መጋቢት 25

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/03/2020 17:54 PM

መጋቢት 25

ብ`ጸጋይ ነጋሽ

መጋቢት 25

መጋቢት 25
ብ`ጸጋይ ነጋሽ

ስለምንታይ? ከመይ`ሉ...? ወጣሪ ሕቶታት
ወትሩ ዝሕከኽ ኮይኑ ዘይሓወየ ቁስልታት
ዝሕንክር እምበር፡ ዘይረኸበ ፈዋሲ
መመሊሱ ዝጉዳእ፡ ኮይኒ`ሎ ረኻሲ!!
ካብ መጀመርትኡ ኣንፊ ክረኽበሉ
ነቲ ታሪኽ መኣዝን ከናድየሉ፣
ክዓትሮ እፍትን፡

ክጭብጦ

ክሓጉሞ`ዶ እብል፡ ኣብ`ቲ ዝሓበጦ
ወይስ ኣዕሚቝ ክነቕሶ፡ ብወረጦ?

ጀመሪት ትኾነኒ፡ ኣናድየ ሓንቲ ነቑጣ
ካብኡ `ዛ ብዕረይ ክትሕንጥጥ እንተሰለጣ!
እታ ነቝጣ ደቅቕ`ያ፡ ምሉቕ-ምሉቕ በሃሊት
ዝገደደ ግን፡ ግብዝ፡ ተሃዋሲት።
ምድቃቓ፡ መዓስ ዓሊጁኒ
ትምጠጥ፡ ትዝርጋሕ ምዃና`ዩ ዓጢጡኒ።

ግን... ግን... ዓሻ ድየ ኮይነ?
ዝነብር ኣብ`ቲ ሕሉፍ ድነ?
ሕጂ! እናሃለወ- ዕለተዊ ስቕቕታ ህዝቢ
ዝርምስ! ዝቐዝፍ! ዘቃጽል!... ሽኦል ሰላቢ?

ግን ልቢ ግበሩ! እቲ ናይ ትማሊ፡ ኣሎ ሎሚ
ናይ ሎሚ፡ ይኸውን ንጽባሕ ኣማሚ!!
ታሪኽ `ሲ ....
እዩ ንሕሉፍን መጻእን ዝተኣሳስር ጽኑዕ ሰንሰለት
ዘንተ ህላወኡ፡ ብቐጻሊ ዝኽሰት።
ብምዃኑ .........
ካብ`ቲ ባሕሪ ብጭልፋ
ካብ`ቲ ውዑይ `ቲ ሃፋ፡
ጥማዕ፡ ናይ`ቲ ሰፊሕ
ስድሪ ካብ`ቲ ገፊሕ፣
ክቕርብ`ሞ - ኣሀብትምዎ

ፈለግ ዩ፡ ይዛሪ ግደፍዎ።

...............

1981፡ ኣብ መወዳእታ ሰነ
ቅልውላው ህላወ መኣዝን ዝሰኣነ፣
ኣብ መጎራይብ`ዩ ጥቓ `ቲ ጎቦ ኣዳል
ኣኼባ ምስ ብርጌድ 97፡ ኣብ`ቲ ዓቕባ-ኣብ`ቲ ጽላል።
``ገስጋሲ ሓይሊ`` ኣሎ ዝሕግዘና .... በለ `ቲ ኣካቢ !!
ቁሩብ`ዩ ዘሎ ክስለፍ ኣብ ጎኒና... ወሰኸ - መራሒ`ዩ ዓቢ!!!
ይዝክረኩም`ዶ ኣንቱም ዝወዓልኩም?
ዓቕሉ ክጸቦ፡ ንኽምልስ ሕቶታትኩም
መን`ዩ `ቲ ``ገስጋሲ`` ወረ መን`ዩ?
ካበይ ዝመጸ? ኣበይ ዘሎ`ዩ?
--- እቲ ውጡር፡ ዝተሰርነቐ
ኣብ ክንዲ ዝምልስ፡ ነደረ ድኣ ሓረቐ።
ኣብ ተኾምቢያ(ሓምለ 11 1981)፡ ካልእ ኣኼባ
``ንስኻ `ምበር፡ ንውድብካ ዝከላኸል ካልእ የለን`` ኮነ `ቲ ዘረባ።
ውግእ (ሓምለ 15፡ 81) ኣብ ከባቢ ባድመ
ጅግና መኸተ፡ ሰራዊት ሓርነት
ንሱ `ኮ`ዩ እቲ ተባዕ ሰራዊት
ዘይሰዓር፡ ዘስዓርዎ
ተመሊሶም ``ክዋጋእ ዘየደለየ`` ኢሎም ዝኸሰስዎ።
ለካስ ኔርዎ`ዩ፡ ሕቡእ ዝተጠጀአ
ኣብ ራሳይ፡ ውስጠ-ምስጢሩ፡ ዝተቓለዐ፣

ናይ ነሃሰ 25፡ 81፡ ኣብ ሩባ ታህዳይ
ወጋሕታ ጸሓይ በርቂ፡ ራኣናዮ ክሰግር ናብ ራሳይ፣
.... ሽዑ ንሽዕን`ከ....
ከበባ ብርጌድ 97፡ (ነሃሰ 25፡ 81) ብወተሃዳራት ሱዳን
ኮነ ኢልካ ዝተወደደ፡ ቅጽያ ምኽርዳን።
ስዉእ መልኣከ ካብ ብርጌድ 97 ኣይተፈለየን
ክሳብ`ታ ዕለት ኣርደን (ብረት ምውራድ) ጠሪሹ ኣይረሓቐን።
ብርጌድ ካብ መጀመርታ 97 ታርጌት ዝኾነትሉ
ድሕረ`የ፡ ኣስተብሂለሉ፣
`ቲ ናይ ምቕንጻ ጽላሎት እናሰዓበ
ኣብ ራሳይ፡ መጋቢት 25፡ 1982 ዘነበ።
ንሳ `ታ ራሳይ! ናይ ተሓኤ ዳግማይ ቀብሪ
ደበስ ዘይርከቦ፡ ኮነ ባይታ- ጨቃዊ፡ ጸባሪ።
ኣንቱም ኣብ ራሳይ ዝወዓልኩም፡ ዝተኣሰርኩም
ግለጽዎ `ባ ነቲ ርኹስ ዕለት ተንቲንኩም።
መሪር ታሪኽ እንድ`ዩ፡ ካብ ውሽጢ ዝጎሰጠ
ተሪር ማህረምቲ፡ ብድሕሪት ዝዘበጠ።
እዛ ዕለት ሰንካም`ያ፡ ዝኾነት ሰሪ
ንህንዳሰ ስልጣነ-ኢሳያስ ዝኸፈተት በሪ፡
ንዕንወተ- ጽንተት ህዝቢ ኤርትራ
ኮነት ፈልፋሊት- ንሕሰመ-መከራ።

ጸጋይ ነጋሽ
መገቢት 25 2020

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ 
Click here ኣብዚ ጠውቑ



See also recent articles and Seminars by Mr. Tzegai Negash
ካልኦት ብ'ጸጋይ ነጋሽ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Share with friends:


ዕላል ምስ ኣቶ ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ፡
ደራሲ ሓዳስ መጽሓፍ “ሌላ ምስ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ”


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: