ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ 4ይ ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

22/09/2018 23:23 PM

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ (ራብዓይ ክፋል)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ

ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ (ራብዓይ ክፋል)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ሰላም ኩቡራት ተኻፈልቲ ወይብ-ሳይት፣ሎሚ ምስ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፣ ኣቦ-ወንበር ሰ.ድ.ህ.ኤ. እነካይዶ ምይይጥ/ዘተ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአን ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ተኸሲቱ ዘሎ መድረኽ፣ ሓፈሻውን ብመጠኑ ክበርህ ዘለዎ ኣጋባብ ክኸዉን እዩ።

ከምቲ ልሙድ ሓ) ሓታቲ ወይ ጸሓፊ ክኸዉን ከሎ፡ መ) ክኣ ብ-ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝዋሃብ መልሲ እዩ፡ጹቡቕ ምክትታል።

ሓ) ሰላም ኩቡር ኣቶ ተስፋሚካኤል፣ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ከመይ ቀኒኻ፣ ከምዚ እትርእዮ ዘሎኻ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብቲ ናይ ቅድም ዝነበረ ዘይርጉእን ሓድሕዳዊ ግርጭት/ግጭት ዙሑል ኲናት ክካየድ ድሕሪ ምጽንሑ፡ካብ-ውሽጦም ዝተገደዱን ናይ ደገ ሓይልታት ኢዶም ዝእተውሉ ውጥን ኮይኑ፣ካ’ብቲ ዝሓለፈ መድርኽ ወይ ፖለቲካዊ ለውጥታት ይርአ ኣሎ፤ስለምንታይን ንምንታይ ይጠቅም ኢልካ ትሓስብ ?

መ) ብወገነይ እዉን ንዓኻን ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት ሰላምታይ እናቕረብኩ፤እዚ ተልዕሎ ዘለኻ ኣርእስቲ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ፣ብሓፈሻ ክኣ ዓለምለኻዊ ዞባዊ፣መቐይሮ መድረኸ-ፖለቲካ ዝረኣየሉ ስለ ዝኾነ፣ ኣገዳሲን ብመጠኑ ክበርህ ዘለዎን፣ ተበግሶታት ክውሰዱ ዝግብኦም ጊዜን/ወቕትን እዩ ክባሃል ይካኣል።

ዓለምና ድሕሪ ንነዊሕ እዋን ኣስተዓለምነት/ግሎብለኽነት፣ ክትከይድ ምጽናሓ ንድሕሪት ብምምላስ፣ ብሽም ልእላውነትን ሃገር ቅድሚ ኩሉ ብዝብል፣ነቲ ናይ ነጻ ኣቑሑት ዕዳጋታት ደረት ብምግባር፡ነቲ ጎዲሉ-ዝነበረ ቀረጽ ክዳራረብን፣ ኣብ ክንዲ ብሕጋዊ ዉዑላት ዝተዋሃሃደን ዝተኣሳሰረን ምቅርራብ ብምግባር ርግኣት ዝፍጠር፡ኣብ ነንሕድሕድካ እትጋጨወሉን ዘይ-ወግዓዊን ዘይ-ኑቡር እዋን ኢና እንዝምቢ ዘሎና፡፡

ካብዚ ዝነቐለ እተን ዓበይቲን ሓያላት ሃገራት፣ ነናተን ጽልዋ ዘሕድራሉ ዞቦታት ክሕዛ-ምእንቲ፣ምስ-ነተን ናይ ከባቢ ጎብሎላት ኮይነን ዝስመዐን፡ጻኑዕ ምሕዝነት ብምጥራይ፣ምሳኣተን ኮንካ ዓብላሊ ናይ ምዃን ውድድር እንርእዮ ዞሎና ኩነት እዩ፡፡ ኣብ ዞባና ኣመሪካ፡ንሱዑዲ-ዓረብ፣ኤሚራቲ-ዓረብ፣ግብጽን፣በቲ ሓደ፡ወገን እስራኤል በቲ ኻልእ ወገን፡ብምጥቃም ክትዋሳእ ከላ፤በዚኤን ሃገራት ጌርካ ንኢትዮጵያ/ሶማል/ኤርትራ/ጁቡቲ/ደቡብ-ሱድስን ከዛምዳ ሓላፍነት ተውሂቡ፣ከም በዓል ከንያን ካልኦትን ሃገራትን ናተይ ትብለን ሃገራት ክይጥፍእኣ ትሕብሕበን ከም ዘላ ይፍለጥ።

ሩስያ ብወገና፣ ንኢራን/ቱርኪ ዝሓወሰ ንሳተን ዝጸልውኦ ሃገራት ክትሕዝ እንከላ፣ሶርያ ኣብቲ ከባቢታት ናይ ቀደም ዝነበራ ጎብለልነት ሓያል ጽልዋ ዘለዋ ክትከዉን ምእንቲ፣ስጋብ ወተሃደራዊን ኣጽዋር-ውግእ፣ ሓገዝ ብምሃብ ዝግበር ዘሎ ጆኦ-ፖለቲካዊ ቁሩቁስ እንርእዩ ዘሎና ህሞት እዩ።ካብኡ ሓሊፉ ምስ ሱዳን ናይ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ፣ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ኑክለያር ንኤለትርክ ዝጠቅም ትካል ስምምዕ ከም ዝኸተመት ዝተገንዘብናዮ ኩነት እዩ።ብተክኖሎጂካዉን ቁጠባዉን ሓገዝ ከበርክተልኩም ብምባል ኣብ ኣፍሪቃ ደህሰሰኣ ትቅጽል ኣላ፡ከምቲ ናይ ቀደም ዝነበራ ዓብላሊት ሓይሊ ንምዃን እተካይዶ ፖለቲካ ብሩህ እዩ።

ቺና፡ ብወገና፣ ምትእትታው ካብ ናይ ኣመሪካን ሩስያን ዝፈልዮ ኣጋባ፣ መሓውራት ማለት፡ መስመር ጽርግያ፣ መገዲ-ባቡራት፣ መዕርፎ ኣየር/ኣርያፖርት ሓጽብታት ክትሰርሕ ብመልክዕ ነዊሕ ዝኽፈል ልቓሕ/ዕዳ እናኣእተውት ካብ ጽልውኣ ክወጽኣ ከምዘይክእላ ብምቁራን፣ ኣብ ክከፍላሉ ዘለወን እዋን ዓቅሚ ምስ ዝስእና፣ምሕረት ናይ ዕዳ ክትገብር ከላ፣ካልእ ከም ዝልቅሓ እናገበርት ዝምድነታት ተሓድስ፡፡ ከምዚ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ቺና፣ ናይ 55 መራሕቲ ኣፍሪቃ ተረኺቦም ዘካየድዎ ጉባኤ ብእልፍታት ዝግመት ልቓሕ ገንዘብ ተገይርሎም፣ ነተን ተጸጊምና ክንከፍል ኣይንኽእልን ዝበላ፣ምሕረት ከም ዝገበረትሎም ይፍለጥ። እቲ ዘገርም ነቲ እትወስዶ ኮንትራት ስርሓት፡እቶም ሰራሕተኛታት ብፍላይ እቲ ተክኒካዊ ሉዑል ክእለት ዝሓትት ደቂ ቺና እዮም ዝሕዝዎ፣ብይዘካ እቲ ዝተሓተ ናይ ስርሓት-ኢድ እንተ ዘይኮይኑ አይፍቀድን እዩ፡፡ሰለዚ ደቂ-ሃገር ናይ ስራሕ ዕድል የብሎምን ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ካብ ዝዓበየ ስጋብ ዝደቐቐ ንዋት/ኣቕሓ ካብ ቺና እዩ ዝመጽእ ስለዚ ክትርድእዎ ትኽእሉ እንታይ ዓእነት ደገፍን ዘስዕቦ ጉድኣትን፡፡

ህንድ፡ ብወገና ኣብ ትምህርቲ-ሕክምና-ፈውስታት ምስናዕ-ናይ ፍዮሪ ካልእ ፍርያት ምርባሕ፣ሱቡሕ መሬታት እናዓደግካ ንነበርቲ ደቂ ሃገር አልግስካ ዝግበር ግበታ መሬት ንደቂ ህገር አብ ድኽነት ቆሪኑ፣ ብዉሑድ ዶሞዝ ናታቶም ሰረሕተኛ ከም ዝኾኑ ክትሪኢ ከለኻ ፣ጉጉይ ፖእቲካ ንይቶም መርሕቲ ሃገራት ወትሩ ድኽነት ህዝብታት ኣፍሪቃ እዩ ዝሕብር።እዚ ኮይኑ እቲ ዝተሰነዐ ኣቑሑቱን፣ ዝፈረየ ፍዮርታት ብቐጥጣ አብቲ ሃገር ኪንዲ ዝዝርጋሕ ናብ ወጻኢ ከይዱ ኮብለል ኢሉን ቡኹቡር ዋጋን እዩ አብቲ ዝፈረየሉ ሃገር ዝምለስ፡እንታይ ዓይነት ጉምጡል ዉዑል ዕዳጋ ሓርባቲን ንምርዳኡ ዝሽግርን እዩ ዘብለካ።እዘን ሓያልት ሃገራት ኣብ ሃገረን ዝተሰንዐ ዘይጠቕምን ቀልጢፉ ዝስበር፡ግን’ከ ነቲ ኣብ ውሽጢ ገሊኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝስናዕን ኣቑሑን ዝፈሪ ፍርያትን ብዋጋ ተዋዳዲሩ ዝስዕር ብምልኣኽ ናይተን ሃገራት ዕዳጋ ይውንንኦ’ሞ እተን ክምዕብላ ዝኽእላ ትካላት፣ናይ ውሽጢ እዳጋ ይስእና፣ናብ ደገ ከይልእኻ ዓቕሚ ይጎደል፣ ስለዚ ተገዲድካ ትዓጹ፣ግዳይ ናይቶም ንሕግዘካ እናበሉ ኣብ ጸገምን ወትሩ ዱሑር ክትከዉንን፣ናቶም ጽግዕተኛ ኮንካ ክትተርፍ ዝገብሩን፣እሱር ብምኻን፣ክትስእ ዘይኽእል ልሙስ ይገብሩኻ።

እዚ ክኣ ቱኩር/ኑጹር ፕሮግራም፣ናይ ናይ ቀረባን ማእከላይን ርሑቑን ዘለወን፣ተዋዳደርቲ ፖለቲካውያን ውድባትን፣ናጽነት ዕዳጋን ስርሓትን፣ኮታ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ዘፍቅድ ቑዋማዊት ሃገር፡ ዲሞክራሲ ዝሰፈና፡ትምህርቲ፣ጥዕና፣ስራሕን ቀዳማይ ቦት እትህብን፡ልእላውንታን ሓድነት ህዝባን ብደምቢ እትኻላኸል፣ምሕበራዊ ምትኽኻላት ንኽህሉ እትጽዕር፣ ስላም ቅሳነት ርግኣት ብሕጊ እተውሕስ፣ምትሕግጋዝ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ጠቕሚ ሃገርን ደቂ ሃገርን ዝው ዕል፣ከተግብር ዝኽእል፣ስርዓት ምስ ዘይህሉ፣እዚ ኩሉ ዝበልክናዮ ክትርጎም አይካኣልን። አደዳ ድኽነትን ድሑረነትን ትኸዉን፡ልክዕ ከምዚ በዚ ውልቀ መላኺ ትግዛእ ዘላ ሃገርና፡፡

እቲ ዘዲሊ እምብኣር ብቛዓት መራሕቲ፣ ንሃገሮምን ህዝቦምን ቅድም ዝሓስቡ፡ ምዕባለን ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፍነሉ፣ዲሞክራሲ ዝጠጥሓሉ፣ናብኡ ንምብጻሕ ዘድሊ ጻዕሪ ክግበር ይግባእ፡፡ ስጋብ ሕጂ ነዚ ከማልኡ ቡቑዓት ሰባት ተሳኢኖም ዘይኮነስ፣ እታ ሓቢርካ ንኽትሰርሕ እትጠቕም፣ መስርሕ ፖለቲካ፣ እንካን ሃባን ስለ ዘይንጥቀም ወይ ዘይበቓዕናያ ኮይኑ ይስማዓኒ። ምኽንያቱስ ሙሁራት ኣካላትን፣ሰብ ተምክሮን፣ኑቑሓትን-ኑጡፋትን መንእሰያት፣ካብ ተባዕታይን ንኽዋሱኡ ጥጡሕ ባይታ ኣይረኸቡን።ህዝብና ግን ጽዊዑቱን ለባዋኡን ኣጒዲሉ አይፈልጥን። ክምቲ ኣብ ላዕሊ ሓፈሻዊ መግለጺ ዝሃብክዎ፡እቲ ዓለምለኻዊ ዞባዉን ሃገራዉን ፖለቲካ ዓቢ ጽልዋ ካብ ርእሰና ዘይወረደ ምዃኑ እዩ ዝርዳኣኒ፡፡

ሓ) ልክዕ እዘን ዓበይትን ሓያላት ሃገርት፣ ናተን ጠቕምን ጽልዋታተን ዝሕድራሉ፣ጎብለልነተን ዘመስክራሉ በቢዓይነቱ ስልትን ስትራትጂን ከም ዝጥቀማ ኣብሪህካዮ እንዲኻ፤ ነዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ውሽጢ ሃገርን ዝርአ ዘሎ መድረኽ መለውጦ ፖለቲካ አብ ዝስዕብ ከተብርሆ ክዕድመካ ከለኹ፡እቲ ኣብ ላዕሊ ዘብርህካዮ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ፣ናይ ኩሉ ደምበ ፍትሒ ዝንቃሳቐሳ ውድባት ኣራኣእያዶ ይኸዉን ? ከምኡ ዝመስል ትንታነታት ኣይርእን ስለምንታይ ?

መ) ከምቲ ትሓቶ ዘሎኻ፣ ንኹሉ ደምበ ፍትሒ ወኪለ ከምዚ ናተይ ኣራኣእያ ክህልዎ ኣይጽበን፤ ብዝሐ ኣራኣእያን ሓስብን ኣብ ዲሞክራሲ ቁቡል እዩ፡ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ግን ኣብ ናይ ባይቶ ኣኸባ በቢ ኣርእስቱ እናልዓልና ንዝተን፣ ናይ ራኢታትና ምንጽጻርን ምስ ግዜ ክንጓዓዝ ንፍትን ኢና፡፡ እዚ ማለት ግን ንኸምዚ ዝበለ ሰፊሕ ኣርእስታት ረጊኢካ ክትዛተየሉ ምስቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝላዋወጥ ሃዋህዉ ሃገራዊ ፖለቲካ ስለ ዝገዝኣካ፡ከምቲ ዝድለዮን እትጽበዮን ኣዕጋቢ ከይከዉን ይኽእል፡፡ ምስ እዚ ኩሉ ሓርጎጽጎጻት ንኣባላትና ብኣትክሮን ብተገዳስነትን ኣህጉራውን፣ዞባውን፣ሃገራዉን ጉዕዞን ዝመጹ ለውጥታት ክስዕቡን፣ ብፍላይ ክኣ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝክየዱ ተቦግሶታት ክሳተፉ፣ብሓጺሩ ምስ ግዚ ዝስጉሙ ኩኾኑ ካብ ምዕዳምን ምትብባዕን ኣይነዕርፍን ኢና፡፡

ሓ) ግርም ነቲ ናጻ ኮንካ ሓስብካ ምግላጽን ካብ ዕለት ናብ ዕለት፣ ነቲ ተጠርኒፍካሉ ዘሎኻ ውድብ ምስ ህዝቡ ዝራኸበን ሓሳብ-ህዝቢ ሰሚዑ ንዕኡ ዝትርጎሞሉን፣ህዝቢ ክሳተፈሉ ዘኸእል ባይታ ክፈጥርን፣ ኩሉ ግዜ ምስ ህዝቢን ደምበ ፍጥሕን ትታኣሳሰረሉ ድህሰሳ ምግባር ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ፡፡ኣብ ሃገራዉን-ዞባዉን-ኣህጉራውን ዝካየድ ለውጥታት ተኻታቲልካ ጡርኑፍን ኑጹሩን መጽናዕቲ ምግባር እቲ ቀንዲ መስርሕ ፖለትካ እውን እዩ፡፡ እቲ ጸገም ኣብ ደምበ ፍትሒ፣ኩፉቱን ሙዑቡሉን፣ክዋሃሃድ ዘኽእል ባይታ ስለ ዘይተበጽሐ፣ ኣብ ክንዲ ንጸገምና ምፍታሕ፣ብ-ዓይኒ እቲ ዘይተወደበ ህዝቢ፡ ክም-ሽግር ዕንቅፋት ኮይና ንርኣዮ።እዚ ክኣ እቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ምፍንጫልናን፣ብዙሓት ውድባት ምህላወን ዝነቐለ ዘይምትእምማን ዝተፈጥረ እዩ። ፈውሱ እንታይ ይመስለካ ?

ኩቡር ኣቦ ወንበር ኣብቲ ዘንቀለና ኣርእስቲ ብምምላስ፣ድሕሪ ኣህጉራዊ፣ ናብ ዞባና ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ከመይ ትገልጾ ?

መ) ቅድሚ ኣብዛ ናይ ዞባና ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህዉ ምግላጽ ምእታወይ፡ እታ ናይ ህዝብና ስኽፍታ፣ምብዛሕን ምፍንጫልት ውድባትን ዝፈጥሮ ዘይምትእምማን፡ሕማም ናይ ኩሉ ንፍትሒ ዝቃለስ ስለ ዝኾነት፣ንሕናውን ናጻ ወይ ዝይተጸለውና ኣይኮናን፡፡ ኮይኑ ግን እቲ ካብ ገድልታትና ዝወረስናዮን ኣብኡ ዘጥረናዮ ዘይምትእምማንን ስጋብ ዘይድምሰስ ቅርሕንታት ከም ዱጉል ሓዊ ኣብ ውሽጥና ዘቃጽለና፣ከም ካንሰር ቅስ እናበለ ዝቐትለና ሕማም ፍልልይ ፈውሲ ዘይረኸብናሉ ኩነት እዩ። እቲ ዝኸፍአ ግን እዚ ሕማም ፍልልይ ናብቶም መንእሰያት ምትሕላላፉ እዩ። ፈውሱ አብተን ውድባት፣ምትሕልላፍ ሓላፍነትን፣ ምሕዳስን፣ንመንእሰያት ቦታ ምግዳፍ። ነቶም መነሰያት ክኣ፣ኩሉ ግዜ ምሕዳስን ንነዊሕ እዋን፣አብ መሪሕነት ዘይምጽናሕ፣ ምክብባርን ቡዙሑነት ኣራኣእያ ምቕባልን፣ነፍሲ ፈከፍ ኣብ ዝበቕዖ ቦታ ኣትዩ ዝሰርሓሉ ሃውሁው ምፍጣር።ኑኹሉ ዝጥርፍ ጽላል ክህሉ ምጽዓር። ሕድገትን ትሕትና ዝሓዘለ ጠባያት ክህልወና ከም ዘለዎ ፉልጥ ኮይኑ፡ብዘይ ሓድነት ክንዕወት ከምዝይንኽእል ብልቢ ክንኣምን ክንሰርሓሉን ይግባእ፡፡

ኣብ ዞባና ዝካይድ ዘሎ ፖለቲካ፡ምስቲ ዓለም-ለኽ ዝጣናነግን ተኣሳሲሩ ዝካየድ ምዃኑ ኩላትና እንፈልጦ እዩ።

እዛ ምጭውቲ ሃገርና ብኹሉ ትጥመተሉ ተገዳስነት ዘሕድሩላ፣ እቲ ጆግራፍካዊ፣ ኣቃማምጥኣ፡ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ ስለ እትርከብ፡ኣብኣ ኮንካ ንቡዙሓት ሃገራት ክትካታተለን ትኽእለሉ ስለ ዝኾነት፣ብወሽመጣታት ዝማሓላእፍ ናይ ንግድን ካልኦት ኣቑሑትን ብዓይነቱን ብዝሑን፣ሚዛኑ ዓቢ ብምዃኑ ተሃራፊትን ክሎም ዝዋዳደሩላ ኮይና ትርከብ፡፡

በዚ ምኽንያት ሓያላት ሃገራት ከም ኣመሪካ ምስ ሱዑዲ-ዓረብን፣ ኣሚራት-ዓረብን፣ ዘውጽእኦ ውጥን/ፕሮጀክት ንምትርጓም ዘይተኣደነ ገንዘብ የፍስሳ ምህላወን፣ እዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብ-ኣቶ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ፣ ምምላስ ናብ-ዘን ክልተ ሃገራት ምስክር እዩ።

እዘን ሃገራት ኢዚኣተን ነቲ ብሩስያን ቺናን ህንዲ ሓዊስካ ዝግበር ዘሎ ምስፍሕፋሕ ክዓግታ ወይ ክጻረራ ምእንቲ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ሃውህው ኣይውገግእ ኣይሰላም፡ መዕረፊ ገርካ ክልቲኤን ሃገርት ሓቢረን፡ ጎብለልነት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓ፣ ክህልወን ንሶማል ቅድም ሲዒቡ ጁቡቱን ደቡብ-ሱዳን ዝሓወሰ፣ ውዕውዕ ቁልጡፍ ሁዉኽ ዝኮነ ፖለቲካ፡ክትጽበዮ ዘይትኽእል ሁንጥየነትን፣ኣብ ዓለምና ተራእዩ ዘይፈልጥ፣ተሎተሎ ዉዑል ኢትዮ/ኤርትራ፡ቅድም ኣብ ኣስመራ ብድሕሪኡ ዝስዓበ ኦዲሰያ/ትያትር ምብጽጻሕን ምጥቃም ወደባት፣መዕረፍቲ አየራት-ኤርትራ፡ ብ-ኢትዮጵያ ቀጺሉ መተሓላለፈታት ዛልንበሳን ቀጺሉ ኣብ ሱዕድ ዓረብ፣እታ ብመሰል ደቅሰባት ኣብ ዓለምለኽ ኣብ ድሕሪት ተርታ ተሰሪዓ እትርከብ፡ብውልቀ መላኽነት ኑጉሳዊ ስርዓት እትማሓደር፣ነቲ ኣቐዲመን እዘን ክልተ ሃገራት፣ተሳማሚዐናሉ ዝነበራ ratification ምርግጋጽ ንኸግብራ፣ ብግልበባ ሰከረተር ሕቡራት ሃገርትን፣ ሕቡራት ኣፍሪቃ ዘለዉዎ፡ታሪኻዊ ዉዑል ኢሎም ዝሰምይዎ፣ ብኽሊቲኦም መራሕቲ ክፍሪሙን ንጉሳዊ ወውርቂ ክሽለሙን ክትርኢ ከሎኻ እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ ከብለካ ዝኽእልን፣ ጉሉጽነት ዝጎደሎ ምስጠራውን ዝተሓላለኸ እዉን እዩ። ከምዚ ዝርእዩ ዘለኹ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እዉን ንጹርን ብሩሁን፤ ቢቲ ባይቶ-ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ-ዘተ እንተ-ዘይኮይኑ ንዉዕል ጆዳ፡ እንተደኣ ዘይተጋግየ፣ ዝተዘተየሉ ኣይመስለንን። ትሕዝቶ ዉዑል ጅዳ ጉልጽ ኣይኮነን፡፡

ውልቀ መላኺ ንስልጣኑ ንምንዋሕን ጎብለል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምኻን ሕልሙ ይቕጽሎ ኣሎ፡፡ እዛ ሃገር ኣብ ምንታይ ሓደጋ ገዲፋዋ ከም ዝኸይድ ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ከምቲ ዝጥርጥሮ ኪኢሊታት ወዚዖም ህዝቢ እንቢ ክብለሉ ዘይኽእል፣ ሸሓጢ ፖለቲካ ወጢኖም ብ-ሕቡራት ሃገራት ዓለማት፣ሕቡራት ኣፍሪቃ፣ጉልባብ sponsor ዋሕስ/ደገፍ ዝረኽብሉ ይገብር ከም ዘሎ ይርኣየካ’ዩ።

ኮይኑ ግን በውገን ደምቢ ፍጥሒ ክግበር ኣለዎ ዝብሎ፡እቶም ኣለዉ ዝባሃሉ ኪኢላታት ናይ ሕግታትን፣ ናይ ፖለቲካ ስነፍልጠት ሙሁራት፣ ናይ ሰባዊ መሰላት ተጣበቕትን ሓደ ሰፊሕ ሓይሊ-ዕማም ሃልዩ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክፈርሰሉ ዝኽእል፣ነዚ ዘይሕጋዊ ዉዑል ውልቀ መላኺ፣ ዕምሩ ዘይነዋሓሉ ክግበር ክብቃዕ ኣለዎ። ናይዞም ሰለስተ ስርዓታት ውዑላት ብህዝብታቶም ዘይቅበልዎ ምዃኖም ዝስማዕ ምጉቡዕባትን-ክስትን-ኣስተርእዮ manifestation ምስክር እዩ፡፡

ሕ) ግርም፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ መድረኽ ፖለቲካ፣ንጎብለልነትን ምርግጋእ ስልጣን፣ስርዓት ኤርትራ/ኢትዮጵያ/ሶማል ክኸዉን ከሎ፡ ሓያላት ሃገራት እዉን ብጠቕሞም፣ ዝዋስእዎ ዘለዉ ፖልቲካዊ ትያትር ክንሪኦ ኺኢልና፡፡ ነዚ ጠጠው ክብልን፣ ብስርዓተ ሕጊ ዝተወነነ ዉዑላት ንኽህሉ ብወገን ደምበ ፍትሒ ከመይ ይጓዓዝ ኣሎ ?

መ) እቲ ጸገምና ከምቲ ደጊመ ዝበልክዎ ጠለባትና ውይ እንቃለሶ፡ ንስርዓተ ሕጊን ዲሞክራስን ልእላውነት-ሃገርን፣ ሓድነት-ህዝብን፣ ስጋብ ዝኾነ ስለምንታይ ሓቢርና ክንቃለስ ዘይምኽኣልና ክንምልሶ ዘይበቃዕና ሕቶ እዩ፡፡

ብተዳጋግሚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ርእሰ-ነቐፈታ ንገብር እኳ እንተኾና፣ ብግብሪ ግን ኣብ ሩሑቕ ኮይና ክንጣማመት ኢና ንውዕል፤ካብዚ ንምውጻእ ብዙሕ ጻዕርታት ይካየድ ምዃኑ ክካሓድ ዘይካኣል ሓቂ እኳ እንተኾነ፣ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦ ግን ኣይበጽሐን። አብዚ ዝሓለፈ ወርሕታት ንምጥቃስ አብ ከተማ ደንበር ብሙሁራት ኣካላት ዝቐረበ ኣገዳሲ ሰነድ ሲዒቡ አብ ኣትላንታ ብድልየትን ድፊኢት ህዝብን ከም ማኒፈስቶ ኮይኑ ዝሓለፈ እሞ ቡዙሓት ውድባት ከም ናተን መንቀሊ ኢለን ዝተቐብልኦ ገይና ኣብ ስራሕ እየን ዝርከባ ዘለዋ፡ምስቲ ሁጹጽ ድልየት ህዝቢ ይቃላጠፍ ዘይምህላዉ የታሓሳስብ እኳ እንተኾነ ምስቲ አናባብራና ንቃልሲ እንህቦ ግዜን ይዝሕል ምዃኑ ይርዳኣኒ እኳ እንተኾነ እቲ ህልው-መድረኽ ዝጠልቦ ግን ከም-ዝግታ ኣክያይዳ ናይ ፖለቲካ ዘይኮነስ ከምቲ ጠለብ ህዝብን እቲ ጉዕዞ ምቅልጣፍን፣ኣብ ዞባና ዝኸይድ ዘሎ ፖለትካዊ ሽርሒት ንምግጣሙ፡ማዕረ-ማዕሪኡ ክጓዓዝ እዩ ዝምረጽ፡፡ ከም ተቦግሳታት ግን ኣብ ኩሉ ሃገራት ይካየድ ኣሎ፤ንምጥቃስ ሰላማዊ ሰልፊ ጅነራ፣ካልኦት ይዕበ ይንኣስ ፈስትቫልት ሰሚናርታ ይካየዱ እዮም፤እዚ-ክኣ ደምበ ፍትሒ ደቂሱ ከምዘይሓድር እዩ ዘርእየካ።ትጽቢት ህዝቢ ግን ኩሉ ተበግሶታት ተዋሃሂዱ ምእንቲ ክኸይድ፡ንኹሉ ተዋሃህድ ሽማግለ ክትህሉ፣ኻብኡ ሓሊፉ ኩሉ ዝሳተፎ ሰፊሕ ጽላል ክሁሉ እዩ ዝምረጽ፡ንሕና ብዓቕምና እንሰርሓሉን እንቃለስሉ ዘለና እውን ክባሃል ይካኣል፡፡

እዞም ክልተ ስርዓታት ዝጎይዎ ዘለዉ መስርሕ፡ሃገርና ኣብ ሓደጋ ትኸይድ ከም ዘላ ክርዳኣና ይግባእ።ካብቲ ዝስማዕ ሃገር ትሽየጥ አላ፣ምስ ኢትዮጵያ ክሕውሳ ደልዩ፡እዚን ካልእ ቢሂላት አሎ። ኣዛራርባና ጡንቑን መሰረት ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ። ልክዕ ሃገር ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ኣ፡ምኽንያቱ ሓደ ዓንቅጽ ዉዑል ኢትዮ/ኤርትራ/ሶማል ጸጥታ ናይዘን ሃገራት ንምሕላው ናይ ሓባር ጸጥታዊ-ምትሕግጋዝ ኢሎም ኣለው።ከም ዝስማዕ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ናይ መጥቃዕቲ ሱጉምቲ ወሲዳ ይባሃል፡እንተደኣ ከምዚ ተጀሚሩ፣ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ናዕቢ ህዝቢ ተላዒሉ ወተሃደራት ኢትዮ/ሶማል ኣብ ምድቋስ ናዕቢ ህዝቢ ኤርታ ክሳተፉ ማለት እዩ።ኣብ ህዝቢ ክወርድ ዝኽእል ሳዕበን ክግመት ይካዐል ብተወሳኺ ልእላውነ ሓገር ተጣሒሱ ማለ’ዩ። ውጥን ናይዚ ውልቀ መላኺ ክኣ እዚ ይመስል።

ምስ ኢትዮጵያ ክሕውሳ ደልዩ፡እዚ ዓይነት ኣዛራርባ ብወገነይ ድሕሪ ሳላሳ ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝመጸት ናጽነት፣ ብረፈርንም ዝተራጋገጸን ብሑቡርት ሃገራት ዝተቐበለን ስለ እዚ ውልቀ መላኺ ዝደለዮ ምጽእ ኢልካ ብትሎትሎ ዝግበር ኣይኮነን ከምቲ ናይ ብረታዊ ጋድልና ተደመሮ ካብ ናጽነት ስጋብ ሕጂ ዝወሰደ ግዜ ተዋሂብዋ እዉን ዝኸዉን ኣይኮነ‹ መስርሕ ሕግታታ ሕቡራት ዓለምን ሕቡራት ኣፍሪቃን እዉን አየፍቅዶ ጥራይዘኮነስ ኣብ ዓለምና ድሕሪ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ዝተረኽበ ናጽነት ንድሕሪ ተመሊሱ ዝሕወስ አይተራእየን።ክንጥንቀቖ ዞሎና ግን ንኣምስሎ ክልተ ሃገራት እና- ተባህላ፡ብቑጠባ ይኹን ኣብ ኩሉ ተቦግሶታት-ወፍሪ ዕጫ ወይ ብሚእታዊት ማሕበረተኛ ብምዃንን፣ዕዳጋ በቑሑትካ ምዕብላልን፣አብ ኩሉ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ዓብላልነት/ጸብለልነት ብምዃን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢትዮጵያ ክትከዉን ከም ዝካኣል ሩጉጽ እዩ።ሶርያ ኣብ ርእሲ ሊባኖስ ዝነበረ ተጽዕኖ፣ናያ አምስሎ ናጽነት ምብልጭላጫት እትርአ ዝነበረት ሃገር ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። እዛ ሃገር ክሸይጣ ደልዩ ዝብል ኣዛራርባ ተሪፉ፣ ንኣምስሎ ልእላውነት ሃገር ሃልዩ ፣ ኣቶ ኢሳያስ ንሽሙ እቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎብለል ኮይኑ እታ ህገር ግን ኣብ ዘይወጽእ ጥምሮ ምስተን ናይ ቀደም ተቃርንታ ተኣሲራ፡ እቲ ክግበር ዘለዎ ዲሞክራስያዊ-ጉዕዞ፡ብደቂ ሃገር ክመጽእ ዘለዎ ባህላውን ማሕበራዉን ቁጥባውን ፖለቲካውን ፍልጠታውን ምዕባለን ተቖጽዩ፤ኣብይ ከብጻሓና ዘይፍለጥ መገድን ስንጭሮን የእትወና ኣሎ።

ናይ’ዚ ተንኮለኛ፣ መንደላይ ተመን ዝኾነ፣ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ውጥን፣ ካብ ቀደም ኣትሒዙ፣ ብዘይካ ስልጣኑን ጎብለል ምዃንን፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጠቕሚ ሓሲቡ ኣይፈልጥን፣ ንምባል እንተዘኮይኑ፣ ኩላትና ንፈልጦ ይመስለኒ፡፡

ደጊመ ክብሎ ዝደሊ እንተ ሃልዩ፣ ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ፣ነዚ ብጣዕሚ ደንጉይዎ ዘሎ እዋን፣ብታዓጻጸፊ ክቃላጠፍን ናቱ ዑቱብ ስትራተጂ ክውጽእን፣በቢ ዘለናዮ ኢድ ንኢድ ምድግጋፍ ክንገብር፡ ኣብነት ናይዞም ካብ ስርዓት ኢሳያስ ኣምሊጦም፣ኣብላት ግዚያውት ባይቶን ሰበስልጣን ኣምባሳደራት ነበር፡ ን-ሚኒስተር ፊናንስ ነበር፡ሓርበኛ ብርሃን ኣብርሀ ኪዳነ፣ደገፎም ዝገለጹ፣መልእኽቶም እንኮላይ ነቶም ኣብ-ቓልዕ ዘይወጹ ግን ንፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዝጽበዩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ እውን እዩ።ለውጢ ዝመጽእ ብዝያዳ እቲ ኣብውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ናይ እምበይቱኡን ምሰሉን ክሓትት ክጅምር ከሎ፣መሰረት ኣድማ ንይ ምግባር፣ መፈወንታ ኮይኑ፣ድፍረትን ምትትእኽኻብን የስዕብ፣ካብዚ ነቒሉ ምንዕዓብ ክመጽእ ይኽእል’ሞ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክኣ ኣብ ጎኒ ህዝቡ ጠጠው ከም ዝብል፣ ታሪኽ ይምህረና እዩ፣ስለዚ ንህዝብና ሓቢርና ከነታባብዖን፣ናይ ተላዓል መልእኽትና ከነብጽሕን፣ኩላትና ሓቢርና ኣብ ጎንኻ ኣሎና እንብለሉ ጊዚኡ ሕጂ እዩ ይብል።

ሓ) ኣቶ ተስፋሚካኤል በቲ ዝገበርካዮ ፖለቲካዊ ትንታኔ፣ንህዝቢ ኤርትራ፡ናብ ደገን ውሽጥን ዘሎ፣ ዝሃብካዮ ጽውዒት ኣብ ልቢ ኹላትና ሓዲሩ ክትርጉሞ ዘሎኒ ትምኒት እና-ገለጽኩ፣ንዝሃብካኒ ግዜ የመስግን።

መ) ብወገነይ ብርግኣት ክንሓስብን ዕልት-ብዕለት ብዛዕባ ሃገርናን ከባቢኣን ዓለምለኽን፣ደምበ ፍትሕን ድልየት ህዝብን ክንዛተ/ክንማያየጥ ምዕዳምካ፡ ብጹሑፍካ ኣቢልካ ነቲ ኣብ ወይብ-ሳይታት ዝሳተፍ ከተማሓላልፎ ከለኻ ቐሊል ስራሕ ከምዘይኮነ ይርድኦ እየ፣ ኮይኑ ግን ህዝብና ክፈልጥን ክሕበርን እንተ-ደኣ ኮይኑ ከምዚ ናትካን ግዚኦም ብምውፋይ ንህዝቦም ሓበረታ ንምምሃብ ዝዋስኡ፣ ኩሎም አብ ሚድያ ዝንቃሳቐሱን ሰብ ዓቢ ታራ እዮም፡ ክምስገኑ ክኣ ይግባእ፣ ስለዚ ብወገነይ ምስጋናይ ይብጻሕኩም፡፡

ሓ) ግርም ኣብ ዝመጽእ የራኽበና

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ብ’ፍትዊ ክፍለ

Read in PDF (ብ'PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።)


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ እነሆ፡-

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡-   ቀዳማይ ክፋል  ካልኣይ ክፋል  ሳልሳይ ክፋል  ራብዓይ ክፋል  


Share with friends:

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-


See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


You may also be interested on these /  እዚ ዝስዕብ'ውን ከገድሰኩም ይኽእል'ዩ፡-

Photos: Eritrea, Ethiopia leaders sign peace deal in Saudi, awarded gold medals



Share with friends: