ጽንዓትን ኣኻእሎን ንስድራ ግዳያትን ህዝቢ ኤርትራን!
ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራውያን ብሰንኪ እዚ ን24 ዓመታት ስልጣን ጨቢጡ ብሕሱም ምልኪ ዝገዝኣና ዘሎ ጨካን ስርዓት ኢሳይያስ፡ ዓቢ ብደሆን ቅልውላውን ኣጋጢሙና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንርከብ ምህላውና ንዓናን ንዓለምን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። መንእሰያትና ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ዘፍቅሩዎ ህዝቦምን ገዲፎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ካብ ዝነፍጹ እንሆ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራዊ ብክቡር መስዋእቲ ደቁን አሕዋቱን ኣብ ዝረኸባ ሃገር ብሰላም ምንባር ስኢኑ ፡ ሰላም ናፊቑ፡ ነዛ ቀሲኑ ንኪነብር ቤቱን ንብረቱን ገዲፉ ይስደድ ኣሎ። ስለዝኾነ እቶም ትማሊ ብቓልስን ጽንዓት እንልለ ዝነበርና ሕቡናት ህዝቢ ብሰንኪ እዚ፡ ርህራሀ ዘይፈልጥ፡ ሰብኣውነት ዘይስመዖ ሕልና ኣልቦ መላኺ፡ ስደትን ፍልሰትን ቀንዲ መለለዩና ኮይኑ ኣሎ።
እነሆ ከኣ ሎሚ፡ ከም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመተ-
በዚ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ተግባር'ዚ ዜጋታቱ ዝተቐትሉዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኤምባሲታቱ ኣብ ዝርከቡዎ መላእ ዓለምን ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሓዘን ዕለታት ብምእዋጅ ነቲ ፍጻሜ ክኹንኖ እንከሎ፡ ስርዓተ ኢሳይያስ ግን ነቲ ጉዳይ ፈጺሙ ኣይተዛረበሉን፣ ከም ቀደሙ ቃል ኣየምሎቐን። ምኽንያቱ ንሱ ስልጣኑን መንበሩን እምበር ዜጋታት ሃገር ንዕኡ ኣይንታዩን እዮም።
ኣብ ጥቅምቲ 2013 እውን ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ልዕሊ 360 ዜጋታትና ኣብ ሓደ ህሞት ምስጠፍኡ " ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት!" ክብል እዩ ሰምዩዎም። ንኣስታት 20 ዓመታት ንሃገሮምን ህዝቦምን ዘገልግሉ ዘለው እናመሰሎም፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ድከቶም ድሕሪ ምስታይ፡ ምሕደራ ምልኪ ሕልፈት ስኢኖሙሉ ነብሶም ከድሕኑ ካብ ሃገር ንዝወጽኡ መንእሰያት " ረገጽቲ ሕድርን መብጽዓን!" እናበለ ዘከሸማሽ ሕልና ኣልቦ ስርዓት፡ ቀደሙ እውን ካልእ ክብል ስለዘይክእል ህዝቢ ኤርትራ መራሒኡ ሕልናን ሰብኣውነትን ከምዘይብሉ ኣጸቢቑ ተረዲኡዎ'ዩ።
ስለዝኾነ በዞም ናብ 20 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ምስ 850 መጓዕዝቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ገና ሬሰኦም ዘይተረኽበ ኣስታት 350 ኤርትራውያን እውን ናይ ሓዘን ዕለት ክእውጅን ንስድራ-
ጥፍኣት ማእከላይ ባሕሪ ዘሰንበደን ሃገራት ምዕራብ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ እቲ ፍልሰትን ጥፍኣትን ደው ዝብለሉ መገድን ፍታሕን ከናድያ ላዕልን ታሕትን እናበላ፡ እቲ ቀንዲ በዓልቲ ቤት ናይቲ ጉዳይ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ግን ብህልቂት ዜጋታትና ቃል ኣየምሎቐን። ስለዚ ኩላትና ኣብ ውሽጥን ግዳን እንርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ቅነ እዚ ከም ናይ ሓዘን ቅነ ወሲድና፣ ነንሓድሕድና እናተጸናንዕና ንግዳያትና ብጸሎትን ሕልናን ክንዝክሮም ይግባእ። ኣብዚ ቅንያት እዚ፡ ኣብ ሰሃራ ብግፍዒ ጸረ-
ኩሎም ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብዘይካ ግዱድ ዕስክርናን ደረት ኣልቦ ጊላነትን ካልእ ዕድል ስለዘይብሎም ካብ መንግስቶምን መራሒኦምን ተስፋ ስለዝሰኣኑ እዮም በብዝረኸቡዎ ዕድል ብጃምላ ዶባት ሃገር ክሰግሩ ዝግደዱ ዘለው። ዋላኳ በቲ ዋሕዚ ዝተሰናበዳ ሓደ -
ግደ ሓቂ እቲ ኣብ ቤትና እንፈርሖ ዘሎና ሞት ኣብ ጉዕዞ ስደትና ብዝኸፍአ መልክዕን መገድን ይገጥመና ስለዘሎ፡ ነቲ ጠንቂ ስደትናን ዝኾነ ንሕስያ ዘይብሉ ጨካን መላኺ ስርዓት ምሒና ብምድርባይ ሰላም ቤትና ከነውሕስ እዩ ዝግበኣና። ወዮ ደኣ ረሳዕቲ ኬይንና እምበር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርድእ ህልቂት ነዚ ቓላት እዚ ንደጋግሞ ኢና። ግን ድሕሪ ዓሱርን ኣርብዓን ዳስ ሓዘንና ምስ ፈረሰ ንርስዖ ኣሎና። ኤርትራውያን ግን መዓልታዊ ኢና ንጠፍእ ዘሎና፣ በብዝወፈርናዮ ኣብ ዓድን በረኻን ንጸንት ኣሎና። ስለዚ ኢና ከኣ ተኣኪብና ፍታሕን መድሃንትና ኣብ እንብሎ ጉዳይ ክንዝትን ሓቢርና ክሰንርሕን ዘድልየና።
እዚ ብዘይካ ስልጣኑን መንበሩን ብሃለዋትን ህይወትን ህዝቡ ዘይሓስብ ብልሽው ምልካዊ ስርዓት ካብ ሱሩ ክምሖን ክጽረግን ኣለዎ። ድሕሪ ደጊም እዚ ስርዓት እዚ ክመሓየሸን ክዕረን ይኽእል'ዩ ኢልና ክንጽበ የብልናን። ዓለም ብዓለማ ንዘልቀሰትሎም ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ዝጠፍኡ ዜጋታቱ፡ " ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት!" ኢሉ ዘጠምቕ፣ ሬሳኦም መዳሕንቶም ኣብ ዝተቐብረሉ ምድረ-
ስለዚ ኩላትኩም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ካህናትን መሻይኽን ነዞም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ብኣሌፍ ጠፊኦም ዘለው መንእሰያት ከም ወትሩ ብጸሎት ክትዝክሩዎም ትሕትቱ ኣለኹም። ኤርትራውያን ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ነዚ ህጹጽ ተሃዋሲ እውን ኣብ ግምት ዘእቱን ዝበቅዕን ወፈራ ኩነኔን ግብራዊ ስራሕን ክትገብሩ ትጽውዑ ኣለኹም። ኩላትኩም ስነጥበኛታት ጸሓፍትን ደረስትን ዘየምትን ገጠምትን ብጥበብኩም ሰማእታትኩም ክትዝክሩን መንፈስ ህዝቢ ከተበራብሩን ሓላፍነት ክትስከሙ ትሕተቱ ኣለኹም። ጋዜጠኛታት መርበባት ሓበሬታን ሬድዮታት ደለይቲ ለውጥን ንህዝብና ዓለምና ቃንዛን ስቓይን ዜጋታትና ክትነግሩን ክትስንዱን ደወል ድሕነት ብምድዋል ለውጢ ከተተሓባብሩ ትጽውዑ ኣለኹም። ብሓጺሩ ኩላትና ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንርከብ ዜጋታት ኤርትራ፡ ደጊም ጸገምናን ሽግርናን ኣለሊናዮ ኢና'ሞ ጸገምና ክንፈትሕ ሓቢርና ንስራሕ።
ሽግሩ ክፈትሕ ቆሪጹ ዝተላዕለ ህዝቢ ከኣ ዝሓለኖ ከይፈጸመ ከምዘይተርፍ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ሰነድ እዩ። ስለዚ በዚ ወሪዱና ዘሎ ወጽዓ፡ በዚ ዘጋጥመና ዘሎ ዘስካሕክሕ ህልቂትን ፍልሰትን ነዲርና መላኺና ክንጸርግ ንበገስ። እዚ ስርዓት እዚ ሓሶትን ምትላል ናተይ ኢሉ ተታሓሒዙዎ እዩ። ደጊም ቀውዒ አዕራብ ኣብ ቤትና ኪንደግሞ ብማዕበል ክንትንስእ፡ ንምልክን መላኽን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ሸውዓተ ሙዓሙቕ ደቢና ሓርነትና ከነስተማቕር ሓቢርና ንበገስ!
ጽንዓትን ኣኻእሎን ንስድራ ግዳያትን ህዝቢ ኤርትራን!!
ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካዓካ)
23 April 2015
Share: