Remembering Victims of P.F.D.J Totalitarian Regime

31/03/2018 02:16 AM

Reportage ሪፖርታጅ

Remembering Victims of P.F.D.J Totalitarian Regime, in Washington DC Area

ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን

ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን (24-25 March-2018)

(ካላኣይ ክፋል)

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)



ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን
ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)
ካላኣይ ክፋል

“ዲኤንኤ (DNA) ናይ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) እንተዝምርመርሲ፡ ኤርትራ ኣብኡ ንተረኽበት።” ዝብል፡ ኩሎም ናይቲ ወግዒ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ዝተሰማምዕሉ፡ ናይ ምደምደምታ ምሉእ ሓሳባት ዝሰማዕኹ፡ ብዛዕባ ሃይለ ድሩዕ “ከም ቆልዓ፣ ከም መንእሰይ፣ ከም ተማሃራይ፣ ከም ድያቆን፣ ከም ናይ ከተማ ስሩዕ፣ ከም ተጋዳላይ፤ ኣብ ከተማ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ኣብ ሜዳ/ገድሊ፣ ኣብ ናጻ ኤርትራ፣ ወ.ዘ.ተ.” ንስለን ምእንትን ኤርትራ ዝገብሮም ዝነበሩ ጸብጺብካ ዘይውድኡ መስተንክራዊ ስሪሒታትን ንጥፈታትትን፡ ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ተዘክሮታቶም ዝለዋወጡ/ዘዕልሉ ዝነበሩ እኩባት ተሳተፍቲ እቲ ጽምብል ብኣጋጣዊ ሕውስ ምስበልኩዎም ኢዩ። እቶም ንሃይለ ድሩዕ ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ዝፈልጥዎ፡ “ከመይ ገይሩ ለይቲ ለይቲ ደወል ናይ ቤተ ክርስትያን ክድወል ኢየ እንድበለ ካብ ገዛ ወጺኡ፡ ወረቕቕቲ (ባዕሉ ዝጻሓፎም ከይተረፉ) ኣብ ፈቆዶ ቦታታት ይልጥፍ ከምዝነበረ፤ እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲን ዩንቨርሲቲን ዝፈልጥዎ፡ ከመይ ገይሩ ንተማሃሮ የንቅሕ፣ ይውድብን ይመርሕን ከምዝነበረ፤ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፈልጥዎ፡ ከምይ ገይሩ ንሱራት የንቅሕ፣ የተባብዕን ውሽጢ-ውሽጢ ይውድብን ከምዝነበረ፤ እቶም ኣብ ሜዳ/ገድሊ ዝፈልጥዎ ከመይ ገይሩ ንካድር ህግ ሓደ ማኣዝን ብምትሓዝን ንተጋዳላይ ህግ ብምንቕቓሕን ንህግ ኣድማዒ ውድብ ኮይኑ ናጽነት ኤርትራ ክውን ከምዝኸውን ከምዝገበረ፤ እቶም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝፈልጥዎ ካኣ “ዲሞክራስያዊት፣ ፍትሓዊትን ምዕብልትን ኤርትራ” ክውን ንምግባር፡ ኣብ ዝተመደበሉ ጽፍሕን ቦታን ለይትን ማዓልትን እንዳሰርሐ ከመይ ገይሩ ከም ሽምዓ ይመክኽ ከምዝነበረን ኣብ መወዳእታ ካኣ ነዚ ክውን ንምግባር ድሕሪ ናይ 17 ዓመታት ናይ ዒራዒሮ ኢሰብኣዊ ማእሰርቲ፡ ከመይ ገይሩ ሂወቱ ከምዝኸፈለን፤ ወ.ዘ.ተ. ዘርዚሮም ዘርዚሮም ክወድእዎ ስለዘይካኣሉ እዮም፡ “ኤርትራ ኣብ ዲኤንኤ ሃይለ ድሩዕ ኣላ” ኢሎም ዝደምደሙ። እቲ ተዘክሮታት ተዘርዚሩ ዘይውዳእ ዓሚቕን ሰፊሕን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተዝክሮታት ናይ ሓደ ካብቶም ገድሊ ኤርትራ ካብ ዘፍረዮም ልልያት መራሕቲ ኣብ ቀዳይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ሃይለ ድሩዕ፡ ዕምቖት ብላሒ፣ ጥበብ፣ ተባላሓትነት፣ ብስለት፣ ተወፋይነት፣ ቆራጽነት፣ ጽንዓት፣ ሓልዮት፣ ብጻይነት፣ ተጻዋርነት፣ ገድልን መስዋእትነትን፡ ማዕረ ከንደይ ጥልቐት ከምዘለዎ ዘንጸባርቕ’ውን ኢዩ ነይሩ።

ነብሰሄር ሃይለ ድሩዕ፡ ኣብ በሊሒ መላጸ ተቐሚጡ፡ ንቕድሚት ከቓሙት ዘኽእል ገምሪ ዝነበሮ፡ ምዑት መራሒ ከምዝነበረ ዋላ ነቶም ብኣካል ብዙሕ ዘይንፈልጦ ሰባት’ውን ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ፡ ኤርትራ ኣብ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦ ንኽትረክብን ሉዕላውነት ሃገረ-ኤርትራ ንኽኽበርን ኣብ መጋባእያታት ዓለም ካብ መዲሮምን ሞጉቶምን ዝተዓወቱ መራሕቲ ኤርትራ፡ ድሩዕ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኢዩ። መስርሕ ምሕራር ኤርትራ ንኽቀላጠፍን ንኽስስንን፡ ምምስራት ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን መንግስቲ ኣገዳስን ወሳንን ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምርጋጋጽ ዝገበሮም ቃልስታት’ውን ልሉያት ኢዮም ነይሮም። እቶም ከም ኣባል ብጉጂለ 15 ዝፍለጥ መንቕስቓስ ኮይኑ ዝገበሮም ንምምስራት ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን መንግስቲ ዝጠልቡ ሰላማዊ ቃልስታት ዋላኳ ክሳብ ሕጂ ጭቡጥ ፍረ ኣይርኸቦም’ምበር፡ ሰፋሕትን ምስትውዓል ዝሓተቱን ምኻኖምስ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ክረደኦም ዝጀመረ ይመስለኒ። ኩላትና ከነስትውዕለሉ ዝግባኣና ሓደ ነገር ግን ኣሎ። “ንሕና” ኢሉ ነብሰሄር ሃይለ ድሩዕ፡ “ንሕና ብወታሃደራዊ ጎነጽ (ብመፈንቀለ-መንግስቲ) (coup de tat )፡ መንግስቲ ክንልውጥ ኣይንደልን ኢና። እቱይ ምንታይሲ፡ ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር ብኽምዚ ኣገባብ ስልጣን ምስግጋር ክትጅምር ኣይንደልያን ኢና። እዚ ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ሕማቕ ኣሰር ኢዩ ዝገድፍ።” ነሰብሰሄር ሃይል ድሩዕን ብጸቱን፡ ኣብዛ መትከል ኢዚኣ ረጊጾም፡ ኣብ መጨረሻ ሳዓት እንትኾነ’ውን ወታሃደራዊ ጎነጽ ከም ኣማራጺ ኣይወሰዱን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ መትከሎም ክሳዶም ንሴፍ ብማሃብ ኩቡር መስዋእቲ ከፊሎም ኢዮም። እዚ ሓቂ እዚ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክግንዘቦ ዘለዎ ኣገዳሲ ቅርሲ ኢዩ። እቲ ጨካን ስርዓት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ሂወቶም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ታሪኾም’ውን ክቐብሮን ከጥፈኦን ኢዩ ክቃለስ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዝኮነ፡ ቅርስና ክንዕቅብን ታሪኾም፡ ታሪኽ ጀጋኑ ክንዝክርን ሰኒድና ክንዕቅብን ዘለና፡ ንሕና እቶም ህዝቢ ኤርትራ ኢና’ሞ ሃየ ኣይንዳህለል።

ነዚ ሓቂ እዚ ዝተገንዘቡን/ባን ኤርትራውያን ኢዮም፡ ምስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ተሰዊኡ ተባሂሉ ብማሕበራዊ መድያ ዝተነግረሉ፡ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) ብዝተኣሳሰረን ብዝተላዓዓለን፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ጽምብላት ዝኽሪ ንድሩዕን ንብጸቱን ክገብሩ ዝቐነዩ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝተገለጸ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይት ፍትሒ’ውን፡ ብ24 መጋቢት 2018 ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ጸምቢሎም ነይሮም። ሰንበት 25 መጋቢት 2018 ካኣ ሰነስርዓት ጸሎተ-ፍትሓትን ናይ ስውኣት መፋነዊ እንግዶትን (ተስካር) ተገይሩ ነይሩ።

ስነስርዓት ጸሎተ-ፍትሓት ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ)፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኣናንዴል ክፍለ-ግዝኣት ቨርጂንያ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ቅዱስ መንፈስ ካተሊካዊት ቤተ-ክርስትያን (Holy Spirit Catholic Church) ስንበት 25 መጋቢት 2018 ካብ ሳዓት 2፡30 – 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ተካይዱ። ብዙሓት ኣባላት ቤተ-ሰብ ድሩዕ፣ መቃልስቱ፣ መታዓብይቱ፤ መሳርሕቱን ካልኦት ብዙሓት ኤርትራውያን ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ ክሳብ ክልተ (2) ሳዓታት ዝወሰድ ጥልቐትን ዕምቖትን ዝነበሮ፡ ጸሎተ-ፍትሓት ኢዩ ነይሩ። ምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ፡ ነዚ ጠውቑ

ስነስርዓት ጸሎተ-ፍትሓት ነብሰሄር ሃይለ ወልድንስኤ (ድሩዕ) ኣብ ቅዱስ መንፈስ ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ኣመሪካ፡ 25 መጋቢት 2018

ድሕሪ ጸሎተ-ፍትሓት፡ ብቤተ-ሰብ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) ዝተዳለወ ናይ መፋነዊ መስተንግዶ (ተስካር) ኢዩ ተገይሩ። ዋላዃ ብዝሒ ሰብ ይንበር’ምበር፡ እቲ ዝተዳለወ መስተንግዶ እኹልን ትሩፍ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብየት “ኢደ-ሰሎሞን” ብዘብል ውሕልነት ዝተዳለወ ጥዑም ሽሻይ ኢዩ’ውን ነይሩ። ተሳተፍቲ እቲ ጽምብል፡ እንዳተመገቡን እንዳሰተዩን ተዘክሮታቶም ብዛዕባ ነብሰሄር ሃይለ ድሩዕን ብጾቱን ንኸዕልሉን ንኽለዋወጡን ዕዳላት ዝከፈተ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ’ውን። ነቲ ዝነበረ ዕላላትን ህሞትን ንምኽትታል፡ ነዚኣ ጠውቑ

ድሕሪ ስነስርዓት ጸሎተ-ፍትሓት ዝተካየደ ስነስርዓት መስተንግዶ ንዝኽሪ ነብሰሄር ሃይለ ወልድንስኤ (ድሩዕ) ኣብ ኣመሪካ፡ 25 መጋቢት 2018


ምኽባርን ምዝካርን ሰማእታት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ውራይ ኢዩ። ተቃላሳይ ኣይንብርን ኢዩ፤ ታሪኩ ጥራሕ ኢዩ ዝነብር። ስለዝኾነ፡ ከም ህዝቢ፡ ስማእታትና ምኽባርን ታሪኾም ሰኒድና ምዕቃብን ኣካል ናይቲ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ክኸውን ይግባእ። እዞም ኣብ ዝሓልፈ ቅንያት ክግበሩ ዝቐነዩ ናይ ዝኽሪ ጽምብላት፡ ቀጻልነትን ድሪኺትን ንኽረኽቡ ቃልስና ከነሐይል ከድልየና ኢዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብመደብ ተታሒዝዎ ዘሎ ጉዳይ፡ ንተቃለስቲ ምሕቓቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ታሪኾምን ውርሻ ቃልሶምን ንምጥፋእን ከምዘይነበረ ንምግባርን’ውን ኢዩ። ዝተገብረ ናይ ጀግንነት ታሪኽ ቀቢሩን ኣጥፊኡን፡ ዘይነበረን ዘይተገብረን ናይ ባዕሉ ታሪኽ እንዳለጋገበ ብምስናድ፡ ንምጻኢ ወሎዶታት ኤርትራ ዘይኮነ ታሪኽ ከውርሶም ክጽዕት ይረአ ኣሎ። ንሓደ ሕብረተ-ሰብ ከተጥፍኦ እንተዳኣ ደሊካ፡ ታሪኹ ከምድላይካ ገርካ ኢኻ ትነግሮ። እዚ ኣረመኔ ስርዓት ካኣ ከምኣ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። ኣይፋል ኢልና ንሓቀኛ ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምዕቃብ ምቅላስ፡ እምነ-ኩርናዕ ናይ ቃልሲ ንፍትሒ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ነቲ ስርዓት ኣጸቢቓ ተፍርሖን ተባህርሮን ነገር እንተዳኣ ሃልያ ካኣ እዚኣ ኢያ - “ምስናድን ምዕቃብን ሓቀኛ ታሪክ ጀጋኑ ኤርትራውያን”

ኣብ መወዳእታ፡ ከም ኤርትራዊ ዜጋ (ጉዳይ ኤርትራዊ ስለዝኾነ)፡ ነቶም ጊዜኦም፣ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውፋይ ነዞም ጽምብላት ዕውታት ዝገበሩ ኤርትራውያን ጉልበትኩም ይጽናዕ፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እብሎም። ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንቀረባ ቤተ-ሰብ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤን ስውኣት ብጸቱን ካኣ ብፍላይ፡ ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልክ፡ ንዝሓልፉ ካኣ መንግስተሰማይ የዋርሶም እብል።


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-



Share with friends: