ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ቕሉውላው ኤርትራ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/12/2019 18:55 PM

ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን
ቕሉውላው ኤርትራ፥

Socio-conomic and-political crisis in Eritrea.

ብ`ኣቶ በርሀ ፍስሃየ። by Mr Berhe Fshaye

Mr Berhe Fshaye

ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ቕሉውላው ኤርትራ፥ ብ`ኣቶ በርሀ ፍስሃየ።
(Socio-conomic and-political crisis in Eritrea, Analysis by Mr Berhe Fshaye )

I. ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኩነታት ኤርትራ

• ኣብ ሕርሻ መዳይ፡ ሃብቲ ማዕድን፡ ጸጋ ስትራተጂካዊ ኣቓማምጣ፡ ቱሪዝም፡ ህርኩትነትን ጭውነትን ህዝቢ

• ውዱዕ ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ

• ወፍሪ

• ህንጸት ናይ ድልዱላት ትካላትን፡ ትሕተ-ቅርጽን

• ቀንዲ ሓደጋ

• ዘይማዕበለ ደሞክራሲ፡ ብግዕዝይና ዝተወረረን ዝተረመሰን ምሕደራ

II. ሃገራዊን ከባቢያውን ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣሉታዊ ጽልዉኡን

• ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ

• ምግሃድ ውልቀ-ምልካዊ ኣገዛዝኣ

• ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ምትሕብባር ዶ ወይስ ምትሕውዋስ?

III. ዲሞክራስያውያን መራሕቲ ምፍጣር

------------------

I. ቊጠባዊ፡ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራ

ብዛዕባ ኩነታት ቁጠባ ሃገርና ክሓስብ እንከለኹ፡ ፈለማ ዕቚር ጸጋታት፡ ዓቕምታት ይዂን ብልጫታት፡ ፈሊኻን ኣነጺርካን ምፍላጥ ዘድሊ ኮይኑ ይስመዓኒ። ነቶም ቀንዲ ትሑዛት ብዙሕ ሃልኪ ዘየድልዮም ኣፈናዊ ዳህሳስ ንምግባር ድማ በብሓደ ንምርኣይ ስዒቡ እንሆ፥

1. ኣብ ሕርሻዊ መዳይ፥ መብዝሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ሓረስታይን ጓሳን ኢዩ። ዘፍርዮም ፍርያት ክኣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘራእቲ ከም፥

- ኣእካል፣ ስገም፡ ስርናይ፡ ጣፍ፡ መሸላ፡ ዕፉን፡ ዛንገዳ፡ ዳጉሻ፡ እንጣጢዕ፡ ኑሂግን ጥረ-ምረን ከም ብርስን፡ ባልዶንጓ፡ ዓይኒ-ዓተር፡ ቀይሕ-ዓተር፡ ሰበረን… ወዘተ

- ኣሕምልትን ፍረታትን፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣሕምልትን ምኡዛት ፍረታትን

- መፍረ ዘቤታዊ እንስሳታት (Animal Husbandary) ፣ ከብቲ፡ ኣጣ ል፡ ኣባጊዕ፡ ኣግማል፡ ኣድገ-በቕሊ …ወዘተ ከምኡ`ውን ፍርያት ንህቢን ዓሳን የጠቓልል

2. ሃብቲ ማዕድን፦ ወርቂ፡ ኮፐር፡ ዚንጎ፡ ፖታሽ፡ እምነ-በረድ፡ ጸዓት ጸሓይ፡ ብሚስጥር ዝተታሕዘ ነዳዲ (Crued Oil)…ወዘተ

3. ጸጋ ስትራተጂካዊ ኣቓማምጣ፥ ኤርትራ ተደኲናቶ ዘላ ጆግራፊካዊ ቦታ ንምዕባለ ኢንዱስትሪን ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዋ ሃገር እያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ክረብሑላ ዝደልዩ ዝሰሓበት ኣብ ቁጽጽሮም ንኸእትዉዋ ዝምነዩዋን ሃገር`ያ። ኤርትራ ንባሕሪ ብዘለዋ ቅርበት፡ እንድሕሪ ዝተረጋግአ ሰላም ሃልይዋ፡ ንትኲረት ናይ ወጻኢ ወፍሪ (Investment) ክትስሕብ ዓቢ ብልጫ ኣለዋ። ኢንዱስትርያዊ ዓቕማ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ናይ ተወዳዳርነት ዓቕሚ ብደረጃ ኣፍሪቓ ልዑል ዝኾነሉ ምኽንያት ንኣገዳስነት ዕዳግኡን መጒዓዝያኡን ዘጒልሕ ኣብነት እዩ። ከም ኣብነት፥ ኣብ ጊዜ ናጽነት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝኣተዋ ትካላት 42 ነይረን፡ ከም ኡ’ውን 650 ንኣሽቱ ትካላት (small scale private enterprises) ብውልቀ ሰባት ዝመሓደራ ነይረን።

4. ቱሪዝም፥ ከቢድ ትሕተ-ቐርጺ ከም ጽርግያ፡ ማይ፡ ጸዓት፡ መዓርፎ-ነፈርቲ፡ ኣጋይሽ ዝዘናግዕሉን ዘዕርፍሉን ዓበይቲ ሆቴላት፡ ዝኣመሰሉ መሰረተ-ልምዓታት የድሊ። እዚ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ስለ እትውንን፡ ንሃገርና ዝህባ ብልጫ ኮይኑ፡ ከም ኣብ ስግር ሃገራት ኣዕራብ ምህላውና ንመዛነዪ እውን ዓዳሚ እዩ። ናይ ማይ ስፖርት ከም፦ ምሕንባስን ቅድድም ጀላቡን ዝኣመሰለ ጌና ዘይተተንከፈ ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ንጥፈት፡ ጭቡጥ ሃብቲ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት፡ ሰለስተ ዓይነት ክሊማ ንምስትምቓር ዘኽእል ተኣምር ዝኾነ ባህርያዊ ትዕድልቲ ዘለዋ፡ ዝኾነ ወጻኢ ዘይሓትት ጸጋ ሃገርና፡ ኮፍ ኢሉ ኢዩ ኣሎ። ነዚ ኣማዕቢልካን ካልእ ቀሊል ፈጠራታት ወሲኽካን፡ እቲ ትኪ-ኣልቦ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ዓብይ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ባጽዕ፡ ዳህላክ፡ ዙላ፡ ኣዱሊስ፡ ቖሓይቶ፡ ቶኾንዳዕ፡ መጠራ፡ በለው-ከለው፡ ዘሎ ቅርሲ፡ ምስ ጎረባብትናን ኣሕዋትናን ተጋሩ ብምትሕብባር፡ ክሳዕ ኣኽሱምን ይሓን ዘሎ ናይ ሓባር ታሪኻዊ ሓወልቲታትን ስነ-ጽሑፍናን፡ ከምኡ`ን መስጊድ ኣልነጋሽ ብምንጋድን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ኤርትራ ዘለዉ ጥንታውያን መሳጊዳት፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን ከምኡ`ውን ዝተፈላለዩ ምርኣዮም ዘደንቕ፡ ሰንሰለታዊ እምባታት ኤርትራን፡ እንስሳ ዘገዳምን፡ ፍሉይ ዑቑር ቑጠባዊ ጸጋታትና ኢዮም።

5. ህርኩትነትን ጭውነትን፥ ኤርትራ፡ ዓዱ ዝፈቱ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህልን ልምድን ዘለዎ፡ ብስነ-ምግባሩ ዘመስከረ ጭዋ ህዝቢ ዘለዋ፡ ሃገር ኢያ። ይኹን’ምበር፥ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንዕኡ ዝመስሉ ሰዓብቱ ህግደፋውያንን፡ ንተምሳሌት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ስጡም ሓድነትን ምርድዳእን፡ ትምህርቲን ጥዕናን ምስፋሕፋሕ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ማእከል ፖለቲኮኦም ክንዲ ዝኸውን፣ ኣብ ዓሌትነት፡ ኣውራጃነት፡ ሃይማኖታዊ ምክፍፋል፡ ምፍንቓል መንእሰይን ድንቁርናን ዝሕመረቱ ፖለቲካዊ ማእከል ጌሮም ይሰርሕሉ ኣለዉ። ኣብ’ዘን ዝሓለፉ 28 ዓመታት፡ ኣድላይነትን እዋናውነትን ናይ ፍትሕን ሕግን፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምዕባለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዘይናቱን ከም ዘይምልከቶን፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ብዘለዎ ደረት ኣልቦ ንዕቐት፡ ሓሳቡን ስሚዒቱን ዝገልጸሉ፡ ነንሓድሕዱ ዝመሃሃረሉ ዕድል ንኸይረክብ ተዓጊቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ዓዱ ወጺኡ ኣርሒቑ ከም ዝበርር፡ ብወልፍታት ከም ዝጽመዱን ኣብ ምግባር፡ ሓደ ካብ ፖሎቲካዊ ስልትታት ናይዚ ስርዓት’ዩ።

ውዱዕ ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ

1. ወፍሪ (investment) ፥ ንብሕታዊ ወፍሪ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቕበልን ዘተኣናግድን፡ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቁጠባውን ቢሮክራሲ፡ የሎን። ብዘሕዝን ኩነታት`ውን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ሰክተር (sector) ሕርሻ፡ ኢንዱስትሪን ቱሪዝምን ዝተገብረ ነገር ከም ዘየለ እዩ ዝፍለጥ። ንምንታይ እዩ ኣድማዒ ስራሕ ዘይተገብረ? ርግጽ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዳርጋ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ዶብ ምትፍናን፡ ንባዕሉ ጽልዋ ከም ዘለዎ`ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ኣብ ሕርሻ ንውሕስነት መግቢ ይኹን ንውሕስነት ማይ፡ ከምኡ`ውን ጸዓት፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና ዝተገብረ ወላ ሓንቲ የሎን። ኮነ ኢልካ፡ ህዝቢ ኣጥሚኻ፡ ኣጽሚእካ፡ ኣዕሪቕካን ኣጸልሚትካን ክትሓዝ ከም ዘለዎ`ዩ ተጌሩ።`ህዝቢ እንተ ጸጊቡ ኣየስርረናን ኢዩ` ካብ ዝብል፡ ጸረ ሃገራዊ ሰላምንቅሳነትን ፍልስፍና ዝነቐለ ምኻኑ ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኻልእ መዳይ፥ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲን ሞተርን ዝኾነ፡ ንምዕባለ ዘቀላጥፍ ቱሪዝም፡ ብእኡ ኣቢልካ`ውን እቲ ንምምስራቱ ዝተሓልሞ ኣገልግሎት ዝህብ ኢንዱስትሪ (Service Industry) ክበራበር ስለ ዘይተደልየ፡ ጻዕርታት ዘይተገብረሉ ምኻኑ ኢዩ ዝፍለጥ። ቱሪዝምን ሰርቪስ ኢንዳስትሪን ከቢድ ትሕተ-ቕርጺ ኢዩ ዘድልዮም፡ ንኣብነት ከም፦ ጽርግያ፡ ማይ፡ መዓርፎ-ነፈርቲ፡ መዓርፎ ኣጋይሽ፡ ዓበይቲ ትካላት ጽዓት ዝበሉ መሰረተ-ልምዓታት ዘይተሃንጽሉ ምኽንያት፡ ክምዕብሉ ዘይተደልዩ ብምዃኖም ጥራይ እዩ።

2. ህንጸት ናይ ድልዱላት ትካላትን፡ ትሕተ-ቅርጽን (Strong Institutional Infrastructure)፥ ንህንጸት ብዙሕነት ኮነ፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘተኣናግድ ደሞክራሲ (Participatory Multi-Party Democracy)፡ ፍትሕን ናጽነትን (Justice and Freedom)፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን (Transparency and Accountability)፡ የሎን። ብተወሳኺ፡ ምስ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ተታሓሒዙ ክሳብ ሕጂ ዝቐጸለ ናይ ጸጥታ ጸገም፡ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ውድብን መንግስትን ብዘለዎ በሓቲን ዓብላሊን ኣተሓሳስባ (Hegemonic Attitude)፡ኣብ ኤርትራ ንሱ ዘይቆጻጸሮ ወፍሪ (Investment) ክህሉ፡ ድልየት የብሉን።

3. ቀንዲ ሓደጋ፦ ትምህርትን ምሁርን ዘናሹ፡ ረብሓን ጥቕምን ትምህርቲ ዘቆናጽብ፡ ጸረ-ትምህርቲ ዝኾነ ኣርኣእያ መራሕቲ ናይ ቀደም ህ.ግ.ሓ.ኤን ናይ ሕጂ ህ.ግ.ደ.ፍ`ን፡ ድሑር ናይ ትምህርቲ ፖሊሲኦምን፡ ሕሱር ኣመራርሓ ስርዓተ-ትምህርቶምን ኢዩ። ብትምህርቲ፡ ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ ተወዳዳሪ ምዃን፡ ናይ ምርጫ ጉዳይ ኣይኮነን፤ ናይ ህልውና ሕቶ ኢዩ። ኤርትራ ብትምህርቲ ምንቁልቋላ፡ ብመጻኢ ህዝብን ሃገርን ምጥላዕ ኢዩ። ትምህርቲ ክበሃል ከሎ፡ ልዕሊ ምንባብን ምጽሓፍን ምኻኑ፡ ዝኾነ ሰብ ዝግንዘቦ ኢዩ።

4. ዘይማዕበለ ደሞክራሲ፡ ብግዕዝይና ዝተወረረን ዝተረመሰን ምሕደራ፥ ኣብ ውልቀ መላኺ፡ ሓደ ብዓል ስልጣንን ዝተተኽለን ዝተሓዝአን ትካላዊ ምሕደራ፡ ናጽነት ዘይብለን ልሙሳት ትካላት መንግስቲን ሒዝካ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ኣብ ዘይብሉ፡ ፍትሒ ብምቕታል፡ ሰብኣዊ መሰላት ዓፊንካ፡ ብዛዕባ ስሉጥን ዘላቒነት ዘለዎ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ሃገር ምሕሳብ፡ ከንቱ ሕልሚ ኢዩ። እዚ ዘርእየና፡ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዘሎ ስርዓት ብሓፈሻ፡ ጸረ ሃገራዊ ሰላምን ርግኣትን፡ጸረ ልምዓትን ምዃኑ፡ ባዕሉ ዝዛረብ ህያው ምስክር እዩ።

II. ሃገራዊን ከባቢያውን ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ኣሉታዊ ጽልዉኡን

ናይ ሰላም፡ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ድሕነትን ቁጠባዊ ኩነታትን ብናይ ብዘበናዊ-ሊበራልነት (New Liberalism) ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ውጥን ኣመሪካ፡ ከምብሓዲሽ ኣብ’ዚ ከባቢና ዓቢ ጸቕጢ ገይሩ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ደቡብን ሰሜንን ሱዳን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዓቢ ቁጠባዊን ፖለቲካዉን ሽግርን ቅሉውላውን ኣእትዩወን ይርከብ። ሰብኣዊ መሰላት (Human rights)፡ ደሞክራሲ፡ ምዕባለ (Development)፡ እምኒ ኩርናዕ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ፡ ሕጂ ግን ኣብ New Liberalism ተቐይሮም ኣለዉ። እዚ ድማ ከም’ቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ምምቕቓል ሃገራት፡ ኣብ ምምቕቓል ናይ ባሕሪ ወደባት ምቁጽጻር ናብ ዝብል፡ ዝእተወሉ ዘሎ መድረኽ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ኣብ ክንዲ ምትእትታው ዲሞክራሲ (Democratization)፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው (Militarization)፡ ኣብ ክንዲ ዓለማዊ ምትሕብባር፡ ናብ ሃገራውነት (Nationalism) ዘተኩር ኣተሓሳስባን መገዲን ዝሓዘ እዩ። ናይ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኣተሓሳስባ (Security and National Safety Policy) እውን ምስኡ ይቕየሩ ኢዮም ዘለው።

እዚ ምስ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ዝተራእየ ሃገራውነት ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ዘይከሓድ ኢዩ። ከም ቻይና፡ ሱዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፡ ቀንዲ ናይ ቅድመ ግንባር ኣሳሰይቲ ኮይነን፡ ብድሕሪት ኮይነን ዝዋሰኣ ከኣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እየን። እቲ ናይ’ዘን ሃገራት እዚኤን፡ ማለት ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን ኣተሓሳስባ፡ ንቁጠባን ምዕባለን ሕብረተ ሰበን ዘዕነወ፡ ብሚልዮናት ካብ ዓድታቱን መነባብርኡን ዘፋናቐለን ብጥምየት ዝቐተለን ምዃኑ፡ እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢና ዝተራእየ ብዝሒ ስደተኛ ዝፈጠረን ስለዝኾነ፡ ህያው ምስክር እዩ። ሕጂ ድማ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ሱዳንን ኢትዮጲያን ኤርትራን ግዲአን በጺሑ፡ ``ኣብ ዝነበረኒ ተወሰኸኒ`` ከምዝበሃል ንቁጠባን ምዕባለን፡ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ናይ’ቲ ከባቢ ፈጺሙ ከም ዝዓኑን፡ ቅሳነት እናኸልኦ፡ እናረበሾን እናኣናወጾን ይርከብ።

ናይ ክልቲኦም ኣተሓሳስባ፡ ዘይወሃሃድ፡ ካብ ግርጭት ዘይጸዋወር ተራጻሚ ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ኮይኑ፡ እናነሃረ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እተን ኣብዚ ከባቢ ዘለዋ ሃገራት፡ ዲክታቶራዊ ጸቕጢ ዘለወን፡ ኣብ ውሽጠን ክኣ ናይ ወጻኢ ጸቕጢ ዘይቅበላ ሃገራት ኢየን ነይረን። ይኹን’ምበር፡ ሕጂ ነቲ ናይ ውሽጢ ጸቕጢ ክቋጻጸርኦ ኣብ ዘይኽእላሉ መድረኽ ስለ ዝበጽሓ፡ ውልቀ መለኽቲ ዝኾኑ መራሕቲ፡ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዓዶም እናሸጡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ስምምዓት ይኣትዉ ኣለዉ።
ኤርትራ`ውን፡ ወላ ኳ ነጻነታ እንተ ተረጋገጸ፡ ብስነ ሓሳብን ፖሊሲን ናይዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት፡ ስለ እትቕየድ፡ ነዚ ፖሊሲ`ዚ መተግበሪ፡ ብናይ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓረብን እናተመወለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ፡ ካብ ዝፈትዋ ዓዱ ቦንቊሩ ከርሕቖን ክብትኖን ካብ ዝጸንሕ፡ ዓመታት ኣቕጺሩ ኣሎ። ካብዚ ሃገራዊ ናጽነት ብዝበለጸ ዝጥቀምን ዝረብሕን ከኣ፡ ኢሳያስን መሻርኽቱ ህግደፋውያንን ጥራይ እዮም።

ድሕሪ ቲ መሪር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝብና ብፍላይ ከኣ እዚ ሓድሽ ትውልዲ፡ ድምጹ ዘስምዓሉን ሓሳባቱ ዝገልጸሉን መድረኽ ስኢኑ ኢዩ። እዚ ኣብ ስልጣን ተጣቢቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብዝተተኾበሉ ገንዘብን ምኽርን ሃገራት ኣዕራብ (ሊብያ፡ ሱዑዲ ዓረብ፡ ቀጠር፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ግብጽን)፡ ኢሳያስ ብዘለዎ ደረት ኣልቦ ንዕቀትን ጭቆናን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓዲሽ መንእሰይ ወለዶ፡ ከቢድ ጉድኣት ኢዩ ወሪዱ። መንእሰይ ሓሳቡን ስሚዒቱን ዝገልጸሉ፡ ነንሓድሕዱ ዝመሃሃረሉ መሪሕነት ንኸይረክብን፡ ዓጊቱዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኣውራጃታት ፈላልዩ ካብ ዓዱ ከም ዝበርር፡ ብወልፍታት ክምዝጽመዱ ኣብ ምግባር፡ ብቐንዱ ጸረ ሃገራዊ ስላምን ርግኣትን ልምዓትን ዝኾኑ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ስልትታት ምጥቃም፡ ናተይ ኢሉ ሒዝዎ። ብኻልእ መዳይ ከኣ፡ በቲ ካብዘን ኣብላዕሊ ዝጠቐስኩወን ሃገራት ኣዕራብ ዝረኸቦ ሓገዝ፡ነቶም ጸረ መንነትን፡ ብዘይ ንሕስያ ንዘመናት ንህዝቢ ኤርትራ ዘድመዩ ኣንድነታዊያን (ሓድነታዊያን)ን፡ ክሕብሕብን ዘድሊ ቀረብን ጠለብን ከማልኣሎም ዝጸንሐ ስርዓት ኢዩ።

እዘን ሃገራት ኣዕራብ፡ ስለምንታይ እየን ንህዝቢ ኤርትራ ዘጥፍእ ዘሎ ስርዓት ዝሕግዛ? ኣብቲ ከባቢ ክነብር ስለ ዘይደልይኦ ደኾን ይኸዉን? ሕቡራት መንግስታት ዓለም`ውን ይፈልጥ`ዩ፡ እሞ ደኣ ስለምንታይ ዓገብ ዘይብል?

ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ሕመረት ማእከሉ ጸረ ሃገራዊ ስላምን ርግኣትን ልምዓትን ኮይኑ፡ ብቐንዱ ግን ጸረ መንነትን ህልውናን እዩ። ኢቲ ቀደም ቀደም`ዉን፡ ካብ ዘመን መነሊክን ጥልያንን ኣትሒዙ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ከምዝባኣስን፡ ከምዝጻላእን፡ ንክቀታተልን ማእከል ዝገበረ፡ ፖለቲካ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። ስርዓት ኢሳያስ ድማ፡ ህዝብና ሰላም ረኺቡ፡ መጻኢ-ዕድሉን ሂወቱን ባዕሉ ምእንቲ ከይመርሕ፡ ዝተቐበረሉ ፈንጂ ናይ ወገንነት፦ ከም ኣውራጃ፡ ኣስላማይ ክርስትያን፡ ገና ድቃስ ከሊኡዎ ይርከብ። እዚ፡ ጥልያን፡ ንህዝቢ ኤርትራ መታን ኣስተርሕዩ ቸቸ እናበለ ክገዝኦን ክረግጾን ዝተጠቕመሉ ብልሓት እዩ። ተወሳኺ`ውን ናብ ፈቐዶ ትሩብሊን ሶማልን ወሲዱ ግዳይ ሞትን ስንክልናን ገይርዎም። በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ብሃይማኖትን ኣውራጃነትን ከፋፊሉ ኣብ መንጎኡ ሓዊ ብምእጓድ፡ ነንሕድሕዱ ኣቃቲልዎምን ኣዳቒቕዎምን እዩ። ንኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ናይ ሓላሉ ንኽገብራ፡ ዘይፈሓሶ ገመድን፡ ዘይፈንቀሎ እምንን ኣይነበረን። እንተኾነ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ክፉእ ተንኮል ከይተዳናገረ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ፡ ንጥልያን ፎእ ኢልዎ እዩ። ከማኡ`ውን ስርዓት ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ጥልያን ዘይሓይሽ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስላማይን ክርስትያንን፡ ጀብሃን ኮማንድስን፡ እናበለ ኣብ ህዝብና ብዙሕ ግህሰት፡ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ።

ምግሃድ ውልቀ ምልካዊ ኣገዛዝኣ

ህዝብና፡ ነዚ ጉዕዙይ ፈላለዪ ፖለቲካ ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡ ንጸላእቱ ስዒሩ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ዓለም ንኽትህሉ፡ ጎሊሓ ንቡር ቦታኣ ንኽትሕዝን፡ ንኽትረአን ውሕስነት ዝገበረ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሳላ ሓድነቱ ኣትሪሩን ዓቂቡን፡ ብሓባር ዝተቓለሰ ኢዩ። ነጻነት ኤርትራ`ኳ ጉሁድ እንተኾነ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ገለ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ጉጅልኡን፡ ከም`ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ንዑቕን ትሑትን ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ፖለቲካ ናይ ጸላእቲ፡ ከም ነጸላ ተወንዚፎም፡ ነቶም ምእንቲ ነጻነት ዝሰንከሉን ደሞም ዘፍሰሱን ተጋደልቲ ጀብሃ፡ ዓዶምን ቤተ-ሰቦምን ንኸይርእዩ፡ ንዝሰንከሉ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ድማ ኣኪብካ ብምጭፍጫፍን፡ ካብኡ ሓሊፉ ውን፡ ትሕተ-ሃገራውነት ኣብ ሓንጎል ኡሙናት ካድራቱ ኣስሪጹ፡ ብዘይ ንሕስያ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ፡ ክፍኣትን ጭካነን ብዝመልኦ ከም ድላዮም እናደሃኹ ዕንኪሊል ከምዘብል ይገብርዎ ኣለዉ።

ንስርዓት ኢሳያስ በዲሆም፡ ናብ ትካላዊን ቅዋማዊን ኣሰራርሓ ንኽኣቱ ኣብ ውሽጢ ኾይኖም ንዝበድሁ ሓርበኛታት ተቓለስቲ፡ ዝተፈላለየ ኣስማት (ንኣብነት፥- ተምበርከኽቲ፡ ኣውራጃውያን፡ ሃይማኖታዊያን፡ ከሓድቲ…ወዘተ) ኢሉ ብናይ ውሽጢን ደገን ካድራቱ እናጠቀነ፡ ካብቲ ሓፋሽ ህዝቢ ከምዝንጸሉ ብምግባር፡ ስርዓተ-ምልኩ የናውሕ። ኣብዚ እከይ ሸርሒ፡ ብግርህናን ገለ ውን ብበለጽ ወይ ተዓሲቦም፡ ዘጓሳጉሱ እውን ኣለዉ። ነዚ ሸርሒ ዚ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝግባእ ከይነቓሕናሉ ጸኒሕና ኢና። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ክንደይ ክመርሑና ዝኽእሉ ተቓለስቲ ከሲርናዮም ኢና፡ በዚ ኸኣ፡ ዕድመ ምልኪ ንክናዋሕ ዕድል ሂብናዮ፡ ወጽዓ ህዝብና ድማ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ክኸይድ ጸኒሑ። ክንልብም ይግባኣና ኢዩ። ቤትና ምበር፡ ቤት ናይ መን ዶ ፈሪሱ ኢዩ? ተረድኦና ንምስፋሕ ክጥቀስ ዝግብኦ ብዙሕ ኣብነታትእ`ኳ እንተኾነ፡ ገለ ውሑድ ካብኡ ኣስዒበ ክጠቅስ ኢየ።

ካብ መፋርቕ ሱሳታት ኣትሒዙ፡ ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክብል፡ ኣብ ዉዕይን ዝሑልን በረኻታት ኤርትራ፡ ጠምየ፡ ዓሪቐ፡ ቖሪረን ጸሚኤን ከይበለ፡ ንእስነቱ ዘብለየ ሓርበኛ መስፍን ሓጎስ፡ ኣብ ክንዲ ሞገስ መርገም፡ ክንዲ ኣኽብሮት ሕስረት፡ ካብኡ ብዝገደደ መልክዑ ድማ፡ “ሰላይ፡ በታታኒ” ኮይኑ ስሙ። ከም ደለይቲ ፍትሒን ከም ህዝቢን መጠን፡ ኣብ ሊዕሊኡ፡ ፖለቲካዊ ተነጽሎን ቅንጸላን እናፈጸሙ፡ ስቕ ኢልካ ምርኣይን ምዕዛብን፡ ዓዲ ዘየጋብር፡ ዘይሓላፍነታውን ዘይፍትሓውን ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ፡ ውልቀ ክብሩን ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ ሂወቱ፡ ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ ኣገባብ፡ ምእንቲ ሰላምን ድሕነት ህዝቡን ሃገሩን፡ ዝተቓለሰን ክሳብ ሕጂ ዝቃለስ ዘሎን እዩ።

መስፍን፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብዓል ዓቢ ክብሪን ግደን ክኸውን ዝኸኣለ፡ ካብቶም ኣዝዮም ዘይተዓደሉ ውሑዳት መራሕቲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ንሱ ናይ ውልቀይ ዝብሎ ናብራ ዘይፈልጥ፡ ተረፍ መስዋእቲ እዩ ኢለ እየ ብወገነይ ዝኣምን። ንሰላምን ድሕነትን ህዝቡን ሃገሩን ንእስነቱ ዝወፈየ፡ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ሰላም ረኺቡ፡ ትምህርቲ ክመሃር፡ ቀሲኑ ኣብ ዓዱ ሓሳቡ ብዘይ ስክፍታ ዝገልጸሉ መድረኽ ነጻነት ንኽወርስ እናተቓለሰ፡ ከመይ ኢሉ`ዩ “በታታኒ፡ ሰላይ” ክኸውን ዝኽእል? ኣበይ ኣሎ እቲ ንሓቂን ንፍትሕን ዝመሓለ ካድር?

ኣብ ዓለምና፡ ብፖለቲካዊ ራኢ ዘይምስምማዕ ዝነበረን ዘሎን ኮይኑ፡ በረኣእያ ተፈላሊና ማለት ግን፡ ኣንጻር ታሪኽናን ታሪኽ ሓርበኛ ሓዉና መስፍን ክንስለፍን ክንጽየንን ኣይግባእን። ብወገነይ፡ ብታሪኽ ከይንፍረድ፡ ንሕልናና ክንግዛእ ከምዝግባኣናን፡ ከየተሓሳሰብኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ብተወሳኺ እውን፡ እዘን ዘለዋ ተቛወምቲ ውድባት ይኹና ወይ ውልቀ-ተቓወምቲ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ኣብ ክንዲ ነቲ ነዚ ዓለማዊ ሓቂ ገልቢጦም ረጒድ በትሪ ንዝሓዙ ህ.ግ.ደ.ፋውያን ካብ’ቲ ተጣቢቖምሉ ዘለዉ ስልጣን ምስጓግን ፎእ ምባልን፡ ኣብ ነንሓድሕዶም እናተጻብኡ፡ ብኣውራጃ ሃይማኖት/ብሄር እናተፈላለዩ፡ ዕንቅፋት እናኾኑ፡ ካብኡ ሓሊፎም`ውን ኣንጻር ታሪኽ ገዲም ሓርበኛ ኣድሓኖም ገብረማርያም ንኽንስለፍ፡ ዘሕልፍዎ እዋን ቀሊል ኣይኮነን።

ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ሓደ ካብቶም ኤርትራ ዘፍረየቶም ብሉጻትን ንኡዳትን ተማሃሮ ዝነበረ፥ኣብ 1972 ዓ/ም ናይ ሕጊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኮይኑ፡ ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊትን ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ዝበጽሐ፡ ተዋጊኡ ዘዋግአ፡ ተባዕ ተጋዳላይን መራሒን ምንባሩ ኩሉ ኣባል’ቲ ውድብ ዝምስክረሉ ሓቂ ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን ኣድሓኖም እዚ ኩሉ መዝነት ተሰኪሙ እናተቓለሰ ከሎ፡ ኣባል እታ ሕብእቲ ሰልፊ ዘይምንባሩ ኢዩ። እዚ ድማ ኮነ ተባሂሉ ዝተነፍጎ ናይ ሽዑ ሓለፋ ኢዩ (እንቋዕ! እኳ ኣይነበረ)። ከም’ቲ ዝብሃል ኣባል እታ ሕብእቲ ሰልፊ ኮይኑ ዘይተሓረየሉ ምኽንያት፡ ኣብ’ቲ ብ”ምንቅስቓስ መንካዕ” ዝፍለጥ ናይ 1973 ሰውራውን ደሞክራሲያውን ምንቅስቓስ፡ ነቶም ኣብ ስልጣኖም ዘስግእዎም’ሞ ከጥፍእዎም ዝደለዩ መታን ከጥፍኡ፡ ወሰን ኢሎም መርገጺኻ ኣፍልጥ እናበሉ ዘፈራርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣድሓኖም’ውን ከም ሰቡ ተሓቲቱ፡ ምስ’ቲ ኣቋሪጽዎ ዝመጸ ናይ ሕጊ ትምህርቱ ኣገናዚቡ ዝወሰዶ መርገጺ እንተ ነይሩ፡ “እዚ ጉዳይ’ዚ ህድእ ኢልካ ብሕጊ ክርአ ኣለዎ” ዝብል ኢዩ ኔሩ። በዚኣ መሰረት ክኣ እዚ ኩሉ መዋእል ገድሉ፡ ከም ናይ’ቶም መንካዕ ተባሂሎም ዝተቐንጸሉ ተደናጋጽን ዝንቡልን እናተባህለ ኢዩ ሓሊፉዎ። እዚ ጥራይ ውን ኣይኮነን፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ’ተን ቀዳሞት ናይ ካድር ትምህርቲ ዙርያታት፡ ንተጋደልቲ ዝውሃብ ዝነበረ ኣስተምህሮ፡ ከም ኣብነት ናይ ዝምባለ ይጥቀስ ምንባሩ ብህይወት ዘለዉ ናይ ሽዑ ካድረታት ዝዝክርዎ ሓቂ ኢዮ።

ኣድሓኖም፡ ንዂሉ መስገደላት ብስርኡን ናይ ኣመራርሓ ብቕዓቱን ብምስጋር ንህዝባዊ ሰራዊት መሪሑ፡ ኣብ’ቲ ዝዓበየ ደረጃ ስልጣን በጺሑ፡ ናጽነት ክዉን ካብ ዝገበሩ ኣርካናት ተጋደልቲ ሓደ ኢዩ። ከም ኣጋጣሚ ሰነዳት ናይቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣብ ኢዱ ስለ ዝበጽሐ፡ ንኹሉ እናፈለጠ ከም ዘይፈለጠ ኮይኑ እዚ ኩሉ ዓመታት ክጋደል ከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ጸዋር ምዃኑ ከረደኣና ይኽእል። ነብስና ኣብ ቦትኡ ኣእቲና እንተ ንፍትና፡ ምናልባት ናብ ጸላኢ`ኳ ኢድና እንተ ዘይሃብና፡ ከም`ቶም ካልኦት ዝገበርዎ ነቲ ቃልሲ ራሕሪሕናዮ ንወጻኢና ካብ ምኻድ ግን፡ ድሕር ኣይምበልናን።

ኣድሓኖም፡ ናይ ገድሊ ድሕረ ባይታኡ በዚ ዝተጠቕሰ መንቀራቕሮ ዝሓለፈ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ጉጅለ 15 ኮይኑ ሓደ ካብቶም ነቲ ናይ ሽዑ ዝወጸ ቅሉዕ ደብዳቤ ዝፈረሙ እዩ። ብምኽንያት መደብ ስርሑ ኣብ ግዳም ስለ ዝጸንሐ ግን፡ ከም ብጾቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣይኣተወን። ንዝፈትዎም ደቊን ክብርቲ በዓልቲ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ`ታ ዝደመየላ ሃገሩን ዕድመ ንእስነቱ ዝወደኣሉ ህዝቡን ብካልኣይ ደረጃ ሰሪዑ፡ ኣንጻር እዚ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ግዝኣተ ራዕዲ ንምቅላስ፡ ምስ ብዙሕ ሓርጎጽጎጽ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝብሃል ውድብ መስሪቱ። ንጎነጽ ብጎነጽ ከወግድ፡ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ፡ ቃልሱ ሀ ኢሉ ጀሚሩ።

ኣማኢት ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ጎኑ ኣዕሲሉ ከብቅዕ፡ ከም’ቲ ምስላ ቀዳሞት ”ኣይ`ከም ኣዴኻ ዝለኣኸትካ ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ” ኮይኑ ነገሩ፡ ንኹሉ ሓያልነቱን፡ ዝሓንጸጾ ናይ’ቲ እዋን ናይ ቃልሲ ስትራተጂኡን ዘዳኽምን ዘጉድምን፡ ብኹሉ ሸነኽ ተጻብኦታት ገጢምዎ። ብቐንዱ ህ.ግ.ደ.ፍን ደገፍቱን ብኣውራጃውነትን ትሕተ-ሃገራውነትን እንከጸልምዎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ`ውን ነቲ ቃል ዝኣተዉሉ መቃለሲ ባይታ፡ ዝተሓላለኸ ምስምስ እናፈጠሩ፡ ንተበግሶኡ ኣበርዒኖሞ። እቲ ዘገርም፡ ካብቶም መቓልስተይ’ዮም ዝብሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝብሃሉ፡ እቲ ንሳቶም ክገብርዎ ዘይክኣሉ፡ ኣነ ክገብሮ’የ ኢሉ ስለ ዘንቀደ፡ ነቲ ናይ ህግደፍ ጸለመ ብምድጋም፡ ብኣውራጃውነትን ጸቢብነትን ምኽሳስ ጥራይ ከይኣክል፡ “ኣብ ታንኪ ወያነ ተሰቒልካ ዝመጽእ ለውጢ የልቦን. . .” እናበሉ ክሓናኹልዎ ተዓዚብና። በዚ ምኽንያት፥ እቲ ኣብ እዋኑ ተበጊሱ ዝነበረ ናይ ምቅላስ ወኒን፡ ናብ ዓዲ ገጽካ ናይ ምጥማት ባህጊን ተኾሊፉ፡ መንእሰይ ናብ ስደቱ ጥራይ ከምዘምርሕ ኮይኑ። ሳዕቤኑ ክኣ እቲ ድሒሩ ዝስዓበ ዕንወትን ብርሰትን ሃገር፡ ልዕሊ ኩሉ ክኣ ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ዝሃለቐ ሂወት መንእሰያትና ኢዩ። ካብ’ዚ ዝረብሐ እንተሎ ኢሳያስን ህግደፍን፡ ዝተጎድአ እንተሎ ክኣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ስለ’ዚ “መለበሚን ኣይግበርካ መለበሚን ኣይኽላእካ” ከም ዝተባህለ፡ ንሓድሕድና ካብ ምትዕንቓፍ፡ ናብቲ ንሃገርና ዘባድም ዘሎ ዝዓበየ ጸላኢ ምጥማትን ኣንጻሩ ሓቢርካ ምቅላስን ጥራሕ’ዩ፡ እቲ እንኮ ዘዋጽኣና ባሃላይ ኢየ።

እዚ ትውልዲ ዚ፡ ድምጹ ዘስምዓሉን ሓሳባቱ ዝገልጸሉን መድረኽ የብሉን። ገጢሞሞ ዘለዉ ኣዝዮም ዝተሓላለኹን ሱር ዝሰደዱ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ ፈተናታትን፡ ተጻብኦታትን ማሕለኻታትን ብግቡእ ፈቲሽካ ጸገማቱ ዘቃልለሉ፡ ኣብ ዓዱ ቀሲኑ ዝተረጋግአ ትርጉም ዘለዎ ሂወት ክመርሕ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ህይወት፡ ንቑሕ ተሳታፋይ ዝኾነሉ ስትራቴጂታት ቀይስካ፡ ኣብ ዓዱ ተመሊሱ ክሰርሓሉ ዘኽእሎ መድርኻት ምጥጣሕን ተግባራዊ ንምግባርን ጻዕርታት ከነካይድ ይግበእና።

ብሰንኪ ዝቐደመ ፖለቲካዊ ብረዛን ውዲትን ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዲያስፖራ እንነብር፡ ብዓሌትን ሃይሞኖትን ኮነ ካልኦት ፍልልያት፡ በረኣእያ ተነጻጺልና ንርከብ። ገሌና ኣንጻር ታሪኽናን ታሪኽ ሓርበኛ ህዝብና ክንስለፍን ክንጽየንን ከሎና፡ ገሌና ካብኡ ሓሊፍና፡ ካልእ ዘየድሊ ኣተሓሳስባታት ኣጥሪና፡ ሓባራዊ መረዳድኢ ባይታ ስኢንና፡ ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከይተረፈ፡ መግለጺ ፍልልያትና፡ `ሃገራዊ ባንዴራ እዚኣ እያ፡ እቲኣ`ባ፡ እዚ ቅዋም ኣይውክለናን! ይውክለና`ባ!`፡ እናዳበልና ኢደ እግሪ ናይ ቃልሲ ምሓዝ ጠፊኡና ይርከብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃውተትና ከሎና፡ ኢሳያስ፡ ምስ ሃገረ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዳግማይ፡ መንነትና ንምህሳስን መልክዕ ሃገርና ንምድምሳስን ዕማሙ ንከሳልጥ፡ ምቹእ ዕድል ኮይኑዎ ይርከብ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘታሓሳስብን ኢዩ። ሳዕቤናት ናይዚ፡ ብጣዕሚ ኣሰካፍን ክፉእን ክኸውን ከም ዝኽእል ንኹልና ርዱእ ይመስለኒ።

ናይ ሓንጎል ብረዛ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ንምሁራት ኤርትራውያን ከይተረፈ በኣረኣእያ ፈላሊዩ፡ ብዓሌት፡ ኣውራጃ፡ ሃይሞኖትን ካልኦት ፍልልያትን፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ከም ዝነዓዓቑን፡ከም ዝናቖቱ ንገይሩዎም። እቶም ከፍርዩ ዝኽእሉ ምሁራን ሃገርና፡ ካብ ህዝቢን ደለይቲ ፍትሒን ከምዝንጸሉ ብምግባር፡ ኣብ ቃልሲ ክህልዎም ዝኽእል ኣበርክቶ ከምዝመክንን ኣብ ምግባር፡ ባዕሉ ብቀጥታ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብልሳን ናይቶም ግሩሃት ደለይቲ ፍትሒ ኣቢሉ፡ ከምዝዝለፉ፡ ክምዝዋረዱን ከምዝርሕቁን እውን ይገብር ኣሎ። ብሰንኪ ዚ፡ ማእለያ ዘይብሎም ለባማትን ምሁራትን ኤርትራውያን፡ ኢዶምን እግሮምን ሒዞም፡ ካብቲ ናይ ቃልሲ መኣዲ ተፈልዮም፡ ጸግዖም ክሕዙ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብዚ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ዕዙዝ ተሳትፎ ምሁራትናን ምኩራትናን ዝጥለበሉ ዘሎ እዋን፡ ብሰንኪ ጸቢብ ኣጠማምታናን፡ ብሰንኪ ውዲት ናይቲ ስርዓትን፡ ካብ ቃልሲ ክርሕቁ ከለዉ፡ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ሃስያ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። እሞ ንሕና ኤርትራውያን፡ ነዚ ብዝግባእ ንግንዘቦ ዲና? እስከ ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፦

ዘለዉና ዓበይቲ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ማእለያ የብሎምን። ሓደ ካብዚኦም፡ እቲ ዘየቋርጽ ናይ ምምሃር ጸጋ ዝተዓደለ ዶ/ር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ እዩ። ንሱ፡ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚሩ ክሳዕ ቀዳማይን ካላኣይን ዲግሩ፡ ጸብለል ብዝበለ፡ ብዘገርም ብቕዓትን ውጺኢትን ትምህርቱ ዝዛዘመ እንኾርዓሉ ሃገራዊ ጸጋና (asset) እዩ። ዝለዓለ ትምህርቱ ብማስተሬይት ዛዚሙ፡ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክብል፡ ነብሱ ከይበቐቐ፡ ነቲ ጽቡቕ መነባብሮ ኣመሪካ ራሕሪሑ፡ ናብቲ ስቅያትን ሕሰምን ዝመልኦ ቃልስን ገድሊን ኤርትራ፡ ናብ ሜዳ ተጸምቢሩ።

ዓንደብርሃን፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም እናተዓዃለሉ ዝመጹ መሰረታዊ ጠለባትን ሕቶታትን ህዝቢ ኤርትራ ብዘተኣማምን ንምምላስ፡ እጃሙ ንምብርካት`ዩ ሜዳ ኤርትራ ዝወረደ። እቲ ካልእ ብልጫ ዓንደብርሃን ድማ፡ ሓደ ካብቶም ብጣዕሚ ጻዕራማትን ህርኩታትን ተጋደልቲ ምዃኑ`ዩ። ካብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ ምሉእ ግዜኡ ንስራሕን ንዕላማ ህዝብን ዝወፈረ፡ ድሕሪ ምብራር ደርጊ`ውን ብተመሳሳሊ ልዕሊ ዓሰርተ ሹድሽተ ሰዓታት ዝሰርሕ፡ ናብራ ህዝቢ ንምልዋጥ ከይተሓለለ ዝጋደልን ዝሰርሕን ሰብ`ዩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ግቡእ ዓቕሙን ክእለቱን መታን ከየበርክት ዝተፈላለዩ ጸለመታት ኣብ ልዕሊኡ ክንዛሕ ጸኒሑ ኢዩ፡ ሓደ ካብኡ ኣብ ልዕሊ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝተኻየደ ምጽልጻል፡ እሞ ድማ ናብ ደቂ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ዘነጻጸረ ተባሂሉ ይጥቀስ። ልክዕ’ዩ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ብሑጋ ብትእዛዝ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዓንደብርሃን ከም ተወላዲ ኣውራጃ ሰራየ መጠን፡ መታን ንሱ ዝሰጎጎም ንምምሳል’ሞ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኣውራጃታት፡ ምትፍናን ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተሰርሐ ውዲት ኢዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንምርዳእ ኣብ ኣሰና ዶ/ር ጨፈና ሃይለማርያምን ዶ/ር ተስፋማርያም መሓሪን (1. ATV: ምዕጻው Asmara University ንኩነታት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራን - ዶር ጨፈና ሃ/ማርያም - ዶር ተ/ማርያም መሓሪ፡ ) (3ይ ክፋል Feb 19 2019) & (4ይ ክፋል Feb 19 2019) ቀሪቦም ዝገለጽዎ፡ ከምኡ`ውን ካልኦት ኣብ ድምጺ ኤርትራ Voice of Eritrea ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ Higher Education in Eritrea ብዝብል (13-Oct-2019 show) & (20-Oct-2019 show) ዝገለጽዎ፡ እኹል መረዳእታ ኢዩ፡፡ ንሳቶም ኣብኡ ተማሃሮን ድሓር ክኣ መምህራን ዝነበሩ ኮይኖም፡ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ኢዮም ገሊጸኦሞ፦ “ኣብ’ዚ ነገር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ወላ ሓደ ኢድ ከም ዘይነበሮን፤ እቲ ጉዳይ ባዕሉ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብመገዲ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ጌሩ ከም ዘተግበሮ” ኢዮም ዝመስከሩ። ስለ’ዚ፥ እዛ ዓንደብርሃን መምህራን ዩኒቨርሲቲ ኣባሪሩ እናተባህለ ከም ብዕሪር ትሕየኽ ዘረባ፡ መዛዘሚ ረኺባ ኢያ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም ኮይኑ ነገሩ፡ ዓንደብርሃን፡ ንቡዙሕ ዓመታት ዝደኸመላ ዝፈትዋ ዓዱ ን`ህግደፍ ገዲፉ፡ ከም ቀደሙ፡ ኣብ ቅድሚ`ታ ዕድመ ንእስነቱ ዝወደኣሉ ህዝቡን ሃገሩን ኣማራጺ ስለ ዘይረኸበ፡ ምእንቲ ዉጹዕ ህዝቡ ኣንጻር እዚ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ግዝኣተ ራዕዲ ንምቅላስ፡ ነታ ዝሓልማ ዝነበረ ፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃግር ንምፍጣር፡ ደኺመ ክይበለ ንቓልሲ ከምብሓዲሽ ተተሓሒዝዎ ኣሎ።

ኣብዚ ከይጠቐስክዎም ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ኣርካናት ተጋደልቲ ከም ዓብደላ ኣደም፡ ኣሕመድ ኣልቀይሲን ሃይለ መንቀርዮስን፡ ካልኦትን ኣለዉ። ግዜ ንእስነቶም ኣብ ዉዕይን ዝሑልን ኣእትዮም፡ ንቕሓት ኣስኒቖም፡ ብንቕሓት፡ ውግእ መሪሖም ተዋጊኦምን ኣዋጊኦምን እዮም።

እዞም ኣስማቶም ኣብ ላዕሊ ክጠቕሶም ዝፈተንኩን ካልኦት ብዙሓት ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ዘይጠቐስክዎምን ነባራት ተጋደልቲ፡ ኩሎም፡ ከም ተጋደልትን መራሕቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነበርን፡በቲ ግዜ`ቲ ዝነበሮም ንኡስ ዕድመ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጌጋታት ክህልዎም ከም ዝኽእል ባህሪያዊ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቃልሲን ገድልን ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሉዎ ልዑል መስዋእቲ ዝሓትት ስራሕን፡ ዝተጻወትዎ ተራን፡ ኣዝዩ ዝዓዘዘ ስለዝኾነ፡ ብዝኾነ ተኣምር ንክብረቶም ኣየጉድሎን እዩ። ብኣንጻሩ ኣኳ ድኣ፡ ካብዚኦም፡ ዘይነጽፍ ሕሉፍ ተሞኩሮን ትምህርቲን ከምዝርከብ ክንግንዘብ ይግባኣና። ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝብና ንዕኡ ጥራይ ከም ጣዖት ከምልኾ ስለዝደሊ፡ ንኹሉ ብገድሊ ዝመጸ ዓወታት፡ ንሱ ንበይኑ ከምዝጸዓረሉ ኮይኑ ንክርአ ስለዝደሊ፡ ናይ ካልኦት ተራን ኣበርክቶን፡ ካብ ሰነዳትን ካብቲ ንሱ ጥራይ ዝቆጻጸሮ ማዕከናት ዜናታቱን፡ ከምዝእለይን ከምዘይርአን ክገብር ከምዝጸንሐን ዘሎን፡ ኩልና ነስተውዕለሉ ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ። ነዚ ኣብ ግምት ምስ ኣነእቱ እምበኣር፡ ንሕና፡ ነቶም ኣብ ጥቓናን ኣብ ጎኒናን ዘለዉ ኣርካናት ብኸመይ ኢና ክንሕዞምን ክንጥቀመሎምን ዝግባኣና ዝብል ሕቶ ኢዩ፡ ኣብ ቅድም ክንሰርዖ ዝግባኣና። ብፍላይ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሚድያታትና፡ ነዚኣቶም ብኽብረት ኣብ መኣዲ ዘተ እናዓደማ፡ ህዝብና ካብቲ ሃብታም ተሞኩሮኦም ከምዝመሃር ክገብራ ኢዩ ዝግባእ። ኣንጻር ዚ መንፈስ ዚ ዝሰርሓ ሜድያታት ግን፡ ከይተፈለጠን፡ ዕማም ናይቲ ምልካዊ ስርዓት የሳላስላ ምህላወን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ድማ ይዓናቕፋን ከምዘለዋ፡ ክስቆረን ይግባእ። ኩልና ኣብዚ መዳይ`ዚ ክንልብም ድማ ክላቦ ይደሊ።

እዚ ኩሉ ኣቐዲመ ዝተንተንኩዎ ምርኩስ ብምግባር እምበኣር፡ ኣስዒበ ናብ ዝቕጽል ክወስደኩም፦

ነቶም ኣብ መጀመርታ ዝጠቀስክዎም ዞባውያንን ኣድማሳውያን ሰፋሕቲ መደባት፡ እዞም ክልተ ጉጅለ ሰብ ረብሓ እምብኣር ብድሪኺት ለውጢ ኢትዮጵያ ተሓጊዞም፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደባት ጎረባብቲ ሃገራት ማለት ሶማል፡ ጅቡቲ፡ ደብብ ሱዳንን ሱዳንን ንቕድም፡ ቀጺሉ ድማ ኣብተን ካልኦት ኣብ ትኹረቶም ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ከስርጽዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ከም ዝገብሩ እዮም ዘተንብሁ ዘለዉ። ኢሳያስ ብዛዕባ ስርዓት ካርቱም ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት፡ ግዝይኡ በሊዑ ዝፍታሕ፡ ንሱዳን እውን ናይቲ ተደመሮ ኣካል ምዃናን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ዝተገብረት ጉዳመኛ ሚስጢራዊ ሰሚናር፡ ንካድራቱ ገሊጹ ኔሩ። እዚ ከኣ ነዚ ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባርን ኣገዳስነቱን፡ ኢሳያስን ኣዕርኽቱን፡ከም ዓቢ ስእሊ ርእዮም፡ ጠመተ ሂቦምሉ ዝነበረ ጉዳይ ምኻኑ የረድእ።

ኣብዛ ናይ ፈጠራ ድርሰት፡ ሓዳስ ካርታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ብኣላይነትን ተዋሳእነትን ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብይ ኣሕመድን፡ ምስ ሃገራት ኣዕራብ እምብኣር፡ ረብሓ እዞም ክልተ ውልቀ ሰባት እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ምልዓል ከገድስ እዩ። ረብሓኦም ካብ ሽርክነት ምስ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን፡ ሚልዮናት ዶላራት ብሓገዝ ንዝተፈላለየ ጥቕምን፡ ዕድመ ስልጣኖም ዘናዉሕሉን ምርካብ፡ ካብ ምዃን ኣይሓልፍን። ካብ`ዘን ንርእሰን ዘይኮና ድኻታት ጎረባብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከኣ ጸጥታዊ ውሕስነት ምርካብ እዩ። ጸጥታዊ ውሕስነት ክብል ከለኹ ሓደ ካብኡ እዘን ጎረባብቲ ሃገራት፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ንኩሉ እኩይ ተግባራቶም ክፍጽሙ ከለዉ፡ ንዝለዓል ተቓውሞ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡መዕቆቢ መሓብሓቢን ሓገዛትን ዝኸውን ዕድላት ንምኽልኦም፡ ምዃኑ ኣብ ግምት ከነእትዎ ይግበኣና። ብፍላይ ዕላማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝደልዮ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ናይ ስርዓት ህግደፍን፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ትግራይ ዘሎ ህዝቢን፡ እንተ ተኻኢሉ ናብ ኢዱ ከረክቡዎ፡ እንተ ዘይኮነ ግን፡ ብማይላት ካብ ዓዶም ርሒቖም፡ ኣስናኖም ዝሕርቅሙ ጥራይ ኮይኖም ከምዝተርፉ ንምግባሮም ዝዓለመ ይመስለኒ።

ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ምትሕብባር ዶ ወይስ ምትሕውዋስ?

እዚ ወለዶታት እንዳጽነትካ፡ ካብ ቤቱን ርስቱን እናፋናቐልካ፡ ብጉልባብ “ምህናጽ ናይ ወሎዶታት ለውጢ”፡ መጀመርታ ኣብ ኤርትራ ተፈቲኑ ዘድመዐ፡ ማለት፡ ኣብ ምፍንቓል ህዝብታት ኤርትራ ሕመረት ፖሊቲካዊ ፖሊሲ ማእከል ዝገበረ፡ ሕጂ ከኣ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ኣዕናዊ ኩርናዕ ፖለቲካን ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን እምብኣር፡ ብቃላት ኢሳያስ ብከምዚ ዝስዕብ ይግለጽ፡ ...."ናይ ሓባር ዕማምና ከም ክልተ ሃገራት ዘይኮነስ፡ ከም ሓደ ሃገር፡ ከም ሓደ ህዝቢ፡ ከም ሓደ ሓይሊ ኴንና ከነተግብሮ እዩ መደብና ...... " ይብል። ቀጺሉ እውን ሓላፍነት ....‘’ ሰላም’’ ካብ መኸተ ስለ ዝኸብድ ጽንዓት መንእሰያት ክቅጽል ኣለዎ ....ይውስኽ።
እዚማለት፥ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተፈጥረ ድኽነትን፡ ኩሉ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ሕጂ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ወሲኹ ብሓድሽ መልክዕን ስትራተጂን፡ ናይ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምፍንቓል ክቕጽል እዩ፡ኢዩ ዝብለና ዘሎ።እዚ ማለት ከኣ፡ ዝኾነ ይኹን፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ለውጢ ይኹን፡ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ንኸይመጽእ ጥራይ ዘይኮነስ ንኸይሕሰብ`ውን ዝዓለመ ኢዩ።

ኢሳያስ፡ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብን ምህናጽ ትሕተ ቅርጺን ኣመልኺቱ ክዛረብ እንከሎ ቃል ብቃሉ. ..... ወደብ ዓሰብ ብቕልጡፍ ዘድሊ ጽገና ተጌሩሉ ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ኢትዮጵያ ክውዕል ኣለዎ፡ ዝብል ተእዛዝ እዩ ዘመሓላፈ። ኣብ`ዚ እታ ኣነን ኢሱን ምስ ተደመርና እንካፈሎ ዓሰብ እዩ (link) እትብል ውዕውዕቲ መደረ ዶ/ር ኣብይ፡ ከም ዘላታ ቅድሚ ኣብይ ኣሕመድ ምዝራቡ፡ብትእዛዝ ኢሳያስ፡ ንካድራት ህግደፍ ዝተወህበት ምንባራን ንዘክር። ዶ/ር ኣብይ ከኣ ነቲ ብሑጓ ዝተዋህቦ ፍቓድ፡ ብዓውታ ዝድርጉሕ መራሒ ምዃኑ`ውን ምስትብሃል ከድልየና ኢዩ። ድሮ`ኳ ወደብ ዓሰብ፡ ቀልጢፉ ዘድሊ ጽገና ተጌሩሉ`ስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኽውዕል ናብ ምረቓ ይሸባሸብ ኣሎ።
ትሕተ-ቅርጺ ዝምልከት፡ መስመራት ጽርግያታት ባጽዕ - ነፋሲት - ደቀምሓረ - ሰንዓፈ - ዛላምበሳን፡ ከምኡ’ውን መስመራት መረብ- ኦምሓጀር - ሑመራን፡ ናይ ምድሪ መራኸቢታት ኾይኖም ከም ዘገልግሉ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ኢሳያስ ንካድራቱ ብግልጺ ካብ ዘረድኦም ጉዳያት፡ ሓደ ነበረ። እዚ ድሒሩ ዝሰዓበ ምዕጻው ምንቅስቓሳት መስመር ሰንዓፈ ዛላምበሳ፡ መስመር መረብን-ኦምሓጀርን ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳዕ ክንደይ ብስርዓት ኢሳያስ ተዓፊኑ፡ ኣብ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ደልሃመት ከም ዘሎ ዝተረድኣላን፡ ካላኣይቲ መዓልቲ ነጻነት ኮይና ስለ ዝተሰማዓቶን፡ ሁድድ ኢሉ ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ምስ ኣተወ፡ ኢሳያስ፡ እቲ ንህወሓት ኣብ ሽበራን ራዕድን ንምእታዋ ዝማሃዞ ናይ ከበባ ብልሓት፡ ክሰርሓሉ ከም ዘይከኣለ ምስ ተረደአን ስለ ዝሰምበደን ምዃኑ፡ ዘካትዕ ኣይመስልን።

ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራ`ውን ብቐጻሊ፡ ባዕሉ ኢሳያስ`ዩ ምስ ኢትዮጵያ ደሪቡ ንኸርምሳን ጠሪሹ ንኸጥፍኣን መልክዓ ንምቕያርን፡ መዲቡ ዘሎ። ብቃላቱ ኸኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ........ ክልቲኡ ቁጠባታትና ዝጎይየሉ ብናይ ፖሊሲታት ስኒት ኣቢልና፡ ኣብ ትሕተ - ቅርጺ፡ ጸዓት፡ ማይ፡ ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና ከምኡ’ውን ካልኦት ጽላታት ተሳንዩ እዩ ክስራሕ.... ይብል። እዚ ቁጠባዊ ምትሕውዋስ ከም ሓሳብ ሕጂ ዝመንጨወ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ 25 ሚያዝያ 1993 ንጋዘጠኛታት ኣብ ኣስመራ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ጥቡቕ ቁጠባዊ ዝምድና ወይ ድማ ኮንፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክንገብር ኢና፥” ኣስዒቡ እውን ኣብ ወርሒ መስከረም 1993 ንጋዘጠኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃቦ መግለጺ፡ዉዑል ኣስመራ ብዝብል፡ ቁጠባዊ ምትሕውዋስ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ተፈራሪሙ። ቀጺሉ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን፥ ካብ ኩናት ናብ ምትሕብባር (Brothers at war: making sense of the Eritrean-Ethiopian war ተወከስ)” ብዝብል ምስምስ፡ ቁጠባዊ ውህደት ብ1994 ተፈራሪሙ። ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1996 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እንተደለኹም ፈደረሽን፡ ኮንፈደረሽን፡ ወይ ሕብረት ክትብልዎ ትኽእሉ ኢኹም፡ እንገብሮ ዘለና ግን፡ ዶብ ዘይብሉ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ንምፍጣር እዩ። ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ውህደት ከም ስም ንዓይ ኣይግድሰንን፡ ንዓይ ዘገድሰኒ ኣብ ግብሪ ዘሎ እዩ።” (Conflict in the horn: why Eritrea and Ethiopia are at war, by Martin Plaut and Patrick Grilkes: March 1999) ኢሉ ከምዝነበረ ምዝካር የድሊ። ብዛዕባ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ፖሊሲታት ምስናይን ዘይምስናይን ዝምልከት ጉዳይ፡ብዊንታን ሕልምን ሓደ ጨቋኒ መራሒ ዝትግበር ወይ ፋሕ ዝብል ዘይኮነስ፡ እንታይ ድኣ፡ ኣብ ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ምርኩስ ዝገበረ፡ ቀጻሊ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምዕባለ ሕብረተ ሰብ፡ ሰላምን ቅሳነትን ምትእምማንን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራ ከኣ ዘረጋግጽ ምስዝኸውንን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዝወከሎ ሕጋዊ ባይቶኡ ኣቢሉ ኢዩ ብፍቶቱን ብምርጭኡን ዝትግብሮ። እዚ ምስቲ ድሒርና ንዕዘቦ ጉዳይ ምምልካት ዶብ ኣተሓሒዝና እንተ ረኢናዮ፡ ብርግጽ፡ ትርጉሙ ኣብ መንጎ ምሕዋስ ክልተ ሃገራትን ሓበራዊ ምትሕግጋዝን ዘለዎ ፍልልይ፡ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

እዚ ጉዳይ ዚ፡ ዕሙቕን ስፍሕን ዝበለ ትንታነ ክወሃቦ ዝከኣል`ኳ እንተኾነ፡ ርእይቶይ ንኽትፈልጡ ንእትደልዩ ግን፡ ኢሳያስ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ፡ ሓንቲ ሓዳስ ነታ ኣረጊት ኢትዮጵያ እትመሳሰል ሃገር፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምምስራት እዩዕላምኡ። በዚ ሰራም ስትራተጂካዊ ሕልሚ`ዚ፡ኢሳያስ ኣብ ከመይ ዝበለ ህልቂትን ነውጽን ከእትወና ደልዩ ከም ዘሎ፡ ንምርድኡ ብርቱዕ ኣይኮነን።

ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎን ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎን ጉዳይ ዶብ ኣመልኪቱ፡ ውልቀ መላኺ ከደናግር እንከሎ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ ..... ጉዳይ ዶብ፡ ብይን ዝተዋህቦ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ብዓቢኡ ፍቱሕ እዩ፡ ብኸመይ ይትግበር፡ መዓስ ይትግበር፡ ዘህውኸና`ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ክትግበር ግን ኣለዎ .....። ዋእ! ኣንታ ኣነ ዲየ ዓቢደ ወይስ ብግቡእ ኣይተረዳእኩዎን!? ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገራት እየን ኢሉ ዝሓስብ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ጥራይ ዘለዎ ክኸዉን ኣለዎ፡ ሓደ ኮይንና ኢና ከምዘይበለ፡ ኣብዚ ዘረባ’ዚ ልዑል ጥበብ ምድንጋር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጎሊሑ እዩ ዝረኣየካ። ብርግጽ፡ ንምምልካት ዶብ ከም ጉዳይ ዘይሓስበሉን ንዕኡ ትርጉም ኣልቦ ምዃኑን`ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ብጥሪኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ንግዝኣትና ኣብ ክልተ ዝመቅል መስመር ኣብ ግብሪ ኣይነውዕልን ኢና`ዩ ዝብል፡ በቲ ብደዐን ንዕቀትን ዝመልኦ ቃላቱ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ሃንደበታዊ መርድእ፡ ንገለ ኣዴታትን መንእሰያት ህግደፍን፡ ብስንባደ ንኸይቀትል ስለ ዝሰግኦ እዩ ዝኸውን፡ ንካድራቱ ብጥበብ ኣቐሚጡሎም ዝሓለፈ። እቶም ካድራቱ ድማ፡ ብሰላሕታን ብሜላን፡ ኣብ ፈቐዶ ፓልቶካትን፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ተኸዊሎም፡ ኣብ ትዊተር ብመንገዲ ሕሩያት ኣምባሳደራቶምን ካድራቶምን እናጸሓፉ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊን ሰዓቢኦምን ከዳናግሩዎ ከይደቀሱ ይሓድሩ ኣለዉ። ብኸምዚ ዝበለ ሜላ፡ ንህዝብና እናዛናግዑ፡ ብውሽጢ ውሽጢ ድማ ነቲ ሃገርና ናይ ምልሓቕ ሰራም ሜላ ኢሳያስ ንክሳለጥ ጊዜን ዕድልን ክህቡዎ ንዕዘቦም ኣሎና። ኣብዚ እከይ ሜላ`ዚ እደ-በይዛ ኾይኖም ዘገልግሉዎ ሕልናኦም ዝሸጡ ምሁራት ኢና በሃልቲ እውን ኣይተሳእኑን።

ኢሳያስ ኣብቲ ዘረብኡ፡ ንጉዳይ ምምልካት ዶብ ዝምልከት፡ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርጫ ድሕሪ ምግባሩ ነርክበሉ ኢና፡ ምርግጋእ ናይ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ዚ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሓሉ ኣሎና ብዘስምዕ፡ ንካድራቱ ጠቢርዎም ሰጊሩ። ዶባዊ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ቀዛፊን ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትና ዝተኸፍለሉ ኩናትን ኢዩ ነይሩ። ምስ ምምጻእ ዶ/ር ኣቢይ ናብ ስልጣን፡ ሓድሽ ናይ ሰላም ተስፋ ብምቕልቃሉ፡ አቲ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ክትርጎም ኢዩ ዝብል ትጽቢት`ዩ ህዝብና ነይሩዎ። “ሰላም” ምስ ተዘመረ፡ እቲ ኣብ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጸንሑ፡ ንቡር ዝተሓረሞም ኤርትራውያን፡ ተፋንዮም ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ፡ ናይ ኩልና ትምኒት ኢዩ ነይሩ። እዚ ክቱር ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ህዝብና፡ ኣብቲ ዶ/ር ኣቢይ ናብ ኣስመራ ዝበጽሓሉ ዕለት፡ ንከተማና ብሓጎስ ኣጥለቕሊቑዋ ኢዩ። ኢሳያስ ግን ሰላሕ እናበለ ከም ኣመሉ፡ ናብ ዝገደደ ጎደና ሃገራዊ-ጥልመቱ ኢዩ ቀጺሉ። ብወገነይ፡ እዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድርኽ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝኣተወ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ።

ኣብ መወዳእታ ትንታነይ እምበኣር፡ መታን ኽንበላሓት ክሕግዘና፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ነብሲ ወከፍ መደረታቱ ስክፍትኡ ብዛዕባ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከየተንብሀ ስለ ዘይሓልፍ፡ ብዛዕባ ተቓወምቲ ሓይልታት ብጉልቡቡ ዝበሎን፡ ብወገነይ ክግበር ዝግብኦ ጥንቃቐታት ኣሎ ዝብሎን ብምዝኽኻር ክዛዝሞ እደሊ።

ጎስጓስ ተቓውሞ ኣድማዒ መታን ከይከውን፡ ምምልካት ዶብ ምኽንያት ጌሮም፡ክሓልኩና ዝፍትኑ ወገናት ስለ ዘይሰኣኑ፡ ኣብቲ ናቶም መጻወድያ ክንኣቱ የብልናን። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኩናት ስለ ዝኣተዉ፡ ፌስታ ጌሮም ክሕጎሱ ክዕንድሩን ከዳኽሩን ዝጸንሑ ወገናት ኣለዉ። ሕጂ ግን ዝተጻወትኩምልና ይኣኽለኩም ኢልና፡ንሕና ስራሕና ንስራሕ። ንሶም`ውን ስራሕ እንተ ኣለዎም ካልእ ስርሖም ይግበሩ፡ ይብል ቃል ብቓሉ። ኣብዚ መልእኽቲ’ዚ፥ ኣገዳስነት ልእላውነትን ምምልካት ዶብን ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ትርጉምን ስምዒትን ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ፡ ዶብና! ዶብና! እናበሉ፡ እቶም ተቓወምቲ፡ ልብኹም ከየሸፍትዎ፡ ተጠንቀቑ። ብዓንተቦኡ ውን “እዞም ተቓወምቲ ዝብሃሉ፡ ደለይቲ ጽበቕ ህዝቢ ኤርትራ ኾይኖም ኣይፈልጡን” እናበለ፡ ክፉእ ሓደገኛ መርዚ ንካድራቱ ነዚሕሎም ኢዩ። ንሶም`ውን ዕዮ ገዛኡ ኣብ ምፍጻም ንፉዓት ስለ ዝኾኑ፡ ናብቲ ልዕሊ 6000 ሕመረት ውዳቤታት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን፡ ብቕልጡፍ ከም ዘብጽሕዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና እምብኣር፡ ህግደፍ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ መንእሰያት ኤርትራ ብዙሕ ስክፍታ ዘየብሉ ምኳኑ እዩ። መንእሰያት እምብኣር፡ መልሓስ ኢሳያስ ቃናኣ ከም ትቕይር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስርዓቱ ካብ ሱሩ ብምብርቛቕን ኣብ ልዕሊኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ብምትካልን ታሪኽ ክትሰርሕ ከምዘሎካ፡ እዚ ኹሉ ዝተገልጸ ንዕቀት ኢሳያስ፡ ዓቢ መዘካኸሪ ምኳኑ ክዝንጋዕ የብሉን እብል።

ብሓፈሽኡ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር፡ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣሽሓት ማይላት ርሒቑ ዝቑዝም መረረ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ግብሪ ዘርእዮ ዕብየት ከምዘይህሉ ንምግባርን፡ ብኢሳያስን መሻርኽቱን ዝዋደድ ዘሎ ሜላታት ብምርዳእ፡ ከነታት ከባቢና ብግቡእ ብምክትታልን እምብኣር፡ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ካብ ናይ እብረ (ፓርት ታይም) ቃልሲ ወጺኡ፡ ናብ ምሉእ ተወፋይነት፡ ግዜን ንዋትን ንምውፋይ ዝሕተተሉ መድረኽ ተበጺሑ ከም ዘሎ ብምርዳእ፡ ክሳብ ምርጫ ኢትዮጵያ ተኻይዱ ምሉእ ንግስነት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝረጋገጽን መሓውራት ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከሳብ ዘስፋሕፍሕን፡ ዘሎ ግዜ፡ ንሓይልታት ለውጢ ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ፡ ከገንዘብ እፈቱ።

ማሕበራዊ ባህልን ልምድን፥ ንኣሽሓት ዓመታት ተዓቂቦም ዝጸንሑ ማሕበራዊ ባህልናን ልምድናን እቶም ጸላእትና እንብሎም’ኳ ከፍርስዎም ዘይክኣሉ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ኣብ ሓጺር እዋን ኣዕንይዎም ንርእዮ’ለና። ናይ ምክብባር፡ ምክእኣል፡ ምትሕግጋዝ፡ ሰብ ብሰብኣዊ ክብሩ፡ ብዕድመ ንዝሸምገሉ ምኽባርን ጽን ኢልካ ምስማዕን ተሪፉ፡ ኣብ ክንድኡ ንኹሉ ብንዕቀት እናጠመትካ ባህልና ንኸዓኑ ዝግበር ዘሎ ስጉምቲ ናይቲ ስርዓት ከይኣክል፡ ንሕና ከም ተቓለስቲ ንለውጢ እንተኾነ ውን፡ ኣብቲ እንነብረሉ ሃገረ-ስደት ነዚ ንምእራሙ ከነካይዶ ዝግብኣና ጻዕሪ ድኻማት ስለዘርኣናን፡ክቡር ባህልና ፈሪሱ፡ ሳዕቤናቱ ድማ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዕለት መጸ፡ ንርእዮ ኣሎና።

III. ዲሞክራስያውያን መራሕቲ ምፍጣር፦

እቲ ዝዓበየ ዕማምናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ፡ ንጽባሕ ዝኾኑ በላሕቲ መራሕቲ ዝኾኑ ዜጋታት፡ ምምልማልን ምፍጣርን ኢዩ። ልምድታት ናይ ብዙሓት ዝማዕበላን ኣብ ከይዲ ምዕባለ ዘለዋን ሃገራትን፡ ንኣብነት፦ ቻይና፡ እንግሊዝ፡ እስራኤል፡ ከም ዘርእየና፡ መራሕቲ ናይ ምፍጣር ዋኒን፡ እቲ ዝዓበየ ቆላሕታን ቀዳምነትን ዝወሃቦ ከም ዝኾነ ኢዩ። ብፍላይ ካብ እስራኤልን እንግሊዝን እንወስዶ ተመክሮ፡ መራሕቲ ናይ ምፍጣር ጉዳይ፡ ናይ ዝኾነ መጻኢኡ ዝሓሸ ክገብር ዝህቅን ማሕበረ ሰብ፡ ኣውራ ዛዕባ ክኸውን ዘለዎን ጥንቃቐን ብልሕን ዝሓትት ከም ዝኾነን ኢዩ ዝፍለጥ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ንሕና ኤርትራውያን፡ መራሕቲ ኣብ ምፍጣር፡ ብሉጻትና ኣብ ምልላይን ናብ ቅድሚት ኣብ ምምጻኦምን፡ ተጸጊምና ኣሎና። ንህልው ጠለባት ዓለም፡ ንውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታትና ብብቕዓት ዝግምግሙን ብብቕዓት መሪሖም ፈንጺጎም ዝወጹ መራሕቲ ክንፈጥር ኣይከኣልናን። ወይ ድማ፡ ብሰንኪ ዘይንቑሕ ኣተሓሕዛናን ኣቀባብላናን፡ ምሳና ዘሎ ወርቂ ከነለሊ ኣይከኣልናን ኣሎና ማለት`ዩ። ብዙሓት ንለውጢ ዝነቐሉ፡ ጀብሃ`ዶ ሻዕቢያ ወዘተ እናበልና፡ ሑሕ! ስለዝበልናዮም ጸግዖም ከምዝሕዙ ምግባርና፡ ባዕልና ግዳያት ኮይንና ከይንህሉ እውን እሰግእ ኢየ። ኣብ ውሽጢ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ኤርትራ፡ናይ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ለውጢ ኣይርእን ዘሎና። ዝኾነ ሓደ ኣባል ኤርትራዊ ውድብ ማእከል ፖለቲካዊ ምንቅስቓሱ፡ ምርግጋጽ ረብሓን ህልውናን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምምሕያሽ ናብራ ህዝቢ፡ ናይ ህዝቡ ልምዓት፡ ሰላም፡ ቅሳነትን ምትእምማንን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ፡- ፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ነጻነት… ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ክኸውን’ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝመስለኒ። ይኹን’ምበር እዘን ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ይኹና ወይ ውልቀ-ተቓወምቲ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጨካን ኢሳያስ ኣፈወርቂን ስርዓቱን ካብ’ቲ ተጣቢቖምሉ ዘለዉ ስልጣን ምስጓግ፡ ኣብ ነንሓድሕዶም እናተጻብኡን ዕንቅፋት እናኾኑን ዘሕልፍዎ እዋን ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ውድብ፡ ንህዝቡ ኣኽቢሩ፡ ናይ ህዝቢ ረብሓ ልዕሊ ኩሉ እንተ ሰሪዑ’ዩ ንሱ’ውን ዝበለጸ ተሰማዒ ክኽውን ዝኽእል፤ ብዝበለጸ’ውን ዝኸብር። ናይ ሓሳባት ፍልልይ ከም ጸጋ ዝቖጽር ደሞክራሲያዊ ባህሊ ክዕንብብ ኣለዎ። ነዚ ባህሊ ዚ፡ ካብ ሕጂ ብኣጋ ክንመሃሮን ክንጅምሮን ይግበኣና። ኣብ መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ዝተፈለየ መማረጺ ሓሳብ ዘለዎ ኩሉ፡ ኣጆኻ ተባሂሉ ክተባባዕ እምበር ከም ጸላኢ ክቑጸር ስለዘይግባእ ኢዩ። ስለ`ዚ፡-

• ኣብ ከይዲን ምዕባለን ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ማህሰይትን ስምብራትን፡ ንኣብነት ጀብሃን ሻዕብያን፡ ኣውራጃ፡ ቆላ-ከበሳ፡ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ከይበልና፡

• ብብልሓትን ጥበብን ሓድሕድ ተደጋጊፍና፡ ነቲ ንህላወን ድሕነትን ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ፡ ከከም ኣመጻጽእኡ ብትዕግስቲ ምእንቲ ክንምክት፡

• ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሎሚን ትማልን ዝተፋላለዩ ማሕበረ-ኤኮኖሚያዊ ጠለባት፡ ንምምላ`ስን ንምድልዳልን፡ ምሁራትና ብምስታፍ፡ ዘላቒን ፍትሓዊን ብዝኾነ መንገዲ እናፈታሕና፡

• ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ድማ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ነቕ ዘይብል ስጡም ሓድነት ብምፍጣር፡ ንኹሉ መዳያዊ ጸቕጢ ህግደፋዊያን ዝስዕርን ንቒድሚት ዝግስግስን መሪሕነት ክንፈጥር፡

• መሪሕነትን ኣባላትን ተጋድሎ ሓርነትን፡ እዞም ካብ መፈንጠራ ኢሳያስ ዝወጹ፡ ኣባላትን መሪሕነትን ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩን (መስፍን ሓጎስ፡ ዓብደላ ኣደም፡ ኣድሓኖም ገረማሪያም፡ ዓንደብርሃን ወልደጊርጊስ፡ ኣሕመድ ኣልቀይሲን ሃይለ መንቀርዮስን፡ ካልኦት ኣብዚ ስሞም ዘይጠቐስክዎምን)፡ ተምሳሌት ስጡም ሓድነትን ምርድዳእን ብምዃን፡ ነባሪ ታሪኽ ፈጺሞም፡ንሕና ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብ ምፍጣር፡ ብሉጻትና ኣብ ምልላይን ንቕድሚት ኣብ ምምጻእ ንኽተሓጋገዙን፡ ብሉጽ ተመኩሮኦም ነኸወፍዩን ክምህሩን፡ ሓድሽ ወለዶና ድማ ብዘይ ምውልዋል ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎምን ምሰኦም ተሓባቢሩ ክሰርሕን በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ምኽረይ ክህብ እፈቱ።

ካብ ብዙሕ ዘመናት ኣትሒዙ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምህሳይን መንነቱ ንምድምሳስን ብውሽጥን ብደገን ዘይተገብረ ነገር የልቦን። ኢሳያስን ንሱ ዝመልመሎም ጉጂለ ህግደፍን ብዝሃንደስዎ፡ ነጻነት ኤርትራ መንገዳ ስሒታ፡ ኩናት ዶብ ወሊዖምን ኣጓሃሂሮምን፡ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ኣብ ክፉእ ሓደጋ ኣውዲቖሞ ኣለዉ። ይኹን`ምበር ነዚ ክፉእ ስራሕ ኢሳያስ ኣብ ግምት ከየእተዉ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ብኢሳያስን ስርዓቱን ዝተፈጠረ ኣዕናዊ ኩናት ዶብ ዝርድኡን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይፈልጦን ዘይደልዮን ተገዲዱ ዝኣተዎን ናይ ዶብ ኩናት፡ ብጃምላ ስርዓትን ህዝብን ፈላልዮም ክጥምቱ ዘይከኣሉን ንመጻኢ ሕውነት ህዝብታት ዝተታናኾሉን፡ ሕሉፋት ግን ዉሑዳት ኣኽረርቲ ኣባላት መሪሕነት ወያነ፡ እውን ነይሮም ኢዮም። ነቲ ክቡርን ብዙሕ ዋጋ ንጹሃት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝበልዐን ዘሰንከለን፡ ነዊሕን መሪርን ብቃልሲ ህዝቢ ዝተረኽበ መንነት ህዝቢ ኢርትራ ዘቋናጽብ “ሓሙሳ ሃመማ ብሓንቲ ፍሊት፡ ሓሙሳ ኣናጹ ብሓንቲ ድሙ” እናበሉ፡ ድሒሩ`ውን፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም፡ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝተወስደ እከይ፡ ኢሰብኣዊ፡ ብስነ ልቦና ዘይቅቡል ዘይፍትሓዊን ዘሕፍርን ብግፍዒ ዝተሰነየ ምስጓግ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ፥ ስራሕና ኢሎም ደፊኦሙሉ። ጸኒሖም`ውን ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪቱ ዝነበረ ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ዝቃለስ ውድባት፡ ግቡእ ምትሕብባር ነፊጎሞን ኣይስሩር ኣይህሉው ከምዝኸውን ገይሮሞን። ውሳነ ኣልጀርስ ኣብ ግዚኡ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕል ምስምሳት ብምፍጣርን ንክናዋሕ ስለዝገበሩ፡ ዕድመ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ንክናዋሕ ጽቡቕ መመኽነይታ ኮይኖሞ ኢዮም። ብሰንኩ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ዝኸፍአ ህይወት ከምዝወድቕ ኮይኑ። እሞ፡ ክሳብ ሕጂ ንሱ ዘስዓቦ መዘዝን ሓባራዊን ታሪኻዊን መንነታዊ ጭፍለቓን ብምዝኽኻር፥ እቲ ቅኑዕን ነግፈረግ ዘይብልን ስጡምን፡ ኣርሒቑ ዝጥምት፡ ስትራተጂካዊ መሰረትን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ብምግባር፡ ነዚ ብኢሳያስን ብዶክቶር ኣብይን ዝካየድ ዘሎኣዕናዊ ዕንደራ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክብርዕን፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት መንእሰይ ወለዶ፡ ነቒሑ፡ ጸላኢኡን ፈታዊኡን ኣለልዩ፡ ሓቢሩን ኽቃለሶ እላቦ።

ብመሰረቱ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዝጥምት ፍትሓዊ ስርዓት ምህናጽ ዝከኣል፡ ንኹሉ ሰብ ማዕረ ዝርኢ ኣመራርሓ ምህናጽ ምስ ዝከኣል ኢዩ። ኸምኡ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝበዝሕ ኣመራርሓ ዝጎድል ብማዕረ ዝርኢን ዘገልግልን ኣረኣእያ ብዘይምህላዉ እዩ። ስለ`ዚ፥ እዞም ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ዝረቛሕኩዎም ተጋደልቲ፡ ተላኢኾም ዘብጽሑን፡ ተዛሪቦም ዘስምዑን ስለ ዝኾኑ፡ ንኹሎም ብማዕረ ጠሚቱ፡ ብማዕረ ዝጥምት መሪሕነት ምፍጣር፡ መድሕን ህዝብን ሃገርን እዩ`ሞ፡ ሃየ መንእሰይ ኤርትራ ከይተደናገርካ፡ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ኣስላማይን ክርስትያንን፡ ኣውራጃን ከይበልካ፡ ብብልሓትን ጥበብን ተሓጋጊዝና፡ ነቲ ንህላወን ድሕነትን ኤርትራን ትግራይን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ፡ ከከም ኣመጻጽእኡ ብዓቢ ትዕግስቲ ክንምክት፡ ነቕ ዘይብል ስጡም ሓድነት ብምፍጣር፡ ንኹሉ መዳያዊ ጸቕጢ ህግደፋዊያን ዝምክትን ዝስዕርን፡ ንቒድሚት ዝግስግስ መሪሕነት ክንፈጥር ይግባና ኢዩ እብል።

ዓወት ንፍትሕን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ!

ብ በርሀ ፍስሃየ

18 December 2019

Read the above article in PDF. ነዚ ላዕለዋይ ጽሑፍ ብ` ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ (Click here)።


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

National dialogue and reconciliation, is a basis and objective of a national movement.
ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን፡ መሰረትን ዕላማን፡ ሃገራዊ ምንቅስቓስ።
Seminar by: Dr. Adane Ghebremeskel ሰሚናር ብ` ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል
Paltalk Harnet discussion room: 27 September 2014

Recorded live by snitna.com



Share with friends: