Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

July 2019 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 





ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ

OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS

(24 March 2001)

እዚ "ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ" ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ በቶም ንቅዋማዊ ምሕደራ ዝጠለቡ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን ኣባላት ባይቶን፡ (ብጉጅለ-15 (G-15)ዝፍለጡ)፡ ኣብ 2001 ዘውጽኡዎ ቅሉዕ ጠለባትን መልእኽትታትን ዝሓዘ ታሪኻዊ ሰነድ ኢዩ። እዚ ቅኑዕ ህዝባዊን እዋኑ ዝጠልቦ ዝነበረን ጠለቦም፡ ከም ገበን ተቖጺሩ ኸኣ፡ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዞም፡ ኣብ ማሕዩር ክበልዩን ሃለዋቶም ተሸሪቡን ይርከብ። ብዙሓት ካብኣቶም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት እኳ እንተፍለጡ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ዝኾነ ወግዓዊ መልሲ ኣይተዋህበን።. Read more




30/07/2019 05:02 AM

ንኹሎም ወዲእካዮም ተመለስን

ህዝባዊ ማዕበል ይኣክልን

ሓምለ 29/2019 - ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ብንእስነተይ ክንዳኻ ከለኹ ህዝባዊ ማዕበል ይኣክል ነብሪ ጐልጐል ኤርትራ፡ ንኹሎም ወዲእካዮም ተመለስ “kill them all and come back alone - Ammazzeli tutti e torna solo” ዝብል ፊልም ትዝ ስለ ዝበለኒ፡ ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ኲነታት ክመዝን ከም ኣርእስቲ ክጥቀመሉ መሪጸ’ለኹ። ቅድሚ ሕጂ እዛ ጓል ትረኽቦ + እዚ ወዲ ዝረኽቦ = እዛ ኤርትራ ትረኽቦ ኢለ ደሪሰ ነይረ። ሕጂ ድማ ጽሙቝ ኣቢለ ከም ህዝባዊ ማዕበል ደረጃ፡ ማለት ከም ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደረጃ ክርእዮ ከለኹ፡ ስኣን ቀላሲ፡ ዘይረኽቦ የብሉን፡ መንእሰይ ወራሲ እብል ኣለኹ። Read more




30/07/2019 05:02 AM

ይኣክል! ካብዚ'ኸ ናበይ?  

ብ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ  

ተርጓማይ — ተወልደ ስእለ

መጋቢት 2019   

ይኣክል! ብ ኣማኑኤል ክፍለ (ዳዋ) ዝተባህለ መንእሰይ ነባሪ ዋሺንግቶን ዲሲ ካብ ዝብገስ ጀሚሩ ንኩሉ ኤርትራዊ ዋላውን ነቶም ብጉዳይ ኤርትራ ተስፋ ቆሪጾም ስቕታ መሪጾም ዝጸንሑን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ክድግፉ ዝጸንሑ ኤርትራውያንን ክበራበሩን ናብ ሕልነኦም ክምለሱን ሓጊዙ እዩ።  ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን "ይኣክል"! ክብሉ ክትርኢ ልብኻ ዘረስርስ እዩ፡ እንተኾነ ግን እዚ ንበይኑ ነቲ ናይ ህዝብና ስቓይ ከብቅዕ ኣብ ምግባር እኹል ስለዘይኮነ፡ ኩልና ኤርትራውያን ነዚ ናይ “ይኣክል” ማዕበል ናብ ዝበረኸ ደረጃ ከነማዕብሎ ከድልየና እዩ። ዓላማ ናይዚ ጽሑፈይ ዕድመ ናይቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣሕጺርና ንሃገርና ናብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምስግጋር ንሕና ካብ ኤርትራ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን (ዲያስፖራ ኤርትራ) ብዛዕባ ክንገብሮ እንኽእልን ዝግባኣናን ነገራት ዘሎኒ ሓሳብ ከም እማመ ንምቕራብ እዩ። Read more



29/07/2019 20:19 PM

ብሸርሒታት ዝተጠርዩ

ዝናን ኣምልኾትን ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ፡ ክቕንጠጡ፡

ጭካኔ ህግደፍ ዝፈጠሮ ራዕዲ፡ ክውገድ፡

ከይሰልከኻ ምጽዓር

By G. Woldemichael - from U.S.A.

ዶር ጉስታቭ ባይኮውስኪ- ዋርሳው ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ 'ውልቀ-መለኽትን ስዓብቶምን - ክልሰ-ሓሳብ ምልካውነት' ዘርእስቱ ጽሑፉ ብሓጺሩ፡ ኣብ መንጎ ወልቀ-መላኽን ስዓብቱን ፍሉይ ዝምድና ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ስዓብቲ ውልቀ-መላኺ ኣብ ትሕቲኡ ዝንብርከኹ ብፍርሃት ጥራይ ዘኮነ፡ ስለ ዘምልኹዎ'ውን እዩ ዝብል። ንሱ ንዖኦም ሓደ ዝኽተልዎ 'ኣምር' እዩ ዝኾኖም። እዚ 'ኣምር' እዚ ናይ ቅድም ዝኽተሉዎም ዝነበሩ ኣምራትን መትከላትን ክትክእ፣ ንሓሳባት ደቂ-ሰብ፡ ስምዒታቶም፡ ንጥፈታቶም ከማሓድር/ክመርሕ ተኽእሎ ኣሎ። (ንሱ) ዝገብረሎም መብጽዓታት ይኣምኑ፡ ኣብ ግዜ ሽግሮምን ጭንቀቶምን ክኣ ካብ ጸበባ ከድሕኖም ወይ ከውጽኦም ብዘይ ውልውልን/ነቐፌታን ካብኡ ይጽበዩ።  Read more




29/07/2018 17:12 PM

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ - ሰ.ዲ.ህ.ኤ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ - ኤ.ም.ንፍትሒ

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ - መድረኽ

መሰጋገሪ ኣወሃሃዲት መሪሕነት (መኣመ)

ጋዜጣዊ መግለጺ 25 ሓምለ 2019

ምስረታ ሓድሽ ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ ውድብ

እቲ መስራቲ ጉባኤ ሓድሽን ሰፍሕን መሰረት ዘለዎ፣ ብጥምረት ናይዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ውድባት ዝምስረት ሃገራዊ  ፖሎቲካዊ ውድብ ካብ ዕለት 23 ክሳብ 25 ነሓሰ 2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን ክካየድ ምዃኑ መሰጋገሪ ኣወሃሃዲት መሪሕነት ንህዝቢ ኤርትራ ብሓጎስ ትገልጽ። Read more




29/07/2018 17:12 PM

ናብ ክቡር ሓው፡ ኣክሊል ሃይሉ

ጽሑፍ ብ 'ደብረ

ብዕለት 20 ሓምለ 2019 “ባይቶ ይኣክል፡ ንመን ይመስል” ትብል ኣብ ስኒትና ዶት ኮም ንንባብ ዝበቕዐት ጽሑፍካ ኣንቢበዮ። ኣንባባይ ብቀሊሉ ክርድኦ ብዝኽእል መንገዲ ስለዝጸሓፍካዮ “ይበል” ዝብል ጽሑፍ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ኣድናቖተይ እገልጸልካ። ስለ እቲ ጽሑፍን ዘቕረብካዮ ሓሳባትን ምስጋና ይግበኣካ ኢዩ፡ የቕንየልና ክብል ኣፍቅደለይ።

ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ፍሉጥ ጸሓይ ዝሞቖ ጉዳይ ኢዩ። ብዙሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ከምዝፍለጥ ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ ባይቶ ኢዩ። ታሪኽ ኣቦታትና ከምዚ ሕጂ ዘሎ ዘሕፍር ታሪኽ ባይቶ ከምዘይነበረ ኢዩ ዝዝንተወልና ዝነበረ።  Read more



28/07/2019 23:55 PM

 ብዛዕባ ቲ ካናዳ-ሓቆፍ ዝካየድ ዘሎ፡ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን፡ ምቛም ጽላልን፡

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 28 July 2019

ሰዓት: 9PM Asmara, 7PM Berlin, 6PM UK, 1PM NY

ሰንበት Sunday, 28 July 2019፡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ኣቶ ኣብራሃም ተኪኤ ካብ ዊኒፔግ፡ ኣቶ ጥዑም ገብረዮሃንስ ካብ ኪችነር፡ ወ/ት ፍናን ተስፋማሪያም ካብ ካልጋሪ ኢዮም። መዛተዪ ኣርእስትና "ብዛዕባ ቲ ካናዳ-ሓቆፍ ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን ምቛም ጽላልን፡ ዝምልከት" ኢዩ ክኸውን። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Sunday, 28 July 2019, Our invited guests are: Mr. Abraham Tekie (winnipeg), Mr. Tuum Ghereyohannes (kitchener) &  Miss Fnan Tesfamariam (Calgary). Our discussion Topic is: "The #Enough movement gathering in Toronto on 03 August 2019, to create Yiakel Canada Umberella." You are all cordially invited to participate.




28/07/2019 23:55 PM

   ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ Sunday 28 July 2019 መደብ

ቅልውላው ተረኽቦ ዋሽንግተንን መፍትሒታቱን

THE CRISIS OF WASHINGTON CONVENTION AND ITS SOLUTIONS.

Mr Kidane Hagos & Mr Kibreab Tesfu

ኣብዚ ላዕለዋይ ኣርእስቲ ክዛተዩ ዝቐርቡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን፡ ኣቶ ክብርኣብ ተስፉን ኢዮም።  ተሳትፎ፡ ሕቶን ርእይቶን ተኻታተልቲ እናተባባዕና፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። Our invited panellist discussing the topic above are: Mr Kidane Hagos and Mr Kibreab Tesfu; You are all cordially invited.




27/07/2019 21:52 PM

ምቛም ሽማግለ ይኣክል

(Setting-up The Yiakil Committee)

ብ'ገብረዝጊ ኣፈወርቂ

ደገፍቲ መንግስቲ ዝበሃሉ በቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝዝርግሖ ውግእን ወረ ውግእን ፕሮፓጋንዳ ተታሊሎም ህዝብን ሃገርን ብናይ ውጻኢ ሐይልታት ተጻብኦ ኣብ ሐደጋ ከይኣቱ ምእንቲ ነቲ በብጊዜኡ እንዳኸፍኤ ዝኸይድ ውሽጣዊ ጸገም እንዳርኣዩ ከም ዘይርኣዩ እንዳሰምዑ ከም ዘይሰምዑ ኰይኖም ንዓማጺ ስርዓት ደገፎም ሂቦም ኢዮም። ደለይቲ ፍትሒ ድማ ካብታ ቅንዕቲ መበገሲት መገዲ ዕላማኦም ዘንቢሎም (ኣልጊሶም) ኣብ ክንዲ ብሐድነት ዝሰርሑ ፋሕ ጭንግራሕ ኣትይዎም ተዳቒቖም ኣብ ግዕዞ ኣመል ምስ መግነዝ በጺሖም ነይሮም። ፕራይም ምኒስተር ኢትዮጵዪ ዶ|ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጽኤ …Read more




27/07/2019 13:55 PM

ሓፈሻዊ ዕላማን መትከላትን፡

ስሙር ድምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን።

Dachorganisation der eritreischen Diaspora in Deutschland.e.v

At: Eritrea Hdri Jeganuna & Eritrean Dilalet Hallena,

Paltalk Rooms

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና & ፓልቶክ ድላለት ህለና

 27 July 2019

ሰዓት: 11PM Asmara, 9PM Berlin, 8PM UK, 2PM NY

 ሎሚ ቀዳም Saturday 27 July 2019 ኣጋይሽና ካብ ኣባላት ቦርድ፡ ስሙር ድምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን፡ ወ/ሮ ሰልዋ ኑር ፡ ኣቶ ያቆብ ኣብርሃምን ኢዮም። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዕላማን መትከላትን፡ ስሙር ድምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን፡ መግለዚ ክህቡና ኢዮም። ቆጸራና ሳዓት 21 ብኣቆጻጽራ በርሊን። ብደሐን ምጹ።

ندوة بعنوان الاهداف والمبادئ العامة لمنظمة توحيد الاصوات الاريترية في المانيا. مع اعضاء المجلس الاداري الاستاذة سلوي نور، والاستاذ يعقوب ابرهام

Our invited guests today Saturday 27 July 2019 are: Mrs Salwa Nour and Mr Yacob Abraham. They will brief us about the "United voice of Eritreans in Germany (Dachorganisation der eritreischen Diaspora in Deutschland.e.v)". You are all cordially invited to join.




27/07/2019 01:15 AM

AN URGENT CALL TO ACTION

FROM THE ERITREAN YOUTH

LEADING THE WAY

By Dr. Tesfa G. Gebremedhin

West Virginia University.

History has taught us that our former Eritrean government leaders have kneeled to the ground to salute Emperor Haileselassie of Ethiopia with jubilation and fanfare when he entered to Eritrea through Mereb and all the way to Asmara. Our former Eritrean leadership, including the Parliament of Eritrea, failed to defend and protect the UN resolution for the Federation of Eritrea with Ethiopia. By violating the terms, conditions and agreements of the UN resolution, the Emperor of Ethiopia was able to annex Eritrea before the actual timetable or duration of the Federation was officially terminated. Read more




26/07/2018 01:45 AM

ERIREAN PEOPLE’S DEMOCRATIC PARTY - EPDP

ERITREAN MOVEMENT FOR JUSTICE - EMJ

FORUM FOR NATIONAL DIALOGUE - FND

Transitional Coordinating Leadership (TCL)

PRESS STATEMENT 25 July 2019

FORMATION OF NEW BROAD-BASED POLITICAL ORGANIZATION

THE FOUNDING CONGRESS

The Transitional Coordinating Leadership (TCL) would like to inform the Eritrean Public that the founding congress of the new broad-based national organization, whose founding members are individual members of the three above mentioned organizations will take place between 23 -25 August 2019 in Frankfurt, Germany. Read more



23/07/2018 23:15 PM

ንካልኣይ ግዜ ቃል ግፉዕ

ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ

Abune Antonios, who has been under house-arrest,

 speaks for a second time.

Read more

See Related ምስዚ ዝዛመድ፡-




23/07/2018 23:15 PM

ባይቶ ይኣክል፡ ንመን ይመስል፧

ብ’ኣኽሊል ሃይሉ

[facebook: Aklil Hailu ]

ነቦኻ ትመስል፡ ነዴኺ ትመስሊ; ኣይፋል ንሓትኖኣ ደኣ... ወዘተ ልሙድ ኣዘራርባ እዩ። ምምስሳል ብፍላይ ከኣ ምስ ግሩም፡ ውቁብ፡ ወይ ስሙይ ሰብ ተባሃጋይ እዩ። ዳርጋ ኩሉ ወላዲ ውሉዱ ንእኡ ክመስሉ ይደሊ። ኣብ ባህልና ድሕሪ ሕርሲ፡ “ጥዕይቲ ሓራስ ዲኺ፧” ድሕሪ ምባል ናብቲ ህጻን ንመን ይመስል’ዩ ዝእቶ። “ግምባሩ ቅምጥ ኢሉ ነቡኡ” “መኻፍቲ ኣፋ ናይ ኣዲኣ” ኣናተባህለ ኣዝማድ ሰበይቲ ናብኦም ክስሕቡ፡ ኣቶም እንዳ ወዲ’ውን ናባታቶም ከቕርቡ ይፍትኑ፡ መልክዕ እቲ ህጻን ካብ ክልቲኦም እተዋሰበን እተሓናፈጸን ምዃኑ ንጊዚኡ ኣየስተውዕሉን። ብፍላይ እቲ ውላድ ዝያዳ ነቦኡ ምስዝመስል፡ “ነቡኡ ዝመስል ንእዝጊ ይመስል” ይብሉ። እንተ እታ’ደ ካብ ከብዳ’ዩ ወጺኡ፡ መንነት ኣቦ ግን ባዕሉ መስኪሩ ንምባል’ዩ። ትሒም ትሒም የለ፡ ምትሕምማይ የለ። መልክዕ ወይ ምስሊ ግዳማዊ ምስክር ስለዝኾነ። Read more



23/07/2018 23:15 PM

Eritrean Refugee Community in Egypt

TO WHOM IT MAY CONCERN

ጻውዒት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ

July 21, 2019

We need to let the world know and open its eyes that we Eritrean Refugees and Asylum seekers have repeatedly trying to condemn the UNHCR office in Egypt for it’s not working according to its mandate. Nevertheless we have not got any positive response in improving the frustrating situation that we are passing through; rather the office still remains persistent in defending itself with meaningless justifications. Read more




21/07/2019 21:15 PM

 ጸገም ሃገርና ኤርትራን መፍትሒኡን

Eritrea Problems and their Solution

ኣቶ ዑቕባዝጊ ድቡስ

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 21 July 2019

ሰዓት: 9PM Asmara, 7PM Berlin, 6PM UK, 1PM NY

ሰንበት Sunday, 21 July 2019፡ ዕዱም ጋሻና፡ ኣቶ ዑቕባዝጊ ድቡስ ኢዩ። ንሱ ሑዙዎ ዝመጸና ዘሎ ኣርእስቲ፡ "ጸገም ሃገርና ኤርትራን መፍትሒኡን" ዝብል ኢዩ ክኸውን። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Sunday, 21 July 2019, Our invited guest is Mr. Ogbazghi Debus. His discussion Topic is: "Our Eritrea Problems and their Solution" You are all cordially invited to participate.




21/07/2019 21:15 PM

ድምጺ ኤርትራ ኣብ CKDU (ናዝ የማነ)

ናይ Sunday 21 July 2019 show መደብ

ንጋባእን፡ ዝምድንኡ ምስ ምንቅስቓስ ይኣክልን

NGABAE AND THE YIAKIL MOVEMENT

Discussion with Mr Kidane Hagos

ዘተ ምስ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ

On Sunday 21 July 2019 our guest will be Mr. Kidane Hagos. He will discuss: (1) the relation of NGABE (Engage) to the YIAKIL Movement, (2) Why he condemned the Washington YIAKIl Movement, and (3) on how a People’s wave of resistance starts and related issues. You are all cordially invited to participate. ሰንበት Sunday 21 July 2019፡ ዕዱም ጋሻና፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ ኢዩ። ንሱ፡ (1) ዝምድና ንጋባእ ምስ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፡ (2) ስለምንታይ ንናይ ዋሽንግቶን ምንቅስቓስ ይኣክል ከምዝኾኖኖ፡ (3) ህዝባዊ ናይ ተቓውሞ ማዕበል ክድንፋዓሉ ዝኽእል ኣገባብን ካልኦት ዝዛመዱ ጉዳያትን፡ ምሳና ቀሪቡ ክዝቲ ኢዩ። ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ።

 1ይ ክፋል (21-July-2019)፡  1ይ ክፋል (21-July-2019):

See Related ምስዚ ዝዛመድ፡-



20/07/2019 23:56 PM

 ይኣክል ሎሚ’ውን ኣብ ቀራና መንገዲ!

ياكل في مفترق الطرق ، مرة أخرى YIAKL

Yiakl At the Crossroads, Once Again!

By MR NASSER OMER ALI

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 20 July 2019

ሰዓት: 9PM Asmara, 7PM Berlin, 6PM UK, 1PM NY

ቀዳም Saturday, 20 July 2019፡ ዕዱም ጋሻና፡ ኣቶ ናስር ዑመር ዓሊ፡ ኢዩ። ሒዙዎ ዝመጻና ዘሎ ኣርእስቲ "ይኣክል ሎሚ’ውን ኣብ ቀራና መንገዲ! في مفترق الطرق ، مرة أخرى YIAKL" ዝብል ኢዪ ክኸውን። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Saturday, 20 July 2019, our invited guest is Mr Nasser Omer Ali, from EriMedia Watch Group. He will discuss on Topic: "Yiakl At the Crossroads, Once Again!" You are all cordially invited to participate.



20/07/2019 13:23 PM

ነልሰን ማንደላ፡

ኣርማ ጽንዓትን ፍትሕን ኣፍሪቃ

BBC ትግርኛ (20 July 2019)

ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ታሪኽን ተመኩሮን ሰውራታት ዓለም እንተላይ ንቃልሲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣንጻር ዓሌትነት ብቐጻሊ ይመሃሩዎን ይከታተሉዎን ነይሮም።

   ማንዴላ ኣብ ደሴት ሮቢን ዘሕለፎ ዘይፍትሓዊ ማእሰርትን፡ በዓልቲ ቤቱ ዊኒን ተቓለስቲ ብጾቱን ንፍትሒ ዘካይድዎ ጎስጓስን ጻዕርን ከም ኣብነት ይጥቀስን ይድነቕን ነይሩ።

   ሰውራ ኤርትራ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነቱ ክጎናጸፍ እንከሎ፡ ማንዴላ ከኣ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት ዓወት ሰውራ ኤርትራ ብ11 ለካቲት 1990 ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ 27 ዓመታት ወጺኡ፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ብፍቕሪ ተኪኡ ንኹሎም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ብማዕረ እተነባብር ሃገር ንምምስራት ተበግሶ ኣንቂዱ። Read more



19/07/2019 23:46 PM

'ንሓቂ ኸኣ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፥ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ’ (ዮሓ 8፡31-32)

[ ረዲዮ ቫቲካን (19 July 2019) ]

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፈ መደባትና በብእዋኑ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ እትህቦ መበራርሂ ክነጋውሓልኩም ከምዝቀነና ዝዝከር ኰይኑ ሎሚ እውን ነቶም ኰነ ኢሎም ከደናግሩ ሒዅ ዝብሉ ዘለውን ዘይባህርያን ዘይመልክዓን ከልብስዋ ዝጽዑሩን ኣይፋልኩም እቲ ሓቂ እዚ እዩ እንክብሉ ትማሊ ዘውጽእዎ መብርሂ ነቅርበልኩም።

Read more

See Related ምስዚ ዝዛመድ፡-




17/07/2019 23:03 PM

ለውጢ ካብ ውሽጢ ዓዲ

CHANGE FROM INSIDE ERITREA

One Nation Eritrea (ONE)

Solomon Ghebeyesus' presentation at the One Love One Nation Conference in Oakland, California.

ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ (ሕመኣ) ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ናይ ሓንቲ ኤርትራ (One Nation Eritrea - One) ብኣቶ ሰለሙን ገብረየሱስ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ኢዩ። Read more

See Related ምስዚ ዝዛመድ፡-



15/07/2019 00:10 AM

LEGACY

Remembering the murder

of my husband, Berhane Tesfamariam,

by Ethiopia, 41 years ago.

by Kiki Tzeggai

I thank the Creator for giving you to Eritrea and to me! You became ancestor to Eritrean kids and son to our ancestors! You joined the convoy of the departing without qualms; you told us to unite and be sure that in our beloved Eritrea, growths will bloom and the rain will meet the Khamsin sandstorm of the desert! The sun will rise, you assured us! Your destiny gave you the strength to conquer and made you part of conquerors! Your courage will become a legacy not only for Eritrea but from continent to continent! The dust that sparkled from your Shidda still makes the cruel invaders fear. Your triumphs will meddle with the winds! The flag of a free Eritrea you offered us, will cover the horizon! …Read more



14/07/2019 23:40 PM

ድምጺ ኤርትራ ኣብ CKDU (ናዝ የማነ)

ናይ Sunday 14 July 2019 show መደብ

ኣብ መላእ ካናዳ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን፡ ሓቢሩ ዝካየድ ናይ ምብርባር መደባትን

THE AGENDA OF THE CANADA-WIDE YIAKIL MOVEMENT & THE FESTIVITY

Dr. Mogos Yakob, Fnan Tesfamariam, Tumzghi Gebreyohannes and Abrham Tekie.

PART-2 ይቕጽል

ጽባሕ ሰንበት 07 ሓምለ 2019፡ ኣብዚ ላዕለዋይ ኣርእስቲ ዝዛተዩ ኣርባዕተ ኣጋይሽ ክህልዉና ኢዮም። ንሳቶም፡- ዶ/ር ሞጎስ ያቆብ፡ ፍናን ተስፋማሪያም፡ ጥዑምዝጊ ገብረዮሃንስ፡ ኣብርሃም ተኪኤ፡ ኢዮም። ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። This Sunday 07 July 2019, Voice of Eritrea is hosting four guests to discuss on the above topic; they are: Dr. Mogos Yakob, Fnan Tesfamariam, Tumzghi Gebreyohannes and Abrham Tekie. You are all cordially invited to join.




 Read more (ተወሳኺ ሓበሬታ)

 1ይ ክፋል A (07-July-2019)፡  1ይ ክፋል B (07-July-2019):

 2ይ ክፋል A (14-July-2019)፡  2ይ ክፋል B (14-July-2019):




14/07/2019 14:16 PM

 ዘተ ምስ ኣቶ ሙሴ ዳዊት (Kabod Mo)

Discussion with Mr Mussie Dawit (Kabod Mo)

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 14 July 2019

ሰዓት: 9PM Asmara, 7PM Berlin, 6PM UK, 1PM NY

ሰንበት Sunday, 14 July 2019፡ ዕዱማት ጋሻና፡ ኣቶ ሙሴ ዳዊት (Kabod Mo)፡ ኢዩ። ሒዙዎ ዝመጻና ዘሎ ኣርእስትታት፡- 1 ህዝባዊ ምንቅስቃስ ወይስ ውድባዊ 2 ተሳታፍነትን ብዙሕነትን 3 ዲሞክራሲያዊ መስርሕ 4 ስትራተጂን ዕላማን ዘይምህላዉ፡ ዝብል ኢዪ ክኸውን። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Sunday, 14 July 2019, our invited guest is Mr Mussie Dawit (Kabod Mo). He will discuss on Topics: 1. Popular or Organisational movement? 2. Participation and pluralism, 3. Democratic process, and 4. Absence of Strategy and purpose. You are all cordially invited to participate.



13/07/2019 22:45 PM

ዲሞክራሲ: ከም ሽንፋእ

ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ

ኣብ ዕላላትናን ገለ ጽሑፋትናን፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝብሃል ክርኢ ከለኹ፡ ሽንፋእ’ዩ ትዝ ዝብለኒ። ኣዴታትና ንሽንፋእ ንብዙሕ ኢየን ዝጥቀማላ፥ ከም መቕደዊ፣ መድሃኒት፣ መባረሪ እኩይ መንፈስ፣ ወዘተ። ዲሞክራሲ ከኣ፡ ከም ተኣምራዊ ማሕበራዊ ክኒና፡ ናይ ተጠቃሚ መሐበሪ ብዘየገድስ፡ ምስወሓጥካያ ኩሉ ጸገምካ ቅንጥጥ ዝብለልካ ኮይኑ ይስምዓካ። ምናልባት ጌጋ መልእኽቲ ምእንቲ ከየመሓላልፍ፡ ብዋዛ መጀመሪየይ ኣብ ሓደ ቁንጫል ናይዚ ዓቢ ኣርእስቲ ከተኩር ስለዝደለኹ ደኣምበር ንባጫ ኢለ ኣይኮንኩን። ዲሞክራሲ ከም ኣርእስቲ ዝተቛሰለ ኣርስቲ ስለዝኾነ፡ ንንባብ ውን ዓዳሚ ኣይኮነን። ግን፡ እስከ ሓቦ ኢልና ንቐጽል፡ ናይ ህላወ ሕቶ ስለዝኾነ።

 Read more

See also Related ምስዚ ዝዛመድ፡-



13/07/2019 13:26 PM

 ኤርትራዊ ስኒት መጽናዕታዊ ጉጅለ

ጋዜጣዊ መግለጺ

Eritrean Sinit Study Group (ESSG)

PRESS RELEASE

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 13 July 2019

ሰዓት: 9PM Asmara, 7PM Berlin, 6PM UK, 1PM NY

ቀዳም Saturday, 13 July 2019፡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም ከምኡውን ወ/ሮ ኣበባ ኣብራሃን ኢዮም። ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዕለት 5ን 6ን ሓምለ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ናይ ኤርትራዊ ስኒት መጽናዕታዊ ጉጅለ  ኮንፈረንስ፡ ጋዜጣዊ መግለጺን መብርሂን ክህቡና ኢዮም። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Saturday, 13 July 2019, our invited guests are: Dr. Gebre Gebremariam and Mrs Abeba Abraha. They will give Press release and seminar on the ESSG conference that was held on 5th and 6th July 2019 in CA Bay Area. You are all cordially invited to participate.




13/07/2019 13:26 PM  UPDATED

ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን፥ ይኣክል!

ኣብ ከተማ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ

PEACEFUL DEMO BY ERITREAN

JUSTICE-SEEKERS IN LONDON UK

SATURDAY 13TH JULY 2019, 2PM (SHARP)

START AT: TRAFALGAR SQUARE

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ንዕለት 13 ሓምለ 2019 ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ስለዝኾንና፡ ኩላትና ኤርትራውያን ክንሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ስቓይ መወዳድርቲ የብሉን። ነዚ ድማ ይኣክል! ንብል ኣለና።

ብዙሓት ንጹሃት  ዜጋታት ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ይበልዩ ኣለዉ። ንሕና ድማ ይኣክል! ንብል ኣለና። Read more

ናይ ይኣክል! ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ። Eritrean DEMO, in London UK on Saturday 13 July 2019.  

LIVE REPORTS  WATCH HERE LIVE

ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ኣብዚ ጠውቑ



13/07/2019 01:11 AM  UPDATED

ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ ስሩዕ መጋባእያ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ውሕሃ።

ፍልይቲ ጸብጻቢት ውሕሃ፡ ሚስ ዳኔላ ክራቨዝ፡

ሎሚ ሰሉስ 2 Jul 2019፡ ጸብጻባ ኣቕሪባ።

ID: SR on Human Rights in Eritrea - 18th Meeting, 41st Regular Session Human Rights Council - 2 Jul 2019 - Interactive dialogue with:

- Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea A/HRC/41/5

ናይ ውሕሃ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፍልይቲ ጸብጻቢት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ሚስ ዳኒየላ ክራቨዝ (Ms. Daniela Kravetz) ሎሚ ሰሉስ 2 Jul 2019 ጸብጻባ ኣቕሪባ። ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ  እውን ንኤርትራ ወኪሉ ጸብጻቡ ኣስሚዑ። ከምኡውን ካልኦት ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡውን ወኪላት ሃገራት፡ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ጸብጻቦም፡ ምስክርነቶምን ርእይቶኦምን ኣቕሪቦም። ኣብዚ ዝቕጽል ቪድዮታት፡ ሙሉእ ጸብጻብ ናይቲ ኣኼባ ክትሰምዑዎ ትኽእሉ።  Part-1:   Part-2:

See also Related ምስዚ ዝዛመድ፡-



12/07/2019 23:17 PM

Yiakel Canada Wide (YCW)

PRESS RELEASE

Yiakel Canada Wide Festival will be held in Toronto, on Saturday, August 3, 2019. The main objective is to bring Eritrean-Canadians together in unity through a Canada-Wide Yiakel/Kifaya movement in common vision of ending tyranny in Eritrea and establishing rule of law and democracy. Read more








12/07/2019 23:17 PM

ይኣክል’ዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ ?

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳት፣ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ከልዕል ዝደረኸኒ ነቲ ብሓደ ትጉህ ኤርትራዊ ተጀሚሩ፤ ካብ ምቛም እዚ እናገበለ ዝመጸ፣ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ዘስዓቦ፣ ኣብ ጥርዙ ምስ በጽሐ ዘርኣዮ ባህርያት፣ ክድዓት ዝነቐለ፤ የብቅዕ ስርዓተ ውልቀ-መላኺ፣ ይኣክል ምፍልላይ፣ ንፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ንምምጻእ ሓቢርና ንቃለስ፡ ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ቅድሚት ሰሪዕና፣ ኣብ ሓደ ንኹላትና ዘጽልል ደምበ ፍትሒ ተጠርኒፍና፣ ቡዙሕነት ኣብ ሓድነት ዝብል ውርሻ ኣቦታትና ነዘውትር።

   እዚ ቁኑዕ ጭርሖ፣ ምስ ምምስራት ስርዓተ ኢሳያስን ጉጅሉኡን፣ኣትሒዘን ተቛምአን ወይ ኣንጻሩ ተጠርኒፈን ክንቃሳቓሳ ዝጸንሓ፣ ውድባት፣ ምንቅስቃሳት፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ውልቀ ዜጋታት፣ ብሓድሽ መንፈስ ክቕበልኦ ከለዋ፡ …Read more



12/07/2019 20:00 PM

ኣብዚ ዘለናሉ እዋን እዚ ንለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ዕዉት ንክኸውን ዝሕግዙ ኣገባባት

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

& Eritrean Dilalet Hallena

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና & ፓልቶክ ድላለት ህለና

 12 July 2019

ሰዓት: 11PM Asmara, 9PM Berlin, 8PM UK, 2PM NY

ን ዓርቢ ዕለት 12/7/2019 ጋሻና ኩቡር አምበሳደር ዓብደላ ኣደም እዩ፡ አርእስቲ ዕላልና (ኣብዚ ዘለናሉ እዋን እዚ ንለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ዕዉት ንክኸውን ዝሕግዙ ኣገባባት)  ቆጸራና ሳዓት 21 ብኣቆጻጽራ በርሊን። ብደሐን ምጹ

ضيفنا ليوم الجمعة الموافق 12/7/2019 سعادة السفير عبدالله ادم في ندوة بعنوان، (السبل الناجعة للتغيير في وقتنا الحالي) موعدنا في تمام التاسعة م/ بتوقيت برلين



11/07/2019 23:35 PM

ሌላ ምስ ማናቱ መጻሕፍቲ፡-

(1) ምምልላእ፡ (ምህናጽ ሕጉስ ስድራቤት)

(2) ምክእኣል፡ (ጠንቅታት ዘይምቅድዳው መጻምድትን ኣተኣላልያኡን)

ደራሲ፡- ኣቶ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን)

ገዲም ተጋዳላይን ናይ ሕጊ ምሁርን

ዕለት 09 ሰነ 2019፡ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ነዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ክልተ ማናቱ መጻሕፍቲ፡ (1)ምምልላእ፡ (2)ምክእኣል፡ ናይ ምልላይን ምምራቕን ስነስርዓት ተኻይዱ ነይሩ። ብምኽንያት ጻዕቂ መደባት፡ እዚ ጸብጻብ ደንጉዩ ብምቕራቡ፡ ንተኻታተልቲ ይቕሬታ ንሓትት

ኣብቲ ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ከተማ ሎንዶን ዝመጽኡ፡ ኩሉ ጾታታትን እምነታትን ሕብረተሰብና ዝርከቡዎም፡ ክሳብ መናብር ዝጸብብ ነቲ መአከቢ ኣዳራሽ መሊኦሞ ይርኣዩ ነይሮም። Read more



07/07/2019 16:42 PM

   ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ Sunday 07 July 2019 መደብ

ህዝባዊ ናዕቢ ብኸመይ ይፍጠር?

THE CREATION OF PEOPLE’S UPRISING

Part-2 (Continued from 30 June 2019)

Mr Kidane Hagos & Mr Kibreab Tesfu

ኣብዚ ላዕለዋይ ኣርእስቲ ክዛተዩ ዝቐርቡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን፡ ኣቶ ክብርኣብ ተስፉን ኢዮም።  ተሳትፎ፡ ሕቶን ርእይቶን ተኻታተልቲ እናተባባዕና፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። Our invited panellist discussing the topic above are: Mr Kidane Hagos and Mr Kibreab Tesfu; You are all cordially invited.

 1ይ ክፋል (30-June-2019)፡  2ይ ክፋል (07-July-2019):




07/07/2019 00:45 AM

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል

ብመንጽር ናይ ዘመኑ ውዕል

 “Deal of the century”

ሓምለ 04/2019 - ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናይ ገበትቲ ሓያላን ምንግስታት፡ ብፍላይ ሃጸያዊት ሕ/መንግሰታት ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ እትጥቀመሉ ዘላ ሓድሽ ብልሓት ምስፍሕፋሕ መግዛእታዊ ስርዓት ኢዩ። ደሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ኸሎ ክኣ ብግህዶ ንሕበር ኣለና።

    እዚ ጥበብ’ዚ ካብቲ ዝጸንሐ ናይ ገበትቲ ስልቲ፡ ማለት ኢድ ኣዙር መግዛእቲ (neo-colonialism) መሰረታዊ ፍልልይ ዘለዎ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን መልክዑ ቐይሩ ንፖለቲካዊ ነጻነት ናይ ዘይማዕበላ ሃገራት ዝነፍግ፡ ሰላሕታዊ ፖለቲካዊ ጎበጣ ኢዩ። Read more



06/07/2019 22:55 PM

ውጥናዊ ንጥፈታት ይኣክል ኣብ ስደት

THE YIAKIL ACTION PLAN IN DIASPORA

By Mr. Samson Solomon

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 06 July 2019

ሰዓት: 9PM Asmara, 7PM Berlin, 6PM UK, 1PM NY

ቀዳም Saturday, 06 July 2019፡ ዕዱም ጋሻና፡ መንእሰይ ሳምሶን ሰለሙን ኢዩ። መዛተዪ ኣርእስትና "ውጥናዊ ንጥፈታት ይኣክል ኣብ ስደት" ዝብል ኢዩ ክኸውን። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Saturday, 06 July 2019, our invited guest is: Mr. Samson Solomon. Our topic is "The Yiakil Action Plan in Diaspora" You are all cordially invited to participate.

ዝሓለፈ መደባት ሕድሪ ጀጋኑና ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ



06/07/2019 20:45 PM

ወግዓዊ መግለጺ

ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ።

ሓምለ 4, 2019

ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ፈላሚ ኣኼብኡ ብውዕውዕ መንፈስ ኣካይዱ። ንሓደስቲ ኣወሃሃድቲ ብሙሉእ ድምጺ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቡ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ዝኣመሞም ሓይሊ ዕማማት ከም መበገሲ በቲ ሓድሽ ኣወሃሃዲ ኣካል ቀሪቦም፡ ንምምሕያሾም ዝሕግዝ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኸደ ርሱን ሃናጺ ዲሞክራስያዊ ክትዓት ኣካይዱ።

    ከምዝዝከር እዚ ባይቶ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ 24-25 ግንቦት 2019 ኣብ ዝተጋበአ ህዝባዊ ሲምፖዝዩምን ዋዕላ ወከልቲ ህዝብን፡ ካብ 35 ከተማታት ብዝመጹ 88 ወከልቲ ቆይሙ፡፡  Read more



06/07/2019 01:22 AM

Eritrean Martyrs day Celebration

in Seattle, USA June 2019

ጸብጻብ ኣበዓዕላ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡

ኣብ ሲያትል ሕመኣ ሰነ 2019




05/07/2019 23:56 PM

ኮንፈረንስ፡ ኤርትራዊ ስኒት መጽናዕታዊ ጉጅለ፡

ሎሚ፡ ዕለት 05 ሓምለ 2019 ጀሚሩ

ERITREAN SINIT STUDY GROUP (ESSG)

CONFERENCE Opened today,

July 5, 2019

ጸብጻብ እቲ ዋዕላ ብቀጥታ ብፌስቡክ ተማሓላሊፉ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትከታተሉዎ ትኽእሉ። The ESSG conference went live online, and can be followed by clicking here.

Part-1:  Part-2:  Part-3:  Part-4:  Part-5:  Part-6:  Part-7:  Part-8:

See also Related ምስዚ ዝዛመድ፡-



05/07/2019 23:56 PM

እታ መሕነቂት ገመድ ከ?

ጽሑፍ ብ 'ደብረ

እዋኑ ሃገራት ዓረብ፡ ቱንዝያ፣ ሊብያ፣ ግብጺ፣ የመን፣ ባሕረይን፣ ለውጢ ብዝጠልቡ ብህዝባዊ ምልዕዓል ዝሕመሱሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ኣብ ኩለን ሃገራት ህዝባዊ ሰልፍታት ይግበር ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። ተቓውሞ ህዝቢ ኣብ ሊዕሊ መንግስቲ ከም ሕማም ተላገብ ብቱንዝያ ጀሚሩ ብፍጥነት ንየመን ኢዩ በጺሑ። እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ናብ ኤርትራ ክልሕም ዝተጸበዮ ብዙሕ ህዝቢ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ብሒም ኣይበለን፥ ብኣንጻሩ ዝተራእየ ናይ ምልዕዓል ምልክት'ውን ኣይነበረን። እብቲ እዋን ክመጽእ ንዝኽእል ምልዕዓል ህዝቢ፡ ብኣጋ ንክኹለፍ፡ ፕረሲደንት ሱዳን ኣልበሽር ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ፕረሲደንት ከምዘይሳተፍ ዝገለጸሉን፡ ኢሳይያስ ከኣ ብመንገዲ የማነ መንኪ ጌሩ፡ ጽገናዊ ለውጢ ከተኣታቱ ምዃኑ ዝገለጸሉን እዋን ኢዩ ነይሩ። Read more



03/07/2019 20:14 PM

ፈትልታት ይቕወዳ ገመድ ይኾና

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብሳይታት፣ ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣበርክቶ ጹሑፋተይ ክልግስ፣ ኣይካኣልኩን ብምንባረይ ይቕረታ ይሓትት። ኮይኑ ግን ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ልዑሉን ሁቡቡን ማዕበል ይኣክል ጎስጓስ ክካየድ ከም ዝጸንሐን፣ ማዕበሉ ጌና ይቕጽልን ይማሓላለፍን / ይላገብን ምህላዉ ንኹላትና ብሩሁን ሩኡይን ኮይኑ፡ ኩሉ ኣብ ዝተፋላለየ ውድባት / ሰልፍታት፣ ምንቅስቓስት፣ ህዝባውያን ማሕበረት፣ ህዝባውያን ምልዓላት፣ ንኣብነት ሓይሊ-ዕማታት፣ ተበግሶ ኣደታት፣ ይኣክል …ወዘተ ዝብሉ ምንቅሳቓሳ፡ ናይ ሓድነት መገዲን፣ ኣብ ሓደ መኣዲ-ሓድነት ንምብጻሕ ብዝተፋላለየ መገዲ፣ መልክዕ ክዋሳኣ ጸኒሐንን፣ ገና መዕረፊኡ ዘይበጽሐ ዝቕጽል ምህላዉ’ዉን እንዕዞቦ ዞሎና እዩ። Read more



01/07/2019 13:45 PM

RISE UP

AGAINST THE CLOSURE

OF HEALTH CENTRES

By Petros Tesfagiorgis

Would the justice seekers seize the precious momentum and oppose the closure of 20 health centres in Eritrea in a worldwide demonstrations?

Peace with Ethiopia appears to have raised the status of Dictator Isaias Afeworki. He was welcomed as hero in Ethiopia. The arms embargo has been lifted. Eritrea has become a member of the UN Human Rights Council and the USA has decided to remove Eritrea from a list of countries ‘not cooperating’ with its anti-terrorism efforts. Read more








Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print