ምቛም ሽማግለ ይኣክል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/07/2019 21:32 PM

ምቛም ሽማግለ ይኣክል

ብ'ገብረዝጊ ኣፈወርቂ

ምቛም ሽማግለ ይኣክል

ምቛም ሽማግለ ይኣክል (Setting-up The Yiakil Committee).
ብ'ገብረዝጊ ኣፈወርቂ (By Mr. Ghebrezghi Afeworki)

ደገፍቲ መንግስቲ ዝበሃሉ በቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝዝርግሖ ውግእን ወረ ውግእን ፕሮፓጋንዳ ተታሊሎም ህዝብን ሃገርን ብናይ ውጻኢ ሐይልታት ተጻብኦ ኣብ ሐደጋ ከይኣቱ ምእንቲ ነቲ በብጊዜኡ እንዳኸፍኤ ዝኸይድ ውሽጣዊ ጸገም እንዳርኣዩ ከም ዘይርኣዩ እንዳሰምዑ ከም ዘይሰምዑ ኰይኖም ንዓማጺ ስርዓት ደገፎም ሂቦም ኢዮም። ደለይቲ ፍትሒ ድማ ካብታ ቅንዕቲ መበገሲት መገዲ ዕላማኦም ዘንቢሎም (ኣልጊሶም) ኣብ ክንዲ ብሐድነት ዝሰርሑ ፋሕ ጭንግራሕ ኣትይዎም ተዳቒቖም ኣብ ግዕዞ ኣመል ምስ መግነዝ በጺሖም ነይሮም። ፕራይም ምኒስተር ኢትዮጵዪ ዶ|ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጽኤ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ውሳኔ ኣህግራዊ ቤት ፍርዲ ክፈትሖየ ዝብል ሐሳባት ብሃንደበት ምስ ተሰምዔ ኩሉ ህዝቢ ተሐጉሹ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ውን ካብ ተነጽሎ ህዝብናን ማሕበረሰብ ዓለምን ክወጽእ ዕድል ረኺቡ። እዚ ኩነተ ዕድል ድማ ንመራሒ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክዕድሞን ንሱውን ንኢትዮጵያ ክገይሽን ስለዘኽኣሎ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘዕገርግሮ ዝነበረ ሒማቕ ሕልሙ ኣብ ማአከል እቶም እኣምኖምየ ዝበሎም ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምሉእ ኣካላዊ ፍሰሃን ሐጎስን ኣፍልቡ እንዳሃረመ ዕዮ ገዝኡ ዝወደኤ መሲልዎ በዞም ዝስዕቡ ሐሳባት መልእኽቱ ብምትሕልላፍ ክስልም ሃቂኑ።

1. ኣይከሰርናን።
2. ህዝቢ ኣርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሐደ ህዝቢ ኢዩ።
3. ምሕንጻጽ ዶብ እቲ ዝደቐቐ ሕቶዩ፣ ምርግጋእ ኢትዮጵያን ናይ ዞናና ቁጠባዊ ውህደትን እቶም ዝዓበዩ ጉዳያት ኢዮም።
4. ድሕሪ ሕጂ ዶ|ር ኣቢ ንስኻ ኢኻ እትመርሐና፣ ምሉእ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ።
5. ምሉእ እምነቱ ኣብ ኢትዮጵያ ስለዘሕደረ ድማ ነዚ ኣብ መንጎ ክልቴና ዝግበር ዘሎ ዝምድናታት ንምዕንቃፍ ዝፍትን ወይልኡ ክብል ፈኪሩ። ውዘተ ፣

እንበኣርከስ ነዚ ኣብ ሐሳቡ ዝነበረ ብኣፉ ዓው ኢሉ ምስ ተዛረበ ብፍላይ ንደገፍቲ መላኺ ስርዓት ዘሰንበደን ሕልናኦም ብኽኣምንዎ ዘይክእሉ ሃንደበታዊ ስልበጣን ተደፋፊኦም ነቲ ኤርትራ ብምኽንያት ጸገም ምልካዊ ስርዓት ኣትያቶ ዘላ ዘይንቡር ምሕደራ ንምብዳህ ነብሲ ወከፍ ሰብ ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ ማለት ተቓወምትን ደገፍትን ከምኡ ውን ካብቲ የብለይ ካብቲ ኢሎም ካብ ክልቲኡ ደምበ ዝንባሌታት በዂሮም ኣብ ናይ ትም መድረኽ መሪጾም ዝነበሩን፣ ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ ኩሎም ብሐባር ኣብ ማዕበል ይኣክል ተሰሊፎም ኣለዉ።

እዚ ተላዒሉ ዘሎ ማዕበል ይኣክል ከም ናይ ባሕሪ ማዕበል ኣንፈት ዘይብሉ ዕግርግር ዝብል ከይከውን ናይ ይኣክል ምንቕስቓስ ቅኑዕ ኣንፈቱ ኣትሒዙ ዕላማኡ ንክፍጽም ዝመርሖ ምምስራት ( ምቋም ) ሽማግለ ማዕበል ይኣክል ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ዝዓበየ ጉዳይ ኢዩ።

በብኸተማታቱ ዝቖውም ዘሎ ሽማገሌታት ዘደናጉዮ ጉዳያት ዘሎ ኣይመስለንን፣
ምኽንያቱ እዚ መድረኽዚ ንኹሉ ኣርትራዊ|ት ብሐደ እምነት ተበጊሱ ነቲ ብዘይ ቁምነገር ባኺኑ ብላሽ ዝሐለፈ ጊዜ እንዳዘከረ ከምኡ ከይድገም ተጠንቂቑ ብሐልዮት ተተሐሒዝዎ ስለዘሎ። ኣብ ሐደ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ነንሕድሕዱ ብደቂቕ ድኣ ኣይፋለጥ እምበር ኣብ ገለ ገለ ሰባት ናይታ ዝቕመጠላ ከተማ ፍሉይ ኣረኣእያን ጠመተን ክህልዎ ይኽእልዩ፣ መንዩ ናይ ህዝቢ ሐላፍነት ክወስድ ዝኽእል፣ መንዩ ንጡፍ፣ መንዩ ውፉይ ዝጠፍኣካ ኣይኮነን።

እቲ ነታ እትምዘዝ ሽማግለ ብሐላፍነት ዝወሃብ ዓይነት ስራሕ እሞ ኣብነት ክኾነና ብኸፊል ንርኣዮን ነስተውዕለሉን፣

1 ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ተናቓቕሕ፣ ነፍስ ውከፍና ክንገብሮ ዘሎና ሐላፍነት ተፍልጠና፣

2 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ከም ዘሎና ብንጹር ተመሐላልፍን ተፍልጥን፣

3 ኣብ ዓለምና ፈተውቲ መንግስትታትን ማሕበራትን ተጥሪ፣

4 ኤምባሲታትን ቖንስላዊ ቤት ጽሕፈታትን ምልካዊ ስርዓት ሂወት ዘይብሉ ትገብር፣

5 ወርሐዊ ናይ ገንዘብ ውጽኢት ትስልዕ፣

6 ዕድመ ናይ ይኣክል ሽማግለ ትውስን፣

ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ውሑዳትን ካልኦት ተሪፎም ዘለዉ ሐሳባትን ውሲኽካ ነታ ክትሰርሕ እትምረጽ ሽማግለ ይኣክል ንምቛም ብሐላፍነትን ብሐልዮትን ክረኣ ከሎ ንምምራጻ ዝቐለለ ኢዩ፣ ዝወሃባ ስራሕ ግን ሐያል ኢዩ፣ ኩሉ ሰብ ድማ ብሐቦን ኒሕን ክጥምቶ ኣለዎ።

እተን ወከልተን ዝመረጻን ዘይመረጻን ክመርጻ ዝቀራረባ ዘለዋ ከተማታትን ሃገራትን ነቲ ንኹልና ብሐባር ዝሐለፈና ጊዜ ብደቒቕ፣ ብሰዓት፣ ብመዓልቲ፣ ብሰሙን፣ ብወርሒ፣ ብዓመት እሞ ንጸብጽቦ፣ ነዋዳድሮ፣ ንገምግሞ ሽዑ ክንደይ ድሒርና ከምዘሎና ክንፈልጥ ኢና። እቲ ኩሉ ንድሕሪት ዝጎተተና ነገራት ጎዲኡና እንበር ኣይረባሕናሉን። መላኺ ስርዓት ንህዝቢ ከጽንት ግን ሐጊዝዎዩ።

ኣብዚ ቀንዲ ክንግንዘቦ ዘሎና ክጥቀስ ድማ ዘለዎ ኣብ ምምራጽ ሽማግለ ናይ ጊዜ ገደብ ምውሳን ዕንቕፋት ምፍጣር ማለት ምዃኑ ኢዩ፣

ኣብ ዝሐለፈ ዓመታት ገለገለ ተቓወምቲ ውድባት ንካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ክንጽላኦም ምስ ዝደልያ ዝተፋላለየ ምኽንያታት ብምፍጣር ዝተሐተትኩምዎ ነገራት ኣየማላእኩምን ብዝብል ምስምስ ካብቲ ዝሐተትዎ ከምዝተርፉ ይገብራ ነይረን። ኣብ ጉዕዞ ግን ንረብሐ ኩላተን ስለ ዘይኮነ ኩለን ከካብቲ ዝነበራኦ ደረጃ ፍሕት ክብላ ኣይከኣላን።

ቅድም ቀዳድም ንኽትቓወም ወይ ንኽትድግፍ ዝገብረካ ብዙሕ ረቛሒታት ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ፣ናይ ስነሐሳብ ፍልልይ ክኸውን ይኽእል፣ ዘሎካ ንቕሐት ድሩት ክኸውን ይኽእል ወዘተ ኣብ ዝኾነ ሰዓትን መዓልትን ናይ ተሰዓሪ መንፈስ ዘይኮነስ ናይ ተዓዋቲ መንፈስ ሒዙ መጺኡ ብዘይ ገደብ ክቃወም መሰሉ ምዃኑ ኩሉ ሐደ ክርዳኦ ኣለዎ። ተጋደልቲ ውግእ ከምዘሎ ፈሊጦም ተሰሊፎም ብዙሕ ዓመታት ትጋዲሎም ኣብ ብዙሕ ዓውደውግኣት ተኻፊሎም ተዋጊኦም ብሂወቶም ኣትዮም ናጽነት ዝረኣዩ ኣለዉ። ቕድሚ ሃገራዊ ናጽነት ቕድሚ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ገድሊ ዝተሰለፉ እሞ ናጽነት ከይረኣዩ መስዋእቲ ዝኸፈሉ እውን ኣለዉ። ክቡራት ስውኣትና ኢዮም ንዘለኣለም ድማ ብኽብሪ ክዝከሩ ክነብሩ ኢዮም።

መዘኻኽሪ፣

ብምኽንያት ናይ ሐጺር ጊዜ ምኽፋት ዶብ ህዝቢ ኣርትራ ካብቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዝነበረ ኣቑሑት ተጠቒሙ ኢዩ። ህዝቢ ክረብሕ ዘይደሊ ጉሒላ ግን ቀልጢፉ ዶብ ዓጽይዎ ጸገም ናብራ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ናይ ቀደሙ ተምሊሹ፣ ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኣን ሃገራት መራሕቲ ዝነበረ ዝምድናውን ክሕሽክር ጀሚሩ። ኮይኑ ግን ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ዘይምቅዳው ንረብሓ ኦም ከምዘይኮነ ተረዲኦም ሕጂ ድማ ይቀራረቡ ኣለዉ። ኣብዚ ኩልና ክንፈልጦ ዘሎና ክልቲኦም መራሕቲ ስልጣኖም ከይትንከፍ ፍሉይ ሐለዋ ስለ ዘድልዮም ብናይ ክልቲኦም ምስጢራዊ ስምምዕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዓስኪሮም ንኢሳያስ ክሕልውዎ፣ ወተሃደራት ኤርትራ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓስኪሮም ንኣቢይ ክሕልውዎ ክሰማምዑ ዘጸግሞም ነገር የለን። እቶም ኣብ ልውውጥ ማለት ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝምደቡ ወተሃደራትን ሐለፍቶምን ድማ ሳላ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሃብታማት መንግስታት ምሉእ ዘይጉዱል ሐለፋታት ክግበረሎም ኢዩ። ከምቲ ኩልና እንፈልጦን እንከታተሎን እቲ ግዙፍ ሐይሊ ወተሃደር ኢትዮጵያ ኣብ ሰምየን ኢትዮጵያ ጥቓ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢዩ መደበሩ። ሐላፍነት ዘይብሉ መራሒ ንስልጣኑን ንድሕነቱን ክብል ቀጸልትን ሐደሽቲ ተወሰኽቲ ጸገማትን ከተኣታቱ ዝኾነ ጉድጛድ ካብ ምፍሐር ኣይዓርፍን ዩሞ እቲ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሃገራዊ ጸገም ፍታሕ ክረክብ እንተኾይኑ ነቲ እንብሎን እንገብሮን ኣመዓራሪና ክንብገስ ጥንቃቐን ከቢድ ስራሕን ከድልየና ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒሞ ንኹሉ ከይቀደመና ከሎ ንቐድሞ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና፣

ገብረዝጊ ኣፈወርቂ
27 July 2019


Share with friends:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታታት፡-


ATV: ኤርትራዊት ኣደ ወሮ ጉዐይ ካብ ፍራንክፈርት - `ምእንቲ `ቲ ምሳይ ዘሎ ሕልና `ምበር - ምእንቲ ቲ ኣስመራ ዘሎ ገዛይ ኣይነበርን `የ` ትብል





Share with friends: