መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/09/2021 00:41 AM

መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى الستون لبداية النضال من أجل التحرر المسلح للشعوب الإريترية ، 1 سبتمبر 1961.

60th Anniversary of the Start of Eritrean peoples Armed liberation struggle, 1st September 1961.

1961 - 2021

60th Anniversary of the Start of eritrean peoples Armed liberation struggle, 1st September 1961.

መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى الستون لبداية النضال من أجل التحرر المسلح للشعوب الإريترية ، 1 سبتمبر 1961.
60th Anniversary of the Start of Eritrean peoples Armed liberation struggle, 1st September 1961.
1961 - 2021

እታ ሓበንን ትእምርቲ ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ፈላሚት ዕለት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ እነሆ 60 ዓመታ ኣእኪላ ደበኽ ኢላትና ኣላ።

እቶም ኣብዛ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ሓርነትን ንምጉንጻፍ፡ በጃ ክሓልፉ ዝተወፈዩ ሓርበኛታትና፡ ብመሪሕነት ጅግና ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ እታ ፈላሚት ጥይት ኣብ ጎቦ ኣዳል (ባርካ) ኣበሲሮም። እቶም ኣዝዮም ውሑዳት ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ብኣዝዩ ድሑርን ውሑድን ዓቕሚ ብረት ብረታዊ ተጋድሎ ከልዕሉ ከለዉ፡ እንትርፎ ብጾቶምን ህዝቦምን፡ ኣብ ካልእ እምንቶ ኣይነበረን። ኮነ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጻት ንጻት፡ ካብ ራስ-ቃሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ ናብ ሰውራኡ ውሒዙ፡ ንሳላሳ ዓመታት፡ በጃ ህዝቡን በጃ`ታ ሓላል መሬቱን ብጅግንንተት ተጋዲሉ፡ ተሰዊኡ። ድሕሪ`ቲ መሪርን ሓጎጽጎጽን ዝመልኦ ጉዕዞ ሰውራና ሰጊሩ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ልዑላውነት ሃገሩ ኣረጋጊጹ።

ዮሃና! ነቶም ክወግሕ ምዃኑ ከይተጣርራጠሩ፡ በጃ ዝሓለፉልና ጀጋኑ።

ባሕቲ መስከረም፡ ልዕሊ`ተን ኩለን ሃገራዊ በዓላትና ኢያ። ንሳ ዝወለደታ ኸኣ፡ መዓልቲ ናጽነትና ኢያ። ናይ ባሕቲ መስከረም 1961 ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማ ግን፡ መሬትን ህዝቢን ኤርትራ፡ ሓራ ንምግባር ኢዩ ዝነበረ። ልዑላውነት ሃገር ተዓዊትናሉ፡ ሓርነት ህዝብና ግን፡ ገና ንምርግጋጹ ኣብ ዳግማይ ቃልሲ ንርከብ ኣሎና። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ፡ ባሕቲ መስከረም፡ ሓርነታዊ ጉዕዞኣ ክትቅጽል ግድን ኮይኑ ይርከብ።

እወ፡ እዛ ወርሒ ዚኣ፡ ኣብ 1961 ባና ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ሽግ ዘልዓልናላ ክብርቲ ዕለት ኢያ ነይራ። ወርሒ መስከረም ኣብዛ ሓዳስ ኤርትራ ግን፡ ዲክታቶሪያዊ ምልኪ ዝሰወደላን፡ እቶም ሙሉእ ህይወቶም ምእንቲ ህዝቦም ዝተቓለሱ ሓርበኛታትን ሃገራዊያንን፡ ከምኡ`ውን ጋዜጠኛታትን ናይ ሃይማኖት ኣመንቲን፡ ኣብ ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ማሕዩር ዝተሰወሩላ ወርሒ ኮይና ኣላ። እቶም ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዓመታት፡ ደሃዮምን ሃለዋቶምን ዘይፍለጥ ሃገራዊያን፡ ሎሚ ዶ ጽባሕ መስተርሆት ይመጽኣና ይኸውን እናበሉ፡ በቲ ዘይስማዕ፡ ግን ከኣ ሓያል ዝኾነ ሃንቀውታ፡ ይጽበዩና ከምዘለዉ፡ ኩልና ንስሕቶ ኣይመስለናን። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ፡ ኩልና ሃገራዊያን፡ ነታ ባሕቲ መስከረም ዘሰከመትና ሕድሪ፡ ናብ መፈጸምታኣ፡ ማለት ናብቲ ርሁውን ሓራን ዝኾነ መድርኽ ከነብጽሓ፡ ብታሪኽ ንሕተት ኣሎና። ከም ትማሊ ንናጽነትና፡ ሎሚ`ውን ምእንቲ ሓርነትን ልዑላውነትን ህዝብና፡ እቲ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ መስዋእቲ ክንከፍል፡ ሕልናና ክወቕሰና ይግባእ። ነቲ ናይ እዋን ገድሊ `ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ` ዝብል ክቡር ባህልና፡ ሎሚ`ውን ክንደግሞ ይግባኣና። ሃገርና፡ ናብ ንቡር ህይወት ኣብጺሕና፡ ከም ዓለማ ክትመስል፡ ካባና ዝጥለብ ዘበለ፡ በብዓቕምናን ሞያናን፡ ክንስለፍ ኣሎና።

ኣብ ብዙሕ ክንፈላለ ንኽእል ንኸውን፡ ኣብ ሃገራዊ ፍቕርናን፡ ልዑላውነት ሃገርናን ህዝብናን ግን፡ ከም ኤርትራውያን፡ ኣይንፈላለን ኢና። እሞ፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ባሕቲ መስከረም እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዘመስከርናዮ ሓድነት፡ መሊስና ንምትራሩ፡ መብጽዓ እንኣትወላን፡ ሓርነታዊ ቃልስና ንምሕያል፡ ብግብሪ እንውፈየላን ኣጋጣሚ ጌርና ክንጥቀመላ ይግባእ።

ክብርን ምስጋናን ነቶም ሓርነታዊ ሰውራ ዘበገሱን፡ ብጅግንነት ዝሓለፉን ሓርበኛታት ወለድና፡ ይኹን!

መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና.ኮም።

ካብዚ ብምቕጻል፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝበጽሓናን፡ ዝረኸብናዮን ነዛ ዕለትን ወርሒን`ዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ መግለጺታትን ሓበሬታን፡ ኣብ ታሕቲ ከነስዕበልኩም ኢና። ነዚ ገጽ ዚ፡ በብእዋኑ ብትሕዝቶ ከነሀብትሞ ስለዝኾንና፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ድማ ንላቦ።


Erimedrek.org:
መበል 60 ዓመት ኢዮቤሊ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ`ን፣ ህግሓኤ`ን፡ እድሪስ ዑመር በሪራይ።
On the Occasion of 60th anniversary of Sep. 1st, discussion with Idris Omer Beriray, ELF and EPLF veteran.
-------

Part 1/4 (05 Mar 2021):    Part 2/4 (11 May 2021):    Part 3/4 (06 Jun 2021):    Part 4/4 (12 Jun 2021):


Erimedrek.org:
መበል 60 ዓመት ኢዮቤሊ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1961፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ፣ ሃብተጊዮርጊስ ኣብርሃ።
On the Occasion of 60th anniversary of Sep. 1st, discussion with Habtegiorgis Abraha, ELF veteran.
-------

Part 1/4 (14 May 2021):    Part 2/4 (20 May 2021):    Part 3/4 (3 Jun 2021):    Part 4/4 (12 Jun 2021):


ምቋም ኤትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ
ጽምብል ምቓም ልፍንቲ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገርን፣ ንዓርቢ ዕለት 10 መስከረም 2021 ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ 21.00 ብኣቊጻጽራ ማእከላይ ኤውሮጳ ብመንገዲ ዙም ክካየድ ምዃኑ ኣዳላዊት ሽማግለ ጽምብል ደስ ኣናበላ ብምሕባር ፣ ኣብዚ ጽምብል’ዚ ኣብ መንጎና ክትርከብ ድማ ብዓቢ ኣኽብሮት ንዕድመካ።
قيام الائتلاف الوطني الإرتري
تتشـرف اللجنـــــة المنظمة لاحتفال إعلان قيام الائتلاف الوطني الإرتري بين جبهة التحرير الإرترية، وجبهة الإنقاذ الوطني الإرترية، وحزب الوطن الديمقراطي الإرتري، بدعوتكم لحضور الإعلان عبر الزوم، وذلك يوم الجمعة 10 سبتمبر 2021 من الساعة السادسة مساءً وحتى التاسعة مساءً بتوقيت وسط أوروبا. مع أطيب تحايا اللجنة المنظمة،


ብኣጋጣሚ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም On the 60th Anniversary of September 1st.
في الذكرى الستين ليوم الأول من سبتمبر.
Invited guest speaker:
Dr. Amanuel Mehreteab
-------


ብኣጋጣሚ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም
On the 60th Anniversary of September 1st.
في الذكرى الستين ليوم الأول من سبتمبر.
Voice of Yiakl 4 September 2021 Broadcast:
Weekly News, Bayto Yiakl USA September One Statement and more.


ብኣጋጣሚ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም
On the 60th Anniversary of September 1st.
في الذكرى الستين ليوم الأول من سبتمبر.
Invited guest speakers:
1) Dr. Karar Hamid Idris Awate and (2) Veteran Tzegai Negash


Eritrean Political Forces — ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ጽምብል 1 መስከረም
September 1st Commemoration on the 60 Years Anniversary.



First September Eritrean Liberation Front (E.L.F.) Song.


Radio Saeyob راديو سأيوب ራድዮ ሰእዮብ Friday, 03 September 2021


ፍሉይ መደብ ኣብ፦ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት (Seminar at፡ Dialogue for Common Awareness) أمسية خاصة في مجموعة حوار لوعي المشترك
الذكرى ال 60 لانطلاقة الثورة الإرترية
في الفاتح من سبتمبر
المناضل تخلي ملكين والمناضل نوري محمد عبدالله
ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ
ኣብ ባሕቲ መስከረም
ተጋዳላይ ተኽለ መለኪን ምስ ተጋዳላይ ኑሪ መሓመድ ዓብደላ


Sened ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት 1 መስከረም 1961
ምስ ነባር ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ


Interview with author of the book "Hamid Idris Awate" Tegadalay Haileselassie Woldu - ERi-TV


ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ።
ፍሉይ መደብ ብባይቶ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
ዝጅምረሉ ሰዓት Time: 10pm Asmara, 9pm Berlin, 8pm UK:


መግለጺ ህዝባዊ ግንባር | PFDJ Statement on 60th Anniversary of start of the armed struggle - ERi-TV


ዝኽሪ ሓደ መስከረም | Commemoration of 60th anniversary of September 1st -Cinema Roma, Aug. 31, 2021|ERi-TV


ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961
Commemorating September, 1st 1961
With: Dr Karar Hamid Idris Awate and Veteran Mohammed B. Blata ምስ ዶ/ር ከራር ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ከምኡ`ውን ገዲም ተጋዳላይን መራሒን መሓመድ ብርሃን ብላታ።
(01 September 2020 at Hdri Jeganuna)

Part: 1/2:


ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961
Commemorating September, 1st 1961
With: Dr Karar Hamid Idris Awate and Veteran Mohammed B. Blata ምስ ዶ/ር ከራር ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ከምኡ`ውን ገዲም ተጋዳላይን መራሒን መሓመድ ብርሃን ብላታ።
(01 September 2020 at Hdri Jeganuna)

Part: 2/2:


English Episode 4- Long Live the Spirit of 1st of September


A Slide video presented on the occasion of Eritrean Veterans' Day 6th year event, on 29th August 2021, via Zoom, organized by UK Team.


ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ
ካብ መጽሓፍ ሓርበኛ ኢብራሂም ቶቲል
History of Eritrean Liberation Struggle
From Veteran Ibrahim Totil’s book
[Youtube channel: Anxar Amex Niqales ]

History of Eritrean Liberation Struggle, From Veteran Ibrahim Totil’s book.
Part 1/8:    Part 2/8:    Part 3/8:    Part 4/8:    Part 5/8:    Part 6/8:    Part 7/8:    Part 8/8:


Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: