በትሪ ሓቂ ሸልጊ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኸ ናበይ? መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

22/11/2020 23:55 PM

በትሪ ሓቂ ሸልጊ፡
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኸ ናበይ?
መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ

ብ`ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

በትሪ ሓቂ ሸልጊ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኸ ናበይ? መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ

በትሪ ሓቂ ሸልጊ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኸ ናበይ?
መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ
ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።

መልእኽተይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራ ካኣ ብፍላይ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ውግእ ኩነታት ኢዩ።

መቸስ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ኮይነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ከማሓላልፍ ከለኹ ዝስማዓኒ ሓዘን ዓሚቕ ኢዩ። እቱይ ምንታይሲ፡ እዛ ማዓልቲ እዚኣ መታን ከትመጽእ፡ ንዝሓለፉ ዳርጋ 15 ዓመታት ብሓፈሻ፡ ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ካኣ ብፍላይ፡ ብዓቅመይ ሓኾት ክብል ስለዝጸናሕኹ’ሞ፡ ካብቲ ዝፈራሕክዎ ስለዘይወጻኹ። እታ ዝፈርሓ ዝነበርኩ ማዓልቲ መጺኣ፡ ነቲ ዝፈርሖ መዋእል መፈለምታ ከይትኸውን’ውን ኣዝየ ኣዝየ እየ ዝሰግእ።

እዛ ተካል ማዓልቲ ኢዚኣ፡ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ምስ ምሉእ ዕጥቆም ዝዓረድሉ ማዓልቲ ኢያ። ልዕላውነት ኤርትራ ተደፊሩ፡ እቶም ትማሊ ህዝቢ ኤርትራ ሲዒሩ ንዓዶም በታቲኑ ዘባረሮም ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ተመሊሶም ኣብ መሬት ኤርትራ ሰፊሮም ኣለዉ። ወደባትን መዕርፎ ነፈርትን ኤርትራ፡ መራገፊ ኣጽዋራት፡ ወታሃደራትን ዕጥቅን ስንቅን ኢትዮጵያ ኮይነን ኣለዋ። እዚ ጦር ሰራዊት እዚ፡ እቲ ትማሊ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጸብጺብካ ክውድኡ ዘይክእሉ ግፍዕታትን ዓመጻትን ዝፈጸመ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን ኣይጋባእን’ውን። ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ገይሩ’ሞ ክዝንገዖ፡ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶ ኣይኮነን፦

(1) ብኣልማማ ዓድታት ዘቃጸልን ህዝቢ ዝጨፍጨፈን፣
(2) ብነፈርቲ ውግኣት ናባልም ከይተረፈ እንዳደርበየ ህዝቢ ዘሕረረን ከተማታትን ዓድታትን ዘዕነወ፣
(3) ኣብ ከተማታት ኤርትራ ኤርትራውያን ብገመድ ዝሓንቐ፣
(4) ጭውያታት፡ ኣልማማ ማእሰርትታትን ኣዝዮም ኣስካሕካሕቲ ዝኾኑ ቶርቾራት (መግረፍታታ) ዝፈጸመ፣
(5) ደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝዓመጸን ዝቐተለን፣
(6) ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን ኢዩ እንዳበለ ናይ ዓሌት ምጽናት ስርሒታት ዘካየደ፣
(7) እምቢ ንዝበለ ብጥይት በሎ እንዳበለ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ራዕዲ ዘካየድ፣
(8) ኮታ ኩሉ ዓይነታት ኢሰብኣውን ኣረሜናውን ግፍዕታትን ዓመጻትን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር እዚ ኩሉ ዓመጻትን ግፍዕታትን ን30 ዓመታት ኣድማይን ኣዝዩ ኣህላኽን ዕጥቃዊ ቃልስን፡ ንልዕሊ 50 ዓመታት ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዱ፡ ኣብ መጨረሻ ካኣ ነቲ ጎባጢ ሓይሊ ኢትዮጵያ ሲዒሩ ነበረ-ያ-ነበረ ብምግባር፡ ልዕላውነት ኤርትራ ከምዝረጋግጽ ገይሩ። ኣብ ርእሲ መቓብር ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ልዕላውነት ኤርትራ ዓንቢቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ፍትሒ ኣብ ርእሲ ዓመጽን ጎበጣን ከትዕወት ገይሩ። ስለዝኾነ፡ ሕላገት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ኢዩ። እዚ ማለት ካኣ፡ (1) ህዝቢ ኤርትራ ዓመጽን በደልን ኣብ ርእሲኡ ዳግማይ ከይፍጸም፡ ኩሉ ጊዜ ብቃልሱ ከረጋግጽ ኣለዎ (2) ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ንፍትሒ ዝተቃልሰ ህዝቢ መጠን፡ ኣብ ርእሲ ካልኦት የህዛብ ዓመጽ ከይፍጽምን፡ ብሽሙ ዓመጽ ከይፍጸምን ብቃልሱ ከረጋግጽ ኣለዎ ማለት ኢዩ።

ይኹን’ምበር፡ህዝቢ ኤርትራ ጋና ኣብ ሕጽኖት ናጽነት እንከሎ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ዝረኸቦ ዓወት ብምምንዛዕ፡ ዓማጺ ጉጅለ (ህግደፍ) ኣብ ኤርትራ ስልጣን ስለዝሓዘ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ሓፊስዎ ዝነበረ ዓወት ተጠቃሚ ክኸውን ኣይካኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ዘብርስ ኩነታት ኢዩ ተፈጢሩ። ናጽነት ኤርትራ ናብ ሓርነት ክዓቢ ኣይካኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጸላኢ ተራእዩ፡ ኩሉ መዳያዊ ዓመጻትን በደላትን ኣብ ርእሲኡ ክፍጸሙ ጸኒሖም ኣለዉን። ኣብ ክንዲ፡ ምዕባለን ግስጋሰን፦

(1) ንህዝቢ ኤርትራ ዘግለለ ስርዓተ ፖለቲካ፣ ስርዓተ ቁጠባ፣ ማሕበረ-ባህላዊ ሂወት፣ ወ.ዘ.ተ. ክህንደስን ክትግበረን ኢዩ ተፈቲኑ፣
(2) ገና ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኢሳያስ ንኤርትራ ካብ ሓደ ውግእ ናብ ካልእ ውግእ እንዳሳገረ፡ ኣብ ቀጻሊ ውግኣት ከምትሽመም ኢዩ ገይሩ ጸኒሑን ዘሎን። ምስ የመን፣ ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ኮንጎን ኣብ ዓበይቲ ቃላያትን፣ ምስ ጅቡቲን ምስ ኢትዮጵያን ዝተገበሩ ውግኣት ንጥቃስ ይካኣል። ክንደይ ኤርትራዊ ንጹህ ሂወትን ንብረትን ጠፊኡን ይጠፍእ ኣሎን፣
(3) ኢሳያስ ቅዋም መታን ንኸየተግብር፡ ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ወሊዑ፡ (1) ብዓሰርተታ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ግዳያት ከምዝኾኑ ገይሩ (2) ንኤርትራ ንፍጹም ማሕበረ-ቁጠባዊ ልምሰት ዳሪግዋ (3) እታ መሰረት ቅርጺ፣ ሂወትን ቀጻልነትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝኾነት ኤርትራዊት ስድራ (ቤተ-ሰብ) ተባታቲና ፋሕ ከምትብልን ከምትልምስን ገይሩ (4) መንእሰይ ኤርትራ ዓዱ ገዲፉ ብሰፊሕን ብቐጻልን ንስደት ከምዘምርሕ ብምግባር፡ ሕጂ ኤርትራ መንእሰይ ዘይብላ ሃገር እንዳኾነት ከምትኸይድ ገይሩን ይገብር ኣሎን (5)ዓድታት ኤርትራ ከምዝባድማ ብምግባርን ኩሉ ኤርትራዊ ዓቅምታት ብምብራስን፡ ኤርትራ ነብሳ ክትካላኸሉ ኣብዘይትኽእለሉ ደረጃ ኣብጺሑ፡ ናይ ዕንደርኡ ግራት ከምትኽውን ገይሪዋ፣
(4) ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ናይ ዶብ ዘይተወደአ ጉዳይ ኣለና እንዳተባህለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ብምሓዝ፡ ስነ-ኣእምሮ ኤርትራዊ ብቐጻሊ ብናይ ጽልኢ ጎስጓሳት ከምዝታሓዝ ክግበር ተፈቲኑ፣ ጸገማት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ናይ ዶብ ጉዳይ፡ ኢሳያስ ንድክመታቱ መሸፈኒ ክጥቀመሉ ጽኒሑን ኣሎን፣
(5) ኢሳያስ፡ ንኹሎም ካብ ናቱ ዝተፈለይ ርእይቶ ኣብ ጉዳይ ሃገር ንዝነበሮምን፡ ንኹሎም ክቃዎሙኒ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎምን ዜጋታት ብኣልማማ ኣሲሩ ከጥፍእ፣ ከደስክል፣ ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ከምዘምርሑ ክገብር፣ ኤርትራውያን ተማሂሮም ናብ ዓዶም ከምዘይምለሱ ክገብር፣ ሰፋሕቲ ናይ ስላያን ናይ ዓፈናን ኣሃዱታት ብምውፋር፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ (ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን) ናይ ራዕድን ናይ ሽበራን ስርሓት ብምክያድ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክዘርግ ጸኒሑን ኣሎን።

እምባኣር፡ ሓደ ከንስተባህለሉ ዘለና ጉዳይ፡ እቲ ካብ ሓምለ 2018 ንዳሓር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ኣብዪን ካኣ ብፍላይ ዝማዕበለ ዝምድናታት፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ትርኣስ ወይ’ውን መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኢዩ። ናይ ሰላም ስምምዕ ገርና ተባሂሉ፣ ግን ከ እንታይ ኢዩ እቲ ዋን ከርሰ ነገር ናይቲ ስምምዕ? እንታይ ኢዮም ተሰማሚዖም? መን’ዩ ከ ናይቲ ዝባሃል ዘሎ ስምምዕ ዋንኡ? እቲ ዝተባህለ ስምምዕ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብን ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ኢዩ ተጠሚቑ። ንምታይ? እንታይ’ዩ እቲ ምትእስሳር? ነዚኣቶምን ካብቲ ጉዳይ ንዝላዓሉ ብዙሓት ካለኦት ሕቶታት ዝምልሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍለጦም መልስታት ክሳብ እዛ ሳዓት እዚኣ የለዉን። ኩሉ ምስጢር ኢዩ። ብውሕዱ ግን፡ እዚ ሕጂ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካኣ ብፍላይ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ውግእን ናዕብን ኩነታት፡ ምስ’ዞም ምስጢራት እዚ’ቶም ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ምስትባሃል ኣገዳሲ ኢዩ።

ክምዝዝከር፡ ኢሳያስ ስምምዕ ሰላም ተቀቢለ ኣለኹ ኣይኮነን ዝበለ። “ወያነ ኣኽቲሙ ኢዩ (Game Over)” ኢዩ ዝበለ። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ? ምስዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከ እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ? ንልዕሊ ከልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ‘ዶብ ዶብ ዶብ’ ክባሃል ከምዘይተጸንሐ፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ሕጂ ኣይገድሰናን ኢዩ’ውን ተባሂሉ። ኢሳያስ ይኹን ተላኣኣኽቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዶም ንልዕላውነት ኤርትራ ዝግህሱ፡ ኣዝዮም ኣነወርቲ ዝኾኑ ዝበልዎም ዘረባታትን ዝገበርዎም ተግባራትን እንታይ ኢዩ ዕላማታቶም፡ ምስ’ዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከ እንታይ ምትእስሳር ኣለዎም፡ ኢልካ ምሕታት ኣዝዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ እንተሎ፡ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ- ሓደ ህዝቢ ኢዮም”፣ “ንልዕሊ ሰለስተ ወሎዶታት ብዘይ ምኽንያት ተፋላሊና ጸኒሕን ---”፣ “ኣይከሰርናን ---”፣ “--- ዶር. ኣብዪ ኢካ መራሕና ---”፣ “--- ንኤርትራ ንዓካ ገዲፈላ ይኸይድ ስለዘለኹ፡ ቀሲነ ኢየ”፣ ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ኣብሃህላታት፡ ንምንታይ ዝዓለሙ ኢዮም? እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት መልሲ ክህብ ጀሚሩ ኣሎ።

ከምቲ ኢሳያስ ዝሓሰቦን “--- ወያነ ኣኽቲሙ” ዝበሎን ኣይኮነን። ወያነ ከም ሓይሊ ኣየኽተመን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኢሳያስን ኣብዪን ከተግብርዎ ዝሓሰብዎ እኩይ መደባት ዕንቅፋት ኮይኑ ስለዝተራእዮም፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ብውሕዱ ክልተ ዓመታት፡ ንወያነ ብሓይሊ ንምጥፋእ፡ ናይ ወግእ መደባት ብሕቡእ ከዳልዉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ነቲ ውግእ ወሊዐሞ ኣለዉ። እቲ ውግእ ዓሌት ማእከል ዝገበረ፡ ብጣዕሚ ሓደገኛ፣ ጨካን፣ ኢሰብኣዊ፣ኣብራሲ፣ ናብ ቀጻሊ ዘይነጽፍ ግርጭትትን ዘይምርግጋእን ዘምርሕ፡ ጸረ ፍትሒ ዝኾነ ወስታ ስለዝኾነ፡ ብኩሉም የህዛብ ዓለም ክውገዝ ዘለዎ ኢዩ። ብፍላይ እቶም ብቀጥታ ግዳይ ኮይኖም ዘለዉ የህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብምልእ ዓቕሞም ክቃዎምዎን፡ ክጽየንዎን ይግባእ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብህጹጽ ደው ንክብል ከይተሓለሎም ከሰርሑ ኣለዎም።

ግን ከ እዚ ውግእ ብዛዕባ መን ኢዩ? እንታይ ኢዩ ከ ናይ መጨረሻ ዕላምኡ? ብዙሕ ኤርትራዊ ዝተዳናገረ ይመስለኒ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ እዚ ተወሊዑ ዘሎ ውግእ ብዛዕባ ትግራይ (ወያነ) ወይ’ውን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ገይሮም ዝወስድዎ ኣለዉ። እዙይ ጉጉይ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓደገኛ’’ውን ኢዩ። እዚ ውግእ ብዛዕባ ኤርትራ ኢዩ። መጨረሻ ካኣ ኣብ ኤርትራ ኢዩ ዝውዳእ። እዚ ውግእ፡ ዋንኡን ኣሳሳይኡን ኢሳያስ ኢዩ። ኤርትራ ኣብቲ ዓዘቕቲ ውግእ ኣትያስ ተተኺላ ኣላ። ንኤርትራ ካብዚ ታኼላ ውግእ ከነውጻኣን ካብ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከንድሕናን ንኽእል፡ንኢሳያስን ንስርዓቱን ብምስዓር ጥራሕ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ናይ ሕጂ በዳሂ ሕቶ፡ ዓመጽቲ (ኢሳያስን ኣብዪን) ዶ ይስዓሩ፡ ወይስ ፍትሓዊ ቃልሲ ውጹዓት የህዛብ፡ ንዓመጽን ንጎበጣን ይስዓር ኢዩ። ብዛዕባ ትግራይ ወይ’ውን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉድይ ኢትዮጵያ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ የዕናዊ እዃ እንተኾነ፡ መን የሸንፍ ብዘየገድስ፡ ትግራይ ትማሊ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኢትዮጵያ፡ ጽባሕ’ውን ኢትዮጵያ ኮይና ኢያ ክትቕጽል። ንኤርትራ ግን ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝቢን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝብድህ ሓደጋ ኢዩ። ኣብዚ ካኣ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ክዛነ ኣይግባእን።

