Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe

Search our site መድለዪ:
 











ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ!

(ዓለምለኻዊ ተበግሶ)


መደብ ትግባረ ንምክያድ ምርጫታት ኣካባቢያዊ ባይቶ


ነሓሰ 17፡ 2016

መለለዪ ቁ.፡ 08/2016/04/001


ተልእኾ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ፡-   

 ቀንዲ ተልእኾ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ  ህዝባዊ ምንቅስቓስ  (ካብዚ ንደሓር ዓለምለኻዊ ተበግሶ ተባሂሉ ይጸሓፍ) ንኹሎም ኤርትራውያን ተሓታትን ነባርን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ንጡፍ ተሳፎ ዘበርክቱሉ መንገዲ ንምጽራግ ኢዩ።

መዝነትን ደረትን ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡-

መዝነት ዓለምለኻዊ ተበግሶ: ዳያስፖራ (ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ) ኤርትራውያን፡ ኣካባቢያዊ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን ባይቶታት ከቑሙን፣ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ህዝባዊ መንገዲ ብምጥቃም፡  ሕጋውያን ዓለምለኻዊ መራሕቲ ክመርጹ ንኽኽእሉ ምስራሕ ኢዩ።  ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናብ ንቑሕን ስሙርን ዓለምለኻዊ መሪሕነት ዘተኰረ ተራድኦኣዊ ኣሳላጢ ድኣ`ምበር፡ ንስልጣን ዝወዳደር ኣካል ኣይኮነን። ዓለምለኻዊ ተበግሶ ዛጊት ንህዝቢ ይጥርንፉ ናይ ዘለዉ ካልኦት ጻዕሪ ምድጋም ኣይህቅንን፣ ወይ ኣባላት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ዝኾነ ናይ መሪሕነት ቦታ ንምሓዝ ባህጊ የብሎምን።

መእተዊ

ኣብ ሃገርና እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዝኸይድ ዘሎ ብርግጽ ዘይሳቐ ኤርትራዊ የለን ክበሃል ዝከኣል`ዩ። እንተ ኾነ ግን፡ ነቲ ኹሉ  ነድርን ብስጭትን፡ ኣብ ሃገርና ንእወንታዊ ለውጢ ሓይሊ ንኽኸውን ነትርበሉ ኣጋባብ ገና ኣይረኸብናን።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ  ኩሎም ኤርትራውያን ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተኻእለ ኣብ ዝሓጸረ  ጊዜ ዘኸትመሉ፡ ብንጥፈት ንኺኣትዉ መንገዲ ምጽራግ ኢዩ።

እቲ ክንእመኖ ዘለና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና እወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ነጢፎም ካብ ምስታፍ ዓጊቱዎም ዘሎ፡ ሃገርና ንምድሓን፡ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ወኪሉ ንጥፈታት ዘወሃህድ፡ ስሙር ህዝብን/ናይ ዜጋ ትካላትን፡ ብድሞክራሲያዊ ኣጋባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነትን ብዘይምህላው ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተባታቲንና ናይ ዘሎና ኤርትራውያን ሓይልን ጸጋታትን ናጻ ዝፈትሑን ዝውልዑን ሰረታት ትካላትን መራሕትን የድልዩና።


ህዝቢ ኤርትራ/ህዝባዊ ምንቅስቓስ

እዚ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ (ካብዚ ንደሓር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተባሂሉ ይጸሓፍ) ንነፍስ ወከፍን ንኹሉን ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ፡ ኣብ ድሕነትን ህዱእ ምስግጋርን ኤርትራ ናብ ደሞክራሲያውን ቅዋማውን ምምሕዳር ንጡፍ ተራ ንኺጻቱ ንምግባር ካብ ታሕቲ ንላዕሊ መንገዲ ዝተወደበ፡ ዜጋ ዝመሰረቱ፡ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኢዩ። ኣብ ነናይ ኣካባቢኦም ወይ ከተማታት ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዜጋታት`ዮም መሰረት ህዝባዊ ምንቅስቓስ። ስለዚ፡ እቲ መሰረታዊ ኣቃዋውማ ህዝባዊ ምንቅስቓስ  ኣብ ኣካባቢ/ከተማታት ናይ ዝነብሩ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣካባቢያዊ ባይቶ - ባይቶ ዓዲ ኢዩ።  ኣብ ዞባ/ሃገር፡ ኣካባቢያዊ ባይቶ ዓዲ ብደረጃ ዞባ ተኣሳሲሮም ዞባዊ ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ የቝሙ። ኩለን ዞባታት ዓለምለኻዊ ባይቶ ሃገራዊ ህዝብዊ ባይቶ ብምቛም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ይሰምራን ይተኣሳሰራን። ዓለምለኻዊ ባይቶ፡ ናብ ድሕነትን ደሞክራሲያዊ ምሕደራን ዘሰጋግር ዕዉት ቅርጸ መንገዲ መሪሕ ዝትራተጂ ይስእል፣ ነቲ መሪሕ ስትራተጂ ብምሉእ  ስልጣናት  ዝፍጽምን  ኣብ ግብሪ ዝትርጉምን ፈጻሚ ኣካል ይመርጽ።   

ተራ ዓለምለኻዊ መሪሕነት

እቲ ቀንዲ ተራ ዓለምለኻዊ  መሪሕነት፡ ምስ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ንመላኺ ስርዓት ንምእላይን፡ ንሃገር ናብ ደሞክራሲ ዘሰጋግር  መሰረትን መደብን፡ ውጽኢታዊ ናይ ኣሰራርሓ ስትራተጂ ምስኣል`ዩ። እቲ ሓላፍነት ዓለምለኻዊ  መሪሕነት ናይ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን፡ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብሩን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑን ኤርትራውያን፡ ተፈላጥነትን ረዲአትን ንምርካብ`ዩ። ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ንምውካል ዝተመርጸ ኾይኑ፡ ብስም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተባታተኑ ኤርትራውያን ብዝኾነ መልክዕ ንኺዛረብን፡ ንኺሰርሕን ምሉእ ውክልናን ሕጋውነትን ኪህልዎ ኢዩ። ብመንገዲ ውጽኢታዊ ዝኾነ ጽዑቕን፡ ዲፕሎማስያዊ ጐስጓስን፡ እዚ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ  ንምልካዊ ስርዓት  ዘልምስ ጽዑቕ  ጸቕጢ ንኺገብሩን፣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎዉ ናይ ለውጢ ኣካላት መሰረታዊ ለውጢታት ንኸምጽኡ ሞራላውን ንዋታውን ሓገዝ የበርክት።

መስርሕ ምቛም ባይቶታትን ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነታትን፡-

 እቲ መስርሕ ምቛም ናይ ሰለስተ ጽፍሒ ባይቶታትን ምምራጽ ፈጻሚ ዓለምለኻዊ መሪሕነታትን ክልተ ኣገደስቲ ገጻት ዝሓዘ`ዩ፡- ምልዕዓልን ምውዳብን።

1ይ ገጽ፡- ምልዕዓል ኩሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተበታተኑ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡-

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምስ ኩሎም ህዝቢ - ብካብ ታሕቲ-ንላዕሊ መንገዲ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ንዝርከቡ  ኤርትራውያን ንኽልዓሉን ኣካል ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኪኾኑ ይጥርንፍ። ውጽኢታዊ መደብ ትግባረ ብምጥቃምን ተግባራውያን ጋንታታት ብምውፋርን፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኣውስትራሊያ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣመሪካን፡ ደቡብ ኣመሪካን ንኤርትራውያን ክጥርንፍ ኢዩ። እቲ ናይ ምጥርናፍ ንጥፈታት ንህዝባዊ መምሃሪ ሰረታት ዝኸውን ብዝተወሃሃደ ጻዕሪ ምድላውን ምሕታምን ሰነዳትን ዓንቀጻትን፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣስተምህሮታትን ኣኼባታትን ምክያድ፣ አለክትሮኒካዊ ህዝባዊ ርክብ ብምጥቃም፡ ብዘሎ ማዕከን ህዝባዊ ርክባት፡ ውጽኢታዊ ናይ ማዕከን ስትራተጂ ምስርጫው ሓበሬታን ርክብን የጠቓልል።

2ይ ገጽ፡- ምውዳብ ህዝባዊ ባይቶታትን ምምራጽ ዓለምለኻዊ ፈጻሚ መሪሕነታትን፡-

ሀ. እቲ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቕስ መባእታውን መሰረታውን ባይቶ - ባይቶ ዓዲ ኢዩ። ኣምር ባይቶ ዓዲ ካብቲ ውርሻና ዝኾነ ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዓዲ ዝተወስደ ኢዩ። ናይ ነፍስ ወከፍ ኣካባቢ/ከተማ ዓቕሚ ኣዳምን ሀዋንን ዝበጽሑ ኤትራውያን ደለይቲ ፍትሒ  ኣባላት ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ ኪኾኑ ብቑዓት ኢዮም። ባይቶ ዓዲ ኣብ ኣካባቢ/ከተማ ንዝርከቡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብምምጻእ፡ ኣብ ናይ ፍትሕን፡ ደሞክራስን ሓርነትን ሓባር ዕላማ የስምሮም። ብተውሳኺ፡ ናይ ዕድሎም ንጡፋት ወነንቲ ዝኾኑሉን፣ ኣብ ምውሳንን ምትግባርን ጉዳያት ሃገር ንጡፋት ተሳተፍቲ ዝኾኑሉን መድረኽ ይፈጥረሎም። እቲ ነዊሕ ዕላማ ባይቶ ዓዲ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ  ጐድኒ ህዝቢ ንምምጻእን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምስዓርን ኢዩ። ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ ኣብቲ ሰፊሕ ቅጥዒ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝተመስረተ፡ ንከባቢኡ መደብ ንጥፈትን ውሽጣዊ ዓንዲ ሕግን የጽድቕ፣ ነዞም ዝስዕቡ ኽኣ ይመርጽ፡-

1. ኣፈኛ ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ፣ ኣባላት ፈጻሚ ቦርድን ኣባላት ተቛጻጻሪ ቦርድን። ቍጽሪ ኣባላት ፈጻሚ ቦርድን፡ ኣባላት ተቛጻጻሪ ቦርድን ብነፍስ ወከፍ ኣካባቢ ይውሰን።

2. ወከልቲ ናይ ኣካባቢ/ከተማ (ወከልቲ ባይቶ ዓዲ) ናብ ዞባዊ ባይቶን ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስን።

ለ. ዞባዊ ባይቶ፡-  ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ዘሎዉ ኤርትራውያን ናይ ከባቢ ወከልቶም ምስ መረጹ፡ እቲ ዝስዕብ ስጉምቲ እዞም ዝተመረጹ ወከልቲ ተራኺቦም ናይ ሃገሮም ወከልቲ ይመርጹ፤ እንደገና  ብኽፍሊ ዓለም ደረጃ፡  ናይ ዞባኦም ወከልቲ ይመርጹ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዞባዊ ባይቶ ነተን ኣብ ዞባኣ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ከባቢ ባይቶታት ዓዲ ንምውህሃድ ኢዩ። ናይ ዞባ ባይቶታት ኣብ ደረጃ ዞባ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንጥፈታት የወሃህድ፣ኣብቲ ዞባ ኽኣ ንናይ ህግደፍ ንጥፈታት ንምስዓር ይሰርሕ።

ሐ. ዓለምለኻዊ ባይቶ፡- እቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም - ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኣውስትራሊያ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣመሪካን ካልኦትን፡ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስ  ናይ ኤርትራውያን ወከልቲ ብምክያድ፡ ፈጻሚ ኣካል ዝምዝዝ ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራውያን ምምራጽ ኢዩ። ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራዊያን፡ ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ/ዜጋታት ኣብ ወጻኢ ዝተበታተኑ ኤርትራውያን፡ ዝልመትን (ምስርጣይን) ህዝብና ንኸብቅዕ፡ ንግፍዐይና ምልካዊ ስርዓት ንምስዓር፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምትካል ድምጾምን ጸጋታቶምን ዘስምሩሉ ዓለምለኻዊ ኣካል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። እቲ ዝተመረጸ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንድሕነትን ስሉጥ ምስግጋር ኤርትራ ናብ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዘረጋግጽ መሪሕ ናይ ዓወት ስትራተጅን ስእለ-መንገድን ኪነድፍ`ዩ፤ ናይቲ መሪሕ ስትራተጂ ናይ ምፍጻምን ምትግባርን ምሉእ ስልጣን ዝህልዎ ፈጻሚ መሪሕነት ክኣ ይመርጽ።

ኪነታዊ (ተክኒካዊ) ዝርዝራት ምልዕዓልን ምምራጽ መራሕቲ ናይ ኣካባቢ ባይቶን፡-

1. ኣብ ዝኾነ ዓለም ብውሑዱ ኤርትራውያን ኣብ ዘለዉሉ፡ ልዑል ምልላይ ዝተገብረሉ ናይ ኩሎም ኣብ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓፈሻዊ ኣኼባ ኪጽዋዕ ኣሎዎ። እዚ ኣብ ነፍስ ወከፍ ከባቢ ንዘሎዉ ኩሎም ኤርትራውያን ንምብጻሕ ጽዑቕ ጐስጓስ የድልዮ። ንኹሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ነቶም ናይ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት) ወይ ናይ ኤርትራ ረድዮ ፕሮግራማት ባብ ዘይብሎም ውሑዳን ጕጅለ ንምዕዳሞም ዕቱብ ጻዕሪ ኪግበር ኢዩ። እቲ ናይ ኣብ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንሓፈሻዊ ኣኼባን ኣስተምህሮታትን (ሰሚናራት) መጸዋዕታ ብዓረብኛን፡ እንግሊዝኛን፡ ትግርኛን፡ ትግረን፡ ወይ ዝኾነ ካልእ ኣብ ከባብቢ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ብሰፊሕ ዝዝረበሉ ብቑዕ ቋንቋ ኪጸሓፍ ኢዩ። እቲ መግለጺ (ኣዋጅ) ብጽሑፍ፡ ብመልክዕ ናይ ተለፎን መልእኽታት፣ ወብሳይታት፣ መዳባት ራዲዮ፣ ኣስተምህሮታትን (ሰሚናራት) መደብ መጽናዕትታትን ኪሰራጮ ኢዩ፤ ከምኡ ኽኣ፡ ኤርትራውያን ብተድጋጋሚ ኣብ ዝመላለሱሉ ቦታታት፡ ከም ቤት ክርስቲያናት፡ መስጊዳት፡ ማሕበረሰባዊ (ኮምዩኒቲ) ማእከላት፡ ቤት መግብታትን ባራትን ብሰፊሑ ኪዝርጋሕ ኢዩ።ሓፈሻዊ ኣኼባታት ምጽዋዕ ኣኻሊ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ሃገር ንምድሓን ተሳትፎኦም ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ኪርድኡዎ የድሊ።

2. ዕድሚኦም 18 ዓመታትን ልዕሊኡን፡ ነቲ ተልእኾ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝኸተሙ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣባላት ባይቶ ዓዲ ኪኾኑ ብቑዓት ኢዮም።  ሓደ ሰብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ነጢፉ ይመርሕ ወይ ይውክል እንተ ድኣ ኣሊዩ፡ ፖለቲካዊ ሰልፊ እናመርሐ ወይ እናወከለ ኸሎ ናይ ባይቶ ዓዲ በዓል-መዚ/ወካሊ ኪኸውን ቀጥታዊ ናይ ረብሓ ግርጭት ኪህሉ`ዩ። ሰብ መዝን ዝተመረጹ ወከልትን ባይቶ ዓዲ ካብ ናይ ረብሓ ግርጭት ሓራ ኪኾኑ ኣሎዎም።

3. ነፍስ ወከፍ ናይ ኣካባቢ ባይቶ ክመርጾ ዘሎዎ፡- ኣብ ዞባዊ ባይቶን ዓለምለኻዊ ኣኼባን/ባይቶ ንኽሳተፉ ኣባላት ይመርጽ። ናይ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉባኤታት ሕጹያት ቍጽሪ ብመሰረት እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣካባቢ ናይ ዝተመዝገቡ ኣባላት ብዝሒ  ብተመጣጣኒ ውክልና ኪውሰን ኢዩ።

4. ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናይ ከባቢ ባይቶታት መስርሕ ምርጫ ሰብ መዚ፡ ዞባዊ ወከልትን፡ እቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ኣኼባ/ዓለምለኻዊ ባይቶ ንዝሳተፉ ቀንዲ ሓላፍነቶም ምስሳይ ዝኾነ ናይ ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ምርጫታት ሽማግለ ከቕውም ኢዩ። ናይ ምርጫ ሽማግለ በቶም ነቲ ``ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን`` ዝፈረሙን፡ ናይ ምጥርናፍን ጋንታ ምርጫታትን ዓለምለኻዊ ተበግሶ  ኣባላት ንምዃን ተገዳስነት ዘርኣዩን ውልቀሰባት ይቐውም።


5. ተራ ናይ ምርጫ ሽማግለ፡-

ተልእኾ ዓለምለኻዊ ተበግሶ  ምስ ዝድግፉ ናይ ካባቢ ነጠፍቲ ብምትሕብባር፡ ውሑዳት ኤርትራውያን ኣብ ዘለዉወን ከተማታት ኣብ ምውጣንን፡ ምውዳብን፡ ምርጫታት ኣብ ምክያድን ይሕግዝ።    

ኣብ ናይ ኤርትራውያን ማዕከናት (ወብሳይታት)፡ መደባት ረዲዮ፡ ዝወጽእን፡ ኣብ  ኤርትራውያን ብተደጋጋሚ ዝመላለሱሉ ቦታታት - ከም መስጊዳት፡ ቤት ክርስቲያናት፡ ማሕበረሰባዊ ማእከላት (ኮምዩኒቲ)፡ ቤት መግብታትን ባራትን ዝዝርጋሕ  ናይ ምልላይ ጽሑፋት ምድላው።         

ናይ ዝተረቝሑ  ወይ ኣብ ምርጫ ኪኣትዉ ፍቓደኛታት ናይ ዝኾኑ ውልቀሰባት ብቕዓት ምርግጋጽ።

ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን ኣኼባታት ናይ ዝሳተፉ ብዝሒ ዝተመረጹ ኣባላት ምውሳን።

ሓራን ቅኑዕን ምርጫታት ኪካየድ ምቍጽጻር።

6. ምኽታም  ``ወግዓዊ ስምምዕ``፡-  ንርእሱ/ርእሳ ናብ ናይ ምርጫ ውድድር ዘቕረበ/ት  ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ/ትን  ነፍስ ወከፍ ዝመርጽን፡ ክልተ ቅዳሓት ናይቲ  ``ወግዓዊ ስምምዕ`` ፡ ምስ ምሉእ ስሙ/ስማ፡ ኣድራሻ፡ ተለፎንን ናይ ኢ-መይል (e-mail) ኣድራሻን ኣብኡ  (ኣብ ታሕቲ ዘሎ መመላእታ ተመልከት/ቲ) የስፍር። ሓደ ቅዳሕ ምስቲ ናይ ኣካባቢ ናይ ምርጫ ሽማግለ ኪተሓዝ ኢዩ፤ እቲ ካልእ ቅዳሕ ኽኣ ናብቲ ንምርጫታት ዝቆጻጸር ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ብፋክስ፡ ኢ-መይል (e-mail) ወይ ብፖስጣ ኪለኣኽ ኢዩ።   

7. ናይ ጊዜ ገደብ፡- ኣብ ከባብን ኣህጉራውን ጽፍሒታት ንዚግበር ምርጫታት ንምቅልጣፍ ኩሉ  ነገር ቅድሚ ምውዳእ 2016 ኪፍጸም ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ።


          ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ!

(ዓለምለኻዊ ተበግሶ)


መመላእታ (ጥብቆ)

ወግዓዊ ስምምዕ (MEMORANDUM OF UNDERSTANDING)

ነፍስ ወከፍ ሕጹይ፡ ነፍስ ወከፍ መራጽን ኩሉ ኣባል ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ ኪኸውን ዝደልን፡ ኣብ ናይ ኣካባቢ ኤርትራዊ ባይቶታት (መባእታ ባይቶታት ኤርትራውያን) ኣብ ምምራጽ መዝነት ኪሳተፍ ዝደሊ፡ ነዚ ወግዓዊ ስምምዕ ከጽንዖን፡ ነዚ ዚስዕብ ንርእሱ/ሳ ቃል ብምእታው ኪኽትም ይድለ፡-

እቲ ንነፍስ ወከፍን ኩሉ ኤርትራውን ኣብ ምእላይ ምልካዊ ዝርዓት ህግደፍን፡ ኣብ ድሕነትን ስሉጥ ምስግጋር ኤርትራ ናብ ደሞክራሲያውን ቅዋማውን ኣገዛዝኣ መንገዲ ዚጸርግ  ተልእኾ  ዓለምለኻዊ ተበግሶ  ኪቕበል፤  

ብደሞክራሲይዊ መስርሓት ኪኣምን፤        

ንውጽኢት ደሞክራሲያዊ ምርጫታትን ዝውሰድ ውሳኔን ከኽብር፤              

ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ብሓቂ ኽኣ ንነፍስ ወከፍ ሰብ  ከም ማዕረ ኪርእን ብኽብርን ብቕኑዕን ኪሕዝ፤           

ፖለቲካዊ ስልጣን ካብቲ እኩብ ድልየት ህዝቢ ከም ዝመጽእን፡ ማንም ልዕሊ ሕጊ ከም ዘይኮነን ኩሉ ጊዜ ክዝክር፤

ምጽዋር፡ ምቕባልን ምኽባርን ፍልልያት ኣብ ባህሊ፡ ብሪታት፡ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ዓሌት፡ መበቆል፡  ዞባዊ ፍልልያት፡ ኩነታት ክእለትን/ዘይክእለትን፡ ደረጃታት ትምህርቲ፡ ወ.ዘ.ተ.።


ምሉእ ስም/Full Name: …............................................................................................

ምሉእ ኣድራሻ/Full Address: …………………………………………………………………………………….....

ዝርዝር ርክብ/Contact Details: ተለፎን/ Telephone……………………………………    

 ኢ-መይል/E-mail…………………………………

ክታም/Signature: …………………………………  ዕለት/Date: ………………………










GLOBAL INITIATIVETO EMPOWER ERITREAN GRASSROOTS MOVEMENT

(Global Initiative)


Action Plan to Conduct Eritrean Local Assembly Elections


August17, 2016

Ref No: 08/2016/04/001


Mission Statement of Global Initiative  

The main mission of Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement, (here after Global Initiative) is to pave the way for all Eritreans to actively participate in contributing to the establishment of accountable and sustainable constitutional governance in Eritrea in which all members of the society will have a full say.

Mandate and Scope of Global Initiative

The mandate of the Global Initiative is to function as a facilitating body to enable Eritreans in the Diaspora to establish local regional and global Assemblies/Baitos and elect their legitimate Global Leaders using the bottom-up/Grassroots approach.  Global Initiative - is a cooperative facilitator toward an enlightened and united Global Leadership, and not a competitive entity for power. Global Initiative does not have any intention to duplicate the efforts of others who are already mobilizing the grassroots nor do the members of Global Initiative have any desire to assume leadership positions.

Introduction

Given the increasingly worsening situation in our country, it can affirmatively be stated that there is no Eritrean who is not being tormented and outraged by what is going on in our country.  Yet, so far we have not found a mechanism to channel all that anger and frustration to be a force for positive changes in our country.

The Global Initiative is meant to pave the way for all Eritreans in the Diaspora to be actively involved in ending the suffering of the Eritrean people in the shortest possible time.

We have to admit that what is hindering Eritreans in the Diaspora from being actively engaged in bringing about positive changes in our country is the lack of united people/citizen institutions and democratically elected legitimate leadership that will represent all Eritreans in the Diaspora and coordinate our activities to save our country. We need grassroots institutions and leaders who can unleash the tremendous energy and resources that we have as Eritreans in the Diaspora.

Eritrean People/Grassroots Movement

The Eritrean Grassroots Movement (here after The Grassroots Movement) is citizen based movement of justice seeker Eritreans. Its goal is to pave the way for each and every justice seeking Eritrean, using the bottom up approach, to play an active role in the salvation and smooth transition of Eritrea to democratic and constitutional governance.  Justice seeking Eritrean citizens in their respective localities are the foundation of The Grassroots Movement. Thus the fundamental formation of The Grassroots Movement is the local assembly – Baito Adi of all justice seekers residing in the locality/city. Local Baito Adi in a region/country are connected at a region level and establish regional Baito of The Grassroots Movement. All regions are united and connected globally by establishing Global Baito (Alemlekawi Hizbawi Baito Eritrawyan). The Global Baito will draw a grand strategy and a winning roadmap of salvation and smooth transition to democratic governance and elect an executive body with full powers of execution and implementation of the grand strategy.  

The Role of Global Leadership

The Global Leadership is expected to chart an effective operational strategy, to remove the dictatorial regime and prepare the ground work and a blue print for transitioning the country to democracy, in collaboration with the Eritrean Political Parties and forces of change inside Eritrea.   The responsibility of the Global Leadership will be to gain the recognition and support of the International Community and the Eritrean people both at home and in the Diaspora. Given that the Global Leadership is elected to represent Eritreans in the Diaspora, it will have the legitimacy to speak, to act and to represent Eritreans in the Diaspora in any forum.  Through an effective and intensive diplomacy and lobbying, this leadership group should be able to persuade the International Community to apply intensive pressure that will cripple the dictatorial regime and give moral and logistical support to elements inside the country to bring fundamental changes.

The Process of Establishing the Baitos and Electing Global Leaders

The process of establishing the three level baitos and electing executive global leaders consists of two important phases:  Mobilising and Organising.

Phase I: Mobilising all justice seeking Eritreans in the Diaspora:  

The Global Initiative along with all grassroots – bottom up approach, will mobilise Eritreans everywhere to rise and be part of the grassroots movement for democratic change in Eritrea.  Using an effective action plan and deploying functional teams, the Global Initiative will mobilise Eritreans in Africa, Asia, Australia, Europe, Middle-East, North America and South America. The mobilising activities will include coordinated efforts of preparing and publishing documents and articles for grassroots public education, conducting seminars and conferences in major cities and using electronic mass communication and an effective media strategy of information dissemination and communication using available mass communication mediums.

Phase II: Organizing the Peoples Baitos and electing Global Executive Leaders:  

A. The basic and fundamental Baito of The Grassroots Movement is the Baito Adi.  The concept of Baito Adi is derived from our own heritage of Baito Adi of a typical Eritrean village.  Justice seeking Eritrean adults of every locality/city are eligible to be members of local Baito Adi.   Baito Adi brings all justice seeking Eritreans in a locality/city and unites them for a common cause of justice, democracy and freedom.  Moreover, it creates a platform for them to be active owners of their destiny and active participants in the decision making and implementation of national issues. The long term goal of Baito Adi is to win all Eritreans to the side of the people and to defeat the dictatorial regime of PFDJ. The Local Baito Adi will adopt a program of activity and internal bylaws for its locality based on the broader framework of the Grassroots Movement and elect the following:

a. A speaker for the local Baito Adi, Executive Board members and Monitoring Board members. The number of Executive Board members and the Monitoring Board members will be determined by each locality.

b. Representatives of the locality/city (Baito Adi representatives) to Regional Baito and Global Conference.

B. Regional Baito: Once Eritreans in every corner of the world elect their local representatives, the next step is for these elected representatives to meet and elect their country representatives which in turn will elect their regional representatives at a continent level. The main purpose of the regional Baito is to coordinate the various local Baito Adi in its region.  The Regional Baitos will coordinate The Grassroots Movement activities at the regional level and work to defeat PFDJ activities in their region.  

C. Global Baito: The final step is to conduct a global conference of Eritreans representatives from every corner of the world: Africa, Asia, Australia, Europe, Middle-East, North America, South America and other places to elect the Eritrean Global Assembly or Alemlekawi Baito Eritrawyan than will appoint an executive body. Global Assembly or Alemlekawi Baito Eritrawyan is the global organ of Eritrean Grassroots Movement, where justice seeking people/citizens of Diaspora Eritrea unite their voices and resources to defeat tyranny and establish democratic governance in Eritrea.  The elected Global Leadership will draw a grand strategy and winning roadmap for salvation and smooth transition of Eritrea to democratic governance and elect an Executive Leadership with full power of execution and implementation of the grand strategy.      


Technical Details of Mobilising and Electing Local Baito Leaders

1. Wherever there is a critical mass of Eritreans anywhere in the world, a highly publicized general meeting of ALL Eritreans in the locality should be called.  This requires an intensive campaign to reach out to all Eritreans in every locality.  A serious effort shall be made to invite ALL Eritreans particularly those from minority groups who may not have access to the Internet or the Eritrean radio programs.  The call for a general meeting and seminars of all Eritreans in a given locality will be written in Arabic, English, Tigrigna, Tigre or any other appropriate language widely used in the local Eritrean community.  The announcement will be disseminated in written form through phone messages, websites, radio programs, seminars and workshops and widely distributed in places frequented by Eritreans, such as churches, mosques, community centres, restaurants and bars.  It is not enough to call a general meeting; people should understand why their participation is important to save our country.

2. All Justice Seeking Eritreans 18 years of age and above who subscribe to the mission statement of Global Initiative are eligible to be members of Baito Adi. However, officers and elected representatives of Baito Adi should be free from conflict of interest. If a person is actively leading or representing a political party or a political organization, there will be a direct conflict of interest in becoming an officer/representative of Baito Adi and at the same time leading or representing a political party.     

3. Every local Baito Adi should elect members to participate at the Regional Baito and Global conference/Baito. The number of candidates for the regional and global assemblies will be determined by proportional representation on the basis of the number of registered members in every locality

4. Global Initiative will establish Eritrean Global Grassroots Elections Committee (here after Elections Committee) whose major charge is to facilitate the process of electing officers of Local Baitos, Regional representatives and those who will participate at the Global Conference/Global Baito. The Election Committee will be composed of individuals from the signatories of the “Urgent Call to All Eritreans World-Wide” and others who have expressed interest in joining the Global Initiative.

5. The role of the Election Committee:

To assist cities with critical mass of Eritreans in planning, organizing and conducting elections in collaboration with local activists who support the mission of the GLOBAL INITIATIVE.

To prepare publicity material that will be posted on Eritrean websites, radio programs, and for distribution in places frequented by Eritreans such as Mosques, Churches, Community centres, restaurants, bars, etc.

To verify the qualification of individuals who are nominated or who volunteered to stand for election.

To determine the number of elected members who will participate at the Regional and Global conferences.

To monitor free and fair elections.

6. Signing “Memorandum of Understanding”.   Every Eritrean who offers himself/herself as a candidate for election and everyone who elects has to sign two copies of the  “Memorandum of Understanding” with his/her  full name, address, telephone and e-mail address on it (See the appendix below).  One copy will be kept with the secretary of the local election committee and the other copy will be sent by fax, e-mail or post to the central office supervising the elections.

7. Timeline.  It is very important that everything is done at the local and international levels to expedite the elections to be completed before the end of 2016.  


GLOBAL INITIATIVETO EMPOWER ERITREAN GRASSROOTS MOVEMENT

(Global Initiative)


APPENDIX

                                 MEMORANDUM OF UNDERSTANDING

Every candidate, every voter and everyone who wishes to be a member of Local Baito Adi and wishes to take part in the election of the officers of Eritrean Local Assemblies (Mebaeta Baitotat Ertrawyan) is required to study and sign the Memorandum of Understanding committing himself/herself to the following:

Accept the Mission Statement of Global Initiative which is to pave the way for each and every Eritrean to play an active role in removing the dictatorial regime of PFDJ and the salvation and smooth transition of Eritrea to democratic and constitutional governance.

Abide by democratic procedures

Respect the outcome of the democratic elections and decision making

See every Eritrean and indeed every human being as an equal and treat him/her with dignity and fairness

Always remember that political authority comes from the collective will of the people and that no one is above the law.

Tolerance, acceptance and respect of diversity in culture, values, religion, language, race, ethnicity, regional differences, ability/disability status, levels of education, etc.

Full Name:

…..........................

Full Address: ………………………………………………………………………….

Contact Details:  Telephone……………………………………    

E-mail……………………………………………………….…

Signature: ………………………………………   Date: ……………………………











المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الارترية

خطة عمل لإجراء انتخابات المجالس المحلية للجاليات الإريترية

2 يوليو 2016م


GIEEGM محددات مهمة المبادرة العالمية   

المهمة الرئيسية للمبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية، هو تمهيد الطريق لجميع الإرتريين  للمشاركة والاسهام بفعالية  في إقامة حكم دستوري مستدام  يؤمن  المساءلة في إرتريا بحيث  يكون لجميع أفراد المجتمع  الرأى الفصل .

صلاحية ونطاق المبادرة العالمية

صلاجية  المبادرة العالمية  يتلخص  فى  العمل ككيان  يقوم  بتسهيل   مهمة  تمكين الارتريين في  دول  المهجر من  إنشاء مجالسهم  ( برلماناتهم ) على المستوى المحلى  والاقليمى  والعالمى  وانتخاب قادتهم   الشرعيين  على المستوى العالمى  وفق  نهج  من أسفل إلى أعلى  . وهذه المبادرة العالمية  ليس كيانا يسعى الى التنافس من أجل السلطة ، وانما هى كيان وسيط متعاون يعمل من اجل تيسير ايجاد وخلق قيادة عالمية  مستنيرة ومتكاتفة .، وهى  كذلك ليس لديها أي نية  لتقوم بادوار تكون فيها ازدواجية  لتكرار جهود الآخرين الذين يقومون  بالفعل  بتعبئة  وتحريك  الشعبي ،  كما  انه ليس لدى أعضاء المبادرة العالمية  أي رغبة في تولي المناصب  القيادية.

مقدمة

نظرا لتفاقم وتدهور الوضع على نحو متزايد في بلادنا، يمكن   الجزم  بالقول  انه   ليس هناك  ارتري  لم  يقشعر او  ويحنق   بسبب ما يجري في بلادنا. ومع ذلك، لم نجد  حتى الآن آلية لتحويل  كل هذا الغضب والإحباط   الى  قوة من أجل إحداث تغييرات إيجابية في بلدنا.

وتهدف المبادرة العالمية لتعزيز الحركة الشعبية الإرترية   الى تمكين  جميع الارتريين في الشتات من  المشاركة بفعالية  في إنهاء معاناة الشعب الإرتري  في أقصر وقت ممكن.

علينا أن نعترف أن ما يعيق الارتريين في الشتات من المشاركة بفعالية  في إحداث تغييرات إيجابية في بلادنا هو عدم وجود مؤسسات شعبية  / مواطنية متحدة  وقيادات شعبية  منتخبة ديمقراطيا تمثل  كافة الارترىين  فى دول المهجر  تقوم بتنسيق أنشطتنا وجهودنا لإنقاذ وطننا.  نحن بحاجة  الى مؤسسات وقيادات على  مستوى القاعدة العريضة  الشعبية  تقوم  بإطلاق  العنان  للطاقات   الكامنة  فينا نحن الاريتريين  المقيمين في الشتات.

الحركة الشعبية الارترية  

حركة   الشعب  الارتري  هى حركة  لمواطنين ارتريين ينشدون العدالة . وهى تهدف الى  تمهيد الطريق أمام كل ارترى  يسعى  عبر نهج التسلسل الهرمى الذى ينطلق من الاسفل  للاعلى ، الى تحقيق العدالة ولعب دور نشط في انقاذ  ارتريا وتحقيق  الانتقال  السلس إلى الحكم الدستوري الديمقراطي . تتشكل القاعدة  الاساسية  لحركة  الشعب الارتري  من المواطنين  الارتريين  الساعين لتحقيق العدالة فى مناطق واقاليم  تواجدهم المختلفة  .   وبناءا على ذلك  يتكون الهيكل الاساسى  لحركة   قواعد  الشعب  الارتري من كل طالبى العدالة فى المجالس ( البرلمانات ) المحلية فى المدن  والبلديات المختلفة . وترتبط هذه المجالس فى كل مدينة وبلدية  فيما بينها لتشكل  مجلسا ( برلمانا ) اكبر على مستوى الاقليم او المقاطعة يمثل  حركة قواعد الشعب الارترى .   وبدورها  ترتبط هذه المجالس الاقليمية على مستوى مختلف الدول  والاقاليم والقارات لتشكل المجلس العالمى لحركة  الشعب الارترى فى العالم اجمع . وبدوره يقوم المجلس العالمى لحركة الشعب الارترى  برسم استراتيجية وخارطة طريق عظمى  للانقاذ والانتقال السلس نحو الحكم  الديمقراطى  وانتخاب هيئة تنفيذية  تتمتع بصلاحيات تامة  لتنفيذ وتطبيق الاسترتيجية العظمى للحركة .                                                


دور القيادة العالمية

ومن المتوقع  أن  تنهض مجموعة القيادة العالمية (GIEEGM ) بالتعاون مع  الاحزاب السياسية وقوى التغيير فى داخل  ارتريا  برسم استراتيجية عمل فعالة وتهيئة ارضية  العمل  لازاحة  النظام  الدكتاتورى  والانتقال  بالبلاد  نحو الديمقراطية  . وسيكون من  مسؤولية قيادة الفريق العالمي  العمل على كسب الاعتراف والدعم من المجتمع الدولي والشعب الإريتري فى الداخل والمهجرعلى حد سواء . ونظرا  الى ان مجموعة القيادة العالمية  قد  تم انتخابها لتمثل الارتريين  فى المهجر فان هذه القيادة  تملك الشرعية  لتمثل الارتريين فى المهجر فى اى محفل وتتحدث وتتصرف بالنيابة عنهم . وينبغى لهذه  القيادة  ان تكون  قادرة  عبر الجهود  والصغوط الدبلوماسية المكثفة  على اقناع المجتمع  الدولى  لممارسة  ضغوط مكثفة  تشل النظام الدكتاتوري والعمل من ناحية اخرى على تقديم الدعم المعنوي واللوجستي لقوى الداخل من اجل احداث تغيير جذرى .


عملية إنشاء  المجالس وانتخاب القيادات العالمية

عملية تأسيس المجالس على المستويات الثلاثة  وانتخاب القيادة  التنفيذية العالمية تتكون من مرحلتين هامتين :  التعبئة والتنظيم .

المرحلة الأولى : استنفار وحشد  كافة الارتريين  من طالبى العدالة  في المهجر :

تقوم المبادرة العالمية (GIEEGM ) عبر نهج العمل من أسفل إلى أعلى  بتعبئة المهاجرين الارتريين في كل مكان لينهضوا  ويكونوا  جزءا  من الحركة  من اجل  تحقيق  الديمقراطية  فى ارتريا . ومن خلال  تبنى  

خطة عمل فعالة ونشر فرق عاملة ، فإن المبادرة   العالمية (GIEEGM ) ستقوم  بتعبئة المهاجرين الاريتريين في

الولايات المتحدة الأمريكية، كندا، أوروبا، أستراليا والشرق الأوسط وأفريقيا. وستتضمن أنشطة  التعبئة  جهود منسقة  لاعداد  وطبع  ادبيات ومقالات  موجهة  للتعليم  العام  وفق  القاعدة الهرمية  ، وكذا عقد ندوات  ومؤتمرات  فى المدن الرئيسية واستخدام  وسائل الاتصال الجماهيرى الالكترونية  وتبنى استراتيجية إعلامية فعالة لنشر المعلومات باستخدام  الاتصال الجماهيري  المتاحة. ينبغى  ان يكون هناك  جدول  زمنى معين  لمرحلة التعبئة وان تختتم خلال ......... شهرا .

المرحلة الثانية: تنظيم الجماهير وانتخاب القيادات التنفيذية العالمية:

A. يتكون  المجلس (البرلمان ) الأساسي  لحركة   الشعب  الارتري من مجلس القرية الاشخاص البالغين  من الاريتريين  طالبى  العدالة   فى كل بلدية او محلية  او مدينة هم مؤهلون ليكونوا أعضاء في المجلس المحلي.  ويجمع  المجلس  المحلى  كل  طالبى العدالة  الارتريين في البلدية / المدينة ويوحدهم من أجل القضية المشتركة المتمثلة  فى السعى لتحقيق العدالة والديمقراطية والحرية. واكثر من ذلك ، فإن هذا المجلس  يهيىء لهم  منبرا  يمكنهم  ليكونوا  اناس فاعلين فى تقرير مصيرهم  ومساهمين بفعالية فى عملية صنع  القرار وتقرير القضايا الوطنية . والهدف على المدى الطويل من مجلس القرية  هو  تامين وقوف  جميع الاريتريين إلى جانب  قضايا الشعب  وهزيمة   نظام هقدف الدكتاتوري  . سيتبنى مجلس  القرية برامج عمل  ولوائح  داخلية  مستمدة من  الاطار  العام لحركة قواعد الشعب الارترى  وانتخاب ما يلي:

أ- ناطق باسم المجلس البلدى او القروى ، وأعضاء المجلس التنفيذي وأعضاء مجلس. الرقابة  وتحدد كل  قرية او بلدية  على حدة عدد أعضاء المجلس التنفيذي وأعضاء مجلس الرقابة .

ب. ممثلي القرية او البلدية / مدينة (النواب القرية ) إللذين يشاركون فى المؤتمر  الإقليمي والعالمي.

B. المجلس الإقليمي:  عندما  ينتخب  الارتريون   ممثليهم  في كل ركن من أركان العالم : الخطوة التالية هي اجتماع هؤلاء النواب  المنتخبون لانتخاب  نواب بلادهم الذين يقومون بدورهم  بانتخاب ممثليهم الإقليميين على مستوى القارة. والغرض الرئيسي من المجلس الإقليمي  هو التنسيق  بين مختلف  مجالس  القرى والبلدات فى كل منطقة . وسوف يقوم  المجلس ( البرلمان ) الإقليمي بتنسيق  انشطة  حركة  قواعد الشعب  الارترى  على المستوى الاقليمى  والعمل على هزيمة الأنشطة التى يقوم   بها  تنظيم الهقدف  في منطقتهم.

 C. المجلس العالمي  : الخطوة الأخيرة هي عقد مؤتمر عالمي للإرتريين من كل ركن من أركان العالم: أفريقيا وآسيا وأستراليا وأوروبا،الشرق الأوسط وأمريكا الشمالية وأمريكا الجنوبية وغيرها من الأماكن بانتخاب الجمعية  الارترية  العامة على المستوى العالمي   التى تقوم بدورها بتعيين  الهيئة التنفيذية. الجمعية العامة العالمية أو البرلمان الارترى العالمى هي الهيئة العالمية لجركة قواعد الشعب  الارترى  التى  من خلالها يوحد  الارتريون الساعين إلى تحقيق العدالة   أصواتهم وطاقاتهم ومواردهم  من اجل  هزيمة الطغيان  واقامة الحكم  الديمقراطى  فى ارتريا .وتقوم  القيادة العالمية المنتخبة  برسم الاستراتيجية الكبرى وخارطة الطريق للخلاص والانتقال السلس بإريتريا إلى الحكم الديمقراطي وكذا  انتخاب قيادة  تنفيذية تتمتع بالصلاحية  الكاملة لتنفيذ وتطبيق الاستراتيجية الكبرى.

التفاصيل التقنية لعملية التعبئة  والحشد جهود وعملية انتخاب قيادات المجالس  او البرلمانات  القروية

1. يبنغى  الدعوة  لاجتماع عام  باعلى درجات  العلنية حيثما  وجدت اعداد  هامة  من الاريتريين في أي مكان في العالم. وهذا يتطلب القيام  بحملة مكثفة للوصول إلى جميع الارتريين في كل اماكن تواجدهم . سيتم  بذل  جهد جدي من أجل ان يتم دعوة جميع الارتريين لا سيما أولئك  الذين  ينتمون الى مجموعات الأقليات الذين   ليس  بوسعهم  الحصول  على خدمات البرامج الإذاعية الإريترية  والإنترنت .  الدعوة لاجتماع او عقد ندوات  عامة  فى كل  قرية   او محلية سوف تكون مكتوبة باللغات العربية والإنجليزية والتجرينية والتجري أو أي لغة  من اللغات المناسبة الأخرى المستخدمة على نطاق واسع في  المجتمع الإريتري المحلي . وسيتم نشر الإعلان بشكل خطي عن طريق الرسائل  الهاتفية والمواقع الإلكترونية، والبرامج الإذاعية والندوات وورش العمل وتوزيعها على نطاق واسع في الأماكن التي يرتادها الارتريون ،: مثل الكنائس والمساجد، والمراكز الاجتماعية، المطاعم والحانات. وينبعى هنا التنبيه الى  أنه ليس كافيا  الدعوة الى اجتماع عام. اوانما على الناس أن يفهموا  ماذا مشاركتهم مهمة لإنقاذ بلدنا.

2. جميع الاريتريين البالغين  18  سنة من العمر وما فوق من المتقدمين  للمشاركة  في مهمة حركة   الشعب  الارترى GIEEGM مؤهلون ليكونوا أعضاء في مجلس  نواب القرية . وإذا كان اى شخص من  هؤلاء  نشط سياسيا  أو يمثل حزبا سياسيا أو منظمة سياسية، فانه  سينجم عن ذلك تضارب في المصالح لانه   لا  يمكن أن تصبح مسؤول  وقائد  حزبى  ونائب  برلمانى  فى مجلس  القرية في الوقت نفسه  . ينبغى  ان يكون  النواب المنتخبون  ليسوا  فى وضع يكون فيه  تضارب في المصالح.

3. يتوجب  ان يقوم كل  مجلس نواب على مستوى  القرية  يانتخاب: ناطق باسم  البرلمان ، عضو  للمجلس التنفيذي  عضوا للرقابة . تقوم كل  قرية  بانتخاب أعضاء للمشاركة  فى المجالس (البرلمان ) على المستوى الإقليمي والعالمي . يتحدد عدد الاعضاء المرشحين للجمعيات او البرلمانات الإقليمية والعالمية سيتم وفق  مبدأ  التمثيل  النسبى المبنى  على تعداد عدد الأعضاء المسجلين في كل قرية او  بلدية  .

4. سوف تقوم  المبادرة العالمية  GIEEGM بتأسيس لجنة انتخاب للقواعد على المستوى العالمى تكون مهمتها  الاساسية  تسهيل عملية انتخاب مسؤولى مجالس القرى والبلديات والنواب الاقليميين واؤلئك  الذين سيشاركون فى  المؤتمر  العالمى (البرلمان) .

 تتكون لجنة الانتخابات ( الآنفة الذكر ) من الأفراد الموقعين على وثيقة : "نداء عاجل إلى جميع الاريتريين على نطاق العالم" والآخرين الذين ابدوا  اهتماما  في الانضمام إلى فريق  التعبئة والانتخابات   التابع  للمبادرة العالمية GIEEGM .

5. دور لجنة الانتخابات:

  *مساعدة المدن باعداد كافية  من الإرتريين  المطلوبين لمهام التخطيط والتنظيم و ،

 * إعداد مواد الدعاية  التى  سيتم نشرها على المواقع الإريترية، الراديو وإجراء انتخابات بالتعاون مع النشطاء المحليين الذين يدعمون مهمة  GIEEGM. واعداد برامج  وتوزيعها في الأماكن التي يرتادها الاريتريين: مثل المساجد،الكنائس والمراكز الاجتماعية والمطاعم والحانات، الخ

* اجراء  الانتخابات وعقد المؤتمرات  العالمية.

* إجازة  اهلية  الأفراد الذين تم ترشيحهم أو الذين تطوعوا .

* تحديد عدد الأعضاء المنتخبين الذين سيشاركون  على  المستوى الاقليمى .

* مراقبة  أجراء انتخابات حرة ونزيهة.


6. توقيع "مذكرة تفاهم" : على كل إرتري  يقدم نفسه / نفسها كمرشح للانتخابات وكل من ينتخب أن يوقع نسختين من "مذكرة تفاهم" مع ذكر  الاسم الكامل والعنوان والهاتف والبريد الإلكتروني   (انظر الملحق أدناه). سيتم الاحتفاظ بنسخة واحدة مع سكرتيرة لجنة الانتخابات المحلية وسيتم إرسال  النسخة الاخرى عن طريق الفاكس، البريد الإلكتروني أو آخر إلى المكتب   الاشراف المركزي  على الانتخابات.

7. الجدول الزمني: من المهم جدا اكمال  كل شىء على الصعيدين المحلي والدولي  للإسراع  فى الانتخابات بحيث تنجز فى اطار زمنى  لا يزيد على  ستة أشهر.


الملحق

مذكرة تفاهم : كل مرشح، وناخب و كل من يرغب في أن يكون عضوا في المجلس  القروى  او المحلي  ويرغب في المشاركة في انتخابات أعضاء مسؤولى  المجالس المحلية الإرترية عليه  ان يقوم  بنفسه بدراسة  مذكرة  التفاهم والالتزام  بما يلي:

قبول بيان   محددات مهمة GIEEGM التى تتمثل  فى تمهيد الطريق أمام كل كل إرتري للعب دور نشط في إزالة النظام لهقدف الدكتاتوري  وتحقيق  الخلاص والانتقال السلس  بإرتريا إلى  الحكم الديمقراطي والدستوري .

التقيد بالإجراءات الديمقراطية

يجب احترام نتائج الانتخابات الديمقراطية وصنع القرار

المعاملة  المتساوية والنزيهة  لكل ارترى وبالضرورة  كل انسان  واحترام  كرامته .

الادراك الدائم لحقيقة ان السلطة السياسية  تنبع من الارادة الجماعية للشعب  وان لا أحد فوق القانون.

التسامح والقبول والاحترام للتنوع في الثقافة والقيم والدين واللغة،العنصر أو العرق أو الاختلافات الإقليمية، والقدرة / حالة العجز، ومستويات التعليم، الخ.


الاسم الكامل:


الاسم الكامل:

….........................................

العنوان الكامل: .........................

تفاصيل التواصل: الهاتف ........................

....................................... البريد الإلكتروني

التوقيع: .....................

التاريخ: ...................





See also Related:

PART - One  / ቀዳማይ ክፋል


PART - Two  / ካልኣይ ክፋል