ህዝበይ ኣይንጥለም ሰማእታት፡ ኣይነግድዕ ሓርበኛ

15/11/2018 10:42 AM

ህዝበይ ኣይንጥለም ሰማእታት፡

ኣይነግድዕ ሓርበኛ

ብ'ጎይትኦም ኢማም (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)


ጎይትኦም ኢማም


ህዝበይ ኣይንጥለም ሰማእታት፡ ኣይነግድዕ ሓርበኛ።
ካብ ጎይትኦም ኢማም (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ሃገር እትነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ዝወዓልኩም ኣመንቲ ክርስትና፣

ኣባ ተኽለሚካኤልን ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀን፡ ኣሰር ተበዓት ጉጅለ 15፡ ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ወዲ-ዓልን ሓጂ ሙሳን ብምኽታል፡ ድሕነት ሂወቶም ከየገደሶም ድምጽኻ፡ ድምጺ’ቲ ውጽዕ ህዝቦም ኣብ መላእ ዓለም ኣቃሊሖም። እዞም በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ትብዓት ዝወነኑ፡ ጀጋኑ ደቂ ሃገር ሃብትን ተስፋን ናይ ሃገርናን ህዝብናን ከም ምዃኖም መጠን፡ ድሕነትካ ኣብ ድሕነቶም ዝተመርኮሰ ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። ስለዝኾነ ከኣ፡ በዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ንከጓንፎም ዝኽእል ተጻብኦን ስጉምትን ብሓድነትን ትብዓትን ሓቢርካ ኣብ ጎኖም ደው ክትብል ብስም’ቲ ቅዱስ-ሚካኤል ንግደቱ ዘኽበርካሉ መልኣኽ ይምሕጸነካ። ብኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንከናውሕ ዝኸኣለን፡ ገባርን ሓዳጋን ክኸውን ዝገበለን፡ ኤርትራዊ ዜጋ ክቕተልን፡ ክእሰርን ክግፋዕን እንከሎ፡ ኣብ ህዝብና የሕሊፍካ ምሃብን ምግድዳዕን ንቡር ኮይኑ፡ ከምዘይምልከተና ክንዕዘብ ስለዝጸናሕና ኢዩ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኹሉ ህዝቢ ብሓባር ክኣስር ይኹን ስጉምቲ ክወስድ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ባዕሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እታ ሕጂ ካባኻ እትሕተት(እትጥለብ) ዘላ፡ እቲ ሓጂ ሙሳን፡ ብርሃነ ኣብርሀን፡ ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደን ዝበልዎ ስለ ናይ ኩሉኻ ድሌትን ባህግን፡ ናይ ቃንዛኻ ድምጽን ስለዝኾነ፡ ሓቢርካ ብስምረት ናይ ኩላትና ቃል ኢዩ በል። ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣዳህሊሉ ስጉምቲ ምውሳድ ስለዝለመደ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝለመዶ ክልኣዮ። ሓደ-ብሓደ ሰብ ወሓደ ከምዝበሃል፡ ድሕሪ መስዋእቲ ወዲ-ዓልን ሓጂ ሙሳን፡ ሃለዋት ኣቶ ብርሃን ኣብርሀ ኣብ ዘይተፈለጠሉ ህሞት፡ ሕጂ ንስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ይኣክል ኢልካ ንኣባ ተኽለሚካኤል ናይ ሂወቶም ዋሕስ ክትኮኖም ታሪኻዊ ሕልናዊ ሓላፍነትን ግዴታን ኣሎካ።

ኣባ ተኽለሚካኤል ንዝፈትውዋ ሂወቶም ከይሓለዩ፡ ስለ’ቲ ውጹዕ ህዝቦም ሓቂ ዝተሓንገጡ ጅግና ሃወርያዊ ኣቦ ኢዮም። ከም’ቲ ዝበልዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስሚንቶን ጻዕዳ ሓርጭን ዘይኮነ ጸገሙ፡ ሕገ-ኣልቦነትን ስእነት መሰልን ፍትሕን ሰላምን ኢዩ። ህዝብና ዝርህዎ፡ ነዞም መሰላት እዚኦም ከይረጋገጹ ህዝቡ ዝጭፍልቕ ዘሎ ስርዓት ምስ ዝእለ ጥራሕ’ዩ። ሃብቲ ናይ ኤርትራ ህዝባ ሰባ (ህዝባ) ከምምዃኑ መጠን፡ ሂወት ኣባ ተኽለሚካኤል ከምዝለዓለ ዘይትካእ ወርቃዊ ሃብቲ ናይ ሃገር ምዃኑ ተገንዚብካ ከይትጠልሞም ሓደራ እብለካ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ እንተዘይለቒቓ፡ ኣብ ዝርርብ ኣይቀርብን ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ህዝቢ ኤርትራ ብደቂቑ ዘይፈልጦ ስምምዓት ይገብር ከምዘሎ ትስሕቶ ኣይብልን። እዚ መላኺ ስርዓት’ዚ ብስምካ ይኹን ብስም ሃገረ-ኤርትራ ውዑላት ክፈራረም ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት የብሉን። ብመስዋእቲ ኣሸሓት ደቅኻ ዝተረጋገጸት ሃገር፡ ንዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ኢሳያስ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋን ኣብ ሓደጋ ተሳጢሓ ምህላዋ ምንጋር ኣየድልየካን ኢዩ። ዘበን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ከምዝብሃል፡ እቲ ዝያዳ ንነጻነቱን ሓርነቱን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ከይተደበሰ ብኢሳያሳዊ ምልኪ ክቑረን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ መሰሉ ተሓልዩ ናይ ሓርነት ኣየር ከስተንፍስ ክትርኢ ከሎኻ ዘገርምን ንዓና ንኤርትራውያን ዘሕፍርን ተርእዮ ኢዩ።

ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ምቑዛም ዘይኮነ፡ ነቲ ንህዝብና ጽሩይ ናይ ሰላም ኣየር ከየስተንፍስ ዓትዒቱ ሒዝዎ ጸላኢ ህዝቢ ዝኾነ ጉልሒንጣን መንሽሮን ሃገርና ዝኾነ ኢሳያሳዊ ስርዓት ምእላይ ኢዩ እቲ መድሃኒት። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዝነብር ህዝብና ካብ ናይ ደገፍትን ተቓውምትን ዓንኬላት ወጺኡ ሃገር ካብ’ዚ ተሳጢሓቶ ዘላ ሓደጋ ብምድሓን፡ ንዝሓለፉ ሰማእታትና ክንድብስ፡ ንዝተኣሰሩ ክንፍትሕ፡ ስደትና ኣብቂዑ ሓቢርና ብሰላም ናይ ምንባር ዕድል ከየምልጠና፡ ብስሙር መኸተ ንህግደፍ ይኣክል ንበሎ። እቲ ናይ ትማሊ ጅግንነት ተዓጢቕና፡ ንኣባ ተኽለሚካኤል ዋልታ ብምዃን ኣለናልካ ንበሎም። እሶም ሃዋርያዊ ተልእኸኦም ስለዝፈጸሙ፡ ከለዉ ጸዲቖም ኢዮም። ንነባሪ ታሪኽ ዝኸውን ከኣ ኣብ ናይ ነፍስ ወከፍና ልቢ ሓወልቲ ሰሪሖም ኢዮም። ስለ ሂወቶም ከኣ ካብ’ቲ እሶም ዝደልይዋ ንሕና እንደልያ ስለዝዓዝዝ፡ ንረብሓና ክንብል በጃ ክንሓልፈሎምን ከይነግድዖምን ደጊመ ሓደራ እብል።

ህዝበይ ተልዓል ኣይተግድዕ ኣቦኻ
ጀጋኑ ውሑዳት ኢዮም ዝገልጹ ቃንዛኻ
ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ዘቃልሑ ድምጽኻ
ኣሎና ንበሎም ሰብኣይ ሰበይትኻ።

ኣባ ተኽለሚካኤል መንፈሳዊ ኣቦ
ኣየ እቲ ጅግንነትኩም እቲ ኣባታዊ ሓቦ
ስደት ንከብቅዕ ምኻድ ንጎደቦ
ኣብዪ ናይ ኤርትራ፡ መድሕን ናይ ዓደ’ቦ።

ዓለም ሰሚዕዎ ናይ ህዝብና ኣውያት
ቅዱስ ሚካኤል ተፈሲሁ በቲ መንፈሳዊ ትብዓት
ኣባ ተኽለሚካኤል ተኸቲሎም ኣሰር ናይ ህዋርያት
ታሪኾም ነባሪ ቦትኦም መንግስተ-ሰማያት።

ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ ኤርትራዊ ሃዋርያ
ሓቂ ዝዕጣቕኩም መስቀልኩም መሳርያ
ህዝብኹም ከተናግፉ ካብ ናይ ምልኪ ሃስያ
ታሪኽ ንከይድገም፡ ታሪኽ ናይ ዳስ-ሓውያ።

ንኣባ ተኽለሚካኤል ዝተጻበአ ወይለኻ በልዎ
ንጥፍኣቶም ዝምነ ካብኦም ኣርሕቕዎ
ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ ጅግና ኣተባብዕዎ።

ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ኣቦ ቅድስና
ሐጂ ሙሳ እወ እቲ ጅግና ሸኽና
ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ዘይብሎም መዘና
ኣብነት ሓድነት እስልምና ክርስትና።

ጅግና ወዲ-ዓሊ ሓበን ናይ ዓድኻ
ምእንቲ ህዝብኻ ጉድጓድ ዝኣተኻ
ትብዓት ኣለቀሓዮም ነቶም መዛኑኻ
ክበጣጥስዎ እወ ህግደፋዊ ማሕለኻ።

ብርሃነ ኣብርሀ ኣቦ ናይ ትብዓት
ድምብርጽ ዘይብለካ፡ መትከላዊ ጽንዓት
ኣብ ውሽጢ ናኹራ ኮንካ ዝሰዓርካ ፍርሃት
ዓለም ኣፍለጥካያ ናይ ኢሳያስ ክፍኣት
ህዝብኻ ከተድሕን ካብ ደልሃመት ጸልማት።

ህዝበይ ተልዓል ምጉጅጃል ግደፍ
ጸበባ ከብቅዕ መግዛእቲ ናይ ህግደፍ
ተቓውሞኻ ኣይኹን፡ ሓላፍ-ዘላፍ
ምጥልላም ነውሪ፡ ምግድዳዕ ጽያፍ።

ህዝበይ ኣይበዝሐንዶ እንብዛ ትዕግስቲ
ንህዝቢ ፈላልይዎ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
ኣብ ገዛእ ጉዳይና፡ ኮይና ተዓዘብቲ
ነዚ ኣይኮነን ነይሩ ናይ ኣሸሓት መስዋእቲ።

ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ዘሎኻ ኣሊኻ
ኣለናልኩም በልዎም ነቶም ጀጋኑኻ
ኣሰሮም ሰዓብ ኣጣጥሕ መንገድኻ
ግዚኡ ኣኺሉ’ዩ ከብቅዕ ትዕግስትኻ
ከተተግብር ናይ ሰማእታት ሕድርኻ
ሃገር ከይንኸስር፡ ከይጥለም ህዝብኻ
ናበይ ከምዝቐንዓ ፍለጦ መሳርያኻ
ይኣክል በሎ ምንባር ኣብ ጉድጓድ በረኻ።

ብሂወት እንከሎ ኣምላኽ ዝፈንፈኖ
ደብተራ ዓዲ-ሃሎ ዝውዕል ኣብ ጠንቋሎ
ቀሪቡ ኢዩ ኤሱ ንዚምባብወ ክፋኖ
መንግስቱ ሃይለማርያም ስፖንሰር ክኾኖ።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ
ካብ ጎይትኦም ኢማም
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ


Share with friends:


See also recent Articles by Author:


መልእኽቲ ብ’ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ፡ ሰገነይቲ ወርሒ 10 2018


ናይ ቃል መልእኽቲ ሓርበኛ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ንህዝቢ ኤርትራን፡ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን



See also Related:


Share with friends: