ንኹሎም ወዲእካዮም ተመለስን፡ ህዝባዊ ማዕበል ይኣክልን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/07/2019 05:02 AM

ኹሎም ወዲእካዮም ተመለስን
ህዝባዊ ማዕበል ይኣክልን፡

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)
ሓምለ 29/2019

ኹሎም ወዲእካዮም ተመለስን ህዝባዊ ማዕበል ይኣክልን፡

ኹሎም ወዲእካዮም ተመለስን ህዝባዊ ማዕበል ይኣክልን፡
ሓምለ 29/2019 - ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ብንእስነተይ ክንዳኻ ከለኹ ህዝባዊ ማዕበል ይኣክል ነብሪ ጐልጐል ኤርትራ፡ ንኹሎም ወዲእካዮም ተመለስ “kill them all and come back alone - Ammazzeli tutti e torna solo” ዝብል ፊልም ትዝ ስለ ዝበለኒ፡ ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ኲነታት ክመዝን ከም ኣርእስቲ ክጥቀመሉ መሪጸ’ለኹ። ቅድሚ ሕጂ እዛ ጓል ትረኽቦ + እዚ ወዲ ዝረኽቦ = እዛ ኤርትራ ትረኽቦ ኢለ ደሪሰ ነይረ። ሕጂ ድማ ጽሙቝ ኣቢለ ከም ህዝባዊ ማዕበል ደረጃ፡ ማለት ከም ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደረጃ ክርእዮ ከለኹ፡ ስኣን ቀላሲ፡ ዘይረኽቦ የብሉን፡ መንእሰይ ወራሲ እብል ኣለኹ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ፍትሓዊ ቃልሲ ዕንቅፋታት ክህሉ፡ ባህርያዊ ውጽኢት ዓናቐፍቲ ሓይልታት ስለዝዀነ፡ ተቓለስቲ ዝጽበይዎ ፈተነ ኢዩ። እቲ ከበባ ናይ ዕንቅፋት ክበዝሕ ከሎ ግን፡ ኣብ ምምራር ተደሪትካ ምእንቲ ከይትተርፍ፡ ከምቲ ክብደት ናይቲ ዝህሉ ማሕለኻታት፡ ቅልጡፍ ሚዛን እንዳሃብካ መንገዲ ቃልሲ ምቕያስ አገዳሲ ኢዩ። ኣገዳስነቱ ክኣ ምኣዝን ናይ ቃልሲ እተለልየሉ ጥበብ ብምዃኑ ኢዩ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብዓቢኡ ብስርዓት ኣስመራን፡ ዝዓበዩን ዝነኣሱን ውሽጣውያንን ግዳማውያንን ኣሳሰይቱን ብሓደ ወገን፡ ብመኣዝን ናይ ቃልሲ ዝሰሓቱ ውድባትን፡ ጒጅለታትን፡ ውልቃውያን ዓንደርትን ክኣ በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ተኸቢቡ ይርከብ ኣሎ። እዚ ማእለያ ዘይብሉ ጸረ ህዝባዊ ማዕበል ዝዀነ ጥቕመ ፈሊጣዊ ማሕለኻታት፡ ብጥርኑፍ ይኹን ብብቱን ኣተሃላልውኡ፡ ተደሚሩ ተደማሚሩ፡ ንመከራን ኩሉ ዓይነት ሕሰምን፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘራብሕ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብኣፍልጦን ብንቕሓት ክግጠም ኣለዎ።

እዚ ብእምብዛ መረረ መግዛእቲ ስርዓት ኣስመራ ዝገንፈለ ማዕበል ምንቅስቓስ ይኣክል፡ መድሕን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብሩህ እንዳዀነ ኸሎ፡ ብኹሉ ኲርንዓቱ ናብ ስጡም ውደባ ምእንቲ ከይሰጋገር፡ ዝተፈላለየ ምጒጅጃላት፡ ናይ ተብ-ተብ ጒባኤታት፡ ብሕቱው ዘይብሩህ ኮንፈረንሳት፡ በዚ መጸ ዘይትብሎ ጎናዊ ኣዋጃት፡ ድሑር ምትእኽኻባት፡ ኣምሰሉ ፖለቲካዊ የላኻታት፡ ግጉይ ፖለቲካዊ ገለጻን ተንታንን ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ዝተመንወን ታሪኽ ዝፈንፈኖን ወገናውን ሃይማኖታውን ፖለቲካዊ ዕቍባት፡ ህዝባዊ ጠመተ ዘይብሉ ጸቢብ ውልቀ-ስግዳናት፡ ፈቖድኡ ተጫጪሑ ንርእን ንሰምዕን ኣለና።

ደቂ እገሌ ኣውራጃ፡ በዚሖምዶ ውሒዶምዶ፡ ዝብል ናይ ቃልሲ ሰረተ-ሓሳብ ዘይበሉ፡ ብታሪኻዊ ድኽነት ዝማሰነ ፖለቲካዊ ዕርቃን፡ ብፍላይ ካብ ልሳናት ምሁራትን ምኩራትን ክትሰምዖ ከለኻ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕውስዋስ ናይ ኰነ ኢልካ ዝፍኖ መርዛም ኣተሓሳስባ ስለዝዀነ’ውን፡ ኩሉ ምስ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ደው ዝብል ምኩርን ምሁርን ኣካል፡ ዝግባእ መልሲ ክህበሉ የድሊ። ሎሚ ፈነወ ዜና ብዝከድካዮ ስለዝዀነ፡ ስነ-ስርዓት ወይ ካብ ዲሲፕሊን ወጻኢ ዝዀኑ ጒጅለታት ይኹኑ ውልቀ-ሰባት ንደምበ ተቓውሞ ከም ቃሕ ዝበሎም ዝዕንድሩሉ ሜዳ ገይሮሞ ስለዘለዉ፡ ደምበ ተቓውሞ መጽረይ ኣፍ ናይ ፖለቲካዊ ደርገፍገፍ ኰይኑ’ሎ።

ይኣክል ብጒድለታት ክሓልፍ ዘይስገር ታሪኽ ምዃኑ ንመን ይጠፍኦ? ሓምሳ ስሳ ዓመት ዝገበራ ውድባት፡ ብጨርሒ ናይ ጌጋታት ዝፍለጣ ኰፍ ኣቢልካ፡ ብቦኽሪ ወይ ኣወል መድረኻዊ ማዕበል ምምራር፡ ካብ ጥልመታዊ ወስታ ሓሊፉ ካልእ ትርጒም ይብሉን። ይኣክል ነዚ ኹሉ ዕንቅፋታት ክወጾ እንተድኣ ኰይኑ፡ ቅልጡፍ ንጡፍ ናይ ምንቕቓሕ መደባት፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ከተማታቱ ከካይድ ከድልዮ እዩ። ውደባ ብዘይ ንቕሓት መፍቶ ጠላማትን መዝመዝትን ከም ዝገብረካ፡ ድሮ ተፈሊጡ ስለዘሎ፡ መንእሰይ መካይድትኻ ከተለሊ፡ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ፖለቲካዊ ስምዕታ ይህበካ’ሎ። ስንኻ ነኺስካ ንዘየድልዩኻ ብንቕሓት ያዕ ክትብሎም ቅሩብነትካ ከተርኢ ከድልየካ ኢዩ።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ከተማ ዝርከቡ መንእሰያት ድሕሪ ደጊም፡ ዕረፍቲ ዘይበሉ ኣኸባታት ብምክያድ ክነቕሑን፡ ድልዱል መሰረት ነቲ ጠርናፊ ዓለም ለኻዊ ውክልንኦም፡ ውሕስነት ክፈጥርሉን ከድሊ ኢዩ። ደሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኣብ ከከተምኦም ክለማመዱዎን ክሰርሕሉን መተካእታ ዘይብሉ መደብ ዕይኦም ክኸውን ኣለዎ። ንምልካውያንን፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተሓባበርዎምን፡ ካብ ፖለቲካዊ ዕንደራ ደው ከብልዎም ዝኽእሉ፡ ብደሞክራሲያዊ ዕጥቅን ዝተማልአ ውደባን ጥራይ ኢዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንጐኒ ጥራይ እምበር ትኹል ኣወዳድባ ክህልዎ የብሉን፡ ዝብል ሰንኰፍ ፖለቲካዊ ወፈራ፡ ንባዕሉ ትርጒም ዘይብሉ፡ ኣብ ዘለኻዮ ኮፍ በል፡ ኣብ ጋም-ማን (መካነክ ረውሕ) ንበር፡ ንቕድሚት ኣይትሰጒም፡ መራሕቲ ኣይትፍጠር፡ ዝትርጒሙ ጎታቲ ኣካያያድ ስለዝዀነ፡ መንእሰይ ከም ሳዕሪ ሮማዲ አሳፊሕካ ከይትተርፍ ክትነቕሓሉ ይግባእ። ኣብ ታሪኽ’ዛ እንነብረላ ዓለም፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ፡ ፖለቲካዊ ይኹን ቍጠባዊ፡ ዋላ’ውን ማሕበራዊ፡ ብጎደሎ ኣወዳድባ ዝኸይድ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ናይ ርሑቕ ገዲፍና፡ ናይ’ዚ ሕጂ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ፡ ክደክም፡ ክጭወ፡ ክዝሕትል፡ ከዂለፍ ድኣ ይኽኣል እምበር፡ ብዘይ ትኹላዊ ኣመራርሓ፡ ብጎደሎ ኣወዳድባ ዝፈሸለ’ምበር ዝተዓወተ ምንቕናቕ ዋላ ሓደ ንምስክር’ውን የለን። ብዘይ ጎናውን ትኹላውን ኣመራርሓ፡ ቅረጻ ኣልቦ ከም እሳተጐመራ ዝትኰስ ወይ ዝነቱጒ ሕበረተ-ሰብኣዊ ዘይኰነስ፡ ግኡዛዊ ዘይህይወታዊ ጥራይ ኢዩ።

ክትዕወት እንተድኣ ኰንካ ኣብ ኩሉ ዓይነት ውደባታት ፒራሚዳዊ ኣወዳድባ (ኣቀራርጻ) ማለት፡ ዝሰፍሐ ኣብ ታሕቲ፡ ዝጸበበ ክኣ ኣብ ላዕሊ ክህሉ፡ ናይ እተመዝግቦ ስትራተጂ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ኣገባብ ቃልሲ’ዩ። ኩሉ ኣብ ዓለምና ዘሎ እዋናዊ ተረኽቦታት ምስ እንምልከቶ። ሱዳን፡ ኣልጀርያ፡ ሆንግ ኮነግ፡ ፖርቶ ሪኮ፡ ቨነዙወላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝነበረን ዘሎን ኩሉ፡ ብዘይ ፒራሚዳዊ ኣወዳድባ ዝኸደ ህዝባዊ ምልዕዓል የለን። ይትረፍ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ናይ ተመሃራይ ፖለቲካዊ ሸቦሮ’ውን ሕጽረቱ ብዘየገድስ ምልኣተ-ቅርጻ ኣለዎ።

ታሪኽ ሰውራና ካብ ናይ ተመሃራይ ይኹን ካብ ናይ ኣባታዊ ሰላማዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ክሰጋገር ከሎ፡ ይግፋሕ ይጽበብ፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ይትረር ይፍኰስ፡ ዝተማልአ ኣወዳድባ ነይርዎ። ብባህርያቱ ክኣ ምስ ዕላምኡ ቀጥታዊ ዝምድና ዘለዎ ምስ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተኣሳሰረ ኢዩ።

ዓመጸኛታት ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ካብ ባህሪያዊ ትርጒሙ ክጥምዝዝዎ ክፍትኑ ከለዉ፡ ንጋድምን ንትኹልን ብዘለዎ ኣገባብ እንተተወዲቡ፡ ከም ውድባት ወይ ከም ፓርትታት ንስልጣን ይቃለስ ኣሎ ማለት’ዩ ይብሉ። ፐለቲካዊ መንነቱን ፖለቲካዊ መለለይኡን ከህስሱ ክኣ ይፍትኑ። ዋእ! ብመሰረቱስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ህዝባውነቱ ፖለቲካዊ መኸተ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝሰረቱ ብምዃኑዶ’ይኮናን ደው ንብለሉ።

ዕላማ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንፖለቲካዊ ስልጣን ኣስመራ ክድምስስ፡ ዝተላዕለ ፖለቲካዊ ማዕበል እንተድኣ ኰይኑ፡ ፖለቲካዊ መንነቱ ምስ ስልጣን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ንምንታይ ይሰሓት። እቲ ተንታን ግቡእ ትርጒሙ ክሕዝ ኣለዎ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓደ ፓርቲ ከምዘይኰነ ንመን ይጠፍኦ? ንፓርቲታት ጥጡሕ ደሞክራሲያዊ ናይ ስልጣን ውድድር ክምምድ ምዃኑ እንተድኣ ርዱእ ኰይኑ፡ እስስሩ ምስ ስልጣን ቀጥታዊ፡ ኲለንተናዊ፡ ፒራሚዳዊ እምበር፡ ጎድናዊ ኣብ ጎደሎ ውደባ ጥራይ ተዘርጊሑ ተበታቲኑ ዝተርፍ ኣይኰነን።

ኣይኰነን ሰፊሕ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ፡ “ኣሓ ዓዲ ዃላ ተር እተበላ ሳልሰይተን ኣድጊ” ዝዀና ሲቪካዊ ምንቅስቓሳት ከይተረፈ’ውን ፒራሚዳዊ፡ ወይ ጎድናውን ትኹላውን ቅርጻ ኣለወን። ብተግባር ዋላ ዘይብቑዓት ይዂና’ምበር፡ ብዕላማን መትከልን ጒዕዞአን ምስ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ዘንባዕ ኣተሓሳስባ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝፍኖ፡ ኣምራዊ ጌጋ ስለዘለዎ ብሸለልትነት ክሕለፍ የብሉን።

መንእሰይ ኤርትራ (ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል) ንኹሎም ወዲእካዮም ተመለስ ዝብል ኣርእስተይ፡ ትርጒሙ ኣዳቒቕካ ብምርዳእ ንኹሎም ማሕለኻታት ምእንቲ ክትበትኽ፡ መካራት ከተለሊ ከድልየካ ኢዩ። ዓበይቲ መሁራት፡ ዶክተራት፡ ፐሮፌሶራት ምኲራት፡ ተብዓት መሊኦም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ስለ ዘለዉኻ፡ ብዘጋጠመካ ተክኒካዊ ሕጽረታት ከይተደሃልካ፡ ስንኻ ነኺስካ ቃልስኻ ቀጽሎ። ጠላማት እቲ ንዓኻ ንቕድሚት ከይትስጒም ዝፈሓስዎ ገመድ ባዕሎም ክቕየድሉ ምዃኖም ኣይትጠራጠር። ኣብ ዝጐደለ ምምላእ’ምበር ኣብ ሸራፍ ምንዳይ የለኹን በሎም።

ኣንታ ኣከለጒዛይ እንተበሉኻ እወ በሎም፡ ኣንታ ባርካ እንተበሉኻ እወ በሎም፡ ኣንታ ሰንሒት እንተበሉኻ እወ በሎም፡ አንታ ሓማሲየን እንተበሉኻ እወ በሎም፡ ኣንታ ሰራየ እንተበሉኻ እወ በሎም፡ ኣንታ ሳሕል እንተበሉኻ እወ በሎም፡ ኣንታ ደንከል እንተበሉኻ እወ በሎም፡ ኣንታ ሰምሃር እንተበሉኻ እወ በሎም። በዚሕካ እንተበሉኻ፡ ከመይ ድኣ ዘይበዝሕሲ በሎም። ውሒድካ እንተበሉኻ፡ ግዲ የብልኩምን ክበዝሕ ኢየ በሎም። ኣነ ይኣክል ኣነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራዊ ኢየ በሎም። ወረ ገና እዚ ናይ ግዳም’ዩ ኣብ ውሽጢ’ለኒ ዝዓበየ ካዝና በሎም፡ ዓው ኢልካ ንገሮም።

ብወለዶ እንተመጺኦሙኻ’ውን፡ ንወለዶኻ ኲርዓሉ’ምበር ኣይትመክሓሉ። ወለዶ ዘይበሉ ፍጥረት የለን። ይትረፍ ወዲ ሰብ፡ እምኒ’ውን ወለዶ’ለዎ፡ ማለት ካብ ዘየሎ ኣይመጸን። ይትረፍ ሂወታዊ ግኡዝ’ውን ወለዶ’ለዎ። ከውሒ ሰዲመንታሪ፡ ከውሒ ኢግኖይስ፡ ከውሒ መታሞርፊክ ካበይ ከምዝመጹ እቶም ክትመሃሩ ዕድል ዝረኸብኩም ትዝክሩ ትዀኑ፡ ኣንብቡ ተመራመሩ፡ ንሊቃውንቲ ናይቲ ዓውዲ ትምህርቲ ክኣ ሕተቱ። እዛ ዓለምና ካብ እትፍጠር እንሆ 4.6 ቢልዮን ጌራ ይብሉና። ካብ ዝመጸቶ ክኣ ኣለዋ።

ወለዶ፡ መፈጠር፡ ሰረተ-ጒንዲ’ምበር ዝወሃብን ዝኽላእን፡ ምልካዊ ሓጹር ወይ ደሞክራሲያዊ መሰል ኣይኰነን።
ኩሉም ነዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብዝተፈላለየ ሰንኮፍ ምኽንያታት ደው ዘይብልሉ፡ መለሳ ዘይበሎም ብህዝባዊ ማዕበል ዝረዓዱ፡ ኣብ ንሱ ብንሱ ዝነብሩ፡ ነንሓድሕዶም ባዕላቶም (ባዕዲ-ባዕዶም)፡ ኣብ ዝኣረገ ምትእኽኻባት ሸንኰለል ዝብሉ ስለ ዝዀኑ፡ መንእሰያት መንገድኹም ከይስሓትኩም ንቕድሚት ምስ እትምርሹ ዘርከበ ከርክበኩም’ዩ።

ኣብዚ መድረኽ’ዚ ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ ክልተ ምርጫ ኢየን ዘለዋና። ንሳተን ክኣ፦ ወይ ምስ ህግደፍን መሰላቱን ናይ ዓመጻዊ ክሕደታዊ መስመር፡ ንኹሎም ወዲእካዮም ተመለስ ዝብል ስትራተጂ፡ ወይ ድማ ምስ ይኣክል ተበገስ፡ ንኹሎም ወጹዓት ከተድሕኖም ክኣ ተቓለስ፡ ዝብል መርሖ ጥራይ’ዩ።

መድሕን ናይ ውጹዕ ህዝቢ ምእንቲ ክንከውን፡ መባእታዊ ናይ ሂወት ቀዳማይ ረዲኤት (Life skill) ከምኡ ድማ ናይ ኣሰራርሓ ክእለት (work skill) ክህልወና ኣለዎ። ብፖለቲካዊ ትርጒም ምስ እነሰንዮ፡ ኣብ ጌጋታትና ምእማንን፡ ብንጥፈት ክኣ መአረምታ ምግባርን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ኣሰራርሓ ብምልኣተ-ውደባ፡ ማለት ምልኣተ-ቅርጻ ብዘለዎ አገባብ ብፒራሚዳዊ ህንጻ ምስናይን ኢዩ።

ኣብዚ መድረኽ’ዚ በብዓይነቱ ሞደላት፡ ወይ መወከሲ ናይ መደናጐይ ወይ ዓናቓደፊ ኣሰራርሓታት፡ ምጒጅጃላት ፈቖድኡ ስለ ዘሎ፡ እቲ ዘለና መርጫ መአረምትኡ ዝኸውን፡ ኣሳልጦ ዝህብ መንገዲ ምንዳይ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ ይኣክል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብተግባር ዘዋጽኣካ ውርሻ ውረስ። ሕማቕ ውርሻ፡ ቀዳድ ደልሚ - ጽቡቕ ውርሻ ክኣ መለበሚ እዩ’ሞ፡ ለባም ክትከውን ለባማት ኣናዲ። ብዝተረፈ ንኹሎም ወዲእካዮም ተመለስ ዝብል ፊልም ድሕሪ ስሳ ዓመታት ኣብ ቅድሜኻ ተደቂኑ የንጸላልወካ’ሎ።
ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ይኣክል፡ ኣብ ውሽጢ ወላዲት ሃገርካ ኤርትራ’ውን ናይ መሰል ደወል ተደዊሉ ስለዘሎ፡ ቃልስኻ ከተተኣሳስሮ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ በዛ ብሰነ 29/ 2016 ዝደረስኩዋ ተደዊሉ ትብል ግጥመይ ኣሰንየ፡ ክሳዕ እንደገና ንራኸብ፡ ኣይንሕመቕ እንዳበልኩ ክፋነወካ ኢየ።

ተደዊሉ

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ሰነ 29/2016

ወዮ ደወል እምበር ተደዊሉ
ህዘቢ ዓለም ኩሉ ዘትይሉ
ጅግና መንእሰይና ኣምበልቢሉ

ዓቢ ደወል- ደወል ናይ ኤርትራ
ዓለም ዝነቓንቕ ኣውያት ስድራ
ናይቲ ኹሉ ሓሳረ መከራ

ለጠቕ ’ተልካ ዳንጋ ተወጢሩ
ክብ እንተልካ ቅልጽም ተገቲሩ
መንእሰይ ደው ኢሉ ንሃገሩ

ኣየ ኣጸዓዕና ኣይ ውድን
ብየማነ ጸጋም ጓልን ወድን
ደብተር ’ተገንጸልካስ ሕግን ፍርድን

ኣርብዓን ኣርባዕተን ከርበ ህበይ
ተፈልፊሉ ብዂርማጅ መንእሰይ
ኣይ ንሳ’ንድያ ነይራ ’ታ ጸሎተይ

ስየ ሃገር ተዓጢቑ ስረ
ሰዊት ኰይኑ ፈልሲ ዝነበረ
ጒዳም ማህጸን ኣብዚ’ኔኻ ፍረ

ተደዊሉ ደወል ውጹዕ ህዝቢ
ንብዓት ወላድ ሰሚዑዎ ረቢ
ኣደ ጅግና እጅገ ሰብስቢ

እልል በሊ ድምጺ ወስኽሉ
ዋልታ ሃገር መታን ክድብሉ
ክንደይ ሳዕ ክብከ ብተዃሉ

ብዓል ፋረ መንእሰይና ጅግና
ምድረ ህግደፍ ክሳሶም ቀኒና
ዘይገራቶም ዝወሩ ከም ጋውና

ጋውናስ’ኳ ምስ ደቁ ይበልዕ
ይዂብኲቦም ሓደ ከይርስዕ
ዕስለ ህግደፍ በበይኑ የዀምስዕ

የማን ጸጋም ኢለ ጎቦ-ጎቦ
ተመንየካ ’ንድየ’ታ ብዓንተቦ
መንእሰይ ሃገረይ ብዓል ሽቦ

ከም ትምርሽ ምዓስ ጠፊኡኒ
እምቢ ’ንተለት ዘይትሰምዕ እዝኒ
ሕጂ ሕራይ ምስ ረኣየት ዓይኒ

መዘናኻ መልእኽቲ ሰዲዱ
ካብ ኤርትራ ካብቲ ማእከል ዓዱ
ኣይዞ ጎበዝ ጽሒፉ ብኢዱ

ከምዚ ’ሉካ ሰራዊትካ ለይ-ለይ
ናይ ምድርቤት እንቋዕ ገበርካለይ
ናይ ውሻጠስ ኣለኹዎ ባዕለይ

ምድረ ህበይ ጽሓዮም ዓሪባ
ንዕኦም’ያ ማይ ዘይብላ ሩባ
ድንን ኢሎም ዕቋር መስ ሰበባ

ብዓል ደጊያት ባዕሉ ብኣል ጣልማይ
መንእሰይና ኣቢሉዎም ማይ-ማይ
ኣኺሉዎም ብጥልያን ኦሮማይ

ግን ኣብ ቅድሚት ኣሎ ሓያል ዕዮ
ምኣዲ ’ሎ ወትሩ ትጽበዮ
ብርኲታ ከይከውን ኣለልዮ

ስኽፍክፍ ’ንተይሉካ ሕተተና
ንዕኡ ዝኸውን መልሲ ’ለና
ኣቐዲምና ሕጻ ዝቖርጠምና

ደሞክራሲ ኣይትምሰልካ ዋዛ
ኣብ ውሽጣ’ሎ ዘይርአ ቃንዛ
ልቢ ግበር ተጠንቂቕካ ሓዛ

ሰለዚ’ዩ ታሪኽ ዘድልየካ
መታን ከይትገይሽ ጥራይ ኢድካ
ኣልቦ ሳንጣ ከም ናይ ’ቦታትካ

ሕጂ’ውን ሰናይ ቅነ - ሰላምኩም ክኣ እምነ
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)


Share with friends:

See also recent Articles by Redi Kifle ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ’ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) (Snitna Archives):-


ንኹሎም ወዲእካዮም ተመለስን፡ ህዝባዊ ማዕበል ይኣክልን by Redi Kifle Bashay (Snitna 30-July-2019)

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: