እቲ በረኻታት ሳሕል ከመይ ድዩ ነገሩ! ናይ`ዛ ጓለይ መስዋእቲ ዘይቅቡል ዝኾነሉ!?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

20/08/2020 23:55 PM

እቲ በረኻታት ሳሕል ከመይ ድዩ ነገሩ!
ናይ`ዛ ጓለይ መስዋእቲ ዘይቅቡል ዝኾነሉ!?

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ስውእቲ ተጋዳሊት ሂወት ኪዳነ ደበሳይ

እቲ በረኻታት ሳሕል ከመይ ድዩ ነገሩ! ናይ`ዛ ጓለይ መስዋእቲ ዘይቅቡል ዝኾነሉ!?

ኣጋጣሚ ናይ ሎሚ ጽሑፍይ ነቶም ኣብ 1945 ዝወደቁ ስማእታት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ ቅነ እዩ። ካልኣይ ኩናት ዓለም ብምምራኽ ናይ ጃፓን ካብ ዝዛዘም እንሆ ሎሚ ጽንብል ዝኽሪ መበል 75 ዓመት VJ Day (Victory over Japan Day) በተን ኣብኡ እተሳተፋ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ህልው ኩነታት ኮቪድ 19 ብድምቀት ተዘኪሩ። እዞም ለባማት ናይ ሎሚ ወለዶ መራሕቲ ጃፓን ዘለዉ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ ተማሂሮም ድሕሪ ሕጅ ኩናት ፍጹም ክድገም የቡሉን እናበሉ ንሰማእታቶም ንምዝካር ኣብ ሃወልቶም ዕንባባታት ኣቀሚጦም። እተን ኣብዚ ኩናት ዝተሳተፋ ሃገራት ኣሻሓት ማይል ርሕቀት ከይደን ንዝኸፈልኦም ሰማእታተን ዝዝከረሉ ግዜ እዩ። ኣብ ሃገርና ድማ ኣብ ድሮ ወርሒ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና መበል 59 ዓመት ንርከብ ኣሎና። እዚ እከይ መሰታ ሞት ዝኾነ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያሰን መሻርኽቱ “ዓርኪ ሰባር ነቃዕ” ዝኾነ ኮተቴ ውልቀ መላኺ ዶር ኣብይ ኣሕመድን እንታይ ኢሎምን ገይሮምን ኣይኮነን እቲ ሕቶ። ማለት “ኣይከሰርና ኩሉ ንብረታና ኣምሊስና ኢና” ይብለ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ። “ን 30 ዓመት እተገብረ ናይ ኤርትራ ጦርነት ክሳራ እዩ ነይሩ።” ይብል ኮተቴ ውልቀ መላኺ ዶር ኣብይ። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ብፍቃድና ብሰባርን ነቃዕን ክንምራሕ ስለ ዘፍቀድና እዩ። እሞ ድኣ ሃገር ክመርሕ ዘፍቀድናሉ መራሒ ስርዓት ሃገርና ከምዚ ካብ በለን ገበረን፡ ብኣንጻር እዚ ድማ ገለ ውሑድ ሓድሽ ወለዶ ንህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ሰማእታትና ሸፋቱ እዮም ዝብሉ ክትርእን ክትሰምዕን እንከለኻ መስመሩ ዝስሓተ እዃ እንተ ኾነ ዘደንጹ ኣይኮነን፤ እናበልኩ ናብ ዋና ኣርእስቲ ጽሑፈይ ክኣቱ።

ኣብ ዘመነ ህግደፍ ዘይተነገረ እንበር ዘይተገበረ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ሰብ የሎን ሃጸይ ኢሰያስ ’ን እንተ ኮነ። እዚ ማለት ግን ነቶም ዕላማ ኣልቦ ባህሪ ናይ ሰብ ዘይርከቦም ስቃይ ህዝቦምን ሃገሮም ዘይርድኦም ገለ ውሑዳት ኣብ ደገ ሰፊሮም ዘይኩርምቶም ሑጻ ዝቁርጡም ገዲፍካ እዩ። ሎሚ ብሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝምራሕ መግዛእታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ዘወርዶ ዘሎ ግፍዒ መዐየሪ የብሉን። እዚ እከይ መሰታ ሕልፈት ሞት ተግባሩ ድማ ካባና ሓሊፍ ኣብ ጎራባብትና ከይተረፈ እዩ ዝሕመየሉ ዘሎ። ስለዚ እዩ ድማ ህዝብና ናብ ፍቀድኡ ንስደድን ንጠፍእን ዘለና። ክንደይ ክንብሎ ግዳይ ኮይኑ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝብና፧ መርኣያ ናይ ዚ ድማ ኣብ መርበብ መራኸቢ ቡዙሃን facebook ዝልጠፍ ዝኽበርኩም ኣሕዋተይ ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ ወደይ እከለ ዝተባህለ ወይ ጓለይ እከሊት እተባህለት በዚ ዕለት ካብ ገዛ ምስ ወጸ ወይ ምስ ወጸት ኣይተመልሰን ኣይተመለሰትን። ካብ ዚ ሓሊፉ ድማ ናይ መጨረሻ ኣብ ሊብያ ወይ ጥልያን ተራእዩ ነይሩ ድሕሪኡ ግን ድሃይ ስለዝጠፍኣና በጃኹም ንድሃይ ወደይ ወይ ጓለይ ንምርካብ በዚ ቁጽሪ ተሌፍን ተሓባብሩኒ ዝብል ሕልናኻ ዝጎድእ ተንብብ። እዝስ እንታይ ኣምጽኦ፧

ምረት ቃልሲ ሃገርና ካብ ቃዳማዩ ዳሕራዋዩ እሞ ኽኣ ኣብ ውጺኢቱ ገዲዱ ከም ዘሎ ዘታሓትት ኣይኮነን። ኣርእስቲ ጽሕፈይ ከም ዝሕብሮ ን መስዋእቲ ተጋዳሊት ሂወት ተሓቲተሉ መልሲ ሲኢነሉ ርእሰይ ኣድኒነ ክብል ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሓደ ጹሑፈ ጠቂሰ ነይረ። መልሲ ዝሳኣንኩሉ ሕቶ በይነይ ዝሕተተሉ ’ን ኣይኮንኩን። እቶም መታሕተይ ከ መን ድኣሎም፧ ንመስዋእቲ ሜዳ ወሪደ ዘይተመልስ ስውእቲ ተጋዳሊት ሂወት ኪዳነ ደበሳይ መን እያ፧

ስውእቲ ተጋዳሊት ሂወት ካብ ኣቦኣ ነፍስሄር ኪዳነ ደበሳይን ኣዲኣ ወይዘሮ ኣምለሰት ቦኽረድንግል ኣብ ከተማ ኣስመራ ተውሊዳ። ትውልዲ መቦቆል ዓዳ ድማ ዓዲ ንፋስ ወረዳ ሮብራ እዩ። ናይ ፈለማ ውላዶም ብምንባራ ሓጎስ ዝዓሰላ ቤት እንዳ ኣቦይ ኪዳነ ደበሳይ ሓድሽ ሂወት ተረኺባ ኢሎም ድማ ንቦኽሪ ውላዶም ሂወት ክብሉ ሰመይዋ። ሂወት ሓንቂቃ ዓብያ ዕድምኣ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርታ ብጸብለልትነት ኣብ ኣስመራ ተኸታቲላ። ሂወት ግን ከም ስማ ሂወት ክንዮ ናይ ወለዳ ናይ ህዝባን ሃገራን ሂወት ምኻን እዩ ዝነበረ ምርጫኣ። በዚ መሰረት ድማ ከም ኩሎም ሓላፍነታውያን መንእሰያት ኤርትራ ንሜዳ ኣብ መጀመርያ ለካቲት 1975 ካብ ኣስመራ ናብ ሜዳ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፋ። ኣጋጣሚ ኮይኑ እሳ እተሰለፈቶ ውድብ ከም ዛዛሚ ባዕዳዊ መግዛእትን ሃንዳሲ ናጽነትን ኤርትራ ኮይኑ ኣስመራ ዝኣተወ ውድብ ህባዊ ግንባር ኣባሉ እያ ነይራ። እዚ ውድብ ንናጽነት 65 ሽሕ ከም ዝተሰውኡ ብ1992 ገሊጹ። ምስክር ናይ ሓርበኛ ንወለዶም እተሰለፍሉን እተስውእሉን ዕለትን ቦታን ዝነበርዎ ኣሃድኦምን ትውልዲ ዓዶምን ዝገልጽ ሰነድ ዓዲሉ። እዚ ዝረኸባ ስድራ ቤታትና ድማ ኣብ ነውሰከፍ መናድቅ ገዛውተን ተሰቂሉ ይርከብ። እዚ ማለት ግን ናይ ገለ መስውእቲ ብዕላማ ተጎስዩ ብምንባሩ ኣብ ወለድና ከቢድ ሃስያ ኣሕዲርሎም ኣሎ። ነዚ ኣመልኺተ ገለ ካብተን ቀዳሞት ግዳይ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ “ድሃብን ኣበራሽን ኣብ ልብና እዩ ሰፈርን ክብል” ንኣብነት ንምጥቃስ ዝጽሓፍኩ። ሎሚ ድማ መቀጸልታ ናቱ ኮይኑ ሰነድ መስዋእቲ እተነፍጋ ካብ ቡዙሓት ሓንቲ ካብ ኣቶም ሕቶ ናይ ስውእቲ ሂወት ኪዳነ ደበሳይ እዩ። እዞም ግዳይ ናይ ቲ ቀናን መሪሕነት ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝኾኑ ጀጋኑ ስውኣትና ካብ ኦም ሓሊፉ ኣብ ወለዶም ውን በጺሑ ንረኽቦ። ሓደ ካብ ኦም ወላዲ ንስውእቲ ሂወት ዝኾኑ ነፍስሄር ኣቶ ኪዳነ ደባሳይ እዩም። እዛ መስዋእቲ ሂወት ካብ ንሃገር ሓሊፋ እንታይ ድኣ ረኸባ፧ እንበሉ ምስ ጉሁይ ልቦም ድሃይ ናጽነት እንበር ዋጋ ናጽነት ዝኾነ ሂወት ቦኽሪ ጓሎም ድሃይ ከይረኽቡ ናብ ዓዲ እዝጊሄሮም ጊዒዞም። እሞ ድኣ ሎሚ መን እዩ ዘይከሰረ፧

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነበራ ውድባት ካብ ሰውራታት ዓለም ፍሉያት ኮይኑ ውሃ ዘበለ ኣታሕዛ መዝገብ ስውኣት ክነብረን ዝጽበ ከም ዘየሎ ይርድኣኒ እዩ። ናይ ሕጂ መዛረብየይ ብፍላይ ኣጋጣሚ ኾይኑ እቲ ኣነ ዝነበርክዎ ውድብ እዩ። እቲ ዝነበሮ ኣታሓሕዛ መዝገብ ስውኣትና ምስ ኩሉ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝንኣድ እዩ ነይሩ እንተ በልኩ ኣይተጋነን። እንተ ኾነ ግን ብዕላማ መዝገብ ስውኣትና ንገለ ግን ኣይተጸየኖምን ማለት ኣይኮነን።

ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ እዞም ኩሎም ካብ ቦኽሪ ገዛ ክሳብ ሕሳስ ልደ ዝኽፈለት ስድራ ቤትን እታ ዕድመ ንእስነታ ንኣማኒኣ ክትጽበ ግዜኣ ዝዕረበቶን መርዓት ኣይከሰረትን። እታ ዝዘኽተሙ ቆልዑት ክተዐቢ እተፈርደት ኣደ ንኽብሪ መስል ህዝብናን ልእላውነት ሃገርና እንበር ንዘውዲ ሃጽይ ልጅ ኢሰያስ ኣይኮነን። ኣብ ዝኽሪ ሰማእታትና መዓልቲ ግን ኣይተ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዘውዲ ሃጸይነቱ ዝጨበጥ ኮይኑ ዝተሰምዖ “ኣይከሰርናን ንብረትና ብምልኡ መሊስና ኢና”። ክብል ነታ ኣብ ሙሉእ ሃገር ንዝኽሪ ህዝብን ሃገርን እተሰውአ ኣሚናን ውላዳን ንምዝካር ሽምዓ እናብርህት እንከላ ናይ ክድዓት ደወል መልእኽቲ ካብ 1ይ ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝተዋህበ እዩ ነይሩ።

ጓሂ ወለዲ ስድራቤት ስውኣትና ግን ካብ ቃዳማዩ ዳሕራዋዩ ገዲዱ። ኣብነት ሓንቲ ካብ ዚኣቶም ድማ ወላዲት ስውእቲ ሂወት ዝኾና ኣደ እየን። ኣደይ ኣምለስት ቦኸረድንግል እንታይ ኮን ተሰሚዑወን ይኽውን፧ እድሚ ሰለስተ ዓመት “ኣንታ ወደይ እቲ በረኻታት ሳሕል ከመይ ድዩ ነገሩ ናይ ዛ ጓለይ መስዋእቲ ዘይቁበል ዝኾነሉ፧” ተባሂለ ተሓቲተሉ። እዚ ሕቶ ግን በይነይ ዝሕተተሉ ኣይኮንኩን እንታይ ድኣ፧ ኩሉ እታ ስውእቲ ተጋዳሊት ሂወት ኪዳነ እተሰለፈትሉ ኣባል ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነብረ ተጋዳላይ እዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ንስውእቲ ሂወት ኪዳነ ዝርኣየ ወይ ኣብ ኣሃዱና ነይራ ክሳብ እዚ ግዜ ዝብለና እንተሎ በዓይኑ ይብራህ ኢላ ትጽውዕ ዝኽሰረት ኣደን ስድራ ቤት።

ከምቲ ኣብ መእተዊ እዚ ጽሑፈይ ዝጠቀስኩዎ ሓለፍነታውያን ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ጃፓን ድሕሪ ሕጂ ከም ዚ ዓይነት ኩናት ፍጹም ከይድገም ዝበልዎ ንዓና ’ን ይምልከተና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብስንኪ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓትን መሪሕነት ሃጸይ ልጅ ኢሳያስን ብዶብ ኣመሳሚሱ ደቅና ኣህሊቁ። ንሱ ከይኣክል ሕጂ ድማ ኢትዮጵያ ክይትበታተን ኢሉ ንኩናት ቀባሕባሕ ይብል ኣሎ። ስለዚ ንሕና ውን ዝኸሰርናዮ ይኣክል ፍጹም ከይድገም ንብለሉ ግዜ ሕጂ ’ን እዩ። እዚ ማለት ድማ እዚ ሓድሽ ሓለፍነታዊ ወለዶ መንእሰይ ሃገርና ክብሪ ህዝብናን ሃገሩን ሰማእታቱ ዝኽብር ካብ ዳግማይ ክሳራን ሃገር ምድሓን መሪሕ ተራ ኣዕዚዙ ክጻወት ድማ በዚ ኣጋጣሚ እጽውዕ።

ክብርን ሞጎስን መንነትና ዘውሓሱ ሰማእታትና

ውድቀት ንመንነትና ዝድምስስ መሪሕነት ስርዓት ህግደፍ

ሰሎሞን የውሃንስ
ዓባይ ብሪጣንያ
18 August 2020


Share with friends:


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

"Dame Vera Lynn Medley and songs from VJ Day 75 - BBC



Share with friends: