Placeholder Picture
Placeholder Picture
Reflections on 32nd Eritrea's Independence Day

23/05/2023 07:40 AM

ዮሃና መበል 32 ዕለተ-ናጽነት ኤርትራ!
Happy 32nd Independence Day, Eritrea!
عيد سعيد الثاني والثلاثين لاستقلال إرتريا

Memories and Reflections on the occasion of the 32nd Eritrea's Independence Day.

ዝኽርታትን ገምጋማትን ብኣጋጣሚ መበል 32 ዕለተ-ናጽነት ኤርትራ።
Memories and Reflections on the occasion of the 32nd Eritrea's Independence Day.
ذكريات وتأملات بمناسبة عيد استقلال إرتريا الثاني والثلاثين

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!

ዮሃና ንመበል 32 ዓመተ-ናጽነትና!

ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቶም ሓርበኛታትን ለባማትን ወለድና፡ ካብ 1940ታት ኣትሒዞም፡ ነቲ ንኤርትራ ንምምቕቓል ዝነበረ ውጥናት ናይ ርእሰ-ሓያላን፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ምዃኑን ክምቀል ከምዘይደልን፡ በተን ሽዑ ኣብ ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ ተጠርኒፈን ዝነበራ ፖለቲካዊ ሰልፍታቱ ገይሩ፡ ንዓለም ኣረጋጊጹ ኢዩ። በዚ ኸኣ፡ ንሽርሕን ውጥናትን ሰብ-ረብሓ ርእሰ-ሓያላን ሃገራት፡ ኣበርዒኑ። ናይ ምምቕቓል ውጥናቶም ምስ ፈሸለ፡ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ርእሰ-ሓያል (ኣመሪካ) ብምቕዳም፡ ሃገርና ኤርትራ ምስታ እምበራጦርያዊት ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከም እትቑረን ኢዩ ተገይሩ። እምበራጦርያዊ ኣስፋሕፋሒ ስርዓት ሃይለስላሰ (ኢትዮጵያ) ንባንዴራ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣውሪዱ፡ ንኤርትራ ናይ ምጉባጥ ውጥናቱ ምስ ኣግሃደ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ማሕበር ሸውዓተ) ተወዲቡ፡ ሰፋሕቲን ቀጸልቲን ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ኩሉ ከተማታት ኤርትራ ብምክያድ፡ ባህጉን ቆራጽ ውሳኔኡን ንናጽነት፡ መስዋእቲ እናኸፈለ ተቓሊሱ። ከም መቐጸልታ ናይዚ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ በታ ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተኮሳ ጥይት፡ ተበሲሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኸኣ ተወሊዳ። እቲ ኣብ ባርካ ዝጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ቀልጢፉ ኢዩ መቓልሑ ናብ መላእ ሃገርና ልሒሙ። ካብ መላእ ኤርትራ፡ መንእሰይ ናብ ሰውራኡ ተሰሊፉ። እቲ ን30 ዓመታት እተኻየደ መሪርን ደማዊን ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንባዕዳዊት ገዛኢት ኢትዮጵያ ስዒሩ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991፡ ዘውዲ ናጽነቱ ዓቲሩ።

ካብ ሚያዝያ 23 ክሳብ ሚያዝያ 25፡ 1993 ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ መላእ ዓለምን ዝነብሩ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ናይ ምድማጽ ዕድመ ብቕዓት ዝነበሮም ኤርትራውያን፡ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊያን ተዓዘብቲ ዝተሳተፉዎ ግሉጽን ናጻን መስርሕ፡ ናይ ርእሰ ውሳኔ ድምጺ (ረፈረንዱም)፡ ብምስታፍ፡ 99.81 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ "እወ ንናጽነት" ብምድማጽ፡ ንናጽነት ሃገሩ ዘለዎ ዘይንቕነቕ ድሌት ዳግም ኣመስኪሩ። በዚ ኸኣ፡ ልዑላውነት ኤርትራ፡ ኣብ ድልዱል ሕጋዊ መሰረት ከምዝትከል ኮይኑ። ናይ ሃገረ ኤርትራ ልዑላዊት-ባንዴራ ኸኣ፡ ብወግዒ፡ ኣብ ዘንጊ ሰንደቕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምበልቢላ! ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓልሊሉ! ዘሊሉ! ደጊም ሕሰምና ኣኽቲሙ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ 30-40 ዓመታት ዝተኸፍለ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ፡ ምእንቲ ናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ብምዃኑ፡ ኣሚኑ ተቐቢሉዎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሕውየትን ዳግመ-ህንጸትን ሃገሩ፡ ብኡ ንብኡ ስርሑ ጀሚሩ። ብወፍሪ ኮነ ብክእለት፡ ሃገሮም ንምህናጽ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ወጻኢ ናብ ዓዶም ኣትዮም። ይኹን እምበር፡ ነዊሕ ከይቀጸለ ኩነታት ምሕደራ ሃገርና ስለዘየኽኣሎም፡ ገለ ከሲሮም ገለ ኸኣ ዝሓሰቡዎ ከይገበሩ፡ ናብዝነበሩዎ ሃገራት ተመሊሶም ወይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከውፍሩ ተገዲዶም።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ንኹሉ ኤርትራዊን ፖለቲካዊ ውድባቱን ዘሳትፍ፡ ንሃገርና ናብ ጥጡሕ ጎደና ዘእቱ፡ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት (state building) ክእቶ ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ዘጋጠመ ፍልልያት፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ (National Reconciliation) ክካየድ ነይሩዎ። እንተኾነ ግን ኣይተገብረን። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)፡ ዋላ`ውን ኩሎም ተጋደልቱን ውዱባቱን ዝኣምኑሉ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ስልጣን ብሒቶም ንምሓዝ ዕላምኦም ኣይነበረን። ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሓደ ንኹሉ ዘሳትፍ ሕብረ-ሰልፋዊ ቅዋማዊን ዲሞክራሲያዊን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምትካል ዝብል ዕላማ፡ ኣብ ካልኣይን ሓድነታዊን ጉባኤ 1987፡ ብወግዒ ኣብ ሰነዳት ጉባኤ ብኣዋጅ ዝተገልጸ ኢዩ ነይሩ። ቀጺሉ`ውን ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ህግሓኤ`ን ምምስራት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሒን (ህግደፍ) እውን፡ ኣብ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ለካቲት 1994፡ ብንጹር ሰፊሩ ኢዩ። ኣብዚ ቻርተር`ዚ ተሞርኲሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ 1997 ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ተኻይዱን ብቅዋማዊ ባይቶ ኸኣ ጸዲቑን ኢዩ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ንምስፋን ሸለል ስለእተባህለን ስጉምቲ ስለዘይተወስደን፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራዊያን ናይ ቅርሕንቲን ምፍልላይን ሳዕቤናት፡ በሰላ ገዲፉ፡ ክሳብ ሕጂ ንሃገርና የሳቕየና ኣሎ። እቲ ንምምስራት ኣሳታፊ ቅዋማዊ መንግስቲ መንገዲ ክኸፍት፡ ብኹሎም ዲሞክራስያዊያን ተቓለስቲ ኣባላት ህግደፍ ተስፋ እተነብረሉ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ናይ 1997፡ ኮነ ተባሂሉ፡ ብውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ተረጊጹ፡ ክሳብ ሎሚ ክትግበር ኣይተኻእለን።

ን32 ዓመታት፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብ`ዲቕ ዝበለ ስርዓተ ምልኪን ራዕዲን ተሓኒቓ፡ መንእሰያታ እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝነፍጹላ ሃገር ኮይና። መንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልሎት፡ ካብ ገዛን ሕቑፊ ወለዶምን ተመንጢሎም፡ ውሉድን ውላድን (ክልተ ወለዶ) ኣብ ደረት-ኣልቦ ጊልያነት ተቖሪኖም ይርከቡ። ብሰንኩ፡ ዝወለደት፡ ማህጸን መኻን ኮይና፡ ወለዲ፡ ዝጥውሮም ስኢኖም፡ ህጻናትን ኣዴታትን፡ ብሓለንጊ ጥሜትን ጭንቀትን ዝነብሩሉ ኩነታት ሰፊኑ። ውግእን ወረ-ውግእን፡ ኣብ ዝሓለፉ 32 ዓመታት ኣየቋረጹን። ኣብዚ ናይ ቀረባ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ከምኡ'ውን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት እተኻየደ ኲናት፡ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተገዲዶም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉን ዝጠፍኡን ኤርትራውያን መንእሰያትን ዓበይትን፡ ክንደይ ኮን ይኾኑ? ጽባሕ፡ ኣራእሰን ዝድርምማ ኣዴታት ከ ክንደይ`ኮን ክኾና ኢየን!? ዝቑዝሙን ዝነብዑን ኣቦታት`ከ ክንደይ ክኾኑ ኢዮም!? ዝዝኽትሙ ቆልዑ ክንደይ ክኾኑ ኢዮም? መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከብዱ ሓቚፉ ዝነብረሉ ኩነታት ኢና ዘሎና።

ኣብዚ መበል 32 ዓመተ-ናጽነትና እንጽምብለሉ ዘሎና ዕለት፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ተሰዲዱ፡ ኣብ ስደት ክሰፍር ተገዲዱሉ ዘሎ እዋን ኢና ነብዕላ ዘሎና። ውሉድን ወላዲን ኣብ ዓዲን ኣብ ስደትን ተፈላልዮም፡ ክራኸቡሉ ዝኽእልሉ ዕድል ኣብ እተሳእነሉ እዋን ኢና ንዝክራ ዘሎና። ብሰንኪ ዘየቋርጽ ግፍፋ መንእሰያት፡ ስድራቤታት ኤርትራ፡ ብኣዴታትን ህጻናት ቆልዑን ኣረጋዊያን ወለዲን ኢየን ተሪፈን ዘለዋ። ዝጥውሮም ዘይብሎም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣዝዮም ብዙሓት'ኳ እንተኾኑ፡ ኣውያቶም ዝሰምዕን ፍታሕ ዝገብርን መንግስቲ ስለዘይብሎም፡ ኣብ ሕሱም ድኽነት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ናጽነት ሃገር፡ ናጻ ዝኾነ ህዝቢ እንተዘይብሉ፡ ዋጋ የብሉን። እወ ናጻ ሃገር ኣላትና። ባንዴራና ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰቒላ ኣላ። ከም ዓለምና፡ ኣብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንሃገርና ኤርትራ፡ ማዕረ ክብሪ፡ መሰልን መንበርን፡ ልዑላዊ ክብሪን፡ ተዋሂቡዋ ኣሎ። ኩለን ኣባል ሃገራት ዓለምና፡ ንህዝበን ኣብ ሃገራዊ ጉዳዮምን ሂወቶምን ዘሳትፍ ናጽነት፡ ብህዝቢ እተመርጸ ባይቶን መንግስታዊ-ምሕደራን ኣለወን። ክውንነት ሃገርና፡ ካብዚ ንቡር እዚ ኣዝዩ ዝረሓቐ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብጭራሽ ኣውን የብልናን።

Asmarino ኣዝማሪኖ:
ምዕዶ ንመንእሰያት ደቂ ኤርትራ፡
ብኣቦና ሓርበኛ ወልድኣብ ወልደማሪያም 5/5/1951

ኤርትራዊ ዜጋ፡ ባዕሉ ዘመሓድራ ሃገር፡ የብሉን። ንሃገራዊ ጉዳዩ ብድምጹ ዝውስነላ ሃገር፡ የብሉን። ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንሂወቱን ደቁን፡ ኣይውንኖምን ኢዩ፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣብዝደለዮ እዋን ወሲዱ ናብ መጋርያ ኲናት ይጠብሶም፡ ብዘይ ፍርዲ ይኣስሮም፡ ይጨውዮም፡ ይስውሮም፡ የጽንቶም። ስድራቤታት ውሕስነት የብለንን። ኤርትራዊ፡ ናጻ ኾይኑ ንቡር ህይወቱ ከካይድ ኣይክእልን፡ ኣብዝኾነ እዋን በቲ ስርዓት ክእገድ ይኽእል፡ ተገፊፉ ክውሰድ ይኽእል፡ ስለዚ ውሕስነት የብሉን። ኤርትራዊ ዜጋ፡ ጉልበቱ ይኹን ክእለቱ እውን ኣይውንናን ኢዩ፡ ብዘይ ደሞዝ፡ ንመዋእሉ፡ ንረብሓታት ምልካዊ ስርዓት ከገልግል ይግደድ፡ ክቃወም እንተፈቲኑ ኸኣ ይእሰር ወይ ይስወር። ኤርትራዊ፡ ኣብታ ናጻ ዝብላ ሃገሩ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ፡ ብመንቀሳቐሲ ፍቓድ ክንቀሳቐስ ይግደድ። መንእሰይ ኤርትራ፡ ተማሂሩ ናይ መጻኢ ሂወቱ ራእይ ከተግብር ኣይፍቀደሉን ወይ ኣይክእልን፡ ኣብቲ ምልካዊ ስርዓት ዝመደበሉ ጥራይ ከገልግል ይግደድ። ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ከም ንቡር ደሞዙ ተኸፊሉ፡ ናብራ ከጣይስ፡ ክምርዖን ክድርዖን፡ መብዛሕትኡ ዕድል የብሉን፡ ንመዋእሉ ናብራ በረኻ ከሕልፍ ስለዝተገደደን ሓዳር ንምምስራት ዘኽእሎ ደሞዝ ይኹን ንቡር ዕድል ስለዘይብሉ። ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከምዘመልክቱዎ፡ መጠን ወሊድ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ እናንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ። ናይ ጎረባብትና ኣህዛብ ግን እናበዝሑን እናሰሰኑን ኢዮም ዝኸዱ። ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ወሪዱ ምህላዉ ኸኣ የመልክተልና። መንእሰያትና፡ እቲ እንኮ መዋጽኦ፡ ስደት ኮይኑ ስስለዝርኣዮም፡ ካብ ዓዶም ከርሕቑ ይግደዱ። እቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ደድሕሪኦም እናሰዓበ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣብ ከባቢ ሃገርና ኤርትራ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ሃሱሳቱን ናይ ጸጥታ ኣባላቱን እናዋፈረ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ጸቕጥታት ይገብር።

ኤርትራ ሃገርና፡ ብህዝቢ እተመርጸ ሃገራዊ ባይቶ የብላን። ብቅዋም ወይ ባይቶ ዝቕየድን ቁጽጽር ዝግበረሉን ሕጋዊ መንግስታዊ ምሕደራ፡ የብላን። እቲ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ፡ ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ውልቀ-መላኺ፡ ምስ ውሑዳት ጭፍራኡን ጸጥታዊ መሓውራቱን፡ ንህዝብና የሳቒ ኣሎ። ንሱ ንበይኑ፡ ባይቶ፡ ንሱ ንበይኑ፡ መንግስቲ፡ ንሱ ንበይኑ፡ ሕጊ፡ ንሱ ንበይኑ ፈራዲን ወሳኒን፡ ንሱ ንበይኑ፡ ወናኒ ሃብቲ ሃገር፡ ንሱ ንበይኑ፡ ወሳኒ ኣብ ጉዳይ ሃገር።

እምበኣር፡ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ናጽነትና እንጽምብለሉ ዘሎና እዋን፡ ሓርነት ህዝብና ንምውሓስን ስዉኣትና ዘሰከሙና ሕድሪ ንምምላስን፡ ብዙሕ ዘየላቡ ሃገራዊ ዕማም ከምዘሎና ምዝኽኻር ግቡእ ኢዩ። ናብቲ ዘዐውተና ስትራተጅያዊ ዝኾነ መትከልን ኣከያይዳን ብምትኳር፡ ንካልኣዊ ፍልልያትና፡ ንግዜ ንግደፎ። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ተተኺሉ ዘሎ ስርዓተ-ምልኪን ራዕዲን ኢዩ። ምስ ምእላይ ናይዚ ምልኪ`ዚ፡ ኩሉ ካልእ ፍልልያትና፡ ብሰላማዊ ልዝብ ኣብ ሃገራዊ ባይቶና ክንፈትሖ ጸገም ኣይክህልወናን ኢዩ።

ርሑስ ቅንያት ናጽነት ይግበረልና!

ልዓላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ክትነብር ኢያ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን፡ ንሰማእታትና!

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና snitna.com
23 May 2023


ነዚ ክቡር ዕለት`ዚን ንዝሓለፈ ረዚን ታሪኽናን፡ ንመጻኢናን ዘንጸባርቑን ዝእንፍቱን፡ ዝተፋላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን ትንታነታትን፡ ካብ ዝተፋላለዩ ምንጪታት እናመረጽና፡ ኣብ ታሕቲ ከነቕርበልኩም ኢና። በብዕለቱ፡ ትሕዝቶ ክውሰኾ ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎን፡ ንምህብታሙ ዝሕግዝ ሓበሬታን ለበዋን እንተሎኩም`ውን ኣብዚ ጠዊቕኩም፡ መልእኽቲ ክትሰዱልና ብኣኽብሮት ንሕብር።


ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS
By Senior Government Ministers and Members of Eritrean Parliament,
24 March 2001.


Eri-TV LIVE: ጽምብል መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ
ቅያ ስጡም መስርዕ!
Eritrea's 32nd Independence Celebration.
24 May 2023.


ATV: 'ኤርትራ ከም ሃገር ነጻ እንተወጽአት፡ ህዝቢ ኤርትራ ነጻ ኣይወጽአን።
ትንሳኤ ህዝቢ ኤርትራ የርእኹም!'
መልእኽቲ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፡
22 May 2023


𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓:
"ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ ኤርትራ ከለና ምዉታት ኢና ኔርና ኢሉኒ።"
ተጋ. መሓመድብርሃን ብላታ፡ ናይ 1963 ተጋዳላይ።

22 May 2023


Part-1:    𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: "ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ ኤርትራ ከለና ምዉታት ኢና ኔርና ኢሉኒ።" ተጋ. መሓመድብርሃን ብላታ፡ ናይ 1963 ተጋዳላይ።
Part-2:    𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: ኢሰያስ ንእሽቶይ ፎርዖን'ዩ፡ ኣነ ኣምላኽ'የ ክብል ጀሚሩ |ኣነ ተጋዳላይ ንሱ ተመሃራይ ዩንቨርስቲ ከሎ እየ ዝፈልጦ | ተጋ. መሓመድብርሃን ብላታ
Part-3:    𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓:ኣቢ ኣሕመድ ን ኢሰያስ ሕጂ እዩ ኣለሊዎ | ተጋ. መሓመድብርሃን ብላታ| ናይ 1963 ተጋዳላይ| 3 ክፋል


Dialogue for Common Awarenes (DCA):
On the 32nd Anniversary of Eritrea's Independence, Assessing the situation in Eritrea and the condition of its people who are deprived of their basic freedoms and rights.
ኣብ ዝኽሪ መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ገምጋም ኩነታት ኤርትራን፣ መሰረታዊ ሓርነቱን መሰላቱን ዝተሓረመ ህዝባን።
ዶ/ ነጋሽ ዑስማን አቦ ወንበር ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
في الذكرى الثانية والثلاثين لاستقلال إرتريا،
تقييم الأوضاع في إرتريا، وحالة شعبها المحروم من حرياته وحقوقه الأساسية.
دكتور/ نقاش عثمان إبراهيم رئيس المكتب التنفيذي للمجلس الوطني الارتري للتغيير الديمقراطي



TV Meley
ህዝባዊ ሰሚናር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን 1ይ ክፋል


Part-1:    Part-2:   


EWANA
32 Independence Day Celebration.


Eri-Platform
መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብኣጋጣሚ መበል 32 ዝክረ-ዓመት ናጽነት (24.05.2023)


ንሃገራዊ ዕርቂ
ንበገስ።

ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
24 May 2023

ንሃገራዊ ዕርቂ ንበገስ - ብዶር ተስፋይ ገብረመድህን


Eri-Platform
ዝክርን ጦብላሕታን 24 ግንቦት 1991 (32nd Independence Day)


Global Yiakl:
መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ
ብመንጽር ህዝባ።

23 May 2023


ሕድሕድ ትጽቢታት፡ ካብ ዓበይትን መንእሰያትን ከመይ ይመስል?
What are the expectations of each other, from adults and young people?
ماهي الحلول المنتظرة من الجميع شيبا وشبابا؟

20 May 2023


ATV: ናጽነት ብሓቂ ናጽነት ኮይኑ ትንሳኤ ኤርትራ ክረጋገጽ፡
እንታይ ክግበር ኣለዎ?
ፍታሕ እንታይ እዩ?
ዘተ ምስ ፕሮፈሰር መግንስትኣብ፡ ዶር ገብረ፡

22 May 2023


Part-1:    Part-2:    Part-3:   


ቃልኪ ኣይተዕብሪ ኤረየ!
ብ'ዳንኤል ጋርዛ
24 May 2023

ቃልኪ ኣይተዕብሪ ኤረየ - ግጥሚ ብ'ዳንኤል ጋርዛ
ቃልኪ ኣይተዕብሪ ኤረየ!
ክብለኪ "ሞ ፈለማ ፡ እንቋዕ ኣብጻሓኪ!
እምበር ግዜስ ተሓንቢቡዩ፡ ከይተጸበይኪ
ሰብ ተቀያይሩ ጠዒሙ ጸቢቁ
ዋላ ተነሐ እዋን ሓሚቁ ግዜ ረቂቁ
ሃገረይ ኣለኹልኪ ...ንመን ሞ ክህበኪ
ርዝነትኪ ከቢድ ሂወት ዝሓትት ዋጋኺ
ኣሽሓት ተገዚምኪ ብኣሽሓት ተሓጺንኪ
ብሰንኪ ንቁጽ ጡሉልውን ነዲዱልኪ
ዘቅረበን ዘርሓቀን ፍቅሩ ገሊጹልኪ
ወፊሩ ዘምጽኣኪ፡ ደብሪ ዓጢኑ ዝተመነየኪ
ዓመት መጸ ኦንቋዕ ናተይ ኮንኪ ክብለኪ፡
ኩልና ሻማ ሻማ ኢና ንብለልኪ ዕድለኛ ኢኺ
ናትክስ ንበይኑዩ ገለስ ኣለኪ ...
ኣነውን ከም ሰበይ ኣፍቅድለይ ከዛርበኪ
ሓሳበይ ሞ ሰማዕኒ፡ መልእኽተይ ክርድኣኪ
እወ... Read more


𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: محتفلون بالعيد ولكن
24 May 2023






See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: