ዝኽርታተይ ኣብ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ - ወርሒ ሕዳር 1978

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

22/10/2019 00:59 AM

ዝኽርታተይ ኣብ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ
- ወርሒ ሕዳር 1978
ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡

My Memories of Strategic Withdrawal November 1978
I remember fallen comrades.

(1ይ - 4ይ ክፋል)

ብ'ሓርበኛ ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

>ኣዝኽርታተይ ኣብ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ - ወርሒ ሕዳር 1978

ዝኽርታተይ ኣብ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ - ወርሒ ሕዳር 1978
ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡
ጽሑፍ ብ'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ ሕዳር 1978!!
1ይ ምዕራፍ!

ናይ Facebook የዕሩኽተይን ገዳይም ተጋደልቲ ብጾተይን ብዛዕባ ወራራት ድርግ ስትራተጃዊ ምዝላቅ ምርብራብን ብጽሑፍ እንተኣቅረብካልና ጽቡቅ ነይሩ ስለዝበሉኒ በብ እብረ ክጽሕፍ ክጅምር ኢየ ንምህፍታሙ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ ።

ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ 11 1978!!

እዚ ጽሑፍ እዚ ንብምሉኡ ስፍሓትን ሸፈነን ናይቲ ውግእ ዝገልጽ ኣይኰነን ነቲ ኣነ ዝነበርክዎ ኣሃዱ ብርጌድ 23 ብፍላይ ቦጦሎኒ 3 ምስዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኢዩ።

ቦጦሎኒና ንንውሕ ዝበለ እዋን ዝዓረድናሉ ንቁጣ ሰይድሺ ማእከል መእዘዚ ቦታና ኰይኑ :ኣታሓሕዛ ዕርድና ካብ ጉልዒ ስጋብ ጎቦ ኣባጋምዛይ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ :ኣብ ዓርጎሎ 2ጋንታ ኣብ ድርፎ ሓንቲ ጋንታን ህዝባዊ ማልሻ ደቂ ካርነሽምን እንዳተቃያየርና ንኸባቢ 9 ወርሒ ዓረድና :ጸላኢ ድሮ ናይ ደቡብ ዝነበረ ግንባር መረብን ግርሁስርናይን ሰይሩ ናብ ዓዳዃላን መንደፈራን ደቀምሓረን ተቋጻጺሩ : እታ ድልድልቲ ሓይሊ 32 ገለ ሰባት ካብ ነፍስወከፍ ጋንታ ሰባት ተወሲዀማ ናብ ግንባር ዓዲያዕቆብ ግዓዘት።

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ጸላኢ ነዚ ዋሕድና መዝሚዙ ንጉሆ ናብ ድርፎ ዓርጎሎ ጉልዒ ናይ ምትኹታኽ መጥቃዕቲ ፈንዩ ክዳናደነና ስለዝቀነየ ካብ ክፍልታት ዝተዋጽኤት ብተኽለብርሃን ሓንክሽ ትምራሕ ሓንቲ ሓይሊ ብሰለስተ ኤነትረ ተጻዒና ትኽ ኢላ ብለይቲ መስመራ ስሒታ ናቁጣ ሰይ ድሺ ሓሊፋ ናብ ዕርዲ ናቁጣ ትረ ድሺ (ጥሕሻ)ምስቀረበት ኣብ ድሕሪ ድፋዕና ኣብ ጸሊም ቅጥራን (ጽርግያ )ናይ ወገንና ዝተቀብረ ፈንጂ ረጊጻ ተፈንጀረት ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ብጾት ስውኣትን ቁሱላትን ኰይኖም : እቶም ዝተረፉ ምሳና ዓረዱ።

ጸላኢ ናብ ዕርድታትና መጥቃዕቱ ጀሚሩ ብዘይካ ክልተ ጋንታ ንጸላኢ ዝከላኸላ ዝተረፍና ምስ ህዝብና ብምትሕብባር ኩሉ ተተኰስቲ ኣጽዋራትና ኣግዓዝና።

ትጓዒዝና ዓይኒ ክሕዝ ከሎ ድርፎ ኣተና ብጥሙይ ከብድና ኣብ ሓደ ሩባ ለም ኢልና ሓደርና: ንግሆ ካብ ሓራ ከተማታት ጊንዳዕ ድንጎሎ እንባትካላ ነፋሲት ዝተኣኻኸበ ህዝብና ምስ ህዝባዊ ምምሕዳራቱ ንግፍ ኢሉ ናብ ድርፎ ተኣከበ።

ድሮ ጸላኢ ንግንባር ባጽዕ ሰይሩ ደንጎሎን ጊንዳዕን ተቋጻጺሩ ግስጋሲኡ ናህሩን ንሽዕብ ገድገድን ሸባሕን ማይ ላቫን በጽሔ :ጸላኢናይ ሰሜን ግንባርና ዓዲ ያዕቆብ ሰይሩ ናብ ዓዲ ቢደል ገስገሰ :ንሕና ፋዱስ ስዓት 12 ብጥሙይ ከብድና ኣጽዋራትና ተሰኪምና ንዓቀብ ርእሲ ዓዲ ኣንቃዕሪርና ጉዕዞ ተታሓሓዝናዮ ክይድ ውዒልና ከባቢ ስዓት 10 ናይ ምሸት ኳዜን ኣተና እተን ሓፋሽ ውድባት ቀቁሩብ ኩላሶ ፍትፍት ቀረባልና :በሊዕና ጉዕዞና ቀጸልና :ካብ ህዝብና ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ድሮ ጸላኢ ኣብ ቅድሜና ምህላው ሰማዕና።

ካብ ኣፍደዩ ተጓዒዝና ናብ ሓየሎ ምስተገምገምና ዶሽካታት ዝተኸላ ታንክታት ካብ ገሽናሽም ዓደኰሎም ጠያይቲ ነፈያልና። ብገምገም ባሕሪ ጌርና ንጸላኢ ሓሊፍናዮ ናብ ጎላጉል ዝብሃል ዓዲ ኣተና።

ወዲ ምነይ ግስጋሰ ጸላኢ ንምዕጋት ንሱ ዝመርሓ ገለብ ትብሃል በጦሎኒ ኪናት ኣብ ድሕሪ ገዝኡ እንዳመርሐ ጸንሓና :መድፍዓጅታት ብሬናትን ማሽንጋናት ተኺሎም ኣብቲ ድሕሪ ገዛ ይታኾሱ እተን ኣዲኡ (ንወዲምነይ )ንወደን ቡን ከስትይኦ ቡን የንከሽክሻ እቲ ወደን ሬድዮ ሃለው ገቲሩ ውግእ ይመርሕ :ትኣምር ትኣምር ጦብላሕታ ዝኽረይ ንፉዕ ናይ ስእሊ ቀባኣይ ተትኸውን ነዛ ዝኽሪ ምስቀባእክዋ እቲ ብዓይነይ ዝርኣኽዎ ብቃለይ መግለጺ ስለዝውሕደኒ ብቅብኣ ስኢለ ምስዓገብኩ ነይረ።

ይቅጽል-----

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ፌስቡክ፦ https://www.facebook.com/100002218178573/posts/2457387711011811?sfns=mo

ካልኦት ጽሑፋት ብ'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ) click here ኣብዚ ጠውቑ


ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ ሕዳር 1978!!
2ይ ምዕራፍ!

ወዲ ምነይ ኩናት እንዳመርሔ ሰላምታ ለገሰልና ወዲ ምነይ ምክትሉ ንኢሳያስ ወዲ ፍላንሳ ኣዛዚ ቦጦሎኒና ኢዩ ነይሩ :ካባና ካብ ዝቅየር ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ኢና ንራኸብ ዘለና :ኣብታ ዓመት ጥራይ ክልተ በርጌዳትን ሓንቲ ናይ ገለብ ቦጦሎኒ ስለ ዝቆማ ኣዝዮም ብዙሓት ሓለፍቲ ብጃምላ ካብ ኣሃዱና ናብ ዓቢ ሓላፍነት ተመደቡ።

ካብ ጎዳጉዲ ተጓዒዝና እንዳኸድና ብርግጽ ስም ናይታ ዓዲ ኣይዝክራን ሓደ ዓቢ ኣቦ ኣብ ቀጽሪ ገበላ ጠጠው ኢሎም :ኢሂ እዞም ደቀይ ሕጂዶ ይሓይሽ ዘብዘብ በሉና :ኢሂ ኣቦ ድሓን ዲኹም ?እወ እዞም ደቀይ ደይ ጉህየ ኢየ ጽዓዱ ኣምጺኦም ኢዮም ዝዘርይኹም ዘሎው እሞ ጻዕዳ መንግስቲ ኣምጺእኩም ግጠምዎም እንበር ስሬኹም ድኣ ኣብ ከረን ርኢናዮ እንዲና:ንእንግሊዝ ሰለስተ ወርሒ ዝወሰደትሉ ካብ ጥልያን ናጻ ከውጽኣ :ኣብ ሳልስቲ እንዲኹም ሓራ ጌርኩማ።

ነቲ ሕሳስልደ ወዶም ብርሃነ ወደይ ንዓስከ ማይ ኣስትዮም ነያታትካ ኢሎም ጸውዕዎ: ዘረብኦም ብምቅጻል

ድሓር ክኣ ስረን ጅግንነትን ምዓስ ናይበይንኹም ኰይኑ ደይ ካባና ካብኣቦታትኩን ኢኹም ወሪስኩሞ ብምባል ዓሚቅ ኣስተንፍሶም ዝን በሉ :ብርሃነ ከም ዕንዝራ ቴኖ ሒዙ ማይ ብምምልላስ ጎሮሮና ኣጥሊሉ ኣርወየና።

ብርሃነ ወዶም እውን ኣብ 1981 ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ ሕጅዶ ይሓይሽ ዘብዘብ እንዳበለ ይቅያዓልና ነበረ።

ኣብ ጥራይ ከብድና ትጉዕዝ ኣምሲና ንሃብረንገቃ ሓሊፍና ድሕሪ ገለ ግዜስ ዒላበርዕድ ድኣ ኣተና :ኣብቲ ደረት ጽርግያ ለም ኢልና ካብ ከረን ቅጫ ዝጽዓነት ማኪና ረድኣትና ሓሓደ ግናዕ ቅጫ ብማይ ኣኻፊና ምስ ኣውሓጥናዮስ ብመጠኑ ዝነበረና ጥምየት የዐጊስና ተዓንገልና።

ተበገሱ ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ነጸላና ዓጺፍና እዚ ምኡዝ ሽታ ዕንባባን ፍዮሪታትን ፍሩታታት ዒላበርዕድ ብድሕሬና ገዲፍና: ኣብቲ ሕሉም ሓናቅ ንኸረን ዝወስድ ኣብ ሓደ ዓቢ ሩባ ዛራማይ ዘለዎ ቆጣቁጢ ተጎንቢና የዕረፍና።

ነፈርቲ ብዘይ ዕረፍቲ ብሸነኽ ደብረሲና ገይረን ናብቲ ገለ ክፋላት ብርጌድ 70 ብርጌድ 44 ብርጌድ 4 ኣብ ከባቢ ማይ ላቫ ምስቲ ካብ ባጽዕ ዝገስገሰ ጸላኢ ናይ ሞትን ሕየትን ሓያል ጥምጥም የካይዳ ነበራ።

ስዓት 5 ናይ ኣጋ ምሸት ኣዛዚ ቦጦሎኒና ብርሃነ ጽሃየ(ወዲ ጽሃየ)ነተን ክልተ ሓይሊ ህጹጽ ኣኼባ ገበረልና: ድሕሪ ሰላምታ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ብምእታው ስርዓት ደርግ ካብ ሕብረት ሶቭየት ዘይትኣደነ ሓገዝ ረኺቡ ኣብ ልዕሌና ናይ ሰብን ኣጽዋርን ጸብለልትነት ስለዘርኣየ ካብ ባጽዕ ኣንሳሒብና ኣለና :ካብ ናይ ሰሜን ግንባርና ኣንሳሒብና ሕጂ ግን ናይ ሂወትን ሞትን ግጥም ኣብዛ ልምዕቲ ናይ ሕርሻ ከተማ ዒላ በርዕድ ክንገጥም ኢና: እዛ ኸተማ ክትዓኑ ኢያ ከረን ግን ክትድሕን ኢያ :ንኸረን ንምድሓን ኣብ ከባቢ ሓጋዝ ዓደርደ መከላኸሊ ቀዋሚ ዕርዲ ተመስሪቱ ኣሎ: ጸላኢ ናብዛ ከተማ ዒላበርዕድ ክኣቱ ኢዩ: ንሕና ኣብዚ በረኽቲ ቦታታት ዕርድና ክንኩዕት ኢና:ብዝክኣለና ዓቅሚ እዘን ደርግ ዓጢቅወን ዘሎ ታንክታት ኣብ ኢድና ከነእትወን ክንምንዝዐን ኣሎና: ህዝብና ኣብ ጎድንና ኢዩ ዘሎ ንግዚኡ ካብ ህዝብና ዝተዋጽኣ 250 ከብቲ ተቀሪበናልና ኣለዋ እሞ ሃየ ሞቅሎታትን ካራታትን ኣዳልው :ርኢቶ ውይ ሕቶ ዘለዎ እንተሎ ብማለት ዘረብኡ ደምደመ።

ሓድ ብጻይ ዕድል ተዋሂብዎ ርኢቶ እንዳሃበ ከሎ ሓደ ብጻይ ኣራንሺ ክቅንጥብ ዝተላእኸ ኣባልና:ንኣዛዝ ቦጦሎኒና ኣብ እዝኑ ጽግዕ ኢሉ ሕሹኽ ይብሎ እሞ:ተበገስ ተባሂልና ድሮ ደርግ ነታ ከተማ ብዙሕ ድምጺ ዘይብለን ኣንፍብያን ታንኪታት ገይሩ ዒላበርዕድ ኣትዩ ንገለ ብጾትና ማሪኹ ገለ ንስክላ ነብሶም ኣውጺኦም ናባና ተሓዊሶም :ህዝባዊ ሰራዊትና ልክዕ ከም ፈረስ እንዳጋለበ ናብ ጎቦታት ደይብና እቲ ኣስካሕካሒ ኩናት ይጅምር።

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ፌስቡክ፦ https://www.facebook.com/100002218178573/posts/2462061053877810?sfns=mo

ካልኦት ጽሑፋት ብ'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ) click here ኣብዚ ጠውቑ


ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ ሕዳር 1978!!
3ይ ምዕራፍ!

ንውግእ ዒላበርዕድ ንምግላጽ ምሉእ መጽሓፍ ኣይኣኽለካን ምኽንያቱ ቅያ 18 ደቃይቅ እኳ ምሉእ መጽሓፍ ዝዀነስ እዚ ን3 ምሉእ ለይትን ን2 ምሉእ ምዓልትን ዝተገብረ ኲናት እሞ ብዙሓት ሰራዊት ዝተኻፈልዎ ኲናት ኣብ ውሽጡ ሓቂፍዎ ዘሎ ቅያታት ዒላበርዕድሲ ክንደይ መጽሓፍቲ ኮን ምስኰነ??

ኩናት ዒላበርዕድን ኣስካሕካሒ ገጻቱን!!

ሰራዊት ጸላኢ ሃንደበትነት ተጠቂሙ ከተማ ዒላበርዕድ ተቋጻጺሩ:ህዝባዊ ሰራዊት ብቅልጡፍ ናብ ክካላኸለሉ ዝኽእል ቦታታት ንምሓዝ ተጓይዩ ንኹሉ ገዛኢ ቦታታት ንጸላኢ ቀዲምዎ ኣብትሕቲ ቁጽጽሩ የእተዎ :ብዘይካ ጭጭጭ ዝብላ ሬድዮ ርክባት መን ኣበይ ክዓርድ ኣየናይ ኣሃዱ ምስ ኣየናይ ኣሃዱ ክኣስር ዝተመደበ ዝነበረ ኣይመስልን።

ኣሳላልፋ ህዝባዊ ሰራዊት!!

ብርጌድ 51 ኣዝዩ ተዋጋኣይ ዝዀነ ኣሃዱ ኢዩ :ኣብ ጉድጓድ ምስኣተወ ካብ ጉድጓድ ዘይለቅቅ ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይቲ ከም ፍልሖ መሬት ጨዲዱ ኣንደርን ካናለታትን ክሰርሕ ዝኽእል ሓያል ብርጌድ ደርግ ቆፋሪው የሻዕብያ 51ኛ ብርጌድ ኢሉ ዝጽውዖ መሰክሕ ዝዀነ ብርጌድ ኣብቲ ጽርግያ ክካላኸል ተመዲቡ።

እቲ ናይ ምጥቃዕን ናይ ምክልኻልን ልምዲ ዘለዎ ብውድብ ህግሓኤ ኢራብ ቱባሂሉ ዝጽዋዕ ብርጌድ 23 :ደርግ እብሪተኛው የሻዕብያ 23ኛው ብርጌድ ከረን ደጐሊና ማሳዋ የደመሰሰ ዝብሎ ብርጌድ ካብ ብርጌድ 51 ንጸጋም ክኣስር ተመዲቡ።

እቲ ካብ ክፍልታት ዝተዋጽኤ ብርጌድ 58 :ደርግ ጥርቅምቃም የሻዕብያ 58ኛው ብርጌድ የወዲ ፍላንሳ ብርጌድ ዝብሎ ገለ ክፋሉ ብሸነኽ የማናይ ክንፍ ካብ ጽርግያ ክዓርድ ተመዲቡ።

እቶም ንስክላ ዝደሓኑ ካብ ኩናት ዓዲ ያዕቆብ ኣባላት ብርጌድ 8 :ደርግ ባሬንቱ የተደመሰሰው 8ኛ የሻዕብያ ብርጌድ ዝብሎ ገለ ክፋሎም ምሳና ብየማናይ ሸነኽ ምስ ብርጌድ 58 ክዓርዱ ተመደቡ።

እቲ ብወዲ ምነይን ኢድሪስ ሸሊዕ ዝምራሕ ሓዊ ዝዀነ በጦሎኒ ገለብ ኣብዚ መስመር ውግእ ምህላው:

እቶም ዘይሕለሉ ሰንጥቅ ኣባላት ከቢድ ብረት ገለ ክፋሎም ኣብ ጽርግያ ምስ ብርጌድ 51 ቢተኖም ተኺሎም ዓረዱ: እዚ ተዳማሚሩ እቲ ውግእ ግሃነብ እሳት ምኻኑስ ኣቀዲሙ ይርኣየካ:ዝዀነ ዓይነት ኖት ቡክ ይኹን ጽሑፋት ካብ ጁባና ይኹን ሻንጣ ብቅልጡፍ ክቅበር ወይ ሓዊ ክቃጸል ተባሂሉ ወትሃደራዊ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ : ኣብ ዘዘለናዮ የእማን ብምጽቃጥን ኣብ ሑጻን ቀበርናዮ።

ጸላኢ ክልተ ግብሪ ሃይሊ ስጋብ 30•000 ዝኣክል ዓቅሚ ሰብን ልዕሊ 50 ታንክታትን ብዙሓት ድሩዓት ማካይንን ብብዝሒ ከበድቲ ብረታትን ደርዲሩ እንዳተሃንደደ ኣብ ዝተጻወደሉ ክፉት ሳንዱጥ ኣተወ።

ብወተሃደራዊ ዓይኒ ክርኤ ከሎ ኣብክንድዚ ዝኣክል ጸቢብ ቦታ ንኽንድዚ ዝኣክል ዓቢ ሰራዊት ክሕዝ ኣይክእልን ኢዩ።

ስርዓት ደርግን ኣማኸርቱ ጀረናላት ሶብየታውያንን :ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብስታሊን ግራድ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራት ናዚ ዝተጠቅምሉ ኣጋባብ ቅዲ ኲናት ናብ ሓደ ጸቢብን ውሱኑን ቦታ ብሙሉኡ ኣጽዋራትካ ብምድብዳብ ንጸላኢኻ ተርጊእካ ረጊጽካዮ ብምሕላፍ ኣብቲ ቀንዲ ዕላማኻ ሸቶኻን ምምራሽን ማእከል እዚ ጸላኢኻ ምቁጽጻር :እዝን ቁጽጽርን ከምዘይህሉ ጌርካ ናይ ጸላኢኻ ሰራዊት ምብትታን ዝብል ወትሃደራዊ ዶክትሪን ተጠቂሞም :ዕርድታት ዓዲያዕቆብ ሰይሮም :ዳግማይ ናብ ዒላበርዕድ ክደግምዎ ብሙሉኡ ኣጽዋራቶምን ታንክታቶምን ሰራዊቶምን ናብዛ ጸባብ ሓንቲ ጋንታ ወይ ሓይሊ እተዕርድ ሓናቅ መዳፍዖም ከም ማይ ኣይሂ ኣዝነብዎ።

ኣይዞህ በለው ያገሬ ጅግና ወደፍት በለው በለው የማትረባ ፍየል ዘጠኝ ትወልዳለች ልጆችዋን ይሞቱና እስዋን ታልቃለሽ ብላ ብላ ዝብል ማይክሮፎናት ዝተገጠመን ታንክታትን ድሩዓት ማካይንን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኣ ኣርሆ (ኣዝማሪን )ኩናት ኩዕሶ እግሪ ግጥም ኰይኑ ሆይሆይታን ጉራን ፈኸራን ዓብሊሉ ኣየከየይ ንህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዘይምፍላጥ መዘዙ ብዙሕ ኢዩ።

ብጸላም ዝተጎብኤ ለይቲ መስታ ናይ መዳፍዕን ዶሽካታትን ሰማይ ተቀዲዱ መስመስ በለ:ዓይንኻ ዝደጉሕ በለጭታን ትክን ዒግታን ባሩድን :ጸላኢ እኹል ደብዳብ ገይረየ ዝወጽእ ህይወት ዘለዎ ፍጡር የልቦን ኣብ ዝበለሉ :ታንክታቱ ኣምሪሑ ብለይቲ ንከረን ክሓልፍ ዝወጠኖ መደብ ኣባላት ከቢድ ብረት ቢተን ገይሮም ንክልተ ታንክ ምስወቅዑ እቲ ጸቢብ ጽርግያ ተዓጽዩ ጸላኢ ትንፋስ ዘይህብ ተደጋጋሚ ህጁማት ኣካይዱ ምሉእ ለይቲ 8 ግዜ ሃጅሙ ክሰልጦ ኣይክኣለን።

ጋንታና ብፍላይ መስርዕና ምስቶም ብርጌድ 51 ብጎኒ ኢና ክንወቅዓሎም ሓዲርና መሬት ወጊሑ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ስጋብ ከባቢ ስዓት11 ናይ ቀትሪ ብርጌድ 51 መከላኸሊኦም ቀውዒ ስለዝዀነ ኩሉ ነዲዱ :ፍርቆም ይታዀሱ :ፍርቆም ብጃኬትን ነጸላን ሓዊ የጥፍኡ :ጸላኢ ናብ ጽርግያን ናባናን እንዳሃጀመ ከሎ :ድሮ በርጌድ 58 ብርጌድ 8 ናብ ከተማ ዒላበርዕድ ብምእታው ንብሙሉኡ እቲ ቅዲ ኩናት ቀየርኦ :ጀረናላት ደርግ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ጠፊኦም ብጾትና ታንክታት ጸላኢ ከቃጽሉ ጀሚሮም ነፈርቲ ናብ ከተማ ክድብድባ ምስርኣና ንሕና እውን ነዘን ኣብ ጽርግያ ዝዋጋኣ ዝነበራ ብጉያ ዓጺና ማረኽናየን ኣብቲ ጽርግያ ሞተረን ዘጥፍኤን ዘይረኸባ ዱድ ዝብላ ታንክታትን ድሩዓት መካይንን :ግዳጅ (ግዱድ ሰብ) ጽዕነት ማካይን ኣቦታት ኤርትራውያን ኰታ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት ዝፈጥር ኰይኑ: መን ናይ መን ኣዛዚ ኣየናይ ኣሃዱ ዘይብሉ ምትሕውዋስ ናይ ሰራዊት።

ሰብ ፍጡር ርእሲ ዘይብሉ የእዳው ዝተቆርጸ ብብርቱዕ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተጠብሰ ገሊኡ ምስ ጸላኡኡ ተሓናኒቁ ዝወደቀ ጉሊኡ ብታንክ ተረጊጹ ስግኡ ዝተማታተረ :ጉሊኡ ኣብ ጸግዒ ገዛ ተጸጊዖም ከለው ከቢድ ብረት ንመንደቅ ዘፍረሶ ኣብኡ ተጸቂጦም ዝተረፉን : ቃንዛ ዘይምስምዑ ይሓይሽ ኣብ ዓቢ ከውሒ ተጸጊዖም ምስ ምሉእ ዕጥቆም ከውሒ ዝጸቀጦም :ኣብ ጽርግያ ታንክታት ክሃድማ ክብላ ዝረጉጽኦም ወትሃደራት ደርግ ምስቲ ጽርግያ ፍላት ኰይኖም ተጣቢቆም : ብመድፍዕ ተሃሪሞም ክፍሊ ኣካላት ፋሕፋሕ ዝበለን ኣብ ኣግራብ ስጋ ፍጡር ወድሰብ ዝተንጠልጠለን :እንቃቁሖ ዝመስል ጻዕዳ ሓንጎል ወዲ ኣዳም ፍጡር ሰብ ኣብ መሬት ምስርኣኻ ኰንቱነት ወዲ ሰብ ዓለምን ይራኣየካ እሞ ኣእምሮኻ ትስሕት :ኣብዚ ውግእ ኣእምሩኦም ዝሰሓቱ እውን ነይሮም :ዝድነቁ ብቁዓት ወትሃደራውያን መራሕቲ ሸጎጉጦም ሒዞም ሓደ ተጋዳላይ ንድሕሪት ከይብል ሻዕብያ ብቅድሜና ተወቂዕና ንስዋእ እንበር ንድሕሪት ምህዳም የለን ኢሎም ንሰራዊትና ጸቅጢ ታንክታት በዚሕዎ ንድሕሪት ከየብልን ክጸንዕን ጥቡቅ ክትትል ገይሮም ንሰራዊትና ካብ ስዕረት ኣድሒኖም ዓወትን ቀጻልነት ቃልስናን ኣበሲሮም :ዘይመሬትካ ክትገዝእ ምድላይ ዝፈጥሮ ህልቂት ውጽኢቱን ሳዕቤኑን ከቢድ ኢዩ።

ጅግንነትን መስዋእትን ጽንዓትን ዝተራእየሉ ብርቱዕ ናይ ክልተ ምዓልትን ሰለስተ ለይትን ኲናት ብሃንደበት

ንግሆ ክንሃጅም እንዳተዳለና ድሮ ጸላኢ እቲ ካብ ባጽዕ ዝገስገሰ ድሮ ንሳሕል ተገምጊሙ ንኣፍዓበት ክሕዝ ይምርሽ ከምዘሎን ሓደስቲ ዘይደኸሙ ወትሃደራትን ታንክታትን ብመራኽብ ጽዒኑ ናብ ማርሳ ጉልቡብ ከምዘውረደን ተፈሊጡ ካብ ኩናት ዒላበርዕድ ወጺእና 16ኪሜ ተጓዒዝና ናብ ደብረሲና ኣተና።

ይቅጽል----- ጉዕዞ ንሩባ ዓንሰባን ኣፍዓበት ንምክልኻል ውግእ ማዕሚደን ኣዛህራን ።

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ፌስቡክ፦ https://www.facebook.com/100002218178573/posts/2469783356438913?sfns=mo

ካልኦት ጽሑፋት ብ'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ) click here ኣብዚ ጠውቑ


ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ ሕዳር 1978!!
4ይ ምዕራፍ! መወዳእታ

ውግእ ማዓሚደ ኣዛህራን!!

ውድብና ውድብ ህግሓኤ ፍጥር ክብል ብዓንተቡኡ ወትሃደራዊ ትካል ኢዩ።

እተን ክልተ ሓይሊ ውግእ ዒላበርዕድ ወዲእናን ብድኻምን ጥምየትን ተወዲእና ዓቅምና ዝፈቅዶ ገለ ውጉኣት ብጾትና ኣብ ስትሬቸር (ቃሬዛ)ተሰኪምና ደብረሲና ኣተና :ደብረሲና ሓንቲ ንእሽቶይ ጽብቅቲ ዓዲ እኹል ማይ ዝዛሪ ዘለዋ ጥንታዊት ገዳምን ሃይማኖታዊት ዓዲ ኢያ።

ሓይሊ 32 ካብ ዓዲ ያዕቆብ ምስ ኣንሳሓበት ነተን ካብ ዒላበርዕድ ውጉኣት ዘማላልሳ ቃፍላይ ኣውቶቡሳት ብድሕሪት ኣድብያ ብኣርብጂ ብጠያይትን ንጸላኢ ብዘይምሕረት ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡሳት የሕሪራቶም ሕነ ናይ ዓዲ ያዕቆብ ታህና ኣውጺኣ ኣብ ገለብ ንሓለዋ ተመደበት።

ኣብ ደብረሲና ዝብላዕ መግቢ ኣይረኸብናን ማይ ብሽኰር ሰቲና ድኻም ስለዝነበረና ግምስስ ግምስስ ኢልና ደቀስና :እቶም ዘይጽልኦም ገለ ብጾትና እታ ጠልጠል ዝበለት እምኒ ክንርኢያ ኢሎም ተጻዋዊዖም ከዱ: ናብዛ ማሙቅ ነጸላይ ተጠቅሊለ ምስደቀስኩስ ድሮ ስዓት 5ናይ ምሸት ኰይኑ ማንጁስ ተስእ ኢሎም ኣተስኡኒ : ሓንቲ ላም ተሓሪዳትልና : ንመቅለው ስጋ ዝኸውን ዕንጨይቲ ክትልምን ክትከይድ ኢኻ ገለ ደንጊጸን ዕንጨይቲ ተሃባኻስ ተባሂለ እቶም ተዋዘይቲ ደቂ ጋንታይ ሎምስ ገጽ መለመኒ ኢዩ መሲሉ ኣንታ ገጽ መደንገጽ ኢሎም ዋዛ ጀመሩ: ህዝብና ብሩኽ ኢዩ እዋይ ወደይ ኢለን ቅጫ ዝህባ ቆሎ ዝህባ ዕንጨይቲ ዝህባ:----

ቅልዋ በሊዕና ስዓት 3ናይ ለይቲ ህዝቢ ካብ ገለብ ካብ ምሕላብ ካብ ሽዕብ ሮብቶ ካብ ደብረሲና ዝተዋጽኡ ኣጉባዝ ውግኣትና ተሰኪሞም ምሳና ጉዕዞ ንሩባ ዓንሰባ ተታሓሒዞምዎ ብድኻም ወላእላእ ኢልና ስዓት 10 ናይ ለይቲ ኣብ ሩባ ዓንሰባ ኣቲና።

ብብዝሒ ካብ ከረን ዝሃደመ ህዝቢን ተጋደልትን ትካላት ውድብ ብሙሉኡ ዕንጨይቲ ዝኣጉዱ ማካይን ናይ ጽዕነት ሞተረን ዘየጥፍኣ ጫቅጫቅ ክብሉ ጸንሑና ድሮ ማካይን ተዳልየን ስለዝጸንሓና ኣብዘን ማካይን ተጻዒንና ንጋንታና ኡኳ ኣውቶቡስ በጺሓትና ስውእ ኣቶው ብርሃን ጸጋይ ዝብሃል ወዲ እንባደርሆ ወዲ መስርዔይ ማንጁስ ዕጥቅኻ ፍትሓዮ ኣብዚ ሰለፈይ ደቅስ ኢሉኒ ኣብዛ ሰለፉ ደቂሰ ትጉዕዝ ሓዲርና ወገግ ክብል ከሎ ኣፍዓበት ኣቲና:ተሰሪዕና እንዳኸድና ነንእሽቶይ ቅጫ ኣብ ኢድና ተዓዲልና ነዚ ኣጻምእን ምድረበዳ ብዘይ መተርከስ ጎሮሮ ትጉዕዝ ውዒልና ስዓት 4ድሕሪ ቀትሪ ማዓሚደ ኣቲና።

ኣብ ምዓሚደ ኣባላት ብርጌድ 4 ብርጌድ 70 ብርጌድ 44 ኣብቲ ሩባ ክታዀሱ ጸኒሖምና ካብ ናቶም ንሸነኽ የማናይ ክንፍ ኣብ በሪኽ ጎቦ ኣብ ተጠንቀቅ ሓዲርና :ብለይቲ ሓንቲ ቦጥ ማይ ኣምጺኣትልና ሓሓደ ኰዝ ማይ ብሽኰር ሰቲና ጸላኢ ቅልጡፍ ዓወት ስለዝደለየ ኣብቲ ዘለናዮ ጎቦ ብኸቢድ ብረት ብርቱዕ ደብዳብ ገይሩ ክሃጅም ፈቲኑ ጸፍዕና ግስጋሲኡ ዓጊትና ኣብ ድውታ ኣብጺሕናዮ።

ድሮ እተን ካብ ዒላበርዕድ ዝማረኽናየን ታንክታት ናብቲ ኪናት ክንጥቀመለን ጀሚርና :ንጽብሒቱ ልክዕ መበል ሳልሳይ ምዓልቲ ወጋሕታ ዳዝዳዝ ኣብ ብሙሉኡ እቲ ግንባር ሓያል መጥቃዕቲ ፈኒና ብምሉኡ ገዛእቲ ቦታታት ንጸላኢ የሕዲግና ኣብ ጎልጎል ደፊእናዮ።

ብምቅጻል ብሙሉኡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ጎላጉል መጥቃዕቲ ብምፍናው ብዙሓት ታንክታት የሕሪሩን ማሪኹን ብዙሓት ወትሃደራት ቀቲሉን ማሪኹን ካብቶም ምሩኻት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ነይራ ኣርሆ (ኣዝማሪ) ኣለሚቱ ድያስ ዋላስ ዘውዲቱ ስማ ተማሪኻ : ህዝባዊ ሰራዊት ድሕሪ ናይ 12 ምዓልትን ለይትን መሪርን ደማውን ኲናትን ጽበባን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ንጸላእቱ ስዒሩ ትንፋስ ዘሪኡ ጎብለል ኰይኑ ቀጻልነት ቃልሱ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ግዜ ምንስሓብ ዝጠፍኡና ብጾት ብሓገዝን ብምትሕብባርን ህዝቢ ድሕሪ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ መጺኦምና:ገለ ውግኣት ብጾትና ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ብምስጢር ሓኪሙ ኣደልዲሉ ዘፋነዎምን ብምስጢር ናብ ብጾትና ዘብጽሖምን ብዙሓት ኢዮም።

ድሕሪ ዝተወሰኑ ግዜ ህግሓኤ ንኣፍዓበት ንጸላኢ ገዳፉሉ ሓድሽ መካላኸሊ ዕርዲ ግንባር ናቅፋን ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕልን ኣቂሙ ናብ ዝተናውሓ ቅድ ኲናት ኣትዩ።

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ፌስቡክ፦ https://www.facebook.com/100002218178573/posts/2476047322479183?sfns=mo

ካልኦት ጽሑፋት ብ'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ) click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


See also recent articles by Mr. Eyob Gojela Beyn
ካልኦት ብ'ኣቶ ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ) ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: