ሃገራዊ ዕርቂ፡ ማዓስን ብኸመይን? ኣገዳስነቱን ትግባረኡን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

20/08/2020 23:55 PM

ሃገራዊ ዕርቂ፡
ማዓስን ብኸመይን? ኣገዳስነቱን ትግባረኡን

National Reconciliation:
When and how? Importance and Implementation.

ኣስተምህሮ ብ`ዶር. ገብረ ገብረማሪያም
Seminar by Dr. Gebre Gebremariam

ሃገራዊ ዕርቂ - National Reconciliation

ሃገራዊ ዕርቂ፡ ማዓስን ብኸመይን? ኣገዳስነቱን ትግባረኡን። ኣስተምህሮ፡ ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።
National Reconciliation: When and how? Importance and Implementation - by Dr. Gebre Gebremariam.
Seminar by Dr. Gebre Gebremariam. ኣስተምህሮ፡ ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም፡ ኤርትራ ንዓሰረታት ወለዶታት ዘቑጸሩ ረጽምታት፣ ዓፈናታት፣ ቅንጸላታት፣ ማሕነቕታታት፣ ምስዋራት፣ መጭወያታት፣ ምሕያራት፣ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተኻየዱ ውግኣት፣ ኣልማማ ምጽናት ደቂ ሰባት፣ ምብዳም ዓድታት፣ ራስያታት፣ ናይ ነፈርቲ ውግእ ደብዳባት፣ ናይ ተወንጨትፍቲ መዳፍዕ ደብዳባት፣ ውግእ ሕድሕድ ኤርትራውያን ውዳባት፣ ሕድሕዳዊ ቅንጸላታት (ፋሉል፣ የሚን፣ መንካዕ፣ ወ.ዘ.ተ. እንዳበልካ) ሓሊፋ ዝተፈጠረት ልዕላዊት ሃገር ምዃና የረድእ። ንሱ፡ ድሕሪ ናጻ ምዃና’ውን፡ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፍጹም መላኺ ዝኾነ፡ ዘይሕጋዊን ዘይቅዋማውን ኣዝዩ ሓሳድ ስርዓት ኢያ ክትማሓደር ጸኒሓን ዘላን ከምስዕቤንይ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞም ዝጸንሐን ዘሎን ዓመጻት፣ በደላት፣ ገበናት፣ ወ.ዘ.ተ. ቖጺርካ ዝውድኡ ከምዘይኮኑ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ወሲኹ የረድእ፦

 ኣብ ዘይግቡኣት ውግኣት ኣትዮም ሂወቶም ዝሳኣኑ፣ ኣካላቶም ዝጎደሉ፣ ሃለዋቶም ዘይተፈለጡ ኤርትራውያን
 ብዘይ ሕግን ፍትሕን ኣብ መዳጎኒታት ብኣዝዮም ኣሰቐቕቲ ዝኾኑ ኣታሓሕዛታት ሂወቶም ዝሓልፉ፣ ኣካላቶም ዝማሰኑ፣ ኣእምርኦም ዝሳሓቱ ኤርትራውያን
 ባርነት ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዊጁ ዘተግበረ (ገደብ ዘይብሉ ጉዱድ ዕስክርና፣ ብዘይ ጻማ ጉዱድ ሸቅሊ፣ ወ.ዘ.ተ.)
 መሰል ብሂወት ምንባር፣ ምቅስቓስ፣ ምስራሕን ናይ ስራሕካ ጻማ ወናኒ ምዃንን፣ ዋኒንን ንብረትን ምውናን፣ ነብስኻ ንነብስኻ ምምሕዳር፣ ወ.ዘ.ተ. ንህዝቢ ኤርትራ ብምሕራም፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይ ኩሉ ዓይነት ሕሰማትን ዓመጻትን ንኽኸውን ዝዳረገ
 ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ኤርትራ ካኣ ብፍላይ፡ ሃገሩ ገዲፉ ንስደት ከምዘምርሕን ንኣደዳ (1) ነጋዶ ደቂ ሰባት (2) ኣብ ምደረበዳ ኣብ ሕጻ ተቐቢሩ ከምዝተርፍ (3) ኣብ ባሕርታት ጢሒሉ ከምዝተርፍ (4) ኤርትራዊ ብሂወቱ ከሎ ውሽጣዊ ኣካላቱ ተመዚዑ ኣብ ንዕዳጋ ኣካላት ደቂ ሰባት ክወርድ፣ ወ.ዘ.ተ ዝገበረ

ዶር. ገብረ፡ ኣብ ርእሲ ኤርትራን ህዝባን ዘውረዱ በደላትን ኣደራዓትን፡ ኣብ ነዊሕ ጊዜ ዝተፈጸሙ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነት ሓይልታት (ባዕዳውያን፣ ደቂ ሃገር)፣ ኣብ ሓደ እዋን በደልቲ ዝነበሩ፡ ኣብ ካልእ እዋን ተበደልቲ፡ እቶም ተበደልቲ ዝነበሩ ካኣ በደልቲ ናይ ምዃን፣ ብመንግስቲ (ስርዓተ-ምሕደራ) ዝተፈጸሙን ብውድባት ኤርትራ ዝትገብሩን፣ ብውልቀ-ሰባትን ብእኩብን ዝተገበሩ፣ ወ.ዘ.ተ. ስለዝኾኑ፡ ኣዝዮም ዝተዋሳሰቡ ከምዝኾኑ ብኣብነታት ይገልጽ። ንሕሉፍ ታርኽ (ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ) ሓልፍነት ከይተወሰደሉ፡ ቀጻሊ ሰላም፣ ምዕባሌ ሃገርን ዲሞክራስን ክሰፍኑ ከምዘይክእሉን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ መሰጋገሪ ፍትሒ (Transitional Justice)መስርሕ ምክያድ ኣገዳስን ክስገር ዘይካኣልን ዕማም ከምዝገብሮን፡ ናይ መሰጋገሪ ፍትሒ መሰርሕ ንምኽያድ ካኣ፡ መጀመሪያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ክሳዓር ስለዘለዎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ንምስዓር ካኣ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ንክቃለስ ዶር. ገብረ ምሕጽንትኡ የማሓላልፍ። ህዝቢ ሓቢሩ ንኽቃለስ፡ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክህልዎን፡ ናይ ሓባር ናይ ጉዕዞ ዲሞክራሲ ኣጀንዳ ክህንድስ ስለዘለዎ፡ ግርጭታት ብኸመይ ከምዝፍትሑን ሕድሕዳዊ ምትእምማን ብኸመይ ከምዝህነጽን፡ ሰፊሕ ኣስትምህሮታት ንህዝቢ ምሃብ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ነዚ ኣስተምህሮታት እዚ ብዕቱብ ክኸታተሎ ዶር. ገብረ ይጽውዕ።


ሃገራዊ ዕርቂ እንታይ ማለት ኢይ፡ 1ይ ክፋል
What is National Reconciliation?
Seminar by Dr. Gebre Gebremariam. ኣስተምህሮ፡ ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።
Part 1 of 6:


ቅድሚ ምፍራስ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝገበር ናይ ዕርቂ መስርሕ፡ 2ይ ክፋል
The Reconciliation process before the demise of the Dictatorial system of Isaias.
Seminar by Dr. Gebre Gebremariam. ኣስተምህሮ፡ ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።
Part 2 of 6:


ግርጭታትን ኣፈታትሕኦምን፡ 3ይ ክፋል
Conflicts and their Resolution.
Seminar by Dr. Gebre Gebremariam. ኣስተምህሮ፡ ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።
Part 3 of 6:


ተራ መሪሕነታዊ ትካል ኣብ ምፍታሕ ግርጭታት፡ 4ይ ክፋል
The Role of Leadership authority, in conflict resolution.
Seminar by Dr. Gebre Gebremariam. ኣስተምህሮ፡ ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።
Part 4 of 6:


ባህርያት ብቑዕ መሪሕነታዊ ትካል፡ 5ይ ክፋል
The Characteristics of a competent Leadership authority.
Seminar by Dr. Gebre Gebremariam. ኣስተምህሮ፡ ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።
Part 5 of 6:


ምትእምማን ብኸመይ ይህነጽ፡ 6ይ ክፋል
Trust Building.
Seminar by Dr. Gebre Gebremariam. ኣስተምህሮ፡ ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም።
Part 6 of 6:


Share with friends: 



See also recent articles and Seminars by Dr. Gebre Gebremariam
ካልኦት ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


See also Related ምስዚ ዝዛመድ:-



Share with friends: