Placeholder Picture
Placeholder Picture
7ይ ክፋል፡- ስምምዕ ጥቅምቲ፣ ቀዳማይ ዑደት ልኡኽ ተ ሓ ኤ ንሶቭየት ሕብረት

26/03/2023 19:32 PM

7ይ ክፋል፡
ስምምዕ ጥቅምቲ፣
ቀዳማይ ዑደት ልኡኽ ተ ሓ ኤ ንሶቭየት ሕብረት

ዝርርብ ተጋዳላይ ዓብደላ ስሌማን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ( ተ. ሓ. ኤ.)።
Discussion with veteran Abdella Suleiman Humed.

ኣዘራራቢ- መምህር ኢብራሂም ኢድሪስ
ተርጓሚ - ግርማይ ዘሚኪኤል

7ይ ክፋል፡- ስምምዕ ጥቅምቲ፣ ቀዳማይ ዑደት ልኡኽ ተ ሓ ኤ ንሶቭየት ሕብረት

7ይ ክፋል፡- ስምምዕ ጥቅምቲ፣ ቀዳማይ ዑደት ልኡኽ ተ ሓ ኤ ንሶቭየት ሕብረት

ትርጉም ሻብዓይ ዝርርብ ተጋዳላይ ዓብደላ ስሌማን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ( ተ. ሓ. ኤ.) ምስ ሰላም ሜድያ መስኮት ኣዳል፣ መደብ ካብ ኤርትራዊ መዘክር፣ ኣብዚ ክፋል ዝርርብ'ዚ ተጋዳላይ ዓብደላ ስሌማን ኣስሚሩ ካብ ዝተዛረበሎም ቀንዲ ጉዳያት ስምምዕ 20 ጥቅምቲ፣ ቀዳማይ ዑደት ልኡኽ ተ ሓ ኤ ናብ ሶቭየት ሕብረት ይርከብዎም።

ኣዘራራቢ- መምህር ኢብራሂም ኢድሪስ
ተርጓሚ - ግርማይ ዘሚኪኤል

ሕቶ - ንሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ደንካልያ ምእታውን እግሪ ምትካልን ነቲ ናይቲ ዞባ ስትራቲጂካዊ አገዳስነት ዓቢ ግምት ብምሃብ ምስቶም ናይቲ ካባቢ ወሰንቲ ሓይልታት ከም ናይ አውሳ ሱልጣን ዓሊ ምራሕ፣ ምስ መንግስታት ሰሜንን ደቡብን የመን ዝምድና ኣብ ምፍጣርን ምሕያልን ዓቢ ግደ ከም ዝነበረካ ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝርርብና ተመልኪትና ኔርና።
መምህር ተጋ ዓብደላ ንፍጻሜታት ምስ ግዜን ቦታን አተአሳሲርና ንስንድ ስለ ዘሎና ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ኣብቲ ዞባ ሐያል ቃልሲ ምክያድካ ብ1974 ንባርካ ክትምለስ ዝገደደካ ምኽንያት እንታይ ኔሩ?

መልሲ - እቲ ዞባ ተረጋጊኡ ብክልተ እግርና ክንረግጽ ኪኢልና ተወሳኺ ሓይልን ዕጥቅን ንምምጻእ ኣብ ወርሒ 4 / 1974 ንባርካ ገጸይ ተበጊሰ፣ ቅድሚ ንባርካ ምብጋሰይ ሱልጣን ዓሊ ምራሕ ፣ሱልጣን አውሳ ናይ ዕድሜ መልእኽቲ ሰዲዱለይ ናብ መንበሪ ቦቱኡ ከተማ አሳሒታ ከይደ ረኺበዮ፣ ካብ ፓኪስታን ዝተዋህቦ ንኽልተና ዝኸውን ብረት ስግረ ባሕሪ ከምዘለዋም እንተኾነ ናይ መጓዓዝያ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ክንተሐባበሮም ሐቲቱኒ ሓይሊ ባሕሪ ሊኢኸ ብወደብ በረዓሶለ አእቲናዮ ብጽሒትና ኣትሪፍና ብጽሒቶም አረኪብናዮም።

ሕቶ - አብቲ ግዜቲ ሱልጣን ዓሊ ምራሕ ብረት ንምንታይ አድልይዎ

መልሲ - አብቲ ግዜቲ ደርጊ ንኹሎም አብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ መሳፍንትን አድሓርሓርትን ኢሉ ዝጠመቶም ይቐትልን ይአስርን ስለ ዝነብረ ሱልጣን ዓሊ ምራሕ እዚ ዕጫዚ ይንዋሕ ይሕጸር ከምዘይተርፎ ይርዳእ ስለ ዝነበረ ምድላዋቱ ይገብር ኔሩ ፣ስለዚ ድማ ብረት ክዓጥቕ ኔሩዎ። ስልጣን ዓሊ ምራሕ አብ ውሽጢ ስርዓት ደርጊ ዝተሓባበርዎ ሰባት ስለ ዝነበርዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓስ አብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ሕበሬታ አቕዲሙ ይበጽሖ ኔሩ፣ ብዝኾነ ካባና ዝደልዮ ክልተ ጠለባት አቕሪቡለይ -1- እኹል ወተሃደራዊ ስልጠና ዘይብሎም ብዙሕ ዓቕሚ ሰብ (ማሊሽያ) ስለ ዘለዎ ወተሃደራዊ ስልጠና ክንህበሉ -2- ገለ ካብ ሓይልታትና አብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ መደበር ክቑሙ፣ ንክልቲኡ ጠለባቱ ድማ አማሊእናሉ፣ ክዝክሮ ዝደሊ አብዚ ከባቢ ካብ ሰራዊት ሐርነት ስዉአት አለውና።

ሕቶ - ብድሕርዚ ንባርካ ተመሊስካ

መልሲ - እወ አብ ወርሒ 4 1974 ንባርካ ተበጊሰ ኣብ ጉዕዞ ከለኹ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተኻይዱ ዘድልየኒ ሓይልን ዕጥቅን ሕዜ ድሕሪ ጉባኤ ብ1975 ንደንካልያ ተመሊሰ፣ ምሳይ በዓል ተጋዳላይ ዓሊ እስሐቕ፣ ስዉእ ዓሊ መሐመድ ኢብራሂምን ካልኦትን ኔሮም።

ሕቶ - እዞም ዝጠቐስካዮም ክልተ ተጋደልቲ ሕጹያት መሪሕነት ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ኢዮም ኔሮም?

መልሲ - እወ ክልቲኦም አነ እውን ሳልሳዮም ኣብ ዘይህላዌና ንመሪሕነት ኣብ ጉባኤ ተሓጺና፣ ድሕሪ ጉባኤ ድማ ናይቲ ዞባ አካያዲ ስል ዝኾንኩ ናብ መደበይ ተመሊሰ ኣብ 1977 ድማ ካብቲ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ቁጽሪ 1 ዞባ ጋሽ ተቐይረ፣ ድጊመ ድማ ንመሪሕነት ውድብ እቲ ምምሕዳር ተረጋጊኡ እዩ ካብ ካልኦት ምምሕዳራት ዝፈልዮ ነገር የብሉን እንተኾነ ግና አገዳስነቱ ኣብ ግምት ብምእታው አመሓዳሪኡ ዝምደብ ተጋዳላይ ክሐጺ ምፈቶኹ ኢለ ሓሳብ አቕሪበሎም ሐሳበይ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ ድማ ንተጋዳላይ ሕሴን ኸሊፋ ሓጽየ እቲ ሕጸ ተቐብልነት ረኺቡ፣ ንጋሽ ናብቲ ሓድሽ ምዱብ ቦታይ ቅድሚ ምኻደይ ናይቲ ቦታ ማህደር (ፍይል) ሐቲተ እናተጸበኹ እቲ መደንብ ተቐይሩ ናይ ወይጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክኸውን ተመዲበ።

ሕቶ - ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሐላፊ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ማለት እዩ?

መልሲ - እወ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ እዚ መደብዚ ኣብ ካለይ ስሩዕ አኼባ ሰውራዊ ባይቶ ኢዩ ተወሲኑ ስለዚ ንአዜን ያሲን ተኪኤ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሐላፊ ኮይነ።

ሕቶ - ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ብደርጊ ዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጥርዚ ዝዕረገሉ ሕልኽልኽ ዝመሎኦ ኩነታት ዝተጋህደሉ፣ ሓያል አህጉራውን ዞባውን ምትእትታው ዝተራእየሉ፣ ግዙፍ ወተሃደራዊ ሐገዝ ሶቭየት ሕብረት ንስርዓት ደርጊ ንምድሓን ኣብ ዝወሓዘሉ፣ ሰበአዊ ወተሃደራዊ ኪኢላ ካብ ኩባን ደቡብ የመንን ቁጠባዊ ሐገዝ ሊብያ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ዝተሰለፈሉ ብሐደ ወገን ብቲ ካልእ ወገን ድማ ብመሰረት ፖለቲካዊ ውሳኔታት ቀዳማይን ካለይን ሃገራዊ ጉባኤ ዝኸሰብናዮም ኣዕሩኽን ፈተውትን ሰውራ ኤርትራ ገጾም ዝለወጥሉ ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ሐይልታት ምትሕንናቕ ኣብ ዝተጐሃሃረሉ ኣብ ዞባዊ መዳይ ድማ ሓያል ተራ ሃገራት ወሽመጥ ፣ልሉይ ገደ ውድብ ሓድነት ዓረብን ወድብ እስላማዊ ጉባኤ ንቕድሚት ዝመጽሉ አብ ወሽጣዊ መዳይ ድማ ሓዲሽ ዝርጋሔ ህዝባይዊ ግንባር ዝተጋህደሉ ግዜ ኔሩ እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ኣብ ልዕሊ ተ ሐ ኤ ናቱ ክውንነት ፈጢሩ፣ ነዚ ኩነታትዚ ንምግጣም ስነ ሐሳባዊ አረአእያኦም ብዘየገድስ ንኹሎም ሸነኻት ንምኽሳብ ንደርጊ ኣብ ጽቢብ ኩርናዕ ምቕማጥን ንታሪኻዊ ጌጋ ሕቡራት አህዛብ ዓለም ንምእራም ነዚ ዓቢ ብደሆ ዝገጥም መርከብ ዲፕሎማስያ ተ. ሐ. ኤ. ንምምራሕ አብ 1977 ሐላፍነት ተዋሂቡካ ነዚ ናይ ብሐቂ ሓያል ብድሆ ንምግጣም ብኸመይ ፈሊምካዮ በቲ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ዝተገብረ ስምምዕ ስምረት 20 ጥቅምቲ 1977 ክንጅምር።

መልሲ - ጽቡቕ እቲ ናይ ዘተ ርኽክብ ብናባይነት መራሕ መንግስቲ ሱዳን ጃዕፈን ንሜሪ ተኻይዱ ልኡኽ ዘተ ተ. ሐ. ኤ. አቦ መንበር አሕመድ ናስርን አነን ኔርና ካብ ወገን ህ ግ ድማ ኢሳያስ አፍወርቅን መሐመድ ስዒድ ባርህን ኔሮም ንመንግስቲ ሱዳን ወኪሉ ነቲ ዘተ ዝናቢ ዝነበረ ጀነራል መሓመድ ኣል ጠይብ ክኸውን ከሎ ካሎት ከም ተዓዘብቲ ሽግር ኣብ ዝፍጠረሉ ድማ ከም ኣማኸርቲ ጀነራል ኸሊፋ ከራር ፣መምህር አቡልጋስም መሐመድ ኢብራሂምን ወንከልቲ ውድብ ሕብረት ሃገራት ዓረብ ተሳቲፎም።
እቲ ናይ መጀመርታ አብ መንጎና ዝተራእየ ፍልልይ ንሕና ኣብቲ ዘተ ህዝባዊ ሐይልታት ከም ኣብ ባይታ ዘሎ ሃገራዊ ውድብ አብቲ ዘተ ክሳተፍ ሓሳብ አቕሪብና ብወገን ህ. ግ. ብትሪ ተነጺጉ ብወገና አገዳስነቱ ከነብርህ ፊቲና ምኽንያቱ ቀዳማይ ነገር ምስዚ ውድብዚ ስምምዕ ኔሩና ካልአይ ነገር ድማ አብ ባይታ ዝቃለስ ዘሎ ሃገራዊ ሃገራዊ ውድብ ኢዩ መራሕቱ ድማ ካብ መስረቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም ፣ ውጺት ዘተ ውሕስነት ከህልዎ ክሳተፉ አለዎም ኢልና አትሪርና መጉትና በውገኖም ድማ አብ መርገጾም ደሪቖም ኣብ ዕጹው ኣፍደገ ብጺሕና።

ሕቶ - ነዚ ናይ መጀመርታ ነጥቢ ፍልልይ ብኸመይ ሰጊኩሞ?

መልሲ - አይሰገርናዮን ብምኽንያት እዛ ንጥቢ እዚአ እቲ አኼባ ንሰልስተ መዓልቲ ደው ኢሉ አነ ብወገነይ ካብዚ ዘተ እዚ እንተ ንስሕብ ዝሐሸ እዩ ዝብል ርእይቶ ኔሩኒ ከምኡ ጌርና እንተንኸውን ሎሚ እዚ ሃገርና ትነብሮ ዘላ ሽግር አይምነበረትን፣ ብድሕርዚ ኮሬኔል ሳፊ ዝበሃል መልእኽቲ ሒዙ መጺኡና ትሕዝቶ መልእኽቲ ብምኽንያት ምስታፍን ዘይምስታፍን ዑስማን ሳልሕ ሰበ ተፈላሊኹም ዘተ ተቛሪጹ እነሆ ሕጂ ካብ ሰበ መልእኽቲ ሒዘ መጺኤ ኣልኹ ኢሉ ደብዳቤ ቢኢድ ሰበ ዝተጻሕፈ ሂቡና፣ ሰበ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ ይብል ንስኻትኩም ብሰንክና ዘተ አይተቛርጹ አብ ስምምዕ እንተደአ በጺሕኩም ንሕና ብዘይ ውዕል ኣባኻትኩም ክንጽምበር ኢና ይብል፣ አነ ነቲ መልእኽቲ ሕዙ ዝመጸ ኮሬኔል እዚ ጉዳይ አብ ኢድ ሰበ አይኮነን ስለምንታይ ኢና ኢቲ ክፍጠር ዝኽእል ሽገር ብግቡእ ክንሪኦ ዘይንፍትን ኢለዮ ብዝኾነ ተደፋፊእና ናብ ዘተ ተመሊስና፣ ቅድሚ ስምምዕ ምፍራምና ኢሳያስ ኣብቲ ስምምዕ መሰረታት ህዝባዊ ሐይልታት ሐርነት ኤርትራ ኣብ ህ. ግ. ወይ ኣብ ተ. ሐ. ኤ. ክጽምበሩ ነማሕጽን ዝብል ዓንቀጽ ክውሰኾ ሐቲቱ ፣ ብወገነይ እዚ ውድብዚ መሰረታትን መርሪሕነትን ሰዓብትን ዘለውዎ ኣብ ባይታ ዘሎ ኢዩ እንተደኣ ናይ ብዝሕን ዋሕድን ናይ ቁጽሪ ኮይኑ ንስኻ እኮ ምስ ሽዱሽተ ርእስኻ ከሎኻ ኢና ምሳኻ ክንዝቲ ንፍትን ዝነበርና አብ መወዳእታ እቲ ሓሳብ ተነጺጉ፣ ብርእይቶይ እቲ እዕናዊ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ ተፈሪሙ፣ ድሕሪ ምፍራምና፣ ኢሳይስ ከም መርአያ ሰናይ ድልየትን ሰራዊት ነንሐድሕዱ ክላለይን ካብ ሰራዊትኩም ክልተ ብርጌድ ናብ ቦታና ክትልእኩ ከምኡ ድማ ተመሳሳሊ ብርጌዳትና ናብ ቦታኹም ክንልእኽ ኢሉ ሓሳብ እቕሪቡ ብወገና ስል ዝደገፍናዮ 2 ብርጌድ ብመሪሕነት ገብራይ ተወልደ ሰዲድና ብወገኖም ሰራዊቶም ናባና ምስዳድ ዝአተዉዎ ቃል ተጠሊሙ አብ ልዕሊ ጋሻኦም ዝነበረ ሰራዊት ሐርነት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ወሲዶም ከምዚሉ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ ብርሃን ከይረአየ ማይቱ።

ሕቶ - ናብቲ ዝቕጽል አገዳሲ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትኩም ቅደም ተኸተሉ ብዘየገድስ ናብኡ ክንሰግር ናብቲ ቀንዲ ብዕጥቅን ዲፕሎማሲን ንስርዕት ደርጊ ደው አቢሉዎ ዝነበር ሐደ ካብቲ ናይቲ እዋንቲ ርእሰ ሐያላን ዝነበረ ሶቭየት ሕብረት ብኸመይ ክትበጽሑ ኪኢልኩም?

መልሲ - ብመሰረቱ ከም ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ገዳያት ይኹን ከም ውድብን መሪሕነትን ምስ ሶቭየት ሕብረት ዝኾነ ዝምድና አይነበረናን እቲ ተረኽቦ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ሕቶ - አብ ካልአይ ሃገራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ናብ ሶቭየት ሕብረት ኣፍደገ ንምኽፋት ምስ ገስገስቲ ሐይልታት ዓረብ ዝምድና ምምዕባል ዝብል ሐሳብ ቀሪቡ ኔሩ?

መልሲ - እወ እንተኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዞም ሓይልታት ኣዚአቶም ዝምድና ክህልወና ዝደልዩ አይነበሩን ብዝኾነ ብሃንደበት ዕድሜ ንሶቭየት መጺኡና።

ሕቶ - ንጉዳይ ምምዕባል ዝምድናታት ብዝምልከት ገስገስቲ ሓይልታት ዓረብ ምስጢርዊ አኼባ አካይዶም ዝብል ሓበሬታ ኣሎ፣ እቲ አኼባ አበይ ተኻይዱ፣ ባዛዕባዚ ምስጢርዊ አኼባን ውጺቱን ብመን ተሓቢርኩም?

መልሲ - ከም ናይ ደሞክራስዊ ሰልፊ ዕዮ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሐላፊ መጠን ብዛዕባዚ ምስጢራዊ አኼባ ኣል-ትጃኒ ኣል-ጠይብ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ደሳዊ ሰልፊ ሱዳን ሐቢሩኒ፣ ኣብ ማልጣ ብ1977 ኢዩ ተኻይዱ ውጺት አኼባ ብዘይካ ደሳዊ ስልፊ ሱዳን ኩሎም ኣብ ጎኒ ስርዓት ደርጊ ደው ክብሉ ወሲኖም።

ሕቶ - አብ 1977 ደሳዊ ሰልፊ ሱዳን ብዛዕባ እንታይነት ደርጊ ወድዓዊ ሚዛን ኔሩዎም፣ሕቶይ ከመይልኩም ናብ ሶቭየት ሕብረት ክትበጽሑ ኪኢልኩም?

መልሲ - ናይ ዕድመ መልእኽቲ ብሓላፊ መጽሔት ፕራቭዳ አብ ማእከላይ ምብራቕ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ደማስቆ አብሉ ብጺሑና ምስጢራዊ ዑደት ምዃኑውን ተሐቢርና ብዚ ዕድመዚ መሰረት አነን ናይ ተ ሐ ኤ ወጻኢ ዜና ሐላፊ ዮሐንስ ዘርእማርያምን ናብ መስኮ ኬድና ኣብ ሓደ ምስጢራዊ መዕረፍ ኣጋይሽ ኣዕሪፎሙና (ብዛዕባዚ ዑደት ሰባት ክጠራጠሩ ሐቅነት አለዎም) ንጽባሒቱ ተራኺቦሙና ፣እዚ ተካይድዎ ዘለኹም ውግእ ብዘይካ ንዓለምለኸ ሃጸይነትን ኣመሪካን ንዓኹም ፍጹም ረብሐ የብሉን ስለዚ ንሕና ሰላማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከነቕርብ ንሱ ድማ አብ ክሊ ሐድነት ማሕበረዊት ኢትዮጵያ ስጋብ ዝደለኹሞ ስፍሐትን ርሕቐትን ዝኸይድ ምትእስሳር ኢዩ ዝብል ሓሳብ አቕሪቦሙልና። መልስና ብሕጽር ዝበለን ዝቐለለን እዚ ፍታሕዚ ታሪኽ ቃልስና ካብ ዝሰግሮ መዋእል አሕሊፉ ስለዚ በወገና ከም ፍታሕ አይንርእዮን ዝብል ኔሩ፣ ንካልአይ መዓልቲ ተራኺብና ንዕኡ ደጊሞሙልና በወገናውን ዝተለወጠ መልሲ አይነበረናን ፣ አብ ናይ ሳልሳይ መዓልቲ ርክብና ብስምዒት ዝተሐወሶ ልዑል ድምጺ ጽገምኩም ዝምድናኹም ምስ ውሳኔኦም ዘይውንኑ አብ ትሕቲ ጻላል አሜሪካ ዘነብሩ ስርዓታት ከም በዓል ኩዌት፣ ስዑድያ፣ቀጠር፣ኢማራት ስለ ዝኾነ ኢዩ ኢሎሙና። ንሕና ጉዳይና ጉዳይ ህልውና ህዝብና ስለ ዝኾነ መንዩ ብዘየገድስ ምስ ዝኾነ ሐገዝ ዝህበና ክንራኸብ ግዱዳት ኢና፣ ሕጂ ካባኹም ምስ ተፋነና ናብዚ ክትብልዎ ዝጸናሕኩም ዞባ ንጅዳ ኢየ ክኸይድ ንህዝበይ ሓገዝ ዝረኽበሉ ሃገር ኢዩ፣ ሐደ ነገር ከብርህ እፈቱ ሐገዝኩምን ደገፍኩምን ምስ ረኸብና ክንገድፎም ይከአል ኢዩ ዝብል ኔሩ መልስና፣ ቀዳማይ ዑደትና ብኸምዚ ተዛዚሙ አፋንዮሙና።

ኣብ 8ይ ክፋል ይቕጽል...

ካልእ ክፋላት ኣብዚ ታሕተዋይ ጠውቑ፡-

• 7ይ ክፋል፡ ስምምዕ ጥቅምቲ፣ ቀዳማይ ዑደት ልኡኽ ተ ሓ ኤ ንሶቭየት ሕብረት

• 8ይ ክፋል፡ ዘተ ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቕ ጀርመን፡ ከምኡውን ንህግ ምእላይ ዝቐረበ ሓሳብ


Salam Media Production: 3 Mar 2023 - A journey through the Eritrean history with freedom fighter Abdullah Suliman | Episode 7
رحلة في الذاكرة الاريترية مع المناضل عبدالله سليمان | الحلقة السابعة




See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: