Placeholder Picture
Placeholder Picture
መበል 61 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።

01/09/2022 00:41 AM

መበል 61 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡
ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى الستون لبداية النضال من أجل التحرر المسلح للشعوب الإريترية ، 1 سبتمبر 1961.

61st Anniversary of the Start of Eritrean people's Armed liberation struggle, 1st September 1961.

1961 - 2022

ቃልሲ፡ ብኣድማዕነት፡ ንሓርነት!

61st Anniversary of the Start of eritrean peoples Armed liberation struggle, 1st September 1961.

ቃልሲ፡ ብኣድማዕነት፡ ንሓርነት!

መበል 61 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى الستون لبداية النضال من أجل التحرر المسلح للشعوب الإريترية ، 1 سبتمبر 1961.
61st Anniversary of the Start of Eritrean peoples Armed liberation struggle, 1st September 1961.
1961 - 2022

እታ ሓበንን ትእምርቲ ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ፈላሚት ዕለት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ እነሆ 61 ዓመታ ኣእኪላ ደበኽ ኢላትና ኣላ።

እቶም ኣብዛ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ሓርነትን ንምጉንጻፍ፡ በጃ ክሓልፉ ዝተወፈዩ ሓርበኛታትና፡ ብመሪሕነት ጅግና ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ እታ ፈላሚት ጥይት ኣብ ጎቦ ኣዳል (ባርካ) ኣበሲሮም። እቶም ኣዝዮም ውሑዳት ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ብኣዝዩ ድሑርን ውሑድን ዓቕሚ ብረት፡ ብረታዊ ተጋድሎ ከልዕሉ ከለዉ፡ እንትርፎ ብጾቶምን ህዝቦምን፡ ኣብ ካልእ እምንቶ ኣይነበሮምን። ኮነ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጻት ንጻት፡ ካብ ራስ-ቃሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ ናብ ሰውራኡ ውሒዙ፡ ንሳላሳ ዓመታት፡ በጃ ህዝቡን በጃ`ታ ሓላል መሬቱን ብጅግንንተት ተጋዲሉ፡ ተሰዊኡ። መሪርን ብዙሕ ሓጎጽጎጽን ዝመልኦ ጉዕዞ ሰውራና ሰጊሩ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ሃገሩ ኣረጋጊጹ።

ባሕቲ መስከረም፡ ልዕሊ`ተን ኩለን ሃገራዊ በዓላትና ኢያ።
ንሳ ዝወለደታ ኸኣ፡ መዓልቲ ናጽነትና ኢያ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝነቐለ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕላምኡ፡ ንሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ጎበጣ ናጻ ምውጻእን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሩ ብሓርነት ንኽነብር ምርግጋጽን ኢዩ ነይሩ። ባዕዳዊ ገዛኢ፡ ብቕልጽም ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ተሓግሒጉ ውጺኡ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ኤርትራ ተራጋጊጹ። ኣብቲ ካብ ሚያዝያ 23-25, 1993 ዝተኻየደ መላእ ዓለም እተዓዘቦን ዝመስከረሉን መስርሕ ምድማጽ ህዝባዊ ረፈረንዱም ተኻይዱ፡ 99.81 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ `እወ ንናጽነት` ብምድማጽ፡ ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ተራጋጊጹ፡ ሃገርና ማዕረ ሃገራት ተሰሪዓ፡ ኮሪዕና።

እነሆ ሎሚ ግን፡ ኣብ ዝሓለፋ 31 ዓመታት ድሕሪ ምርግጋጽ ልዑላውነትና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓርነቱ፡ መሰላቱን ኩሉ ክብርታቱን ተጋሂሱ፡ ኣብ ኣስካሕካሒ ዘቤታዊ ጊልያነት ይነብር ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ህዝብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ። በዚ ምኽንያት`ዚ፡ ባሕቲ መስከረም መበል 61 ዝኽሪ ክንጽምብል ከሎና፡ ነቲ ንሳ ዝነቐለትሉ ሓርነታዊ ዕላማ፡ ገና ዘይተመልአ ጉዕዞ ተሪፉና ከምዘሎ ብምስትንታንን፡ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ሓርነታዊ ጉዕዞ ንምዕዋቱ ግቡእ ዜግነታዊ መስዋእቲን ስራሕን ክንገብር ከምዘሎና ብምዝካርን ኢዩ። እታ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት፡ ክሳብ ኣብ ሸቶኣ እትበጽሕ፡ ብዘይ ምስልካይ ዓቲርናያ ክንምርሽ ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ቀንዲ ሓላፍነት ኢዩ። ከምቲ ልዑላውነት መሬትና ዘረጋገጽና፡ ልዑላውነትን መሰልን ህዝብና ከምእነረጋግጽ ከኣ ናይ ግድን ኢዩ።
በዚ ምኽያት`ዚ፡ ሎሚ ዓመት ጽምብል ባሕቲ መስከረም፡ "ቃልሲ፡ ብኣድማዕነት፡ ንሓርነት!" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ክንጽምብላ ይግባእ።

`ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ` ከምዝበሃል፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓተ ምልኪን ራዕዲን፡ ንሓዋሩ ሓግሒጎም ንምድርባይ ተላዒሎም ኣለዉ። ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝብና፡ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ከኣ፡ ሽግ ሓርነት ናይ ባሕቲ መስከረም የምበልብሉ ኣለዉ። ኤርትራውያን ወለዲን ነባራት ሓርበኛታትን ከኣ፡ ኣብ ጎኒ ደቆም ብምዃን፡ ምኽሮምን ተሞኩሮኦም ዘካፍልሉ፡ ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መድርኽ ኣቲና ኣሎና። እዚ ዉዕዉዕ ቃልሲ፡ ኣብ ሓርነታዊ ሸቶኡ ከይበጽሐ ደው ኣይብልን ኢዩ። ከም ትማሊ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎና፡ ናይቲ ሓርነት ህዝብና ንምርግጋጽ እነካይዶ ቃልሲ እውን ዓወቱ ናይ ግድን ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ብዙሕ ክንፈላለ ንኽእል ንኸውን። ኣብ ሃገራዊ ፍቕርና፡ ልዑላውነት ሃገርናን ህዝብናን ግን፡ ከም ኤርትራውያን፡ ኣይንፈላለን ኢና። እሞ፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ባሕቲ መስከረም እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዘመስከርናዮ ሓድነት፡ ዳግማይ ንምትራሩ፡ መብጽዓ እንኣትወላን፡ ሓርነታዊ ቃልስና ንምሕያል ብግብሪ እንውፈየላን፡ ኣጋጣሚ ጌርና ክንጥቀመላ ይግባእ።

ዮሃና! ነቶም ክወግሕ ምዃኑ ከይተጣርራጠሩ፡ በጃ ዝሓለፉልና ጀጋኑ።

መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና.ኮም።

ካብዚ ብምቕጻል፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝበጽሓናን፡ ዝረኸብናዮን ነዛ ዕለትን ወርሒን`ዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ መግለጺታትን ሓበሬታን፡ ኣብ ታሕቲ ከነስዕበልኩም ኢና። ነዚ ገጽ ዚ፡ በብእዋኑ ብትሕዝቶ ከነሀብትሞ ስለዝኾንና፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ድማ ንላቦ።

ሃገራዊት ሰውራዊት መዝሙር፡ ሓደ መስከረም፡


ዘተ ንሓባራዊ ንቅሓት عة حوار لوعي مشترك

ENCDC - المجلس الوطني - ሃገራዊ ባይቶ is inviting you to a scheduled Zoom meeting.
Topic: ENCDC- Celebrating the 61st Anniversary Of The Eritrean Armed Struggle
Time: Sep 10, 2022 -  (19:30)= 07:30 PM Amsterdam, Berlin, Rome, Stockholm, Vienna


September channel SBC61: قناة_سبتمبر_SBC61
September represents all!
A special September 1st event organised by September channel SBC61. And this is in commemoration of Al-Fatih from September.
At Nadi Park Royal, 260 Old Oak Common Ln, London NW10 6DX, on FRIDAY, THE 9TH OF SEPTEMBER 09/09/2022

Part-1:   Part-2:  
Part-1:

Part-2:


ውድባዊ መግለጺ፡ ውዱብ ሓድነት ኤርትራውያን፡
ብምኽንያት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!


ዝኸበርካ መላእ ሓፋሽ ህዝብና!

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም፣ ምልክት ኒሕን ሓቦን፣ መድረኽ ሕራነን ንመግዛእቲ ዘይተምበርካክነትን፡ ምልክት ኩልንተናዊ ቃልስን ኢያ። ህዝብና እቲ ንዘመናት ዝደለዮ ምምላስ ናጽነቱን ክብረቱን፣ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛኣቲ ምስ ተሰጋገረ፣ ብሰለማዊ ቃልሲ ከረጋግጾም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፣ ብሓይሊ ተጨፍሊቑ ኩሎም ኣፍደገታት ምስተዓጽው፣ ብሕራነ ብሓደ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ኣዊጁ። ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ድማ ኣብ 1991 ናጽነቱ ጨቢጡ። Read more


ዘተ ንሓባራዊ ንቅሓት عة حوار لوعي مشترك
Topic:
First September 1961 is a symbol of unity of the Eritrean people. ሓደ መስከረም 1961 ምልክት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ። أول سبتمبر 1961 هو رمز وحدة الشعب الإريتري


ባሕቲ መስከረምን ህልው ኩነታት ሃገርናን፡


"ባህርያት ስርዓት ህግደፍ እንታይ ይመስል 3ይ ክፋል" ምስ ዶክተር ገብረ። "ቲቪ መለይ 01መስከረም 2022


Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 02 September 2022


መስከረም ካብ ማሕታ ንናጽነት ናብ ዓፈና ንሓርነት! ብሰለሙን ገብረየሱስ ኣሰፋው፡ 02 መስከረም 2022.


ቀዳም Saturday, 03 September 2022፡ ዕዱም ጋሻና፡ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ።


Erimedrek.org:
መበል 60 ዓመት ኢዮቤሊ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ`ን፣ ህግሓኤ`ን፡ እድሪስ ዑመር በሪራይ።
On the Occasion of 60th anniversary of Sep. 1st, discussion with Idris Omer Beriray, ELF and EPLF veteran.
-------

Part 1/4 (05 Mar 2021):    Part 2/4 (11 May 2021):    Part 3/4 (06 Jun 2021):    Part 4/4 (12 Jun 2021):


Erimedrek.org:
መበል 60 ዓመት ኢዮቤሊ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ፣ ሃብተጊዮርጊስ ኣብርሃ።
On the Occasion of 60th anniversary of Sep. 1st, discussion with Habtegiorgis Abraha, ELF veteran.
-------

Part 1/4 (14 May 2021):    Part 2/4 (20 May 2021):    Part 3/4 (3 Jun 2021):    Part 4/4 (12 Jun 2021):


ምቋም ኤትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ
ጽምብል ምቓም ልፍንቲ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገርን፣ ንዓርቢ ዕለት 10 መስከረም 2021 ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ 21.00 ብኣቊጻጽራ ማእከላይ ኤውሮጳ ብመንገዲ ዙም ክካየድ ምዃኑ ኣዳላዊት ሽማግለ ጽምብል ደስ ኣናበላ ብምሕባር ፣ ኣብዚ ጽምብል’ዚ ኣብ መንጎና ክትርከብ ድማ ብዓቢ ኣኽብሮት ንዕድመካ።
قيام الائتلاف الوطني الإرتري
تتشـرف اللجنـــــة المنظمة لاحتفال إعلان قيام الائتلاف الوطني الإرتري بين جبهة التحرير الإرترية، وجبهة الإنقاذ الوطني الإرترية، وحزب الوطن الديمقراطي الإرتري، بدعوتكم لحضور الإعلان عبر الزوم، وذلك يوم الجمعة 10 سبتمبر 2021 من الساعة السادسة مساءً وحتى التاسعة مساءً بتوقيت وسط أوروبا. مع أطيب تحايا اللجنة المنظمة،


ብኣጋጣሚ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም On the 60th Anniversary of September 1st.
في الذكرى الستين ليوم الأول من سبتمبر.
Invited guest speaker:
Dr. Amanuel Mehreteab
-------


ብኣጋጣሚ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም
On the 60th Anniversary of September 1st.
في الذكرى الستين ليوم الأول من سبتمبر.
Voice of Yiakl 4 September 2021 Broadcast:
Weekly News, Bayto Yiakl USA September One Statement and more.


ብኣጋጣሚ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም
On the 60th Anniversary of September 1st.
في الذكرى الستين ليوم الأول من سبتمبر.
Invited guest speakers:
1) Dr. Karar Hamid Idris Awate and (2) Veteran Tzegai Negash


Eritrean Political Forces — ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ጽምብል 1 መስከረም
September 1st Commemoration on the 60 Years Anniversary.



First September Eritrean Liberation Front (E.L.F.) Song.


Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 03 September 2021


ፍሉይ መደብ ኣብ፦ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት (Seminar at፡ Dialogue for Common Awareness) أمسية خاصة في مجموعة حوار لوعي المشترك
الذكرى ال 60 لانطلاقة الثورة الإرترية
في الفاتح من سبتمبر
المناضل تخلي ملكين والمناضل نوري محمد عبدالله
ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ
ኣብ ባሕቲ መስከረም
ተጋዳላይ ተኽለ መለኪን ምስ ተጋዳላይ ኑሪ መሓመድ ዓብደላ


Sened ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት 1 መስከረም 1961
ምስ ነባር ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ


Interview with author of the book "Hamid Idris Awate" Tegadalay Haileselassie Woldu - ERi-TV


ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ።
ፍሉይ መደብ ብባይቶ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
ዝጅምረሉ ሰዓት Time: 10pm Asmara, 9pm Berlin, 8pm UK:


መግለጺ ህዝባዊ ግንባር | PFDJ Statement on 60th Anniversary of start of the armed struggle - ERi-TV


ዝኽሪ ሓደ መስከረም | Commemoration of 60th anniversary of September 1st -Cinema Roma, Aug. 31, 2021|ERi-TV


ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961
Commemorating September, 1st 1961
With: Dr Karar Hamid Idris Awate and Veteran Mohammed B. Blata ምስ ዶ/ር ከራር ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ከምኡ`ውን ገዲም ተጋዳላይን መራሒን መሓመድ ብርሃን ብላታ።
(01 September 2020 at Hdri Jeganuna)

Part: 1/2:


ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961
Commemorating September, 1st 1961
With: Dr Karar Hamid Idris Awate and Veteran Mohammed B. Blata ምስ ዶ/ር ከራር ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ከምኡ`ውን ገዲም ተጋዳላይን መራሒን መሓመድ ብርሃን ብላታ።
(01 September 2020 at Hdri Jeganuna)

Part: 2/2:


English Episode 4- Long Live the Spirit of 1st of September


A Slide video presented on the occasion of Eritrean Veterans' Day 6th year event, on 29th August 2021, via Zoom, organized by UK Team.


ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ
ካብ መጽሓፍ ሓርበኛ ኢብራሂም ቶቲል
History of Eritrean Liberation Struggle
From Veteran Ibrahim Totil’s book
[Youtube channel: Anxar Amex Niqales ]

History of Eritrean Liberation Struggle, From Veteran Ibrahim Totil’s book.
Part 1/8:    Part 2/8:    Part 3/8:    Part 4/8:    Part 5/8:    Part 6/8:    Part 7/8:    Part 8/8:




Our YEMANE BARYA
“ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ ይነብር”!

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: