Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

06/06/2016 11:20 AM

ኣንቲ ኣደይ!

ብ’መሲናስ

ኣንቲ ኣደይ!

እዚ መልቀስ'ዚ ነተን ትማሊ ናጽነት ኣብዘይብሉ ሃገር፡ ብስም ናጽነት ኣብ ጽንብል'ቲ መጥፍእ ህዝቢ ዝኾነ ምስሉይ ስርዓት፡ ክዘላን ክዕንድራን ዝቐነያ'ሞ ሕጂ ብምኽንያት ህልቂት ደቀን ኣብ ሓዘን ተኾርምየን ዝነብዓ ዘለዋ ወይ ድማ ናብ እንዳ ሓዘን ብምኻድ ዝቑዝማ ዘለዋ ኣደታት ኤርትራ ዚቐንዐ፡ ካብቶም ሰኣን ዓገብ በሃሊ፡ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ብጃምላ ዚጠፍኡ ደቀን ዚተላእከ፡ መልእኽቲ ሕድሪ'ዩ!


ኣንቲ ኣደይ!


ትማሊ ብዓመጽ ክእሰር ውላድኪ

ስቕታዶ ኣይመረጽክን ከምዛ ዘይፈለጥኪ

ኣበይ ከም ዘለኹ ፍጹም ከይሓተትኪ

ክትዘሊ ቀኒኺ ኣብ ጓይላታት ምልኪ

'ሞይቱ' ምስ ሰማዕኪ እንታይ ኣብከዩኪ!?


ኣንቲ ኣደይ!


መሬት ጸቢቡኒ ከምዛ ዓይኒ መርፍእ

ኣብ ኣፍ ሞት ከለኹ ውላድኪ ክጠፍእ

ኣብ ክንዲ ንጸሎት ትብሊ ድፍእ

ኣብ ጓይላ መላኺ ምባልኪ ስንእንእ

መዓስ ጠፊኡኪ እዚ ከም ዚመጽእ!


ኣንቲ ኣደይ!


ንምልክን መላኽን ኣብ ክንዲ ትኹንኒ

ጓይላኦም ንምድማቕ ናይቶም ዘጥፍኡኒ

ግልብጭ ተቘኒንኪ ፍጹም ክትሕነኒ

ሞይቱ ምስ በሉኺ ባሕሪ ውሒጡኒ

ሕጂደሞ ይሓይሽ በይንኺ ክትሓዝኒ!


ኣንቲ ኣደይ!


እቲ መንግስትና እትብልዮ ስርዓት

ኣይኮነን ደቢሱ ኪደርዘልኪ ንብዓት

ከምቲ ንቡር'ኳ ምንዮት ናይ ጽንዓት

እንታይ ተረኽበ ኣይበለን ደፊሩ ብትብዓት!


በሊ ኣደይ!


ኣነስ ሓሊፈ'የ ኣደይ ቅበጽኒ

በቶም ዘለዉ'ምበር ብኣይ ኣይትሕዘኒ

ሕድሪ ግን ክብለኪ ለበዋይ ስምዕኒ

ጽባሕ ድሕሪ ግዜ ንኣይ ረሲዕክኒ

ዳግም ናይዚ ስርዓት ግዳይ ከይትኾኒ

ንምልክን መላኽን ብትብዓት ኮንኒ!


ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንኹሎም ብምልኪ ዝጠፍኡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን!

ንዝሞቱ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም! ንኹሎም ወለዲ ድማ ጽንዓት ይሃቦም ፈጣሪ!


ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 05/06/2016