Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print


ዝኽርታትን ገምጋማትን

ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ፡


            ERI-TV - Documentary and TV Shows

         ኤሪ-ቲቪ - ዶኩመንታሪን ናይ ተለቪጅንን ምርኢታት፡

           ብኣጋጣሚ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ



29/05/2016 22:07 PM

ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ)

ናይ Sunday 29 May 2016 show መደብ

መደረ ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ብዓይኒ “ንጋባእ”

     ኣብ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ኤርትራ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መደረ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣብዚ መደረ'ዚ ዝተመርኮሰ ገምጋም፡ ብዓይኒ ኣባላት ንጋባእ። ዕዱማትና፡- (1) መምህር ዘርኡ የዕብዮ (2) ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ። ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣሎኹም። This sunday's Voice of Eritrea show will accommodated guests from members of "Negabae" to discus and evaluate President Isaias's speech on 25th Eritrea's Independence day. Panellists are: (1) Memhr Zeru Yeibio (2) Ato Kidane Hagos.

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብዚ ጠውቑ

Past shows or to listen: click here




24/05/2016 16:38 PM

መግለጺ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ኣብ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ

President Isaias Afewerki speech

on 25th Eritrea Independence day




Eritrea: The Missing Element for A Democratic Change

Abdulrazig Kerar

awate.com |  May 20, 2016  

The main proposition of this article is that change in Eritrea is inevitable.  However, that does not imply it will occur within the timeframe that the Eritrean opposition professes claiming the regime is at the verge of collapsing. Moreover, change does not imply an automatic transition to a democratic system. The recent events of the so-called Arab Spring are good illustrations that ousting an incumbent government does not always lead to a democratic replacement, as evidenced by the Eritrean case itself. The country was liberated in 1991 and formally became independent in 1993. At that time, Eritreans anticipated a democratic and prosperous country, but their hopes never materialized. Eritrea’s trajectory has been no different from that of the newest state in Africa, South Sudan. Read more



20/05/2016 22:49 PM

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ በላሕቲን ኣገደስቲን ሃገራዊያን ኪኢላታት፡

ኤርትራ ምኽሳራ፡ ኣዝዩ የሕዝነና!

በይ-ኤርያ ሰሚናር ብዛዕባ መራኸቢታትን ሓበሬታን (Information & Communication Technology)

ብኣቶ ተወልደ እስቲፋኖስ Tewelde Estifanos

ተወልደ እስቲፋኖስ፡ ሓደ ካብቶም ትካል ቲፋኑስ ተክኖሎግጂ ሓበሬታ "Tifanus Information Technology"፡ ይዝከረኒ ኣብ 1997-1998፡ ማለት ዳርጋ ማዕረ-ማዕረ ምትእትታው መርበብ ኢንተርነትን ኢመይልን ኣብ ኤውሮጳ፡ ናብ ኤርትራ፡ ከምዝኣቱ ዝገበረ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዕቑራት (National Assets) ሃብቲ ሃገርና ኢዩ።


ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ እዋን፡ ኣነ ባዕለይ ተጠቃሚ ናይቲ ንመጀመርታ ዝተኣታተወ ናይ ኢመይል መሳለጥያ ብምጥቃም ኣብቲ ብምልእኣኽ (distance education ) ምስ ዩኒቨርሲቲ ሎንዶን ዝከታተሎ ዝነበርኩ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ነቲ ብ gemel@punchdown.er ኣቢሉ ዝኸይድ ዝነበረ መስመር ክግልገለሉ ኪኢለ።


ብዘይካዚ፡ ከም "Tifanus Yada" ዝኣመሰለ ብትግርኛን ዓረብኛን ንምጽሓፍ ክንጥቀመሉ ዝጀመርና ሶፍትዌር እውን ነይሩ፡ ስሙ ከምዝሕብሮ ድማ፡ ምስቲ ትካል ምትእስሳር ከምዘለዎ የመልክት።


እቲ ዘሕዝን፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ በላሕቲን ኣገደስቲን ሃገራዊያን ኪኢላታት፡ እቲ ሃገሮም ንምምዕባልን ሓንቲ ካብተን ስልጡናት ሃገራት ዓለም ንምግባራ ዝነበሮም ሕልሚን ርሱን ተበግሶን፡ ዝሰንኪ'ቲ፡ ቅንኢ ዝመለለይኡ፡ ብልሹው ምሕደራ ሃገርና፡ ተስፋ ቆሪጾም ጠቕሊሎም ካብ ሃገር ከምዝነፍጹ ገይሩዎም። እቲ ሃገርና ክትረብሓሉ ዝነበራ ተክኖሎጂን ሃብታም ፍልጠት ደቂ ሃገርን፡ እነሆ፡ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦትን ይጥቀማሉ ኣለዋ። ንጽፈት ሃገራዊ ኪኢላዊ ሃብቲ ክብሉኹም እምበኣር ከምዚ ኢዩ።


እቲ ንዞባና ሰፊሕ መርበብ ኢንተርነት (Broad Band) ንሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ፡ ጅቡቲ፡ ሶማል፡ ኬንያ ወዘተ፡ ዝዕድል መስመር፡ ዳርጋ ንኤርትራ ብገማግም ባሕሪ ኤርትራ ተጎዝጉዙ ኢዩ ዝሓልፍ። ኤርትራ፡ ነዚ ተክኖሎጂ'ዚ ዓዲጋ ናብ ጥቕሚን ረብሓን ኣብያተ-ትምህርቲን ቁጣባዊ ልምዓትን ክትግልገለሉ እምበኣር ምስቲ ኣብ ካልእ ዝግበር ወፍሪ፡ ኣዝዩ ዝቐለለ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ነዚ ከተኣታትዎ ኣይመረጸን። እቲ ዘገርም፡ ኣብተን ገና ርጉእ መንግስቲ ዘይብለን ሃገራት ከም ሶማልያ ከይተረፈ Broadband Internet ክጥቀማ ንርኢ። በዚ መንጽር'ዚ፡ ንኤርትራ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ክኸውን ይኽእል ምንባሩ ንምግማት ኣየጸግምን።


ኣብዚ እዋን'ዚ ከምቲ ኩልና እንፈልጦ፡ ናብ ኤርትራ ዝግበር ርክባት ኢንተርነት፡ ኣዝዩ ዝተሓተ፡ ጨቐቕ እናበለ ዝጎዓዝን ተስፋ ዘቑርጽን ኢዩ። ኤርትራዊ፡ ከም ካልኦት ዓለማት፡ ተጠቃሚ ናይ ስሉጥ መራኸቢታት (ፌስቡክ፡ ስካይፕ፡ ቫይበር፡ ቴክስት መሰጅ፡ ወዘተ) ክኸውን ኣይከኣለን። ከምሳዕቤኑ፡ ግዳይ ናይ ኣዝዩ ዝኸበረ ናይ ተለፎን ክፍሊት እናኸፈለ፡ ርክባቱ ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ብሓጺሩ፡ ምልውዋጥ ሓድሕዳዊ ሓበሬታን፡ ማሕበራዊ ርክባት ኣብ መንጎ ውሽጢን ወጻኢን ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።


እቲ ጽቡቕ ነገሩ፡ ከም ተወልደ እስቲፋኖስ ዝኣመሰሉ ተባዓት ሃገራውያን ምሁራት፡ ሕጂ'ውን ከይተሓለሉ፡ ተመሊሶም ንዓዶም ንምግልጋል ዘለዎም ሕልሚ ህያው ምዃኑ ኢዩ። ስለዙይ ድማ፡ ንተወልደን ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ዝርከቡን፡ ኣገናዕ! ኣጆኹም! ክብሎም ይደሊ። ካልኦት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና፡ ኣኣብ ዘለኹሞ ሃገረ-ስደት፡ ብትምህርቲን ሞያን ነብስኹም ከተሰልጥኑን፡ ጽባሕ ንግሆ ነዚ መዓልቲ መጽአ እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊን ኪኢላዊን ዓቕሚ ኤርትራ ሃገርና፡ ተካእቲን ኣበራበርቲን ክትኮኑ ይምሕጸነኩም።


ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ እተብዕለሉ ዘላ ህሞት፡ ንዓኣን ንህዝባን ዝኸውን፡ ፍትሓዊ ስርዓት ክፈጥረልና ዘሎኒ ሰናይ ትምኒት ይገልጽ።


ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ)

20 May 2016

—---//------




11/05/2016 11:35 AM

ህግደፍ፡ ሕድሪ ጀጋኑ ረጊጹ ሕድሪ ገዛእቲ ዘሳሲ ጉጅለ ጥልመት

[ድምጺ መድርኽ]

 ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዓመጽ መግዛእትን ምእንቲ ናጽነት ንኽትርከብ ኣብ ዝተኻየደ ቓልስን ዋጋ ዘይከፈለ ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ዜጋታት ኣብቲ ቓልሲ ብቐጥታ ይንበሩ ኣይንበሩ፡ የበርክቱ ኣየበርክቱ ብዘየገድስ ህይወቶም ብዓሚቝ ተጸልዩ። ዜጋታት ውሉዶም፡ ወለዶም፡ ኣዝማዶም፡ ኣዕሩኽቶምን ፈተውቶምን ብሰንኪ መግዛእትን ነቲ ቓልሲ ንምዕዋትን ከፊሎም። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዕድሚኦም፡ ዕድላቶም፡ ኣካላቶምን ህይወቶምን ከፊሎም። ህይወት ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ብሰንኪ መግዛእትን ምእንቲ ናጽነትን […]



12/05/2016 10:14 AM

Emotional-plea to all Eritreans by Abeba Tesfagiorgis

መልእኽቲ ርእሰ-ኑዛዜን ለበዋን ንኹሎም ኤርትራውያን- ብኣበባ ተስፋጊዮርጊስ

[ኣዝማሪኖ - Asmarino]



12/05/2016

ሰለስተ ዘይጸግዓዊ ዜጋታት

ንመበል 25 ብሩራዊ እዮቤልዩ ኤርትራ ይግምግሙ

[ድምጺ ኣመሪካ VOA]

(1ይ ክፋል - 06 May 2016):    (2ይ ክፋል - 10 May 2016):  



12 May 2016

25 ዓመታት - ናጽነት'ዶ ባርነት?

[Assenna.com ኣሰና]


15/05/2016 23:27 PM

Panel Discussion with Eritrean Intellectuals & Ex-Fighters:

What Went Wrong in Eritrea in the Last 25 Years?

ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ - ሓባራዊ ዘተ ኤርትራውያን  

[Voice of Assenna ኣሰና]


1ይ ክፋል (14 May 2016):  2ይ ክፋል (15 May 2016):  3ይ ክፋል (15 May 2016):

4ይ ክፋል (15 May 2016): 5ይ ክፋል (15 May 2016):  6ይ ክፋል (15 May 2016):

7ይ ክፋል (15 May 2016):



16/05/2016 02:40 AM

Seminar ሰሚናር

About Generational consciousness, by Daneal Semere Tesfay

ብዛዕባ ወሎዶኣዊ ንቕሓት፡ ብኣቶ ዳኔኤል ሰመረ ተስፋይ

[Tv Sened Eritra Stockholm - 15 May 2016]

ኣብዚ ሰሚናር'ዚ፡ ኣቶ ዳኔኤል፡ (1) ብዛዕባ ወለዶታት፡ (2) ብዛዕባ ወሎዶኣዊ ንቕሓት (Generational consciousness)፡ (3) እዚ ንቕሓት፡ ብኸመይ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ከምዝመሓላለፍ? (4) ኣብ ኤርትራ፡ እዚ መስርሕ'ዚ እንታይ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ? ሳዕቤናቱ'ኸ እንታይ ክኸውን'ዩ? ዝብሉ ኣርእስቲታት ኣልዒሉ ዘትዩ ኣሎ። እዚ ዘተ'ዚ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲን፡ ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራን ህዝባን ኣጋጢሙና ዘሎ ኣስጋኢን ህጹጽ ምላሽ ዝጠልብን ኩነታትን ድማ ምትእስሳር ስለዘለዎ፡ ብጽሞና ክንከታተሎ ጽቡቕ ኢዩ።     1ይ ክፋል (15 May 2016)፡  2ይ ክፋል (22 May 2016)



20/05/2016 14፡03 PM

ገምጋም ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ብኣቶ ክብሮም ዳፍላAssessment of Eritreas Economic Situation over the last 25 years,

by Mr Kibrom Dafla


ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ ገዲም ተጋዳላይን ምሁርን ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መሓውራት ቁጠባ ኤርትራ፡- ፋይናንስ፡ ሂምቦል፡ ከምኡውን ኣየርላይንስ፡ ብሓላፍነት ዝሰርሐ ምኩር ኤርትራዊ ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ሰፊሕ ዝኾነ ኣስተምህሮታትን ገምጋማትን ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት መራኸቢታት ኤርትራ ክህበና ጸኒሑ ኢዩ (ኣብዚ ርአ)። ኣብዚ ናይ ሕጂ መደባቱ ድማ፡- "ገምጋም ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት" ብዝብል ኣርእስቲ ኣገዳሲ ኣስተምህሮን ገምጋምን ይህበና ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብ፡ እቶም ቀንዲ መምዘኒታት ናይ መሓውራት ምዕባለ ሽዱሽተ (6ተ) ምዃኖም ብምግላጽ፡-ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡- 1. ብቕዓት ዓቕሚ ሰብ (Human Resources) 2. ውህሉል ካፒታል ወይ ርእሰማል (Capital Accumulation)። ኣብ ካልኣይ ክፋል ድማ፡- 3. ተበግሶ ብሕታዊ ክፋል ክህሉ ኣለዎ፡ 4. ኣድላይነት ምህላው ምቹእ ቁጠባዊ ኩነታት (Enabling Economic environment) 5. ተራ መንግስታዊ ክፋል ኣብ ምዕዛዝ ምጥጣሕ ቁጠባዊ ባይታን ምትብባዕ ብሕታዊ ክፋልን (Governments Role in providing Enabling Economic environment and boosting the private sector.). ትምህርቲ ሒዙልና ቀሪቡ ኣሎ ሰናይ ምክትታል።

     

ካብዚ ናይ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብዘይፍለ፡ ተመሳሳሊ፡ ኪኢላዊ ገምጋም ዘቕረቡልና ክልተ ኪኢላታት እውን ኣለዉ፡-

(1) Assessment of the Eritrean Economy by Sengal Woldetensae - ውድዓዊ ገምጋም ግስጋሴ ቁጠባ ኤርትራ፡ ብኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ




(2)  ብዛዕባ መራኸቢታትን ሓበሬታን (Information & Communication Technology) ብኣቶ ተወልደ እስቲፋኖስ Tewelde Estifanos

    



ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ናይ ሰለስተ ኪኢላታት ገምጋማት፡ ፍልይ ብዝበለ ድማ: ፕሮፈሶር ኣብራሃም ኪዳነ (Prof. Abraham Kidane):-

 1ይ ክፋል (shabait.com)፡  2ይ ክፋል (TesfaNews.com)፡



18/05/2016 10:07 PM

ሰሚናር በይ ኤርያ ካሊፎርንያ- ዝሓለፋ 25 ዓመታት

[ኣዝማሪኖ - Asmarino]

እቲ ብምክንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝተካየደ ሰሚናር ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብናይ ሐሶት ዳንኬራ ተዓጠቅ ትሸብሸብ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ናጽነት ጽንብል ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ኣብ ጎደና ምዕባለ’ዶ ወይስ ከምቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ነዚ ሐቂ’ዚ ዘንጸባርቅ ብመርቶዓታት ዝተሰነየ ብሙሁራት ኪኢካታትን ካብ ሰሜን ኣሜርካን ኤውሮጳን ዘቅረብዎ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ዕውት ሰሚናር ኔሩ።


እዚ ዕዉትን ኣገዳስን ሰሚናር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣቀዲሙ ክግበር ዝተመርጸሉ ምክንያት ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብሐሶት ህዝብን ዓለምን ንምድንጋር ናይ ኣታዊታቱ ንምክዕባትን ዝግብሮ ሜላ ንምብዳህን ነቲ ዝዳናገር ዘሎ ህዝቢ እቲ ሐቂ ፈሊጡ ነቲ ስርዓት ዝግብሮ ዘሎ ናይ ሐሶት መናውራ ክቃውመን ካብ ምድግፉ ክቁ ጠብን ክሕግዞ ምእንቲ’ዩ።


ትሕዝቶ እቲ ሰሚናር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጾ ነጻነት ፍረጻማ መሪር ቃልሱን ዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ሰለዝኾነ ብክብሪ ክዝክሮን ክብዕ ሎን ዘየማትእ እኻ እንትኾነ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ውሽጢዚ 25 ዓመታት እቶም መብጽዓ ስውእቶም ዝጠለሙ ጭፍራ መራሕቲ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘይወጻእ ዓዘቅቲ ሸሚሞማ እናሃለዉ ኤርትራ ከም ኣብ መንገዲ ግስጋሰን ልምዓትንዘላን ሃገር ጌሮም ንምብዓል ዝዳለዉሉ ዘለዉ ብሩራዊ ኢዮቤል ሐቅነት ዘይብሉ ፈከራ ምኻኑን እቲ ኣብ ባይታ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሐቂ ግን ብኣንጻሩ ሽግር፣ መከራ፣ጥሜትንሕማምን፣ ስደትን ሞትን፣ማእሰርትን ስቃይን ምኻኑ ንምምካት’ዩ።


Read More ...




29/05/2016 22:07 PM

ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ)

ናይ Sunday 29 May 2016 show መደብ

መደረ ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ብዓይኒ “ንጋባእ”

     ኣብ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ኤርትራ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መደረ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣብዚ መደረ'ዚ ዝተመርኮሰ ገምጋም፡ ብዓይኒ ኣባላት ንጋባእ። ዕዱማትና፡- (1) መምህር ዘርኡ የዕብዮ (2) ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ። This sunday's Voice of Eritrea show will accommodated guests from members of "Negabae" to discus and evaluate President Isaias's speech on 25th Eritrea's Independence day. Panellists were: (1) Memhr Zeru Yeibio (2) Ato Kidane

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብዚ ጠውቑ

Past shows or to listen: click here




07/06/2016 14:15 PM

ንርብዒ ዘመን ዝጸልመተ፡  

ትንሳኤ ሓርነትን ፍትሕን ዝነገሳ  ኤርትራ  

ህያው ምግባር:  

ሓላፍነት  ህሉው ወለዶ`ዩ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

[Asmarino - ኣዝማሪኖ]

 

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ድሕሪ ናይ 25 ዓመታት መዘና ዘይብሉ ሃገራዊ ዕንወትን ጥፍኣትን፡ ናብቲ ሽግር ዘይኮነ፡ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ፡ ብሓባር ናብ ፍታሕ ከነድህብ ኢዩ ዝግባእ። ኣብ ወጻኢ እንርከብ ደቂ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ፋሺስታዊ ውልቀልመላኺ ካብ ልክዑ ንላዕሊ ተዛሪብናሉን ጽሒፍናሉን ኢና። ግዳይ ፋሺስታዊ ጭቆና ንዝኾነ ህዝቢ ብዛዕባ ፍታሕ ድኣ`ምበር ብዛዕባ መሰነይታ ዕለታዊ ህይወቱ ዝኾነ ሽግሩ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን። እንተ ኾነ ግን፡ ብዛዕባ ርትዓውን ውሕስነታውን ፍታሕ ንምዝታይ ነቲ ሽግር ካብ ሱሩ ምግንዛብ የድሊ። ብፍላይ፡ ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ሃገርን ህዝብን ዘማሰነ ሽግር ብንጹር ምልላዩን ብሓቂ ምቅልሑን ንቕኑዕ ፍታሕ ኣገዳስነቱ ዝጋነን ኣይኮነን። ስለዚ፡ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ብንጹር ንምርኣይ፡ እቲ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ንህይወቱ ዘጸልመተ ጠንቂታት ብሓጺር ምዝርዛሩ ኣገዳሲ እመስለኒ።

     1ይ ክፋል፡  2ይ ክፋል፡  3ይ ክፋል









ERI-TV - 2016 Eritrea Independence Concerts

         ኤሪ-ቲቪ - ናይ መድርኽ ምርኢታትን ምዝንጋዕን፡

           ብኣጋጣሚ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