Home  About us   Contact us

Copyright © 2013 - 2015  www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

Home መእተዊ  |  Articles ጽሑፋት  |  Documents ሰነዳት | Culture ባህሊ  |  Links ምትእስሳር  |  Archives ከብሒ  |  Contact us ርኸቡና

                                                

Share on Facebook Share on Twitter Share via e-mail Print Share on Google Bookmarks


ጽንዓትን ኣኻእሎን ንስድራ ግዳያትን ህዝቢ ኤርትራን!

ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራውያን ብሰንኪ እዚ ን24 ዓመታት ስልጣን ጨቢጡ ብሕሱም ምልኪ ዝገዝኣና ዘሎ ጨካን  ስርዓት  ኢሳይያስ፡  ዓቢ ብደሆን ቅልውላውን ኣጋጢሙና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንርከብ ምህላውና ንዓናን ንዓለምን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። መንእሰያትና ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ዘፍቅሩዎ ህዝቦምን ገዲፎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ካብ ዝነፍጹ እንሆ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራዊ ብክቡር መስዋእቲ  ደቁን አሕዋቱን ኣብ ዝረኸባ ሃገር ብሰላም ምንባር ስኢኑ ፡ ሰላም ናፊቑ፡ ነዛ ቀሲኑ ንኪነብር ቤቱን ንብረቱን ገዲፉ ይስደድ ኣሎ። ስለዝኾነ  እቶም ትማሊ ብቓልስን ጽንዓት እንልለ ዝነበርና ሕቡናት ህዝቢ ብሰንኪ እዚ፡ ርህራሀ  ዘይፈልጥ፡ ሰብኣውነት ዘይስመዖ ሕልና ኣልቦ መላኺ፡ ስደትን ፍልሰትን ቀንዲ መለለዩና ኮይኑ ኣሎ።

እነሆ ከኣ ሎሚ፡ ከም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመተ-ስደት ዘጋጥመና ትራጄዲ፡ ደቅናን አሕዋትናን ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ ብጸረ መስቀል ብስሕለት ካራ ምሕራዶም፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከኣ ብነውጺ ማዕበል ምጥሓሎም ንርዳእ ኣሎና። ኣብዚ ቅንያት'ዚ ጸረ -መስቀል፡ እስላማዊ ምንቅሳስ ኣይስል፡  ኣብ ጉዕዞ ስደት ንዝነበሩ 30 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብስሕለት ካራን ጥይትን ቀቲሉ ስእሎም ኣብ ዩ-ቲዩፕ ዘርጊሖሙዎስ ዓለም ብዓለሙ ስኽሕክሕ ኢሉዎ ኣሎ።

በዚ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ተግባር'ዚ ዜጋታቱ ዝተቐትሉዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኤምባሲታቱ ኣብ ዝርከቡዎ መላእ ዓለምን  ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሓዘን ዕለታት ብምእዋጅ ነቲ ፍጻሜ ክኹንኖ እንከሎ፡ ስርዓተ ኢሳይያስ ግን ነቲ ጉዳይ ፈጺሙ ኣይተዛረበሉን፣  ከም ቀደሙ ቃል ኣየምሎቐን። ምኽንያቱ ንሱ ስልጣኑን መንበሩን እምበር ዜጋታት ሃገር ንዕኡ ኣይንታዩን እዮም።

ኣብ ጥቅምቲ 2013 እውን ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ልዕሊ 360 ዜጋታትና ኣብ ሓደ ህሞት ምስጠፍኡ  " ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት!" ክብል  እዩ ሰምዩዎም።  ንኣስታት 20 ዓመታት ንሃገሮምን ህዝቦምን ዘገልግሉ ዘለው እናመሰሎም፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ድከቶም ድሕሪ ምስታይ፡ ምሕደራ ምልኪ ሕልፈት ስኢኖሙሉ  ነብሶም ከድሕኑ ካብ ሃገር ንዝወጽኡ መንእሰያት  " ረገጽቲ ሕድርን መብጽዓን!" እናበለ ዘከሸማሽ ሕልና ኣልቦ ስርዓት፡ ቀደሙ እውን ካልእ ክብል ስለዘይክእል ህዝቢ ኤርትራ መራሒኡ ሕልናን ሰብኣውነትን ከምዘይብሉ ኣጸቢቑ ተረዲኡዎ'ዩ።

ስለዝኾነ  በዞም ናብ 20 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ምስ 850 መጓዕዝቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ገና ሬሰኦም ዘይተረኽበ ኣስታት 350 ኤርትራውያን እውን ናይ ሓዘን ዕለት ክእውጅን ንስድራ-ቤት መወትቲ ጽንዓት ክምነን ዝጽበዮ ወገን የሎን። ስለዚ፡ ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ቀደምካ ነንሓድሕድካ ተጸናናዕ፣ ነንሓድሕድና ንጸናንዕ እምበር፡ ብቐንዱ እውን ጠንቂ ስደትናን ሕሰምናን ንሱ ባዕሉ ስለዝኾነ፡ ካብዚ ጨካን ስርዓት'ዚ  እንጽበዮ ነገር የሎን።

ጥፍኣት ማእከላይ ባሕሪ ዘሰንበደን ሃገራት ምዕራብ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ እቲ ፍልሰትን ጥፍኣትን ደው ዝብለሉ መገድን ፍታሕን ከናድያ ላዕልን ታሕትን እናበላ፡ እቲ ቀንዲ በዓልቲ ቤት ናይቲ ጉዳይ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ግን ብህልቂት ዜጋታትና ቃል ኣየምሎቐን። ስለዚ ኩላትና ኣብ ውሽጥን ግዳን እንርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ቅነ እዚ ከም ናይ ሓዘን ቅነ ወሲድና፣ ነንሓድሕድና እናተጸናንዕና  ንግዳያትና ብጸሎትን ሕልናን ክንዝክሮም ይግባእ።  ኣብዚ ቅንያት እዚ፡ ኣብ ሰሃራ ብግፍዒ ጸረ-መስቀል፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብነውጺ ማዕበል ዕምበባ ደቅኹም ዝሰኣንኩም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ወለዲ ጽንዓት ይሃብኩም። ጽንዓት ይሃበና!!

ኩሎም ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብዘይካ ግዱድ ዕስክርናን ደረት ኣልቦ ጊላነትን ካልእ ዕድል ስለዘይብሎም  ካብ መንግስቶምን መራሒኦምን ተስፋ ስለዝሰኣኑ እዮም  በብዝረኸቡዎ ዕድል ብጃምላ ዶባት ሃገር ክሰግሩ ዝግደዱ ዘለው።  ዋላኳ  በቲ ዋሕዚ ዝተሰናበዳ  ሓደ - ሓደ ሃገራት ምዕራብ ፡ ነቲ ሓቀኛ ምኽንያት ስደት ኤርትራዉያን  ዓቢጠን፡ ንስደት እዞም መንእሰያት  ምስ ቁጠባን ድኽነት ከተሓሕዛኦ  እንተፈተና፡ ቀንዲ ምኽንያትን ጠንቅን ስደት ዜጋታትና ምልካዊ ምሕደራን ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና ምዃኑ  ኣይጠፍአንን እዩ።  እዞም ካብ  ምንጋጋ ጨካን መላኺ ነብሶም ከድሕኑ፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ነፊጾም ኣብ ኢድ ጸረ-መስቀልን ሸፋቱ ሲናይን ወዲቖም ዝሳቐዩ ዘለው መንእሰያት ሰላምን ቅሳነትን እምበር ቁራስ እንጀራ ኣይሰኣኑን። እዞም ኣብ ኣጻምእ ሲናይ ብበደዌን  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሓደጋ ተፈጥሮ፡ ፈተነ ሞት ከምዘጋጥሞም እናፈለጡ ናብ ሞት ዝጎዩ ዘለው ዜጋታትና፡ ብሓለንጊ ምልኪ ስለዝሰክሑ፡ ኣብ ሃገሮም ጩራ ተስፋ ስኢኖም ዓቕሎም ስለዝጸበቦም እምበር፡ ከምቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳትና ዝበሉዎ መዓር ቤቶም ገዲፎም መዓር ዓዲ ሃገር ከቋምቱ ስለዝደልዩ ኣይኮኑን። ብዘይካ እዚ ሕጂ ዝተኸስተ ኢሰብኣዊ ተግባር ጸረ-መስቀል፡ ብሃይማኖዊ እምነቶም ጥራሕ ብጸረ-መስቀል ብስሕለት ከምዝስየፉ  እዮም ዘይፈልጡ እምበር ብሸፋቱ ሲናይ ኮላሊቶም ከምዝቕንጠብ እውን ይፈልጡ እዮም። እዚ ኩሉ መከራን ጭንቅን እናፈለጡ፡  ካብቲ ህልም ዝበለ ጸልማትን ሲኦልን፡ ብዝወሓደ፡ ንሞት ስዒርና ንጭንቂ ሰጊርና ሰላምን ቅሳነትን ክንረክብ  ንኽእል ኢና ስለዝብሉ እዮም ምስ ሞት ክጠማጠሙ ንስደት ዘምርሑ ዘለው።

ግደ ሓቂ እቲ ኣብ ቤትና  እንፈርሖ ዘሎና ሞት ኣብ ጉዕዞ ስደትና ብዝኸፍአ መልክዕን  መገድን ይገጥመና ስለዘሎ፡ ነቲ ጠንቂ ስደትናን ዝኾነ ንሕስያ ዘይብሉ ጨካን መላኺ ስርዓት ምሒና ብምድርባይ  ሰላም ቤትና ከነውሕስ እዩ ዝግበኣና።  ወዮ ደኣ ረሳዕቲ ኬይንና እምበር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርድእ ህልቂት  ነዚ ቓላት እዚ ንደጋግሞ ኢና። ግን ድሕሪ ዓሱርን ኣርብዓን ዳስ ሓዘንና ምስ ፈረሰ ንርስዖ ኣሎና። ኤርትራውያን ግን መዓልታዊ ኢና ንጠፍእ ዘሎና፣ በብዝወፈርናዮ ኣብ ዓድን በረኻን ንጸንት ኣሎና። ስለዚ ኢና ከኣ ተኣኪብና ፍታሕን መድሃንትና ኣብ እንብሎ ጉዳይ ክንዝትን ሓቢርና  ክሰንርሕን ዘድልየና።

እዚ ብዘይካ ስልጣኑን መንበሩን ብሃለዋትን ህይወትን ህዝቡ ዘይሓስብ ብልሽው ምልካዊ ስርዓት ካብ ሱሩ ክምሖን ክጽረግን ኣለዎ።  ድሕሪ ደጊም እዚ ስርዓት እዚ ክመሓየሸን ክዕረን ይኽእል'ዩ ኢልና ክንጽበ የብልናን። ዓለም ብዓለማ ንዘልቀሰትሎም ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ዝጠፍኡ ዜጋታቱ፡ " ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት!" ኢሉ ዘጠምቕ፣ ሬሳኦም መዳሕንቶም ኣብ ዝተቐብረሉ ምድረ-ኣበዋቶም ከይቅበር ዝኽልክል፣ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታትና ረጊጹን ፍትሒ ጓዕጺጹን ከብቅዕ፡ ብሕሰም ምልኪ ንዝገደፉዎ ዜጋታት ሓበልኡ ክኸውል "ረገጽቲ ሕድሪ!" እናበለ ዘከሻምሽ፣ ዜጋታት ተለቂሖም ተመርቂሖም ንዝሰርሑዎ ኣባይቲ ብዶዘር ዘፍርስ፣ ስድራ-ቤታት ዝብትን፣ ኣረጋውያን ወለዲ ዘከላብት፣ ሽማግለታት ኣመት ዕቤቶምን ጥዕናኦምን ከይገብሩ፡ በስገዳድ ብረት አዕጢቑ ብወተሃደራዊ ስርርዕ ዝቕይድ፣ ብጉርሕን እኩይ ውዲትን መንእሰያት ዝብትን፣ ሸርፊ ወጻኢ ተኸፊሉ ንዘስገሮምን ባዕላቶም ንዝራሕርሑዎምን ወለዲ፡ 50ሽሕ ዝቐጽዕ፣ ካብ ፈቐዶ ጎደናታት ብሓደራ  ሰባት ዝኣሰር፡ ምስ ኣሰረ ዝርስዕ፡ ብኡ ኣቢሉ ሰባት ዘሕቅቕ ዘጥፍእ እኩይ ስርዓት ብዘይካ ምሒኻ ምድርባዩ ካልእ ምርጫ የብልናን።

ስለዚ ኩላትኩም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ካህናትን መሻይኽን ነዞም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ብኣሌፍ ጠፊኦም ዘለው መንእሰያት ከም ወትሩ ብጸሎት ክትዝክሩዎም ትሕትቱ ኣለኹም። ኤርትራውያን ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ነዚ ህጹጽ ተሃዋሲ እውን ኣብ ግምት ዘእቱን ዝበቅዕን ወፈራ ኩነኔን ግብራዊ ስራሕን ክትገብሩ ትጽውዑ ኣለኹም። ኩላትኩም ስነጥበኛታት ጸሓፍትን ደረስትን ዘየምትን ገጠምትን ብጥበብኩም ሰማእታትኩም ክትዝክሩን መንፈስ ህዝቢ ከተበራብሩን  ሓላፍነት ክትስከሙ  ትሕተቱ ኣለኹም።  ጋዜጠኛታት መርበባት ሓበሬታን ሬድዮታት ደለይቲ ለውጥን ንህዝብና ዓለምና  ቃንዛን ስቓይን ዜጋታትና ክትነግሩን ክትስንዱን  ደወል ድሕነት ብምድዋል  ለውጢ ከተተሓባብሩ ትጽውዑ ኣለኹም። ብሓጺሩ ኩላትና ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንርከብ ዜጋታት ኤርትራ፡ ደጊም ጸገምናን ሽግርናን ኣለሊናዮ ኢና'ሞ ጸገምና ክንፈትሕ ሓቢርና ንስራሕ።

ሽግሩ ክፈትሕ ቆሪጹ ዝተላዕለ ህዝቢ ከኣ ዝሓለኖ ከይፈጸመ ከምዘይተርፍ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ሰነድ እዩ። ስለዚ በዚ ወሪዱና ዘሎ ወጽዓ፡ በዚ ዘጋጥመና ዘሎ ዘስካሕክሕ ህልቂትን ፍልሰትን ነዲርና መላኺና ክንጸርግ ንበገስ።  እዚ ስርዓት እዚ ሓሶትን ምትላል ናተይ ኢሉ ተታሓሒዙዎ እዩ። ደጊም ቀውዒ አዕራብ ኣብ ቤትና ኪንደግሞ ብማዕበል ክንትንስእ፡ ንምልክን መላኽን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ሸውዓተ ሙዓሙቕ ደቢና ሓርነትና ከነስተማቕር ሓቢርና ንበገስ!


ጽንዓትን ኣኻእሎን ንስድራ ግዳያትን ህዝቢ ኤርትራን!!


ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካዓካ)

23 April 2015

                                          Share:

Share on Facebook Share on Twitter Share via e-mail Print Share on Google Bookmarks