Home  About us   Contact us

Copyright © 2013 - 2015  www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

Home መእተዊ  |  Articles ጽሑፋት  |  Documents ሰነዳት | Culture ባህሊ  |  Links ምትእስሳር  |  Archives ከብሒ  |  Contact us ርኸቡና

                                                

Share on Facebook Share on Twitter Share via e-mail Print Share on Google Bookmarks


ግደፍ'ባ ባሕሪ!






ግደፍ'ባ ባሕሪ ሎምስ ይኣኽለካ

ህይወት ኤርትራውያን ጌርካዮ ቀለብካ

*ዓዳይት ኣይተምክን ውላዳ ቀዚፍካ                *ኣረሓሒቓ እትወልድ ሰበይቲ

ዓቐኑ ከይጎድል ኪትዕቅብ ምልኣትካ

ብንብዓት ኣደታት ወሓይዝ ፈጢርካ!


ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ለውጢ ከየምጽእ

ምልኪ ዚቐሰቦ ናብ ስደት ኪወጽእ

ኣብ ፈቖዶ በረኻ ምድረ በዳ ኣጻምእ

*ዕንደ ዝደበዮ ከም እሾኽ ዚወግእ           *ሑጻ

ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ብኾንቱ ክጠፍእ

መስኪን ኤርትራዊ ስኢኑ መዋጽእ!


ዜጋታት'ዛ ሃገር ሰብኣይ ምስ ሰበይቶም

ስድራ'ዞም ስውኣት'ወ ዓበይቶም ንኣሽቶም

ሓደገኛ ወራር ድሕሪ ምምካቶም

ምልኪ ብምርጋጹ ኩሉ መሰላቶም

ናብ ስደት ኣምሪሖም ንምድሓን ህይወቶም!


ሳህራ ተሳጊሮም ከም ሓዊ ዘንድድ

ጩራ እናኣማዕደዉ ናብ ብርሃን ዚወስድ

ማይ ህይወት ከለኻ ርውየት ዘይተአንግድ

ማዕበል ከቲርካዮም ንሕልፈት ትፈርድ

ኣዕጽምቲ ኣሕዋትና ኣሪና ክንወስድ

ኣንታ ጨካን ባሕሪ ዕድል ዘይትፈቅድ?


ኣደታት ከይቀብጻ ሬሳ ደቀን ሪአን

ከምዛ ዘይሰማዕካ ስቓይ መከራአን

ባሕሪ ብጭካነ ደሃይ ካብ ትኸልአን

ከመይ ኢለን ክቐስና ኣባጽሕ ኣጥፊአን!


ንቡር ካብ ትኸልእ ሓመድ ድበ ቀብሪ

በል ወሓስ ኣግብእ ኣንታ ጨካን ባሕሪ

*ገርዳሊ ዘይብልካ ካብ ኮንካ ከታሪ              *ዳናዪ

ጥርዓነይ ከቕርብ ናብ ልዑል ፈጣሪ

ከም ተኣምር ሙሴ ከቕንዓልካ በትሪ

ሓመድ ኪገብረካ ኣካል ናይዛ ምድሪ!


ህይወት ሰብ ቀዚፍካ ዓሳታት ተብልዕ

ብዘይሕግን ፍርድን *ኣፍለታት ትቐጽዕ                 *ኣጉባዝ

ወለዲ ኣጉሂኻ ዝርንዛሕ ተንብዕ

*ስእለትን ምሕጽንታን ፍጹም ዘይትሰምዕ              *ልመና

ፈጣሪ ከም ዘሎ ፈዳይ ሕነ ውጹዕ

ኣንታ *ፋሉል ባሕሪ ጎይታኻ ኣይትረስዕ!               *ቀይዲ በተኽ


ቋሕ ተበሉ ሰማይ ሰም ተበሉ ቃላይ

ኩሉ ሰማያዊ ዘይብሉ ኣፈላላይ

ብለይቲ ኣስሓይታ፡ ብመዓልቲ ጸሓይ

ዓሳ ከይውሕጦም ሕሱም ተባላዓይ

ዝገብሩዎ ኣይነበረን ብዘይካ ምጽላይ!


እቲ ለዋህ ፈጣሪ ግን ዘይጭክን ብልቡ

ብሓቂ ዚፈርድ ምስጢራትና ኣንቢቡ

ኣቦ ናይ ድኻታት ዘይውድኦ ሂቡ

ነብሶም ይቀበላ ኣብ ገነት ኣዕቊቡ!


ንግዳያት ኣሕዋትና መንግስተ ሰማይ ከዋርሶም፣ ንስድራ ግዳያትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓት ኪህብ ይምነ!


ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!


ካብ ሓውኹም መሲናስ

25-04-2015


                                          Share:

Share on Facebook Share on Twitter Share via e-mail Print Share on Google Bookmarks