January 2023 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 


21/01/2023 01:31 AM

10ይ ዓመት ዝኽሪ፡

ስዉኣት ስርሒት ፎርቶ ኣስመራ -

21 ጥሪ 2013

Martyrs of Asmara Operation FORTO, 21 January 2013፡

10th Anniversary.


ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ምስ ብጾቱ፡ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ብምውጻእ፡- ቅዋም ኤርትራ ክትግበር፡ ኩሎም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ናጻ ክልቀቑ ዝጸውዑሉን መስዋእቲ ዝኸፈሉሉን ዕለት (21 ጥሪ 2013) ኢዩ።

 Col. Sied Ali Hijay and his comrades, requested: Implementation of Eritrea's Constitution, Release of all political and conscience prisoners; paid their sacrifice on 21 Jan 2013.  VIDEO-1፡  VIDEO-2

ምስዚ ዝተኣሳሰር Related፡


10/01/2023 23:55 PM

እዋናዊ መግለጺ፡

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ንፍትሒ (ኤሃግፍ)፡ 10 ጥሪ 2023፡

ዓቕሊ-ጽበታዊ ጨካን ስጉምቲ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ።

ጕጅለ ህግደፍ፡ ትዓቕሊ-ጽበታዊ ጨካን ስጉምቲ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮማሊ 09 ጥሪ 2023፡ 5ተ ደቀ`ንስትዮ ዝርከበኦም 67 ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ኣሲሩ ኣሎ። እዞም ጭልቅዓት ቈልዑ፡ መብዛሕተኦም ተማሃሮ 10ይ ክፍሊ ኮይኖም፡ ምኽንያት መእሰሪም ከኣ፡ ጸረ ህግደፍ ውዳበታት ኣካይድኩም፡ ንተማሃሮ ዘለዓዕል ወረቓቕቲ ዘርጊሕኩም፡ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ንመንግስቲ ዝወቅስ ጽሑፋት ሓንጢጥኩም ዝብል ክሲ ከምዝርከቦ ተፈሊጡ ኣሎ።

Read more


10/01/2023 23:55 PM

ደሃይ ኣቕልቦ

ጉባኤ ምጥርናፋት ሓይሊ ዕማም ሃገር ስዊዘርላንድ።

ኣቕራቢ ዶክ. ኢንጂነር ፍትዊ ክፍለ

ብ-ዕለት 20-11-2022 ካብ ንግሆ ሰዓት 9h00 ስጋብ ሰዓት 18h00 ናይ ምሸት ቡዙሓት ውድባትን ምንቅስቓስትን ውልቃውያን ንፍትሒ ዝቃለሱ ዝሓዘለ ፈላማይ ወግዓዊ ግባኤኡ ኣካይዱ፡፡ ካብ ሓይሊ ዕማም ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ሲዊዝ፡ ናብ ሕጋዉን ግብራዊን ቃልሲ ምስግጋር ዝብል ፍረነገር/ቁምነገር (theme) ሒዙ ፡ ንተስፋ ናብ ክውንነት፣ ንባህጊ ናብ ሕግዋነት ዘልብስን፡ ኣብነት ንምዃን ዝህቅን፣ ሽትኡ ክወቅዕ ቆሪጹን ብዘየማተ መስርሕ ክቃለስ ዝተበገሰ ክባሃል ይካኣል፡፡ Read more


21/01/2023 23:36 PM

 ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

 ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  

By Membr Zeru Gebreyesus

ቀዳም Saturday, 21 January 2023

ስለምንታይ ኢና ንምሕደራ ኤርትራ ብቀጻሊ ክንቃለሶ እንግደድ?

Why do we have to continue to fight the rule of Eritrea?



02/01/2023 15:27 PM

ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡

ኣብ ኣጋጣሚ

ሓድሽ ዓመት 2023

Assessments, New year wishes and Analyses,

on the occasion of New year 2023

التقييمات ورغبات العام الجديد والتحليلات بمناسبة العام الجديد 2023


ዓመተ-2022፡ መኸተምታ ናይ ኩሉ ሕሰምን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ክትከውን፡ ባና ሰላምን ፍትሒን ኣብ ሃገርና ቀደድ ክብልን፡ ልዑል ተስፋ ኣንቢርና ኔርና። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝምልከት ኲናት ሓድሕድ፡ ሃገርና ኤርትራ ኢዳ ብምእታዋ፡ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት ኣዝያ ተተንኪፋን ተጨኒቓን ኢያ ኣሕሊፋቶ። መጠን ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና፡ ብሰንኩ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ዝግመትኳ እንተኾነ፡ ብኣሃዝ ንምግላጹ ግን፡ በቲ ስርዓት ዝተዋህበ ወግዓዊ ጸብጻብ ወይ ሓበሬታ የለን። ኪኖ'ቲ ኣብ ልዕሌና ከም ኤርትራውያን ዝወረደና ክሳራ፡ እቲ ምስ ጎረቤትና ህዝቢ ኢትዮጵያ (ትግራይ) ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ቂምን ጽልኢን መንፈስ፡ ንውሉድ ወለዶና ከይቅጽል፡ ሓደ ዓቢ ስግኣት ምህላዉ፡ ርዱእ ኢዩ። Read more

ምስዚ ዝተኣሳሰር Related፡



Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more


























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe