ንዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ፡ ኣሕመድ መሓመድ ናስር

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/04/2021 21:35 PM

ንዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ፡ ኣሕመድ መሓመድ ናስር
"ሰሚናር ኣብ፡ ዘተ ንሓባራዊ ንቅሓት"

Special event seminar: In memory of Martyr Veteran Ahmed Nasser

ንዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ፡ ኣሕመድ መሓመድ ናስር

ንዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ፡ ኣሕመድ መሓመድ ናስር
"ሰሚናር ኣብ፡ ዘተ ንሓባራዊ ንቅሓት"

Special event seminar: In memory of Martyr Veteran Ahmed Nasser

ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ታሪኽ ሓርበኛታት ጀጋኑ ኤርትራዊያን፡ ንዓለም ዘደነቐን ብዙሓት ዝመስከሩሉን ይኹን`ምበር፡ ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ ይትረፍ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ`ኳ፡ ኣይተሰነደን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ፡ ብዙሓት ሓርበኛታትና፡ ነቲ ቅያ ጅግንነቶምን ታሪኾምን ከየዘንተዉሉ፡ ወይ`ውን ጽሑፍ ከይገደፉ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ተማራሪሖምም ብመስዋእቲ ይፍለዩና ምህላዎም ኢዩ።

ታሪኽ ናይ ምስናድ ሓላፍነት፡ ንኹሉ ግዱስ ሃገራዊ ዜጋ ዝምልከት`ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ግን፡ ናይ መንግስቲ ከምኡ`ድማ ናይተን ኣብ ቃልሲ ዝነበራን ዘለዋን ፖለቲካዊ ውድባትና፡ ከምኡ`ውን ናይ ታሪኽ ተማራመርቲን ጸሓፍቲን ኤርትራውያን፡ ሓላፍነት ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ፡ ኣብዚ መዳይ ዚ ጻዕሪ ዘካይዱ ግዱሳት ዜጋታት ፈጺሞም የለዉን ንምባል ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ንምባል ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ኣብ ምስናድ ታሪኽ ሓርበኛታትን ልሉያት ኤርትራውያንን ከይተሓለሉ ዝስንዱ ወብሳይትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ክብ ዝበለ ምስጋና ይግብኦም። ናይዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ወብሳይታት መላግቦታት (ሊንክ) ድማ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ( www.snitna.com ) ይርከብ። መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ብመንገዱ`ውን ኣብቲ ሰነዳት Documents ዝብል ገጽ፡ ንታሪኽ ሰውራናን ታሪኽ ጀጋኑናን ዝምልከት ሓበሬታን ሰነዳትን፡ ዓቂቡ ይርከብ።

ንሎሚ፡ ኣብ ታሕቲ ነቕርበልኩም ዘሎና፡ ንዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ፡ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ዝምልከት፡ ኣብ መርበብ "ዘተ ንሓባራዊ ንቅሓት" ዝተኻየደ ፍሉይ መደብን፡ ካልእ ንዕኡ ዘንጸባርቕን ትሕዝቶ ኢዩ።

ሰማእታትና፡ ንዘልኣለም ብኽብሪ ይዘከሩ!

ስኒትና.ኮም

ንዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ፡
ኣሕመድ መሓመድ ናስር
"ሰሚናር ኣብ፡ ዘተ ንሓባራዊ ንቅሓት"

Special event seminar:
In memory of Martyr Veteran Ahmed Nasser

ሓጺር ታሪኽ ህይወት
ኣብነታዊ መራሒ ስዉእ ኣሕመድ መሓመድ ናስር


Short Biography of
Martyr Ahmed Nasser
السيرة الذاتية القصيرة للشهيد أحمد ناصر.


Share with friends:

Tv Eri adal v14(28/30) مراسم تشييع وتأبين القائد و الرمز الوطني أحمد محمد ناصر أستوكهولم 2014 03
ስነስርዓት ቀብሪ ዓቢ መራሒ፣ ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር በቲ ኣጋጣሚ ንገድላዊ ሞያኡን ንዝነበሮ ክቱር ድሌት ኤርትራዊ ሓድነትን ዝገልጽ ናይ ብጾቱ ምስክርነትን

Ahmed Nasser's Memorial Service - London: 1 Jun 2014


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: