01/09/2022 00:41 AM
መበል 61 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡
ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى الستون لبداية النضال من أجل التحرر المسلح للشعوب الإريترية ، 1 سبتمبر 1961.
61st Anniversary of the Start of Eritrean people's Armed liberation struggle, 1st September 1961.
1961 - 2022
ቃልሲ፡ ብኣድማዕነት፡ ንሓርነት!
ቃልሲ፡ ብኣድማዕነት፡ ንሓርነት!
መበል 61 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى الستون لبداية النضال من أجل التحرر المسلح للشعوب الإريترية ، 1 سبتمبر 1961.
61st Anniversary of the Start of Eritrean peoples Armed liberation struggle, 1st September 1961.
1961 - 2022
እታ ሓበንን ትእምርቲ ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ፈላሚት ዕለት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ እነሆ 61 ዓመታ ኣእኪላ ደበኽ ኢላትና ኣላ።
እቶም ኣብዛ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ሓርነትን ንምጉንጻፍ፡ በጃ ክሓልፉ ዝተወፈዩ ሓርበኛታትና፡ ብመሪሕነት ጅግና ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ እታ ፈላሚት ጥይት ኣብ ጎቦ ኣዳል (ባርካ) ኣበሲሮም። እቶም ኣዝዮም ውሑዳት ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ብኣዝዩ ድሑርን ውሑድን ዓቕሚ ብረት፡ ብረታዊ ተጋድሎ ከልዕሉ ከለዉ፡ እንትርፎ ብጾቶምን ህዝቦምን፡ ኣብ ካልእ እምንቶ ኣይነበሮምን። ኮነ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጻት ንጻት፡ ካብ ራስ-ቃሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ ናብ ሰውራኡ ውሒዙ፡ ንሳላሳ ዓመታት፡ በጃ ህዝቡን በጃ`ታ ሓላል መሬቱን ብጅግንንተት ተጋዲሉ፡ ተሰዊኡ። መሪርን ብዙሕ ሓጎጽጎጽን ዝመልኦ ጉዕዞ ሰውራና ሰጊሩ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ሃገሩ ኣረጋጊጹ።
ባሕቲ መስከረም፡ ልዕሊ`ተን ኩለን ሃገራዊ በዓላትና ኢያ።
ንሳ ዝወለደታ ኸኣ፡ መዓልቲ ናጽነትና ኢያ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝነቐለ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕላምኡ፡ ንሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ጎበጣ ናጻ ምውጻእን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሩ ብሓርነት ንኽነብር ምርግጋጽን ኢዩ ነይሩ። ባዕዳዊ ገዛኢ፡ ብቕልጽም ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ተሓግሒጉ ውጺኡ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ኤርትራ ተራጋጊጹ። ኣብቲ ካብ ሚያዝያ 23-25, 1993 ዝተኻየደ መላእ ዓለም እተዓዘቦን ዝመስከረሉን መስርሕ ምድማጽ ህዝባዊ ረፈረንዱም ተኻይዱ፡ 99.81 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ `እወ ንናጽነት` ብምድማጽ፡ ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ተራጋጊጹ፡ ሃገርና ማዕረ ሃገራት ተሰሪዓ፡ ኮሪዕና።
እነሆ ሎሚ ግን፡ ኣብ ዝሓለፋ 31 ዓመታት ድሕሪ ምርግጋጽ ልዑላውነትና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓርነቱ፡ መሰላቱን ኩሉ ክብርታቱን ተጋሂሱ፡ ኣብ ኣስካሕካሒ ዘቤታዊ ጊልያነት ይነብር ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ህዝብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ። በዚ ምኽንያት`ዚ፡ ባሕቲ መስከረም መበል 61 ዝኽሪ ክንጽምብል ከሎና፡ ነቲ ንሳ ዝነቐለትሉ ሓርነታዊ ዕላማ፡ ገና ዘይተመልአ ጉዕዞ ተሪፉና ከምዘሎ ብምስትንታንን፡ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ሓርነታዊ ጉዕዞ ንምዕዋቱ ግቡእ ዜግነታዊ መስዋእቲን ስራሕን ክንገብር ከምዘሎና ብምዝካርን ኢዩ። እታ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት፡ ክሳብ ኣብ ሸቶኣ እትበጽሕ፡ ብዘይ ምስልካይ ዓቲርናያ ክንምርሽ ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ቀንዲ ሓላፍነት ኢዩ። ከምቲ ልዑላውነት መሬትና ዘረጋገጽና፡ ልዑላውነትን መሰልን ህዝብና ከምእነረጋግጽ ከኣ ናይ ግድን ኢዩ።
በዚ ምኽያት`ዚ፡ ሎሚ ዓመት ጽምብል ባሕቲ መስከረም፡ "ቃልሲ፡ ብኣድማዕነት፡ ንሓርነት!" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ክንጽምብላ ይግባእ።
`ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ` ከምዝበሃል፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓተ ምልኪን ራዕዲን፡ ንሓዋሩ ሓግሒጎም ንምድርባይ ተላዒሎም ኣለዉ። ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝብና፡ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ከኣ፡ ሽግ ሓርነት ናይ ባሕቲ መስከረም የምበልብሉ ኣለዉ። ኤርትራውያን ወለዲን ነባራት ሓርበኛታትን ከኣ፡ ኣብ ጎኒ ደቆም ብምዃን፡ ምኽሮምን ተሞኩሮኦም ዘካፍልሉ፡ ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መድርኽ ኣቲና ኣሎና። እዚ ዉዕዉዕ ቃልሲ፡ ኣብ ሓርነታዊ ሸቶኡ ከይበጽሐ ደው ኣይብልን ኢዩ። ከም ትማሊ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎና፡ ናይቲ ሓርነት ህዝብና ንምርግጋጽ እነካይዶ ቃልሲ እውን ዓወቱ ናይ ግድን ኢዩ።
ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ብዙሕ ክንፈላለ ንኽእል ንኸውን። ኣብ ሃገራዊ ፍቕርና፡ ልዑላውነት ሃገርናን ህዝብናን ግን፡ ከም ኤርትራውያን፡ ኣይንፈላለን ኢና። እሞ፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ባሕቲ መስከረም እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዘመስከርናዮ ሓድነት፡ ዳግማይ ንምትራሩ፡ መብጽዓ እንኣትወላን፡ ሓርነታዊ ቃልስና ንምሕያል ብግብሪ እንውፈየላን፡ ኣጋጣሚ ጌርና ክንጥቀመላ ይግባእ።
ዮሃና! ነቶም ክወግሕ ምዃኑ ከይተጣርራጠሩ፡ በጃ ዝሓለፉልና ጀጋኑ።
መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና.ኮም።
ካብዚ ብምቕጻል፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝበጽሓናን፡ ዝረኸብናዮን ነዛ ዕለትን ወርሒን`ዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ መግለጺታትን ሓበሬታን፡ ኣብ ታሕቲ ከነስዕበልኩም ኢና። ነዚ ገጽ ዚ፡ በብእዋኑ ብትሕዝቶ ከነሀብትሞ ስለዝኾንና፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ድማ ንላቦ።
September channel SBC61: قناة_سبتمبر_SBC61
September represents all!
A special September 1st event organised by September channel SBC61. And this is in commemoration of Al-Fatih from September.
At Nadi Park Royal, 260 Old Oak Common Ln, London NW10 6DX, on FRIDAY, THE 9TH OF SEPTEMBER 09/09/2022
Part-1:
Part-2:
Part-1:
Part-2:
ውድባዊ መግለጺ፡ ውዱብ ሓድነት ኤርትራውያን፡
ብምኽንያት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ዝኸበርካ መላእ ሓፋሽ ህዝብና!
ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም፣ ምልክት ኒሕን ሓቦን፣ መድረኽ ሕራነን ንመግዛእቲ ዘይተምበርካክነትን፡ ምልክት ኩልንተናዊ ቃልስን ኢያ። ህዝብና እቲ ንዘመናት ዝደለዮ ምምላስ ናጽነቱን ክብረቱን፣ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛኣቲ ምስ ተሰጋገረ፣ ብሰለማዊ ቃልሲ ከረጋግጾም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፣ ብሓይሊ ተጨፍሊቑ ኩሎም ኣፍደገታት ምስተዓጽው፣ ብሕራነ ብሓደ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ኣዊጁ። ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ድማ ኣብ 1991 ናጽነቱ ጨቢጡ። Read more
"ባህርያት ስርዓት ህግደፍ እንታይ ይመስል 3ይ ክፋል" ምስ ዶክተር ገብረ። "ቲቪ መለይ 01መስከረም 2022
Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 02 September 2022
መስከረም ካብ ማሕታ ንናጽነት ናብ ዓፈና ንሓርነት! ብሰለሙን ገብረየሱስ ኣሰፋው፡ 02 መስከረም 2022.
ቀዳም Saturday, 03 September 2022፡ ዕዱም ጋሻና፡ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ።
Erimedrek.org:
መበል 60 ዓመት ኢዮቤሊ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ`ን፣ ህግሓኤ`ን፡ እድሪስ ዑመር በሪራይ።
On the Occasion of 60th anniversary of Sep. 1st, discussion with Idris Omer Beriray, ELF and EPLF veteran.
-------
Part 1/4 (05 Mar 2021):
Part 2/4 (11 May 2021):
Part 3/4 (06 Jun 2021):
Part 4/4 (12 Jun 2021):
Erimedrek.org:
መበል 60 ዓመት ኢዮቤሊ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ፣ ሃብተጊዮርጊስ ኣብርሃ።
On the Occasion of 60th anniversary of Sep. 1st, discussion with Habtegiorgis Abraha, ELF veteran.
-------
Part 1/4 (14 May 2021):
Part 2/4 (20 May 2021):
Part 3/4 (3 Jun 2021):
Part 4/4 (12 Jun 2021):
First September Eritrean Liberation Front (E.L.F.) Song.
Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 03 September 2021
Sened ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት 1 መስከረም 1961
ምስ ነባር ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ
Interview with author of the book "Hamid Idris Awate" Tegadalay Haileselassie Woldu - ERi-TV
መግለጺ ህዝባዊ ግንባር | PFDJ Statement on 60th Anniversary of start of the armed struggle - ERi-TV
ዝኽሪ ሓደ መስከረም | Commemoration of 60th anniversary of September 1st -Cinema Roma, Aug. 31, 2021|ERi-TV
English Episode 4- Long Live the Spirit of 1st of September
ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ
ካብ መጽሓፍ ሓርበኛ ኢብራሂም ቶቲል
History of Eritrean Liberation Struggle
From Veteran Ibrahim Totil’s book
[Youtube channel: Anxar Amex Niqales ]
Part 1/8:
Part 2/8:
Part 3/8:
Part 4/8:
Part 5/8:
Part 6/8:
Part 7/8:
Part 8/8:
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)