Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print


Search our site መድለዪ:
 


08/03/2016 00:35 AM

ክብሪ ነታ ጸዋሪት ኩሉ

ጅግና ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ!

ኣብዛ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ መጋቢት ሸሞንተ፡ እነብዕለላ ዘሎና ክብርቲ መዓልቲ፡ ነታ ሓንቲ'ኳ ከይበቐቐት ካብ ማህጸና ዝወጽኡ ኣባጽሕን ዕሸላትን ደቃ ንሰውራ ዝለኣኸት፡ ቅናታ ሸጥ ኣቢላ፡ ተጋደልቲ ደቃ ዘስነቐትን ዝተኻናኸነትን፡ ቁምጣ ስረ ወድያ ኣብ ዕርድታት ጀጋኑ ተሰሊፋ ዝተራጋረገትን፡ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ኣደናቒ ቅያ ዝፈጸመትን ኤርትራዊት-ጓል-ኣንስተይቲ! ክብሪን ምስጋናን ንዓኣ፡ ልዕሊ ኹሉ።


   እወ ነዛ ንኹሉ ጽንኩር ኩነታት በዲሃ፡ ባህሪያዊ ጾታዊ ጸገማታ ከይኣገማ፡  ነታ ተባሃጊት ሰማያዊት መንዲል ባንዴራና፡ ኣብ ክሊ ኣየራት ኤርትራ ከምተምበልብል ዝገበረት ኤርትራዊት ኣደ። እንተኾነ ግን፡ እዛ ኩሉ ዝበጀወት ኣደ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ኣዝዩ ዲቕ ዝበለ ወጽዓ ኢያ እትርከብ ዘላ። ገና፡ ደቃ ይምንጠሉ፡ ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ኢዮም ዘለዉ። ዓው ኢላ ዘይተእውየሉ ናይ ባሕሪ-ሓዘን ወሪሱዋ ይርከብ ኣሎ። እቲ ቅዱስ ባህጋ ክረጋገጽ፡ ማህጸና ክቐስንን ልባ ክርስርስን ኣይከኣለን። እምበኣር ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ስምረት የድሊ። ብዘይታ ፍርቂ ሕብረተሰብና ዝኾነት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ዝተማልአ ሓርነት ሕብረተሰብ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ሰውራ ኤርትራ ሒዙዎ ዝነቐለ ናይ ሓርነት ደቀንስትዮ ጭርሖ፡ ተግባራዊ ንምግባሩ እምበኣር፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ፡ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ።

ዕድመ ንመዓልቲ ደቀንስትዮ!!   ስኒትና.ኮም





ድምጺ ኣመሪካ (መደብ ትግርኛ)

ቃለመሕትት ምስ

ትብለጽ መለስ፡ ገነት መሓረናን  ይርጋአለም መረስዕ ተስፉን

እዘን ደቂ-ኣንስትዮ፡  ትብለጽ መለስን ገነት መሓረናን  ካብ ሽወደን ይርጋአለም መረስዕ ተስፉ ኸኣ ካብ ኣሜሪካ ኾይነን ብዛዕባ ተራን ተመክሮን  ኤርትራዊያን ደቂ-ኣንስትዮን የጋጥመን ኣሎ ዝበለኦን  ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ-መጠይቅ ዘርዚረን'ለዋ። ካልእ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዋ ሃና ብርሃነ'ውን ካብ ሽወደን ኣብዚ ጉዳይ ኤርትራዊያን ደቂ-አንስትዮ ርእይቶኣ ሂባ ኣላ። ሙሉእ ቃለመሕትት፡- ኣብዚ ጠውቑ።







Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe