|
|
ዝኽርታትን ገምጋማትን
ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ፡
ERI-
ኤሪ-
29/05/2016 22:07 PM
ናይ Sunday 29 May 2016 show መደብ
ኣብ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ኤርትራ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መደረ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣብዚ መደረ'ዚ ዝተመርኮሰ ገምጋም፡ ብዓይኒ ኣባላት ንጋባእ። ዕዱማትና፡-
ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብዚ ጠውቑ።
Past shows or to listen: click here
24/05/2016 16:38 PM
President Isaias Afewerki speech
on 25th Eritrea Independence day
Eritrea: The Missing Element for A Democratic Change
The main proposition of this article is that change in Eritrea is inevitable. However, that does not imply it will occur within the timeframe that the Eritrean opposition professes claiming the regime is at the verge of collapsing. Moreover, change does not imply an automatic transition to a democratic system. The recent events of the so-
20/05/2016 22:49 PM
ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ በላሕቲን ኣገደስቲን ሃገራዊያን ኪኢላታት፡
ኤርትራ ምኽሳራ፡ ኣዝዩ የሕዝነና!
በይ-
ብኣቶ ተወልደ እስቲፋኖስ Tewelde Estifanos
ተወልደ እስቲፋኖስ፡ ሓደ ካብቶም ትካል ቲፋኑስ ተክኖሎግጂ ሓበሬታ "Tifanus Information Technology"፡ ይዝከረኒ ኣብ 1997-
ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ እዋን፡ ኣነ ባዕለይ ተጠቃሚ ናይቲ ንመጀመርታ ዝተኣታተወ ናይ ኢመይል መሳለጥያ ብምጥቃም ኣብቲ ብምልእኣኽ (distance education ) ምስ ዩኒቨርሲቲ ሎንዶን ዝከታተሎ ዝነበርኩ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ነቲ ብ gemel@punchdown.er ኣቢሉ ዝኸይድ ዝነበረ መስመር ክግልገለሉ ኪኢለ።
ብዘይካዚ፡ ከም "Tifanus Yada" ዝኣመሰለ ብትግርኛን ዓረብኛን ንምጽሓፍ ክንጥቀመሉ ዝጀመርና ሶፍትዌር እውን ነይሩ፡ ስሙ ከምዝሕብሮ ድማ፡ ምስቲ ትካል ምትእስሳር ከምዘለዎ የመልክት።
እቲ ዘሕዝን፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ በላሕቲን ኣገደስቲን ሃገራዊያን ኪኢላታት፡ እቲ ሃገሮም ንምምዕባልን ሓንቲ ካብተን ስልጡናት ሃገራት ዓለም ንምግባራ ዝነበሮም ሕልሚን ርሱን ተበግሶን፡ ዝሰንኪ'ቲ፡ ቅንኢ ዝመለለይኡ፡ ብልሹው ምሕደራ ሃገርና፡ ተስፋ ቆሪጾም ጠቕሊሎም ካብ ሃገር ከምዝነፍጹ ገይሩዎም። እቲ ሃገርና ክትረብሓሉ ዝነበራ ተክኖሎጂን ሃብታም ፍልጠት ደቂ ሃገርን፡ እነሆ፡ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦትን ይጥቀማሉ ኣለዋ። ንጽፈት ሃገራዊ ኪኢላዊ ሃብቲ ክብሉኹም እምበኣር ከምዚ ኢዩ።
እቲ ንዞባና ሰፊሕ መርበብ ኢንተርነት (Broad Band) ንሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ፡ ጅቡቲ፡ ሶማል፡ ኬንያ ወዘተ፡ ዝዕድል መስመር፡ ዳርጋ ንኤርትራ ብገማግም ባሕሪ ኤርትራ ተጎዝጉዙ ኢዩ ዝሓልፍ። ኤርትራ፡ ነዚ ተክኖሎጂ'ዚ ዓዲጋ ናብ ጥቕሚን ረብሓን ኣብያተ-
ኣብዚ እዋን'ዚ ከምቲ ኩልና እንፈልጦ፡ ናብ ኤርትራ ዝግበር ርክባት ኢንተርነት፡ ኣዝዩ ዝተሓተ፡ ጨቐቕ እናበለ ዝጎዓዝን ተስፋ ዘቑርጽን ኢዩ። ኤርትራዊ፡ ከም ካልኦት ዓለማት፡ ተጠቃሚ ናይ ስሉጥ መራኸቢታት (ፌስቡክ፡ ስካይፕ፡ ቫይበር፡ ቴክስት መሰጅ፡ ወዘተ) ክኸውን ኣይከኣለን። ከምሳዕቤኑ፡ ግዳይ ናይ ኣዝዩ ዝኸበረ ናይ ተለፎን ክፍሊት እናኸፈለ፡ ርክባቱ ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ብሓጺሩ፡ ምልውዋጥ ሓድሕዳዊ ሓበሬታን፡ ማሕበራዊ ርክባት ኣብ መንጎ ውሽጢን ወጻኢን ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ጽቡቕ ነገሩ፡ ከም ተወልደ እስቲፋኖስ ዝኣመሰሉ ተባዓት ሃገራውያን ምሁራት፡ ሕጂ'ውን ከይተሓለሉ፡ ተመሊሶም ንዓዶም ንምግልጋል ዘለዎም ሕልሚ ህያው ምዃኑ ኢዩ። ስለዙይ ድማ፡ ንተወልደን ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ዝርከቡን፡ ኣገናዕ! ኣጆኹም! ክብሎም ይደሊ። ካልኦት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና፡ ኣኣብ ዘለኹሞ ሃገረ-
ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ እተብዕለሉ ዘላ ህሞት፡ ንዓኣን ንህዝባን ዝኸውን፡ ፍትሓዊ ስርዓት ክፈጥረልና ዘሎኒ ሰናይ ትምኒት ይገልጽ።
ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ)
20 May 2016
—-
11/05/2016 11:35 AM
ህግደፍ፡ ሕድሪ ጀጋኑ ረጊጹ ሕድሪ ገዛእቲ ዘሳሲ ጉጅለ ጥልመት
[ድምጺ መድርኽ]
ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዓመጽ መግዛእትን ምእንቲ ናጽነት ንኽትርከብ ኣብ ዝተኻየደ ቓልስን ዋጋ ዘይከፈለ ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ዜጋታት ኣብቲ ቓልሲ ብቐጥታ ይንበሩ ኣይንበሩ፡ የበርክቱ ኣየበርክቱ ብዘየገድስ ህይወቶም ብዓሚቝ ተጸልዩ። ዜጋታት ውሉዶም፡ ወለዶም፡ ኣዝማዶም፡ ኣዕሩኽቶምን ፈተውቶምን ብሰንኪ መግዛእትን ነቲ ቓልሲ ንምዕዋትን ከፊሎም። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዕድሚኦም፡ ዕድላቶም፡ ኣካላቶምን ህይወቶምን ከፊሎም። ህይወት ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ብሰንኪ መግዛእትን ምእንቲ ናጽነትን […]
12/05/2016 10:14 AM
Emotional-
መልእኽቲ ርእሰ-
[ኣዝማሪኖ -
12/05/2016
ሰለስተ ዘይጸግዓዊ ዜጋታት
ንመበል 25 ብሩራዊ እዮቤልዩ ኤርትራ ይግምግሙ
[ድምጺ ኣመሪካ VOA]
(1ይ ክፋል -
12 May 2016
[Assenna.com ኣሰና]
15/05/2016 23:27 PM
Panel Discussion with Eritrean Intellectuals & Ex-
What Went Wrong in Eritrea in the Last 25 Years?
ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ -
[Voice of Assenna ኣሰና]
1ይ ክፋል (14 May 2016): 2ይ ክፋል (15 May 2016): 3ይ ክፋል (15 May 2016):
4ይ ክፋል (15 May 2016): 5ይ ክፋል (15 May 2016): 6ይ ክፋል (15 May 2016):
16/05/2016 02:40 AM
About Generational consciousness, by Daneal Semere Tesfay
ብዛዕባ ወሎዶኣዊ ንቕሓት፡ ብኣቶ ዳኔኤል ሰመረ ተስፋይ
[Tv Sened Eritra Stockholm -
ኣብዚ ሰሚናር'ዚ፡ ኣቶ ዳኔኤል፡ (1) ብዛዕባ ወለዶታት፡ (2) ብዛዕባ ወሎዶኣዊ ንቕሓት (Generational consciousness)፡ (3) እዚ ንቕሓት፡ ብኸመይ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ከምዝመሓላለፍ? (4) ኣብ ኤርትራ፡ እዚ መስርሕ'ዚ እንታይ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ? ሳዕቤናቱ'ኸ እንታይ ክኸውን'ዩ? ዝብሉ ኣርእስቲታት ኣልዒሉ ዘትዩ ኣሎ። እዚ ዘተ'ዚ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲን፡ ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራን ህዝባን ኣጋጢሙና ዘሎ ኣስጋኢን ህጹጽ ምላሽ ዝጠልብን ኩነታትን ድማ ምትእስሳር ስለዘለዎ፡ ብጽሞና ክንከታተሎ ጽቡቕ ኢዩ። 1ይ ክፋል (15 May 2016)፡ 2ይ ክፋል (22 May 2016)፡
20/05/2016 14፡03 PM
ገምጋም ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ብኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ Assessment of Eritreas Economic Situation over the last 25 years,
by Mr Kibrom Dafla
ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ ገዲም ተጋዳላይን ምሁርን ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መሓውራት ቁጠባ ኤርትራ፡-
ካብዚ ናይ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብዘይፍለ፡ ተመሳሳሊ፡ ኪኢላዊ ገምጋም ዘቕረቡልና ክልተ ኪኢላታት እውን ኣለዉ፡-
(1) Assessment of the Eritrean Economy by Sengal Woldetensae -
(2) ብዛዕባ መራኸቢታትን ሓበሬታን (Information & Communication Technology) ብኣቶ ተወልደ እስቲፋኖስ Tewelde Estifanos
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ናይ ሰለስተ ኪኢላታት ገምጋማት፡ ፍልይ ብዝበለ ድማ: ፕሮፈሶር ኣብራሃም ኪዳነ (Prof. Abraham Kidane):-
1ይ ክፋል (shabait.com)፡ 2ይ ክፋል (TesfaNews.com)፡
18/05/2016 10:07 PM
ሰሚናር በይ ኤርያ ካሊፎርንያ-
[ኣዝማሪኖ -
እቲ ብምክንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝተካየደ ሰሚናር ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብናይ ሐሶት ዳንኬራ ተዓጠቅ ትሸብሸብ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ናጽነት ጽንብል ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ኣብ ጎደና ምዕባለ’ዶ ወይስ ከምቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ነዚ ሐቂ’ዚ ዘንጸባርቅ ብመርቶዓታት ዝተሰነየ ብሙሁራት ኪኢካታትን ካብ ሰሜን ኣሜርካን ኤውሮጳን ዘቅረብዎ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ዕውት ሰሚናር ኔሩ።
እዚ ዕዉትን ኣገዳስን ሰሚናር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣቀዲሙ ክግበር ዝተመርጸሉ ምክንያት ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብሐሶት ህዝብን ዓለምን ንምድንጋር ናይ ኣታዊታቱ ንምክዕባትን ዝግብሮ ሜላ ንምብዳህን ነቲ ዝዳናገር ዘሎ ህዝቢ እቲ ሐቂ ፈሊጡ ነቲ ስርዓት ዝግብሮ ዘሎ ናይ ሐሶት መናውራ ክቃውመን ካብ ምድግፉ ክቁ ጠብን ክሕግዞ ምእንቲ’ዩ።
ትሕዝቶ እቲ ሰሚናር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጾ ነጻነት ፍረጻማ መሪር ቃልሱን ዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ሰለዝኾነ ብክብሪ ክዝክሮን ክብዕ ሎን ዘየማትእ እኻ እንትኾነ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ውሽጢዚ 25 ዓመታት እቶም መብጽዓ ስውእቶም ዝጠለሙ ጭፍራ መራሕቲ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘይወጻእ ዓዘቅቲ ሸሚሞማ እናሃለዉ ኤርትራ ከም ኣብ መንገዲ ግስጋሰን ልምዓትንዘላን ሃገር ጌሮም ንምብዓል ዝዳለዉሉ ዘለዉ ብሩራዊ ኢዮቤል ሐቅነት ዘይብሉ ፈከራ ምኻኑን እቲ ኣብ ባይታ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሐቂ ግን ብኣንጻሩ ሽግር፣ መከራ፣ጥሜትንሕማምን፣ ስደትን ሞትን፣ማእሰርትን ስቃይን ምኻኑ ንምምካት’ዩ።
29/05/2016 22:07 PM
ናይ Sunday 29 May 2016 show መደብ
ኣብ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ኤርትራ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መደረ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣብዚ መደረ'ዚ ዝተመርኮሰ ገምጋም፡ ብዓይኒ ኣባላት ንጋባእ። ዕዱማትና፡-
ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብዚ ጠውቑ።
Past shows or to listen: click here
07/06/2016 14:15 PM
ንርብዒ ዘመን ዝጸልመተ፡
ትንሳኤ ሓርነትን ፍትሕን ዝነገሳ ኤርትራ
ህያው ምግባር:
ሓላፍነት ህሉው ወለዶ`ዩ!!!
ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)
[Asmarino -
ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ድሕሪ ናይ 25 ዓመታት መዘና ዘይብሉ ሃገራዊ ዕንወትን ጥፍኣትን፡ ናብቲ ሽግር ዘይኮነ፡ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ፡ ብሓባር ናብ ፍታሕ ከነድህብ ኢዩ ዝግባእ። ኣብ ወጻኢ እንርከብ ደቂ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ፋሺስታዊ ውልቀልመላኺ ካብ ልክዑ ንላዕሊ ተዛሪብናሉን ጽሒፍናሉን ኢና። ግዳይ ፋሺስታዊ ጭቆና ንዝኾነ ህዝቢ ብዛዕባ ፍታሕ ድኣ`ምበር ብዛዕባ መሰነይታ ዕለታዊ ህይወቱ ዝኾነ ሽግሩ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን። እንተ ኾነ ግን፡ ብዛዕባ ርትዓውን ውሕስነታውን ፍታሕ ንምዝታይ ነቲ ሽግር ካብ ሱሩ ምግንዛብ የድሊ። ብፍላይ፡ ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ሃገርን ህዝብን ዘማሰነ ሽግር ብንጹር ምልላዩን ብሓቂ ምቅልሑን ንቕኑዕ ፍታሕ ኣገዳስነቱ ዝጋነን ኣይኮነን። ስለዚ፡ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ብንጹር ንምርኣይ፡ እቲ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ንህይወቱ ዘጸልመተ ጠንቂታት ብሓጺር ምዝርዛሩ ኣገዳሲ እመስለኒ።
ERI-
ኤሪ-