ኢሳያስን ኣብዪን ብህዝቢ ዘይተመረጹ፣ ቅዋም ጉሒፎም ናይ ወልቀ-መላኺነት ስልጣን ዝገበቱ፣ ኣብ ስላጣን ንዕድመ-ልክዖም ክነብሩ ዝደልዩን፡ ነዚ ንምግባር ካኣ ጨካንን ጨፍላቅን ስጉምትታት ኣብ ህዝቢ ንምውሳድ ድሕር ዘይብሉ ኣዝዮም ሓሳዳት መራሒት ኢዮም። እዚ ሕጂ ወሊዐሞ ዘልዉ ውግእ፡ ህዝቢ ብሕማም ኮቪድ ምኽናያት ተሸጊሩሉ ኣብ ዘለወሉ ጊዜ፣ ሓረስታይ ህዝቢ ብናይ ኣንበጣ ወራር ኣብዝተጥቕዓሉ ጊዜን፡ ነቲ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ምህርቱ ኣብ ዝእክበሉ ዘሎ ናይ ቀውዒ እዋናት፡ ምዃኑ፡ ንባህርያት ናይዞም ዓመጽቲ መራሕቲ ገላጺ ኢዩ። ናብ ንጹህ ህዝቢ ዘነጻረ ኣረሜናዊ ተግባራት ኢዩ ካኣ። እዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ውግእ፡ ኣዝዩ ኣዕናውን ክንጽየኖ ዘለናን ኢዩ። እዚ ግን ንመሰጋገሪ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ዓላማ፡ኢሳያስን ኣብዪን እንተተካኢልዎም፡ ኤርትራ ዝሓወሰት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኢዩ። ነዚ ዘክእል ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ኢሎም ዝሓስብዎ፡ ብወገን ኤርትራ እንተራኣና፡ (1) ድሌት ኢሳያስ ስለዝኾነ (2) ብርሰት ናይ ክቃዎም ዝኽእል ኤርትራዊ ዓቕሚ (ስደት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ብርሰት፣ ንኢሳያስ ምእዙዝ ዝኾነ መሪሕነት ሰራዊት ኤርትራ፣ ፋሕ ዝበለን ዝተዳኸመን ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ፣ ወ.ዘ.ተ.)ስለዘሎ፡ ዝብሉ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይካኣል። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እንተራኣና ካኣ፡ (1) ናይ ኣብዪ መላኪ ባህርያት (ንጉስ ናይ ምዃን ድሌታትን ሕልምታት) (2) ኣሃዳዊ ሓይሊ ስላጣን ዝሓዘሉ ኩነታት (3) ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ዘይነጽፍ ድሌት ኢትዮጵያውን (4) ናጽነት ኤርትራ ዘይተቐበሉ ሓይልታት (ተርፍ-መረፍ ደርጊ ሓዊስካ) ናብ ስልጣን ምምላስ፣ ወ.ዘ.ተ. ከምዘሎ ንዕዘብ። ብተወሳኪ፡ ኢሳያስን ኣብዪን፡ ብሕግን ብቅዋምን ክግዝኡ ዘይደልዩ መለኽቲ ምዃኖም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዕሱባት ኮይኖም፡ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታት ዝኾኑ ናይ ውጻኢ ሃገራት መደባት ከተግብሩ ድሕር ዘይብሉ መራሕቲ’’ውን ኢዮም።

ነዚ እከይ ተግባራቶም ንኸየተግብሩ ዕንቕፋት ኢዮም ኢሎም ዝቖጽርዎም ሓይልታት ብዙሓት እዃ እንተኾኑ፡ እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኢዩ ዝብልዎ ግን፡ እቲ ናይ ክልል ትግራይ መንግስቲ ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እዚ ሓይሊ እዚ፡ ንናጽነት ኤርትራ ብወግዒ ዝተቐበለ እንኮ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ስለዝኾነ፣ ዘይ ከም ኢሳያስን ኣብዪን፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግሲቲ ስለዝኾነ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሃዳዊ ሓይሊ ብምቕዋም ንናይ ከባቢ ነብሰ-ምሕደራ ተጣባቃይ ስለዝኾነን፡ ህዝቢ ትግራይ ካኣ ከም ህዝቢ ንመሰል ነብስኻ ባዕልኻ ምምሕዳር ንነውሕ ዓመታት ዝተቓለሰ ህዝቢ ስለዝኮነን፡ ነዚ ናይ ኣሃዳውያን ሓይልታት ናብ ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ ምምጻእ ስለዘይርዕመሉን ኢዩ።

ስለዝኾነ፡ ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምሕዋስ ድሌቱ ክፍጽም ዝኽእል፣ ኣብዪ ንጉስ ናይ ምዃን ሕልሙ ክጋሃድ ዝክእልን፣ እቶም ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምውናን ድሌት ዘለዎ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ፡ ኣምሓራ ካኣ ብፍላይ፡ ድሌቶም ክውን ክከውን ዝክእል፡ እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ክዳኸመን ክሳዓርን ምስኽእል ጥራሕ ኢዩ ኢሎም ኢዮም ሓሲቦም፡ ነዚ ዘይቁዱስ ስሉስ ኩርዓዊ ምሕዝነት ገይሮም ነቲ ውግእ ኣዊጀሞን ዘካይድዎ ዘለዉን። እዚ ማለት ካኣ፡ ነዞም ስለስተ ዘይቁዱሳን ሓይልታት፡ ዘሳማምዖም መሰረታዊ ዓላማ/ጉዳይ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ኣዳኺምካን ንህዝቢ ኤርትራ ሲዒርካን፡ ኤርትራ ዝሓወሰት ዓባይ ኢትዮጵያ ክውን ምግባር ኢዩ። ስለዝኾነ ኢዩ ካኣ፡ እዚ ውግእ እዚ ብዝዕባ ኤርትራ ኢዩ ዝተባህለ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘሎ ግን እዚ ሓደገኛ ወስታ እዚ፡ ሕጂ’’ውን ከምቀደም ሕልሚ ኮይኑ ክተርፍ ኢዩ። ኣብዚ ኣይጠራጠርን ኢየ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ውግእ ዘግሃዶም ሓቅታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ንሕቶ ፍትሒ ብዝምልከት፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ፡ ገፊሕ ጋግ ከምዘሎ ምልክታት ተርእዮም ኣለዉ፦

(1) ሓደ ወገን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ (ትግራይ) ወራር ከካይድ ሓላል ኢዩ ዝብሉን፡ ብኣተሓሳስባ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ዝወገኑን፣
(2) ካላኣይ ወገን፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ብምባኣስ (ብምጻላእ) ዝያድ ኤርትራውነት ዝለብሱ ዝመስሎም’ሞ፡ ናይ ስርዓት ኢሳይስ ናይ ውግእ ነጋሪት ክሃርሙ ዝጀመሩ፣
(3) ሳልሳይ ወገን፡ ነዚ ውግእ ኣብ ጎድኒ ኢሳያስ ኮይንኩም ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ደው እንተዘበልኩም፡ ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን ዝዓይነቱ (ምስ ህዝቢ ትግራይ እንተዘይተጻላእኩምሲ፡ ኤርትራውነቱኩም ኣይናኣምነልኩምን ዝዓይነቱ ኣባሃህላ) ክብል ዝደሊ፣
(4) ራባዓይ ወገን ካኣ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንፍትሒ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ቃልሲ ከምምዃኑ መጠን፡ ዝኾነ ይኹን ውግእ ክንጽየኖን ክንኩንኖን ይግባእ፣ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘይ ዋዓል ሕደር ካብ ኩሉ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ኣለዎ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ ኩሉ ናይ ኢትዮጵያ ከባቢታት ክወጽእ ኣለዎ፣ ኣብ ርእሲ ሰላማዊ ህዝቢ ዝግበር መጥቃዕትታትን ዓመጻትን ብህጹጽ ደው ክብል ኣለዎ፣ እቲ ውግእ ብቕጽበት ደው ክብል ኣለዎ፣ ወ.ዘ.ተ. ዝብል ኢዩ።

ካለኦት’ውን ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ኣርባዕተ ሓሳባት ዝተፈለየ ሓሳባት ዘለዎም ክህልዉ ይክእሉ ኢዮም። እቱይ ኮነ እቱይ ግን፡ ሕጽር ብዝበለ፡ ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ፡ ነዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ክብድህ ኣይካኣለን - ንስርዓት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ብምእላይ ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ካብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ከድሕኖ ኣይካኣለን። እሞ ሕጂ እንታይ ይገበር?

(1) ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝላዓለ ናህሪ ክቅጽል ኣለዎ፡ ክዕወት ኢዩ ካኣ - ፍትሓዊ ቃልሲ ኣይሳዓርን ኢዩ፣
(2) ክሳብ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ኣገባብ ቃልሲ፡ ንሃገር ካብ ሓደጋ ዘድሕን ከምዘኮነ፡ በዚ ሕጂ ተፈጥሩ ዘሎ ኩነታት ተረጋጊጹ ኣሎ። ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ዘይምልካታ ናይ ውግእ ዓዘቕቲ ክሸኽላ ከሎ፡ እንታይ ገብርናን እንታይ በልናን? ሕጂ ኤርትራ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ውግእ ኣትያ ኣላ። ደምበ ተቃውሞ፡ ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ክትኣቱ የብላን ምባል ዘይኮነስ፡ ድሮ ኣትያ ስለዘላ፡ ከመይ ገርና ነውጻኣ ኢሉ ኢዩ ክቃለስ ዘለዎ።
(3) ደምበ ፍትሒ፡ ተመኩርኡ መዚኑ፡ ሓዱሽ ኣግባብ ኣቃላልሳ ክህንድስን ከተግብርን ይግባእ።

ህጹጽ ጽዊዒት፦

(1) ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብ ኩሉ ልዕላዊ መሬት ኤርትራ ብዘይ ዋዓል ሕደር ክወጽእ ይጽውዕ፣
(2) መሬት ኤርትራ፣ ባሕሪ ኤርትራ፣ ሰማያት ኤርትራን ዝኾነ ኤርትራዊ ንብረትን ዓቕሚ ሰብን፡ ንማዓላ ናይ ኢትዮጵያ ወይ’ውን ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ካብ ምኳን ብህጹጽ ደው ክብል ይጽውዕ፣
(3) ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክወጽእ ይጽውዕ፣
(4) ሰራዊት ኤርትራ፡ መሬት ኤርትራ፣ ሰማያት ኤርትራ፣ ባሕሪ ኤርትራን ዝኾነ ንብረት ኤርትራን ንማዓላ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከይውዕል ክከላኸልን ልዕላውነት ኤርትራ ክዕቅብን ይጽውዕ፣
(5) ውግእ ብቅጽበት ደው ክብልን፡ መሰረታዊ ድሕነት የህዛብ ክኽበርን ክሕሎን ይጽውዕ፣
(6) ድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራትን ክሕሎን፡ ቆላሕታ ናይ ዓለም ሕብረተ-ሰብ ክረኽብን ይጽውዕ፣
(7) ዝኾነ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ዓመጽ፣ በደል፣ ራስያ፣ ዝምታ፣ ወ.ዘ.ተ. ኣብ ካልኦት የህዛብ (ኣብ ህዝቢ ትግራይ ሓኢሱ) ከይፍጽምን፡ ካብ ምፍጻም ብህጹጽ ደው ከብልን (ስርዓት ኢሳያስ ዘገደዶ ዝምታ ኣብ ገለገለ ከባቢታት ትግራይ ከምዘሎ ይሕበር ስለዘሎ)፣ ክሳብ ሕጂ ዝተዘመቱ ንብረታት ክዕቀቡን፡ ምቹእ ኩነታት ምስተረኸበ ካኣ ናብ ዋናታቶም ክምለሱን ይጽውዕ፣
(8) ብዝኾነ ወገን ኣብ ርእሲ ንሰላማዊ ህዝቢ ዝግበር ዓመጽ፣ በደል፣ መቕተልቲ፡ ወ.ዘ.ተ. ብህጹጽ ደው ከብል ይጽውዕ፣
(9) እዚ ውግእ እዚ፡ ህዝቢ ብኮቪድ ተሸግሪሉ ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ እቲ ኸባቢ ብወራር ኣንበጣ ኣብዝተጠቕዓሉ እዋንን፡ ሓረስታይ ነቲ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኣዝርእቱ ኣብዝእክበሉ ወቕቲ (እዋን ቀውዒ)ዝካይድ ዘሎ ኣዝዩ ኣረሜናውን ዘይሓልፍነታውን በድል ኣብ ልዕሊ ንጹህ ሕብረተ-ሰብ ምዃኑ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ክግንዘቦን፡ ዘድሊ ሓገዛት ክገብርን፡ ኩሉ ርህራሀ ዘለዎ ዜጋ ጸዊዒት ክገብር ይጽውዕ፣
(10) እዚ ውግእ እዚ፡ ብዓመጽትን ብህዝቢ ዘይተመረጹ መለኽትን ኣብ ርእሲ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ፣ ሰላምን ርግኣትን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ፡ ኩሉ ዳላይ ሰላም ህዝቢ ዓለም መታን ክግንዘቦ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተቃላሳይ ዘይሕለለ ጻዕሪ ከካይድ ይጽውዕ።

ፍትሓዊ ቃልሲ ኣይሳዓርን ኢዩ

ዝተቃልሰ ይዕወት



ታሪኽ ይድገም ድዩ ዘሎ፧ ዳግማይ መግዛእቲ ክነጉድ፡ ኤርትራዊ ክህመል (Dr Gebre Gebremariam)


Share with friends:


See also recent articles and Seminars by Dr. Gebre Gebremariam
ካልኦት ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


See also Related ምስዚ ዝዛመድ:-



Share with friends: