ሃገረ ክሮአሽያ!

23/07/2018 20:35 PM

ሃገረ ክሮአሽያ!

ብ'መሲናስ


Ganta-Croatia-2018

ሃገረ ክሮአሽያ!

ሃገረ ክሮአሽያ (Croatia) ኣብ ሊባ (ደቡባዊ ምብራቕ) ኣህጉር ኤውሮጳ እትርከብ፡ 56,500 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታ፣ 4,779,000 ዝብዝሑ ህዝቢ ዝነብራ፡ ብዕለት 25/06/1991 ዓ.ም. ካብ ሃገረ ዩጎስላቭያ ተፈልያ፡ ናጽነታ ዝኣወጀትን ብማሕበረሰብ ዓለም ዝጸደቐላን መዋልዲ ሃገረ ኤርትራ ዝኾነት ሓዳስ ሃገር እያ። መዲና ክሮአሽያ ዛግረብ ትብሃል።

ሃገረ ክሮአሽያ ቅድሚ ከም ሃገር ምፍላጣ’ያ ኣብ 1990 ሃገራዊ ቅዋም ነዲፋ፡ መራሒኣ ብደሞክራስያዊ ኣጋባብ መሪጻ። እቲ ሽዑ ብዝህቢ ዚተመርጸ መራሒኣ ድማ ፕረሲደንት ፍራንጆ ቱጅማን ይብሃል። እዚ መራሒ’ዚ ድማ’ዩ ኣብ 1991 ዓ.ም. ንክሮአሽያ ከም ሃገር ከም ዝቖመት ንማሕበረሰብ ዓለም ዘፍለጠ።

Ganta Elpa Eritrea 1980s

ህዝቢ ክሮአሽያ ድሕሪ’ዚ ካብ ሃገረ ዩጎስላቭያ ንምንጻል ዘካየዶ ሓያል ኲናት፡ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ እናኣካየደ፡ መራሕቱ ብምምራጽ፡ ምሕደራኡ ደሞክራስያዊ፡ ግሉጽን ጽፉፍን ምዃኑ ብግብሪ ዘረጋገጸ። ሃገረ ክሮአሽያ ከኣ በዚ ስልጡን ኣጋባብ’ዚ ስለ ዝተጓዕዘት፡ ሎሚ ድሕሪ 27 ዓመታት ሰላማ ኣረጋጊጻ፡ መሰል ህዝባ ኣኽቢራን ኣውሒሳን ቅሳነትን ራህዋን ብምፍጣር፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ዕብየት ህዝብን ሃገርን ጽፉፍ ወፍሪ ብምክያድ፡ ዓወታት እናሓፈሰት፡ እንሆ ናይ 2018 ዓ.ም. ዋንጫ ዓለም ንምጭባጥ ኣብ ምድንዳን በጺሓ!

ኣብ ክሮአሽያ ብዘይካ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝውነና ውሑዳት ፋብሪካታትን ንጥፈታት ቱሪዝምን ካልእ ምንጪ ሃገራዊ እቶት ዳርጋ የለን። ሳላ ግሉጽን ጽፉፍን ህዝባዊ ምሕደራ ግን ንዘሎዋ ውሑድ እቶት ብግቡእ ተጠቒማ፡ ዕውትቲ ኮይና ክትወጽእ ክኢላ ኣላ።

ብውልቀ መላኺ ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ እትምራሕ መዋልድታ ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ ግን ካብ መዛኑኣ ንድሕሪት ተሪፋ፡ ኣበየናይ ደረጃ ሕስረት፡ ድኽነትን ምብትታን ህዝባን ወዲቓ ከም ዘላ ንኹሉ ብሩህ ስለ ዝኾነ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለናን። ብመሰረቱ ብውልቀ-መላኺ ተመሪሓ ዝማዕበለት ሃገር ኣብ ዓለም ስለ ዘየላ፡ ኤርትራ ሃገርናውን ብደማሒ ክትምዕብል ክንጽበ ኣይግባእን’ዩ።

ኤርትራ ሃገርና ከም ክሮአሽያ ጥጡሕ ባይታ ዘይነበራ ካብ ዜሮ እተበገሰት ሃገር ኣይኮነትን። ኣብ ኤርትራ ዘይከም ኣብ ክሮአሽያ ቅድሚ ጉጅለ ህግደፍ ካብ በራኻ ሳሕል ናብ ኣስመራ ምእታዉ፡ ኩሉ ነገር ሰሪቱ ነይሩ’ዩ። ከም ኩሉ ካልእ ንጥፈታት ስፖርት ከኣ ኩዕሶ እግሪውን ኣብ ግዜ ደርግ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ’ዩ በጺሑ ነይሩ! ስፖርት ኣብ ሃገርና ዝሞተ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ጥራይ እዩ! ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ሰለስተ ግዜ ኣከታቲሎም፡ ብምሉኦም ሃገራዊ ጋንታኣ ራሕሪሖማ ዝሃደሙ ሃገር እንተላ፡ እንኮ እዛ ብልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ጥራይ እያ!

ጉጅለ ሕሰም ነቲ ኣብ ተስዓታት ኣብ ኤርትራ ዝጸንሖ ባህሊ ስፖርት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ባህሊ ኩዕሶ እግርን ቅድድም ብሽግለታን፡ ካብቲ ዝጸንሖ ብዝበለጸስ ይትረፍ ከምቲ ዝጸንሖውን እንተዝዕቅቦ ነይሩ፡ ኤርትራ ሃገርና ኣቐዲማ ኣብዚ ሎሚ (2018 ዓ.ም.) ሃገረ ክሮኣሽያ ዝበጸሓቶ ዘላ ደረጃ ከም ትበጽሕ ዘጠራር ኣይነበረን። እዚ ዕድል’ዚ ግን ብሰንኪ ሓደ ባልዋ (ኣርሓ መፍለስ) ባኺኑ ተሪፉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ዝተናውሐ እዋን እውን እንተኾነ ናብ ክትስኣሉ ዘይትኽል ደረጃ ኣውዲቑዋ ይርከብ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ በረኻ ናብ ከተማ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝጸንሖ ባህሊ ስፖርት ንምዕቃብን ንምዕባይን ኣብ መምሕዳሩ ሜዳ ስፖርቲ ከፊቱ ዘሰስኖ፡ ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝጸንሖ ዓመታዊ ውድድራት 107 ቀበሌታት (ምምሕዳራት) ከተማ ኣስመራ ዘአንግድ ዝነበረ፡ ከም እንዳ ስላሴ (ዕዳጋ ሓሙስ) ዝኣመሰለ ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ዓጽዩ፡ መሸቀጢ ኣሕምልትን ሽጉርትን’ዩ ጌሩዎ! ብኡ መሰረት ከኣ ኣብ መምሕዳሩ ብስፖርት ተኾስኲሱ ዝዓቢ ዝነበረ ኤርትራ ዜጋ ምፍራይ ኣቋሪጹ ማለት’ዩ! ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ክንዲ ብስፖርት ብኲናት ከም ዝዓብን ከም ዝምልመልን ጌሩዎ! እቲ ዝገርም ግን እዚ ወተሃደራዊ ምሕደራ ህግደፍ’ዚ ንሓይሊ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዘተርንዖ ልዕሊ ዝኾነ እዋን’ዩ ኣዳኺሙዎ ምህላዉ እዩ!

ሃገረ ክሮአሽያ!

ኣንቲ ክሮአሽያ መዋልዲ ሃገርና
ብሓደ እምበር ኢና ናጽነት ረኺብና
ብኸመይ ደኣልኪ ድሕሪት ገዲፍክና
ተኣምር ሰሪሕኪ ትማሊ ኣብ ዓለምና!?

ብብዝሒ ህዝቢ’ኳ ማዕረኣ እንተኾንኪ
ብስፍሓትን ጸጋንሲ ኤርትራ ትበልጸኪ
ክቡር መስዋእትነት ጀጋኑ ከፊልኪ
25 ሰነ 1991 ዓ.ም. ናጽነት ምስ ጨበጥኪ
ንሃገረይ ዚብል መራሒ ረኺብኪ
መሰረት ምዕባለ እግሪ ኣትኪሉኪ
ኣብ ውድድር ዓለም ንዓወት በቒዕኪ!

እዛ መዘናኺ ደኣ እንታይ እዩ ወሪዱዋ
ሓደ ርጉም ፍጥረት ሓኒቑ ሒዙዋ
ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት መሊሱዋ
ደቃ ዝሃድሙላ ምድረ-ሲኦል ጌሩዋ!

ብሰንኪ ሓደ ሰብ’ወ ስልጣን ሃይማኖቱ
ሃገር ምሉእዶታ ይጽልምት መብራህቱ
እዚ ናትና ነገርስ ንበይኑ’ዩ ብልሓቱ
እዚ ኹሉ መስዋእቲ ጌሩዎ ንኸንቱ!

ሃገረ ክሮአሽያ ዳግም ክሓተኪ
ተፈጥራዊ ህያብ ዝድርኽ ዕብየትኪ
ከምዚ ናይ ኤርትራ ጸጋታት ዘይብልኪ
ብኸመይ ደኣ’ሞ ገዲፍክያ ኬድኪ
እስከ ንገርና ምስጢሩ ዘርዚርኪ?

ምስጢሩ ደኣ’ሞ ርእሰ ግሉጽ እንድዩ
ዕብየት ዝረጋገጽ ብደሞክራሲ’ዩ
ሓርነትን ፍትሕን ዚወስድ ጨውዩ
ኣብ ህዝብን ሃገር መላኺ እንተልዩ
ምዕባለን ዕብየትን ኣይሕሰብን እዩ!

ህያብ ናይ ሰማእታት ሃገረ ኤርትራ
ብመስዋእቲ ደቃ ድሕሪ ምሕራራ
ህዝባዊ መንግስቲ እንተትተክል ነይራ
ህዝባ በታቲና ብናይ ምልኪ ምሕደራ
ደም ኣይምነበዐትን ብሓሳር መከራ!

ጉጅለ ህግደፍ ተመለኽቲ’ምበር ደገፍቲ የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/07/2018

Share with friends:


Recent articles by Mesinas ካልእ ጽሑፋት ብመሲናስ፡-

•   መትበር ኤርትራን ኢትዮጵያን!  

•   ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን - ተኻታታሊ ጽሑፍ ብመሲናስ (1ይ - 29 ክፋል)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:

Share with friends