snitna.com

03/02/2017 05:17 AM

ዋሕዚ ስደትና ከብቅዕ ኣለዎ!


ዋሕዚ ስደትና ከብቅዕ ኣለዎ!

ብመሰረት UN Refugee Agency (UNHCR)፡ ኣብ 2015 ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓለምና፡ 65.3 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤቶም ክዛናበሉ ከምዝተገደዱ፡ ካብዚኦም እቶም 21.3 ሚልዮን ድማ ስደተኛታት ኮይኖም፡ ልዕሊ-ፍርቂ ካብዞም ስደተኛታት ድማ ትሕቲ 18-ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኢዮም። ኣብ ዓለምና ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብሰንኪ ኣብ ከባቢኦም ዝኽሰቱ ግጭታትን ከምኡ'ውን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ግፍዕታትን፡ ኣስታት 34 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ነፍሲወከፍ መዓልቲ፡ ይዛናበሉ።

ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ጥራይ ዋሕዚ ስደት ኣተኲርና ምስ እንጥምት፡ ብ'UNHCR ኣብ 2016 መወዳእታ ተሓቲሙ ጽወጸ ጸብጻብ መበገሲ ብምግባር፡ ክሳብ መወዳእታ 2015 ዝነበረ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን፡ ከምዚ ዝስዕብ ስእሊ ንረክብ፡-

•  ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ 379,766

•  ብዝሒ ናይ ኣብ ስደተኛታት ዝመሳሰል ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ 31,576

•  ድምር = 411,342

ካልኦት፡ ከም ስደተኛታት፡ UNHCR ብማዕረ ዝግደሰሎም 235 ሰባትን ከምኡ'ውን ሓደ ናብ ዓዲ ዝተመልሰ ስደተኛን ወሲኽካ፡ ክሳብ መወዳእታ 2015፡ ብጠቕላላ፡ 475,024 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ እቲ ተሓቲሙ ዝወጸ ኣሃዛዊ ሓበሬታ የርኢ (ዝርዝሩ ኣብዚ ተመልከት UNHCR Global Trends 2015 p63)

ኣብተን ድሒረን ዝሰዓባ ዓመታት (2016'ን 2017'ን) ከ እቲ ኩነታት ስደት ኤርትራውያን ከመይ ይመስል?

ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (International Organization for Migration): ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2017 ብዘውጽኦ ሓበሬታ ብመሰረት፡ ኣብ 2017፡- 5,483 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ከለዉ፡ ካልኦት 253 ድማ ከምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፍኡ፡ ኣፍሊጡ። ኣብ 2016 ጥራይ፡ 363,401 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት። እዚ ብዝሒ'ዚ፡ ንኹሎም ስደተኛታት እንከላይ ንኤርትራውያን ሓዊስካ፡ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ማለት'ዩ።

ኤርትራውያን ዘተኩሩሉ ወይ ክበጽሑዎ ዝጽዕሩ ሃገር፡ ኢጣልያ ክኸውን ከሎ፡ ካብቶም ኣብ 2015 ከምኡ'ውን ኣብ 2016፡ ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ጠቕላላ ብዝሒ ስደተኛታት፡ ኤርትራውያን ደድሕሪ ናይጀሪያውያን ብምስራዕ ብብዝሖም ካልኣይ ደረጃ ሒዞም ይርከቡ። በዚ መሰረት ከኣ፡ ኣብ ዓመተ-2015፡ 37,882፡ ኣብ ዓመተ-2016 ድማ 20,176: ብድምር 58,058 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ የመልክት። (ብዝርዝር፡ ኣብዚ ተመልከቱ።)

ፕረሲደንታዊ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ኣብ 2016 ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት (Geneve press Conference, on 21 June 2016)፡ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ 3.7 ሚልዮን ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ካብዛ ኣዝዩ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ፡ ኣስታት 60 ሽሕ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጢ'ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ናብ ኢጣልያ ጥራይ ክኣቱ ኸሎ፡ እምበኣር ኣዝዩ ከቢድ ሽግር ኣብ ሃገርና ምህላዉ ኢዩ ዝእምት። ክንደይ'ከ ናብ ካልእ ኣትዮም? ክንደይ'ከ ደሃይ ዘይብሎም ጠፊኦም ይኾኑ? ኢልና ክንሓስብን ክንጭነቕን እምበኣር ባህሪያዊ ኢዩ።

ሃገራት ኤውሮጳ፡ ብዋሕዚ ስደተኛታት ስለዘጥለቕለቐ፡ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝርአ ዘሎ ጽልኢ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ነዚ ዋሕዚ'ዚ ንምህዳአን ንምግታእን ተባሂሉ፡ ብሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ውሽጡ ብዝርከባ ሃገራትን፡ ምስ ከም ኤርትራ፡ ሱዳንን ሊብያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ውዕላት ክገብራ ንዕዘብ ኣሎና። ነቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ፖለቲካዊ ሽግርን ንሱ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ድኽነትን ስእነትን ዜጋታት'ተን ሃገራት፡ ፍታሕ ስለዘየምጽእ ግን፡ በዚ ስጉምቲ'ዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ክብል ኢዩ ኢልካ ትጽቢት ኣይግበርን። ብኣንጻሩ፡ ከምቲ ብዙሓት ተንተንቲ ዝሰማምዑሉ፡ እቲ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ተባሂሉ ዝግበር ፋይንናንሳዊ ጉንዖታት፡ ነቶም ጨፍለቕቲን ገፋዕቲን ዝኾኑ ስርዓታት መሊሱ ከሰውዶም ኢዩ ዝብል መደምደምታ ኢዩ ዘሎ። ንኣብነት'ኳ፡ ሱዳን፡ ነዚ ረብሓታት'ዚ ንምርካብን ኣድህቦ ሃገራት ምዕራብ ንምስሓብን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት እናገፈፈትን፡ ንዑቕባ ዘለዎም ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰል ብምጥሓስ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዓፊና፡ ናብ ኤርትራ ከምዝምለሱ ክትገብር ጸኒሓን ኣላን። እዞም ብኸምዚ ኣገባብ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ'ኸ እንታይ ገጢሙዎም ዝፍለጥ የለን። ታሪኽ ገለ ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢልና ጉዳይ ናይቶም ብሓይሊ ካብ ሃገረ-ማልታ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኸምስል ነናብ ኣሃዱኦም ብሰላም ክንሰዶም ኢና ብምባል ናይ ሓሶት መብጽዓ'ኳ እንተሃበን፡ ከምስል ድማ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንገለ ካብኣቶም ኣገዲዱ ጽቡቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም ከምስል እንተፈተነን፡ ብግብሪ'ስ እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ ኢዩ ነይሩ። እቶም እቲ ግፍዒ ዝጸገቡዎን ዳግማይ ኣምሊጦም ናብ ስደት ክወጹ ዕድል ዝረኸቡን እቲ ዝገጠሞም ሓቂ ተሪኾሞ ኢዮም። መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስተቐበሎም፡ ትኽ ኣቢሉ፡ ናብቲ ሓርበኛታት ወለድና ዝሕየሩሉን ብኡ ኣቢሎም ድማ ከም ዝጠፍኡ ዝግበረሉን ዝነበረ ደሴት ናኹራ፡ ከምዝሕየሩ ኢዩ ገይሩዎም። ኣብኡ፡ ክሳብ መፈጠሮም ዝጸልኡ፡ ብኣስካሕካሒ ግፍዒ ተቐጥቂጦም፡ ብዙሕ ኣካላዊን ስነኣእሙራዊን በሰላታት ክሳብ ዝሓድሮም ኮይኖም ኢዮም ኣብ መወዳእታኡ ናብ ዘዝነበሩወን ኣሃዱታት ከምዝምለሱ ዝተገብረ። ናብ ኣሃዱታቶም ምስ ተመልሱ'ውን፡ በቶም ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ናይቲ ኣሃዱታት፡ ክሳብ ደረጃ መስርዕ ብዘለዉ ሰለይቲ ናይቲ ሰራዊት፡ ጥቡቕ ክትትል ኢዩ ዝግበረሎም ነይሩ። እምበኣር፡ እዞም ሕጂ ብመንግስቲ ሱዳን እናተገፈፉ ብሓይሊ ዝምለሱ ዘለዉ'ውን ካብዚ ዝሓሸ ኩነት ክገጥሞም ኢዩ ኢልካ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይኮነን።

ናይ ወዲ ሰብ ክብሩ፡ ኣብ ዓዱ ክኸውን ከሎ ኢዩ። እታ ዓዲ ኽብርና ግን፡ ባዕልና ክንሰርሓን ክንፍውሳን ኣሎና። እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ። ብመጀመሪያ ነቲ ጠንቂ መዓትን ስደትናን ዝኸውን ዘሎ ናይ ሃገርና ምልካዊ ምሕደራ፡ ቀልጢፉ ከብቅዕ ኣለዎ።፡ ባህጊ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ እዚ ኢዩ። እዚ ባህጊ'ዚ ክዉን መታን ክኸውን ግን!፡ ኩሉ ኤርትራዊ በብዓቕሙ፡ ማለት፡- ምሁርን ለባምን ብምኽሪን ብዕርቂን፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ድማ ብሓድነት፡ ኣማኒ ብጸሎት፡ ክሰምሩ፡ ክጽዕሩን ክሰርሑን ምስዝኽእሉ ጥራይ ኢዩ። ኩልና ኤርትራውያን፡ ሕልናና ክንኩሕኩሕ ኣሎና።

ሰላም ንሃገርና ኤርትራ!

ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ!

ሓውኹም፡ ዮውሃንስ ጸጋይ
03/02/2017


Share with friends:

 
 

Share with friends:


See also Related /  ተመሳሰልቲ ምዕዶን ሓበሬታታትን፡-