ዶብ እንተ ተሓንጺጹ ጥራይዩ ነባሪ ሰላም ዝራጋገጽ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

02/12/2018 16:16 PM

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዶብ እንተ ተሓንጺጹ ጥራይ'ዩ፣
ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ነባሪ ሰላም፡ ምክብባርን
ክልተኣዊ ጡዑይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክረጋገጽ ዝኽእል።

ብ'መርእድ ዘርኡ

ዶብ እንተ ተሓንጺጹ ጥራይዩ ነባሪ ሰላም ዝራጋገጽ


ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዶብ እንተ ተሓንጺጹ ጥራይ'ዩ፣ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ነባሪ ሰላም ፡ ምክብባርን ክልተኣዊ ጡዑይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክረጋገጽ ዝኽእል።
ብ'መርእድ ዘርኡ

ቅድሚን ድሕሪን ምርግጋጽ ናጻ (Independent) ኤርትራ፡ መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ዝኸፈሉ ልዕሊ 100000 ዝግመቱ ስዉኣት ኤርትራዉያን፡ ንኤርትራን ህዝባን ግምጃ ሉዕላዉነት ንምስላም ቢሎም ዝሓለፉ ስለዝኾኑ፡ ቅድም -ቀዳድም ዶብና ክሕንጽጽን ልዕላዉነትና ክራጋገጽ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነትና ሙኻኑ ኣስሚርና ክንፈልጦ ዘሎና ጉዳይ’ዩ። ጉዳይ ሉዕላዉነትና እንዳራጋገጽና ጎኒ-ንጎኑ ድማ ዉሽጣዊ ሽግራትና ማለት ሕቶ ጊዚኣተ-ሕጊን ካልኦት ጉዳያትን ብሰፊሕ ሃገራዊ ዘተ (Broad National Dialogue) ምፍታሕ’ዩ። እዘን ኣቐዲመን ዝተጣሕመሳ መሰረታዊያን ጉዳያት ምስ ኣራጋገጽና ጥራይ ኢና፡ ኣቃልቦና ሽግር ጎዶቦታትና ንክንፈትሕ፡ ክንትሓባበርን ክንናጣጥፍ እንኽእል! ብሱሩ ግን ሰላምን ቅሳነትን ቀርኒ-ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ናይ ኩሎም ኣህዛብን ሃገራትን ናይቲ ዞባ ድኣ እንበር ናይ ኤርትራ ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን። ከምኡ ሙኻኑ እንዳተፈልጠ ከንሱ ግን፡ “ጉዳይ ከባቢና ምስ ኣራጋጋእና ጥራይ ኢና ናብ ዉሽጣዊ ጉዳይና ክንፈትሕ ዝብል ኣባሃህላ”፣ ብተወሳኺ ድማ “ጉዳይ ዶብ ዝንኣሰ ካብቲ ዘሎ ሽግራት” ብምባል ዜጋ ቡዙሕ ኣቃልቦ ንከይገብረሉ ምድንጋር፡ ከምቲ ሉሙድ ምዝንባዕ ሓቤሬታን፡ ኮንቱ መብጽዓን ናይ ሓሶት ዘረባ ሙኻኑ ካብ ሕጂ ጀሚርና ክንግንዘቦ ዘሎና እዩ።

1. 30 ዓመታት ኣንጻር እምባሮጠራዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብረታዊን ፖሎቲካዊን ቃልሲ ኣካይድና ልዕሊ 65000 ስዉኣት ልዕሊ 20000 ኣካላዊ ስንክልና ዝሓደገ በሰላ ክሳብ ሕጂኣብ ዜጋታትና ህሉዉ’ዩ።

2. እንደገና ብዶብ ተሳቢቡ ኪናት ምስ ኢትዮጵያ ተካይዱ ልዕሊ 20000 ስዉኣት ክንድኡ ዝግመት ቁጽሪ ስንኩላን ድሕሪ ከቢድ ዋጋ ምክፋል፡ ን17 ዓመታት መመልእታ ኣይሰላም ኣይኪናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስለተኣወጀ፡ ዘይተደነ ብዝሒ መንእሰይ ዜጋ ካብ ዝፈትዎ ስድራቤቱን ካብ ዝፈትዋ ሃገሩን ተሰዲዱ ገለ ግዳይ ስሃራ፡ ዘይሕጋዉያን ኣሳጋገርቲ ደቂ ሰባት፡ ማእከላይ ባሕሪ፡ ቀርሰንት ኣካላት ደቂ ሰባት....ወ.ዘ.ተ ኮይኑ ብዓቢኡ ግን ኤርትራዊት ስድራቤት ከምዘይሓልፍ ተባታቲና እያ።

3. ሕጂ ድማ ንኢትዮጵያ ይኹን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋእ ኤርትራዊ ገንሸል ኣፋሲጋ ኮይኑ ከቢድ ዋጋ ንክከፍልን መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ኣብቲ ዞና ቁቡል ንክዉሰድ፡ ከም ልሙድ ኣሳራርሕኦም ብዉሽጢ ዉሽጢ ወረታት ይዝርጉሑ ኣለዉ። ሕጂ በዚሑ! ሕጂ እዚ ይኣክል ክብሃል ኣለዎ!

ብሓፈሻ ጁቡቲ፡ ሶማልያ፡ ኬንያ ታንዛንያ ብፍላይ ድማ ምስ እዚ ኩሉ ዉሽጣዊ ጸገማታ ኢትዮጵያ፡ ዉሽጣዊ ጉዳያቶም ኣወንዚፎም ኣይኮኑን ምስ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክፈጥሩ ዝህቁኑ ዘለዉ።ዝዓበየ ኣቓልብኦምን እዉን እንተኾነ ንዉሽጣዊ ጸገማቶም ኣብ ምፍታሕ ዝተጸምደ’ዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ዉሽጣዊ ጸገማቱ ኣወንዚፉ ኣብ ግዳማዊ ዝምድናታቱ ጥራይ ኣቶኪሩ ክሰርሕ ወሲኑ ኣሎ። ነዚ ዉሳኔ’ዚ ብሯኼ ካብ ስዓብቱን ህዝቢ ኤርተራ ንክረክብ ድማ ይጋሳጎሰሉ ኣሎ።

ኤርትራዊ ሃገራዉነት ብጸላእቲ ምፍጣርን ምቕይያርን ዝተተኽለን ዝሰርርን ኣይኮነን። እንታይድኣ ኤሪትራዊ ሃገርነት ብተፈጥርኡ ናይ ዜጋታት ሃገርነት ኮይኑ ክዕንብብን ክዓብን፡ ዝተሃላለኾ ወይ ጸላኢ ዘድልዮ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ሩፍታን ሰላምን የድልዮ ስለዘሎ ሰላሙ ሃብዎ ኢኩም። እንቢ ብምባል እንተሓንጊድኩም ድማ እመኑኑ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላሙ ባዕሉ ካብ ኣፍንጫኹም መንዚዑ ክወስዳ’ዩ።

ወድሓንኩም!

ብ'መርእድ ዘርኡ
Email: m.zerut@gmail.com
29/11/2018

•   Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


•   See Past articles and Interviews of Mr Merid Zeru:
ዝሓለፉ ጽሑፋትን ኣስተምህሮታትን ብ'መርእድ ዘርኡ፡  Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝዛመድ ኣርእስቲ፡-

Eritrea, Peace at Last 1991. Documentary in Tigrina.
ሰነዳዊት ፊልም ብትግርኛ፡ ጎበጣ ኤርትራን ስዕረቶምን።

•   A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018).  



Share with friends: