ብዓል ንዝኽሪ ጀጋኑ ሓርበኛታት አርትራ

09/08/2017 19:20 PM

ብዓል ንዝኽሪ ጀጋኑ ሓርበኛታት አርትራ

ንሓሰ 05, 2017 ዓ.ም.

ሓርበኛታት አርትራ

ንሓሰ 05, 2017 ዓ.ም. ብዓል ንዝኽሪ ጀጋኑ ሓርበኛታት አርትራ

ብ 1962 ዓ.ም. ኣቢሉ ይኸውን ወርሓቱ ድማ ወርሒ 8/ ንሓሰ ምንባሩ ረግጸኛ እየ ምኽንያቱ ቤተ-ክርስቲያን ዓድና እንዳ ኣቦይ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ዓመታዊ ንግደቱ ኣብ ወርሒ ንሓሰ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፡፡ ኣብዚ ንግደት’ዚ ኣቦይ ተኽለሃይማኖት ብጣዕሚ ሰማዕ እዩ ኩሉ ዝለመንካዮ ዘማልእ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣብ ህዝቢ ስለዝሓደረ ካብ ኩሉ ሸነኻት ማለት ካብ ውሽጢ ኤሪትራ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ብዓል ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ስዑዲያ፡ ወዘተ ከይተረፈ ዝውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ ማእለያ ኣይነበሮን፡ ብሕልፊ ካብ ከተማ ባጽዕ ዳርጋ ብኹሎም (ኣስላም’ውን ከይተረፉ) ንከተማ ባጽዕ ብሓንካስ ትውረር ገሮማ ግልብጥ ኢሎም ይመጹ ነይሮም፡፡ መቐበል ኣጋይሽ ድማ ኣብቲ ሰፊሕ መረባ ቤትና ስለዝነበረ ዝኣክል ሽሻይ ዝብላዕ ኮነ ዝስተ ተዳልዩሎም ብጟይላን ጸወታን ዕላልን ስሓቕን መሬት የውጉሕዋ ከምዝነበሩ እዝክር፡፡ እቲ ዓመት መጸ ብዘይምቁራጽ እናመጸ ብናጻ ናይ ኣገልግሎት ዋጋ መሰንቆ (ክራር) እናወቕዐ ንህዝቢ (ኣጋይሽ) ከላሂ ዝሓድር ዝነበረ ድማ ክቡር ድምጻዊ ኣያና ቪተርዮ ፖቸ ከምዝነበረ ሓበን እናተሰምዓኒ ክዝክሮ እደሊ፡፡

ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣያና ቪተርዮ ኩሉ እቲ ዝላሃዮ ዝነበረ ደርፍታት ብጣዕሚ ጽቡቕ እኳ እንተነበረ ኣብታ “ ቆልዑ ሎምዘበን ኣውቲስታ ኮይኖምየ - ማኪና ኣብያቶም ክነብዑ ደልዮምየ” ትብል ደርፉ ግን ህዝቢ ብጣዕሚ ፈትይዋ እናሻዕ ድገመልና እናበለ ክልሀ መሬት ወጊሓ በዛ ደርፊ’ዝኣ ድማ ጟይላ ተዛዘመ፡፡ ኣነን ምንኣሰይ ሓወይን ከምብጣዕሚ ዝፋተዉን ዘይፈላልዩ ዝመስሎም የዕሩኽ ኢና ነርና፡ ድቅስ ዊዕልና ምስተንሳእና እታ ደርፊ ኣብ ሓንጎልና ኣራጢጣ ስለዝተቖጻጸርትና ሓደርካ ኣብክንዲምባል በታ ደርፊ ኣፍና ከፈትና፡፡ እንታይ ኮይኖም ዞም’ደቂ? የዋርዶም! ማኪና ምዝዋር ኣናኽኣሉስ ከዕርይዋ ኣብ ክንዲ ምፍታን ወይ’ውን ዝሕግዞም ሰብ ኣብ ክንዲ ምንዳይሲ ከምህጻን ክነብዑ እናበልና ክንጭነቕን ክንካታዕን ነቦይ ዳዊቱ እናንበበ ስለዝሃወኽናዮ ዳዊቱ ገዲፉ ክሕወሰና መረጸ፡፡ ዛዕባ ጭንቅትና ንገልጸሉ’ሞ ትዋሕ ኢ ሉ ድሕ ሪ ምስሓቕ ኣንቱም ዓያሹ ቆልዓ ድኣ በየናይ ዓቕሙ ማኪና ክዝውር መንከ ተኣማሚኑ ንቖሎዓ ማኪና ክህብ ኢልኩም ትሓስቡ ይብለና’ሞ ብዕንጅልናና ክምእተሰከፍና ኣብ ገጽና ስለዘንበበ ኣይትሰከፉ ዞምደቀይ ሓደነገር ክዕልለኩም እየሞ ጽን ኣልኩም ስምዑኒ ኣብ ልብኹም ክኣ ሓዝዎ ድሕሪ ምባል ከምዚ ዝስዕብ ምስጢር ናይታ ደርፊ የዕልለና፡፡ ዞምደቀይ ደራፋይ ሓምየን እናተባህለ እንተተናሸወ ቀሊል ሰብ ከይመስለኩም ናይ ትማልን ሎምን ኣወሃሂዱ ናይ ጽባሕ ዝትንቢ በሊሕ እዩ፡ ቆልዑ ዝብሎም ዘሎ ነዞም ጀጋኑ ደቅና ንኹሉ ገዲፎም ስሪኦም ሸጥ ኣቢሎም ዓጢቕም ናጽነት ሃገርና ተዋጊኦም ከምጽኡ ንሞረር ወፊሮም ዘለው ኣያታትኩም እዩ፡ ታ’ኣውቲስታ ማኪና ኮይኖም ዝብላ ዘሎ ድማ ደቅና ክዕወቱ ምዃኖም ንምሕባር እዩ፡ እቲ ክነብዑ ደልዮምየ ዝብሎ ደሎክኣ ካልእ ዘይኮነስ ደቅና ተዓዊቶም ሃገር ኣብ ኢዶም ምስ ሓዙ ምምሕዳር ሃገር ምኽኣሉ ክጽግሞም እዩ ማለት ምዃኑ ኣይትረስዑ ኢሉ ዕላሉ ይድምድም፡፡

እወ ኣያና ቪተርዮ ዝበሎ ሓቂ ምዃኑ ወድዓዊ ኩነታትና ዝምስክሮ እዩ፡ ምኽንያቱ ንሰላሳ ዓመታት ተዋጊእና ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትን መስበርትን ስደትን ከልበትበትን ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ሃገራዊ ሉዑላውነት ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ብቕዓትና ሃገርና ኣብ ሓደ ሲሶ ናይ ሉዑላውነታ ጠልጠል ኢላ፡ ህዝባ ድማ ሓርነት ተነፊጉ ናብራ ዓሳ ኮይንዎ ኣደዳ ዘይፍትሓዊን ውልቀ-ውሳኔያዊን መቕዘፍትን ስደትን ከርተትን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፡፡ ዘይሓላፍነታዊ ብቕዓትና ክብል ከለኹ ንህግደፍዊ ማለት ኢሳያሳዊ ኣረመናዊ ምሕድራ ጥራይ ማለተይ ዘይኮነስ ብዘይካ ነቲ ክንጥቀመሉ’ምበር ዛጊት ክንጠቕሞ ዘይበቓዕና የዋህ ዓዃይ ህዝብና ነቲ ኩሉ ፊደል ዝቖጸረ ካባይ ጀሚርካ ተማሃራይ ክፍሊማለተይ ምዃኑ ከብርህ ከለኹ ብዘይ ናሓፍነት ርእሰ-ነቐፈታይ ድማ ብንቕሓተ ሕልናይ ይቕበል፡፡ በደልና ወይ ጸገምና ግን ድሕረትና ስለዝኾነ ሕፅረተ-ምዕባለ ድኣ’ምበር ብዓመጽ ዘሕትት ገበን ኣይኮነን ምኽንያቱ ድሕረትና ኣብቲ ክህልወና ዝኽእል ዓቕሚ ታሪኻዊ ነገርንት (Historical Materialism) ተሞርኩሱ ምዝፈጠሮ ውድዕነት ሕብረተ-ሰብኣዊ ምዕባለና (Social Development) ተታሓሒዙ ዝመጸ ስለዝኾነ፡፡

ሓደ ክንርድኦ ዘሎና ነገር እንተሃልዩ ኣግእዞ ሃገረ አርትራ ዞባዊ ጥራይ ገርካ ምርዳእ የዋህነት ጥራይ ዘይኮነስ ጸላኢኻ ብንጹር ዘይምልላይ ዕሙትነት እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኩለን እተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ፐርሽያዊ ወሽመጥን (Persian Gulf) ዘለዋ ሃገራት ብዘይካ አርትራ ኩለን 100/100 እስልምና ዝኽተላ ስለዝኾና ነቲ ኣብፍጹም ድጋፍ ናይ ምዕራብ ዝነብር ጽዮናዊ መንግስቲ እስራኤል ምስቲ ዘለዎ ቀጻሊ ግርጭት ምስ ሃገራት የዕራብ፡ እስትረተጂካዊ ውሕስነት ክህቦ ስለዘይክእል ነዚ ክጥቀመላ ድማ አርትራ ብዑቕባነት ኣመኽንዩ ምስተጋሰሳ ምዕራባዊ መንግስቲ እንግልዝ ክሳብ ሕጅን ንቐጻልን ምዕራባዊ እስትራተጂካዊ ግዳይ ኮይና ተቖሪና ትርከብ፡ እዚ ስለዝኾነ ድማ እቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ግፍዐኛታት ከም ብዓል ኢሳያስ/መለስ” ሕሩያት ናይ ኢጋድ መራሕቲ ” መሳርሒ ዕሱባት ናይ ምዕራብ ድ ኣምበር መሰረታዊ ጸላእትና’ስ ምዕራብ ምዃኖም ንጹር ተረድኦ ክህልወና ይግባእ፡፡ ማዕረዚ ድማ ሉዑልነታዊ መሰልና ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ሓርነታዊ ቃልሲ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበረ-ሞራላዊ ንቕሓትና ኣማዕቢልና ኣብቲ ወድዓዊ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ቃርሳ ንክንቆራቐስ ክንበቅዕ ክንክእል ይግባእ፡፡

እዚ ንኽንትግብር ድማ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ቃልስና ተማሂርና ብዘይ ገለ ውልቃዊ ጸጊዕነት ኣብ ሃገራዊ ዕግበት ተሞርኪስና በቲ “ኣብ ምብጋስ ቃልሲ ሓርነት ስምረት ስለዝኾነ መባእታ፡ ምፍንጫል ይወገድ ንኹን ሓደ ዋልታ” ዝብል ናይ ሕልና ኣምር ክንምእዘዝ ይግባእ፡፡ ምልስ ኢልና ካብ ኣርባዓታት ብፍላይ ድማ ምስ ምእታው እንግሊዝ ተመኩሮ ቃልስና ምስ እንድህስስ ምዕራብ ድሕረታዊ ዝንባለታትና ብምዝማዝ ነንሕድሕድና እናጋጨወ ንሕኑን ሃገራዊ ቃልስና ወላዃ ክገትኦ ኣይኽኣል’ምበር ገለ ዕንቅፋታት ናይ ምፍሕፋሓን ምስሓሓባትን ሃዋህው ክፈጥረሉ ኪኢሉ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ወርትግ ይቕጽል ምህላዉ’ውን ብሩህ እዩ፡፡ ኣብቲ ብሱሳታት ተጀሚሩ ኣብ1991 ብዓወት ዝተዛዘመ ቃልስና’ውን ብሰንኪ ድሕረትና ሰረ ዘይምስማርና ክብላዕ ዘይግበኦ ግዜ ብሊዕና ጥራይ ዘይኮነስ ክጠፍእ ዘይግባእ ሓይሊሰብ ኣደዳ እተናወሐ ጸረ ኢትዮጵያ ውግ እን ውግ እ ሕድሕድን ኣጥፊእና ኢና፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ እቲ ዓንዲ ሕቖ ዓወትና ዝኾነ ሓርበኛ ህዝብና ኣሃውቲትና ሞራሉ ከምዘይትንስእ ጥዋዕዋዕ ኣብልናዮ ባይታ ኣውቂዕናዮ ኢና፡፡

እቲ ኣዚዩ ዘገርም ግን ናይ ሕጂ ገደደ ውሓጥዮ እንተበልኩስ ትጎስሞ ኮይኑና ዘሎ!! ታሪኽ’ኮ ሰንኮፍን ስጡምን ተሞክሮ መሚኻ እተለልየሉ መዝገበ ትምህርቲ ድኣምበር ከምዘለዎ ዝድገም ሓሸውየ ኣይኮነን። እወ ከሽዒ’ደ ጉራሙራ ከምዝባሃል ኣሹምባይዶ ደቂ ሓንቲ ሃግር ህዝቢ’ስ ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝተወልዱ የሕዋት’ውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህልዎም ናይ ግድን እዩ ኮይኑ ግን ኣብ ሓልዮት ወላዲት ንዝምልከት ግን ይሕዋት ንስለ ሓንቲ ወላዲቶም ክብሉ ክላዘቡ ታሪኻዊ ግድነት እዩ፡፡ ካልኣይ ኮር ተገልበጥ ድማ እቲ ትማል ኩሉ ሰላማዊ ፍታሓት ተማእዚዙ ኣናተቕብለ ዝጸንሐ ስላማዊ ህዝቢ ግን ፍታሕ ዝመኸነ ኣብ ልዑላውነቱ ስለዝተ ኣማመን ንሙሉእ ናጽነተይ መተካእታ የብሉን መስዋእቲ ከፊለ ብቕልጽመይ ናጽነትሃገረይ ኣረጋጊጸ ክእውጅ’የ ብምባል ብ1961 ኣብ ዘይብህጎ ብረታዊ ጎንጺ ክ ኣቱ ስለተገደደ ኩለን ቢሀራትን ብሀረ-ስባትን ካብ ብሀርነታዊ መለለይ አን ናብ ሃገራዊ መንነትን ክሰግራ ብምስምማዕ ሓባራዊ መስዋእቲ ከፊለን ብ1991 ወርሒ ሓሙሽተ ነቲ መሰረታዊ መበገሲአን ሙሉእ ናፅነት ሃገር ከዕዊታ በቒዐን ከብቅዓ ኣብ ምእዋጁ’ግን ብውዲተኛታት ዕሱባት ምዕራብ ተሓንኩለ ዶብ ተነጺሩ (Chart of Boundaries) ከይተኣወጀን ሕጊሃገር (National Constitution) ሓንጺጹ ከየጽደቐን ኣብ ሓንካስ ልዑላውነት ክኣትዋ ተጠበራ፡፡ ነዚ ሓርበኛዊ ኩውንነትዚ ዘንጊዕና ብሀራት ኮነ ቢሀረ-ሰባት ብርዳየን ናብ ሃገርነት ምስተሰጋገራ ብሃገርነተን ተሓቢነን ብሓባር ኣብ ሓደ ሃገራዊ መንነት ተጠርኒፈን ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሰን ኣብክንዲ ምስልሳል ናብቲ መለልይአን ብሀራዊ/ብሀረስባዊ ንቕሓት ተመሊሰን ሓሸውየ ክብላ ትጉሽተትክን ዝብልዶ ሓሪምወን? ኣብ ብሀራዊ ንቕሓት ተኾዲምካ ሃገራዊ ሓርነት ክትፈትሕ ዘይስነሞገታዊ ስለ ዝኾነ ካብ ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል ሓሊፉ ከምጽኦ ዝኽእል ዓወት ከምዘየለ ውድዕነት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡፡

ኣብ ሃገራዊ ንቕሓት ዝሙርከስ ኣብ ሃገራዊ ሰምረት ዝኣምን ክኸውን ስለዘለዎ፡ ኣብ ሃገራዊ ንቕሓት ዘይኮነስ ኣብ ውልቀ-ረብሓዊ ዝንባለ ወይ ጸጊዕነት ዝሙርከስ ድማ ንሃገራዊ ስምረት ክጻባእ ናይ ግድን ይኸውን፡ ኣብ ዝብል ስነሞገት ተሞርኪሰ ድማ ኣብ ክንዲ ዓንዲ ሕቆ ልዑላውነትና ሓርበኛ ህዝብና ኮይነ ንኹለን ኣብ ህገራዊ ንቕሓት ተሞርኪሰን ዝቃለሳ ተቓወሞ ውድባት፡ ጉጅለታት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓስት፡ ባእታታት...ወዘተ፡ እቲ ሃናጺ ዝኾነ ሞዕብልና ደቂ ሰባት ሕድገት ስለዝኾነ፡ ኣብ ሕልናና ተሞርኪስና ብህጹጽ ኣብ ሓደ ማእከላዊ ማኣዲ ተራኺብና ብምልዛብ ንተቓውሞና ካብ ኩለን ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ብሃገራዊ ንቕሓት ዝተመልመሉ/ላ ካድራት እትሓቁፍ ደሞክራስያዊ ሃገራዊት ሰልፊ (Democratic Nationalist Party) ብምቛም ንተቓውሞና ማእከልነት ክንገብረሉ የማሕጽን፡፡ ዘይምእኩል ተቓውሞ፡ ጥርናፈ ስለዝመክን ኣድማዕነቱ ሃሳስ ምዃኑ ውጽኢት ናይ ኣስታት ሰላሳ ዓመት ተቓውሞና ብሩህ ምስክር እዩ፡፡

ሓድነትና ኣቀላጣፍን ውሕስነትን ዓወትና ምዃኑ መተካእታ ዘይርከቦ ሓቂ እዩ

ዓወት ነቲ ሸቱኡ ንምውቃዕ ዘይሕለል ሓርበኛ ህዝቢ አርትራ

ኣብዚ ናይ ውልቀ ርእይቶ’ዚ ንኽህሉ ዝኽእል ሃናጺ መአረምታ ኮነ ተወሳኺ ምትብባዕ ኣብ:-
-tel.#1 702 234 6673 or hadinet396@yahoo.com  DAK.ghinda@outlook.com

መርሓባ ያወጠንዪን እብል

ብ'ዳዊት ኣስገዶም 5/8/2017

Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ሓገዝ ንኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት) ሓርነት (ጨንፈር-ከሰላ ሱዳን) Fundraising Call for ELF Disabled Veterans - in Kassalla- Sudan.b>

ጉዳይ ጀጋኑ ስንኩላን ኤርትራውያን

Eritrean Veterans Day website መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር ዝቖመ ወብሳይት: