እዩ ብፍቃዳ ካብ መዝነታ ከትወርድ ዘገደዳ። ዳኒኤላ ኣብ ኤርትራ ከይዳ ቤት ማእሰርቲ ከይ በጽሔት ምስ ወልቀ ሰባት ከይተዛረበት ዓይኒ ምስክር ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። እቲ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆና ግን ኣብ ደገ ኮይና ትከታተሎ ኣላ። ኣብ ክንደኣ ሱዳናዊ መሐመድ ዓብደልሰላም ባቢኬር ተመሪጹ ኣሎ። ከም ዳኔኤላ - ናብ ኤሪትራ ምእታው ኣይፍቀደሉን እዩ። ንሕቡራት መንግስታት ግን ንህዝቢ ዓለም ንድሕነት ህዝቢ ኤሪትራ ንሰርሕ ኣለና ዝበል ጉልባብ ኮይንዎም ኣሎ። ነዚን ወዲ ከምዝን ከኣ እዩ እቲ ኣብ ዲስፖራ ዘሎ ደላይ ፈትሒ ዓው ዓው ክብለሉ ዝነበሮ።

3. ጀርመን እታ ፈላሚት ንመንግስቲ ኤሪትራ ሐገዝ ዘቋረጸት ሃገር እያ። ድሕሪ ናጽነት ጀርመን ካብቶም መጀመርያ ኣብ ምሕዋይ ቑጠባ ኤርትራ ዝተዋሰኤት እያ። ዝኾነ ኣብ ጀርመን ዝነበር ሰብ ሞያ ኤርትራዊ ክሕግዝ ኣብ ዓዲ እንተ ክኣቱ መዲቡ ናይ 2 ዓመት ከምቲ ኣብ ጀርመን ዝረኽቦ ዝነበረ ዶሞዝ ክትገብረሉ ወሲና። ናይ ባዕላቶም ትካል ዘቁሙ ከኣ ክሳብ 2 ሚልዮን ብር ከተለቅሕ ። ነዚ ተካይድ ኡሺ ኤይድ ዝተባህለት ሐያል ደጋፊት ነጻነት ኤርትራ ኣባል ፓርላም ናይ ጀርመን ዝነበረት እያ- ንክልተ ዓመት ከኣ ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ነይሩዋ። ኣብ 1987 ካልኣይን ሐድነትን ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ተኻፊላ ኢያ። እዚ ኩሉ እናትገብረ ግን ድሕሪ ነጻነት ደገፍትናን መወልትናን ዋጋ ኣይተዋህቦምን። ኣብ ክንድኡ ዕንቅፋታት የውርዱሎም ነይሮም። ሲዒቡ ናይ ጀርመን ግብረ ሰናይ ኣብ ኤሪትራ ምስተን ናይ ካልኦት ዓድታት ገበርቲ ሰናያት ካብ ኤሪትራ ተሓግሒጎም ተሰጒጎም እዮም። ሐደ ነገር ግን ኣሎ ጀርመን ጠባይ ናይዚ ስርዓት ኣቀዲሞም ስለ ዝፈለጥዎ ጭቆና ጠጠው ከብል ዝኽእል ስርዓት ኣይኮነን ኢሎም ሐገዞም ቕድሚ ኩሉ ጠጠው ዘበልዎ።

4. መንግስቲ ኣመሪካ ሐገዛ ጠጠው ከምዘበለቶ ኣዊኛ። መንግስቲ ኤርትራ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ምጥሓስ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደታኛታት ኢዳ ከም ዘእተወት እውን ሓደ ካብቲ ምኽንያት እዩ። ፕረሲደንት ትራምፕ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ሽልማት ዝረኸበ- ናተይ ጻዕሪ እዩ ይብል ነይሩ። ኢሳያስ ግን ሰላም ምስ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብ ክንዲ ዝገብር ናይ ጽልእን ናይ ጎንጽን ነቢይ ኮይኑ ነቲ ሰላም ስለ ዝዘረጎ ተወሳኺ ምኽንያት መነጸሊኡ ክኸውን ይኽእል እዩ።

5. ሚካኤል ሩቢን ዝተባህለ ኣመሪካዊ ንሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኣቤቱታ ኣቅሪቡ “ሰብ ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኢሪትራውያን ነቲ ኢሳያስ የዕኒዩዎን ኣዳኺምዎን ዘሎ መንግስታዊ ትካላት ክነድቅዎ ሰበስልጣን ኣመሪካ ክትተሓባበርውም ኣለኩም ይብል”እዚ ንኣምባሳዶር ኮሄን ቁጹር ናይ መንግስቲ ኤርትራ ተጣባቂ (lobbist) ኣብ ኮንግረስ ዋጋ ከም ዘይብሉ ገይሩዎ ኣሎ ማለት እዩ።

6. ኣስካሕካሒ ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ። ጓል ሀገረ ፓላንድ ናይ ድራማ ጸሓፌት ካሲያ ግሎዊካ ኣብ ሐቂ ታሪኽ ዝተመስረተ ናይ ራድዮ ተዋስኦ (ድራማ) ኣዳሊያ - ነቲ ዘይሰብኣዊ ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ዚንታን ዝበሃል ሰፈር ስደተኛታት ኣብ ሀገረ ሊብያ ኣቃሊሓቶ ። እታ ተዋስኦ “ ሊልያን” ትበሃል። ኣብ ዓቢ ፈስቲቫልን ኣብ ኣብ 2 ራድዮ ጣብያታት ፖላንድ ተሰሚዓ። እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ስደተኛታት እቲ ዝኸፋኤ ንዓለም ሕብረተሰብ ዘሕፈር ኮይኑ ዘሎ ብድራማ ገሊጻቶ። እቲ ድራማ ብዕላል ኣብ መንጎ እታ ተዋሳኢት - ካሲያን ኣብ ዚታን ሊብያ ዘሎ ግዳይ ተስፋይ ዝብሃል ኢሪትራውን እዩ ተኽይዱ። ካሲያ ኣብ ኣብተን ክልተ ናይ ብሕቲ ረድዮታት ስልማት ረኺባትሉ እያ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ሳላ ተክነሎጂ እዩ። ብባህልን - ብራሕቂ ቦታን ክራኸቡ ዘይኩእሉ ተስፋይን ካስያን ብመራኸቢ ብዙሐን ተራኺቦም። እሞ ስቃይ ኤሪትራውያን ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ዘይትጽበዮ ሃገራት ምድንጋጽ ይገድፍ ኣሎ።

7. ኢድ ምትእታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሳዕቤናቱን። ኢሳያስ ነቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ሰላም መልእኽቲ ኣብ ክንዲ ብቅንዕና ዝቕበሎ ነቲ ኣብ መንጎ ወያነን ኣቢይ ኣሕመድን ዘሎ ግርጭት በንዚን ወሲኹሉ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍኤ ኩነታት ክትበጽሕ ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ። ኣብዚ ኢሳያስ ምስ ኣቢይ ወጊኑ ክሳብ ኤሪትራውያን ዑጡቃት ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝለኣኸ - ዓበይቲ ናይ ፖለትካ መራሕቲ ኢትዮጵያ ከም ልደቱ ኣያለው -ጆሃር መሐመድ ዝርከብዎ ንኢሳያስ ኢድካ ኣክበልና እናበሉ ይኸስዎ ነይሮም። ሕጂ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይረከቡ። ብሰንኪ እዚ ኢሳያስ ናይ ሰላም ሰብ ከም ዘይኮነ ንዓለም በሪሁሉ እዩ። ኢሳያስ ነቲ ጭኩናት ብሄራት ኢትዮጵያ ኣንጻር ደርግን ሀይለስላሰን ተቃሊሶም ፈደራልያዊ ስርዓት ዝተኸልሉ ስርዓት ንምፍራስ ዓቢ ተራ ይጻወት ኣሎ። ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሐረነት ኤሪትራን እውን ነዚ ምልኪ ኣምሓራ ንምውዳቅ ምስ ግንባራት ናይ ጭቁናት ቢሄራት ከምኒ ወያነን፣ ኦሮሞን፡ሲዳማ፥ ሶማል ኢፒኣርፒ ካልኦት ህዝባዊ ምንቅስቃሳትን ተሓባቢሮም ሰሪሖም እዮም። ደርጊ ከኣ ተሳዒሩ። ዝተሳዕሩ ናይ -ሀይለ-ስላሴን ደርግን ተረፍ መርፍ ዝኾኑ ገዛእቲ ኣምሓራ ግን ነቲ ተሳዒሮም ዘጥፍኡዎ ልዕልነት ክመልስዎ ዕድል ረኺብና ኢሎም ኣብ ጊዜ ሰላም - ጥሩምባ ሰላም ከይወቅዑ- ናይ ጽልኢ ቃላት እናተጠቅሙ ሓያል ሳይበር ኩናት ኣንጻር ወያነ ፈንዮም ። እቲ ምኽንያት ወያነ ከይጥፋእካ ልዕልነት ኣምሐራ ኣይከኣልን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ ፕሮፖጋንዳ ሐያል ነይሩ። ናይ ብዓል ኢሳት ግንበት ሰባትን ካብ ዋሽንግቶን ዝፍኖ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ጎስጓሳት- ናይ ዓሌት ምጽናት ጎስጓስ (ethnic cleansing) ነይሩ ክበሃል ይኸኣል ምኽንያቱ ኣብ ጎንደርን ኣብ ካልእ ከባቢታትን ዝነበሩ ትግራዎት ንብረቶም ሐዊ እናእተዉ ምግፋዕ ምስ ጀመሩ ኣሸሓት ትግራዎት ክሳብ ኣብ ሱዳን ተዓቂቦም እዮም ። ኢሳያስ ግን ምስ ኣቢይ ኣህመድ ስሙር ግንባር ገይሩ ንወያነ ከጥፍእ ተንቀሳቂሱ። ኢሳያስን ኣቢይን ንወያነ ሲዕሮም ንህዝቢ ትግራይ ከንበርክኽዎ ውዱእ ገይሩም ወሲዶሞ። ብድሕሪኡ “ስንኻ እናመወጽካ ሰተት ኢልካ ንኤርትራ ምግባጥ ነይሩ”። እዚ ውዲት ግን ኣብኡ ከይተበጽሔ ወያኔ ዘይዕጸፍ ሐጺን ኮይኑ ድኣ ኣፍሸሎም። ፕራይም ሚኒስተር ኣቢይ ምኽሪ ኢሳያስ ተኸቲሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሞትን ማእሰርትን ምንዝባልን ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ይእቲዩዎ ይርከብ። እዚ ግን ንዓና ንኤርትራውያን ብሕልፊ ነቶም ኣብ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተማሃርና - ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት - ምዳቅ ሀይለሰላሰ ዝተኻፈልና ዘሕዘነና ጉዳይ እዩ። ብዙሓት ገስገስትን ዲሚክራሲይውያን ኢትጵያውያን መሰል ርእሰ ውሳነ ኤሪትራውያን ደጊፍም እዮም። ንመሰል ረእሰ ውሳኔ ኤሪትራ ትርከቡም ጭቑናት ኣህዛብ ከይፈርሔ ተማጊቱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ምንቅስቃስ ነጥቢ መቀይሩ ዘምጺኤ- ዋልልኝ መኮንን እዩ። እዝከረኒ ዋልልኝ- ንኤሪትራውያን ዓቢ ክብሪ ዝነብሮ ሰብ ነይሩ። ደርፊ ተበርህ ተስፋሁነይ “እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ ቱዃን ቁንጪን መሊኦሞ” ትብል ብጣዕሚ ይፈትዋ ነይሩ። ንሱ ምስ ካልኦት ብጸቱ ናብ ሜዳ ኤርትራ ውትህድርና ክመሃሩ ተቢጊሶም፥ ነፋሪት ጭውዮም ክኸዱ መሪጾም ኣብታ ነፋሪት ብኣንጻር ምጥላፍ ነፈርቲ ኮማንዶ ተቀቲሎም። ኣብታ ነፋሪት ንዓታቶም ክረክብ ካብ ሜዳ ዝተላእከ ተጋዳላይ ኣማኒኤል ዮውሃንስ (ራድዮ) ሓው ዘምህረት ዮውሃንስ፡ ማርታ ጟል ጀነራል መብራህቱ ሳልሳይ ካልእ ኤርትራዊ ነይሮም -ስሙ ረሲዔዮ- እቶም ዝተረፉ ኣምሐሩን ካብ ካልኦት ቤሄራትን ነይሮም። ኢሪትራውያን ኣብቲ ብተመሃሮ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣንጻር ጨቖና መስፍናዊ ሰርዓት ሃይለ ስላሰ ዝኸይድ ዝነበረ ቃልሲ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ከም ተመስገን ሃይለ፣ ጲጥሮስ ዮሃንስ ኣድጎይ- (ክልቲኦም ኣብቲ መጺሔት ናይ ገስገስቲ ተመሃሮ- ኣዳለውቲ ነይሮም እዮም) ከምኡ እውን ኣብ “ጥሕሻ” ናይ ኤርትራ ብስቱር ትዝርጋሕ መጺሔት። ካብቶም መንካዕ ተባሂሎም ኣብ ሜዳ ዝተቀንጸሉ ብሕልፊ ዮሃነስ ስብሃቱ ክለሰ ሓሳባዊ መምህር ቀንዲ ኣማኸሪ ብርሃነ መስቀል ረዳ መራሒ ገስገስቲ ማህበር ተመሃሮ ዩኒበርሲቲ ዝነበረ ። ብርሃነ መስቀል ትግራዋይ እዩ። ንሱ ነታ መጀመርያ ብረታው ቃልሲ ዝጀመረት (Ethiopian Peoples Revolutionary Party ( EPRP) ኣቦ መንበራ ነይሩ። እዚ ዝምድናታት መትከላዊ እዩ፡ ፍትሓዊ እዩ - ዝተጨቆኑ ህዝብታይ - ሐቢሮም ንመሰሎም ስለ ዝቃለሱ እዩ። በዓል ኢሳያስን ኣቢይን ሒዞሞ ዘለዎ ክልሰ ሐሳብ (ideology) ንሕዝቢ ጪኲንካ ምልኪ ምንጋስ እዩ። እዚ ኣንጻር ናይቲ ንመስፍናዊ ንምውዳቅ ዝተገብረ ቃልሲ ስለዝኾነ ንኤሪትራ እውን ሐደገኛ እዩ ። ድሮ ንኤርትራ ንምግባጥ ሕልሚ ገዛእቲ ኣምሓራ ኣበራቢሩ ዘሎ ናይ ዓመጽቲ ኣይድዮሎጂ እዩ። በዓል ኣቢይ ንትግራይ እንተዝስዕሩ ኢሳያስ እናተሐጎሰ ናይ ህዝቢ ኤረትራ ወዳኢ ኾይኑ ምፈረመሎም መታን ሕጋዊ ተባሂሉ ብሕቡራት መንግስታት ክጸድቅ። ኣቢይን ኢሳያስን ዝዕወቱ መሲልዎም ድሮ ብሐገዝ መንግስቲ ፈረንሳ ናይ ባሕሪ ሐይሊ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ክገብሩ ወዲኦሞ ። ብዝየገድስ ኤርትራ ገና ኣብ ሐደጋ እያ ዘላ። ምጽሕታር ኩናት ኢሳያስ ድልየትን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኣብ ኣብ 1998 ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተጀመረ ኣነን ብጾተይን ዜጋታት ንሰላም (Citizens For Peace) ዝስሙ ማሕበር ምስ ኢትዮዩጵያውያን ሰላም ክግበር ከም ዘለዎ ጎስጟሳት ጀሚርና ነርና ።

8. ፓርላማ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብዕለት 8 ጥቅምቲ 2020 ዘካየዶ ኣኼባ ንሽወደናዊ ኤሪትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ብዘይ ፍርዲ ን19 ዓመታት ዝተኣስረ ክፍታሕ ከምኡ እውን ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራት - ጋዜጠኛታት- ናይ ፖለቲካ ናይ ሃይማኖት እሱራት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ውሳኔ የሕሊፎም። እዚ ፓርላማ (ባይቶ) ንኮሚሽን ኢሮጳዊ ሕብረት - ነቲ ኣብ ኤርትራ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝስራሕ መገዲ ናይ ገንዘብ ሐገዝ ምግባሩ ኮኒኑ። እቲ ሐገዝ ብጥብቂ ንህዝቢ ዘገልግል ክኽወን ከምዘለዎን ብሃገራዊ ኣገልግሎት ብነጻ ጉልበት ዝግበር ኩሉ ሐገዛት ጠጠው ክብል ወሲኖም። እዚ ውሳኔታት ብ 663 ድምጺ ተደጊፉ 19 ተቋዊሞሞ 13 ከኣ ዘየድምጹ። ብተወሳኺ ኣባላት ኤሮጳዊ ሕብረት ንዳዊት ኢሳቅ ኣበይ ተኣሲሩ ከምዘሎን ጉዳይ ጥዕናኡ ክንገሮምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሕዎ ክፍቀደሎም ንመግስቲ ኤሪትራ ሓያል ጻዊዒት ኣቅሪቦም።

እዚ መርገጺታት ንመንግስቲ ኤሪትራ ስንባደ ፈጢሩሎም እዩ። ንኣብነት ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ሕሊና እሱራት ክፈትሑ ኣለዎም ምስ በሉ - መርዚ - ኮይኑ ከቅትሎም ግዲ ፈሪሖም ሚኒስተር ዜና የማነ ቻርሊ መርዚ ፈንዮሙልና ኢሉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ላንደን ነቲ ኣብ ፓርላማ ሃገር እንግሊዝ ዝለዓል ዘሎ ግፍዕታት መንግስቲ ኤሪትራ ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ብጽሑፍ ኣሉታ እናሀበሉ ይርከብ። ከም ኣምባሳዶር መልሲ ክህብ ስለዘለዎ እዩ እምበር - ህዝቢ ዓለም ንመንግሲቲ ኤሪትራ ጡፍ ይብለሉ ከም ዘሎ ዝዘንግዖ ኣይመስለንን።

እዚ ሐድሽ ሃዋህው ኣብ ግምት ብምእታው ምንቅስቃስ ይኣክል ናይ ዕዮ መደብ ኣወጺኡ ኣብ ግብሪ ክትርጉሞ ኣለዎ። ድኻማት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ግብሪ ድኹም ስለዝኾነ ሕጂ ዓቢ ቖላሕታ ክገበረሉ ኣለዎ። ካብቶም ተመክሮ ዘለዎም ሰብ ሞያ ኤሪትራውያ ንጡፍ ምትሕበባርን ምኽርን ምርካብ ኣገዳሲ እዩ።

ምንቅስቃስ ይኣክል ወኪል ህዝቢ ኮይኑ ክንቀሳቀስ መሪሕ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ። ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ብዙሐት ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ዘለዋ ማሕበራት ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብራ ኣለዋ። ናይ ማሕበር ርዲኤት፣ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያ ዝቃለሳ ዝነኣድ ኣበርክቶ ስለዘለወን ምንቅስቃስ ይኣክል ሐደ ኮሚቱ ኣውጺኡ ምሳተን ክመያየጥ ክኽእል ኣለዎ።

ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ ገለ ገለ ዝተሰርሔ ኣብነታት ክጠቅስ።

1. (Foundation of Human Rights for Eritreans (The Netherlands) እዛ ማሕበር እዚኣ ኤሮጳዊ ሕብረት ኣብ ፍርዲ ቤት ዝኸሰሰት ማሕበር እያ። ካብዚ ተመክሮ መንግስታት ብወልቀ ሰባት ክኽሰሳ ከም ዝኽእላ ትምህርቲ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣህግራዊ ፍርዲ ክቀርብ ዝግብኦ ገበን እኳ እንተፈጸመ ንኢሳያስ ጭቖና ከቋርጾ ዕድል ክህብዎ መሪጾም ሕጂ ግን ተስፋ ቆሪጾም ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ክበራበር ይኽእል እዩ።

2. ኣብ ሃሊፋክስ- ዋሽንግቶን - ጁቡሊ ካምፐይን - Jubilee Campaign ትበሃል ትካል- ንናጽነት ሃይማኖታዊ እምነታት -ትቃለስ ኣህጉራዊ ማሕበር እያ። ንሳ ነቲ ኣፍሪቃ ባንክ African Development Bank ኤሪትራ እትርከበን 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ንኮቪድ 19 ንምክልኻል 9.52 ዶላር ሰሊዓትሉ ዘላ ኣልዒላ ህግደፍ ኣብ ህዝቡ ሐልዮት ዘይብሉ- ብሐገዝ ዝተረኽበ ገንዘብ ኣብ ወጻኢ ባንክታት ከም ተቀምጥ እናተፈልጠ ክወሃብ የብሉን ኢሎም ጎስጓስ ኣካይዶም። ከምኡ እውን ነቲ ናይ ሐገዝ ገንዘብ ኣብ መስርሕ ምጭኳን ህዝቢ ከም ዝጥቀሙሉ የቃልዑ።

3. ኢርትራ ፎካስ። ፎካስ ንዕደና ነብሱን ዘቃልዕ ቡዙሕ ስራሕ ኣካይዳ -ንሰብ ብርኪ ነብሱን ኣብ ኤሪትራ ትፍጽሞ ዘላ ኣቃሊዓ እያ ። ኣብ ህዝቢ ደንከል ዝወረደ ጭቆና፣ ባርነት ብስም ሀገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ባይቶ ዩናይትድ ኪንግዶም ከም ዝዝረበሉ ገይራ። ተወሳኺ ምስ ፍሪዶም ዩናይት ትብሃል ኣብ ኣመሪካ ዝመደበራ ማሕበር ናብ ሀብታማት ኣዋፈርቲ - ሰብ ሞያን ዝቀንዔ መደረ ብወብናር ኣዳልያ። ዕላማኡ ነተን ኣብ ኤርትራ ናይ ማዕድን ኩባንያታት ሰራሕተኛታተን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምጥቅቃመን ገበን ከም ዝኾና ምዝኽካር እዩ። መደረ ዘቅረቡ ኣቶ ሀብተ ሐጎስ - ኣቦ መንበር ኤሪትራን ፎካስን - ማርቲን ፕላውት ናይ ቢቢሲ ጋዜጠና ዝነበረን ኢዩ። እዚ ኣብ ሳዋ ሰልጢኖም ብነጻ ክሰርሑ ዝተፈርዱ መንእሰያት - መጻኢ ዕድሎም ኣባላሽዩ ቀንዲ ምኽንያት ስደት ኮይኑ ይርከብ ።

4. ከም ወትሩ እታ ዘይትሕለል ኢልሳ ጭሩም - ነዚ ኣብ ዃዘን ተሪኺቡ ዘሎ ሐደገኛ ምእሳር ህዝቢ ኣቃሊሓቶ ኣላ። ካብቲ ዓቢ ክሲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክለዓል ዘለዎ እዩ።

ብ ፖለቲካው ዓይኒ ክረኤ ከሎ ግን እቲ ቀንዲ ናይ ሕዝቢ ኣፈኛ ክኸውን ዝግበኦ መንቅስቃስ ይኣክል እዩ። ነዚ ጭዃኒ ስርዓት ንምብዳህ ማእከል ናይቲ ቃልሲ ስቃይ ህዝቢ ምስ ዝኸውን እዩ። ኣብ ሊብያ ዘጋጥሞም ዘሎ ዘስካሕክሕ ጭቖና ከምኡ እውን ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን - ኣብ ኤርትራ ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን፣ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ምጥማይ ዘጠቃለለ ይኸውን። እቲ ተወሳኺ ሐደገኛ ከኣ ጅምላዊ ማእሰርቲ ህዝቢ ኳዜን እዩ። ምኽሪ ንኮቪድ-19 ንምክልኻል ሰባት ተፈናቲቶም መዓልታዊ ስራሕ ይኹን ካልእ ጉዳይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ብኣህጉራዊ ደረኛ ቁቡል ክነሱ እዚ ኣብ ዓበይቲ መኻይን ጠፋጢፍካ ብሐባር ምእሳር ንኮቪድ-19 ከም ዝቃልዑ ምጋባር እዩ። ነተን ሀለዋቶም- ክፈልጣ፣ ኣቤየት ክብላ ዝተኣኻኸባ ደቂ ኣንስትዮ ኳዚየን - ብበትሪ እና ሰላዕካ ምብታን እንታይ የበሃል። ከም ተውሳኺ ማርቲን ፕላውት ካብ ዝእመኑ ወሃብቲ ሐቤረታት ዝረኸቦ ኣብ ገልዓሎ - ኣብ ዳንካሊያ - ሙሉእ ቤተሰብ ይእሰሩ ኣለዉ ይብል። ነቲ ብይን ናይ ሕቡራት መንግስግታት `ኣብ ኢርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ኣዳም ተፈጺሙ ዝበል` ተወሳኺ መርትዖ እዩ።

ነዝን ወዲዝን ግፍዕታት ኣልዒልካ ሰኒድካ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ዳህሲስካ (Brain Storming) ነዚ ስርዓት ብዝያዳ ከተቃልዖን ኣብ ሕጊ ዝቅርበሉ መገዲ ክትረኽበሉን ይግባእ። እዚ ምስ ዝግበር ከኣ እዩ እቲ ደላይ ፍትሒ ኣዳዕዲዑ ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ህዝቢ እየ ክብል ዝኽእል።

መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ካብ ህግደፍ ተስፋ ቖሪጾም ኣብ ምኹናን ዝዝምብሉሉ ዘለዉ ጊዜ ምስቶም ተቋወምቲ ክሰርሑ ዘተኣማምን ባይታ ክረኽቡ ሃሰው መሰው ክብሉ እዮም። ነቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተንጠልጢሉ ዘሎ ክሲ“ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰም ካብ 1991 ተፈጺሙ “ ዝተባህለ ኣብ ፍርዲ ክበጽሕ እንተ ኾይኑ ደለይቲ ፍትሒ ጥራሕ እዮም ከልዕልዎ ዘለዎም። እተን ምስ ህዝቢ ኤረትራ ንደናገጽ ኣለና ዝብላ መንግስታት ማሕበራት ነዚ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ዘብል ፍትሒ ክድግፋኦ ተኽእሎ ኣሎ። ኣህጉራውያን ደገፍቲ ዉጹዕ ህዝቢ ኤሪትራ ከም ይኣክል ዝኣመሰለ ህዝቢ ዝጠርነፈ ማሕበር ክረኽቡ ከለዉ ናይ ቃልሲ ብጾት ወሲዶም ክተሓባበርዎም ድሕር ኣይክብሉን እዮም። ንኣብነት ባሮነስ ግለኒስ ኪነክ፥ በዓልቲ ቤት ኒል ኪነክ - መራሒ ናይ ለበር ፓርቲ ዝነበረ - ኣብ ፓርላማ ቆጸራ ገርና ክትሕግዘና ምስ ሐተትናያ - ምሕጋዝ ጥራሕ ዲዩ - ናይ ቃልሲ ብጾት ረኺበ ኢላ ሞራላ ሐፍ ኢዩ ዝበለ። እዛ ሕጂ ብኣባላት ፓርላማ ዩናይትድ ኪንግዶም ዝቖመት ናይ ኤሪትራ ደጋፊት ሽማግለ (APPG) All Party Parliamentarian Group for Eritrea . ብናታ ጻዕሪ ዩ ቆይሙ። ብደገፍቲ ህግደፍ ዝወረዳ ጸርፍን ምፍርራሕን ተጻዊራቶ እያ። ብጥዕና ምኽንያት ክትቅጽል ኣይከኣለትን - ታርኽ ግን ሰሪሓ። ክዘከር ዘለዎ ኣብ 1981 ላዕለዋይ ኣካል ለበር ፓርቲ መሰል ርእሲ ውሳኔ -ኢርትራ ንድገፍ ኢሉ ወሳኔ ምስ ኣሕለፈ - ማዕጾታት ረዲኤት ሀገር ኣንግሊዝ ጋህ ኢሉ ተኸፍተ ድኣ። ሽዑ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣምባሳዶራት ሐፋሽ ውድባት እዩ ነይሩ - ካብቶም ኣካይድት ተዋጺኣ ኮሚቲ - ንዳቪድ ባዚልቶን ኣማኽሪ ለበር ፕርታ ናይ ኣፍሪቃ - ኩሉ ሰነዳት - ምቅራብ - ንመዛትየ ወረቅት ኣቅሪቡ። ይኣክል ስራሕ ከም ዝብዝሖም ፍሉጥ እዩ፡፡ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ሰራሕተኛታት ቆጺሮም ከሰርሕዎ ይግባእ ኣዚ ዓቢ ጉዳይ ብተርፊ ጊዜን በቶም መራሕቲ ጥራሕ ዝስራሕ ኣይኮነን። ይ ኣክል እዚታት ምስ ዘማላኦ እዮም ምስ ጊዜ ክቀዳደሙ ዝኽእሉ።

ተፈጸመ

ጴጥሮስ ዮውሃንስ ኣብ ኣመሪካ ምስ ከደ “ እታ In Defence of the Eritrean Revolution - ትብል መጽሐፍ ኣንጻር ናይቶም ቃልሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዝቛወሙ ዝነበሩ ተመሃሮ ኢትዮጵያውያን ዝተጻሕፈት እያ። ሜዳ ክጋደል ምስ ኣተወ - ብሐደጋ ተሰዊኡ ዝብል- ወረ ተሰሚዑ።


Share with friends:

See also recent Articles by By Petros Tesfagiorgis:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل

መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ - 21 ሰነ 2016. COI-Eritrea Report: Massive Demonstrations by Eritreans 21 - 23 June 2016.


ID: Commission of inquiry on Eritrea - 22nd Meeting 32nd Regular Session of Human Rights Council
Interactive dialogue with:
- The Commission of inquiry on Eritrea




Share with friends: