Placeholder Picture
Placeholder Picture
Missiam Massacre in Eritrea. ምስያም፡ ህዝባን መሬታን፡

26/03/2022 22:26 PM

Missiam Massacre in Eritrea
50-year memmorial.

ምስያም፡ ህዝባን መሬታን፡
ንዝኽሪ 50 ዓመት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ምስያም።

by Abdu Suleiman.

fresh-article-template

Missiam Massacre in Eritrea, 50-year memmorial.
ምስያም፡ ህዝባን መሬታን፡ ንዝኽሪ 50 ዓመት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ምስያም።
By Abdu Suleiman

Missiam Massacre in Eritrea, 50-year memmorial.
ምስያም፡ ህዝባን መሬታን፡ ንዝኽሪ 50 ዓመት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ምስያም።
By Abdu Suleiman



Missiam Massacre in Eritrea. (Part 1/6):
Missiam Massacre in Eritrea. (Part 2/6):
Missiam Massacre in Eritrea. (Part 3/6):
Missiam Massacre in Eritrea. (Part 4/6):
Missiam Massacre in Eritrea. (Part 5/6):
Missiam Massacre in Eritrea. (Part 6/6):


COMMENTS   تعليق   ርእይቶታት፡-


ዓብዱ ሱሌማን ሓወይ!

ነዚ ኣብ ልዕሊ ዓዲን ህዝቢን ምስያም፡ ኣብ ቅንያት ጾም (ምስያም)፡ ቅድሚ 50 ዓመታት ዘጋጠመ መሪር ተሞኩሮ፡ ምስ ህያው ጭብጥታቱ ሰኒድካ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንመጻኢ ትውልድታትናን፡ መምሃሪ ዝኸውን ስራሕ ኢኻ ኣበርኪትካ። ንዓኻን፡ ነቶም ነዚ ሰነድ እዚ ህያው ኮይኑ ንኸተዳልዎ ዝተሓባበሩኻን፡ ዘሎኒ ምስጋና፡ ንምግላጹ ዓቕመይ ይሓጽረኒ። ግን ከኣ፡ ልዕሊ እቲ ኹሉ ዝበለጸ ናእዳን ምስጋናን ኮይኑ ክቑጸረለይ፡ ንኹሎም ኣንበብቲ ጽሑፈይ እላቦ።

ኣብዘን ኣብ ሽዱሽተ ክፋላት ብተኻታታሊ ሰሪዕካ ዘቕረብካልና ምስክርነታት፡ ከምዝነበሮ፡ እቲ ሓቂ ሰፊሩ ኣሎ። ናብ ልቦና ኹሉ ዜጋ ኣትዩ፡ ሕልናኡ ንኽብርብር፡ ከስተንትን ዝገብር፡ ኣብታ ሓቢርና መስዋእቲ ዝኸፈልናላ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ተኻባቢርና ክንነብረላ ከምዝግባእ እውን፡ ዓቢ ህያው ትምህርቲ ንውሉድ ወለዶታትና ኢዩ።

ኣብ ዓድታት ኤርትራ፡ ብገዛእቲ ስርዓታትን ተሓባበርቶምን ዝወረደ ግፍዒ፡ ማእለያ ኣይነበሮን። ብዝግባእ ከኣ ብምልኣት ኣይተሰነደን። ግዝፊ ናይቲ መጠኑ ዝሓለፈ ግፍዕታት፡ እቶም ኣገልገልቲ ናይቲ መግዛእታዊ ስርዓት ዝነበሩ፡ ንኣብነት፡ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብታ "Red Tears" ኢሉ ዝሰመያ መጽሓፉ፡ ተኣሚኑሉ ኣሎ። "ግፍዕታት" ዘርእስታ ካልእ መጽሓፍ ውን ኣብ ኤርትራ ተሓቲማ ከምዘላ ርእየ ኣሎኹ፡ ግን ኣብ ኢደይ ኣይረኸብኩዋን። ንሕና ኤርትራውያን፡ ነቲ ኣብ ህዝብናን ዓድታትናን ዝወረደ ግፍዕታት፡ ንምስናዱ ዘሎና ስራሕ፡ ከነዛይዶ ይግባእ።

እወ ሓቂ ኢዩ፡
ከም ህዝቢ፡ ብዙሕ ዘኹርዕ ናይ ሓባር ታሪኽ ኣሎና። ብዙሕ ከኣ፡ ክንመሃረሉ ዝግባእ እተፈጸመ ግፍዕታት ይኹን ሕማቕ ነገራት ኣሎ። ሓደ ኣብነት፡ እዚ ኣብ ምስያምን ህዝባን እተፈጸመ ኢዩ። ክንመሃረሉ ኸኣ ይግባእ።

ደጊመ፡
ሓው ዓብዱ ሱሌማን፡
ንኹሎም ጉድኣት ዝወረዶም ህዝቢ ምስያም፡ ንስድራ-ቤትካ ሓዊሱ፡ ረቢ ምጽንናዕ ክህበኩም እልምን።

ምስያምን ህዝባን፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘርኣየቶ ዘሐብን ጅግንነትን ምእንትኡ ዝኸፈለቶ ከቢድ መስዋእቲን፡ ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ስፊሩ፡ እናተዘከረ ክነብር ምዃኑ፡ እተኣማመን።

ዝለዓለ ምስጋናይ ይብጻሕካ!

ብጻይካን ሓውኻን፡
Yohannes Tseggay Berhe
snitna.com




See also Related - ምስዚ ዝተኣሳሰር:-

ኣይረሳዕናዮን


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: