2013 Yemane Ghebreab (Monkey) – ተባዓት ኣሕዋትና ተቐማጦ ኣትላንታ፣ ጆርጅያ ንየማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ዘቕረብሉ በዳህቲ ሕቶታት ብሓቂ ዘተባብዕ እዩ። እቲ መልስታት ድሒሩ ሰለዝጅምር ድማ ብምሉኡ እቲ ቪድዩ ብጽሞና እንተሰማዕኩሞ ኩሉ እቲ መልስታት ክትሰምዕዎ ኢኹም። እቲ መልስታት ሓቅታት ዘይምህላዉ ልሙድ ናይ ህግደፍ ባህርያት ሰለዝኾነ ብዙሕ ኣየገርምን እዩ። እቲ ብዛዕባ ሕድገት’ዶ ምሕረት’ዶ ዝብል ኣስተምህሮ ይኹን መልሲ ግን - ማይ ንዓቐብ ዘብል እዩ። ሰለምንታይ ድኣ ሕጂ ማንኪ ሓለቕኡ እቲ ናይ 1997 ቅዋም ኣብ ተግባር ኣይከውዕሎን እየ፣ ኣምሰይዩ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ሰነድ ክንደፍ እዩ ምስበለ ቁዋም አሎና ንሱ ይተግበር ኢሉ ዘይዛርብ? ብ2013 ግን የማን ማንኪ ኣብ ቅድሚ እኩብ ሰብ ተጠሊዑ ቁዋም ኣሎና ኢሉ። ምስ ግዜ እንዳበርሄ ዝኸይድ ዘሎ ሓቂ፣ ካብ መጀመርያ ስጋብ ሕጂ፣ ደረጃ ስልጣኖም ብዘየገድስ ፈጸምቲ ትህዛዛት ምንባሮምን ምህላዎምን ጥራሕ እዩ። እቶም ዘጣቅዑ ዘለዉ ድማ ነቶም ንመሰል ኤርትራውያን ኢሎም ኣብ ጭብጢታት ዝተመርኮሰ ሕቶታት ዝሓቱ ዘለዉ ሓተትቲ ዘየጣቕዑ ነቲ ክብሪ ከሊኡ ብኣንጻር'ቲ ዝፈልጥዎ ጭብጥታት ዝሕስወሎም ዘሎ መራሒ ከጣቕዕሉ ዘሕፍር’ዩ።

Posted by Freweini Ghebresadick on Wednesday, 2 March 2016